Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ – 6ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ "ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ"                    ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም             6ይን ናይ መወዳእታን ክፋል      29/05/2014     ኣብ ሓሙሻይ ክፋል፣ ኢሰያስ ባዕሉ “ከምዚ በዓል ወዲ-ገራህቱ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝገበሩዎ ዕዉት ስራሕ …” ኢሉ ምጒሱዎ ዝብል

ሓድግታት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

“ሻምፕዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ”

                   ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም 

           6ይን ናይ መወዳእታን ክፋል      29/05/2014

 

 

ኣብ ሓሙሻይ ክፋል፣ ኢሰያስ ባዕሉ “ከምዚ በዓል ወዲ-ገራህቱ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝገበሩዎ ዕዉት ስራሕ …” ኢሉ ምጒሱዎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝበጽሓና ገሊጸ  ነይረ። እቲ ዕዉት ዝተባህለ ስራሕ ድማ መብትታን ኤርትራውያን ኢዩ። እዚ ድማ ‘ንምንታይ ግን ምብትታን ኣድለየ?’ ናብ ዝብል ሕቶ ኢዩ ዘምርሓና። ኣብዚ 6ይ ክፋል ድማ ነዚ ከብርህ ክፍትን ኢየ።

 

ዕላማ’ቲ ምብትታን እንታይ ኢዩ?

ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ክፋላት ዝተገልጸ ሓሳባት ዘንበበ ሰብ “ስለምንታይ ኢዩ ናይ ኤርትራውያን ምብትታን ተደልዩ? እሞ’ከኣ በቲ ይውክለካ ኢየ ዝብሎ መንግስቲ” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር ኢዩ። ዕላማ ናይዚ ጽሑፍዚ’ውን ነዚ ንምምላስ ኢዩ።ኩልና ከም እንፈልጦ ኤርትራውያን ሽግርና ሓደ ኢዩ። ንሱ ከኣ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይታ ሃገር ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ። ነዚ ጸገም’ዚ ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና ከነዕለሉን ክንመያየጠሉን እንተኾይንና፣ ፍታሕ ኣብ ምርካብ’ውን ክንሰማማዕ ከም እንኽእል እቲ ስርዓት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ሽግርናን ሓጎስናን ክንዘራረብ ዘይኮነስ፣ ማዕዶ- ማዕዶ ኮይንና ነንሕድሕድና ክንተሓማመን ክንወነጃጀልን ንምግባርና ዝዓለመ ኢዩ። ካብዚ ብምቕጻል እምበኣር፣ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም – ንህግደፍ፣ ከም ወኪሉ ድማ ንኣምባሳደር ተስፋሚካአል ዘሰምበዶ፣ በብቑሩብ ዝምዕብል ዝነበረ ምትእኽኻብ ደለይቲ ፍትሒ ክገልጽ ኢየ።

 

ኣብቲ መጀመርያ ሰባት ንዘዝሓለፉዎ ተመክሮ እናዘከሩ ዝገብርዎ ነጻ ዕላል’ምበር ውዳቤ ኣይነበሮን። እዞም ብግርህና ዝተራእዮም ዘረባ ‘ሰው’ ዘብሉ ሰባት፣ በቶም “ኣብ ቤት-ጽሕፈት (ኤምባሲ) በጺሐ ነይረ” ዝብሉ ሰባት፣ “ከዳዕ! ዓጋመ!” እናተባህሉ ክጽረፉ ተራእዮም። ኣብዚ’ውን እቶም በቲ ኤምባሲ ዝተላእኩ ሰባት ንገለ ሰባት ዕላማ (target) ክገብሩዎም ጀሚሮም። እቲ ካብ ዘይፍላጥን ብውልቂ ዝብገስ ዝመስልን ዝነበረ ዘለፋታት፣ መበገሲኡ ካብቲ ኤምባሲ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ ግን፣ ግብረ-መልሲ ምሃብ ኣድላዪ ነይሩ። ገለ ኣብተን ናይ ተቓውሞ ውድባት ዝኣተዉ ሰባት ስለ ዝነበሩ ድማ ነቲ ግብረ-መልሲ ኣብ ምውህሃድ ጽቡቕ ተራ ነይሩዎም። እቲ ኣብ 2008 ኣምባሳደር ተስፋሚካአል፣ ናይ መኸተ ሽማግለ ንምቛም በርሚንግሃም ዝመጸሉ እዋን ዝተራእየ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ናቱ መርኣያ ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ’ውን እንተኾነ ኣብ ውሑዳት ደገፍትን ተቓወምትን ዝሕጸር እምበር፣ ኩሉቲ ካልእ ህዝቢ ተወሃሂዱን ሕውነቱ ሓልዩን ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ።

 

እቲ ናይ ተቓውሞ መስርሕ ኣብዚ ከይተሓጽረ፣ ኣስላምን ክርስትያንን ብሓባር፣ ብሰለስተ ኣርባዕተ ኣውቶቡሳት ተተጻዒንካ፣ ኣብቲ ኣብ ሎንደን ዝግበር ናይ ሓባር ሰላማዊ ሰልፍታት ምኻድ መጺኡ። ምስቲ ካብ ከተማ ሎንደንን ካልእ ከበቢታትን ዓዲ-እንግሊዝ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ፣ ካብ ከተማ በርሚንግሃም ዝበዝሐ ሰብ ይመጽእ ምንባሩ፣ ንወዲ-ገራህቱን ቤት-ጽሕፈቱ ከም ዘሰምበዶም ብሩህ ነይሩ። እቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ መንጸሮር ዝኾኖም ግን፣ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ተወድአ፣ ኣብቲ ኣድማ ዝወዓሉ ሰልፈኛታት ዝጸዓና ዓበይቲ ኣውቶቡሳት ተሰሪዐን፣ ኮሎኛ ክመስላ ‘ቀስ ኢለን’ ብለመምታ፣ ብኣፍ ደገ ናይቲ ኤምባሲ ተጸጊዐን ክሓልፋ ምርኣይ ኢዩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝግብኦ፣ እቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ኣሕዋትና ኣመንቲ ምስልምና ኣብቲ መጀመርታ እዋን ዘርኣዩዎ ናይ ውዳበ ብቕዓትን፣ ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ሰብ ከበግሱ ምኽኣሎምን ልዑል ምንባሩን ክምስገንን ክክቕጽልን ዝግበኦ ተበግሶ  ምዃኑ ኢዩ።

 

እዚ ከምዚ ዝበለ ዝተወሃሃደ ዝመስል፣ ብተለፎን ተደዋዊልካን ተዓዳዲምካን ዝግበር ግን ከኣ ልዑል ውጽኢት ዝነበሮ ስራሕ፣ ንኽልቴና ማለት ንቤት-ጽሕፈት ህግደፍን ንዓና ንተቓወምትን፣ በብወገንና ገለ ስጉምቲ ክንወስድ ደፋፊኡና ኢዩ። ብወገን ደለይቲ ለውጢ ነቲ ተቃውሞ ንምሕያል፣ ብቤት-ጽሕፈት ተስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ንምብታኑ። ንቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ልዕሊ ኩሉ መንጾሮር ዝፈጠረሉ፣ እቲ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ክምዕብል ዝጀመረ ሓድሕድ ምትእምማን ኢዩ። ነዝን ነቲ ኣብ መንጎ መንእሰያትን ዓበይትን ክምዕብል ዝጀመረ ምውህሃድን ክዘርግ ከይደቀሰ ከም ዝሓድር ድማ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኢዩ ተስፋሚካአል ገራህቱ፣ (ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ዝተገልጸ) ነዚ እከይ ዕላማታት’ዚ ዘተግብሩ፣ ዝልእኮም ሰባት ንምምልማል፣ ብለይቲ – ጸላም ከደኖ ሰባት ይረክብን ዝምልምልን ዝነበረ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ህዝቢ፣ እንተኾይንሉ ድማ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣትዮም ዝዘርጉን ዝብትኑን ሰባት ንምድላይ።

 

ብወገን ደለይቲ ለውጢኸ?

ንዓና ንደለይቲ ለውጥ’ውን፣ እቲ ዝረኣናዮ ምውህሃድ፣ ንዝያዳ ውዳቤ ክንጥምት ሓጊዙና ኢዩ። ብመንጽር’ቲ ህግደፍ ዝዕድለና ዝነበረ ዝተፈላለየ ኣስማት ማለት “እዚኦም ናይ ኣውራጃ ሕማም ዘለዎም፣ እቲኦም ድማ ጥርኑፍ እስላማዊ ዕላማ ዘለዎም ኢዮም ዝብል ዝነበረ ጎስጓሳት፣ ኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት (ምስልምናን ክርስትናን)፣ ኣብ ሓደ እዋን፣ ንሓደ ዕላማ፣ ብኽንድዚ ቍጽሪ ክንብገስ ካብ ከኣልና፣ ዝያዳ ውዳቤን ምውህሃድን ብምግባር ዝበለጸ ውጽኢት ዘለዎ ስራሕ ክንሰርሕ ከም እንኽእል ብምእማን፣ ነዚ ንምትግባር ዝሕግዝ ካብ ሰለስተ (3) ዘይውሕድ ንድፈ-ሕጊ ዝሓዘ ወረቓቕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ቀሪቡ። እቲ ዝቐረበ ንድፈ-ጽሑፍ ብውሑዱ ነዚ ዝስዕብ ዕላማታት ንምትግባር ዝዓለመ ነይሩ።

 

  1. ንኹለን ኣብ በርሚንግሃምን ከበቢኣን ዝነጥፋ ውድባት፣ ናይ ተቓውሞ ማሕበራት፣ ውልቀ-ሰባትን ካልኦት ኣካላትን እትውክል፣ ከም ውድብ ወይ ማሕበር ንዘለወን ውሽጣዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ብዘይትንክፍ መንገዲ ዘትየን ብዘቖሞኦ ሕጊ እትምራሕ ናይ ሓባር ሽማግለ ቆይማ፣ ብደረጃ በርሚንግሃም ኣንጻር ህግደፍ ንዝግበር ንጥፈታት ከተወሃህድ። ምስ ምምሕዳራት፣ ኣባላት ባይቶ፣ ፖሊስን ኢሚግረሽንን ናይዛ ከተማ እናተራኸበት ድማ ኣብ ንጥፈታታ ንዘጋጥሙዋ ጸገማት ክትፈትሕን ክትጉስጉስን። ኣብ ከምዚ ዝተሓጋገዙ ኣፍልጦ ዘለዎም ክኢላታትን ሽማግለታትን ድማ ክትመዝዝ።
  2. ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ዝተወከሉ መንእሰያት፣ ማሕበር ኣቝሞም፣ ቀንዲ ኣባላትን ዓንዲ-ሕቖን ናይታ ሽማግለ ክኾኑ።
  3. እዚ ውዳቤታት’ዚ በብቑሩብ ኣብ ካልኦት ከተማታት ከምዝተኣታቶ ብምግባር፣ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝምዕብል ብምግባር፣ ሓያል ናይ ተቓውሞ ማዕበል ከም ዝፍጠር ምግባር … ዝብል ኢዩ።

ብኸምዚ ከኣ እቲ ፍኑው ዝነበረ ተቓውሞ፣ ንጹር ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ።

 

ዘይብሱል ኣተሓሕዛ ተቓወምቲ

ምስዚ ኩሉ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ሕሱር ሽርሕታት ህግደፍን፣ ማዕረ-ማዕሪኡ ዝኸይድ ዝነበረ ጻዕርታትን፣ ኣብ ውሽጢ ትቓወምቲ’ውን ጸገማት ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ገለ ክብኡ፦ ከባቢ 40 ሰብ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣኼባ ዝተመርጹ ሰባት፣ ድሒሮም ኣብ ናይ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ሰባት ኣኼባ፣ ካብ ሓላፍነቶም ክእለዩ ተዓዚብና። እዚኣቶም ከም መላግቦ ናይ ኣብ ክልቲኡ ሃይማኖት ዝርከቡ መንእሰያት ዝተመርጹ ስለ ዝነበሩ ከኣ ሃስያኡ ቀሊል ኣይነበረን። ቀጺሉ (ቀስ ኢሉ’ኳ እንተቐሃመ) “ኣብ ኣኼባታት ህግደፍ ከድካ ምህዋኽ፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ምግባር ኣየድልን’ዩ፣ ንሕና ናትና ንግበር ንሳቶም ናቶም ይግበሩ፣ ንዒቕና ንግደፍም።” ወዘተ ዝብል ዝምባሌታት ተቐልቂሉ።

 

በዚ ድማ ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ዝተወከሉ መንእሰያት ሓቢሮም፣ ብደረጃ ከተማ በርሚንግሃም ሓደ ሓያል ውዳቤ ክፈጥሩ ዝነበረና ባህጊ ተደናጒዩ። ሕጂ’ውን ጥርናፌኦም ደስ ብዝበሎም መንገዲ ክገብርዎ፣ ናይ ማሕበሮም ናጽነት ዓቂቦም ኣብ ምቛም እታ ናይ ሓባር ሽማግለ ክሳተፉን ክተሓባበሩን ተሓቲቶም። ኣብዚ’ውን ካልእ ዘጉሂ ዘለፋታት ስዒቡ። ብፍላይ ነቶም ነቲ ናይ ምውህሃድ ጻዕሪ ዘካየዱ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ፈሊኻ “ህግደፍ ዝለኣኾም ኢዮም” ዝብል ዘርባ ክጋዋሕ ጀሚሩ። ብዓቢኡ ድማ “ዓበይቲ ኣየድልዩናን’ዮም፣ ተጋደልቲ ኣይመኻይድናን’ዮም“ ዝብል ዘረባ’ውን ልዕሊ ዓቕሙ ተንጀባሪሩ።

 

እዚ ኣተሓሳስባታት’ዚ ካብቲ ህግደፍ ኣቐዲሙ ዝተጋደለን ዘይተጋደለን፣ ዋርሳይን ይከኣሎን፣ ናይ ወጋሕታን ናይ ቅድምን እናበለ ዝገብሮ ዝነበረ ምፍልላይ ዝሓደጎ በሰላ ይመስል። ዝኾነ መበገሲ ይሃልዎ፣ ምስቲ ጽባሕ ክህልወና እንደልዮ ንኹሉ ዘሳትፍ ስርዓት ስለ ዘይከይድ፣ ንኹሎም’ቶም ብቕንዕና ዝቃለሱ ዘለዉ ኣሕዋት “ንከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያታትን ዝምባሌታትን – ከይኣለኹምን ከይሓጸብኩምን፣ ኩሉ እትገብርዎ ጻዕርን ድኻምን ውጽኢት ክህልዎ ኣይኮነን” እብሎም።

 

ኣምባሳደር ገራህቱ ነቲ ህግደፍ ንባዕሉ’ውን ዘሪጉዎ ኢዩ

ኣምባሳደር ገራህቱ ንስልጣን ጥራይ ዘይኮነ፣ ዓቢ ናይ ገንዘብ ስስዐ ከም ዘለዎ’ውን ካብዚ ናይ ዓዲ-እንግሊዝ ምንቅስቓሳቱ ተጋሂዱ ኣሎ። ንነዊሕ እዋን ውፉያት ኣባላት ህግደፍ ዝነበሩ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓዲ-እንግሊዝ ከም ዝብልዎ፣ ቅድሚ ገለ ዓመታት ህግደፍ፣ ኣብ ሎንደን ጥራይ፣ ከባቢ 600 ዝኾኑ ንጡፋት ኣባላት ከም ዝነበሩዎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ግን ቍጽሮም ናብ ከባቢ 60 ከም ዝወረደ፣ ሕጂ’ውን ዝያዳ የንቆልቁል ከም ዘሎ ይገልጹ። ገለ ካብዚኣቶም ናይ ብሓቂ ንፖለቲካ ህግደፍ ዝኣምንዎ፣ ክመሓየሸሎምን ክጽብቐሎምን ድማ ሃረር ዝብሉ፣ ንነዊሕ እዋን ብጉልበቶን ገንዘቦምን ዘገልገሉዎ ኢዮም። ነቲ (ከም ኩሎም ሰበ ስልጣን ህግደፍ) ወዲ ገራህቱ ዝደልዮ ናይ ገንዘብ ስርቅን ምጥፍፋእን ስቕ ኢሎም ዝርእዩ ግን ኣይኮኑን። ስለዚ በቶም ብኣፎም ሞጎስቲ፣ ግን ከኣ በሊዖም ዘብልዑ፣ ሰሪቖም ዘስርቑ፣ ልዕሊ ፖለቲካ ገንዘብ ዘገድሶም ሰባት ከም ዝተከኦም ኢዩ ዝስማዕ። ብውሑዱ ነቲ ንስሙ ዝገብርዎ ሓለፍቶም ናይ ምምራጽ ልምዲ ኣትሪፉ፣ ሎሚ ብቐጥታ ነቶም ሰሪቖም ዘስርቑ መጠፋፋእቲ ባዕሉ መሪጹ ኮፍ ኣቢሉሎም ኣሎ።

 

ካብ እሙናት ምንጭታት ዝመጸና ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ፣ ወዲ-ገራህቱ ንውሱናት ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ጠባያት ዘማላኡ ሰባት ሒዙ፣ ነቶም ዝበዝሑ ከም ዘጓነዮም ሰሚዕና። በዚ ከኣ ኢየ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል “ሻምብዮን ናይቲ በታኒ ፖሊሲ ኢዩ” ዝበልኩ። ኣብ ዘምኑ እነሆ ኤርትራውያን ሃይማኖትና ተበቲኑ፣ ምትሑቑቓፍና ተዘሪጉ፣ ብጎቦ ዓይንና እናተረኣኣና ንኸይድ ኣለና። ነቲ ውሑድ ቍጽርና ድማ መሊሱ ኣህሲሱዎ ኣሎ።

 

ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ ካብቲ ብዙሕ መምዘኒታት ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ነተን ክልተ ዓበይቲ፣ ማለት ህዝቢ ከም ዝበታተን ምግባርን በቶም ብቕንዕና ዝሰርሑ ኣባላት ህግደፍ ተጸላኢ ምዃንን፣ ኣማሊኡወን ኢዩ። ተመክሮ ሓጎስ ክሻ’ውን ዝጠቐሞ ኢዩ ዝመስል። ኣዒንቲ ወዲ-ገራህቱ ሕጂ፣ እንተኾይንሉ ንቦታ የማነ ማንኪ፣ እንተ-ተሓተ ድማ ወይ ናይ ሕቡራት ሃገራት (UN) ወይ ድማ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU) ወኪል መንግስቲ ህግደፍ ኮይኑ ንኽሰርሕ መዝነት ክወሃቦ ክጥምታ ኢየን። እቲ ብነዊሕ ጸላእቱ ዝሽትት የማነ ማንኪ፣ ንኢሰያስ ከእምን እንተ-ኽኢሉ ግን “ወኪል ህግደፍ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኮይኑ ኣሎ” ዝብል ዜና ክንሰምዕ ኢና።

 

ህግደፍ ይኹን ወዲ-ገራህቱ ከም ወኪሉ፣ ነዚ ኩሉ ምፍልላይ ከተኣታትዉ ከለዉ ዝተጠቕሙሉ ቀንዲ መጎስጎሲ፣ ኣውራጃዊ ስምዒታትን ፍልልያትን ምግዋሕ ኢዩ። እቲ ሓደ መቦቆልን ዘርእን ዘለዎ፣ ብሓንሳብ ተቓሊሱ ዝተዓወተ፣ ብደሙን ባህሉን ዝተወሃሃደ ህዝቢ፣ ድሌቱ- ባህግታቱንን ኣቃውማኡን ዝተፈላለየ ምዃኑ ከእምኑና ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን። ዋላ በቶም ኣብ ውሽጢ ተቓወምቲ ዝስዅዑዎም ልኡዃቶም ከይተረፈ። ካብኡ ናብኡ ድማ ነቲ “ኣከለጉዛይ” ዝብል ስም፣ ልዕሊ ግቡኡ ክመጥዎ ተራእዮም። ስለዚ ኣብ ቀጻሊ “ስለምንታይ ኣከለጉዛይ?” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዳህሳስ ምክያድ ኣገዳሲ እመስለኒ።

 

መደምደምታ፦

ኣብዚ ንኣምባሳደር ተስፋሚካአል ገራህቱ ከም ኣብነት ተጠቒመ ዝጸሓፍኩዎ ጽሑፍ፣ ቀንዲ ክሃርሞ ዝደለኹ ዕላማ፣ እቲ ንብዙሓትን ሓያላትን ሃገራውያን ኣሕቢሩ ዝቃለስ ዝነበረ ውድብ ህዝባዊ ግምባር፣ ቀስ እናበለ ብነብሰ-ፍትወትን ህርፋነ-ሹመትን ገንዘብን ዝተጠቕዑ፣ ግን ከኣ ንውልቀ-ሰብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘምልኹ ሰባት መአከቢ ዝኾነሉ መስርሕ ንምብራህ ኢዩ። ተጋ/ ተስፋሚካአል ገራህቱ ድማ ‘ንተመክሮ ናይ ብዙሓት ሎሚ ኣብ ስልጣን እንርእዮም ዘለና ሓለፍቲ ህግደፍ ይውክል ኢዩ’ ዝብል እምነት ስለ-ዘለኒ ኢዩ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ንእንታይነት ናይቲ ስርዓትን መሓዉራቱን ብልክዕ ንምግላጽ ስለ ዝሕግዝ ኢዩ። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ ከም መርኣያ ናይ ብዙሕ ባህርያት ህግደፍ ቀሪቡ ዘሎ።

 

ማዕሪኡ ክገልጾ ዝደሊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብገለ ሰባት ዝቐርብ ካብ ስነ-መጎት ዝወጸ ኣገላልጻ ገዲፍካ፣ ልዕሊ ኩሉቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ህዝቢ እቲ ዝሓሸ ባህላውን ማሕበረ-ቁጠባውን ምትእስሳር ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ንሓደ ወለዶ ምሉእ ንምክፍፋሉን ንምብትታኑን ዝተኻየደ ውዲት፣ ካብ ግዝያዊ ሓድሕድ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ሓሊፉ፣ ኣብ ዘየድሊ ባእስን ግርጭትን ከብጽሖ ኣይተራእየን። ህግደፍ በዚ ዘለዎ ክቕጽል ግዜ እንተ-ተዋሂቡዎ ግን፣ ኣብቲ ሓድሕድ ምትእምማኑ እና-ኣጉደለ ዝዓቢ ዘሎ ሓድሽ ወሎዶ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ብፍላይ እቶም ንህግደፍ ከም ስርዓት ሓንጊርኩሞ ትኸዱ ዘለኹም ኣሕዋት፣ ብዛዕባ ህዝብኹምን ሃገርኩምን እትሓስቡሉ እዋን ሕጂ ኢዩ። ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ምጽራግ ከድሊ ኢዩ።

 

እቲ ካልእ ተራ ህዝቢ ግን ብቐዳምነት ክርእዮን ክጥንቀቐሉን ዘለዎ ሕውነቱ ኢዩ። ህግደፍ ከም ኩሎም ስርዓታት ሓላፋይ ኢዩ። ነቲ ሓዲጉዎ ዝኸይድ ሕማም ግን፣ ድሕሪ ምኻዱ’ውን ከሳቕየና ከይነብር ካብ ሎሚ ክንሓስበሉን ክንጥንቀቐሉን ይግባእ። እዚ ከኣ ንሓደ ክፋል ናይ ህዝቢ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፣ ኩሉ’ቲ ህዝቢ ብሓባር ክሓስበሉን ክጽዕረሉን ዘለዎ ኢዩ።

 

ናይ ዓለምና ይኹን ናይ ገዛእ ርእስና ዝሓለፍናዮ ታሪኽ ከም ዘብርሆ፣ ገዛእቲ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝጥቀምሉ ቀንዲ መሳርሒ ሃይማኖት ኢዩ። ህግደፍ ድማ ሓደ ሃይማኖት ምስ ካልእ ሃይማኖት ምፍሕፋሕ ሃሊፉዎስ፣ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ኣትዩ ሰባት ክጎጃጅልን ከቀራሕንን ንርእዮ ኣለና። እዚ ድማ ነቲ ኣእዛንና ምስማዕ ዝሰልከዮ ናይ ኣውራጃን ወገንን ሽርሕታት ገዲፍካ ኢዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክህልው ከም ባህርያዊ ወሲድና፣ ሕውነትናን ምክብባርናን ግን ክዕቀብ ኣለዎ። ኣብ መጻወድያ ናይቶም ምእንቲ ፖለቲካዊ ረብሓታቶም ክብሉ ሓድነትና ዝዘርጉ ወገናት፣ ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ‘ፖለቲከኛታት ኢና’ በሃልቲ ከይንእቱ ክንጥንቀቕ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሽርሕታቶም ኣቐዲምና ክንዳለወሉ ይግባእ።

 

እቶም ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ብሸፋቱን ነጋዶ ደቂ-ሰብን እናተሳቐና፣ ደሃይና ክገብሩ ዘይደለዩ ኣምባሳደራት ህግደፍ፣ ነቲ ኩሉ ሽግርን መከራን ሰጊርና ዓዲ ሰብ ምስ ኣተና፣ ተመሊሶም ክፈላልዩናን ክብትኑናን ክነፍቅደሎም ኣይግባእን። እቲ ምስ ረሻይዳን በደዊንን ተሻሪኹ፣ ካብ መሸጣ ኣካላት ኤርትራውያን ኣሽሓት ዝኸስብ ዝነበረ ስርዓት፣ ሎሚ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ንኻልኣይ ግዜ ከታልለና ክፍቀደሉ የብሉን።

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Simon June 9, 2014

    What are these kebesa people
    We from keren all lowlanders
    We have to do our bussines ourselvs with
    Out kebesa. They are complicated people.
    In Eritrean lawlands we do not have this
    much complicated.
    We celebrate together religioues celebration.
    We grow up together Islams and christians in different ethnic groups, but ththese kebesa yhey are extreem concervative to each other.
    Plz Deki metahit we have to do our besseness ourselves there will never ever change with these people.
    Day in day out talking about rligion and
    tegion only.

    Simon

POST A COMMENT