Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራ ውሕስነት ዲሞክራስያዊ ለውጢ እዩ

እቲ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመጽአ ናጽነት ኤርትራ: ብማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ መንእሰያት እዩ ተረጋጊጹ። ኣብ 1998 ስርዓት ህግደፍ ብዘሳወሮ ዶባዊ ኵናት ጠገለ ዘይብሉ ባርዕ ምስተኣጕደ ዝሃለቑ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰማእታት ኤርትራ ‘ውን: ዝበዝሑ

እቲ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመጽአ ናጽነት ኤርትራ: ብማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ መንእሰያት እዩ ተረጋጊጹ። ኣብ 1998 ስርዓት ህግደፍ ብዘሳወሮ ዶባዊ ኵናት ጠገለ ዘይብሉ ባርዕ ምስተኣጕደ ዝሃለቑ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰማእታት ኤርትራ ‘ውን: ዝበዝሑ መንእሰያት እዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ምረት መግዛእትን ደረት ኣልቦ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎትን’ ስርዓት ህግደፍ ምጽዋር ስኢኖም ናብ ተዛማዲ ራህዋ ናብ ስደት ከምልጡ፡ መከራን ጸበባን ዘሕልፉ፡ ህዋሳቶም ዝስረቑ፡ ከም ገላዩ ዝሽየጡን ዝልወጡን ዝሞቱን ዘለዉ ድማ መንእሰያት እዮም።

እቲ ቀዳመይ መድረኽ መስዋእቲ: ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክኸፍሉዎ ዘገደዶም ‘ኳ እንተነበረ፡ እዚ ዝቐጸለ ርትዓዊ ምኽንያት ዘይብሉ፡ ክልተ ተኸታታሊ መድረኻት ህልቂት ግን: ስርዓት ህግደፍ’ዩ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ። ህግደፍ ጥፍኣቱ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ብጥፍኣቱ ክሕተት ስለዘይደሊ ግን፡ መንእሰያት ኤርትራ ምእዙዛት ገላዪ ስርዓቱ ንክኾኑ፡ ከምቲ ናይ ግዜ መግዛኣቲ፡ ንሞቶም መስዋእቲ እናበሉ ብዘይሕቶን ርእይቶን ክሃልኩሉ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝመሃዞ ውጥን ህዋሳቶም ከደንዝዞን ኣእምሮኦም ከደንቁሮን ዝከኣሎ ገይሩ’ዩ፡ ይቕጽሎ ኸኣ ኣሎ።

ንደረት ኣልቦነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ‘ኣየብኵናት ኣየብሰላም ኢና ዘለና’ ኢሉ ከመኽንየሉ ዝፍትን ኳ እንተኾነ፡ ህግደፍ፡ ነቶም ሓይሊ ለውጢ ከምዝኾኑ ዝኣምነሎም መንእሰያት፡ ካብ ሕብረተሰብ ነጺሉ፡ ወትሩ ክቆጻጸሮም ዝመሃዞ ሜላ እዩ። እዚ ከይኣኽሎ ድማ፡ ዋላ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት፡ ተጋደልትን ኣገልግሎትን (ይከኣሎን ዋርሳይን) እናበለ ኣብ ምትፍናን ኣእትዩ፡ ከምዘይተኣማመኑ ብምግባር ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ከንቱ ጻዕሪ ክገብር ይርአ። ኣብ መንጎ’ቲ መንእሰያት ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወረዶምን ሕጂ ብህግደፍ ዝወርዶም ዘሎ መስዋእትን ዘሎ ሓደ ዓቢ ፍልልይ ግን፡ እቲ ቐዳማይ መግዛእቲ ቐጺዑ ብዓወት ክድበስ ከሎ፡ እዚ ዳሕረዋይ መስዋእቲ ደረት ስኢኑ፡ ንመንእሰያት ኣደዳ ቀጻሊ ስቓይ ገይሩዎም ምህላዉ እዩ።

