Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                   ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                         2ይ ክፋል              07/05/2014   ኣብ ዝሓለፈ 1ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም። “ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል)

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                  ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም

                        2ይ ክፋል              07/05/2014

 

ኣብ ዝሓለፈ 1ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ፣ ገለ ካብዞም ፈላስፋታት ብዛዕባ “ምስሊ ናይ ሓደ ብቑዕ (እኹል) ዝበሃል ሰብ እንታይ ክመስል ይኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣይተዛረቡን ወይ ኣይጸሓፉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ብፍላይ ብክልሰ-ሓሳባዊ ደረጃ። እቲ ጸገም ወዲ-ገራህቱ ነታ ‘ሓሳባዊ ‘IDEAL’ ትብል ሓረግ ኣብ ገለ ምስ ረኸባ፣ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ጸጋጊኑ ከም ድሕሪ ናጽነት ዝህሉ ትምህርታዊ ፖሊሲ ኤርትራ ገይሩ ከቕርቦ ምፍታኑ ኢዩ።

2ይ ክፋል ይቕጽል …

 

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣካዳምያዊ ትምህርትን

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ምምዳበይ፣ ነቲ ኣብ ንእስነተይ እናበሃግክዎ ከለኹ ዝተኾልፈኒ ትምህርቲ ዝቕጽለሉ ዕድል’ዩ ኣጋጢሙኒ። ኣብታ ዝረኸብኩዋ ግዜ (ዋላ’ውን ሓጻር ትኹን) መጻሕፍቲ ኣብ ምንባብን ‘ይጠቅም’ዩ’ ዝበልኩዎ ሓሳባት ይምዝግብን ነይረ። ከማይ ጽምኣት ትምህርቲ ዝነበሮም ተጋደልቲ’ውን ነይሮም ኢዮም። ንምትእስሳሩ መታን ክጥዕመና ድማ፣ ካብቶም ናይ ዓይነት ትምህርቲ ኮሚተታት፣ ዝርዝር ኣከፋፍላ ምዕራፋት ናይቲ እንደልዮ ደረጃ (syllabus) እናወሰድና፣ ብመሰረት’ቲ ኣብኡ ዝሰፈረ ቅደም-ተኸተል ንጥቀም ነይርና። ኣብቲ መጀመርያ ነዚ ዘስተውዓለሉ ሰብ ኣይነበረን። ድሕሪ ገለ እዋን ግን ኣብ ዓይኒ ገለ ሓለፍቲ ክንኣቱ ጀሚርና። እንተላይ ናይቲ ብሳላ በራኺ ተሓብሒቡ፣ ድሒሩ ሓላፊ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝኾነ፣ ሕጂ ናይ ኣምባሳደር ማዕረግ ተሰኪሙ፣ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከብ ተስፋማርያም ተኸስተ። ልዕሊ ኩሉ ዝተጻባኣናን ዕንቅፋት ክፈጥረልና ዝጀመረ ድማ ንሱ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ስለ  ዝነበርና።

 

ኣብ ኣኼባታት ንመን ምዃኑ ዘይፍለጥ (ብውሽጥና ግን እንርድኦ) “ደረጃ ትምህርቶም ክብ ንምባል መጻሕፍቲ ከንብቡ ዝውዕሉ ሰባት ኣለዉ” ዝብል ርእይቶ ብገለ ናብቲ ምምሕዳር ቅርበት ዘለዎም ሰባት ክንሰምዕ ጀሚርና። ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማዕረ ወይ ልዕሊ ሰብና ንውፈ ስለዝነበርና ግን፣ ብጋህዲ ክነቕፈና ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። ንሕና’ውን እና ተጠንቀቕና፣ ነቲ ‘ባዕልካ ንባዕልኻ ምምሃር (self teaching) ዝብል መደብ ኣየቋረጽናዮን። ገለ ምዕራፋት ብርትዕ ክብለና ከሎ ድማ፣ ነቶም ኣብ ክረምታዊ ኮርስ (summer coarse) ዝምህሩና መማህራን፣ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ቆጸራ ሒዞም ክሕግዙና ንሓቶም ስለዝነበርና ‘ጠቒሙና ኢዩ’ ክብል እኽእል።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓላፊ ናይቶም ብእንዳ መማህራን፣ ስሕት ኢሎም ከኣ ብእንዳ ምርምር ዝፍለጡ ተጋደልቲ ዘመሓድር፣ ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንቤት- ጽሕፈት ጨንፈር ኮይኑ፣ ተጋ/ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኢዩ። ነቶም ኣብተን ምግብናታት ዝነበሩ መማህራንን ኣለይትን ዘመሓድር ድማ ተጋ/ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ)። እዝከረኒ ሽዑ፣ ከም ልማድና ነቶም ዝሕግዙና መማህራን፣ ዝጥዕሞም ናይ ዕረፍቲ ግዜ ምስ ሓተትናዮም፣ ገለ ካብኣቶም፣ “’ንክልተ ወይ ሰለስተ ሰብ ክትሕግዝሉ ትኽእልሉ ናይ ዕረፍቲ ግዜ እንተ-ሃልይኩም፣ ኣቐዲምኩም ንገሩና’ሞ ገለ 20 ዝኾኑ ሰባት ክንሰደልኩም’ ስለ ዝበሉናን ጸገም ይፈጥረልና ስለ ዘሎን እንተገደፍኩምና ይሓይሽ” ክብሉ መሊሶም። ካልኦት ድማ ሕማቕ ንዘይምዝራብ ቁዕሩር ዝኣፉ “ግዜ የብልናን” ክብሉና ጀሚሮም። እዚኣ ድማ እታ ዝዓበየት ዘጋጠመትና ዕንቅፋት ነይራ። ቀንዲ ኣበጋሲ ናይቲ ሓሳብ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ-ባሻይ) ኮይኑ፣ ምስ ወዲ-ገራህቱ ዘትዮም፣ ንዓናን ንኹሉ ደላይ ፍልጠትን ትምህርትን ዘዳለዉዎ ተንኮል ምዃኑ ኣይሰሓትናዮን።

 

ነዛ ህሞት’ዚኣ ክዝክር ከለኹ ኣብ ሓንጎለይ ደበኽ ዝብለኒ፣ ተጋ/ ኣፎርቂ ተስፋጽዮን፣ ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ መጻረዪ ነዳዲ ዓሰብ (refinery) ዝኾነ፣ ናይ ሶቬት ናይ ከሚስትሪ ምሁር፣ ንታህዲድ በዓል ወዲ-ገራህቱ ጥሒሱ፣ ብዘይ ስኽፍታ ኣብ ዝጥዕሞ እዋን “ሕራይ” ይብለና ምንባሩ እዝክር። በቶም ነቲ ኩነታት ዝፈልጡ፣ ኣብ ከባቢ ወዲ-ገራህቱ ዝነበሩ መማህራን ዝነበረ ሓገዝን ምትብባዕን ድማ መዘና ኣይነበሮን።

 

ተጋ/ ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሓቀኛ ባህርያቱን

ኣብ ከባቢ 1989 ኣቢሉ እመስለኒ ‘ን2ይ ደረጃ መምሃሪ ዝኸውን ጥረ-ነገር (material) ተዳልዩ ተወዲኡ ኣሎ፣ ብመልክዕ መጻሕፍቲ ምሕታም ጥራይ ኢዩ ተሪፉዎ’ ሰሚዕና። ሽዑ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓላፊ ኮሚቴ ስነ-ፍልጠት (science) ዝነበረ፣ ተጋ/ ገብረዝጊ ድማም (ኣቻ)፣ ነቲ ተዳልዩ ዝተወድአ ናይ ሳይንስ ጽሑፋት ክህበኒ’ሞ፣ ኣብ ቦታይ ኮይነ ኣብ ጥራውዝቲ ቀዲሐ (ገምጢለ) ክመልሰሉ እሓቶ። ብወገኑ “ኣብ ቦታኻ እንተወሲድካዮ ክጠፍእ ወይ ክበላሸወካ ስለዝኽእል፣ እንተ ጠፊኡ ድማ ንዓይ ስለ ዘሕትተኒ፣ እና ተመላለስካ፣ ኣብዛ ጣውላይ ኣብ ሓደ ጫፍ ኮፍ ኢልካ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ” ይብል። እዚ ንዓይ ዓቢ ዓወት’ዩ ነይሩ።

 

ሳንጣይ ኣብ ዝባነይ ተሓንጊጠ እናተመላለስኩ፣ ኣብ ጫፍ ጣውላ ተጋ/ ገብረዝጊ ድማም ኮይነ፣ ንኹሉ ምዕራፋት ናይ ፊዚክስን ኬሚስትሪን ናይ 8ይ ክፍሊ ኣብ ምውዳእ ተቐራሪበ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ሓደ መዓልቲ፣ ኣነ ኣብ ጫፍ ናይቲ ጣው ኮፍ ኢለ እናጸሓፍኩ ከለኹ፣ እቲ ነቶም መማህራን ኣብ ትርፊ ግዜኦም ከይሕግዙ ዝኣዘዘ ተስፋሚካኢል ገራህቱ፣ ናብታ ዝነበርናያ ክፍሊ (underground) ድርግም ይብል።ብኡ-ንብኡ ድማ ኣዒንቲ ክልቴና ነንሕድሕደን ተተኺለን ይጠማመታ። ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ኮሚተ ስነ-ፍልጠት ክወርድ ብዛዕባ ዝኽእል ተግሳጽ እናኣተሓሳሰበኒ ድማ ሳንጣይ ኣልዒለ ንቦታይ ኣምሪሐ።

 

ንጽባሒቱ ኩነታት ክፈልጥ፣ ደሓን እንተኾይኑ ድማ ከምልማደይ ዝተረፈኒ ክምልእ፣ ናብታ ኮሚተ ስነ-ፍልጠት ዝሰርሑላ ክፍሊ ተመሊሰ። ሓላፊ ኮሚቴ ስነ-ፍልጠት ርእይ ምስ ኣበለኒ “ድሕሪ ሕጂ እንተዘይመጻእካ ይሓይሽ፣ ቁሩብ ክጽግመና ኢዩ” ክብል መሊሱ። ብወገነይ “ተረዲኤካ ኣለኹ፣ ኣነ’ውን ከረጋግጽ ኢለ’ምበር ዘይገምገምኩ ኣይኮንኩን፣ ስለቲ ክብ ዝበለ ለውሃትካን ምትሕግጋዝካን ግን የቐንየለይ” ኢለ ንቦታይ ተመሊሰ።

 

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ተጋ/ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ (ናይ ሽዑ ምክትል ሓላፊ ጨ/ትምህርቲ) ኣብ ዝገበሮ ሓፈሻዊ ናይ ኩልና ኣኼባ “ሰባት ካብ ናይ ስራሕ ግዜኦም ወጻኢ ነብሶም ንምምዕባል ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዕንቅፋት ክፍጠረሎም የብሉን” ኢሉ ብግልጺ ክዛረብ ሰሚዐዮ። በዚ ድማ እቲ ጸገም ናይ ወዲ ባሻይን ወዲ ገራህቱን’ምበር፣ ኢድ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከም ዘይነበሮ ኣረጋጊጸ። ብወገንና “ኩሎም ሓደ ኢዮም!” ዝብል ግምት ስለ ዝነበረና፣ ንዓንደብርሃን ይኹን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ “ከምዚ ጸገም የጋጥመና ኣሎ” ዝብል ጥርዓን ኣየቕረብናን። ንዓንደብርሃን በቶም ምስ ወዲ ገራህቱ ዝነበሩ፣ እቲ ኩነታት ደስ ዘይበሎም መማህራን ኣቢሉ እቲ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

 

ንትምህርትን ፍልጠትን ዝጻብኡ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትምህርቲ ክኾኑ ኣይምተገብአን

እቲ ዝገርም እዞም ክልተ ኣንጻር ፍልጠትን ትምህርትን ዝነበሩ ሰባት፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዝለዓለ ቦታ ምሓዞም ኢዩ። ተጋ/ ተስፋሚካኤል ጀነራል ዳይረክተር ተባሂሉ ንኹሉ ኣካዳምያዊ ንጥፈታት ሚኒ/ትምህርቲ ክቆጻጸር ከሎ፣ ተስፋማርያም ተኸስተ ድማ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኮይኑ፣ ንኹሉ ምምሕዳራዊ ስራሕ ናይቲ ሚኒስትሪ ተቐቢሉ። ድምር ናይዚ ኩሉ ፍሽለትን ሕማቕ ኣሰራርሓን ድማ፣ ብሃገር ደረጃ ድሒሩ ዝተራእየ ትሑት ትምህርታዊ ብቕዓት መንእሰያት ኤርትራ ኢዩ። በዚ ከኣ ኢየ ንኽመሃሩን ንኽፈልጡን ንዝደልዩ ሰባት ዝጻብኡ፣ ከም ሓለፍቲ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ንወሎዶታት ዝኸይድ ጽልዋ ዘለዎ ፖሊሲ ትምህርቲ ዝሕንጸጸሉ ቦታ፣ ወሳኒ ቦታ ክወሃቦም ኣይምተገብአን ዝበልኩ።

 

ተስፋሚካአል ገራህቱ ‘ኣብ ጠመተ ኢሰያስ ኣትዩ’ ተባሂሉ

ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ተጋ/ ተስፋሚካአል ኣብ ጠመተ ክሊ ኢሰያስ ኣትዩ ምንባሩ ዝሕብር ምልክታት ነይሩ ኢዩ። እንተ ብሓቆም፣ እንተስ ስሙ ከዕብዩ ዝደልዩ ሰባት ዝዘርግሕዎ ወረ፣ “ኣብ ሓደ ኢሰያስ ዝነበሮ ኣኼባ ሓንቲ ወረቐት ኣቕሪቡስ ኢሰያስ ተሓጒሱሉ” ዝብል ወረ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። (ኢሰያስ ኣብ 1987 “2ይ ውድባዊ ጉባኤ” ንበዓል ሮመዳን ኣልዩ፣ ምሉእ ንምሉእ ነቲ ውድብ ምስተቖጻጸሮ፣ ነቶም ዘየድልዩዎ ክግልፍ፣ ነቶም ፈራሓትን እሺ በሃልትን ኣብ ከባቢኡ ከዕስል ብግልጺ ይረአ ነይሩ ኢዩ።) ድሕሪ’ዚ ኩነታት’ዚ ድማ፣ ኣብ ከባቢ 1989 ኣቢሉ፣ ሓደ ኣዝዩ ዝገረመኒ መግለጺ ሰሚዐ።

 

እዋኑ ድሕሪ ምድምሳስ እዚ ናደው ኮይኑ፣ እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ተማሃሮ እትኣሊ ጋንታን እታ በዓል ተስፋሚካአል ገራህቱ ዝነበርዋ መስርዕ እንዳመማህራንን፣ ብምሸት ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ንእከብ። ገራህቱ ካብ ሓንቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ንእሽቶ ገዛ ኤለክትሪክ ስሒቡ፣ ብቪድዮ ካሴት ዝተቐርጸ መግለጺ ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣስሚዑና። ኢሰያስ ኣብ መግለጺኡ፣ ንዓወት ግምባር ናደው ጠቒሱ “ህዝባዊ ግምባር ከምዚ ዝበለ ዓወት ዘመዝገበ፣ ፍትሓዊ ወይ ህዝባውነት ስለ ዝነበሮ ኣይኮነን፣ ሓያል ስለዝኾነ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዓወት ንምምዝጋብ ድማ ፍትሓዊ ወይ ህዝባዊ ዕላማ ክህልወካ ግድን ኣይኮነን” ዝብል ገለ ካብ መግለጺኡ ምንባሩ እዝክር። ቅድሚኡ ንህዝባዊ ግምባር ካብ ዝተላለኹሉ እዋን ጀሚረ “ዓወትና ናይ ግድን ዝኸውን ቃልስና ፍትሓዊ ስለዝኾነን፣ ህዝባውነት ስለ ዘለዎን ኢዩ” ዝብል ዕላማ ሰኒቐ ኢየ ዝኸይድ ዝነበርኩ። ብልቢ ዝኣምነሉ ዕላማ’ውን ንሱ ኢዩ። ሽዓ ምሸት ግን ካብ ኣፍ’ቲ ነቲ ውድብ ዝመርሕ ‘ዋና ጸሓፊ’ ንኹሉ’ቲ ኣሚነ ንዓመታት ዝተቃለስኩሉ ዕላማ ዝጻረር መግለጺ ሰሚዐ። መግለጺ ኢሰያስ ንጅግንነትን ተዓጻጻፊ ሜላን ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ዘሞግስ ትሕዝቶ ስለ ዝነበሮ፣ ብዙሕ ሰብ ብእኡ ተሳሒቡ ብዙሕ ዘየስተውዓለሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንዓይ ግን ንመሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ውድብ ስለእትጻረር፣ ልዕሊ’ዛ ክብ ኢላ ዝተገልጸት  ንኣእምሮይ ዝተንከፈኒ ኣይነበረን።

 

ኣብዚ ክገልጾ ዝደሊ “ስለምንታይ ኢሰያስ ከምኡ መግለጺ ሂቡ” ኣይኮነን። እታ ቪድዮ ካሴት ኣብተን ካልኦት ምግብናታት ኣይተራእየትን። ኣብኣተን ንዝነበሩ ናይ ስራሕ ብጾት ሓቲተ “ዝረአናዮ ቪድዮ ካሴት የለን” ዝብል መልሲ ኢየ ረኺበ። ብርግጽ ድማ ኩሉ ተጋዳላይ ንኽርእያ ዝተዘርገሐት ኣይነበረትን። ብወገነይ “ ኢሰያስ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ከም መሳርሒ ከገልግልዎ ዝደልዮም ካድረታት ተዳልዮም ንኽጸንሑ፣ ናብ ውሱናት ዝመረጾም ሰባት ዝዘርግሓ ካሴት’ያ” ዝብል እምነት ኢየ ኣሕዲረ። እቲ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር “ወዲ ገራህቱ ነታ ቪድዮ ካሴት ካበይ ረኺቡዋ? ስለምንታይ’ከ ኣብ ካልእ ቦታ ዘይተራእየ መግለጺ ከርእየና መሪጹ” ኣብ ናይ በይነይ ሓንጎል ዝመላለስ ዝነበረ ሕቶ ኢዩ። በዚ ኮነ በቲ ግን እቲ ቀደም እንፈልጦ ወዲ ገራህቱ፣ ንሕና ከይተፈለጠና ብዙሕ ኣስካላታት ደይቡ፣ ኣብ ከባቢ ኢሰያስ በጺሑ ምንባሩ ዘርኢ ምልክታት ኢዩ ነይሩ። ናይዚ መረጋገጺ ዝኾነና ድማ፣ እቲ ኣብ ናይ ትምህርቲ ድሕረ- ባይታኡ፣ ቀዳማይ ዲግሪ’ውን ዘይነበሮ፣ ኣብ መንጎ ኣቋሪጹ ዝተጋደለ ወዲ ገራህቱ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፣ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንምዃን ክመጣጠር ርኢናዮ።

 

ባህርያት ተስፋሚካአል ገራህቱን ስዉር መደባት ኢሰያስን እንታይ ኣራኸቦ?

እዚ ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ፣ ተስፋሚካአል ገራህቱ ኣብ ሰውራ (ቅድሚ ናጽነት) ዝነበሮ ተበላጺ መርገጽን ጠባያትን ኢዩ። እቲ በብቁሩብ ንኣሰራርዓ ናይቲ ውድብ ክለዋውጥ ዝጸንሐ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ህግደፍ’ውን፣ ንኸም በዓል ወዲ ገራህቱ ዝኣመሰሉ፣ ብነብሰ-ፍትወት ዝተነቕፉን ተጸቒጦምን ተዳሂሎምን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ናብ ስልጣን ብምምጻእ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ርእሶም ኣቕኒዖም፣ ብርእሰ-ተኣማንነት ክብድሁን ክምክቱን ዝኽእሉ ውፉያት ተጋደልቲ ሕነ ክፈድዩን ከባጭዉሎምን፣ ብኡ ኣቢልካ ከኣ ንምድሃሎምን ንምትፍኦምን፣ ከም መደብ ኣቐሚጡዎ ይጓዕዝ ምንባሩ፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ተገሊጹ ኢዩ።

 

ኢሰያስ ንከም በዓል ወዲ-ገራህቱ ዝመረጸሉ ምኽንያት፣ እዞም ብቐደሙ’ውን ድሁላት ዝነበሩ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ፍቓዱ እንተወጺኦም፣ ዳግማይ ንምድሃሎምን ንምእላዮምን ጸገም ስለ ዘይብሉ ኢዩ። ነቶም ውፉያት ድማ “ምእንቲ ሃገር ስለ ዝተወፈኹም ዘይኮነስ፣ ንዓይ እንተ-ተማእዚዝኩም ጥራይ ኢኹም ሰላም ትረኽቡን ብስልጣን ትዓብዩን” ንምባል ጠቒሙዎ ኢዩ። ናይዚ ንጹር ኣብነት ንምግላጽ ኣብ 1980/81 ቢትወደድ ኣብርሃ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ፣ ወዲ ገራህቱ “ንኡስ-ቡርጅዋ” ተባሂሉ ርእሱ ክሳብ ዘድንን ተነቒፉ ከብቅዕ፣ 1991 (ድሕሪ 10 ዓመት) ቢትወደድ ተኣሲሩ፣ ወዲ-ገራህቱ ድማ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ (ናይ ሽዑ ክፍሊ) ትምህርቲ ኮይኑ።

 

ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ፣ እዚ ተገላቢጦሽ ናይ ወዲ-ገራህቱን ናይ ቢትወደድ ኣብርሃን ኣብነት፣ ናይ ኩሎም’ቶም ቀደም እንፈልጦም ሎሚ ዘይንርእዮም ሓለፍትን ብሓደ ወገን፣ ናይቶም ሕጂ ዓቢ ሹመት ተዋሂቡዎም ኣብ ዘይወዓልዎ ታሪኽ ክምድሩ እንሰምዖም ዘለና ተረኽትን ድማ በቲ ኻልእ ኢዩ።

 

 

ይቕጽል …….

aseye.asena@gmail.com

Review overview
51 COMMENTS
  • Abraham Haile May 9, 2014

    Why not, I am always interested to know about people who are positive and progressive. What it strikes me is that Comrade Afeworki Abraha was leader in the refinery in Asab, graduate of chemistry in Russia, head of India chemistry in Meda and Ambassador of Eritrea in UK. It could be a coincidental that both of them were in Russia, head of refinery after independence. I meant no harm just to know good hearted people. He also his MBA in UK.

  • THE NOBLE TEACHER May 9, 2014

    “ንብዓተይ ኣብ መዓጓጕርተይ ብሓዘን ክጉተት
    በሉ ድሓን ትኹን ‘ታ ደም ዝቐለባ መሬት
    እቐድማ እንተልኩስ __ቀዲማትኒ ሞተት !!!”

    Rap Music ጸሊኤዮ_______ ደልየ ቅዳሴ ክህነት
    ኣስቴር ጸውዑለይ _ኣይደልያን ናይ ካሊፎርንያ Janet
    ራድዮና ኣምጽኡለይ፣______ውሰድዎ እዚ Internet
    ገጅረት ናፊቐዮም ___________ቀበሌ ኣምሳለ ገነት
    ኢትዮጵያይ ሃቡኒ___ ኣይደልዮንእዚ ናይ ሕሶት ናጽነት
    ራህዋ ኣየምጽኡን ሸፋቱ ________፣እንትርፎ ባርነት
    ብሰሉስ ሰሉስ ___________ክሳብ ሕጂ ዝሓከመት
    ከዛብ ሃገር፣_______ክትዓኑ እያ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት !!!

    ዝረኸበ ብሩኽ፣____________ዓይኑ ይብራህ
    ዝር ኣዮ እንተሎ ________ ሃየ መገዲ ይምራሕ
    50 ዓመት ሓሊፉ________ ርእስና ብምርሕራሕ
    ሓንጎልና፣ሓንጎል ኤርትራውያን፣ በረኻ ብምልሕላሕ
    ጠፊኡ ተሰዊሩ____ ኣይንምሕሳብ ኣይንምጕራሕ
    ሎሚ የድልየና ኣሎ_______ኣምጽኡልና ጥራሕ !!!

    ስረይ መሲሉኒ________ ሙታንታይ ወድየዮ
    ነጻነት ኢትዮጵያይ ነጺገ፣_ባርነት ሙዳዳ ሓቝፈዮ
    ሃብትን ክብረትን_፣ብድኽነትን ሕስረትን ቀይረዮ
    ተጋዳላይየ እንተለኒስ____ ሽፍታ ገዛይ ኣእትየዮ
    ንገጅረት ኣስመራ____ናይ መጨረሻ ቻው ኢለዮ
    ዝተጻወደ Time Bomb ንዓመታ ክነቱግ ርእየዮ
    ንእኒ መን ሒዘ እሞ ________ህዝበይ ክብጀዮ !!!

  • THE NOBLE TEACHER May 9, 2014

    “ጸረ ዓለም ለኻዊ ሓቀኛ ቃልስታት ዝኾኑ ኣሜሪካን ወያነን ንቓልሲ ኤርትራን ህ.ግ.ቦ.ና ን ጠጠው ኣየብልዎን እዮም”

    ጀጋኑ ተጋደልቲ ህ.ግ.ቦ.ና ማለት ,”ህዝባዊ ግንባር BOKO HARAM- NIGERIA”ሳልስቲ ይገብር ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ንዝርከብ ፣ናይ ጨቋኒ መንግስቲ ናይጀርያ__ኣንጻር ጂሃዳዊ መስመር __ደቀንስትዮ ኣብ ድፋዕ ኮይነን ጠኒሰን ህዝቢ ከራብሓን ፣መዝሓል ውትራን ተጋደልትን ክኾና እናተገብኤን፣ እቲ ከም መንግስቲ ወያነ ኣብ ትምህርትን ዘየድሊ ምዕባለን ዝኣምን ጨቋኒ መንግስቲ ናይጀርያ ንደቀንስትዮ ቤት ትምህርቲ ብምልኣኽ ብብርቱዕ ሳብጀክትታት ከሳቕየን ምስ ጸንሔ__ጀጋኑ ተቓለስቲ ቦኮ ሓራም ተጋላቢጦም ኣብ ቹቡኪ ዝተባህለ ገጠር መብዛሕትኤን ትሕቲ ዕድመ ማለት 13 ዝዕድሚኤን 300 ኣዋልድ ጨውዩ ከም ዘድሓነን ናይ ቦኮ ሓራም ኣፈ ቀላጤ ሓጂ የሙኒን ማንኪልዓድር ገሊጹ ።እቲ ወትሃደራዊ ክንፊ ቦኮ ሓራም ነዚ ኣብ ቺቡኪ ዝገበርዎ ስርሒት
    ” ኣብ ግብሪ ቺቡኪ ብቐትሪ”ን
    “ዕድል ኣለኒ፣ግንባር ኣለኒ ኣብ ሓቀኛ ውድብ ቦኮ ሓራም ዘሰለፈኒ”……
    እናደረፉን ,ቢቪታን ኣባዕከን እናሰተዩ ምዃኑ ገሊጹ።ኣብ ሃይማኖቶም ድሙ ድሙ ምስታይን ትምህርቲ ነዋልድን ሓራም ምዃኑ __ምሕራድን ንኣሽቱ ኣዋልድ ምዕማጽን ግን,ሰውራዊን ጂሃዳውን ግዴታኦም ምዃኑ ገሊጹ።ናይ መንግስቲ ኤርትራ ተወካሊ እቲ ኩሉ ተግባራት ጂሃድ ካብ ናይ ሻዕብያ ኣሳራርሓ ዘይፍለ እኳ እንተኾነ__ተጋደልቲ ሓራእራእ ከይብሉ መታን ድሙ ድሙ ምስታይ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ።ከም ኡውን ንተቓለስቲ ደቀንስትዮ ቡኮ ሓራም እግረን ከፊተን ንኹሉ ተጋዳላይ ከስተኤንግዳ ከም ዝሕግዝ ገሊጹ።
    ነዚ ሓቀኛን ጅግናን፣ዝኾነ ሰውራዊ ስርሒት ግን ወያነ ከም ዝቃወሞ ኣይጣራጠርን።ቀናእ መንግስቲ ወያነ ነቲ ክፍሊ መፍረ ናይ ሻዕብያና እውን ከም ዘይደገፎ ኣይጣራጠርን።ንኣሽቱ ኣዋልድ, ከም ፊትወራሪታትን ክፍሊ መፍረን ኮይነን ምስ ዘገልግላ፣ መንግስትን ህዝብን ናይጀርያ ቍጽሪ ህዝቢ በዚሑ ነቲ ቍጽሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝሓልፎ፣ንወያነ ኣቕኒኡ ስለ ዘሕረሮም ምዃኑ ኤርትራን ኢራንን ገሊጸን።
    ደንጕዩ ዝመጸና ዜና ድማ ገለ ካብተን ኣዋልድ ንካሜሩን ብ 12 ዶላር ከም ዝተሸጣ ዝሰምዔ መንግስቲ ኤርትራ ፣ዕሸላውን ዘሕንኽን ፣ራሻይዳን በደዊንን ካብ 3000 dollars ክሳዕ 50.000 dollars ከም ዝኸፍሉ ንዝመጽእ ጊዜ ERitrean ሰብ Exchange Market ክጥቀሙ ምዒድዎም

    – ትምህርትን ምዕባለን ናይ ጨቋኒ ወያነ መሳርሒ ስለ ዝኾነ ንኹንኖ !!!

    – መንእሰያት ንሳዋ ንስልጣንን ንድፋዕን ዘይኮነ ብዩኒቨርሲቲን ቴክኖሎጂካል ኮሌጃትን ናይ መንእሰያት ሓንጎል ዘዕኑ ወያነ ብቓልስና ዓናዊ እዩ !!!

    • HGDEF May 9, 2014

      Welcome back cow face with yet another new nick name! Only a retarded person could believe that you are Eritrean. Only an idiot can believe that your an Ethiopian with a positive thinking towards Eritrea. Only a fool can believe your comments. Only a naive person is traped by your words.

      • THE NOBLE TEACHER May 9, 2014

        ዝኸበርካ፣HGDEF

        ዝገርመካስ ፣ኣነ እውን ኤርትራውነተይ ክጣራጠሮ ጀሚረ፣ኣብ ክንዲ ከም ከብትን መጓሰን ሓደ ደደብ ኣተሓሳስባ ሒዘ ዝብገስ ከምዞም ዓጋመ፣ሕልና ዘለዎን ናይ ኣእምሮን ምዝራበይ ዜግነተይ ኵውሰድ ይግብኦ።ወረ ሓማሴናይን ወዲ ድምበዛንን እየ።ይፈልጥየ ንስኻ እውን ወዲ ኣውራጃይ ከም ትኸውን፣እዛ ንግስነትና ኣከለጉዛይ ከይወስድዋ ድኣ ኣጽኒዕካ ሓዛ ኢኻ።ብሕልፊ እቶም ጸንዓ ድግለስ ብጣዕሚ ለባማት እንድዮም ሓማሴን ተመሲሎም ከይወስድዋ ተጠንቀቐሎም ድኣ። ግን ክትግጥሞም እንተደሊኻ “በቕሊ እንታይ ትወልድ” ኢልካ ሕተቶም እሞ በቕሊ ኣይትወልድን እያ እንድሕር ኢሎምኻ፣ሽዑ ጸንዓ ድግለ ምዃኖም ትፈልጥ።
        ክብረት ስለ ዝፈቱ፣ኪድ ወስላታ ወደ ርብዓ ኣይክብለካን እየ።
        ንራእሲ ኣሉላ ሰላም በለለይ ህግደፈይ

        ምሕረቱ ሃብተ
        ዘእምነገደ ድምበዛን፣ወዲ ንጉስ ሜሮንን ደምብያን

        • slehaki May 10, 2014

          ምሕረቱ ሃብተ ዋላስ THE NOBLE TEACHER ንስካ ዕዮ ገዛካ ትሰርሕ ኣሎካ፣ ህዝቢ ኤርትራ ግን ገና ኣይነቅሓልካን ዘሎ ገና ኣብ ነንሓድሕዱ ይካሰስ ኣሎ።
          ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ደጋፊ መንግስቲ ኮነ ተቃዋሚ እንታይ ዓይነት ናይ ጊዜ ቡምባ ተጻዊዱልካ ከም ዘሎ ኣስተብህል። በጃኩም ኣይንተሃመል ቀዳምነት ክስራዕ ዝግብኦ ጉዳይ ሃገር ሸለል ኣይንበሎ። እዚ ክብል ከለኩ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘእቱ ዝገበረ መን ምኻኑ ዘንጊኣ ኣይኮንኩን።

          • belay nega May 11, 2014

            “እዚ ክብል ከለኩ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘእቱ ዝገበረ መን ምኻኑ ዘንጊኣ ኣይኮንኩን።”

            መን’ዩ?

  • THE NOBLE TEACHER May 9, 2014

    Fitch Rates Ethiopia ‘B’; Outlook Stable
    PARIS/LONDON, May 09 (Fitch) Fitch Ratings has assigned Ethiopia Long-term foreign and local currency Issuer Default Ratings (IDRs) of ‘B’. The Outlooks on the Long-term IDRs are Stable. Fitch has also assigned a Short-term foreign currency IDR of ‘B’ and a Country Ceiling of ‘B’… .[it is amazing a country that was in the abyss before EPRDF came to power is rated this high! What an achievement! It can only get better once the first phase of GTP is done.] END OF QUOTE..

    Dear Eritreans ,´
    It is like Ethiopia always to get B & C scores.
    Well,Our Eritrea
    * got A in the number of refugees in the world !
    *Got A in the most not rich country !!!
    *Got A for having the cleanest wash rooms ,since our people don’t eat then don’t shit !!!
    * Number one/A in journalist detention !!!

  • Mesinas May 10, 2014

    ዝኸበርካ ሓው ታደሰ ኪዳነ ልዑል ስብሓተይ (ምስጋናይ) ከቕርበልካ ፍቐደለይ? ሓደ ካብቲ ንገለ እዋናት ደሃይካ ምጥፍኡ ዘሻቐለና ጉዳይ ከኣ ከምዚ ዚበለ ሓቀኛ ዓይኒ ዝምስክሩ ሓበሬታ ብምሃብ ነቲ እቲ ብደረስቲ ልብ ወለድ ኢሳያስ ዝንገረና ጥምዙዝ ታሪኽ ብሓቂ ብምኽሻሕ ተፍልጠናን ተለብመናን ስለ ዘሎኻ እዩ። ስለዚ ሃየ ስለ’ቶም ሕድሪ ዝበሉኻ ጀጋኑ ስውኣትን ሓፋሽ ህብኻን ሃገርካን ቃልስኻ ብዝሓየለ መልክዑ ቀጽሎ! ሓቀኛ ሃበሬታ ዝዓጠቐ ህዝቢ ዳግም ብመላኺ ክደናገር ስለ ዘይክእል እዚ ታሪኽ’ዚ ኩሉ ህዝቢ እንተፈሊጡዎ ዋላ ሓንቲ ደንጎላውን ትኹን ከይደርበና ንመላኽን ጉጅለኡን ግብኣተ መሬቶም ከነቃላጥፎ ኢና!

    ክቡር ሓው ታደሰ ብርግጽ እቶም ከም እንስሳ ብመላኺ ክንኩብኮብ ዘይመረጽና ደለይቲ ፍትሕን ምዕባለን ዝኾንና ዜጋታት ልዕሊ ዩኒቨርስቲ ቤት ትምህርቲ ከምዘየለ ኣንዳዕዲዕና ንፈልጦ ኢና። እንታይ ማለተይ እየ፦ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ንመንነት መላኽን ጉጅለኡን ከም ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ትካል ኣነጺሩ ብዓይንና የርእየና ስለ ዘሎ ልዕሊኡ መረጋገጺ ዘድልየና ኣይመስለንን። ነቶም ኣብ ልዕሊ ብርሃን ጸሓይ ላምባዲና ምውላዕ ዘድልዮም ሰባት ግን ከምዚ ናትካ ዚበለ ተወሳኺ መግለጺ ከም ዘድልዮም ርግጽ’ዩ። ስለዚ ክቡር ሓው ወፍርኻ ኪትቅጽሎ ብትሕትና እላበወካ።

    ካልእ ንእግረ መገደይ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ነገርውን ኣሎ። ኣብዚ ብራና ርእይቶ ዘሎ ዓለቓት (ርእይቶታት) ኣንቢበዮ ኔረ። ሓደ “THE NOBLE TEACHER” ብዚብል ስም ኣብ ኩሉ ዓውድታት ጸይቂ እናጸሓፈ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ኣነኣኢሱ ዘዋርድ ዘሎ ሰብ ንሱ ብስም ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ምዝላፍ ከቋርጽ እቶም ከም ሰብ ቈጺሮም ንዝበሎ ኣንቢቦም ዝምልስሉ ከኣ ምስ መን ይዛረቡ ከም ዘለዉ ተገንዚቦም “ሕሱር የሕስረካ ማዕረ ነብሱ፣ ክቡር የኽብረካ ማዕረ ነብሱ” ምዃኑ ፈሊጦም ሸለል ክብሉዎ ይምሕጸን። የቐንየለይ።

    • solomon May 10, 2014

      Dear Mesinas

      Well said,matured comment. Tadese and the like has to be encouraged to tell the Eritrean people an eye witness account by exposing the trash belebelow HIGDEF. HGDEF in its last phase, so it is natural to create mess and misinformation.

  • fisahaye berhane May 11, 2014

    the nobel melikitika entay eyu ? ab mengo hizbi eritrea hiwket mugad bel ede rekebika hizbi eritreas kemzi timineyo zeleka hizbi aykonen wala degefitin tekawemitin entehelena xelaina nimiray gina yentina bihade eye zitimita wediza agame bilash

    ..

  • fisahaye berhane May 11, 2014

    the nobel melikitika entay eyu ? ab mengo hizbi eritre
    a hiwket mugad bel ede rekebika hizbi eritreas kemzi timineyo zeleka hizbi aykonen wala degefitin tekawemitin entehelena xelaina nimiray gina yentina bihade eye zitimita wediza agame bilash

    ..

  • Hidat May 12, 2014

    NOBLE TEACHER YEKENYELNA

    LOMI KAB TIMALI NILELI (WEYANE)HAMESTI KERNI AFRIKA KISAB ZELEWU NERITRA HAGERNA KEIDEKESNA KINHILWA KEM ZELENA TEZEKAKIRENA SILE ZELEKA

POST A COMMENT