Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደራ ኤርትራዊ፡ ናብ ኣሕዋትካ ጥይት ኣይትትኩስ

ሓደራ ኤርትራዊ፡ ናብ ኣሕዋትካ ጥይት ኣይትትኩስ ኩሉም ውልቀ መለኽትን ስሱዓትን ስርዓታት፡ ኣብ ድሮ ውድቀቶም ዝፍጽምዎ ቀንዲ ሕሱር ገበን፡ ህዝቢ ንሓድሕዱ ንምንቋት፡ ካብ ቀዳምነታቱን መኣዝኑን ስሒቱ ብጽልኢ፡ ብምጥርጣር፡ ኣብ ዓደይ ዓድኻን ሃይማኖትን ከምዘተኩር’ዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን ናይ መዋእልና

ሓደራ ኤርትራዊ፡ ናብ ኣሕዋትካ ጥይት ኣይትትኩስ

ኩሉም ውልቀ መለኽትን ስሱዓትን ስርዓታት፡ ኣብ ድሮ ውድቀቶም ዝፍጽምዎ ቀንዲ ሕሱር ገበን፡ ህዝቢ ንሓድሕዱ ንምንቋት፡ ካብ ቀዳምነታቱን መኣዝኑን ስሒቱ ብጽልኢ፡ ብምጥርጣር፡ ኣብ ዓደይ ዓድኻን ሃይማኖትን ከምዘተኩር’ዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን ናይ መዋእልና ብሰይጣናዊ ተግባራቶም ዝኸፍኡን ዝጨከኑን ስርዓታት ስለዝኾነ፡ ከም መቀጸልታን መዛዘምን ውድቀቱ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት፡ ብዝለዓለን ብዝኸፍአን ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሜላ ከምዝፍጽሞ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ድማ ኤርትራውያን ኪኖ ተንኮላት ስርዓት ህግደፍ እንተነቂሕናን እንተሰሚርናን ስርዓት ህግደፍ እከይ ውጥናቱ ክትግብር መድሎን ሓይልን ኣይረክብን’ዩ።  ኩልና ከምእንግንዘቦ፡ ኤርትራውያን ንስርዓት ህግደፍ በብሓደ ክዘርገናን ክበልዓናን ነቃዕን ዕድልን ንፈጥረሉ ስለዘለና’ዩ ስቃይና ዝነውሕ፡ ህዝብና ዝሳቀ፡ ክብርና ዝገሃስን ድሕሪ ሰብ ንተርፍ ዘለናን። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሓድነትና ፡ መንነትና ክብርናን ልኡልውነትናን መጻኢ ወለዶናን ኣዕናዊ ስጉምቲ ከውስድ እንከሎ ብስቅታን ሸለልትነት ክንሓልፎ ኣይግባእን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንውልቀመላኺ ኢሳያስን ሰብ ፍሉይ ረብሓን ኣእዳዎም ንድሕሪት ጠዊና ኣብ ፍርዲ ከነቅርቦም መሰልን ሓላፍነትን ኣለና። ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን ሃገርና ካብ ጥፍኣትን ልምሰትን ንምድሓንን እንታይ ክግበር ኣለዎ ምምላስ ኣገዳሲ’ዩ።

ብቀዳምነት ብረት ዓጢቁ ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ጸጥታን ስለያን ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ንምዕቃብን ህዝብና ንምስቃይን ትሰርሑ ከምዘለኹም ኣይትስሕትዎን ኢኹም። ብዘይካ’ቶም ሒደት መጸይቲ ጥፍኣቶምን ህላወኦምን ምስ ኢሳያስ ዝኾነ ሒደት ጠላማት፡ ወገንኩምን መጻኢኹምን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክትሓስብሉን ተባዕ ስጉምቲ ክትወስዱን ኣለኩም።  ኣሕዋትኩም ፈትዮም ኣይኮኑን ናብ ስደት ዘምርሑን ብነጋዶ ሰብ ዝሕረዱን ዘለዉ። ገበን ዘይብሉ ወገንኩም ኣብ ኢድኩም ክሳቀን ክመውትን እንከሎ እንታይ ይስምዓኩምን  ትኽፈልዎ ዓስቢ እንታይ ትረኽቡን? ናይ ብሓቂ ደቂ ሃገር እንተኾንኩም ህዝብኹም እናጸነተ ሓውኹም ኣብ ጉዕዞ ስደት እናጠፍአ፡ ኣሕዋትኩም እናተዓመጻ፡ ወለድኹም ብዘይ ኣላዪ ኣብ ዕጹው ገዛ ዘኽቲሞም እንከለዉ “ተኣዚዝና እንታይ’ሞ ክንገብር” ኢልኩም ከተመኽንዩ እንከለኹም ብሕድሪ ስውኣት ትላገጹ ከምዘለኹም ኣስተውዕሉ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ተመዲብኩም ዘለኹም ሓለፍቲ፡ ሓለውቲ፡ መርመርቲ፡ ብትእዛዝ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብሰንሰለት ተኣሲሮም፡ ብሕማም ማሲኖም ዝሳቀዩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣሕዋትኩም፡ ወለድኹምን ደቅኹምን፡ መዓልታዊ ኣውያቶምን ቃንዞኦምን ክትሰምዑን ክትዕዘቡን እንከለኹም እንታይ ይስምዓኩም? እቲ ኣሕዋትኩምን ወለድኹምን ተዳጉኖሙሉ ዘለዉ ገሃነብ እሳት ህንጻታትን ጎዳጉድን ማዕጾ ከፊትኩም፡ ተኣሲሮሙሉ ዘለዉ ሰንሰለት ፈቲሕኩም፡ ካብ ስቃይን ሞትን ሓራ ከተውጽዎም ፈትኑ፡ ታሪኽ ስርሑ።

ኤርትራውያን፡ ብጽሞና ክንሓስበሉን ክንጥንቀቀሉን ዘለና ጉዳይ፡ ካብ መጋርያን ሕቡእ ኣጀንዳን ስርዓት ህግደፍ ምንጋፍ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሒደት ናይ ረብሓ ሰዓብቱን፡ ተሪፋቶ ዘላ ሓንቲ መጣልዒት ወረቀት፡ ከም ኣመሉ “ብግዳም ተወሪርና፡ ጅሃድ መጺኦሙና፡ ወያነ ኩናት ኣዊጆሙልና ጠፋእና፡ ዓለም ዘርያትና” ኢሉ ከየደናግረና፡ ንሓድሕድና ከየናቁተና፡ ዓጢቅናዮ ዘለና ብረት ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ኣሓዋትና ከይቀንዕ ንጠንቀቅ። ብፍላይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ኤርትራ ንምጽራግን ልኡላውነት ሃገርኩም ንምውሓስን ዘርኣኹሞ ጅግንነት፡ ነዚ ህዝብኹም ዘንብዕን ዘሳቅን ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምውጋን ልዑል ተራ ክትጻወቱ ህዝብኹም እምነት ኣንቢሩልኩም ከምዘሎ ኣስተውዕሉ። ዘይንቡር ምትፍናን ምስዘጋጥም፡ ካብ ስሞዒት ናጻ ብምዃን ብህድኣትን ብዘተን ክትፈትሖ ኣለካ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራዊ እምነት እናኣጥፍአ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ሓለውቱን ስልጣኑ ዝዕቅብሉን፡ ብገንዘብ ዕሱባት ክቆጽር ከምዝኽእል፡ ዘይቅዱስ ውዕላትን ክኽትምን ጣልቃ ካልኦት ሃገራት ክዕድምን ኣብ ገዛእ መሬትካ፡ ብኻልኦት ክትእዘዝን ወይ ንኽብረትካ ዘዋርድ ብረትካ ኣውርድ ክትብሃል ከምትኽእል ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንዝኾነ እንተታት ኣብ ተጠንቀቅ ጽናሕ። ድሮ’ውን ብጉልባብ ክልተኣዊ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ምስ ኢትዮጵያ፡ ስዑድ ዓረብያን ቀጠርን ፈሪምዎ ዘሎ ውልቃዊ ስምምዓት ጭቡጥ ኣብነት ኢዩ። ኤርትራዊ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብሰበብ መሬት ብሃይማኖት ብኣውራጃን ኣብ ዘሳውሮ ሓዊ ኣብ ንሓድሕድካ ንጣብ ደም’ውን ክፈስስ ኣይግባእን። ኤርትራውያን ኣብ ምንቲ ምንታይ ንሓድሕድና ንጣፋእ መን ክረብሕ? ቅድሚ ሎሚ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ይኣኽለና። ብሰንኪ ኢሳያስን መሰልቱን ንሓድሕድና ዝተቃተልናዮ ከይድገም ንለብም። ኤርትራውያን ዘንብዓናን ዘሳቅየናን ህግደፍ ከይኣለና ስለምንታይ ከብድን ሕቆን ንኸውን። ውልቀ መላኺ ኢሳስ ሓደ ክልተ ኮራኩሩን ለመጫትን ንጻዕዳ ጸሊም ኢሎም ንምእማን ፍሉይ ትምህርቲ ስለዝወሰዱ፡ ብኣጋ ክትነቅሓሎምን በቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝተጠቅመሉ መታለሊ ሽጣራ ከይትዕሾ ሓደራ።

ስርዓት ህግደፍ ኣበራቱ ድኻማቱን ኣሚኑ ይቅረ ናይ ምባል ትብዓት፡ ባህሊ ይኹን ሕልና የብሉን። ህግደፍ ከም መንፍዓትን ቅንዕናን ዝቆጽሮ፡ ድኻማቱ ንምሕባእ ንኻልኦት ምጥቃን፡ ምስልባጥ፡ ጓል መንገዲ ምንዳይን ቀምሽ ኣደይ ሓንኩሉኒ ምስምሳት ምቅራብ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ዋላ’ኳ ዘይንጹርን ንልኡላውነት ሃገርና ብስም ምምሕያስሽ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ መንእሰያትና ካብ ኤርትራ ከምዝጠፍኡ፡ ዓቢ ክፋል ህዝብና ናብ ኢትዮጵያ ግዒዙ ከምዝተሓናፈጹ፡ ባሕርናን ወደባትናን ክሕረጅ፡ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ካብ ሃገሮም ክባረሩ ንዕዘብ ኣለና። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታትና ብዘይ ፍርዲ ሰብኣዊ መሰሎም ተጋሂሱ ንዓመታት ተሓይሮም ኣለው። እቶም “ትካላትና ከይውረስ፡ ናብ ዓዲ ምጋሽ ከይንኽልከል፡ ገዛውትና ከይውረስ፡ ቤተሰብና ከይእሰሩ” ብዝብል ፍርሒ ክሳብ መኣስ ኢና መንደላይ ተመን ሓቁፍና ክንድቅስ። እቲ ተመን እኮ እንተልይ ንዓና ክነኽሰናን ክምርዘናን ኢዩ። ህግደፍ ዝኣመነን ማይ ዝሓቆነን ሓደ ኢዩ። ህግደፍ  እምነትን ሕልናን ስለዘይብሉ ንግዚኡ ተጠቂሙ ከምዝድርብየና ብተግባር ኣመስኪሩ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተሓቢኡን ተድጉሉን ዝነበረ ድምጾም ከስምዑ ጀሚሮም ኣለው። እቲ ይኣክል ዝብል ድምጺ ግን ንስርዓት ህግደፍ ብዘሕምሞ ኣገባብ ክሕይልን ክውደብን ኣለዎ።

ናይዚ እዋን’ዚ ቀዳምነታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ንጹራት ኢየን። ንሳተን ድማ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብዘይ ውዓል ሕደር ካብ ስልጣኑ ክወርድን ኣብ ቦታኡ ህዝቢ ዝወከሎ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት፡ መግለጺ መንነትና ዝኾነ ተወንዚፉ ዘሎ ዶብና ክንሕንጸጽ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል፡ ልዕልና ሕጊ ክነግስ፡ እሱራት ክፍትሑን ገበን እንተለዎም ድማ ኣብ ፍርዲ ክቀርቡን፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ክብልን መንእሰያት ናብ ሰላማዊ መነባብሮኦም ክጅምሩን፡ ኣብ ስደት ተበታቲኑ ዘሉ ህዝብና ናብ ሃገሩ ንኽምለስን ኣብ ልምዓት ሃገሩ ንኽዋሳእን ጥጥጡሕ ባይታ ክዳሎን፡ ዕርቅን ሰላምን ክፍጠርን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ዝፈጸሙ ዜጋታት ድማ ኣበሮም ክናስሑን ህዝቦም ክኽሕሱን ዕድል ምሃብን ኢዩ። ኣብ ከባቢ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዘለኹም ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን፡ እንተብቀጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ ነቲ  ኣብ ኣፍደገ ሞት ዝስሓግ ዘሎ ስርዓት ቀንዲ ተሓባበርቲ ከምዝኾንኩምን ሕሰም ህዝብኹም ተናውሑን ረሳሕ ታሪኽ ንዓኩምን ንደቅኹምን ትገድፉ ከምዘለኹም ክትዝክሩ ኣለኩም። ናይ ብሓቂ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ሓልዮት እንተለኩም፡ እቲ ግዜ ሕጂ’ዩ፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ኣይኮነን።  ሓደራ ዓጢቅናዮ ዘለና ብረት ናብ ኣሕዋትን ኣይንተኩሶ፡ ትእዛዝ ኢሳያስ ኣይንተግብር፡ ጉዳይና ናይ ግዳም ሓይልታት ኢዶም ከእትዉሉን ዘይተደልየ ሕጊ ኣልቦ ከይመጽእን ዕድል ከይንህብ ፈታሕቲ ጸገምና ንሕና ንኹን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 16 መጋቢት 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT