Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድነት ዩ! ሓይሊ ወጽዓታት ዝአሊ

ሓድነት ዩ! ሓይሊ ወጽዓታት ዝአሊ ፍረ፡ ተኽሊ፡ ቡቑሊ፡ ኤርትራዊ ዜጋ፡ሎሚ ከም ትማሊ፡ ጉዑዞ ታሪኽ ገድሊ፡ ዳግማይ  ኣመስክሮ ፡ንመሰል፡ንኽብሪ፡ ንዉሉድ ዎሎዶ  መሰረት  ነባሪ፡  እወ    ንላዛዘብ   ነሙቓ ዛ "ደንበ፡ ምረት ህዝቢ  ንራህዋ   ይጽበ፡  ማዓት  እንዳ   ዘነበ  ንቡር

ሓድነት ዩ! ሓይሊ ወጽዓታት ዝአሊ ፍረ፡ ተኽሊ፡
ቡቑሊ፡
ኤርትራዊ ዜጋ፡ሎሚ ከም ትማሊ፡ ጉዑዞ ታሪኽ ገድሊ፡
ዳግማይ  ኣመስክሮ ፡ንመሰል፡ንኽብሪ፡ ንዉሉድ ዎሎዶ  መሰረት  ነባሪ፡
 እወ    ንላዛዘብ   ነሙቓ ዛ “ደንበ፡ ምረት ህዝቢ  ንራህዋ   ይጽበ፡  ማዓት  እንዳ   ዘነበ  ንቡር ዘይረኸበ፡
ምክብባር ፡   ሲኒት  ሩሑቕ    ዝቀረበ፡ ብድሕሪ ሞት  ጥዕና  ቕበጽ   እንታይ ከ” ክንጽበ፡
ፍረ ዓወት  እቶት  ፍቕሪ  ምስ  ዓንበበ፡
              ሓወይ ሓብተይ ኢሂን ብሂን፡ሓልዮት  ዝዓሰሎ፡ሃገራዊ ሕልና  ልቦናዊ ፡ ተኽሎ፡
 ሃጓፋትና፡  መላሊእና ጎዲልና ዘሎ፡ ኣብ ናይ ሓባር፡ጉዑዞ  ንሓርነት ኑቑሎ፡ ዲክታተር፡ ከቅዕ  ወጽዓና ዝጸሮ፡ ብናይ  ሓባር  ድምጺ  ኣፍልናን ንበሎ፡
         ዓቡይ ምስ ኑእሽተይ  ሰብአይ ምስ ሰበይቲ፡
        ቅድም፡ ቀዳድምና፡ ብሃገር ፡ንዘቲ፡ ብጺሕትና ሓንቲ፡ ክንከውን  ወነንቲ፡
      ካብ ዲክታተርነት
ማአዲ ዲሞ ክራሲ
     ብዘይ ኣፋላላይ መሰላት ዘይ ሃሲ፡ጠሊ መሬት ዝነቐጸ ራሕሲ፡  መሪርን፡ነዊሕን፡ፍረ  ጹንኩር፡ ቃልሲ፡
ንሰላም ቅሳነት ንመሰል ማዕርነት፡ ውራይና፡ነሳሲ፡
                  ኤርትራዊ ዜጋ  ደላይ ፍትሒ፡
                  ዘይ መታሓድርትኻ፡ኣይ ኹን ፡መጻንሒ፡
                  ብአጋ፡  ፍለጦ   ናይ    እከያት   ሽርሒ፡
                   ብተንኮል፡ተሃንጸ ህግደፍዊ ከብሒ
ህግደፍ ክሓልፍ ሓንሳብ ንሓዋሩ፡ሓፋሽ ዝቀስነሉ፡
ጥምሮ ሓድነትና ዋና ርእሲ ኹሉ፡ ዑቑል፡ነጽሎሉ፡
ብርትዓዊ ፡ፍቲሒ  ዉሑስ ንነብረሉ፡መሰል ዝኸብረሉ፡
ሓድነት ዩ! ሓይሊ ሓድነትዩ፡ ዓወት፡ናይ ወጽዓ፡መጎተ፡
 ንልዕልና ሕጊ፡ስርዓት ዝሃውተተ
ዓይነታዊ፡ ለውጢ፡ ህዝባዊ፡መኸተ፡
ባህጊ ቶም  ቡዙሓት፡ ሰናይ፡ዝጠመተ፡
       መይቱሎ  ህግደፍ ፡ሬሱኡ ኣብ  ቃሬዛ፡
      ውዕሎ፡ሓመድ ድበ፡ኣብታ፡ዝማሃዛ፡
       ስቃይ፡መከራኡ፡ከብቅዕ ቲ! ቓንዛ፡
       ኪኖ፡ጸልማት፡ብርሃን፡ ክኸውን፡ማአዛ፡
