Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓው ታደሰ፡ “ስኽፍታ ኣለኒ’ሞ” እኹል ድዩ?

  ሓው ታደሰ፡ “ስኽፍታ ኣለኒ’ሞ” እኹል ድዩ? ብዙሕ ናይ በላሕቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ጽሑፋት ብምንባብ ተማሂረ ርእይቶ ክህብ ክፍትን’የሞ ኣንበብቲ ትሕዝቶ በኹሪ ጽሑፈይ ክትርድእዎ ተስፋ እገብር። ኣቐዲመ ንሓው ታደሰ ኪዳነ ብናይ ገድሊ ጅግንነቱ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ዘቕርቦ መሃርን

 

ሓው ታደሰ፡ “ስኽፍታ ኣለኒ’ሞ” እኹል ድዩ?

ብዙሕ ናይ በላሕቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ጽሑፋት ብምንባብ ተማሂረ ርእይቶ ክህብ ክፍትን’የሞ ኣንበብቲ ትሕዝቶ በኹሪ ጽሑፈይ ክትርድእዎ ተስፋ እገብር። ኣቐዲመ ንሓው ታደሰ ኪዳነ ብናይ ገድሊ ጅግንነቱ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ዘቕርቦ መሃርን መሳጢን ጽሑፋት ምስኩሉኹም ጸሓፍቲ ከየመስገንኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣስዒበ’ውን ታደሰ፡ እቲ ዘየለ ግን ከኣ ከም ዘሎ ንኣምነሉ ግመ ራዕዲ ቀልጢፉ ክቕንጠጥ ዝፈልጦ ዘበለ ካብ ምጽሓፍ ሰጋእ ንከይብል እምሕጸኖ። ህዝቢ አርትራ ንሓዋሩ ብሰላም ክነብር እንተኮይኑ ኩሉ ጌጋታት ክፍለጥን ኩሎም ገበነኛታትን ክቃልዑን ስለዘለዎም። ስላጣን ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ ከኣ ህዝቢ ንመን ሕድገታት ይገብረሉ ንመን’ከ ይፈርዶ ይውሰን። ነዚ ሓሳብ’ዚ ንምብራህን ኣብ ናይ ታደሰ ጽሑፍ ክውስኽን ክፍትንየ’ሞ ክመሃር ቅሩብ’የ ኣርሙኒ።

ብወገነይ፡ ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ምይይጥ ወይ ክትዕ ናይ ግድን ሕመረቱ ናብ ረብሓ ህዝቢ ዘተኮረ ክኸውን ከምዘለዎ ኣሚነ ከተግብሮ እህቅን። ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ጉዳይ ስም ዉልቀ ሰባት ምስ ዝለዓል (ህዝቢ ዝመረጾ ምቕሉል መራሕ ሃገር ከይተረፈ) ምእንቲ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ሕጊ ብዘይ ቀለዓልምን ኣድልዎን ፍልልይን ኣብ ተግባር ክውዕል ይግባእ እብል።ንታደሰን ነቶም ካልኦትን ከም ኣሕዋት(ክብሪ ተጋዳላይ ከምዘለዎ ኣሎ) ኣብ ክንዲ ተጋዳላይ ወይ ኣቶ፡ ሓው ክብሎም ዝመረጽኩሉ ምኽንያት ኢሳያስ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ጉዳይ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓርግ’ውን ከምድልየቱ ነንዝመረጾ ክህብ ከምዝጸንሔ ተረዲኤ ኣለኹ። ኢሳያስ ዝሃቦም ኩሉ ፍሩስ ኮይኑ ክሳብ ህዝቢ ኤርትራ ብመጽናዕቲ ንኩሎም ጀጋኑ ከከም ብቕዓቶም ግቡእ መዓርግ ዝህቦም ብሓውን ብሓብቲን ክጽዉዖም መሪጸ። ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ከም መራሒ ሃገር ኣይፈልጦን ብዘለኒ መረዳእታ ከኣ ክሳብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ንጹህ ከምዝኾነ ዝረጋገጽ፡ ኣእዳው ብደም ንጹሃት ደቂ ሰብ ዝጠልቀየ ክነብር ዝይግብኦ ወንጀለኛ እየ ዝፈልጦ። ኢሳያስ ናይ ሰብ ባህርያት ዘይብሉ፡ ኣዝዩ ኤርትራውያን ዝጸልእን ዝንዕቕን፡ ሳልሳይ ወለዶና ዘጽንት ዘሎ ጨካን ወንጀለና ኤርትራዊ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ እዩ።ስለ’ዚ ብስሙ ወይ ብደመኛና ክጽውዖ ሕልናይ የገድደኒ።

ኣብ ሜዳ ኤርትራ ድርብ ቃልሲ ይካየድ ከምዝነብረ ካብ’ቶም ዝዛረቡን ዝጽሕፉን ዘለው ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ። ኣንጻር ጸላኢ  ቃልሲ እናተኻየደ ከሎ እቲ ንጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ህዝብና ብሓፈሽኡን ዘጽንት ዝነበረ ቃልሲ ግን ብሰላም ንክንነብር ብዘይ ሕብእብእ ኩሉ ክወጽእ ኣለዎ። ንረዳእ’ሞ ምስ ጸላኢ ገጢሞም እንዳተሰውኡ ብድሕሪት ብናይ ደመኛና ቀንጻሊ ረመጽ ይጥጠቑ ነይሮም። ኣቶ ኢሳያስ ገበኑ ንከይፍለጥ ታሪኽ ንከይወጽእ ምስ ኮራኩሩ ዓፊኖሞ ክነብሩ ኣይግባእን። ዝፈልጥ ዘበለ ከኣ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ብንጽህና ምዝራብ ሕጂ እያ። ቅዋማዊ መንግስቲ ምስተተኽለ እቶም ዘይተዛረቡ ኣብ ቀይዲ ኣእቲኻ ብመርመራ ንክዛረቡ ምስተገደዱ ምሕረት የለን ዝብል ክርከብ’ዩ። እቶም ነቲ መንግስቲ ተቖጻጺርና ታሪኽ ንዘልዓለ ከም ቀደም ንቕንጽሎ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ካብ ሕጂ ክንሕብሮም ዘለና ጉዳይ ኣሎ። ንሃገሮም እናተጋደሉ ንዝምጽወት ስልጣን ኢሎም “በሎም” ዝብል ትእዛዝ ደመኛና ተቐቢሎም ህይወት ንጹሃት ኣሕዋቶም ዘጥፍኡ ክህደኑ ከምዝኾኑ ከነፍልጦም ኣለና። ህዝቢ በብዘለዎ ሕነ ክፈዲ እንተተላዒሉ ሃገር ናብ ዝኸፍኤ ኩነት ከይተዘንብል ካብ ሕጂ ንሕሰበሉ። ከም ቀደምና ብልዕልና ሕጊን ፍትሕን ክንኣምን ከምዝኾና ካብ ሎሚ ንህዝብና ነዕግብ፡፡ ቀጻልነት ሃገርን ህዝብን ንምርግጋጽ እቲ ተካኢ ወለዶ ዝሓለፈ መስርሕ ጌጋ ከምዝነበረን እቶም ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዝቐረቡን ፈሊጡ ኣብ መጻኢ ከም’ዚ ኣሬሜናዊ መስርሕ ከይድገም ክንመሃሮ ኣለና።

ነዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ መሰረት ብምግባር ናብ ጉዳይ መጽሓፍየይ ክምለስ፡፡ ታደሰ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንጸባጸበሉ እዋን ሕጂ ኢዩ።” ኢሉ ብዛዕባ ሓው መስፍን ሓጎስ ዘቕረበልና ጽሕፍቲ ከም ኩሉ ግዜ ብጽሞና ኣንቢበያ። ታደሰ ዘይኣመሉ ኣብ’ዛ ኣርእስቲ’ዚኣ “ስክፍታ ኣለኒ’ሞ” ኢሉ ዕሙቕ ዝበለ ሓቤረታ ስለዘይሃበና ዕቃበታት ገይሩ በሃላይ እየ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ክልቲኤን ውድባት (ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን) ብኢሳያስ ተሳዒርና ኢና። ናይ ተሓኤ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ድሕሪ 33ን ዓመታት ኣብ 33ተን ተመቓቒልካ ነንሕድሕድካ ብምብልላዕ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ድኻምን ክሳራን ዝጠቅም ፖለቲካዊ ዓወት ከየመዝገበት ጀጋኑ መራሕታ ኣብ ስደት ይሞቱን ይኣርጉን ኣለው። እቲ ምብትታን ንኣቶ ኢሳያስ መላገጺን መናውሒ ስልጣኑን ምኻኑ ከይኣክል መሓከሊ ኮይኑ። ደመኛና ኣቶ ኢሳያስ ምኻኑ ተረሲዑ መራሕቲ ውድባት ነንሕድሕዶም ክባልዑ መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ተሓኤ ነበር ተዓዘብቲ ኮይኖም ነቶም ዝተረፉ ከኣ ተማቒሎም በታቲኖሞም። ኣብ ነንሕድሕዶም ንዝገብርዎ ውድድር ንምዕብላል ሓው መስፍን ስለዝተጸንበሮ ታደስ ርእይቶ ሂቡሉ። ታደሰ ብዛዕባ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስትራተጂያዊ ዝምድናታት ብዙሕ ክምህረና ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ እየ።

ንሓው መስፍን ሓጎስ፡ ታደሰ ካባይ ንላዕሊ ስለዝፈልጦ ነቲ ዝገለጾ ታሪኹ ከምዘለዎ ይቕበሎ። ደመኛ ኤርትራውያን ንመስፍን’ውን ኣብ ሰማንያታት ኣደስኪሉዎ ከምዝነበረ ይንገር። ኣብ’ቲ መቐይሮ ዓወት ሰውራ ኤርትራ ውግእ ኣፍዓበት’ውን ንመስፍን ተመለስ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሉስ መስፍን ንዕኡ ነጺጉ ምሉእ ዓወት ከምዘመዝገበ ይንገር’ዩ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ንመስፍን ከም ብጾቱ ደመኛ ኤርትራውያን ኣብ ዝደለዮ የቐምጦ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እቲ ኩሉ ጅግንነት መስፍንን ኣድሓኖምን ግን ድሕሪ ማእሰርቲ ብጾቶም (2001) ብግመ ዝተሸፈነ ይመስል። ክልቲኦም ዝፈልጥዎ ብዙሕ ታሪኽ ከምዘሎ ይኣምን። ስቕ ካብ ምባል  እቲ ህዝቢ ንክርህዎ ዝተጋድሉዎ ተገልቢጡ ስቓይ ህዝቢ ስለዘስዓበን ናብ ምጽናት ኤርትራውያን ስለዝተቐየረን ንምእራሙ ንህዝቢ ምሂሮም ኣብ ምዕጋቱ ናይ መሪሕነት ተራ ክጻወቱ ምተገብኤ።

እቶም ናይ ፖለቲካ ምትንታን ሞያ ዘለዎም ክሳብ ዘረድኡና እስኪ ክላመድ።

1ይ፡ንምርድኡ ክሕግዘና ናይ መስፍን ፍሉይ ዝገብሩ ረቓሒታት ካብ’ታ ንታደሰ ዝሃቦ መልሲ ንጀምር፡ “እወ” “ሓንሳብ ዘይኮነ ክልተ ግዜ፡ ምስ ካልኣየይ ዘይኮነ ንበይነይ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዘይኮነ ኣብ ገዝኡ፡ ብቐትሪ ዘይኮነ ብለይቲ…….. ተራኺበ” ዝብል ነይሩ። እቲ ደም ኤርትራውያን ዘይጸገብ ደመኛና፡ ህዝቢ ንክርዕድ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዘስካክሕ ግፍዒ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት በሕዋቶም ከምዘቕተለን ዘሳቐየን መስፍን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። መስፍን ኣባል’ታ ጀጋኑ ዘጥፈኤት ምስጢራዊት ፓርቲ እንተነይሩ’ሞ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ኢሳያስ ከጥፍኦም ምኻኑ እናፈለጡ ግደፉ እናተባህሉ ብጅግንነት ክስውኡ ንዓዶም ተመሊሶም ምስብጾቶም ተጸምቢሮም ዘኹርዕ ታሪኽ ገዲፎምልና ስድራ ቤቶም ግን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይሳቕዩ ኣለው ። ምስ ብጾቱ ፈሪሙ ከብቅዕ ግን ኢሳያስ ንከጥፍኦም እናተዳለወ ከሎ መስፍን ከይመውት ንሕክምና ንወጻኢ ንክኸይድ ፈቒዱሉ። እዚ ምስ’ቲ ካብ ኣፍ ጀጋኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተመሃርናዮ ሓቀኛ ታሪኽ ደመኛ ኤርትራውያን ፈጺሙ ኣይቃዶን እዩ። ብወገነይ ክኣምኖ ኣይክእልን ምኽንያቱ እቲ “ምስ ምስጢሩ ቅበሮ” ከምኡ’ውን ክሳብ ሕጂ ክሃድም ዝተረኽበ “ይረሸን” ዝብል ውልቃዊ መምርሒ ደመኛና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስደት ከይተረፈ እንዳርከቡ ኣሕዋቶም ዝቐተሉ ስለዘለው። መስፍን ደኣ ከመይ’ሉ ምስጢር ከምዝዕቅብ ተረጋጊጹ ንክወጽእ ፈቒዱሉ? ካብ ኩሎም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ህግ ዝነበሩ መስፍን ንምንታይ ተኣሚኑ? ብሓቂ’ድዩ መስፍን ፈሪሙ? መስፍን ንከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ብቅንዕና ክምልስ ኣለዎ።

2ይ፡ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዛዕባ መስዋእቲ ስዉእ ጅግና ኢብራሂም ዓፋ ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ንተዓዘብ። ወዲ ዓፋ ምሳይ ክትሓድር ኢሉዎስ ይጽበዮ ከምዝነበረ እንተኾነ ግን ካልእ (ፍሊጶስ ይመስለኒ) ምሳይ ሕደር ኢሉ ኣትሪፉዎ። ሽዑ ለይቲ ወዲ ዓፋ ብጸላኢ ተቐቲሉ ዝብል ሓቤረታ ከምዝበጽሖ መስፍን ሓቢሩና። እታ ዝወጸት ሓቂ ግን ደመኛና ኣብ ሱዳን ከሎ በቲ ዝሃቦም መምርሒ መሰረት፡ ብኮድ (ምስጢራዊ ኣዘራርባ) ወዲ ዓፋ ከምዝተቐንጸለ ብረድዮ ከምዝሓበርዎ እዩ። መስፍን ግን ኣብኡ ዝነበሩ ስለዘለው ክዛረቡ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዓጽዩዋ። እዚ ኣይትሕተቱኒ ክዛረብ ኣይደልን’የ እዩ ዘስምዕ። መስፍን በቲ ካብ ሓለዋ ሰውራ ጀመሩ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ኢሰብኣዊ ግፍዒ ህዝቢ ኩሉ ርዒዱ ከምዘይዛረብ ይፈልጥ እዩ። ስለ’ዚ ንግዚኡ መስፍን ወይ ከም ኩሉ ህዝቢ ርዒዱ ኣሎ ወይ ካልእ ምስጢር ኣለዎ ኢልና ንሕለፎ። ወዲ ዓፋ ምስተቐንጸለ መስፍን ዘካየዶ መርመራታት ኣሎዶ? ኢሳያስ ንኩሎም ጀጋኑ ከጥፍኦም ብዘይምኽኣሉ ደም ንጹሃት ደቂ ሰብ ከኣ ስለዘእዊ እቲ ታሪኽ ብጀጋኑ ይትረኽ ኣሎ።

ብዛዕባ እተን ደቅና ንህዝቦምን ንሃገሮምን ተሰዊኦም ኢለን ሓዘነን ነጺገን ዕልል ዝበላ ኣዴታትናን ኣሓትናን’ሞ ንዘክር። እዚ ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ታሪኽ ዘይወጽእ ሓዘን ከምዘስዕበለን ርዱእ ስለዝኾነ ካብኣታተን ሓንቲ፡ ንኣብነት ኣዲኡ ወይ በዓልቲ ቤቱ ንወዲ ዓፋ ንመስፍን፡ ቀተልቲ ኢብራሂም ሓብረና ዝብል ሕቶ የቕርባሉ።  ኣስዒበን’ውን ከም ኩሎም ብትእዛዝ ኢሳያስ በሕዋቶም ዝተቐንጸሉ ኤርትራውያን እቲ ወዲ ዓፋ ክቕንጸል ከሎ ዝረኣየ ተጋዳላይ ምስ ሃደመ ከይምስክር ደመኛና ቀንጸልቲ ደቂ ሃገር ኣርኪቦም ክቐትልዎ ከምዝሰደደ እንተዝሕብርኦ መስፍን እንታይ መልሲ ምሃበ?  እምበኣር ስድራ ቤት ወዲ ዓፋን ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ከዕርፉን ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ ከኣ ክቡር ከምዝኾነ ንምርግጋጽን፡ ምስ ኢብራሂም ክሓድር ተሰማሚዑ ከብቅዕ ንምንታይ ከምዝተረፈ ምእንቲ ሓቂ መስፍን ዝፈልጦ ክዛረብ ኣለዎ። ንግዚኡ ህዝቢ ኣጽቂጡ ኣሎ ጽባሕ ግን ኩሉ ብከመይ ተሰዊኡ/ኣ ክብልን ክጻረየሉን ክሓትት እዩ ዘይትካእ ህይወት ሰብ ስለዝኾነ። ሓቂ ንምፍላጥ ብህዝቢ ትሽየም ኣካል መስፍን ምስክርነት ምሃብ ስለዝኣበየ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ጽኑዕ ምርመራ ይገበረሉ ዝብል ጠለብ ክለዓል ከምዝኽእል ምርዳእ የድሊ።

3ይ፡ እቲ ከም’ዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ናይ መስፍን መልሲ ብውሕዱ ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ ኮይኑ ምስ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዘይምዝራቡ ደሚርካ እቲ ምስጢር እንታይ እዩ ንዝብል ክንምልስ እስከ ንተዓዘብ። ምስ ኣድሓኖም ኮይኑ ኣንጻር ኢሳያስ ክቃለሱ ምስ ጀመሩ፡ መስፍን ንህግደፍ “ክጽግን” ከምዝደሊ ኣድሓኖም ግን ካብ ሱሩ ክብንቆስ ኣለዎ ብምባሉ ክምዝተፈላለዩ ሰሚዕና። እቲ መልሲ እምበኣር ኣብ’ቲ ብዘለኒ መረዳእታ ክሕሰብ ዘይነበሮ ንህዝቢ ካብ ሓዘን ናብ ሓዘን ነታ ሃገር ከኣ ኣብ ዘይጠፍእ መጋርያ ዘእቱ “ጽገና” ዝብል ስነሓሳብ’ዩ ዘሎ። ናይ መስፍን ዘይምዝራብን ኣዕጋቢ መልሲ ዘይምሃብን ክዕቀብ ዘለዎ ምስጢር ከምዘሎ ኮይኑ ደመኛ ኤርትራውያን’ውን ንክወጽእ ዝፈቐደሉ ስለዝኣመኖ እዩ ክበሃል ይከኣል። መስፍን ከይመውት ንሕክምና ክወጽእ ዝተረፉ ግን ምስጢር ከየውጽኡ ኣብ ዒራዒሮ ከም’ቶም ዝቐደሙ ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳቕዮም ቀስ ኢሎም ክስውኡ። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ሰላም ንክርከብ ሕግን ፍትሕን ክመልኽ ኣለዎ።  መስፍን ግን ድሕሪ’ዚ ኩሉ ንጹህ ደም ምፍሳሱ “ጽገና” ምምራጹ ዘስደምም’ዩ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብሓልዮት ሃገርን ህዝብን እንተድኣ ኮይኑ ደም ንጹሃት ብከመይ ይድቅስ ደኣምበር ክትቀብሮ ምፍታን ካልእ ምስጢር ኣለዎ። ስለ’ዚ ዝፈልጥዎ ታሪኽ ኩሉ ብምዝርዛር ነቶም ብግፍዒ ኢሳያስ ዝተቐንጸሉን ተሳቒዮም ዝተሰዉኡን ብጾቶም ክክሕስዎም ምተገብኤ። ብሕጽር ዝበለ “ጽገና” ማለት ግን እቲ ኩሉ ህልቂት ቅቡል ኮይኑ ከም ምስጢር ተዓቂቡ ስም ኢሳያስ ብካልእ ተኪእካ ንኩሉ ወይ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምጽናት መደብ ንከይቅጽል ንዝሰምዕ ዓቢ መጠንቀቕታ እዩ። ኣብ ሕግን ፍትሕን ዘይኣምን እቲ ሜዳ ኤርትራ ዝመስከረቶ ግፍዒ ክደግሞ እየ ምባል እዩ። ብጭውነት ኤርትራውያን ርትዓዊ ሰብ ንውላዱ’ውን ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ንሕጊ ኣሕሊፉ ብምሃብ ንዕርቂ እዩ ዝልምን። ንወንጀለኛ ዝሓብእ፡ ዝተሓባበር፡ ዘይምስክር ወዘተ ንርእሱ ንጹህ ከምዘይኮነ’ዩ ዘረጋግጽ። ርትዓዊ ሰብ ተጋግዩ ከሎ ዘጣቕዓሉ ጸላእየይ ንዝእርሞ ሰብ ከኣ ፈታውየይ ይብል። ምናልባት ከም ብዙሕ መስዋእቲ ብጾቱ ዝረኣየ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ዝተኻፈለ መስፍን ከም ኣብ ውግእ ዝተሳተፈ ኩሉ ወተሃደር ንሞት ከማና ክርእያ ኣይንጽበዮን። መስፍን ነቶም ንዝተፈጸመ ግፍዒ ኮኒንና ልዕልና ሕጊ ንኣምን ህዝቢ ክመርሓና እንተኮይኑ ከም ወተሃደር ክርእየና ኣይክእልን። ብወገነይ ኣብ’ዛ ዓለምና ወተሃደራዊ መንግስቲ ከምዘይሰርሕ ተደጋጊሙ ዝተረጋገጸሉ ሓደ ምኽንያት ከኣ ወተሃደራዊ ኣሰራርሓ ምስ ሲቪላዊ ምሕደራ ስለዝፈላለ እቶም ወተሃደራት ነበር ክቕየሩ ስለዘይክእሉ እዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ ንወተሃደራዊ ምምሕዳር ኣጥቢቐ ይቃወም።

4ይ፡ ናይ’ቲ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝምቕማጡ ንሓንቲ ማሕበር መንእሰያት ኣብ ሕንፍሽፍሽ ዘእተወ “ዳንኤል” ዝበሃል ሓው ምስ መስፍን ምትእስሳር ነይሩዎ’ዶ? ዳንኤል ነታ ማሕበር ከምክን ይቃለስ ከምዝነበረ ምስተፈልጠ እታ ማሕበር ካብ ስልጣኑ ኣውረደቶ’ሞ ዕግርግር ፈጢሩስ እቶም ናይ ዕድመን ትምህርትን ጸጋ ዝተዓደሉ ምኩር ኤርትራዊ ኣቦ ክዓርቁ ፈቲኖም። ንረዳእ’ሞ፡ ዝዕረቑ ተሳኢኖም’ሲ ዘበላሹ ውልቀሰብ ኣብ ስልጣኑ ክምለስ ኣገዳስነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ? ብናይ መን ገንዘብ’ዩ ዳንኤል እቲ ኩሉ ወጻኢታት ናይ ቦሎኛ ሸፊንዎ ዝብል ሕቶ’ውን ቀስ ኢሉ ርእሱ ዝኸኣለ ጭብጢ ክኸውን እዩ። እቲ ኣነ ሓደ ካብ ብዙሓት ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ዶ/ር ኣሰፋው’ከ ኣብ ካልእ ዘይተሳተፈ ንምንታይ ኣብ ቦሎኛ ብዳንኤል ተዓዲሙ መጺኡ ንዝብል ሕቶ፡ ምስ’ቲ ድሒሩ ተቓላሳይ ኣማኑኤል እያሱ ዝመሃረና ናይ “መድረኽ” ታሪኽ ኣተኣሳሲርኩም መልስዎ፡፡ ናይ ዳንኤልን ናይ’ዞም ክልተ ምሁራትን ምስ መስፍን እንታይ የራኽቦ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ፡፡ እቲ መልሲ ካብ መስፍን ክርከብ ስለዘይተካእለ ብመሽረብ ከላግቦ ክፍትን፡ መጀመርያ ረድኢ ድሕሪ ኢሳያስ ተሓታቲ መስፍን ከምዝኾነ ሓቢሩና  እዩ። ኣስዒቡ ከኣ ንተሳፍቲ ቦሎኛ መስፍን ኣቐዲሙ ኣብ ጀርመን ምስጢራዊ ኣኼባ ከምዝገበረሎም ኣፍሊጡና። ነዚ ጅግና ረድኢ ዝሃበና ሃገራዊ መጠንቀቕታ መስፍን ዝኾነ ይኹን መልሲ ክህብ ዘይምፍታኑ ብሕጊ መልሲ ክህበሉ ክግደድ ይግባእ ። ረድኢ ከም መስፍን ኣብ ውዕይን ዝሑልን ዝወዓለ ደኣ’ምበር ስም ንከጥፍእ ኢሉ ኣይኮነን “ድሕሪ ኢሳያስ መስፍን ተሓታቲ” ከምዝኾነ ዝሓበረና።

ኣስተውዕል’ሞ ህዝቢ ኤርትራ፡ ረድኢ ምቕንጻላት ክሳብ ሕጂ ይካየድ ከምዘሎ እናፈለጠ ንህይወቱ ከይሰግኤ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝፈልጦ ዘበለ ይሕብር ኣሎ። በዚ ከኣ ንዓይ ረድኢ ካብ’ቲ ንዓመታት ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዝተጋደሎ ንላዕሊ መጽሓፍ ጽሒፉ ንውልድ ወለዶ ዝሓልፍ ታሪኽ ተሪኹ ሓቂ ብምዝራቡ ንዘለኣለም ተኸቢሩ ዝነብር ጅግና ሰብ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ንህዝቢ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ናይ’ቶም ምሁርን ምኩርን ኣቦ ልዕልና ሕጊ ተሞርኪሶም ንመሰል ዝተገፍዑ ዘይምጥባቖም ይጽናሕ። ናይ “መድረኽ” ምስ መስፍን ምትእስሳር በቲ ሓደ ከኣ ምስ’ታ ፍንጫል ተሓኤ ስለዝቃለስ ዘሎ፡ ዝለዓሉ ሕቶታት ብዙሓት እዮም። እዚ ሕጂ ህግደፍ ብክቱር ንዕቀት ህዝቢ ሓዘኑ ከይወድኤ ኣብ ቦሎኛ ዝገበሮ ዳንኬራ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዳንኤል ዘዳለዎ ፈስቲቫል ምስፈሸለ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለ’ዚ ምናልባት ኣይፍለጥን ዳኒኤል ካብ ህግደፍ ገንዘብ ተቐቢሉ ንናይ ቦሎኛ ወጻኢታት ይሽፍኖ እንተነይሩ ነቲ “ጽገና” ደሚርካ፡ መስፍንን ብጾቱን ብቐጥታ ምስ ደመኛና ይሰርሑ ኣለው ዝብል ጥርጣረ ክህሉ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛኹም ምጽራይ ከይተሓጸርኩም ምስ ህዝብኹም ንሓው መስፍን ኣብ ሓንጎሉ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓቀኛ ታሪኽ ሒዝዎ ናብ ዓዲ ኩልና ከይከደ ክነግረና ክትልምንዎ ኣጥቢቐ እምሕጸን። ብፍላይ ካብ ሎሚ ንደሓር ህይወት ሓደ ኤርትራዊ ከይትጠፍእ መስፍን ኣስማት ቀንጸልቲ ክህበና ኣለዎ።

ንተዓዘብ’ሞ፡ ምብታትን ስለዘየድምዕ ኣይምርጫናን እዩ ግን ኩሉ ኤርትራዊ በብዝመስሎ ክቃለስ መሰሉ እዩ። እንተኾነ ግን ብስም ሃገር ክትቃለስ እንተኮንካ ሕመረቱ ንረብሓ ህዝቢ ኮይኑ ብኩሉ ተቐባልነት ክህልወካ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ከተዘውትር ኣለካ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝሓለፈ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ዝቕበሎ ኣይመስለንን። እቲ ኢሳያስ ገበን መምስፈጸመ ህግ ኣይዛርብን እዩ እናበለ ኩነታት መዝሚዙን ግዜ ወሲዱን ኣብ ርእይቶ ህዝቢ ተሞርኪሱን ዝህቦ ኣታላልን መፈራርሕን መልሲ ፈጺሙ ክጠፍእ ኣለዎ። መስፍን ከኣ ንመጻኢ ብከምኡ ክቕጽል ስለዝደሊ እንተኮይኑ “ጽገና” መሪጹ ኣጽቂጡ ዘሎ ከንቱነት ስለዝኾነን ደምን ኣዕጽምትን ብጾትካ የእዊ ስለዘሎ፡ ሃየ ድኣ ብሃንቀውታ ንጽበ ስለዘለና ትፈልጦ ሓቂ ንገረና ኢለ ይምሕጸኖ ኣለኹ። ሓቂ ካብ ኩሉ ናጻ ተውጽእ ዝብል ኣዘራርባ ኩሉ ሰብ ዝቕበላ እያ። ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ሓቂ ክጽሕፍ ክፍትን’የ ክሳብ ሽዑ ግን ንሓው መስፍን ይኹን ካልኦት ናጽነት ሕልናኹም ኣብ ኢድኩም ኣላ።ዘይምዝራብኩምን ኣብ ልፍንትታት ብምእታውኩምን ንህዝቢ ናብ ድሑር ዝንባሌታት እናምረሔ ሓደ ካብ’ቲ መናውሒ ዕድመ ደመኛና ምኽንያታት ኮይኑ ንጸንት ከምዘለና ከዘኻኽረኩም እፈቱ።

 

ካብ’ቲ ንጽበዮ ቁሩብ መዘኻኸሪ ኣብነታት ንመስፍን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ደመኛና ንከይፍለጥ ዘጥፍኦ ህይወት ደቂ ሰብ፡

ንስውእ ንኣብርሃም ተወልደ “ምስመረዙ” ደመኛና ከምዝኣዘዞም ከይነግሩ ዝተቐንጸሉ ኣቦ፡

ምስጢራዊ ርክባት ደመኛና ንከይወጽእ ዝተረሸነ ስውእ ሃብተስላሴ ገ/መድህን፡

ንስውእ ሃብተስላሴ ብምስክርነት ካብ ሰርዓት ሃይለስላሴ ዘውጽኤ ወተሃደር ነበር ዝተቐንጸለ ሓረስታይ፡

መንካዕ ኢሉ ዘጥፈኦምን ከምስል የሚን ኢሉ ዝደገሞምን ስውኣት፡

ናይ’ዚ ገበን’ዚ ይፈልጥ ነይሩ ካብ ዝበሃሉ ምስጢር ከየውጽእ ካብ ሱዳን ኣምሊሱ ዝቐንጸሎ ስውእ ሰለሙን ወልደማርያም፡

ምስ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝነበሮ ርክብ ንከይፍለጥ ዘተቐንጸለ ተስፋንኪኤል ጆርጆ፡

ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ከይሕተት ብ1998 ውግእ ከፊቱ ዘጽነቶ ካልኣይ ወለዶ፡

ዝፈልጥዎ ከይጽሕፉ ዝተፈርሑ ጋዘጠኛታትን ከይዛረቡ ኣብ ዒራዒሮ ዘለውን ዝተሰውኡን  ብጾትካ፡

ኣብ’ቲ ኣብ ማይሓባር ነይሩ ተባሂልካ ትሕመየሉ ዘለኻ ብትእዛዝ “ወዲ መምህር” ዝበሃል ብጭካነ ስንኩላን ዝረሸነሉ፡

 

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና፡

ጽንዓትን ሰላምን ራህዋን ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ፡

ስቓይን ውድቀትን ንደመኛታት ኤርትራ፡

ልባዊ ይቕረታ ንኩሎም ብደመኛና ተታሊልና ዝበደልናዮም ንተኽላይ(ዓደን) ወሲኽካ ።

 

ኪዳነ በራኺ

ኢንዲያናፖሊስ ሕ. መ. ኣ.

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you December 1, 2014

    Yohannes almaz, don´t be tired. You can not convince anyone with the amount of the word. We know,” Thorn bushes as do not bear grapes, and briers as do not bear figs. A healthy tree as bears good fruit, but a poor tree as bears bad fruit.
    ” Be on your guard against false leaders teachers,prophets politicians etc…;they come to you looking like sheep on the outside, but on the inside they are really like wild wolves. You will know them by what they do and by what they bear fruit?
    Do a person who has not unity with long years struggle comrades from same religious afillity comrades struggling for the same purpose, can be a role model for unity among other trips? Please stop your mockery! No one buys it. If Mesfin likes to be trustworthy, to have sympathy from our society, and likes to support the struggle he should to share to expose Isyas´s unrivalled countless crime only. Imagin! Tegadalay Yemane Gebere Giorgish may know only 1/100 of the information about Isyas from that Mesfin knows, Amanuel Mahadere may only 1/1000 of Isyas´s crime, but Mesfin even a single secrit doesn´t like to expose? So how could you trust such person? Regarding power interst, anyway his academical knowledge is not enough for position he struggling. If he like to get sympathy,trust, mercy and respect my advice to him is regardless what wrong he done before he should support the struggle in feeding information.

  • HGDF December 2, 2014

    Who cares about the bla bla….. by the so called “History tellers”. Real men spend their time in doing history, not in telling history. I Wonder why the People like Tadesse spent their time in the Ghedli if they were witnessing so many “wrongdoings”. They had all the opportunity to abandon it. Or if they are men enough could at least take action on their immediate leaders. Poor People, you have to spend Your time listening to history teller after history teller. Once they finish Reading their history they publish it as a book and pass you onto another history teller. Are you so addicted to listening to bad stories and you cannot sleep without listening to one?

  • Mesinas December 2, 2014

    ወይለይ! እዛ “ብላ ብላ…” ትብል ቃል ኩሎም ኣገልገልትን ደገፍትን ደማሒ (መላኺ) ድዮም ዝጥቀሙላ? ብቐዳማይ ድንኪ ህግደፍ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ‘ኤርትራውያን ብብዝሒ ይስደዱ ኣለዉ’ሞ እንታይ እዩ ጸገሞም?’ ኢሉ እንተ ሓተቶ ‘ብላ ብላ… ብዛዕባ ሽዱሽተ ሽሕ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ትዛረቡስ ብዛዕባ ክልተ ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘይትዛረቡ?’ ብምባል ከጉባዕባዓሉ ሰሚኦአዮ ኔረ፤ ሕጂ ከኣ ኣቶ ወይ ወይዘሪት ህግደፍ ኣብ ርእይቶኡ/ኣ ደጊሙዋ/ደጊማታ ይነባ ኣለኹ። ዝሓሰርኩም ጉጅለ ሕሰምን ኣሳሰይቶምን፡ እዛ ቃል ብምንታይ ቋንቋ ሙዃናን ትርጉማን ደኾን ክትነግሩና ምኸኣልኩም? ዘይትፈልጦ ምፍላጥ ዝመስሉዎ የለን!

  • Mesinas December 2, 2014

    ዕላማና ንጉጅለ ህግደፍ ብዓረር ቃላት ምድማይ ዘይኮነስ ነቶም ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ መንግስቲ ወይ ውድብ ዝመስለኩም የዋሃት፡ እንታይነት መላኽን ልኡኻቱን ገሊጽና፡ ንየዋሃት ምንቃሕን ምጉራሕን ብኡ ኣቢልካ ከኣ ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣት ምድሓን ስለ ዚኾነ፡ ክሳዕ ልቢ ትገብሩ ምምዓድን ምሕባርን ክንቅጽል ኢና። በዚ መሰረት ከኣ እንሆ ሕጂውን ሓንቲ መሰልቾ ጽሕፍቲ ንኣኻን/ኽን ንመሰልትኻን/ኽን አወፍየልኩም ኣለኹ’ሞ ኣምላኽ ንድሕነትኩም ኢሉ ዑረት ልብኹም ንኽኸፋት እጽልየልኩም!

    ንሕና ንሱ!

    ኣቱም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ
    ጀጋኑ ዝመቈሐ ብሓሶት ከሲሱ
    ምሁራት ዘጽነተ ከም ተመን ነኺሱ
    ቊሩብ ከይነተንፍስ ብኣፍና ዓቢሱ
    ሃገርና ዘዕነወ ብዂናት ሓሚሱ
    ኣንታ ነዚ ድኹም ወትሩ እትውድሱ!?

    ኣቱም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ
    ኲናት ኣቑሲሉና ተተመላሊሱ
    ይሓይሽ ተበልና ዚገድድ መሊሱ
    *ከይሲ ኣብ ልዕሌና ብሓይሉ ነጊሱ *ተመን፡ ገበል፡ ክፉእ ሰብ፡
    ንዑ’ባ ንላዘብ ክንደልየሉ ፈውሱ!

    ኣቱም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ
    ሃገር ከይትድፈር ብህይወት ከውሕሱ
    ኣብ ቊርን ሃሩርን እኽሊ ከይቀመሱ
    መንእሰያት ብጥሜት እናተፋሓሱ
    *ደማሒ ይሰክር ዊስኪ ተተርኢሱ *መላኺ
    ኣንታ ነዚ ድኹም ወትሩ እትውድሱ!?

    ኣቱም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ
    መጋርያ ዝኣጎደ ንቁልዒ ኣናኺሱ
    መንደላይ’ዛ ሃገር ጫሌዳ መልሓሱ
    ኣብ መድረኽ ደይቡ ዘይኮነ ኪሕሱ
    ኣእዳውኩም *ንሞለይ ከጣቕዕ ለሚሱ *ንኣታሊሉ ዚብለጽ ሰብ
    ኣንታ ነዚ ዲኹም ወትሩ እትውድሱ!?

    ኣቱም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ
    መንእሰይ ዘጥፍአ ኣብ ሓዊ ጠቢሱ
    ወላዲት ዝደነሰ ብሓዘን ረሚሱ
    መሬት ዘጠልቀየ ደም ንሱህ ዓሊሱ
    ስውእ ዘየቕሰነ ስድራኡ ደቢሱ
    ኣንታ ነዚ ዲኹም ወትሩ እትውድሱ!?

    ካብ ሰራሕቲ ቅያ ካብቶም ኣቦታቱ
    ካብ ዋዕሮታት ኤርትራ ካብተን ኣደታቱ
    ካብ ለውሃት ጃጋኑ ካብቶም መቓልስቱ
    ካብ ብዓል ማንዴላ ካብ ጎረባብቱ
    ቊሩብ ዘይመሃር ከመይድዩ ፍጥረቱ!?

    መስዋእቲ ጀጋኑ ዝረኣያ ኣዒንቱ
    ሕድሪ ተቐቢሉ ለበዋ ብጾቱ
    መልእኽቱ ኪፍጽም ዓዲ ካብ ዝኣቱ
    ‘ኩሉ ናተይ!’ ኢሉ ሓለፋ ኣሕዋቱ
    ሃገር ከም ናይ ውልቁ ብመፍትሕ ለዂቱ
    ህዝቢ ይረግጽ ኣሎ ንስልጣን ብሒቱ!

    ኣንታ እዞም *ጥራሙዝ ቊሩብ ዘይሓስቡ *ከብድን ክሳድ’ምበር ርእሲ ዘይብሉ
    ባሕርናን ሃገርናን ብጸላእቲ ኣኽቢቡ
    መንእሰይ እዛ ሃገር ብሓይሊ ስሒቡ
    ናብ ሓዊ እናእተዎ ከም ዘዕበየ ቀሊቡ
    ንመቚሰልትን ሞትን ዕሸላት ቀሲቡ
    መሰልና ዘይብሉ እንትፎ ክህቡ
    ብዓል ንሕና ንሱ በዚድዮም ዚዓግቡ!?

    ብቅዝፈት ውላዶም ወለዲ እናነብዑ
    ብእሕሕታ *ኣውቶክራት ወትሩ ተጣቕዑ *ውልቀ መልልኺ
    ሕዙን ከይድበስ ደጊምኩም ትጸፍዑ
    ክዳን ኣጻዕዲኹም መታን ክትስዕስዑ
    ናይ ዓመጽ እንጌራ ምስ ምልኪ ትበልዑ
    ብዓል ንሕና ንሱ ከበሮ ኣይትውቁዑ!!

  • SAVING YOUNG BAHRENEGASHES December 3, 2014

    Almaz,

    Nobody extends Isaias’s reign like those that selectively blame the people that are non deqeyay,I detest not only Isaias or Mesfin Hagos ,I despise the banditry /gedli in general.However the people you mentioned is in their DNA ,I am not afraid top rebuke Hamasenites that think EPLF /Isaias are ours ,I despise the Serayes who want to be on Isaias side ,just to oppose thew Akeleguzays that look them down ,but the best help for Isaias comes from the Akeleguzays that are in the oposition ,the worsde thing they do is ,they believe other people do not see through them ,they insult other Awrajas’inteligence .This does not include the 5 Akeleguzays who do not think as such.

Post a Reply to simon22 Cancel Reply