Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዝስበር ጥርሙዝ ኣይኮነን (2ይ ክፋል) – ማሕሙድ ሳልሕ

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዝስበር ጥርሙዝ ኣይኮነን (2ይ ክፋል) ማሕሙድ ሳልሕ ቅድሚ ናብቲ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ሒዘዮ ዘለኹ “ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዝስበር ጥርሙዝ ኣይኮነን” ዝብል ኣርእስቲ ምእታወይ ንኩልኹም ኣብተን ወብሳይታት ይኹን ኣብ ዩ-ትዩብ ርኢቶታትኩም ዝሃብኩምንን ብኣካል

ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዝስበር ጥርሙዝ ኣይኮነን (2ይ ክፋል)

ማሕሙድ ሳልሕ

ቅድሚ ናብቲ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ሒዘዮ ዘለኹ “ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዝስበር ጥርሙዝ ኣይኮነን” ዝብል ኣርእስቲ ምእታወይ ንኩልኹም ኣብተን ወብሳይታት ይኹን ኣብ ዩ-ትዩብ ርኢቶታትኩም ዝሃብኩምንን ብኣካል ይኹን ብተለፎን፡ኢማኤልን ብውልቂ ብኣካል ዝረኸብኩምንን ዘተባብዓኩምንን ብልቢ የመስግነኩም።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፍ፡ “ኣነ እውን ኣስላማይ ስለዝኾንኩ ደኣ ኣብዚ ናይ ሓውና ናይ ኣግኣዝያን ሃገር ክኣቱ ኣይክእልን እየ እምበር….ኣነ እየ ዝያዳ ኣግኣዚ…ምኽንያቲ ትግረ ዝያዳ ንግእዝ ስለዝቐርብ” ኢለ ነይረ። ንምብርሁ፡ ኣቶ ተስፋጽዮን ሃገረ ኣግኣዝያን ንተዋህዶ ትግርኛ ጥራይ ስለዝጥርራ፡ እንተዝቐንዓሉ በዓል ኣነ ካልእ ዓዲ ክንደሊ ምተገደድና ነይርና ማለት እዩ። እቲ ምሒር ጽልኢ ብዙሕነት (diversity) ናይ ወዲሰብ ደኣ ዓሚትዎ እምበር እቲ ኣግኣዚ ዝበሃል ዝያዳ ባህላዊ እምበር ሃይማኖታዊ ከምዘይነበረ ብቐሊሉ ክበርህ ይኽእል። ይኹን እምበር ሎሚ ናይ ትግርኛን ትግረን ኣምሓርኛን ባህልን ቋንቋን ክንብል ንኽእል እምበር ናይ ኣግኣዚ ባህሊ ወይ ቋንቋ ዝበሃል የለን። በዚ መሰረት፡ እቲ ምጉት( Argument) ነቲ “ኣግኣዝያን ከም ትግርኛ-ተዋህዶ ጥራይ እዩ ዝብጻሕ” ዘስምዕ ዘረባ ናይ’ዚ ግለሰብ’ዚ ንምእራም ከም ጥበበ-ክርክር (Rhetorical) እየ ኣቕሪበዮ እምበር ንርእሰይ ኣብዚ ክትወጸሉ ዘይትኽእል ከንቱ ዓለም ናይ “እነ-መን ነበሩ” ክኣቱ ስለዝደለኹ ኣይኮንኩን።

ኣብ ደረጃ ኣቶ ተስፋጽዮን ወሪድና መን እዩ ኣግኣዝያን ኢልና ክንመናጨት እውን ኣይኮይኩን ዘቕረብክዎ።  እቶም ካብ ባህሊ ኣግኣዝያን ዝወለዱ ሰለስተ ማሕበረሰባት ማለት ትግረ፡ ትግርኛን ኣምሓርኛን ብኣግኣዝነቶም ክሕበኑ መሰል ኣሎዎም። ዝበዝሑ ዘንበብክዎም ጽሑፋት በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ተርታ እዮም ኣወላልደኦም ወይ ኣፈላልቀኦም ዝገልጹ፡-ትግረ፡ ርግርኛ፡ ኣምሓርኛ። ገለ ጽሑፋት ግን ትግርኛን ኣምሓርኛን ደድሕረ ትግረ ብማዕረ ተመዓደውቲ (parallel) ኮይኖም እዮም ፈሊቖም ዝብሉ ኣሎዉ።  ስለ’ዚ፡ ኣግኣዚ ዝበሃል ባህሊ ደኣ እዩ ነይሩ እምበር ኣግኣዚ ዝበሃል ሃይማኖት ኣይነበረን። ሃይማኖት ሓደ ካብ ብዙሓት መግለጺታት መንነት ናይ ኣግኣዝያን ክኸውን ይኽእል። በዚ መሰረት ሎሚ ባህሊ ትግረ፡ ትግኛን ኣምሓርኛን ዝበሃሉ ኣለዉ እምበር ባህሊ ኣግኣዝያን ዝበሃል የለን። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣንባባይ ባዕሉ ክፍትሾ እሓድጎ። ኣነ ኤርትራዊ እየ። ንሳ እኽልቲ እያ ንዓይ።

 

ሰለምታይ እየ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ጸቒጠ ዝዛረብ

እታ ቀላል መልሲ፡ ከም ዝበዝሑ ኤርትራውያን፡ ውጽኢት ምክእኣልን ሓድነትን ምትሕልላይን ኣብ ግብሪ ዝረኣኹ ስለዝኾንኩ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ፖለቲካ ዘስዓቦ ውጽኢት ናይ ዘይምትእምማንን ምግድዳዕን እውን ክሳብ ሕጂ ዘይሓወየ ፖለቲካዊ ስምብራት ዘስዓበ ተመክሮ ስለዘለና እዩ። ስለ’ዚ፡ ከም ህዝቢ መጠን፡ ኣብ ነንሕድሕድና ዘለና ምትሕልላይን ምክብባርን ንፖለቲካዊ ክለሳ ዝሰገረ ክኸውን ይግበኦ። ዝቕልቐሉ ከፋፈልትን ኣጣቖስትን ጃንዳታት ብእዋኑ መልሲ ምሃብ ሃገራዊ ሓላፍነት እዩ።

ደምበ ተቓውሞ ኩሉ ዝሽፍተሉን ዝሕክለሉን ዱር ኮይኑ ኣሎ። እቲ ንሃይማኖታዊ ምኽንያት ዝንቀሳቐስ፡ እቲ ንኣውራጃዊ ኣጀንዳ ዝቃለስ፡ እቲ ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ብውዱብ ዝረባረብ፡ እቲ ንጸቢብ ውልቃዊ ጉዳያት ዘንባሁቍ፡ ኮታስ ኩሉ ዝዓይነቱ ዝሸፈተሉ ጫካ ኮይኑ ኣሎ። ሕጂ ድማ ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ድማ ሓደ ብስም ሕሙማት ኣይድስ ክሰርቕን ክረብሕን ዝተታሕዘን ዝተፈርደን ፈገር ዕሩብ-ሕልና ንኹሩዕ ህዝቢ ትግርኛ ከግእዝ እየ ክብል ኣብዚ ጫካ ተረኺቡ ተባሂሉስ ገለ ካብ መደርኡ ኣዳሚጸ። እዚ ነቲ ቀዳማይ ክፋሉ ዝስዕብ እዩ።

ኤርትራዊ እየ ዝብል እንተኮይነ ኤርትራ ብምሉእነታ ትብጸሓኒ ማለት እዩ።

ንዓይ ኣብ ሰሜን ኤርትራ ዘሎ ሕደርባይን ኣብ ደቡብ ደንካልያ ዘሎ ዓፈሪ ወይ ኣብ ደቡብ ኤርትራ ዘሎ ኤሮብን ትግርኛን ሓደ እዮም። ብኤርትራውነት ሓደ ክንከውን እንኮለና፡ ኣብቲ ዝፈልየና ባህላዊ መርኣያታት ድማ ንከባበር። ኣብቲ ዝፈልየና ባህላዊ መግለጺታት ዘለና ምክብባርናን ምጽውዋርናን ድማ ነቲ ኤርትራዊ መንነት እንብሎ ናይ ሓባር ደምበ ጽኑዕ ጽላል ከም ዝኸውን ይገብሮ። ሓደ ህንጻ ድልዱል ክኸውን ድልዱላት ውልቀ-ሕጡባት የድልይዎ። ሓደ ወይ ገለ ከብቶም ሕጡባት እንተሰኒፎም፡ እቲ መንደቕ ወይ ህንጻ ስኑፍ ይኸውን። ዘይጠቕም ምንቅጥቃጥ መሬት ወይ ህቦብላ ከዕንዎ ይኽእል። ስለ’ዚ፡ ነብሰ-ወከፍ ክፋላት ሕ/ሰብና ብኤርትራውነቶም ምስ ዝዓግቡን ዝሕበኑን ናብ ሓድነት ወይ ኣሃዱኣዊ ኣመለኻኽታ ይግስግሱ። ነቲ ናይ ሓባር ጽላል ወይ ሃገር ክኸላኸሉ ድማ ድሉዋት ይኾኑ። ምኽንያቱ ብማዕረ ከምዝብጸሖም ስለዝዓግቡ። ኣይገዳድዑን። ንሓደ ረጊጽካ (ወላ እቲ ዝነእሰ ክፋል ሕ/ሰብ ይኹን) ናብ ሰላም ዝሰፈኖ ምዕባለ ክትጓዓዝ ምሕሳብ ማለት ነቲ መሰረታዊ እምንቶ ናይ ኣተሃናንጻ ሃገራት ምዝንጋዕ ማለት እዩ። እንተደኣ ነቲ ንእሽቶ ወይ ድኹም ክፋል ናይ ሕ/ሰብ ወይ ማሕበራዊ ጉጅለ ትዕምጽን ትረግጽን ትግልልን ኮይንካ፡ ነቲ ዓቢ ማሕበራዊ ጉጅለ ፍትሒ ክትልግስ ማለት ዘበት እዩ። መንግስታትን ሕ/ሰባትን በቲ ንነኣሽቱ ማሕበራውያን ጉጅለታት ዝህብዎ መሰላትን ግብራዊ ፖሊሲታትን እዮም ስልጡናት ወይ ድሑራት ዝበሃሉ። ንኣብነት፡ እቲ ወዲ ዓፈር ተወጺዐ ክብል እንከሎ ነቲ ወዲ ትግርኛን ትግረን ብሊኒን…ወዘተ ከሕሞ ኣለዎ።

እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ሓባራዊ ጉዕዞ ኤርትራውያን ነንሕድሕዶም ክከባበሩን ክተሓላለዩን ክፋለጡን ገይሩ እዩ። ግቡእ ፖሊሲታትን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ ምሕደራን እንተሃልዩ፡ ኣብ ረብሓታት ዝተመርኮሰ ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍን ንሱ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ስምዒታት ክህሉ የብሉን። እንተሃለወ ድማ ጠንቁ መንግስትን ፖሊሲኡ እዩ እምበር ሓደ ማሕበራዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዘስዕቦ ግበታን ዓመጽን ኣይኮነን። ስለ’ዚ፡ ግቡእ ናይ ምሕደራን ምዕባለን ፖሊሲታት እንተደኣ ተነዲፎምን ተተግቢሮምን፡ ኣብ ሕቶ ኤርትራውነቶም፡ ኣብ ኣርባዕቲኦም ጫፋት ሃገርና ዝቕመጡ ዜጋታት ምስቲ ኣብ ማእከል ሃገርና ማለት ኣብ ኣስመራ ዝቕመጡ ዜጋታት ብዙሕ ዝፈላልዮምን ዘዋጥጦምን ምኽንያት ክህሉ ኣይክእልን። እቲ መንግስቲ ንሓደ ካብ ካልእ ዝያዳ ከም ዝብጻሕ ኮይኑ እንተተራእዩ ግን ጸገም ናይቲ መንግስቲ እዩ። ብኣግኡ ክፍታሕ ኣለዎ።

ብዝኾነ ሓድነት ብከመይ እዩ ዝልካዕ ወይ ዝረአ?

ብዛዕባ ሓድነት ምዝራብ፡  ውልቀ-ፍልልያት ከምዘለዉ ካብ ምእማንን ምቕባልን ዝብገስ እዩ። ሓደ ንዝኾነ ህዝቢ ብዛዕባ ሓድነት ክትምድሮ ምኽንያት የብልካን። ምእማንን ምኽባርን ፍልልያት እዩ ናብ ናይ ሓድነት ዛዕባ ዝመርሓካ። ፍልልያት ከምዘለዉ እንተኣሚንካን እንተተቐበልካዮምን ድማ ዳርጋ እቲ ናይ ሓድነት ጻዕሪ ተሳሊጡ ማለት እዩ። ንሓደ ብሄር ወይ ማሕበራዊ ጉጅለ ካብ ካልኦት ዝፈልዩዎ መርኣያታት ከም ኣገባብ ኣነባብራ፡ ስነኣእምሮኣዊ ስምዒት (ሓደ ሰብ፡ ኣነ  ኣባል ናይ’ዚ ማሕበራዊ ጊጅለ እየ ዘብሎ ስምዒት)፡ ሙዚቃ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ መግቢ፡ ኣከዳድና፡ ልምድታት፡ ኣፈታሪኽን ያታታትን፡ ሃይማኖት፡ ዝነብሩሉ ውሱን ኣካባቢ፡ ኣብ ውሽጦምን ምስ ጎረባብቶምን ዘለዎም ዝምድናን ወዘተረፈ ንመንነት ናይቲ ማሕበራዊ ጉጅለ ዝነድቑ ረቓሒታት እዮም። ግን ከኣ ግምጃ ናይ’ቲ ምሉእ ሕ/ሰብ ከኣ እዮም። እዚኣ እያ እታ ወሳኒት።

ኣነ ከም ወዲ ትግረ ንኣባላት ኩናማ ምስቲ ግሩም ባህሎምን ክብርታቶምን ከም ህዝበይን ኣካለይን ዝሓስቦም እንተኾይነ፡ ንሶም እውን ብከምኡ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዮም ዝጥምቱኒ። ምክብባር ተላጋብን ተላባዕን እዩ። ንጎረቤትካ ምስ እተኸብር፡ ንሱ የኽብረካን ነቲ ኪነኡ ዘሎ ጎረቤት የኽብር። እቲ ሳልሳይ እውን ነቶም ኣብ ዙርይኡ ዘለዉ የኽብር። እዚ ድማ ብደረጃ መንግስታዊ ፖሊሲን ሃገራዊ ዘተን ምስ ዝግበር፡ ምስቲ ዘሎ ናይ ሎሚ ናይ መራኸቢታት ብዙሓን ተክኖሎጂ፡ እቲ ናይ ስኒትን ምትእምማንን ምቕርራብን መንፈስ ብቕልጡፍ እዩ ዝላባዕ። ጽልእን ዘራእቱን ነዚ ስለዝርድኡ፡ ንሶም እውን ብኣንጻሩ ይጥቀሙሉ ማለት እዩ። ንሕና ነዞም ፍልልያት ሓይሊ ሓድነትና እዮም ክንብል እንከሎና፡ ንሶም ድማ ጽልእን ምብትታንን ከሳውሩ ይጥቀሙሎም እዮም። ስለ’ዚ፡ ፍልልይ ኣይሃሉ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣበይ ኢኻ ዝያዳ ተተኩር? ኣብቲ ዝፈላሊ ዲኻ ዝያዳ ተተኩር ወይስ ኣብቲ ዘሕብርን ዘቀራርብን እዩ እቲ ሕቶ። እቲ ጉዳይ፡  ነቶም ባህላውያን ፍልልያት ናብ ዋንነት ኩልናን ናብ ኣሕበርቲ ዛዕባታት ንምቕያሮም ምስራሕ ኣብ ዝብል ዘድሃበ ክኸውን ይግበኦ። እዞም ምልኩዓትን ሰሓብትን ባህላውያን ፍልልያትና ነቲ ናይ ሓባር መንደቕ ዝነድቁ ሕጡባት ምዃኖም ምእማን እዩ።

ሕ/ሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተወሳሰበ እዩ። ብሃይማኖት እንተመጸኻ፡ ሓሙሽተ ካብቶም ትሽዓተ ብሄራት ኤርትራ ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ይርከብዎም። እቲ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ፡ ኣብ ገሊኡ ናብ ስድራታት ዝወርድ እዩ። ሓደ እንዳ ወይ ናይ ቀረባ ስድራታት ናብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ተኸፊሎም ትረኽቦም። ግን ብሰላም ይነብሩ ኣለዉ። ብናይ ደም እንተኾይኑ ድማ፡ ጎረባብቲ ብሄረሰባት ተዋሲቦምን ተዛሚዶምን ንረኽቦም። ብሰላም ይነብሩ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ናብ ቆላታት ኤርትራ ዝወረዱ ደቂ ከበሳ ነይሮም እዮም። ብሰላም ናብቲ ሕ/ሰብ ተሓዋዊሶም ‘ዮም። ብሰላም ከኣ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብነት ክኾነና፡ ኣብ ጫፍ ኤርትራ ኣብ’ቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ድምጺ ሓፋሽ ዝነበረትሉ  ሃገር ተባሂሉ ዝስመ ዝነበረ ኣዝዩ በሪኽ ዝባን፡ ካብቲ ድምጺ ሓፋሽ ዝነበረትሉ ቅሩብ ንደቡብ፡ ዑና ናይ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ነይሩ። ሕጂ እውብ ይህሉ ይኸውን። እዚ ቦታ እዚ ካብ ዶብ ሱዳን ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ኪሎ ሜተራት ርሕቐት ኣለዎ። ኣብቲ ርሑቕ ሰሜናዊ ጫፍ ሃገርና እዩ። ነበር’ቲ ኣካባቢ ኣስላም ደቂ ትግረ እዮም። እታ ኣእማን መሰረታን ገለ ጫፍ ዑና ናይቲ መንደቓን ገና ዝረአ ዝነብረ ህንጻ፡ “ቤት-ክስታን ተክለ” ትብሃል ከምዝነበረት ሓቢሮምኒ። ብ1985 ኣብ ግዜ ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ፡ ጎቦ ሃገር ከም መዕቆብ ድምጺ ሓፋሽን ከምኡ እውን በሪኽ ብምኻኑን ሓደ ካብቶም ጸላኢ ብጃንጥላ ክወርደሉ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ዝነበረ ቦታ እዩ ነይሩ። ብተብተብ ኢና ናብ ሃገር ንኡሽ ኬድና። ኣብኡ ቀኒና። ነታ ብወረ ዝሰምዓ ዝነበርኩ ቤተ-ክርስታያን ምስ ረኣኹ ኣዝየ እየ ዝተሓበንኩ። እቲ ናይ ኤርትራውያን ናይ ምክእኣልን ምጽውዋርን ባህሊ ንፋስ ከይኣትዎ ግደይ ክገብርን ታሪኽ ከዘንቱን ነቲ ዝነበረኒ ስምዒት መሊሱ ኣትሪርዎ። ንተወለድቲ ተኽለ ክረክብ ድሌት ‘ኳ እንተነበረኒ፡ግዜ ይቀያየር ስለዝነበረ፡ ክገብሮ ኣይከኣልኩን።

ኣብ ማርያ-ጸላም፡ ኣብ ዝባን ሮራ ሓባብ፡ ኣብ ኣከባቢ ኣፍዓበትን ሩባ ዓንሰባን ኣከባቢ ከረንን ዝነብሩ እንዳታት ኣስላም ብሄረ ትግረ ቀደም ካብ ዝባን ከበሳ ዝወረዱ እዮም። እቲ ምጽንባርን መስርሕ ምውህሃድ (assimilation) ብሰላም ተኻይዱ። ብሓፈሽኡ፡ ብሰላም ማለት ብንግድን ብእንካን-ሃባን ዝግበር ርክባት፡ ቀስ-ብቐስ ነቲ ናይ ሃይማኖትን ቋንቋን ኣመላኻኽታን ካልእ ባህላዊ ፍልልያትን ናይቶም ዝራኸቡ ማሕበራውያን ጉጅለታት እንዳኣህሰሰ ናብ ውህደት የምርሕ እሞ ድሕሪ ገለ ወለዶታት እቲ ፍልልያት ፈጺሙ ጠፊኡ ኣየናይ እዩ እቲ መበቆላዊ ኣየናይ ከ እዩ እቲ ፈላሲ ክተላልየሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ትበጽሕ። ብዙሓት ደቂ መታሕት እውን ናብ ከበሳ ከምዝፈለሱን ብሰላም ይነብሩ ከምዘለዉን ፍሉጥ እዩ።

ብ1990-91 ኣብ ግንባር ደቡብ (ኣከባቢ ደቀምሓረ) ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ተዛረብቲ ደቂ ትግረ ኣብ ኣከባቢ ክሊዓውታ (ደቡብ ካብ ኮርባርያ) ረኺበ። ነቲ ናይ ሳሕል ማለት ናይ ሃገር ንኡሽ ተኽለን ቤተ-ክርስትያኑን ኣዘኻኺሩኒ። ውሑዳት ክንሶም እዞም ኣብ ባሕሪ ናይ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝነብሩ ኣባላት ናይዚ ንኡስ ማሕበረ-ኮም ትግረ፡ ብሰላም ምስ ጎረባብቶም ክነብሩን ክበጻጽሑን ብሓባር ክሓዝኑን ክሕጎሱን ርኤዮም። በብግዚኡ ወራራት ትግራይ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ናብ መሬት መታሕት ዝዕቀቡ ዝነበሩ መራሕቲ ከበሳ ከም ዝነበሩ እውን ናይ ርሑቕ ተዘክሮ ኣይኮነን። ኣባላት ብሄረ ሳሆ እውን ኣብቲ ዞባ ምስ’ቲ  ሕ/ሰብ ናይ ትግኛ ብሰላም ክነብሩ ተዓዚበ። እዚ ብዛዕባ ቆላ ከበሳ እዛረብ ስለዘለኹ እምበር ብሃይማኖት እንተኾይኑ፡ ኣሕዋት ጀበርቲ ኣባላት ናይቲ ሕ/ሰብ ኮይኖም ንዘመናት ተኸኣኢሎም ክነብሩ ጸኒሖም እዮም። ኹሎም ደቂ ተሰነይ፡ ኣቁርደት፡ ባጽዕ፡ ኣፍዓበት ቃሩራ ኢና ዝብሉ ዜጋታት ደቂ ከበሳ ብውሳኔ መንግስቲ ዘይኮነስ፡ ብሰላምን ብዘገምታን እዮም ናብቲ ሕ/ሰባት ክሕወሱ ዝኸኣሉ።

ብሓፈሽኡ ክረአ እንከሎ፡ ዝበዝሓ ብሄራት ኤርትራ ብቋንቋን ኣነባብራን ካልእ ረቓሒታትን ተመሳሳልን ተደራራብን (overlapping) ዝኾኑ መርኣያታት ባህሊ ኣለዎም። ሰውራ ኤርትራ እውን ናቱ ተመክሮ ኣለዎ። ኤርትራውያን ሃይማኖትን ብሄርን ከይፈለዩን ከይተጋድዑን ብሓባር መኪቶምን ብሓባር ተቐቢሮምን እዮም። ተዋሲቦም እውን እዮም። ድልዱል ስድራ ኮይኖም  እዮም። ሎሚ፡ ተጋደልቲ ነበር ይኹን በቲ ተመክሮ ዝሓለፉ ሰባት ዘይፈርስ ስድራዊ ክበሃል ዝከኣል ምሕዝነት መስሪቶም እንክትርእዮም ከገርም የብሉን።

ጉዳይ ሓድነትን ግጭትን

ኣብ መንጎ ሕ/ሰብና ግጭት ወይ ምፍሕፋሕ ኣይነበረን ወይ ኣይክነብርን እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ገደቦ ዓድታት ይኹን ዞባታት ወይ ጎረባብቲ ማሕበራውያን ጉጅለታት ምፍሕፋሕ ክህሉ ንቡር እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን፡  ሓደ ወገን ወይ ማሕበራዊ ጉጅለ ብተፈጥሮኡ ግናይ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ንቡርን ንውሑድ ጸጋታት (resources) ኣብ ምቅራሕ ዝግበር ውድድር እዩ። ዝሕረስ መሬት፡ ንመጋሃጫ ዝሕደግ ቦታታት፡ ምንጭጥታት ማያት፡ ከምኡ እውን ባጀትን ኣመቓርሑ፡ ፖለቲካን ተወካልነትን…መንግስታዊ ፖሊሲታትን ምዕሩይ ምዝርገሖምን…ወዘተ ዘበጋግስዎ ምፍሕፋሕ እዩ። ካብ ቀደም ህዝብና ነዚ ናይ ጸጋታት ምምቕራሕ ሕቶ ዝፈትሓሉ ኮማዊ ሕግን ስርዓተ-ሓበሬታን (communal codes and information system) ነይሮሞ። በዚ ድማ ግጭታት ብሰላምን ብእዋኑን እንዳተኣለዩ እቲ ማሕበራዊ ሚዛን (equilibrium) ተሓልዩ ጸኒሑ። ኹሉ ግዜ ምፍሕፋሕ ክህሉ እዩ። “ንጠንቆምን ኣመጻጽኣኦምን ብከመይ ትርእዮ- ማለት ሓደ ወይ ገለ ማሕበራውያን ጉጅለታት ብተፈጥሮ ርኹሳት ከምዝኾኑ ብምቕራብን ጽልእን ኲናትን ብምጽሕታር ድዩ ክትፈትሖ ትፍትን ወይስ እዚ ኣብ ኩሉ ዝረአ ምፍሕፋሕ ከምዝኾነ ኣሚንካ ፖሊሲታት ብምግምጋምን እሂን-ምሂን ብምባልን ኢኻ ዘላቒ ስላም ተስፍን?” ዝብል እዩ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ።

ንፍፍልልያትን ግጭታትን ብግቡእ ምፍታሕ ማለት ነቲ ሓድነት ብመገዲ ብዙሕነት (unity through diversity) ዝብል እምንቶ ተኽብር ኣለካ ማለት እዩ።  እዚ መትከል’ዚ ንማሕበራውያን ጉጅለታት ኣብ ሓደ መዓስከር ታዕሊም ኣዳዊስካን ለዋዊስካን ሓደ ምግባሮም ዘይኮነስ፡ ነብሰወከፍ ማሕበራዊ ጉጅለ ንመንነትን ፍሉይነትን ናይቲ ካልእ ጉጅለ ምቕባልን ምኽባርን ማለት እዩ። ሓድሕዳዊ ምክብባር ፍሉይነታት እዩ ናብ ዘላቒ ሓድነት ዘምርሕ እምበር፡ ብሓይሊ ሓደ ኣካል ክትከውን እንተደለኻ ኣይኮነን። ብመሰረቱ እውን ጉዳይ ሓድነት ጉዳይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስምዒት ወይ ምዝማድ እዩ። እቲ ካልእ ማሕበረኮም ምስ ፍሉይነቱ ኣካልካ ምዃኑ ምእማንን ምቕባልን እዩ።

ግጉይ ፍተሓት ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ንብዙሓት ሃገራት ረማዕ ዘበሉን ንህላወአን ዝተፈታተኑን እዮም። ክነስተውዕለሎም ኣለና።  ኤርትራ ክንብል እንከለና ኩሎም እቶም ናይ ብሄራትና ሕብርታትን ኣላብሳን ቋንቋታትን ወግዕታትን ኣመለካኽታን፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማ ማለት ገጠር/ከተማን ነጋዳይን ሓረስታይን ጓሳን ገፋፋኢ ዓሳን… ከምኡ እውን ናይ መሬትና ኣቀማምጣ (ከበሳን ቆላን፡ ደቡብ፡ ሰሜን፡ ምብራቕ ምዕራብ)…ኮታስ ምስሊ ምልእቲ ኤርትራ ቁጅል ክብለና ኣለዎ። ካብ ጻት ናብ ጻት። ሽዑ ኢና ብዛዕባ ምትሕልላይን ምርእኣይን ንሓስብ። ሽዑ ኢና ብልብና ብዛዕባ ውዱንን ምዕሩይ ቁጠባውን ፖለቲካውን መደባት ምዕባለ ክንሰርሕ ንኽእል። ሽዑ ኢና ናይ ብሓቂ፡ “ኤርትራዊ እየ” ክንብል ንኽእል’ምበር ኤርትራ ብኣምሳል ናይቲ ንነብረሉ ኣከባቢ ወይ ከተማ ጥራይ ንርእያ እንተኮይንና ግዳያት ናይ’ዞም ለያቡ ወረበላታት ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ።

ባህልን ፖለቲካዊ ውሳኔን

ባህልታትን ቋንቋታትን እንዳተለቓቕሑ ብዘገምታ ይምዕብሉ። ተምክሮ ካልኦት ሃገራት ከምዘረጋግጾ፡ ኩሎም እቶም ንጽሩይነት ባህልን ቋንቋን ዝተገብሩ ፈተነታት ፈሺሎም እዮም። ዓለምና ኣዝያ ንእሽቶ እያ። ሕጂ’ሞ ምስ ምትእትታው ሓድሽ ተክኖሎጂ ናብ ንእሽቶ ቁሸት እያ ተቐዪራ ዘላ። ኩሉ ዓቃባዊ ፈተነታት ኣብ መወዳእትኡ ተሳዓሪ እዩ። ማሕበራውያን ጉጅለታት እንታይ ዓይነት ቋንቋ ይጠቐሙ፡ ባህሎም ብከመይ የማዕብሉ፡ ብከመይ ክፍለጡ ወይ ክስመዩ ይደልዩ…ወዘተ ናታቶም መሰል ጥራይ እዩ። ብሓፈሽኡ፡ ሰባት ብመንጽር ጽሬትን ዘይጽሬትን ዘይኮነስ፡ እንተ ብምልከት ናይቲ ቋንቋ ድዩስ እንተ ብናይ መንነት ምኽንያት ዝያዳ ናብ ሓደ ቋንቋ ክዘብሉ ይኽእሉ’ዮም። ዝበለጸ ቋንቋ ዝበሃል ግን የለን። ምስ’ዚ ክረአ ዘለዎ፡ ንቋንቋኦምን ባህሎምን ከማዕብሉ ዝንቀሳቐሱ ኣሕዋትን ኣሓትን ክነበራትዕ ኣለና። ኣብኡ ጸገም የለን። እቲ ክንቃወሞ ዝግበኣና፡ ነቲ ኣንጻር ካልኦት ማሕበራውያን ጉጅለታትን ሃይማኖታትን ዝቐንዐ መጥቃዕቲ እምበር ነቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ባህልናን ቋንቋናን ናይ ምብርባር ጻዕርታት ኣይኮነን።

እብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ከፋፋሊ ውዲታት ሰጊሩ እዩ። ነዛ ኤርትራውነቱ ንምውሓስ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ እዩ ኸፊሉ። ሎሚ እኒ-ፈገርን መሰልቱን ክምድርዎ ኣይኮኑን። ንካልኦት ቅድሚ ምግኣዞም፡ ንርእሶም ኣግእዞ ዘድልዮም ዝሩጋት-ኣተሓሳስባ እዮም። ንኡስ ወለዶ፡ ሓድነትካ ንዝፈታተኑ ያዕ እንዳበልካ ምእንቲ ሰላምን ደሞክራስን ዝሰፈና ሃገርካ ክትቃለስ ትኽእል ኢኻ። ኣቋራጭ መገዲ ዝበሃል የለን። ሓድነት እንተዘየለ፡ ፖለቲካዊ ስራሕ ክዕመም ኣይከኣልን እዩ። ሕቡን ሃገራውን ሓርበኛውን ምዃን ኣንጻር ፍትሒ ምቋም ማለት ኣይኮነን። ብየማንን ጸጋምን ዝምጸእ ንሃገርካን ህዝብኻን ዝሃሲ መጥቃዕትታት እንዳተኸላኸልካ ቆራጽ ተቃላሳይ ፍትሒ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሃገራውን ሓርበኛን ምዃን ነቲ ዝበለጸት ኤርትራ ክትርኢ ዘለካ ኣቋም የቀላጥፎ እምበር ኣየደናግዮን እዩ። “ዕሙት ፍቕሪ ሃገር ይዕንቅፈና ኣሎ” ዝብል ዘረባታት ትሰምዕ ኢኻ። “ነዚ ህዝቢ እንደገና ኣዳዊስና እንደገና ክንፈጥሮ ኣለና እምበር ኣብዩና እዩ” ዝብሉ ናይ በሃማት ሃተውተው እውን ክጋዋሕ ትሰምዕ ኢኻ። እቲ ሓቂ ግን፡ ሃገር ብሕቡናትን ትስፉዋትን ቋራጻትን መንእሰያት እያ ትልወጥን ትግስግስን’ምበር ብተስፋ ቆሪጽ ኣይኮነትን ኣግእዞ ትረክብ። ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዘለዎ መንእሰይ እዩ ብዛዕባ ምምዕባል ዓዱን ህዝቡን ብዛዕባ መሰላት ዜጋታቱ ዝግደስን ዝውፈን። “ተበገስ” ኣየድልዮን እዩ። ብጉስ እዩ።  ኣብ ወጻኢ ዘለኻ መንእሰይ፡ ነቲ ብዘይካ ኤርትራ ካልእ ዓዲ ዘይብሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ መንእሰይ ተስፋ ሃብ። ንሱ እዩ ሓቀኛን ዘላቕን ለውጢ ዘምጽእ። ምኽንያቱ ብዘይካ ኤርትራ ካልእ ሃገርን ተለጣፊ መንነትን የብሉን። ኣብ ወጻኢ ዘሎ መንእሰይ ብዝተፈላለየ መንገድታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብኣወንታ ዝጸሉ ዕማማት ክገብር ይኽእል እዩ። “ኣነስ ክገብር እየ” ንዝብል ግን ዕንቅፋት ኣይንገብርን።  ከምቲ “ዝገብርስ ንኣዲኡ ነይነግር” ዝበሃል ድማ መደረ ፓልቶካት ዘይኮነስ ብድድ ኢልካ ምብጋስ ጥራይ እዩ። ንኩሉ’ዚ መሰረት ዝኸውን ግን ስምረትን ሓድነትን እዩ። ብዝኾነ፡ መሳርዕካ ኣስምር። ተረኣአ። ኣይትገዳዳዕ።

ብዙሕነትና መሰረት ሓድነትና እዩ። ሓድነትና ድማ ሓይልና እዩ።

Mahmud Saleh.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • Mussie August 29, 2016

    እዛ ነቐፌታ ንጸሓፋይ ኣይትምልከትን ኢያ ብቀጥታ ንማኒአል ኣሰና ብዛዕባ እዛ ስእሊ ኣብዛ ጽሕፍቲ ተጠቂዓ ዘላ ንሓድነት ትጠቅስ እየ ከስምረላ ደልየ፡ ኣብዛ ስእሊ ዘለዉ ኩሎም መንሰያት ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ብሱዳንዋያን፡ብልብያውያን እንዳ ተቐጥቀጡ ኣብ ኤዉሮጳ ዝኣተዉ እዮም ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ንሂዎቶም ከድሕኑ ዘይክእሉ ንሕብረተሰቦም ዘሕነኹ ካብ ኮኑ ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኽበ ከም ምልክት ሓድነት ኣብ ወብ ሳይትካ ጠቂዕካዮም። ዋላስ ከም ኢሰያስ ቀም ኣቢልካ ኔርካ ማለተይ ጽቡቕ ጌርካ ኣይተበራበርካን ኔርካ ነዛ ስእሊ ክትጥቅዓ ከለካ፧ ይኣኽለካ በል ኢድካ ካብ መንእሰያት ኣውጽእ። ምስቶም ተረፍ መረፍ ናይ ህዝባዊ ግንባር እዩ ዘምሕረልካ።

    • PH August 29, 2016

      ምጽውዋር ታኣምን’ዶ ጠቃምን ጎዳእን’ከ ትመሚ’ዶ?ኩቡር ሓው mussie? ኣይመስለንን።

      • Asmeret August 29, 2016

        ብዓል ‘ሙሴ’ ፖለቲካ ክትሽቅጡ ኣይንትበሩ፣ ሰብ ኮ ከምዚ ናትካ መዘንብዒ ክርኢ ኸሎ ተመሊሱ ነቲ ቀንዲ ጽሑፍ ክርእዮ ቀሊል እዩ። ኣተኩሮ ጽሑፍ ኣማኑኤል ኣብቶም ንወጽዓን ሕርቃንን መንእሰያት መዝሚዞም ንጸቢብ ጉጀለኣዊ ኣጀንዳኦም ክጥቀሙሉ ዝደልዩ ከምዚ ከማኻ ተረፍ መረፍ ኣንድነታውን ጀብሃውን ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጸበብቲ ኣእምሮ እዩ። ነታ ኩዕሶ ናባኹም እዩ ቀሊዑዋ ዘሎ፣ ናብ መንአሰያት ቁሊሕ ምሊሕ ኣይትበሉ። ሓቂ እንተልዩኩም ባዕልኹም ደኣ ውጽኡዋ። ፖቲካዊ ቀጠፍጠፍ ይኣኽለኩም፣ ሓደ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ መንእሰይ እንተረኸብኩም፣ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ለቢሞም እዮም። ኣቃጸልቲ እንተዄንኩም ኣበይ ደኣ ኔርኩም ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት?

        • Mussie August 30, 2016

          ሓፍተይ ኣስመረት ብስምዒት ካብ ምጽሓፍ ብርድኢት ምጽሓፍ ምሓሸኪ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣንድነት ዝበሃል ሰሚዐ ኣይፈልጥን ምናልባት ኣንድነታዊ ስምዒት እንተ ኣለኪ ክፈልጥ ከጸግመኒ እዩ። ወይ ኣንድነታዊ ስሚዒት ዘለዎ ጉጂለ ወይ ኣካል እንተ ኣሊዩ ጭብጥኺ ሒዝኪ ምምጻእ ከድሊየኪ እዩ። ኣነ ብወገነይ ጀብሃ ኣይኮንኩ ኣንድነት ኣይኮንኩ ካብቶም ኣሽሓት መነሰያት ኣብ ገዛእ ዓዶም ምንባር ዚተነፈጎም መንእሰይ ኢየ። ናትኪ ስምዒት ህዝባዊ ግንባራዊ ስምዒት ኢዩ ዘዛርበኪ ዘሎ ማለት ነቲ ከም ጣኦት ተምልኽዮ ስርዓት ኢሰያስ። ንሕና መንእሰያት ከኣ ሱር በተኽ ለውጢ የድሊየና ኣሎ ማለት ህዝባዊ ግንባር ዝጥቀመሉ ነገራት ካብቲ ዚነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ክካቃጸል ወይ ክድምሰስ ኣለዎ ዝብል ኢዩ መርገጺና። ከምዚ ከማኺን ኣማኒኤልን ክኣ ህዝባዊ ግንባር ከም ተመን ሕቑኡ ምስ ተዘብጠ ዘዕለብጥ ዘሎ ምስኡ ተዕለብጡ ኣለኹም ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ተሓቢእኩም ጸኒሕኩም። ንእሽቶ ውራይ ግበር ሞ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ክትፈልጥ ይበሃል። ሕጂ ክኣ እዞም ከም ፈተውትና ወይ ተቓለስቲ ተመሲልኩም ንቃልስና ፋሕ ብትን ተብሉ ዚነበርኩም ፈሊጥናኩም ዕድመ ንቢንያም ካሕሳይ።

      • Mussie August 30, 2016

        ኩቡር ሓው PH ባዕልኻ ሓቲትካ ባዕልኻ መሊስካ። እቲ ሕቶ ንዓይ እንተ ኾይኑ ክትሓተኒ ጥራይ እዩ ዝግበኣካ ነይሩ ኣነ ከኣ መልሲ ይህበካ።

  • PH August 29, 2016

    ኩቡር ሓው ኣሕመድ ሳለሕ፡ቀዳመይቲ ክፋል ጽሑፍካ ከንብባ ኣይከኣልኩን።ካብ ኣንበብቲ ዝቀረበልካ ርእይቶ’ውን ከምኡ።ይኹን’እምበር፡ኣብዛ 2ይ ክፋል ጽሑፍካ ጸባ ኣስቲኻኒ ኣብሽር ያወደል ሓላል!ዎ—እትመናለክ ዓመል ጠይባ ።

    • Mahmud Saleh August 29, 2016

      ሓው PH
      ሹክረን፡ ነቲ ቀዳማይ ክፋል ክተንብብ ኣብዚ link ጠውቕ። ይሰርሕ ይኸውን። ወይ ድማ ኣብ youtube.com, check out Amir Amaya channel
      http://goo.gl/Smm96g

  • Simon G. August 29, 2016

    ኣቶ ማሕሙድ:
    እንቋዕ ደሓን ተመለስካና ናብ ኣሰና! ይበል ምኽሪ! ኣብ ኣእምሮና የንብሮ። የቐንየልና ድማ።
    “መሰል ውሑዳት ከይተኸብረ መሰል ብዙሓት ክኽበር ኣይክእልን ዩ።”
    በል: ኣይትፈለየና። ኣብ ዓዋተ ‘ኳ ንሪኤካ ኢና: ግን ናብ ኣሰና ድማ ተመላለስ።
    ሓውኻ Simon G (aka Mighty Embasoyra)

    • Mahmud Saleh August 29, 2016

      Hey Mighty Embasoyra:
      Just to say hello. Thanks. ሰብ ቀደም።

  • Shewit August 29, 2016

    I did no understand what he wants to say in Eritrean context by saying: “ህልታትን ቋንቋታትን እንዳተለቓቕሑ ብዘገምታ ይምዕብሉ።” ?
    Why did the leadership in Jebha burn text books written by it own department of education in the Eritrea’s proud Tigre language used by more than a third of Eritrea’s population? Are some of these “elites” ashamed of their own identity, history and languages to burn the second most used language in the day today of their life, custom, tradition and history?
    Borrowing a language is good, I do it often in many languages but I will never burn my own language to give priority to an alien language or legalize another language by burning and eradicating my own identity.

    • Mahmud Saleh August 29, 2016

      Dear Shewit
      You asked what I meant by “ባህልታትን ቋንቋታትን እንዳተለቓቕሑ ብዘገምታ ይምዕብሉ።” in Eritrean context. I would glad to discuss that point. But then you went on to give your own subjective conclusions. What am I supposed to say?

  • AHMED SALEH !!! August 29, 2016

    Dear Mahmud Saleh
    Eritrean politics for dominance needs taste of medicine that may open people’s eyes and
    to help their mind free from insidious negative influences .
    As you stated we Eritreans have no religious or Ethnic tensions but cowardice played a role
    to silence from speaking up against corruped officials wrong deeds . And when FEAR starts
    to surrender a person dignity RESPECT starts to lose its value .

    • Mahmud Saleh August 29, 2016

      Dear Ahmed
      I agree, thanks. How are you doing anyway?

  • k.tewolde August 30, 2016

    The foundation of future Eritrea should be erected on the principles and views of this prolific writer and so many like him.We are not doomed after all. Impartial,informative,insightful, educational,unbiased,mature,inspirational,positive……I am tired of reading smart rhetoric laced with subtle toxic and divisive messages.Thanks Mahmud for refreshing our minds every now and then. .

    • Mahmud Saleh August 30, 2016

      Selam Brother k.tewolde
      Many thanks for your encouragements. It’s only a matter of time until the dust settles and reasonable people reach out to each other. We can be true patriots who look after each other and at the same time become pro democracy and justice. It is the love of our nation and people that pushes to do more to see a better Eritrean, not the other way round as some want us to believe. Patriotism and the will to fight for justice are not incompatible. Thanks again.

  • Ali bin Ali August 30, 2016

    Marhaba Brother M. Saleh I have read the part one and two really I have appreciated your idea you are educated and respectful person not unlike Tesfazion he is arrogant and raciest he is creating hate among the Eritrean people specially between Christian and Muslims he abuse all Muslims even abuse the Christian sects catholic, Kanisha, Pantie and others and said <sahbti Camel to Tegre, guasot atal to Saho and menenet zaibelom to Jabarti and so on. He doesn't believe in Jesus and Mary he said Christianity came by force he said a lot of bad things to Christianity he said I prefer to be Jewish THAN CHRISTIANITY and a he said a lot of bad things about Christianity so why the chrstian brothers not replying him why they kept silent because he abusing Islam or they become happy to hear bad words about Islam, I don’t understand, Even Amanel Eyaso also kept silent why I am surprised !!!!!????. I prefer to reply me by Tegrinya if you want.
    thanks
    Ali bin Ali

  • Rasu August 30, 2016

    People who seek justice are not afraid or ashamed to discuss justice and truth, thank you Shewit for asking:

    “Why did the leadership in Jebha burn text books written by it own department of education in the Eritrea’s proud Tigre language used by more than a third of Eritrea’s population? Are some of these “elites” ashamed of their own identity, history and languages to burn the second most used language in the day today of their life, custom, tradition and history?”

  • Lamek August 30, 2016

    The hade hizbi hade libi project has failed. Let’s look for a better solution.

  • Dala kisha August 30, 2016

    Thanks ,brother Mehamud.This is one of the best articles I read in websites it is educational and informative please keep writing.do not worry about those with negative attitude(HADGI MEGZAETI)

POST A COMMENT