Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድሽ ሜዳ፡ ሓድሽ ኵናት (A Tyrant’s Nightmare) – ኣማኑኤል ሳህለ

ሓድሽ ሜዳ፡ ሓድሽ ኵናት (A Tyrant's Nightmare) ኣማኑኤል ሳህለ   ሓደ እዋን፡ ኳዅ እዋን ሞቱ ስለ ዝቐረበ ኣብ ዓራት ኮይኑ ንደቁ ይጽውዖም፡ ከምዚ እናበለ ድማ ይዛረቦም፥ ''ደጊም ኣነ ኣሪገ እየ፡ ምምዋተይ ድማ ቀሪቡ እዩ፡ ይኹንምበር፡ ሓደ ምኽሪ ክልግሰልኩም

ሓድሽ ሜዳ፡ ሓድሽ ኵናት (A Tyrant’s Nightmare)

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ሓደ እዋን፡ ኳዅ እዋን ሞቱ ስለ ዝቐረበ ኣብ ዓራት ኮይኑ ንደቁ ይጽውዖም፡ ከምዚ እናበለ ድማ ይዛረቦም፥ ”ደጊም ኣነ ኣሪገ እየ፡ ምምዋተይ ድማ ቀሪቡ እዩ፡ ይኹንምበር፡ ሓደ ምኽሪ ክልግሰልኩም ስለ ዝኾንኩ ጽን ኢልኩም ስምዑኒ፡ …… ”ኣብ ገረብ ዓሊብኩም ከሎኹም፡ ሰባት ንኽሃርሙኹም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብሉ፡ ቀጢፉኩም ደኣ ነፊርኩም ህደሙ እምበር፡ ክሳዕ እምኒ ዚድርብዩልኩም ኣይትጸበዩ”። ሽዑ እቶም ደቁ፡ “ኣቦ፡ ምናልባት እቶም እትብሎም ዘሎኻ ሰባት፡ ኣቐዲሞም ኣብ ጁባኦም እምኒ ሒዞም እንተ ነበሩኸ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፡ ድንን ከይበሉ እምኒ ኪውርውሩልና ኣይክእሉንዶ?” ብምባል ተወከሱዎ። በቲ ዘረባኦም እተገረመ ኣቦኦም ድማ ከምዚ ኪብል መለሸ፥ ”ከምዚ ምግባርስ ብዘበንኩም እምበር፡ ብዘበንናስ ኣይነበረን።”

 

ኩሉ ዘበናት ነናቱ ጸገማትን ነናቱ መፍትሔን ሒዙ እዩ ዚመጽእን ዚኸይድን። ናይ ግዜ ምረሻ፡ ንኹሉ ይልውጦ እዩ። ንባህርያት ሰብ፡ ንባህሊ፡ ንቛንቋ፡ ንፖለቲካዊ ክልሰሓሳብ፡ ንቑጠባ፡ ንኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ፡ ንፖለቲካዊ ትልምታትን ሽጣራታትን፡ ንኣገባብ ምሕደራ፡ ንሜላታት ኵናት፡ ንፖለቲካዊ ፍልስፍና፡ ንመትከላትን ሞራላትን፡ ንጀዮፖለቲካዊ ሚዛን ወዘተ.። ዘመኑ ብዝሓለፈ መድሃኒት ጌርካ፡ ንሓድሽ ሕማማት ምፍዋስ ኣይከኣልን። ንሓደስቲ ጸገማት፡ ብኣረጊት ኣገባብ ጌርካ ምፍታሕ ኣይሰርሕን። ነዚ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት በቲ ናይ 60ታት ሜላታትን ኣገባባትን ስልትታትን መደባትን ውድባዊ ቅርጽታትን ጌርካ ምብዳህ ኣድማዒ ከይከውን ይኽእል እዩ።

 

ኣብ ገለ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ሓደ ሰብ ንዕድመይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ ኣተሓሳሲቡኒ። ነቲ ዘለኹዎ ዕድመን ናይ ኣተሓሳስባ ጋግን ዚምልከት እዩ። ሓቁ እዩ። ኣነ ኣብ ስሳታት እየ ናይ መንእሰይ ግዜይ ዘሕለፍኩዎ። ምናልባት በቲ ናይቲ ግዜቲ ኣተሓሳስባ ገይረ እሓስብ ከይህሉ እሰግእ፡ ከመይሲ ናይዞም ሓደስቲ ወለዶ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ከምቲ ናተይ ዘይኮነ ኢለ እግረም እንተሎኹ፡ ጌጋ እየ ዝገብር ዘሎኹ። እቲ ኣነ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ግዜን ኩነታትን፡ እቲ ደረጃ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ተክኖሎጂያውን ምዕባለ፡ ሕጂ ተለዊጡ እዩ።

 

ኣነ መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ ዓመታት (ኣብ ፈለማ ስሳታት)፡ ናይ ማሕበር ሸውዓተ፡ ዓማ፡ ከምኡውን ናይ እተፈላለያ ናይ ሓርነት ዋህዮታት፡ ናይ ማትኣ፡ ሽገይ ሃቡኒ፡ ወደባት ዓደይ ወዘተ. ከምኡውን ናይ ቸ ጎቬራ፡ ናይ ሆቺሚን፡ ናይ ጸረ-ኢምፐርያሊስት ግዜ እዩ ነይሩ። እቲ ሕቶ፡ እቲ ጸላኢ፡ እቲ ናይ ቃልሲ ኣገባብ፡ እቲ ዕላማ ወዘተ. ኩሉ ንጹር እዩ ነይሩ።

 

እቲ ሕቶ፥ ባዕዳዊ መግዛእቲ/ኮሎኒያሊዝም። እቲ ጸላኢ፥ ኢትዮጵያ/ጦር ሰራዊት። እቲ ናይ ቃልሲ ኣገባብ፥ ድብያ/ገሪላ። እቲ ዕላማ፥ ንኤርትራ ናጻ ምግባር። እዚ ድማ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓባራዊ ራእይን ረብሓን እዩ ነይሩ፡ ስምረት ነይሩዎ፡ ስምዒትውን ኣብ ቦታኡ ነይሩ፡ ሃልሃል ዚብል ስምዒት!!

 

ኣብቲ እዋን’ትን ብድሕሪኡን፡ ናይ ኮሙኒዝም ህዝባዊ ዓወታት ይቀላቐል ብምንባሩ፡ ናይ ሓርነት ቃልስታት ድማ ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ብምዝርጋሑ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን፡ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳትን፡ ብብዝሕን ብብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕርን ይሳተፉ ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ኤርትራ ናጻ ክትከውን ዝኸኣለት ድማ፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ከምዚኦም ዓይነት መንእሰያት ብምፍራያ እዩ።

 

ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ግን፡ ማለት ኣብዚ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም (ከም ድቂ ዛግራ) ፋሕ ኢሎሙሉ ዘለዉ ህሞት፡ ኣብዚ ዓለም ብሞባይልን ብኢንተርነትን ከም ሓንቲ ቁሸት ኮይናትሉ ዘላ ወቕቲ፣ ኣብዚ ማልቲናሽናል ኩባንያታትን፡ ደረት ዘይፈልጥ ምንቅስቓሳት ሰብን ንግድን፡ ምትሕንፍፋጽ ባህልን፡ ልሕሉሕ ዶባትን፡ ሃገርካ ገዲፍካ ናብ ስደት ምምራሕ ድማ ዳርጋ ከም እንኮ መኸተ ኣንጻር ውልቀመላኽያን ኮይኑ ዚረኣየሉ ዘሎ መዋእል፣ ኣብዚ የማናውያን ሓይልታት ዚትንስኡሉ ዘለዉ፡ ፖለቲካዊ ዶግማታትን ፍልስፍናታትን ድማ ትርጉም ተሳኢኑሎም ዘሎ እዋን፣ ኣብዚ ሃይማኖት ማዕረ ፖለቲካ ተሰሪዑ ንስልጣን ዚቆራቖሰሉ ዘሎ ዘመን፥ ፍቕሪ ስድራቤትን፡ ፍቕሪ ዓድን፡ ፍቕሪ ሃገርን እናሃሰሰ ይኸይድ ምህላዉን፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ፍቕሪ ገንዘብን ባህጊ ስልጣንን ምግባትን፡ ንዕቀት ህዝብን ባዕላዊ ረብሓታትን፡ ፍዅሰትን ሎቕመጽመጽን ግብዝናን እናዓብለለ ይኸይድ ከም ዘሎ ንኹሉ ዘስተውዕል ሰብ ርዱእ እዩ ኢለ እሓስብ።

 

ካብዚ ብምብጋስ፡ እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ሓድሽ ትውልዲ መንእሰይ፡ ዓሌት፡ ጾታ፡ ሃይማኖት ሃገር ብዘየገድስ፡ ካብ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ወይ ልግበት፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዘለዎ ምሕዝነትን እምነትን፡ ኣብ ባዕላዊ ረብሓታትን ሓላፊ ምቾትን፡ ኣብ ነብሰ-ፍትወትን ዘለዎ ጥምረት ዝያዳ ይድልድል እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ስምዒት ሃገራውነትን፡ ምዕቃብ መንነትን፡ ድራኸ መስዋእትነትን፡ ንፍትሒ ደው ምባልን፡ እናሃሰሰን እናዛሕተለን ዚኸይድ ዘሎ ይመስል።

 

ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ግን ባህርያዊ እዩ። ወድሰብ ብመሰረቱ ነቲ ናቱ ውልቃዊ ረብሓ እዩ ዘቐድም። ሓባራዊ ረብሓ ክሳዕ ዘይተራእዮ ድማ ናብቲ ናይ ውልቁ ረብሓ ለጊቡ እዩ ዚቕጽል። ይኹንምበር፡ እቲ ውልቃዊ ረብሓኡ ብሓደ ሓባራዊ ረብሓ ጥራይ ኪዕቀብ ከም ዚኽእል ዘመልክት ንቕሓት ምስ ዚሰርጾ፡ ወይ ከኣ ረብሕኡ ብዘይ እቲ ሓባራዊ ረብሓ ኪቕጽል ከም ዘይክእል ምስ ዚግንዘብ፡ ሽዑ እዩ ስለቲ ሓባራዊ ረብሓ ኪቃለስ ዚለዓል።

 

በዚ መሰረት’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሜዳ ዝወሓዘ፡ እቲ ውልቃዊ ረብሓኡ በቲ ዝዓበየ ናይ ኤርትራ ናጽነት ጥራይ ኪዕቀብን ኪቕጽልን ከም ዚኽእል ምስ ኣስተብሃለ እዩ። ነዚ ግንዛቤዚ፡ ፖለቲካውን ገድላውን መልክዕ ከስርጸሉ ዝኸኣለ ድማ፡ ድልዱል መሪሕነትን፡ ፍናን ዚህቦ ዕላማን፡ ከምኡውን እምነት ዘንብረሉ ስጡም ውድብ ስለ ዝረኸበ እዩ።

 

ወድሰብ ነቲ ውልቃዊ ረብሓኡ ንምዕቃብ ሓባራዊ ዕላማ ተኸቲሉ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ምስ ተዓወተ፡ ተመሊሱ ናብቲ ውልቃዊ ረብሓኡ እዩ ዚምለስ። ውልቃዊ ረብሓኡ ውሑስ ኮይኑ ምስ ዚረኣዮ ድማ ኪቃለስ ኣይደልን እዩ። እቲ ብቐደሙ ውልቃዊ ረብሓ ዘይነበሮ ግን፡ ንዝዓበየ ረብሓ ተቓሊሱ ውልቃዊ ረብሓ ዚረኽበሉ ኩነታት እንተ ዘይኣጋጢሙዎ፡ ንምቅላስ ባህጊ የብሉን።

 

ስለዚ፡ ኣብቶም ተመክሮ ዘኻዕበትናን ኣብቶም ኪመርሑ ዚኽእሉ ሃገራውያንን ውድባትን ዘሎ ቀንዲ ጸገም፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተባህለ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘሎ መንእሰይ፡ ናይቲ ውልቀመላኺ ምእላይ፡ ነቲ ውልቃዊ ናይ ሓርነትን ናይ መንነትን ናይ ኩርዓትን ስምዒታቱ ዚዕቅበሉ እንኮ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ኣብ ኣእምሮኡ ከነስርጸሉ ዘይምኽኣልና እዩ።  ነዚ ድልየታትዚ፡ ፖለቲካውን ገድላውን መልክዕ ምስ እነልብሶ፡ ድልዱል መሪሕነትን፡ ፍናን ዚህብ ዕላማን ከምኡውን እቲ መንእሰይ እምነት ከንብረሉ ዚኽእል ስጡም ውድብ ምስ እንምስርት፡ እቲ መንእሰይ ናብ ናይ ”ቃልሲ ሜዳ” ንኺውሕዝ ግዜ ኣይኪወስድን እዩ።

 

ይኹንምበር፡ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ፡ እቲ መንእሰይ ግድን ከምቲ ኣያታቱ ዝገበሩዎ፡ ናብ ጀዮግራፍያዊ ሜዳ ኪወርድን ኣብ ድፋዓት ኪነብርን ኣብ ኣኽራናት ኪዓርድን ኣይኮነን ዚድለ ዘሎ። ኣብዛ ብኮምፕዩተራዊ መሳርያታትን ብብርቱዕ ናይ ስለያ ምህዞታትን ፈጺማ ተለዊጣ ዘላ ዓለም፡ ከምኡውን ኣብዛ መንእሰይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፈጺሙ ተለዊጡሉ ዘሎ ዘመን፡ እቲ ናይ ቀደም ዓይነት ናይ ሓርነት ኣገባብ ኵናት፡ እቲ ናይ ቀደም ኣወዳድባን ኣሰራርዓን ኣይሰርሕን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ መንእሰይውን ናብኡ ንኺሰሓብ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ድሌትን ድልዱል ሓርነታዊ ተበግሶን ዘለዎ ኣይመስልን።

 

እምበኣር ኣብዚ ሓድሽ ሃዋህው’ዚ፡ እቲ ሜዳ፡ ኣብ ሳሕል ዘይኮነስ ኣብቲ ናይ መንእሰይ ኣእምሮን ስነልቦናን ኪኸውን ግድን እዩ። እቲ መስዋእትነት ድማ ናይ ጉልበትን ግዜን ገንዘብን ምቾትን መስዋእትነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እምበኣር እቲ መንእሰይ ኣብቲ ናይ ኣእምሮኡ ሜዳ ኾይኑ እዩ ንናጽነት ሃገሩ ኪቃለስ ዘለዎ። እዚ ቃልስዚ ሽሕኳ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ዚካየድ እንተ ኾነ፡ ነቲ ናይቲ ተቓላሳይ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ምስ ለወጦ፡ ኣብቲ ህዝቢ እውን ቀስ እናበለ ለውጢ ከምጽእ ኪጅምር እዩ። በዚ መገድ`ዚ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ተንበርካኺ ናብ እምቢተኛ፡ ካብ ልኡም ናብ ንጡፍ፡ ካብ ግሩህ ኣማኒ ናብ ተጠራጣሪ፡ ካብ ማሪተኛ ናብ ሃያሲ፡ ካብ ሓላሚ ናብ ተግባሪ፡ ካብ ተደማሪ ናብ ብነብሱ ሓዳሪ፡ ካብ ተጠባሪ ናብ በዳሂ ወዘተ. ኪልወጥ ይኽእል እዩ። እዚ ስነልቦናዊ ለውጢ’ዚ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣብቲ ውልቀመላኺ ዚህሉዎ ጽልዋ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ።

 

ይኹንምበር፡ እቲ መንእሰይ፡ ቅድሚ ኹሉ ነቲ ብናይ ህግደፍ ስብከትን ማህረምትን ምድሃልን ዝሰንከለ ኣእምሮኡ፡ በቲ ዶብ ዘይብሉ ናይ ዕስክርና ህይወትን ግፍዕን ጭካነን እተበላሸወ ኣተሓሳስባኡ፡ በቲ ብናይ ህግደፍ ከንቱ ጃህራን ፈኸራን ዝተመዛበለ ኣረኣእያኡ፡ ከዐርዮን ከስተኻኽሎን ይግባእ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ንነገራት ብህየሳዊ መገዲ ኪርእይ፡ ኪመራመር፡ ካብ ሕልማዊ እምነታት ኪላቐቕ፡ ህድእ ኢሉ ኪሓስብን ከስተንትንን፡ ኪውደብን፡ ኣብቲ ንሃገሩ ዚምልከት ዋዕላታትን እተፈላለዩ ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ብዕቱብ መገድን ብኽፉት ልብን ተጻዋርነትን ኪሳተፍ፡ ንኤርትራ ሃገሩ ቅድሚ ኩሉ ከቐምጥን፡ ጸላኢኡ ኣነጺሩ ከለልን ይግባእ።

 

እቲ መንእሰይ፡ ኣብቲ ናይ ስነመጎታውን ክዉናውን ድፋዓታቱ ብምዃን፡ ናይ ስምረት ካላሽን ብምዕጣቕ፡ ናይ ተጻዋርነት ሽዳ ብምውዳይ፡ ንሽሾ ሰራዊት ሓሶትን ፋሉልነትን ስድነትን ኪከላኸል፡ ካብኡ ወጺኡ ኣንጻር ናይ ተደመርትን ሸየጥቲ ሃገርን ፕሮፓጋንዳዊ ወራር ህጁም ኪኣቱ፡ ኣንጻር ስምዒት ኣውራጃዊ ታንክታትን ነፈርትን ኪምክት፡ ኣንጻር ኣእምሮ ዘልምስ ሃይማኖታዊ ዶሽካታትን ብረይናትን ኪገጥም፡ ኣንጻር ተምበርካኽነታዊ ፈንጂታት ኪምርሽ፡ ኣንጻር ብናይ ህግደፍ መዳፍዕ ሓሶት ዚውንጨፉ ፈላለይቲ ሚሳይላት፡ ኣንጻር እተን ንልቢ ገርህታት ከስሕታ ብማለት ናይ ምትላል ቦምቢታት ዚድርብያ ነፈርቲ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ከይሰልከየ ኪቃለስ ይግባኦ። ምስናይዚ፡ ብናይ ሃገራውነትን ተወፋይነትን ድራኸታት ተወዲቡ፡ ናይ ደሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ሰንደቕ-ዕላማ እናኣምበልበለ ንቕድሚት ኪግስግስ ኣማራጺ ዘይብሉ ሃገራዊ ዕማም እዩ።

 

እቲ ኣእምሮ ምስ ተለወጠ፡ ንህዝቢውን ምስ ለወጦ፡ እቲ ውልቀመላኺ ኣብ ከምዚ ዝበለ ህዝባዊ መሬት ኪቕጽል ኣይክእልን። ዘይሰማምዖ መሬት ኮይኑ ምስ ረኸቦ፡ ባዕሉ ቀምሲሉ ኪመውት እዩ፡ ወይ ከኣ እቶም ኣብ ጥቓኡ ዚበቝሉ ኣእሻዅን ተኾርባን፡ ባዕሎም ሓኒቖም ኪቐትሉዎ እዮም፡ ከመይሲ ሕማቕ እኽሊ ኣብ ሕማቕ መሬት እዩ ዚቦቍል፡ ኣብ ጥዑይ መሬት ግን ብዘይካ ደሞክራስያዊ ተኽሊ ካልእ ኪበቍል ኣይክእልን እዩሞ፡ ምናልባት እቲ ውልቀመላኺ መዓልታቱ ከናውሕ ብማለት ሓድሓደ ናይ መጠረስታ ናይ ምትላል ስጕምትታት እንተ ወሰደ እውን፡ ብሒደት መስዋእቲ ኪወድቕ ከም ዚኽእል ክንጠራጠር የብልናን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde September 11, 2018

    Indeed,yesteryear’s friend can be today’s foe or the other way around,one thing is for sure you can’t send emojis through a rotary phone. Memhir, even though we all have our past experiences deeply seared in our sub-conscience,you have been fair and balanced in your political delivery.Hope the young is paying attention.

POST A COMMENT