እቶም ካብ ህግደፍ ብምምላጥ ነንነብሶም ብስደት ሓራ ዘውጽኡ ዘለዉ መንእሰያት፡ ነዚ ተገንዚቦም፡ ለሚሱ ንዝጸንሐ ህዋሳቶም ብምብርባር፡ ንቕሓቶም ክብ ብምባል ኣንጻር’ቲ ብዘይካ ግበታ ስልጣን ናይ ህዝቢ ሓልዮት ዘይብሉ ዓማጺ ስርዓት ደው ኢሎም፡ ድምጺ ስቅያት ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ቀይዲ ህግደፍ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ከኣ ኣብ ኢድ በደዊንን ራሻይዳን ዝገደፉዎም ግዳያት ከስምዑ፡ ብኡ ኣቢሎም መሰረታዊ ፍታሕ ፖለቲካዊ ሽግር ሃገርና ኤርትራ ከምጽኡ ቦታን ግዜን ብዝፈቐደሎም መልክዕ ውዕዉዕ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከካይዱ ጀሚሮም ምህላዎም ግን፡ መግዛእቲ ህግደፍ ‘ውን ክሕምሸሽ ምዃኑ ዘየማትእ ምልክት ሰዲዱ ‘ሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣማኢት ኪሎሜተራት ካብ ህዝቢ ኣርሒቑ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ መንእሰያት ኣሽሓት ኪሎሜተራት ብስደት ምርሓቖም፡ ጊላነቶም ኳ እንተኸሰሮ፡ በቲ ኻልእ ወገን ህላላዊኦም ካብ ዝፈጥረሉ ስግኣት ስለዘገላግሎ ምጥፍኦም ኣይግድሶን እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ብመንእሰያት ተበራቢሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ከለዓዕሎ ‘ዩ ዝብል ሓድሽ ስግኣት ስለዝፈጠረሉ፡ ነዚ ኣብ ምሕጻር ዕድመ ስልጣኑ ዓቢ እጃም ዘለዎ ምንቅስቓስ፡ ኣረጊትን ሓዱሽን ሜላታት ምፍልላይ ሓዋዊሱ ከዳኽሞ ኣብ ንጡፍ ምቅስቓስ ይርከብ።

እቲ ስርዓት ካብ ዝጥቀመሎም ሜላታት ሓደ፡ ልክዕ ከምኣቶም ስደተኛታት ዝመስሉ ሃሱሳት መንእሰያትን ዕሱባትን ብምስላዅ ምውድዳባቶም ምዝራግ እዩ። እዞም ውልቃዊ ረብሓን ጸቢብ ምትእስሳርን እምበር ፖለቲካውን መትከላውን እምነት ዘይብሎም ሃሱሳት ህግደፍ፡ ኣብ ኣኼባታት፡ ኣብ ባህላዊ ምዝንጋዓትን ትልሂትን፡ ኣብቲ ዓይኒ ንዓይኒ ዘይትረኣኣየሉ ኤለክትሮኒካዊ መኣዲ ዘተ ፓልቶክ፡ ብመንገዲ ውዲተኛታት ዌብሳይታት፡ መንእሰያት፡ ምትእምማን ፈጢሮም፡ ተጠራኒፎም፡ ነቲ ስርዓት ከይብድሁዎ፡ ልዕሊ ኹሉ ፖለቲካዊ ጽልዋኦም ናብ ኤርትራ በጺሑ ከየስፋሕፍሕ፡ ተደናገጽቲ ምንቅስቓስ መንእሰያት መሲሎም፡ ብሃይማኖትን ኣውራጃን መርዚ ምፍልላይ ነዚሖም ክዝርጉዎም ይፍትኑ ‘ለዉ። ብዘይካ’ቶም ብድሕሪት ዘዋፍሩዎም ድሮ ኣብ ጸሊም መዝገብ ህዝቢ ዝሰፈሩ ሰለይትን ዕሉላት ወይጦታቶምን፡ ተራ ዝመስሉ መንእሰያት፡ ኣምሳያ ህግደፍ ገንዘብ ዝልእኩ ዘይሕጋውያን ሓወልቲ፡ ስነጥበበኛታትን ደረፍትን፡ ከም ብዓል መስከረም ዝኣመሰላ ስም ተቓወምቲ ለቢሰን ህዝቢ ንምብትታን ዝሰርሓ ዌብሳይታት ድማ ቀንዲ መሳርሒ ኮይነን ኣለዋ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ስልጣን ዝሃይማኖቱ፡ ስልጣን ዝኣውራጃኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ህዝብና ንዝርከብ ከም መከፋፈሊ ዘገልግል ድሑር ስምዒታት ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ዝተመኮረሉን እኩይ መራሒ እዩ። ኣብ 1973 ንዓማጺ ኣመራርሓኡ ተቓዊሞም ዲሞክራስያዊ መሪሕነት ክህሉ ንዝተንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ብስም ኣውራጃዊ ምንቅስቓስ ኣጸሊሙ ከምዘጥቅዖም ብታሪኽ ሰሚዕና ኢና። ኣብ 2001፡ ሚኒስተራትን፡ ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ንዘልዓልዎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ጠለብ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ተመሳሳሊ ጸለመ ክለኽዮ ዘካየዶ ፈተነ ብኣግኡ ስለዝፈሸለ፡ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ናይ ወያነ ተለኣኽነትን ተምበርካኽነትን ጽውጽዋይ ክቕይሮ ከምዝተቐስበ ‘ውን ብዓይንና ርኢናዮ። ሕጂ ኸኣ ነዚ ኣስጊኡዎ ዘሎ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣብ ወጻኢ፡ ብመንገዲ እዞም ዝጠቐስናዮም፡ ንሱ ክብሎ ዘይደሊ ጽዩፍ ክብሉሉ ዝተቐረቡ ዕሱባት፡ ናይ ሃይማኖትን ኣውራጃን ምትእኽኻብ ኣምሲሉ እናጠቀነ ብጋህዲ ይሰርሓሉ ‘ሎ።

መርዚ ህግደፍ ድሮ ተነዚሑ ብምህላዉ፡ ጽሑፍና ዋላ ኣብዛ መስመር እዚኣ ደው እንተነብሎ፡ እንታይ ንብል ከምዘለና ዘይርድኦ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ውሑድ እዩ። ልክዕ ከምቲ ብዓል ሜጀር ጀነራል ውጩ፡ ኢሳይያስ ካብ ማይ ናብ ዊስኪ ከይሰገረ ኸሎ ብኣግኡ ንዘምለቖሎም ድሑርን ፈላላይን ዘለፋ፡ ኣማስያኦም ምስ ጉሳዕ ኣረቂ፡ ‘ዓዲ ኩስቶ ከነጽርየኩም ኢና’ ክብሉ ኣብ መድረኽ ተጠሊዖም ዝተጀሃሩዎ፡ መስከረም ዝተባህለት ዌብሳይት ከኣ ኣብ ወጻኢ፡ ነቲ ሕንዛም ተልእኾ ህግደፍ ክትፍጽም፡ ንስርዓት ህግደፍ ንዝተቓወሙ ኤርትራውያን፡ ኣመንቲ ምስልምና እንተኾይኖም ብጀሃድነትን ብሄርን፡ ንኣመንቲ ክርስትና ኸኣ ብኣውራጃ ኣብ ሰንጠረጅ እናረቝሐት ክትፈላልን ከተቀራሕንን ካብ እትጅምር ሓያለ እዋናት ሓሊፍዋ እዩ። ሎሚ፡ ሎሚ ድማ ነቲ እከይ ተልእኾ ናብ መንእሰያት ከተልሕኾ ትፍትን ኣላ። ኣብዚ ዝሓለፈ፡ ቁሩብ ሳምንታት ‘ውን፡ ከም ብዓል ሙልጌታ በይን (ወዲ ዛግር) ከምኡ’ውን፡ ኣኽሊሉ ፎቶ (ተፈኖ) ዝኣመሰሉ ተጋደልቲ ነበር ስነጥበበኛታት፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ካብ ሰቦም ንላዕሊ እናፈለጡ፡ ናብታ ጸገማ ተረዲኦም ቅድሚ ሰቦም ዝገደፉዋ ኤርትራ ኣትዮም፡ ምስቲ ቀዛፊ መንእሰያት ዝኾነ ስርዓት ሕግብግብ ምባሎም፡ ኣብ ኒውዮርክ ንመላኺ ኢሳይያስ ከሐጕሱ ዘርኣዩዎ ክምስምስ፡ ብፍላይ ተፈኖ፡ ኣግሂዱ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ፡ ነቲ ዓለም ከይተረፈ ዝሰክሓሉ ህልቂት መንእሰያት ኤርትራ ምኽሓዱን ምንእኣሱን፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ብኣሉታ ተመዝጊቡ ምህላዉ ኣዳዕዲዖም እናፈለጡ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ እስራኤል ንዘጋጠሞም ተቓውሞ፡ ደቂ ካልእ ኣውራጃ ብምዃኖም ዝወረዶም ብድሆ ኣምሲሎም፡ ዘይሓላፍነታዊ ወረ ክነዝሑ  ምፍታኖም፡ ከም ተጋደልቲ መጀመርያ፡ ከም ስነጥበበኛታት ድማ ብኻልኣይ ደረጃ ዘሕነኽን ዘዋርድን እዩ።

በዚ ስርዓት ህግደፍ ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ዘሪጉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብመንገዲ ዕሱባቱ ዝነዝሖ መርዚ መሰረት፡ ህዝቢ ከበሳ ደጋፊ መንግስቲ ህግደፍ ህዝቢ መታሕት ተቓዋሚ፡ ካብኡ ናብኡ ኣብ ከበሳ ድማ፡ መንግስቲ ህግደፍ ናይ ሓማሴን፡ ጸላእቲ መንግስቲ ህግደፍ ከኣ ኣከለጉዛይ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ። ንሰራየ ድማ ከም ውሻል ሓማሴን ወይ ድማ ላንጋላንጋ። እዚ ህግደፋዊ ምክፍፋል’ዚ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ዋላ ኣብ መንፈሳዊ እምነት በጺሑ፡ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣብ ክንዲ ብእንዳ ምኪኤል ገብሪኤል፡ በቃጫጭ ናይ ዓድታት ሳጓ ተጠሚቐን ምህላወን፡  ንሰብ ሓሊፉዎም ነቲ ሓደ ኣምላኽ ብዞባታት ክጎዛዝዩዎ ምፍታኑም፡ ኣንታ ኣበይ ዲና በጺሕና ዘብል እዩ። ህግደፍ መሃዚ ናይዚ ውዲት’ዚ ብምዃኑ፡ ምስቶም እንግረም የለን። በንጻሩ፡ ነቲ ዝፈጠሮ ኣፈላላይ ብስዉርን ግሁድን ኢድ ከባልሕ ድቃስ ስኢኑ ኣሎ። ኣምባሳደራቱ፡ ዕማሞም እዚ’እዩ፡ ዲፕሎማስያዊ መደብ ስራሕ የብሎምን።

ኣብ ህዝቢ ከበሳ ከም ህዝቢ ሓማሴን ብፍላይ ድማ፡ ከባቢ ኣስመራ ብህግደፍ ዝተወጽዐ ህዝቢ የለን። መሬቱ ብሓይሊ ተመንዚዑ፡ ነዞም ካበየናይ ኣውራጃን ኩርናዕን ኤርትራን መጺኦም ብዘየገድስ፡ ወይጦታት ህግደፍ ብምዃኖም ጥራይ ዝተማስሑዎ መጋበርያ በብዓዱ ስለዝተቓወሞም፡ ምስ ኣንስቱን ደቁን ከይተረፈ ብጅምላ ተኣሲሩ፡ ገሊኦምስ ወረ ክሳብ ኣብ ደሴት ዳህላክ ከምዝተሓየሩ ርኢና ኢና። ንህዝቢ ሓማሴን ዘየድሕንን ዘየርብሕን መንግስቲ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ መንግስቲ ሓማሴን ዝብሃል? በንብጻሩ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስለያ ተሰሪዖም ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሉ ብዙሓት ደቂ ኣከለጉዛይ ኣለው። ኣብ ታሪኽ ይኹን ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ገደል ኢልካ ንኤርትራ፡ ብካርታ ፖለቲካዊ ቅርጺ ከተትሕዛን ክትገልጻን ምፍታን ኣብ ሓቅነት ዘይተመርኮሰ ፋልሶ ፈተነ ኢዩ። ሓደገኛ ‘ውን እዩ። ኤርትራ ሽንባይዶ በዚ ጸቢብን ድሑርን ምኽንያታት ተፈላልያ፡ ሓቢራ ኳ ምቛም ጸጊሙዋ ‘ሎ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ካብ ዝተዓወተሉ ንላዕሊ፡ እዚ ናይ ምፍልላይ ፖለቲካ ብታሕቲ ታሕቲ እናተጋነነ ይኸይድ ከምዘሎ ግን ዘይሕባእ ምልክታት ኣሎ። እንተኾነ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ እዚ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ውዲት’ዚ፡ በቲ ግዳይ ዝገብሮም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዝተባለሐን ንስርዓቱ ዘገልግልን ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ካብ መግረዝቲ ተተንቂቖም፡ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ኣብቲ ስርዓት ይኹን ኣብ ተቓውሞ፡ ብመትከልን እምነትን ጥራይ ክስራዕ ከምዘለዎ ኣጸቢቖም ክነቕሑሉን ክቃለሱሉን ይግባእ።

ሓደ ሰብ ምስ ወዲ ዓዱ፡ መተዓብይቱ፡ መማህርቱ፡ ማሕበራዊ ጉዳይ ክገብር ባህርያዊ እዩ። ንሓደ ናብ መስጊድ ዝኸይድ ዘሎ ኣማኒ ምስልምና፡ ምስ ኣማኒ ክርስትና ናብ መስጊድ ዘይከድካ ኢልካ ክትከሶ ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ሓደ መርዓ ደቂ ዓዲ በዚሖም ኢልካ፡ ክትሓሚ ‘ውን መልክዕ የብሉን። ሕብረተሰብ ኤርትራ ቅድሚ ዘበናዊ መንግስትነት ዝተናበረሉ፡ ዋላ ገዛእቲ ኮነ ኢሎም ንዘካየዱዎ እኩይ ናይ ምፍልላይ ፈተነ ‘ውን ዝበድሃሉ ያታ ስኒትን ፍቕርን ኣለዎ። ኣብ ብዙሕነቱ ዝተመስረተ ሓድነት ዘለዎ፡ ተኸባቢርካ ምንባር፡ መሰልን ግዴታን ዜጋታት ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ለባም ህዝቢ እዩ። መንእሰያት ከኣ፡ ነዚ እዮም ክወርሱን ክኹስኩሱን ዘለዎም። ኣብቲ ስርዓት ይኹን ኣብ ተቓውሞ፡ ፖለቲካ ብመትከልን እምነትን ጥራይ እዩ ክስራዕ ዘለዎ።

ኣብ ፖለቲካ ዝንቀሳቐስ ሰብ ደጋፊ ዲዩ ተቓዋሚ ብዘየገድስ፡ ዕላምኡ እንታይ እዩ ደኣምበር፡ ዓዱ ኣውራጅኡ ኣበይ እዩ? ሃይማኖቱ እንታይ እዩ? ኢልና ክንሓትት ኣይግባእን። እዚ ኣብ መትከል ዝተመርኮሰ ሚዛን፡ ብፍላይ ኣብቶም ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዝንቀሳቐሱ ባእታታት ከሰርጽ ኣለዎ። መን ገበሮ ብዘየገድስ፡ ፍትሕን ሕግን ክንድግፍ፡ ዓመጽን ባርነትን ክንቃውም ይግባእ። በንጻሩ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሜላ ኣብ’ዚ ድሑርን ጸቢብን ፈላላዪ ፖለቲካ ተመርኵስና ንስራዕ እንተድኣ ኴንና፡ ኣብቲ ዘጻወዶ መፈንጠርያ ወዲቕና ኣለና ማለት እዩ።  በዚ ድማ፡ ሃገር ከነድሕን ዕላማታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሸቶኡ ክነበጽሕ ከቶ ዝከኣል ኣይኮነን።  መንእሰያት ኤርትራ ብፍላይ፡ ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ነንሕድሕዱ ከም ዓሳ ኣባሊዑ ንምስዋድ፡ ህግደፍ ዝመሃዞ ሕሱር ሜላታት’ዚ ብብልሒ ሰጊሮም፡ ብረቂቕ መንገዲ ተወዲቦምን ተጠርኒፎምን፡  ንማዕበል ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንቕድሚት ክድርኹዎን ከዐውቱዎን ይግባእ። በዚ ልቦና ዝመልኦ ልዙብ መንገዲ ጥራይ እያ፡ እታ ንኹላትና ብስኒትን ፍቕርን ማዕርነትን ከተጽለልና እንጽበያ ሓዳስ ኤርትራ ህያው ክትከውን እትኽእል።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ !

ኣማኑኤል ኢያሱ

09.02.2012

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • ghezai February 10, 2012

    emanuel
    thank you keep up the stragle .no mater what. we the people for democracy going to win.

  • Daniel Teclegiorgis February 10, 2012

    ኣማኑኤል ዑምቀት ዘለዎ ሃናጺ ትንታነ። ካብ ሕሉፍ ዝቕሰም ትምህርቲ ተማሊኡ ንቕድሚት ዘማዕዱ ጽሑፍ’ዩ። ሃየ ደኣ ኣይትድከም! ኣይትሕመቕ።

  • ሙታንቲ ኣድጊ February 10, 2012

    ሻዕብያ ንዓቢ ሰብ ክብረት የብሎምን ዝብሃል ናይ ሓሶት ሓሶት እዩ ። እዛ ትቕጽል ሓቀኛ ፍጽምቲ ፣ ዋላ ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ ተጋግዩ እንተዘለፈ በቶም ሓለቓታቱ መኤረምታን ግሰጻን ከም ዝወርዶ ብብሩህ ተመልክት።
    ሻዕብያ 91 ምስ ኣተዉ፣ ኢሳያስ ብጎደና ሓርነት ሰብ ኣብ ማርቻቤዲ ኮይኑ ይጽበ። ሓደ ወዲ 70 ዝኾኑ ዓቢ ሰብኣይ በቲ ከይትሓልፉ ዝብል መጠንቀቕታ ዘለዎ መገዲ ከይፈለጡ ክሳገሩ ክብሉ ……ዝሕሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ሻዕብያ “ተመለስ ኣታ ወዲ ሸርሙጣ ኢሉ ይዘልፎም…” እሞ ነዚ ሰሚዑ ዝተቖጥዔ..ኤፍረም ስብሓት…”ኣታ ብዓለገ ዓቢ ሰብኣይ,እንድዮም, ኣቱም ወዲ ሸርሙጣ ኣይትብሎምን” ናይ ዓቢ ሰብ ክብረት ይሃሉኻ ኢሉ ብቝጥዔ ገሰጾ…ስለዚ ሓደ ሓደ ሓምሻይ መስርዕ….ሻዕብያ ስዲ እዩ ዝብልዎ ሓሶታት ካብዚ ይምሃሩ, ንዓቢ ሰብ ኣታ ከይብሉ ብሓለቓታቶም ይእረሙ እዮም ።
    ዓወት ንሓፋሽን፣ንፕረሲደንትናን
    ውድቀት ንዓቢ ሰብ ኣታ ኢሎም ዝዝንጥሉ

  • Food Stamp February 11, 2012

    ሃገራውነት ይቐድም፣ ሃገራውነት እንተዘየቐዲምካ ልኡኽ ወያነ ፣ ጸረ ኤርትራ ክትከውን ኣለካ ።
    1 )ኣብ “ድሃይ” ከምኡ ውን “ኤሪ ቲቪ” ዘይተጻሕፈን ዘይተባህለን ነገር ትኣምንን ተስፋሕፍሕን እንተዄንካ፣
    2 )ኣብ 94 ነቶም መሰሎም ዝሓተቱ ኣካለ ስንኩላን ንምንታይ ተረሺኖም ዝብል ዘየድሊ ሕቶ ትሓትት እንተዄን፣
    3) ንምንታይ መንእሰያት ንጻህያይ ኢሎም ተወሲዶም ኣብ ውግእ ባድመ ተጠቢሶም ፧
    4) ንምንታይ ዶብ ሱዳን ዘለዉ ዓበይቲ ኤርትራውያን ወትሃደራዊ ሰበስልጣን ·ንክሃድሙ ዝደለዩ ኤርትራውያን $3000 ኣኽፊሎም ኣሳጊሮም እንደገና ምስ ራሻይዳ ተማሻጢሮም 20.000-30.000 ዶላር ይሓቱ ,ደቀንስትዮ ከምዝዕመጻ ህግደፍ ይሳተፍ ? ….

  • Food Stamp February 11, 2012

    5) ንምንታይ ብዓል ሸሪፎን ድሩዕን, ጂ-15,ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ?
    6) ንምንታይ ብጹሕ ውላድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክዒቡ ብዝጠፍኤ,ኣቦ ዝእሰር, ኣደ 4 ስዉኣት እንተኾነት ውን 50.000 ናቕፋ ትቕጻዕ….ዝኣመሰለ ዘይሃገራውን ኣንጻር ሃገርን ነጻነትን ዝኾኑ ትሓትት ወይ ሰብ ንኽሓትት ተታባብዕ እንተዄንካ ከም ከዳዕ,ወይጦ ናይ ወያነ ተቖጺርካ, ንሓምሻይ መስርዕ ዝግባእ ስጉምትታት ክውሰደካ ይኽእል ።

  • Winta February 11, 2012

    Very powerful and right message at a right time, I hope all the Eritrean youth would read this. Thank you Amanuel, may God give you the strength in the fight for justice.

  • gerimuna February 11, 2012

    Amanael: Eritrea does not only belong “to the mad dog that eats its own litter” as Prisca put it and I may add that his running dogs share the riff-Raff. On the other side, Amanael and few others alike make many of us, to be proud Eritreans again. I don’t take your political savvy, resilience and perseverance lightly. For that we love you and thank you.

  • ahmed saleh February 11, 2012

    Hawna Amaniel
    Your dedication for your people’s cause reflects your personality. Only good and humble people
    follow the path of the truth . You are one of the courageous voices to the voiceless and you will
    be rewarded accordingly either way. I hope all the peace loving righteous Eritreans gather again
    inside our own beloved country soon. Keep it up, God bless us all. Thanks.
    ONE LOVE !

  • hggum brhan February 12, 2012

    mwddas enteserihus nree. kndey nsewra eritrea,nkaanu wey nktefe elom dctorat zshimom nkalashin kulku affa tekilom allash bel hzbi eritrea elom metshaf tsihifom neyrom eyom.slezi ezi metshaf tsihifu zbahal seb meqetselta nayti dr.zblwo keytkown daa?

    • ahmed saleh February 12, 2012

      ab kaleE alem ikha zelekha izi hawey, keteredaAna tekhEl aymeslenen.

POST A COMMENT