Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ ኤርትራዊ ናብ ኤውሮጳ ከስግረኩም ኢሉ ብምትላል ናብ ናይጀርያ ዝወሰዶም 15 ኤርትራውያን፣ ተጠሊሞም ኣብ ከቢድ ጸበባ ከም ዝርከቡ ብምጥቃስ ህጹጽ ረዲኤት ይልምኑ።

ሓደ ኣቤል ዝተባህለ መንበሪኡ ኣብ ናይጀርያ ምዃኑ ዝንገረሉ ኤርትራዊ፣ “ናብ ኤውሮጳ ከስግረኩም ‘የ” ኢሉ ብምትላል ንሓደ ሰብ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ኣኽፊሉ ካብ ሱዳን፣ ኤርትራን ኡጋንዳን ካልኦት ቦታታትን ናብ ናይጀርያ ዝወሰዶም 4 ቆልዑ ዝርከቡዎም 15

ሓደ ኣቤል ዝተባህለ መንበሪኡ ኣብ ናይጀርያ ምዃኑ ዝንገረሉ ኤርትራዊ፣ “ናብ ኤውሮጳ ከስግረኩም ‘የ” ኢሉ ብምትላል ንሓደ ሰብ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ኣኽፊሉ ካብ ሱዳን፣ ኤርትራን ኡጋንዳን ካልኦት ቦታታትን ናብ ናይጀርያ ዝወሰዶም 4 ቆልዑ ዝርከቡዎም 15 ኤርትራውያን፣ ኣብ ዘይፈልጡዎ ሃገር ጠሊሙዎም ስለዝጠፍአ ኣብ ጸበባ ከምዝርከቡ ሎሚ 8 ታሕሳስ ምስ ድምጺ ኣሰና ብቴለፎን ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ሓቢሮም።

እቶም ኣደ ቖልዑን ሕሙማትን ዝርከቡዎም ግዳያት፣ ካብ ከተማ ኣቡጃ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሓውሲ ከተማ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፊሉ ንኣዋርሕ፣ ንገሊኦም ከኣ ክሳብ ልዕሊ ዓመት ሓቢኡዎም ከምዝነበረ ዝሓበሩ ኤርትራውያን፣ “እንተወጺእኩም እቶም Boko Haram ዝብሃሉ ኣሸበርቲ ክቐትሉኹም እዮም” እናበለ ብምፍርራሕ የርዕዶም ከምዝነበረ ኣገንዚቦም።

ሓንቲ ነብሰጾር ከላ ናብ ናይጀርያ ድሕሪ ምኻዳ ኣብ ኢዱ ዝሓረሰት ኣደ፣ ናይቲ ዝተወልደ ህጻን ገንዘብ ክትውስኽ ኣገዲዱዋ ዝኸፈለቶ ኣሽሓት ዶላራት ከይተረፈ ለኪሙዋ ከምዝተሸርበ ትሕበር።

እዞም እቲ ኣቤል ዝብሃል መታለሊ ገንዘቦም ለኪሙዎም ዝጠፍአ ኤርትራውያን ግዳያት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዕለታዊ መግቢ ከምዘይብሎም ጸጥታኦም ‘ውን ኣዝዩ ከም ዘስግኦም ብምግላጽ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያንን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን፣ ድሕነቶም ብምርግጋጽ፣ ግዝያውን ናይ ሓዋሩን ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ክተሓባበሩዎም ኣምሪሮም ጸዊዖም።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ነቲ ምስዞም ግዳያት ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣብ ናይ ረቡዕ 11 ታሕሳስ ድምጺ ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት መደብና ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • What.... December 10, 2013

    10,000 Bucks for nothing, are this peoples crazy spent 10000 to go to Europe. Eventhough thy arrive there they have nothing do than collecting trash and Eat welfare. Why they dont go to Ethiopia and invest their fu**** 10 grand….Dummy…

  • Hidat December 11, 2013

    GOSAGUSKUM AWETXEKUM NSHIGER MIS TEKALEU KETEEWULOM .HAFASH YEZEBEKUM KEM ZELO RESEKUMO ALEKUM.

Post a Reply to Hidat Cancel Reply