Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓድ ሓደ ዝኽርታት፡ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)

ሓድ ሓደ ዝኽርታት፡ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) መእተዊ የማነ (ነብሱ ይምሓር) ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝድነቑን፡ ዝፍተዉን፡ ሙዚቀኛታትን፡ ኣርቲስትን እዩ ኔሩ። ስለዚ ሽሕኳ ካብ ዝዓርፍ ዕስራ ዓመታት፡ እንተሓለፈ፡ ከም ድሙቑን፡ ተፈታውን ከኾብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ፡ እዋናት፡ ብብዙሓት ኮኑ፡

ሓድ ሓደ ዝኽርታት፡ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)

መእተዊ

የማነ (ነብሱ ይምሓር) ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝድነቑን፡ ዝፍተዉን፡ ሙዚቀኛታትን፡ ኣርቲስትን እዩ ኔሩ። ስለዚ ሽሕኳ ካብ ዝዓርፍ ዕስራ ዓመታት፡ እንተሓለፈ፡ ከም ድሙቑን፡ ተፈታውን ከኾብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ፡ እዋናት፡ ብብዙሓት ኮኑ፡ ውሑዳት ሰባት፡ ክለዓልን ክዝከርን ንቡርን፡ ግቡእን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሃገራዊ ኣበርክቶኡን፡ ልዑል ሞያኡን፡ ኣብነትዊ ፍናኑን፡ “ነባርን ዘለኣለማውን” እዩ ኣንተተባህለ’ውን ኣጋንኖ ኣይኮነን።

 

ነዛ፡ ኣብ ታሕቲ ቀሪበያ ዘለኹ፡ ጽሕፍቲ፡ ቅድሚ ምግጣመይ፡ ንሓደሓደ፡ ዓበይትን፡ መናእሰይን ደቂ ተባዕትዮን፡ ደቂ ኣንስትዮን፡ ኤርትራውያን፡ ንየማነ፡ ብምንታይንንምንታይን፡ ከም ዝዝክርዎ ተወኪስ፡ ነይረ እየ። ገለ፡ ካብቲ ዝተዋህበኒ፡ መልስታት፡ ከም እተጸበኹዎ፡ ክኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ፡ ከም ዝነበረ ከብርህ እፈቱ። ገለ-ገለ፡ ካብቲ ዝተወፈየለይ፡ ተዘክሮታት፡ የማነ፡ “ኣርማ ፍቕሪ”፡ “ኣብነት ልግሲ”፡ “ኣቦ ድኻ”፡ “ኣያ ውጹዕ”፡ “ኣርሒቑ ጠማቲ”፡ ዓዱን፡ ህዝቡን፡ ዘይጠልም ጅግና፡ ብሃይማኖት ኮነ፡ ብኣውራጃውነት፡ ዘይሰድዕ፡ ብገንዘብን ሽመትን ድማ ዘይዕደግ”፡ በሃር፡ ኤርትራዊ ከም ዝነበረ እዩ፡ ዘረጋግጽ። ከምዚ ብምንባሩ፡ ገለገለ ተዘክሮታት፡ የማነ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ሕልናኻ ቅጅል፡ ክብሉኻን፤ ንሱ’ውን ከም ንኡስ ሓውኻ መጠን፡ እንተስ፡ ብሕልሚ፡ እንተስ፡ ብጋህዲ፡ ክቀላቐለካን፡ ከውግዓካን፡ ዘይንቡር ኣይኮነን። እዚ መሰረት፡ ብምግባር፡ ሓንቲ ካብተን፡ ክጠቕሳን ኣዝየ፡ ከስምረላን፡ ዝደሊ ተዘክሮ ናይ የማነ፣ እታ ሃገር ምሉእ፡ ዘወናወነትን፡ ዘሕነቕነቐትን፡ “ወደባት ዓደይ ይረእየኒ’ሎ” እትብል ደርፉ እያ። እዛ ከቢድ መልእኽቲ ዝሓዘለት ደርፊ እዚኣ፡ ልበይ ዝመሰጠትንን፡ ጎሊሓ እተራእየትንን፣ እነን፡ ብጸይተይን፡ ኣብ ሓደ፡ ኣውሮጳዊ ወደብ፡ እንሳፈፈሉ፡ ኣብ ዝነበርና እዋን እዩ።

 

እምበእርከስ፡ ክቡራት ኣሕዋትን፡ ኣሓትን፤ ሓድ ሓደ ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒስን ዘሎዋ፡ ተዘክሮታት፡ “ውልቃውን ስድራ ቤታውን ስምዒት” ዝገልጻ ምዃነን ተገንዚብኩም፡ ከም ውልቃውነተን ክትቅበሉወን ብምምሕጻን፣ ነተን ዝተረፋ ከኣ ብጽሞና፡ ኣንቢብኩም ርእይቶኹም ክትህቡለን ተስፋ እገብር። ብተወሳኺ ድማ፡ እንተድኣ ፍቓደኛታት ኮይንኩምስ፡ ኣብዛ ከምኒ “ተደሚርና”፡ “ናይ ዶብ ሽግር የብልናን” ወዘተ፡ ዝኣመሰሉ ኣደንጸውቲ ቃላትን፡ ሓረጋትን እንሰምዓላ፡ ዘለና፡ ወቕቲ፡ የማነ፡ ምሳና እንተዝነብርስ፡ እንታይ ኢሉ ኮን፡ መዝመረ? ካብ ዝብል ርእሲ ብምብጋስ፡ ርእይቶታኩምን/ክንን፡ እንተተካፍሉ(ላ)፡ ግዜኡ፡ ዝጠልቦ ሃገራዊ ኣበርክቶ ምኾነ እብል። በሉ/ላ፡ ሰናይ ንባብ!

 

ዝኽርታት የማነ፡ ገብረሚካኤል (ባርያ)

 

 

ሀ. ንስሓ፡ ዓቢ ሓው የማነ

ሎምቕነ ኣነን ብጸይተይን፡ ጉዳይ ነይራትና

ምስ፡ ብዙሓት ገያሾ ኣብ መርከብ ደየብና።

መዳቕሶናን፡ መፋትሕናን፡ ምስ ሓዝና

ጸሓይ ወጋሕታ ንምርኣይ ናብ ሰገነት ኣምራሕና።

ጽንሕ ቢልና፡ ኣብ ሓደ ወደብ በጻሕና

በሻሓትና፡ ካብ መርከብ ወረድና

ግሌና፡ ክንዕድግ መዘከርታ ጉዕዞና

ገሌና፡ ከኣ፡ ክንጽሎ፡ ጸሓይና።

ኣነ፡ ግን፡ ኣብ ኣእምሮይ፡ ዝተቕርጸት፡

“ወደባት፡ ዓደይ” ደርፍኻ እናስተማቐርኩ፡

ምስ’ዚ ናይ ሎምቅነ፡ ህቦብላዊ እማመ ሰላም እናኣነጻጸርኩ

ቁም-ነገር ናይዚ ወደብ፡ ክዕዘብ መረጽኩ

ኣብ ከቢድ ሓሳብ ከኣ ኣቶኹ፡ ጠሓልኩ።

 

ግናኸ እብታ ህሞት እቲእ ብሕልመይ ርእየካስ

ብኣትኩሮን፡ ኣስተንትኖን፡ ምሳኻ ኣውጋዕኩ።

ነቲ ናይ ቀደም ኩሉ እናዘከርኩ

ዝበልኩኻ፡ ዝበልካኒ፡

ዝሓዝናዮ ዝረምጠጥናዮ

ዝሰሓቕናዮ ዝበኸናዮ

ኩሉ ቁልጭ ኢሉ ተራእዩኒ።

 

እወ ተራእዩኒ፡ እቲ ትሕትናኻ ትዕግስትኻ

ልግስናኻ፡ ስፍሓት ልቦናኻ

ወዮ፡ ወይናይ ቀለምካ

ለይለይ “ጉብዝናኻ”

ጉራማይለ ስንኻ፡ ኹሑል ኣዒንትኻ።

ኮታ ኩሉ ንገብሮ ዝነበርና፡

ኩዕሶ፡ ክንጻወት፡ ካንቸሎና፡ ዓጺና

ምስ፡ ወዳእና፡ እቲ ዕዮ ገዛና

ጭዋዳታቱ፡ ዘማዕበለ፡ “ዓንተር ኣስመራ” ርኢና

ቀኒእና ከነዳብር ኣካላትና።

ብልጫ ክንቅበል ከካብ ቤት ትምህርትና

ክንክተል ኣሰር፡ ምሁር፡ ኣቦኻ፡ ኣቦና

መጻሕፍቲ ገዛና፡ እናገናጸልና፡

ፍልጠት ንኽንቀስም ከነርዊ ሽውሃትና

ክሳብ’ታ “ላለየ፡ ላለይካ”፡ እተባኣስና።

 

እወ፡ እዝክሮ ኩሉ

ክብለካ፡ መጻኢኻ ብሩህ’ዩ ትኩር ኢኻ

ኣኽብር፡ ምኽሪ፡ ወለድኻ

ምቑዛም ግደፍ ስምዓኒ በጃኻ

ኢለ ክመኽረኻ፡ ክገንሓካ

ደርፊ፡ ግደፍ ተመሃር ክብለካ።

 

እወ፡ ኣንጸርጸርኩ፡ ትዝ በለኒ፡

ርእይቶይ ምንጻግካ፡ ኣሕሪቑኒ

ድሓር ግን፡ ምብ ዓበኹ፡ ልቢ ምስ ሰዃዕኩ

ተራ ሙዚቃን፡ ሙዚቐኛን፡ ምስ መርመርኩ፡

ብትምህርቲ ቀለም ጥራይ ከምዘይንበር ተገንዘብኩ።

 

ፍልልይና፡ ፍልስፍናዊ ነጥበ-መቐይሮ ምዃኑ፡ ምስ ኣመንኩ

ጌጋይ ክእርም ተገደድኩ

ምስ፡ ተራኸብና’ውን፡ ይቕሬታ ሓተትኩ፡

ኣማን ብኣማን፡ ኣሰኒፍካኒ ከኣ በልኩ።

 

እወ ተዘከረኒ ብህጻንካ “የማን” ክንብለካ

ሓንሳብ፡ ምስ፡ የመንካ፡ ነይጸገምካ

ጽንሕ፡ ቢልካ ምስ ኮተትካ

ፍቕሪ፡ ሰካውትነት፡ ምስ ኣሕደርካ

ኣብ ሰነ-ጥበባዊ ማዕበል ምስ ጠሓልካ

መሊስካ፡ ዓምበብካ ማእከልካ።

 

ወደባት፡ ዓደይን፡ ህዝበይን ኢሉ ምስ ኣዝመረ፡

ካብ ስድራቤቱን፡ ደቁን፡ ህዝቡ ምስ ኣፍቀረ፡

መርገጺኡ፡ ብግብሪ፡ ምስ ኣነጸረ

የማናዊ፡ የማነ፡ ማእከለ ዓንበበ።

 

ለ. የማነ፡ “ባርያ” ዝብሉኻ ካልእ ሳጓዶ ስኢኖም?

ባርያ፡ ዝብል ሳጓ፡ ዝሃቡኻ

“መሕደር ሽሕ” እኳ ዘይብሉኻ

እንታ ገባር ሰናይ ኣቦ፡ ድኻ

ንገሊኦም ዑድ ትህቦም ገዚእካ

ንኻልኦት ትሰዶም ኣዐንጊልካ

ተካፍሎም ልብሲ ናይ ዝባንካ

ትናብዮም ወርሒ መጸ፡ እናኸፈልካ

መታን፡ ስኡናትን፡ ድኻታትን፡ ከይቖሩ፡

ማሚቖም፡ ክሓድሩ

ከይጭነቑ፡ ከይውጠሩ።

 

የማነ “ባርያ” ዝበሉኻ

ኣርከን፡ ብሄር፡ ማዓስ ውሒዱካ

“ሓበን ኤርትራ”ኸ ዘይብሉኻ

“ውፉይ ሃገራዊ” ዘይደግሙኻ

ተቓሊስካ፡ ኣቃሊስካ

እምቢ፡ ንባርነት፡ ሕራይ ንናጽነት ኢልካ

ኣብ መትከል ረጊጽካ

ከየንደልሃጽካ

ቃልካ፡ ከይዓጸፍካ።

 

“ባርያ” ኢሎም ዝጽውዕኻ

“ነቢይ” “ቅዱስ”ከ ዘይብሉኻ

“ኣቦ፡ ፍቕሪ፡ ኣቦ ስኒትከ፡ ዘይደግሙኻ።

“ወደባት፡ ዓደይ” ኢልካ ዘሚርካ፡ ግዒርካ፡ ነቢዕካ

ሰብ ከይለበመ፡ ብዛዕባ መጻኢ ኣተንቢህካ

መኺርካና፡ ዓፍራ፡ ከይንረግጽ፡ እምኒ፡ መሲሉና

ሰስኑ፡ ሕበሩ፡ ተዓረቑ፡ ኢልካና

መታን፡ ከይትውረር፡ እዛ ዓድና።

ሽመት ኣይትህረፉ፡ ህዝብኹም ናቢዩ፡ ደጊምካና

ሃብቲ ማለት፡ ምሃብ እምበር ምቕባል ከም ዘይኮነ’ውን ምሂርካና።

 

ሐ. ሓቃ እንድያ ህዝበይ ባርያይ ክትብለካ

ምኻንዃ፡ ሓቃ እንድያ ህዝበይ ባርያይ ክትብለካ

ብማእገር ስኡናት ፡ “ኣርማ ፍቕሪ”፡ “ኣብነት ልግሲ”

ዝኣመሰሉ፡ ቅጽላት፡ ክትገልጸካ፡

ምስ ተኣለኻ ምስ፡ ሰኣነትካ።

ንስኻስ ሃብካ’ምበር ነይወሰድካ፡

ተጋደልካ’ምበር፡ ነይሃደምካ

ከሓስካ’ምበር፡ መኣስ፡ ተኻሒስካ

ሸናዕ፡ ከይበልካላ፡ ኣስመራኻ

ከይሓምበስካሉ ባጽዕካ፡ ዓሰብካ

ተሃንጢኻ፡ ኼድኻ፡ ንኤርትራ ኣፍቂርካ

ሓቃ እንድያ ህዝበይ ባርያይ ክትብለካ

ከተፋንወካ፡ ብግርማ ብዓጀባ፡

ክትበኽየልካ፡ ኣብ ጎልጎል፡ ኣብ ዳሬባ

ታሪኽካ ኣስፊራ ኣብ መዓሙቕ ልባ።

 

መ. በል ሕጅስ ንኡስ ሓው

እንቋዕ  ጥራይ ተራኸብኩ ብመንፈስ ምሳኻ፡

እንቋዕ ከኣ ርኣኹዋ ብዓይኒ፡ ሕልመይ እታ ምስልኻ

ብሰቲ ኣርያም ተኸቢባ፡ ብመላእኽቲ ተዓጂባ

ሰላምን፡ ናጽነትን፡ ተመጊባ

ኣእዳዋ ዘርጊሓ፡ ተፈሲሃ።

ስለዚ ንስኻስ፡ ህያው ኢኻ፡ ንዘልኣለም ነባሪ

ዝብከዮምስ፡ ኣለው፡ እቶም ዝግረፉ ብጥሜት ብቑሪ።

በል የማነ፡ እንቛዕ’ሞ፡ ኣይጸናሕካ ክሳብ ሎሚ፡

መታን ከይትጉሂ በዚ ናይ ሎምቅነ፡ ዳንኬራ፡ መጽመም እዝኒ።

እምበኣር ንኡስ፡ ሓው፡ ኣብ መወዳእታ ዝብላ ኣላትኒ፡

በጃኻ፡ ስምዓኒ፡ ጽን በለኒ።

 

ሰ. ኤርትራ ልቢ፡ ምስ ሰቖረት

ሃገርና፡ ልቢ፡ ምስ ገበረት

ካብ ፍሑኽ ናብ ታተ፡ ምስ ሰገረት፡

ካብ ታሪኽን፡ ተመኩሮን፡ ምስ ተማህረት፡

ጌጋኣን ሽግራንውን ምስ ኣለለየት፡

ቀንዲ ሃብታ፡ ህዝባ ምዃኑ፡ ምስ ተረደአት፡

ካብ ኣደ ቅንፍዝ፡ ኣተሓቓቑፋ ደቃ ምስ ተማህረት፡

ናብ፡ ርትዓዊ ሰላም ገጻ፡ ምስ ኣቋመተት፡

ሽዑ’ዩ ዝደምቕ እቲ ሃገራዊ፡ ኣበርክቶኻ

ባናኡ ከሰፍሕዩ፡ እቲ ኮኾብካ።

 

እወ፡ ኤርትራ ካብ ጌጋኣ፡ ተማሂራ፡ ልቢ ምስ፡ ሰቖረት፡

ምስ፡ ተረድኣ ሳዕቤን፡ ምብትታን፡ ኣብ ሃገራዊ ዕብየት፡

መማህራንን፡ ትምህርትን፡ ምስ ረኸቡ፡ ዝግበኦም ክብረት።

ባጽዕን፡ ዓሰብን፡ ኣኽናፈን፡ (ዕፍሪተን) ዘርጊሔን፡ እምባሕ ምስ በላኻ

ሰባትን ኣቑሕትን፡ ክቕበላን፡ ክሰዳን፡ ምስ ረኤኻ

ሽዑ ኢኻ እትሕበን ብ“ወደባት ዓድኻ”

ሽዕ’ዩ ዝዕምር ብርሃን ናይ ኮኾብካ፡

ዝግለጽ፡ መርገጺኻ፡ ቁምነገርካ፡

ሽዑ ድማ እዩ፡ ዝትከል ሓወልትኻ።

በል ንሕጅስ፡ እዚ ይኣኽለካ

ደሓን ጽንሓና ክሳብ እንስዕበካ።

 

ዕድመ ንናጻነት ኤርትራን ህዝባን

 

ሓውኻ ዶር  ጠዓመ መብራህቱ

ካብ ብሪስቶል: ዓዲ እንግሊዝ

 

መስከረም 2018

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde September 11, 2018

    ‘AB KULU GOBTAT ,AB KULU SINCHIRO,FAH ZIBELE AETSIMTI NAY BELAHTI AEMURO,MESWAEETI JEGANU LOMI KINZIKRO…’ his iconic song,it still stirs the butterflies in my gut,sets the old patriotic senses on fire and brings those who has fallen back to life the way we knew them-young ,vibrant and full of life.My home has lost its flavor,its main ingredient,the recipe which was put together by my mother’s hand to be called home,that home I fought for and longed to come back too is irretrievably gone and took people like Yemane with it.Somebody seriously don’t like us Eritreans.

  • Hara September 11, 2018

    ናይ መቃብር ብጾተይ ብዓል መን ኮን ኢኩም
    ዘይመውት የለን ክላለ ምሳኩም,,,ትብል መዝምሩ ዓሚቅ ትርጉም ዘለዎ መስዋእቲ ኣሕዋተይን ኣብ ሓንቲ ጉድጋድ ምቅባሮም ፍጹም ካብ ልበይ ዘሃስስ ዝክሪ ዝገደፈለይን።2ቲ፡ዓይኒ ጅግና ብሓመድ ከይተቀብረ ኣዕዋፍ ሓልዎኦ ኣሞራ ከበልዖ፡ትብል ደጉዓ ኣብ ፈቀዶ በረካታት ኤርትራ
    ዝተሰዉኡ ኣሕዋተይ ከምዚ ሎሚ ኣይከሰርናን ከይተባህለ ከሎ ብዙሕ ብዙሕ ተብክየና ዝነበረትን ኣበይ ኮን ወዲቁ ይከውን ሓወይ/ሓፍተይ ኢልና ሓሞትን ሓቦን ዝመሎኦ ሓዘን ነሕልፎ ዚነበርና የዘክረኒ።

    • k.tewolde September 11, 2018

      ‘A’ETSIMTOM ARINA KULU BEBHADE, TESKAR KINGEBRELOM KEMTI ZITELEMDE, AHWAT NTEAAKEB MEAALTAT KEYKEDE..’ I hope Assenna plays the song during one of the daily radio broadcast as a tribute to Yemane and all those who has fallen for the nation.Love your post Hara.

  • Abrihumo April 30, 2019

    ንኢሳያስ ኣፍወርቂ ማንም ዝሕግዞ የልቦን ብዘይካ ኣብይ ሓመድን ለማ መገርሳን ናይ ኣምሓራ መራሕቲ ወጻእ። ሰለስተ ሰባት ዝገብርዎ የብሎምን። ጥንክሩዳኣ ንኽብንቀር ግበሩ ጥራይ።

  • HaHa May 30, 2019

    Wodebat Adey is taken from Atewe Birhan Segid.

  • Belay Mesfun Gemany August 10, 2019

    Dr.Taame

    You did the best Poem which rings in all real eritrean heads
    while its content bears all realities.of our icon martir Yemane.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply