Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓደ ዕሱብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ወጽዓን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ንዝደናገጽ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማርቲን ፕላውት ኣብ ህዝባዊ ቦታ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳሩ ተኸሲሱ።

ሓደ ያቆብ ገብረመድህን ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቡ ዝነበር ዕሱብ መጋበርያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ወጽዓን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ብምድንጋጽ ጉዳይ ኤርትራውያን ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ኣብ ምግባር ዕቱብ ኣበርክቶ ንዝገብር

ሓደ ያቆብ ገብረመድህን ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቡ ዝነበር ዕሱብ መጋበርያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ወጽዓን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ብምድንጋጽ ጉዳይ ኤርትራውያን ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ኣብ ምግባር ዕቱብ ኣበርክቶ ንዝገብር ዘሎ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ፡ ርስሓት ብዝመልአ ጀሪካን መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳሩ ተኸሲሱ።

ነዚ ጉዳይ ዝሰምዑ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ሕግን ስርዓትን ዓዲ እንግሊዝ ንዘውሕሶ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ተጠቒሙ ሓሳቡ ብምግላጽ ሞያውን ሞራላውን እጃሙ ንዘበርክት ዘሎ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ንምጉንዳብ ተልእኾ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ቀይዲ-በተኽ ምልካዊ ስርዓት ንምስላጥ ነዚ ናይ ደቂ ጽግርያ ስራሕ ንዝፈጸሙ ያቆብን ኣሰነይቱን ኮኒኖሞ። ስም ናይቲ ብስርዓትን ዲስፕሊንን ዝፍለጥ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምኽፍኦም ከኣ ቁጥዐኦም ገሊጾም።

እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓጦም ተበለጽቲ ካብዚ ኣብ ስደት ረኺቦሞ ዘለዉ ሕግን ስርዓትን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኢሰብኣዊ ምልካዊ ምሕደራ ዝምችኦም እንተደኣኾይኑ፡ ርዖኦም ጠቕሊሎም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ምርጫ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም። እዞም ነዚ መዓልታዊ ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ጽዩፍ ተግባር ውልቀመላኺ ስርዓት ኣብ ጽርግያታት ለንደን ዝደገሙዎ ዕሱባት ክልለዩን ትምህርትን ተግሳጽን ክወሃቦምን ከምዝግባእ `ውን ኣገንዚቦም።

እቲ ዝገርም፡ እቲ ልኡኽ ህግደፍን ሰዓብቱን፡ በቲ ዝፈጸሙዎ ጽዩፍ ተግባር ሓኒኾም ኣብ ክንዲ ዝሕብኡ፡ ብስእሊ ቪድዮ ኣሰንዮም `ብጸባን እንቋቚሖን ስርሒት ፈጸሚና` ኢሎም ክጅሃሩ ምፍታኖም እዩ። ብሓቂ ካብቲ ምስ ታንክን ሚሳይላትን ገጢሙ ብዘመዝገቦ ዓወት ዘይጀሃር ህዝቢ ምዃኖም `ውን የጠራጥር።

ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማርቲን ፕላውት፡ `ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ካብዚ ዝኸፍእ ገበናት ከምዝፍጸም ኣጸቢቐ ስለዝፈልጥ እዚ ርካሽ ስራሕ`ዚ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ካብ ምዝራብን ምጽሓፍን ኣይክዓግተንን `ዩ` ክብል ድምብርጽ ከምዘይብሎ ኣረጋጊጹ። እኳ ደኣ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ህዝቢ ዝፍጽሞ ብጸብጻባትን መሰኻኽርን ዝስማዕ ገበናት ሓቅነቱ መሊሱ ዘረጋግጸሉ ጭብጢ ብምዃኑ፡ ብዝያዳ ከምዝሰርሓሉ ኣገንዚቡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • ዋርሳይ December 5, 2018

    ዘገርም እዩ ኣብ ምንጪ ፈለግ ዲሞክራሲ ዘለዎ ሃገር ተወሊድካ ዓቢካስ ንውልቀ ምልኪ ክትድግፍ ኣየ ያቆብ ባርያ ህግደፍ።

  • AHMED SALEH !!! December 6, 2018

    Okay , you did the crime you pay the
    price . You will see if the embassy or other fools attend at court date to
    give you support . Idiot .
    I hope British government make you
    as escape goat to teach a lesson for
    stupids like you who abuse right of freedom .

Post a Reply to ዋርሳይ Cancel Reply