Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድሽ ቅዋም፡ ዘውዲ ንግስነት ኢሳያስ ዘረጋግጽ ይመስል

ብሳላ ጸጋ ዕደመኡ ኣብ መዋእሉ 5 መንግስታት ዝረኣየ፡ መጻሕፍቲ ብምንባብን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምብስታፍን ዝደለቦ ፍልጠት ከምኡ’ውን ኣብ ብዙሓት ወጻኢ ሃገራት ብስራሕ ክንቀሳቀስን ዕድል ዝረኸበ ዓርከይ፡ “ብኣጋጣሚ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ(2015)መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝብና ካብ ስርዓት ኢሳያስ

ብሳላ ጸጋ ዕደመኡ ኣብ መዋእሉ 5 መንግስታት ዝረኣየ፡ መጻሕፍቲ ብምንባብን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምብስታፍን ዝደለቦ ፍልጠት ከምኡ’ውን ኣብ ብዙሓት ወጻኢ ሃገራት ብስራሕ ክንቀሳቀስን ዕድል ዝረኸበ ዓርከይ፡ “ብኣጋጣሚ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ(2015)መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝብና ካብ ስርዓት ኢሳያስ ዝጽበዮ ጽቡቅ ሓድሽ ነገር እንታይ ክኸውን ይኽእል” ኢሉ ምስሓተተኒ፡ “ኣንታ ሃብሮም፡ ካብ ኢሳያስ ድኣ እንታይ ጽቡቅ ሓድሽ ነገር ክንጽበ ኢለ መለስኩሉ። ሃብሮም ዓርከይ ንገለ ካልኢት ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ጥሒሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “እዋእ! ምናልባት ከምቲ ብዙሓት መራሕቲ ከም መርኣያ ክብረትን ፍቅርን ህዝቦም፡ እሱራት ይፈትሕ ይኸውን። ወይ’ውን ስድራ ስውኣት መታን ብመስዋእቲ ደቆም ተሓቢኖምን ተደሲቶምን ክውዕሉ መደባት የውጽኣሎም ይኸውን፡፡ ካብታ ጸልማትን ጥምይትን ቤቶም ኣውጺኡ ኩባያ ሻሂ  ምግባዝ’ውን ንስድራ ስውኣት ዓቢ ክብረትን ህያብን’ዩ። መን ይፈልጥ እቶም ካብ ንቡር ህይወት ተመዛቢሎም ዘለዉ ዜጋታት ንምኽሓስ፡ እቲ ዘይህቡብ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቂዑ ይብለና ይኸውን። ናይዞም ኣብ ማያት መዲተራንያንን ምድረበዳን ዝሃልቁን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕሰም ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ግን ጠንቂ ስቃይን ሞትን ኣነ’የ ክብል፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ምሕላፍ’ዩ። ወይ’ውን ክሳብ መኣስ ካብ ዓለም ተነጺልና  ክንነብር ኢሉን ሓድሽ ትንፋስ ክረክብን ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባትን ካልኦት ጸለውትን መጠውትን ሃገራት፡ “ንኹሉ በዲህና ንቡር ሽርክነት ጀሚርና ኣለና” ይብል ይኸውን። ምናልባት ድማ ህዝቢ ምግልጋል ነዊሑኒ ኢሉ ምርጫ ይካየድን ስልጣነይ ተረከቡኒን ይብል ይኸውን ። ሃብሮም ዓርከይ ዘይጭበጡ ሕልምታት ምዝርዛር ምስ ኣብዛሕኩሉ፡ “እዚ ኹሉ ዝበልካዮ ጽቡቅ’ዩ ነይሩ፡ ካብ ሓደ ፍቅሪ ሃገርን ህዝብን ዘለዎ መራሒ እትጽበዮ ሰናይን ሓላፍነታውን ተግባራት’ዩ። እንተኾነ ነዊሕ ከይከድካ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ካብ ልሳን ኢሳያስ ዝወጽእ ቀንዲ ሓድሽ ኣዋጅ እንተሎ፡ ዘውዲ ንግስነቱ ከይትንከፍ መከላኸሊ ዝኸውን ቅዋም ምእዋጅ’ዩ። እዚ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክእወጅ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድሽ ቅዋም ድማ፡ ኢሳያስ ከም ንግስቲ ኤልሳቤጥን ነጋውስ ስዑድ ዓረብን ዝመሳሰል ክሳብ ግብኣተ መሬት ዝኣቱ ወይ ብሕማም ዝምሽምሽ ስልጣን ክሕዝን ብድሕሪኡ ድማ ናብ ደቁ ከመሓላልፍ ዘኽእሎ ቅዋም ምጽምባል’ዩ። እቲ ዝዓበየ ጸገምን ዝፍራሕ ጉዳይን ግን ኣብ መንጎ ወረስቲ ዓራት ኢሳያስ፡ እቶም ካብ ሕጋዊት በዓልቲ ቤቱ ዝወለዶምን ብወሰን ዝተደቅሉን ደቁ ውድድር ስልጣን ከየጋጥም’ዩ። ተስፋ ንገብር ንስልጣን ወረስቲ ዘከራኽር ኣብቲ ቅዋም ክሰፍርን ክንጽርን። ካልእ ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝቀርብ መደረን ቃለ-መጠይቅን፡ ብዛዕባ ዝተፈጸመን ዝፈሸለን መደባት ልምዓት ምልፍላፍ፡ ምዝላፍ ሃገራትን ድኽመታቱ ምሽፋንን  ከምኡ’ውን ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ምትንታኑ ኣይተርፎን’ዩ” ምስ በለኒ ገሪሙኒ። ብርግጽ እታ ኣብ ደም ኢሳያስ ከም ዕጸፋርስ ዝሰረበትን ካብ ሓንጎሉ ክትወጽእ ዓባይ ብድሆ ኮይና ዘላ ሕቶ ስልጣን ግን ዋጋ ዕዳጋ የለን። ኩሉ ከምዝፈልጦ፡ ኢሳያስ ካብ መወዳእታ 60’ታት(ካብ እዋን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ጀሚሩ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምስ ደየበ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሓሲቡ ኣይፈልጥን’ዩ። ብርእይቶይ በዚ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ዝጸንሖ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንጉስ ወይ ኣሚር ዝብል መዓርግ እንተተዋህቦ ኣይንእሶን’ዩ። ሃብሮም ዓርከይ፡ካብ ኡጋንዳዊ ፖለቲከኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ ምስ’ዚ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክእወጅ ትጽቢት ዝግበረሉ ቅዋም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንተግባራትን ጠባያትን ኢሳያስ፡ ምስዞም ኣብ ግዜና ሰልጣን ንምሓዝን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ኣብ ብዙሓት ዘይማዕበላ ሃገራት ዝጥቀምሉ ሜላን ተንኮልን ገለ መራሕቲ ከወዳድሮ ፈቲኑ። ኢሳያስ ኣበየናይ ጉጅለ ከምዝኣቱ ድማ ፍርዲ ካብ ኣንበብቲ።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ጉጅለ ዝስርዑ መራሕቲ፡ ብስም ዲሞክራሲ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ሰላምን  ማዕርነትን፡ ምስ ማዕበል ሓፋሽ ተገሪዞምን ንምንቅስቃስ ህዝቢ መሪሖም ብዕልዋ ኣብ ስልጣን ዝድይቡ ወተሃደራት’ዮም። ይኹን እምበር ሓይሎም ምስኣደልደሉን ኮረሻ ስልጣኖም ምስኣጣጥሑን፡ ኩሉ ዝኣተውዎ መብጽዓታት  ብምጥላም ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ጠጠው ይብሉን ዝኣኽሎም ሃብቲ ምስደለቡን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ስልጣን ከምዘይቅጽሉ ምስተገንዘቡን ስልጣኖ ንደቆም ወይ ቀረባ ቤቶሰቦም የረክብዎ። ኣብ ካልኣይ ጉጅለ ዝጥቀሱ ድማ፡ ብህዝቢ ዝተመርጹ ኮይኖም፡ ብመሰረት ቅዋም ወይ ሕጊ’ታ ሃገር ንሓደ ወይ ክልተ ግዜ ምስኣገልገሉ ስልጣኖም ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዘረክቡ፡ ሸውሃት ስልጣኖም ንምርዋይን ሃብቲ ህዝቢ ንምግባትን፡ ኣብ ስልጣን ከጽንሖም ዝኽእል ብልሓት ይምህዙ ብቀንዱ ከኣ ዕድመ ስልጣን መራሒ ሃገርን ሕጊ ምርጫን ብኢደዋኒኖምን ንዕዖም ብዘርብሕ ኣገባብ ምምሕሳሽ ወይ መሰረታዊ ለውጢ ይገብርሉ። ኢሳያስ እኳ፡ እቲ ኣብ 1997 ብድኻም ክኢላታትን ምሁራትን ምሉእ ተሳታፍነት ህዝብን ዝተነድፈ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ስራሕ ከይውዓለ፡ “ዝሞተ ቅዋም’ዩ” ኢሉ ኣብ ጉሓፍ ደርብይዎ’ዩ። ኣብ ሳልሳይ ቦታ ዝመጹ፡ ሰብን እዝግን ዝፈልጦም ንጉሳዊ ቤተሰብ ኮይኖም፡ ስልጣን ከም ውልቀ ንብረት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገርን ስርዓተ ምርጫን ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘየሳትፍን’ዩ። ኣብ ሃገራት ስዑድ ዓረብ፡ ቀጠር፡ ባሕሬን፡ ኩወይት ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓታት ድማ ከም ኣብነት ይጥቀስ።

ኢሳያስ ኣበየናይ ጉጅለ ከምዝኣቱ ንምውሳን፡ ጠባያቱን ደረት ስልጣኑን ምርኣይ የድሊ። ኢሳያስ ንነዊሕ ዓመታት ገቢትዎ ዘሎ ስልጣን ካብ ወለዱ ዝወረሶ ስለይዘይኮነ፡ ወራሲ ዓራት ወይ ንጉስ ኣይኮነን። እንተኾነ ነቲ ኣብ 1997 ህዝብን ሃገርን ክቅልስ ዝተነድፈ ቅዋም፡ ኢሳያስ ካብ ቀተሎ፡ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝውቀጥ ንቅዋም ዝምልከት ኣዋጅ፡ ንንግስነት ኢሳያስ ዘረጋግጽ ኮይኑ ክወለድ’ዩ። መዓርግ ኢሳያስ ድማ ካብ ፕረዚደንት ናብ ንጉስ ክቅየር’ዩ፡፡ ርሑስ ንግስነት ይግበረሉ። ኢሳያስ ኣብቶም መብጽዓ ህዝቢ ጠሊሞም ስልጣን ዝጨበጡ ወተሃደራት ከይምደብ ድማ፡ ኢሳያስ ተጋዳይ እምበር ወተሃደር ኣይነበረን ምንቅስቃስ ህዝቢ ኣይመርሐን፡፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ቃል ኣትዩ ዝዓለዎ መንግስቲ’ውን የለን። ኢሳያስ ምልካዊ፡ ብሕጊ ኣልቦን፡ ህዝቢ ዝውይውክልን ኣገዛዝኣ ከምዝኽተል ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ኢሳያስ፡ ካብቶም ብህዝቢ ዝተመርጹ ግን ከኣ ጽምኢ ስልጣኑ ንምርዋይ ቅዋም ወይ ሕግታት ሃገር ብምቅያር ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝቅጽሉ ከይብሃል ከኣ፡ ኢሳያስ  ብህዝቢ ኣይተመርጸን ቅዋም ስለዘየለ ብቅዋም ዝምእዘዝ መራሒ ኣይኮነን።  ቦታን ተግባራትን ኢሳያስ፡ ልዕሊ’ዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቅሱ መራሕቲ ኢዩ። ኢሳያስ፡ መብጽዓ ብህይወቱ ናይ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ጠሊሙ፡ ሕድሪ ስውኣትን ስንኩላንን ዝጠለመ፡ ተብግሶን ድሌትን ህዝብና ዝረገጸ፡ ህዝብና  ብሕሰምን ስደትን ክነብር ዘገደደ፡ ሰብኣዊ ርህራሀን ሓልዮትን ህዝቢ ዘይብሉ ጨካን ፍጡር’ዩ። ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ድማ፡ ስቃይ፡ ድኽነትን ስደትን እምበር፡ ሰላም፡ ብልጽግናን ክብረትን ኣይንጽበን። እቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብኢሳያስ ዝቀርብ ኣዋጅ ግን፡ ዝዓሰወ እንጀራ ኣብ ሓድሽ ምሶብ ድዩ ወይስ ማይ ዘይጠዓመ ዓለባ ንመግነዚ ኢሳያስ፡ ብሓባር ንጸበዮ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ግንቦት 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Anti-Higdef May 3, 2015

    Iseyas was a street boy, “wedi shuk”, whose only value system is something in Asmara called “shitara”.
    Neither the laws of the land nor respect for traditions of our Great Fathers are the legacies in which he was born. He abhors abiding by anything written that restricts his whimsy and diabolic spirit.
    The idea of a “new constitution” is meant just to buy time and confuse those who want it implemented.
    His political agenda is blank. He run out of excuses. Waiting for the unknown, or rather waiting for “Godot”.

  • Simon G. May 4, 2015

    Sometimes, I suspect that we may be living in a parallel universe.

  • Mesinas May 4, 2015

    “ኢሳያስ፡ መብጽዓ ብህይወቱ ናይ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ጠሊሙ፡ ሕድሪ ስውኣትን ስንኩላንን ዝጠለመ፡ ተብግሶን ድሌትን ህዝብና ዝረገጸ፡ ህዝብና ብሕሰምን ስደትን ክነብር ዘገደደ፡ ሰብኣዊ ርህራሀን ሓልዮትን ህዝቢ ዘይብሉ ጨካን ፍጡር’ዩ። ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ድማ፡ ስቃይ፡ ድኽነትን ስደትን እምበር፡ ሰላም፡ ብልጽግናን ክብረትን ኣይንጽበን።””ቃል ኣደና ወ/ሮ ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ።

    ብርግጽ ማማ ምጽላል። እቲ ካብ ልበ-እብን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንጽበዮ ነገር፡ እዚ ዝጠቐስክንኦ ሕማቕ ነገራት ጥራይ እዩ። እቲ ዝገርም ግን ደገፍቲ ምልኪ፡ እዚ 99% ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኑ ከሎ ቁውም ነገር ኪገብር ዘይከኣለ መላኺ’ዚ ሕጂ 10% ህዝቢ ሒዙ ተኣምር ኪሰርሕ ይጽበዩ ምህላዎም’ዩ! ጊላታት ምልኪ ግን ፈትዮም ኣይኮኑን ንጎይታኦም ዝድግፉ መሳኪን! ሰለስተ ዓበይቲ ማሕለኻታት’የን ሓሊኸንኦም ዘለዋ! ንሳተን ከኣ፥

    1ይ ውልቃዊ ረብሓ፣
    2ይ ወገንነት (ባጊርነት፡ ማለት ፍጹም ድሕረት)፣
    3ይ ህልኽ ኣሕዋት፡ ማለት ንእከለ ደስ ከይብሎ ወይ ደስ ከይብላ ዝብላ’የን። ነዘን ሰለስተ ድኹማት ኣጽዋር ዓጢቖም’ዮም ድማ ‘መንግስትና’ እናበሉ ምስዚ ሕሉቕ ስርዓት ትልኽ ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ተግባራት’ዚ ከኣ ንኣኣቶም ኣይጠቅም፡ ንኻልእ ኣይጠቅም መወዳእታኡ ኩልኻ ተለኻኺምካ ጥፍኣት’ዩ ውጽኢቱ! እዚ ንኸይከውን ግን እቶም 90% ኣብ ምድላይ ፍትሒ እንርከብ ዜጋታት ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ! ብርታዐ ስራሕና ከኣ እታ ቀዳመይቲ፡ ዚኾነ ይኹን ዘፈላሊ ነገራት ኣብ መንጎና ከየእተና፡ ኩልና ኤርትራውያን ከም ሓደ ስድራ ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ምትራር’ያ! የቐንየለይ።

  • Wedifre May 4, 2015

    Dear friends of Assenna,

    We can boldly say “ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ድማ፡ ስቃይ፡ ድኽነትን ስደትን እምበር፡ ሰላም፡ ብልጽግናን ክብረትን ኣይንጽበን።””ቃል ኣደና ወ/ሮ ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ። is 100% right.
    History will not forgive us for letting an Insane person leading us.
    The Dark Days in Eritrea under ” The Insane, The Emperor NERO of Eritrea Iseyas Afeworki ” is Darker than any time Eritrean History can Trace. It is worse than the GHIZAAT TURKI!!!
    LET US ALL STAND UP AND WORK HARD TO TOPLE THIS DIRTY RULE!!!

  • Berhe Tensea May 4, 2015

    Iseyas the drakula is just a mafia boss who will never accept any constitution how can a criminal accept a rule of law and accountablity?
    He was a shifta and will stay that way till we forced him out and take justice on our own hands.

POST A COMMENT