Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድጊ ህግደፍ (PFDJ’S Legacy) 2ይ ክፋል።

     ሓድጊ ህግደፍ  (PFDJ'S Legacy) 2ይ ክፋል።        29-09-14:: ይሙን ቅጭን፡ ናይ ሕጊ ነገር ንሕጊ ገዲፍካ ብኣከያይዳ ወይ ሕጊ ናይቲ ሰልፈይ፡ መንግስተይ ትብሎ ኣጀንዳ ዕንወት እናመረሽካ ተመ ሓድራ ሃገርሲ እንታይ ክሳብ ትመስለልና ክንጽበየካ ኢኻ ሽዑ ከይኣክል ኣብ

     ሓድጊ ህግደፍ  (PFDJ’S Legacy) 2ይ ክፋል።        29-09-14::

ይሙን ቅጭን፡ ናይ ሕጊ ነገር ንሕጊ ገዲፍካ ብኣከያይዳ ወይ ሕጊ ናይቲ ሰልፈይ፡ መንግስተይ ትብሎ ኣጀንዳ ዕንወት እናመረሽካ ተመ ሓድራ ሃገርሲ እንታይ ክሳብ ትመስለልና ክንጽበየካ ኢኻ ሽዑ ከይኣክል ኣብ ቦሎኛ ንመጻኢ’ውን ኩሉ ግዜ ከምትዕወት ዝፈከርካ?????

ዕላልና መቐጸልታ ናይቲ ”ቦሎኛስ እምበር መዘክር”! ዝብል ፍጻመታት ኣርባዓ ዓመታት ክንዝክር ዘተሓሳሰ ቡና ከምዝኾነ ዘይምርሳዕ። ኣብዛ ቀዳመይቲ ክፋል ናይዛ ኣርእስትና ድማ የማነ ኣመሪካ ከምዝኣተወ ኢና ዝዛዘምና። ከምቲ ሽዑ ዝበልኩዎ’ውን ንፖለቲካኡ’ምበር ንታሪኽ ሂወቱ ከምዘይዓለምኩ ደጊመ የዘኻኽር።

ንሱ ኣብ ሰያትል ዓውዲ ኤለክትሪካል እንጅነሪንግ (Electrical Engineering) ተመሃራይ ጀሚሩ ክንሱ ና ብ ሞያ ጋዜጠኛነት (Journalism) ከምዝቐየረ ኢዩ ተዘኪሩ። ኣብዚ ኣዘንታዊ ክርሳዕ ከምዘይብሉ ዘስምረ ሉ ነገር መቐጸልታ ናይታ ናይ ኣስመራ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣመሪካ ድማ ተኸታሊ ጴንጠ ቆስታ ኴይኑ ኣ ዝዩ ንጡፍ ሃይማኖታዊ ከምዝነበረ ኢዩ። እቲ ሃይማኖታዊ መዳያቱ ብናጻነት ክነጥፈሉ እንከሎ ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮ ሓድሽ ዓውዲ ድማ ጀመረ። ፖለቲካዊ ተሳትፎ። የማነ ምስቲ ናይቲ ዓዲ ምንቅስቓስ ዴሳዊ ሊግ ከምተሓወሰ፡ ጸኒሑ’ውን ምስቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ ማለት “ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ” (ኤ.ና.ሰ.ኣ.) ክጽንበር ከኣለ። ኣብኡ ንጡፍ ኣባል ምዃን ጥራይ ዘይኮነ “ንቕሓት” ትብል ናይ ማርክሰ-ለኒንነት ስነ-ሓሳብ እትምህር ክልተወርሓዊት መጺሄት ኣዳላዊ ክኸውን’ውን በቕዐ። ውሕልነት ጋዜጠኟነቱ ድማ ኣብታ መጺሄቱ ይርአ ነይሩ።

መቸም እቲ ናጻ ማሕበር ሃገራውያን ንናጽነት ክዓኑ እንከሎ ኣባላቱ ገሊኦም ንሜዳ ከምተሰለፉ፡ ገለ ኣባልነቶም ከምዝሰሓቡን ክሳብ ተ ርእዮ ነብስኻ ምቕታል ከምተበጽሐ ትዝክሩ ትዀኑ። የማነ ኣብ ዕብየት ወይ ዕንወት’ቲ ማሕበር ዝነበሮ ተራ ከይተገደስና ንሱ ግን ከም ሓደ ብውሽጡ ዘንቀደ መጠን ከምቲ ካልእ ምሁር ምስ’ኒ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ንሜዳ ናብ ህ.ግምባር ከምተሰለፈ ዘከረ።

የማነ ሜዳ ከመይ ጸኒሓቶ?

ኣብታ ገርሂ ዓለምና ዘዝተሸመምኩም ዘበልኩም “ምግዳል” ክበሃል እንከሎስ ብዛዕባኡ እንታይ ትሓስቡ ኔርኩም? ብሓጻራ ቃልሲ ክበሃ ል እንከሎ ዝኾነ ተጋዳላይ ኣብ ዘዝተመደቦ ቦታ ቃልሲ ኴይኑ ምእንቲ’ታ ሃገር፡ ምእንቲ ናይ ህዝቢ ናጻነትን ሓርነትን ሂወቱ ክሳብ መስ ዋእቲ ከወፊ ባቃ! ኩሉ ተጋዳላይ ከኣ ከምቲ ዝተማሕለሉ ነብሱ ማዕረ-ሰባ ይጽብጽባ ነበረ። እናሓደረ “ኣባልነት ካልእ ቁንቁኛ ድማ ነይ ርዎ” ክስማዕ እንከሎ ንምእማኑ ካብ ዘጸግም ነዊሕ ኴይኑ ኢዩ። ኪኖ’ቲ ንቡር ሕ/ሰባዊ ፍልልይ፡ ከምቲ ዛንታ ሰብ፤ ሰብ-ያሰብን ኣንካ ኪኖስን ዝበሃል፡ እቲ ብኣካል ዝተሰለፈ ተጋዳላይ’ውን ብዙሕ ዓይነት ቀጸላታት ኣባልነት ከምዝነበሮ ተረዲእክሞ ኣለኹም። ’ተን ፍሉጣ ት ግና ክልተ ዓበይቲ ጉጅለታት ማለት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብውሽጥስ ኣብ ክልተ ደምበ ዝተኸፈልና ነበርና። ኣባል ግንባርን ሰል ፍን። ማንም ተጋዳላይ (ክሳብ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበረ) ኣባል ግንባር ክኸውን እንከሎ ካብ ዓሰርተ-ምኢታዊት ዘይበዝሑ ድማ እን ተላይ ኣባላት ሰልፊ ነበሩ። ኣባል ሰልፊ ምዃን ጥራይ’ውን እኹል መግለጺ‘ፍሉይነት’ ኣይነበረን። እቶም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ምሁራት ኣባ ላት ሰልፊ ንኣብነት መታን ብሕጊ ሰልፊ ክቕየዱ፡ ክመኽኑ ተባሂሎም ኢዮም ዝኣተዉ’ምበር ድምጺ ኣይነበሮም ስልጣን። ንማለቱ’ውን  ንኣባልነት ዝተገምገሙ ሓደስቲ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ የጽድቕ ወይ ይስርዝ’ዃ እንተተባህለ፡ ከምሓቂ ግን ኩሉ ነገር ብኢሳይያስ ኢዩ ዝውዳእ ዝነበረ። ስለዝኾነ መምዘኒ ኣባልነት ኪኖ ሃገራውነት ብቐንዱ ብዙሕ ካብ ሕቡእ’ውን ዝተሰወረ ሕመረት መምዘንታት ነይርዎ። ማለት ብኣዒንቲ ክቡር ፕረሲደንትና እንክፍረድ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ’ቲ ሃገራውያን ብመስዋእቶም ዝረኸብዎ ዓወት ብጥበብ ንነዊሕ ዝዓለ መ ጥጅእ ዕንወት ንዘገልግሉ ተላኣኣኽቲ ከምዝመርጽ ጠቒሰ ከሕጽሮ ምእንቲ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣብ በበኑይኑ ዓላም ዝተዋፈረ ነበረ።

ኣባልነት ሕብእቲ ሰልፊ ንርእሱ ክልተ መልክዕ ነበሮ። ቅድምን ድሕርን ምስላፍ ዝሕኮር ደረጃ ብምኻኑ ገለ ተጋደልቲ ኣብቲ መስርሕ ብዝወሃብ መስፈርቲ ኣባላት ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ግና ከይተሰለፉ’ዉን ኣባላት ዝኾኑ ነይሮም ይበሃል። ንሳቶም’ቶም ብምቅርራብ ከም ተሰለፉ እናተጠቕሱ ብሓለፋ ዝተሓዙ ምዃኖም ኢዩ። ብቋንቋ ሕብእቲ ሰልፊ ብ”ምቅርራብ ምስላፍ” ማለት፡ ሓደ ተጋዳላይ ቅድሚ ብ ኣካል ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስላፉ ኣብቲ ዝነበሮ ከሎ ብዝነበሮ ንጥፈት ስለዝተሓርየ ኣባል ሰልፊ ምዃኑ ይንገሮ ብምንባሩ ኢዩ ብምቅር ራብ ከምዝተሰለፈ እናተወደሰ ከም ኣካል ሕሉፋት ከምዝኾነ ዝፈለጥና። ደረጃታት ክህሉ ንቡር እንድዩ፡ ንፍሉይ ዓላማ ዝጠመተ ግን…

ኣስተውዕሉ፡ ኣብ ናይ ከተማ ስራሕ ልዑል ኣስተዋጽኦ ዝሰርሑ ኣዝዮም ውፉያት መንእሰያት ኩሎም እቲ መዓርግ’ቲ ይወሃቦም ከምዝነ በረ ከይመስለኩም። ብተወሳኺ ብገርህኻ ክርአ ብምቅርራብ ምስላፍ ማለት ፖለቲካ ፈሊጥካ ነቒሕካን ተወፊኻን ክትስለፍ ምኽኣል ጥ ራይ ኮይኑ ክረኣየኩም ይኽእል። ምስጢሩ ካልእ ብምንባሩ እዛ ቃል ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሰልፊ’ውን ናይ ደረጃታት መፍለይት ኴይና ተ ገልግል ነይራ ኢያ። ዝዀነ ኮይኑ ኩሎም ብምቅርራብ ከምተሰለፉ ዝውረየሎም ኣባላት፡ ደቂ ዓይኒ መዓር ምንባሮም ርጡብ ሓቂ ኢዩ።

ገለ ካብቶም ብኸምኡ ከምተሰለፉ ዝውረየሎም ሰባት ክልተ ነገር ርግጸኛታት ኴይኖም ኢዮም ዝስለፉ ዝነበሩ። ምስጢር ንምሕላው ተ ባሂሉ ከምእሙናት መጠን በበይኖምን ብወግዒን ዝንገሮም ናይ ተኣማንነቶም ብስራት ይብሰሩ ነበሩ። ስለዝኾነ በቲ ሓደ ኣባላት ናይታ ሕብሕቲ ሰልፎም ከምዝኾኑ ምስፈለጡ፡ በቲ ካልእ ዝሰርሕሉ ቦታ ምስተነግሮም ብውሑዱ ከምዘይሓስሞም ኣረጋጊጾም ዝስለፉ ከምዝ ነበሩ እናሓደረ ዝተጋህደ ተርእዮ ነበረ።

የማነ ፍሻለ እንበኣር ሓደ ካብቶም ከይተሰለፉ እንከለዉ ዝተሓረዩ ከምዃኑ ብዘገምት ወያ ድርቕቲ መሬት ኢዳ ዘርጊሓ ስለዝተቐበለቶ ቀጠልያ ምንጻፍ እናረገጸ ሳሕሉ ተደርገመ። ከምቲ ዝተነግሮን ዝተጸበዮን ከኣ ኩምራ ክኢላታት ብኾፎም ጉድለት ከምዝጸንሐ ቀጥታ ዝ ተዋህቦ ናይ ስራሕ መደብ ጋዜጠኛነቱ ጀመረ። ኣብቲ መስርሕ’ውን ዘድክም ዘርህጽ ከምዘይነበሮ ዝቐጸለ መደባቱ የነጽር። ንምጥቃሱ ዝ ኣክል ንሱ ንዝዀነ ኣብቲ ውድብ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ኮታ ከምውድብ እንመሓደረሉ ዝነበርና ኩነትን መትከልን እናተቓወመ ግን ድማ ተጋዳላይ ብምዃኑ በቲ ዝጸንሐ መምርሒ ከምዝቕየድ ዝዓይነቱ ረቂቅ ዝበልዎ ጥበብ ተሓንጊጡ ብምምጽኡ፡ ጸናሕቲ ንርኢቶ ና ክንፈስወሉ ዘይከኣልና ንሱ ግን ንርኢቶኡ ከምድላዩ እናጠረጠሉ ማንም ድማ ጽንጽያ ኣዒንቱ ዘንፈረሉ ኣይተራእየን። እሞ ቅልጡፍ ተቐባልነቱ’ውን ጠጥዓሉን ክሳብ ኣብቲ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ብናጻ ክሳተፍ ከኣለን።

ብኸመይ ተሳቲፉ?

ጸሓይ 2ይን ደሞክራሲያውን ጉባኤ ከምዝበረቐት’ዃ እንተተወረየ፡ ብግብሪ ግን ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ተጋደልቲ ተኣኪቦም ከምዚ ዋዛ ዝውክልዎም ዝመረጹ ከይመስለኩም። ተቓወምትን ብቑዓትን ከይሰልኩ ምእንቲ፡ ሓልዮት ብዝመስል ንኩሎም’ቶም ክምረጹ ዝኽእሉ ግን ዘይተደለይቲ ናብ ቤት/ቲ ካድር ብምልኣኽን፡ (ንኣብነት 5ይ ዙርያ ካድር) ኣብ ኩሉ ኣሃዱታት ድማ “ቾቡላ….” ተባሂሎም ብዝተመ ልመሉ ግሩሃት ንጽህናን ንጹሃትን ተዋፊሮም ብምንባሮም፡ ከም ሓደ ዕዉት ወፍሪ ነቐፌታ ዝተኣስሩ፡ ዓዲ ዘርሓቑ፡ ክሳብ ከምእኒ ዶክ ተር ብእምነት’ውን ድሮ ተቐቢሮም ነበሩ። ስለዚ ስልጣን ኮነ ባይታን ተሳትፎን ኣቐዲሙ ከም ዝጸሓየን ዝተሓዝአን መጠን ኣብቲ ‘ውድ ባዊ ጉባኤ’ ክሳተፉ ዝኻኣሉ እቶም ካድረታት ሕብእቲ ሰልፊ ወይ ሕጹያት ጥራይ ከምዝነበሩ ኣይትዘንግዑሉ።

እሞ ነገር ይሙን ንምቕጻሉስ፡ እቶም ተራ ኣባላት ተሳትፎኡ ጥራይ’ዮም ዝፈልጡ። ንሱ ግን ተመዚዙ’ምበር ተመሪጹ’ውን ኣይኮነን ዝተ ሳተፈ። ‘ቶም ኣባላት ሰልፊ ድማ መዓስ ከምዝተጸንበሮም ከየገደሰ ከምንጡፍ ኣባሎም ክፈልጥዎ ተነጊርዎም ነበረ። ንሱ ግና ቀቀሊሉ ኢዩ። ‘ቶም ኣብ ውሽጢ ስውርቲ ዝተሰወሩ ኣዝዮም ባሕተውቲ ከኣ ንመጻኢ’ውን ወሳኒ ተራ ከምዝተዓደለ ክፈልጡ ብምኽኣሎም ይፍ ተዉ ይጽልኡ ክምእከሉ ጥራይ ኢዩ ዝነበሮም። ኣብ ማእከል ጉባኤ ከይተረፈ ንሱ ተቓውሞኡ እናዳሕድሖ ብዘይካ ገለ ናይቶም ሕቡኣ ን ገርሀኛታት ተግባራት ህበይ ጠርጢሮም ዝተቖጥዑ እንተዘይኮይኑ ብመራሕቲ ውድብ ኣብ ልዕሊኡ ባሌህታ ዘስምዐ’ ውን ኣይነበረን። ነገሩ በቶም ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተሳተፉ ከምዝተገልጸ የማነ ክንድኡ ዝሰለጦ ምኽንያት ንሱ ንከባቢኡ ናይ ምቕያር ብቕ ዓት ከምዝነበሮ ስለዝተኣመነሉ ከምዝኾነ ሕቶ ክሳብ ዝመጾም ብዘይምምርማር ከምዘለዎ ክገልጽዎን ከሰጋግርዎን ኣይተጸገሙን።

ንኸባቢኻ ምቕያርከ እንታይ ማለት ነበረ?

ኣቐዲመ ቅድም ዝበልኩዎ ጥቕሲ ክደግሞ። ብግርህና እንክርአ ምግዳል ማለት ከም ሞያኻ፡ ወይ ከምሕርያኻ ዘይኮነስ ኣብ ዘዝተመደብ ካዮ፡ ኣብታ ዝተዋህበትካ ኩርናዕ መደብ ስራሕ ኴንካ ምውፋይ ነበረ’ቲ መግለጺ። ግናኸ ኪኖ’ቲ ክትኮኖ ዝነበረካ’ዃ እንተተወፈኻ ተፈ ቲኻ ወይ ተኣሚንካ ማለት ኣይነበረን።  ከምቲ ንኣባልነት ሰልፊ ናዚ ዓሌት ኣርያን ምዃን ጥራይ እኹል ዘይነበረ፡ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ንምዃን ድማ ብኣኣቶም ሓያል መምዘኒታት ነይይርዎ ኢዩ። ካብቲ ኣውራታት ብውሑዱ ዝኾነ ሕጹይ ያኢ ነገር ዓላማ፡ ነገር ትእዛዝ ኴ ይንዎ ንምስኡ ክስዋእ ዝዓረደ ገዛእ ሓዉ ብዘይ ነግፈረግ ከምዝቐትል ብተግባር ከእምን ነይርዎ። ነገር ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ብጣዕሚ ዝቐ ለለ ነበረ። ብሓጺሩ መታን ክእመናን ‘ናጻ ኴይነን’ ምእንቲ ክሰርሓን ኣብ ርእሲ በዓልቤተን ከሽካዕልላ ክሳብ ‘ክውግንኦ’ ድሉውነት ከር እያ ነይርወን። ካብዚ ወጻኢ ንዝመራመርን ትመራመርን ባይታ ስለ ዘይወሃብ በቲ ዝምርሕሉ ዝነበሩ ቅጥዒ ሕብሪ ኣዒንቱ/ታ/ ንዘይተበ ርሆም ብዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ኩሎም ንጹሃት ተጋደልቲ ነገሩ ጋን ኴይንዎም ስረኦም ከይፈትሑ ነቲ ቃልሲ ክሳብ ብሂወት ክቕጽልዎ ኣብታ ዘዝተመደቡዋን ንዝኣመኑሉ ትእዛዝ ክፍጽሙ ምኽኣሎምን ንርእሱ እኹል መግለጺ ተወፋይነት ስለዘይጽብጸብ፡ ነቶም ኣብ ውዑ ይን ዝሑልን ዝውፈዩ ብጾቶም ንምንእኣስ፡ “ንከባቢኡ ኣይቅይርን /ኣይትቕይርን/” ዝብል ሕላገት ክልጥፉ ድሕር ከምዘይበሉን ንብጾቶ ም ንሞት ከምዝፈረዱን ለይታዊ ብሕታዊ ኣኼባታቶም እኹል ምስክር ከምዝነበረ ሎምስ ዝቐተሮ ዜና ኢዩ።

ንሕሰብ ሓደ ሰብ ዕማም ማንካ ከምዝተዋህበ። ማንካ ስለዝዀነ እንክውዕዮም ብሽፋን ፍቕሪ ሃገር ክሳብ ዝሸማቐቕን ዝመክኽን ኣብ ው ዑይ ክድርግምዎ፡ እንክዝሕሎም ድማ ብኢዶም ስለዝመርጹ ንማንካ ክውግንዎ፡ ከደስክልዎ ይረኣዩ። ‘ቲ ድራማ ብኡ ኣይውዳእን። ብ ዘይ ማንካ ምንም ክገብሩ ዘይከኣሉ ‘ብሉጻት’ ከይሓፈሩ ነቲ ዝጠንጠንዎ ማንካ ኣብ ውዑይ ክድርግምዎ ምውዳዮም፡ ንሱ ድማ ብሰበ ብ ተወፋይነት ንዝተኣዘዞ ብመትከልን ተኣማንነትን  ክሳብ ክቑረጽ ክስዋእ ምፍቃዱን ምብቅዑን’ኮ ኣይነበረን መግለጺ ብምቅርራብ ም ግዳልን መሕረይ ኣባልነት ሕዝእቲ ሰልፊ ኮነ ብቕዓት ከባቢኻ ምቕያርን ማለት።

ወይ ጉድ ደቀይ፡ እዚድኣ ቀቀሊሉ!! ከባቢኻ ምቕያር ማለቶም’ሞ ከምታ ማንካ ኣብ ዘእተዉኻ ምድርጋም ዘይኮነ፡ ማንካ ክንስኻ ናይ ካ ራ ስራሕ ብምምንጣል ክትዝልዝል ክትመትር፡ ዕማም ፋስ መንጢልካ ክትቆራርጽ….. ልዕሊ ኩሉ ወሓለ “መምሰሊ” ክትከውን’ሞ ንናጽ ነት እናተጋደልካ ንባርነት ክትዕጠቕ፡ ንህንጸት እናጨራሕካ ንዕንወት፡ ኣብ ክንዲ ንዕብየት ንድኽነት፡ ፍጹም ሃገራዊ መሲልካ ከምዘይዓ ጠቕካን ከምዘይጨራሕካን ብግብሪ ግን ንውልቀ-ምልኪ እንተዘየገልጊልካ ብሕጊ ሕቡኣን ‘ጠላም’ ኢኻ።

ይሙን እምባአር ከምቶም መሳትኡ ካብ ኣስመራ ወይ ኣ/ኣበባ ኣይተሰለፈን። ካብ ኣመሪካ ምግዳል ካብሰለጦ ግን ብከምቲ ዝተጠቕሰ ብልሒ ኮነ ጥበብ ሰልጢኑን ተመልሚሉን ገና ብእዋኑ ንተፈጻምነቱ ምሒሉን ጥሒሉን ከምተሰለፈ ዝርድኦ ሰብ ኣይወሓደን።

ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Simon G. September 30, 2014

    I think this guy is as dangerous as his boss. I am suspecting this guy was somehow recruited before even he went to the US. Something is fishy.

  • Truly Truly i say to you October 1, 2014

    Though the matter is like among monkeys choosing beauty and among evils choosing the better one, i would say Yemane Gebreab in contrast with Isyas and from others he seems to me thousend times more human , more concious, more who have understanding about normal life. Even from all isayas cabinet members, i couldn´t understand why people particularly people gave nick name monkey to Yemane, is to say the others have better outlook or charisma than yemane ? i don´t think so even in this aspect he is the better one.
    In my view if we people in opposition side, instead demonizing Yemane Gebreab, if we would be threatening him with love and respect , i no doubt among all evils as he at first would turn his wrong direction and would decide to side with justice seekers. I didn´t say this without reason. First i think Yemane experienced what it means normal life and family value, from his family background and from US life experience. Second in one of his JPFDJ seminar i heard him when asking the young, ” do you sometimes ask to yourself weather our way,he mean our leadership in wrong or right direction going? I think this is a little approval as has remain human sense and brain. So the more you demonized him and call him Agame, i think you are pressuring him to be more stubborn and to continue his wrong direction. The other a little approval about Yemane´s humanity i sensed when with Swedish journalist about detained politicians family interviewed, he clearly explained as they do not treat wrongly the detainees family members for their elders done wrong. When Yemane said that may like this article writer, Godafa said, because yemane has religious background his own personal belief could be, but we all know what is going on the ground. In my view according Yemane´s cool, decent behaviour and according his religious and family background, if in case hold power, i do not think he will be unmerciful cruel wicked dictator like Isyas. I think since Monkey has religious background no doupt as he will be merciful to his enemies. Yemane dosn´t posses hypocrite arrogant behaviour like isyas, he listens advice , he has decent good behaviour.

    • Simon G. October 1, 2014

      I beg to differ. I was so conservative but I think he is even worse than the dictator himself. Because he was religious? Do you follow in the middle east what the so called religious people are doing?

  • loony asmarino October 1, 2014

    The writer seems to know no thing about this man.he is saying ajewjew, I mean his article is not substantial and has no truth in it.

  • Baba ogbai October 2, 2014

    Do you remember what his answer was when he was asked by one of the attendant in Atlant May, 2013 to start the Love from top down? He is cruel and arrogant like his boss regardless his back ground. I wouldn’t care if he is hand some or ugly that is not important. He is in the wrong side of the reality of the move. May be you don’t know how many times save his boss neck. Isayas is a Sneak but Yemane is only a monkey but . You are expecting Milk from the Hen. We don’t have to spend our energy to talk who is who about in Junta of pfdg top list. By now it is to late to fix the ruins has done by those cronies. If any one has some heart and wisdom left in let them move to save their throat before to late. This option is only to save their life; other wise the damage is done by their own hands and their time is coming to it’s end. Why even preaching about those animals any way. We can only learn from our past and present and move for ward.
    Don’t have any beneficial idea to preach how to form a better government some how some sorts Please thank you.

POST A COMMENT