ሽሕ ፈልጺ፡መጥመሪኤን፡ልሕጺ
ስምረት፡ቅድሚ፡ኹሉ፡የለን፡ኣማራጺ፡
ቅድሚ፡ዝአገረ፡ መንገዲ፡ነጻጺ፡
ሓድነትና፡ዝጻባእ፡ኣንጻር፡ ቲዓንቃጺ፡
              ንኹሉ ብምስትውዓል፡ብንቅሓት፡ብትሪ
            እንካን ሃባን  ብትዕግስቲ፡ዓቕሊ፡ብሲኒት፡ብፍቕሪ፡  ተፋላሊኻ፡ጉዑዞ ዓገብ፡ይኹን፡ነውሪ፡
ፈላሊኻ፡ግዛእ፡ ናይ ገዛእቲ፡ሰሪ፡ እኖሆዶ! ኣብ ባይታ፡ኣደባባይ፡ቀትሪ፡ ጡርዙ፡ዝሓለፎ፡ ዉጹዓት፡ይዘሪ፡
                    ኣብ መወዳእታ፡ራኢ፡ራኢ ቶም፡ፍትሓውያን  ፍትሒ፡ዝመጎቱ፡
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ፡በቢ፡መዳያቱ፡
ጸረ ህግደፋውያን፡ መጽነቲ፡ሸፋቱ፡
ማዕበል፡ዉጹዕ፡ህዝቢ፡ ግድን ኣብ  ዓወቱ፡ ንጉሆ፡ንምሸቱ፡
               ይአክል ድሕሪ፡ደጊም፡ ሳሓቦ፡ ወጥጦ፡
               ጹሑፉ  ዘይንበብ  ሲጊንጢር፡ ሕንጣጦ፡
                ጉዑዞ፡  ድንግርግራት፡ ዕበጦ፡ ስቀጦ፡
                  ዕንቅፋት፡  መሳርዕ፡ ተንኮል ተላዕጠጦ
ኩልኻ  ብደላይ፡ ፍትሒ፡ ንለውጢ፡ትዝምር፡
ሓንቲ!ያ ታ!መንገዲ፡ኣብ ሓባር ትጠምር፡
ዓጋቲ የብሉን ሓፋሽ ምዝሰምር፡ ሰራሒ፡ታአምር፡
                ገበረኒ ክገብር፡ ሕማቅ ህልኽ
                 ዕንቅፋት መንገዲ  ሃገር ፡ትልኽ
                  ኣብ እንኪሒራ መን ኣሎ ዝመልኽ
ስለዚ፡ይሕዋት ደቂ ፡ሃገር፡ብሐበራ፡
ደቂ  ዛ” ለዋህ፡ መሬት፡ ውጽዕቲ  ኤርትራ፡
ብቃልሲ፡ ዝመጸት፡ዝመረረ፡ሰውራ፡
እልፊ ኣእላፍ፡ ሂወት፡ዝተኸፍላ፡ኣለና፡ንበላ፡
ክሕሻ  ክቀላ፡ ጽንዓት ነንብረላ፡ንዳግመይ ጽንብላ፡
           ተኣከበ ሓይሊ!
 ተኣከበ  ሓይሊ፡ ንመሰል፡ንኽብሪ፡ ብህዝባዊ፡ናህሪ፡ ዘድምዕ ዘፍሪ፡ ንሰላም፡ንፍቅሪ፡ ንጸኒሕ፡ነባሪ፡   ብንቅሓት ብግብሪ፡ ምክብባር፡ ዓቕሊ፡
          ኣብ ናይኦ ሓባር ማአዲ፡ ዝሞቆት፡ ገዛና፡ምክብባር ሲኒት እንብዛ ኣመና፡ ሓድነትዩ” ሓይሊ፡የይብሉ፡መዘና፡
            በበይንኻ ወፍሪ
 በበይንኻ  ወፍሪ  ኣይተምዕር  ኣይተፍሪ፡
ፍረውጺኢቱ ኣብ ናይ ሓባ ጻዕሪ  ብስራሕ ብግብሪ
ትለምዕ  ታምድሪ   ትስስን  ታተኽሊ፡ ትበጽሕ ትፈሪ፡
     እቶት ሓንቲ ግራት  ጸባ  ሓንቲ  ላም  ብሲኒት፡ብፍቅሪ   ብዘይ  ምጥልላም፡
ኪኖ ሕሰም ራህዋ ፍሳሃ ዎ!ሰላም፡ ከበሳ መታሕት ክሪስትያን ምስ ኣስላም፡
   ብዳዊት   ክፍለዝጊ፡
      ስያትል፡ USA,

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT