Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ጸብጻብ ናይዚ ሎሚ ብኤርትራውያን ነበርቲ ሲያትል ዝተኻየደ ኣኼባ

ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ደገፍትን ዘይደፍትን ከይተብሃሃልና ሃገርና ንምድሓን ብሓድነት ይኣክል ኢሎም ። እዚ ካብ ነብስናን ንጀምር በብከተምኡ ንወደብ ብንቅሓት ይብሉ ተሳተፊ ። ህላወ ሃገር እንተ ድኣ ተዓቂቡ ኩሎም

ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ ደገፍትን ዘይደፍትን ከይተብሃሃልና ሃገርና ንምድሓን ብሓድነት ይኣክል ኢሎም ። እዚ ካብ ነብስናን ንጀምር በብከተምኡ ንወደብ ብንቅሓት ይብሉ ተሳተፊ ።

ህላወ ሃገር እንተ ድኣ ተዓቂቡ ኩሎም ውልቃዊ መሰላትና ክኽበሩ እዮም ፣ ሃይማኖታትናን ይኹን ካልእ መሰለትና ክዕቀብ እዩ ።

ብምትእኽኻና እንቆዕ ሓጎስና ፣ ጊዜኡ ኣኺሉ ስለዝኾነ ድማ ኣጆኹም ኣጆና ። ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ፋይናንሳዊ ደገፍ የድሊዮ ስልዝኾነ ኢደይ ኢድካ ንበል ኢሎም።

ኩሉ ምጥራናፋት ንምድራዕ ኣበይ ነይርካ ከይበልና ንትሓቖቖፍ ። ነዚ ዓቢ ጥርናፈ ክሕግዝ ተሳተፍቲ ሓሳብ ከፍስሱ ተዓዲሞም። ፣

በዚ ዓቢ ምትእኽኻብ ስለዝተሓጎሰ እዩ ህዝቢ ብሕንቅንቅን ነድርን ሓሳቡ ዘውሓዘላ መዓልቲ ኮይና ዒላ ። ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢላታት መንእሰያት ኣለውና መሪሕነት ክርከብዎ ድማ ተዓዲሞም ።

ኣብቲ ዕለት እቲ ካብ ዝተዋህቡ ሓሳባትን ርእይቶታትን ጉዳይ ምድንጋጽ ኢትዮፕያውያን ምስ ኢሰያስ ይርከቦም ።  ብፍላይ እቲ ተደጋጊሙ ዝልዓል ንኢሰያስ ጊዜ ሃብዎ ዝብል ኣሽካዕላል ኢትዮፕያዊ ርእይቶ እዩ ። ጸላኢና ብንጹር ንፈልጥ ኢና እዩ ክኽውን ዘለዎ መልሲ ኤርትራያን።

ኣብ መወዳእታ ፍርሒ ካብ ኩሉ ኤርትራዊ ክቕንጠጥ እውን ህዝቢ ስያትል ጸዊዑ። እቶም ክንመርሕ ንኽእል ንቅድሚት እቶም ብድሕሪት ነድምዕ ክኣ ብድሕሪት ኮይና ክንድርዕ ተማሕጺኖም ተሳተፍቲ ። ኣብቲ ዕለት እቲ ዝተፈላለየ መልእኽትታት ይኣክል ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝዓለመ መልእኽትታት ተመሓላሊፉ።ኢሰያስ ከም ህውኽ ዝብኢ ቀርኒ እዩ ነኺሱ ፣ ጭራ ነብሪ እዩ ሒዙ ዝርከብ ኢሎም ተሳተፍቲ ። መምለሲ እውን የብሉን ሕጂ። ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ብእኩብ ኣይንጠቃቃዕ ፣ ንሕብረትና ከየዳኽመልና ፣ ካብ ታሪኽ ክንማሃር ኣለና ድማ ኢሎም።

ሓንቲ ካብ እቶም ተሳተፍቲ ብ1991 ምስ ናጽነት ኤርትራ ዝተወልደት መንእሰይ እያ ኔራ ። ከምዚ ብምባል ክኣ ርእይቶኣ ጀሚራ ። ኣባና ኣብ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝወረደና ኣደራዕ ቀሊል ኣይኮነን ። ኮነ ኢልካ ተኾሊፍና ኢና ካብ ትምህርቲ ፣ ርጉእ ናብራን ፣ ውላድን ካልእ መሰረታዊ ድሌት ወዲ ሰብ ። ሕጂ እታ ገዝምና ዝኾነት ኤርትራና ከይትሞልቀና ንሻሞ ኢላ ንተሳተፍቲ ልቢ ዝተንከፍ ረዚን ርእይቶ ኣመሓላሊፋ ። ንምሃር ! ንምሃር !  ንምሃር ! ኢላ ንናይቲ ኣኼባ ምንፈስ ዝጥርንፍ ሓሳባት ኣቅሪባ ።

ብዛዕባ ቀጻሊ ምዕባለታትን ሓድሽ ሽማግለ እትመርጽ ኣምራጺት ሽማግለ (secretariat) ንምምራጽን  ኩልና ኤርትራውያን ተቐማጦ ሲያትልን ከባቢኣን ንዕድመኩም።

ዕለት ፣     ሰንበት ምያዝያ 21 ፡ 2019

ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ፣    ማሕበር ምትሕግጋዝ ስላሴ ኢስት ፕሩስ

Eritrean Community in Seattle and Vicinity

2402 E Spruce St, Seattle, WA 98122

ግዜ ፡   4 ድ.ቀ.

ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተሳታፍነት ንዓላማ ቃልስና ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ብምግንዛብ ፡  ግዜ ሂብኩም ንኽትሳተፍ ብትሕትና ንሓትት ።

ሓድነትና መሰረት ዕብየትና

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT