Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ዝሓትት ዝነበረ ሙኒር ሓሰን መሓመድ ዝተባህለ ኤርትራዊ ብግብረሽበራዊ ውዲት ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ።

ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ዝሓትት ዝነበረ ሙኒር ሓሰን መሓመድ ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ኤርትራዊ፣ ምስ ሓንቲ ጓል 35 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብግብረሽበራዊ ውዲት ተኸሲሶም ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ ቢቢሲ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ኣብ ቤት

ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ዝሓትት ዝነበረ ሙኒር ሓሰን መሓመድ ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ኤርትራዊ፣ ምስ ሓንቲ ጓል 35 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ብግብረሽበራዊ ውዲት ተኸሲሶም ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረቡ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዘለዉ ጥርጡራት ነቶግቲ ንምጽዋድ ዘገልግል ስነቀመማዊ ጥረነገራት ሒዞም ብምጽንሖም፣ ከምኡ ‘ውን ካብ 7 ሓምለ ክሳብ 12 ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ውዲት ብምእላሞም እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ።

ኣብ ርእሲ ‘ዚ እቲ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ሙኒር መሓመድ፣ ኣባል ናይቲ ብዳዒሽ ወይ ከኣ ኣይሰስ ዝፍለጥ ኣሸባሪ ጉጅለ ብምዃኑን ንግብረሽበራ ዝጠቅም ሓበሬታ ሒዙ ብምጽንሑን ሕተምታት ናይቲ ሸባሪ ጉጅለ ብምዝርግሑን ተወሳኺ ክስታት ቀሪቡዎ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ጥርጡራት እንደገና ን 12 ጥሪ ናብ ቤትፍርዲ ክቀርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ‘ሎ።

ድሕቲ ‘ቲ ብ ሓምለ 2005 ኣብ መርበብ መጓዓዝያ ከተማ ለንደን ተኻይዱ 52 ንጹሃት ሰላማውያን ዘጥፍአ ብ 7/7 ዝፍለጥ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሙኑ ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዝነበረ ፍሹል ግብረሽበራዊ ውዲት ብምስታፉ ሓደ ስራጅ ያሲን ዓብደላ ዓሊ ዝተባህለ ን 12 ዓመታት ተፈሪዱ ዝነበረ ኤርትራዊ ተሸላሺሉሉ ኣቐዲሙ ካብ ቤትማእሰርቲ ከምዝወጽአ ይፍለጥ።

ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ሶርያ ብምዃድ ኣብ ጎኒ ‘ቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ክዋግኡ ከለዉ ዝሞቱ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ‘ውን ይፍለጥ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ይኹን ካልእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ርእሶም ቀቢሮም ነቲ ሽግር ከምዘየለ ዓይኖም ዓሚቶም ዕሽሽ ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝሓልፉዎ ደቆም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ጽልዋታት ሓራ ገይሮም ሰላምን ርግኣትን ናይቲ ዑቕባ ዝኾኖም ሃገር ንምሕላው ንጡፍ ተበግሶ ክወስዱ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT