Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓጺር ጸብጽብ ልዝብ ኣባላት ኣኼባ ዓለምላኻዊ ተበግሶ

ዓለምላኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን (ብኣሕጽሮ ዓለምላኻዊ ተበግሶ) ብነሓሰ 27, 2016  ልዝብ ምስ ደገፍቱን ኣባላቱን ዕውት ጉባኤ ኣቓኒዑ። እቲ ጉባኤ ብመንገዲ ዕላል-የዕሩኽ (paltalk) ከምኡ'ውን ብናይ ስልኪ ዘተ (teleconference) እዩ ተቓኒዑ። ተጋባእቲ ካብ ኩሉ ኩርናዓት  እዩም

ዓለምላኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን (ብኣሕጽሮ ዓለምላኻዊ ተበግሶ) ብነሓሰ 27, 2016  ልዝብ ምስ ደገፍቱን ኣባላቱን ዕውት ጉባኤ ኣቓኒዑ።

እቲ ጉባኤ ብመንገዲ ዕላል-የዕሩኽ (paltalk) ከምኡ’ውን ብናይ ስልኪ ዘተ (teleconference) እዩ ተቓኒዑ። ተጋባእቲ ካብ ኩሉ ኩርናዓት  እዩም ተሳቲፎሞ። ንምጥቓስ ዝኣኽል ካብ ዴንማርክ፡ ስዊድን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፡ ሆላንድ፡ ብፍላይ ብዝሒ ተሳታፍነት ሃገረ እስራኤል ንኹሉ ተሳታፋይ ባህ ዘበለ እዩ ኔሩ። ተሳተፊቲ ድሕሪ ነብሶም ምልላዮም፡ ቀጺሉ ዝቐረበ ዛዕባ መእተዊ ብኣባላት ሓይሊ ዕማም ፕሮፊሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ ኣቶ ተወልደ ስእለ፡ ወ/ሮ ተኽኣ  ዮውሃንስ፡  ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን ብከምዚ ዝስዕብ ቀሪበ።

እቲ ዘይጸዓድ ልቢ ኤርትራዊ ከም ሓደ ኣካል ሰውነት ኮይኑ ሃገራውነት ጨንጒዑ፡ ዲሞክራሲ ከስተንፍስ፡ ዲሕሪ ከቢድ ዋጋ ኣሻሓት ስውኣት ከፊሉ። እንተኾነ ግን፡ ባህጉ ተመንጢሉ፡ ኣብ ክንዲ ዝሓሸ ሂወት፡ ሕልሙ ክጋሃደሉ ኣይካኣለን፡ ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰላትና ተቐንጢጡ፡ ሃገር ብሃገራ ኣብ ፍጹም ምልኪ ወዲቓ፡ “ከምቲ ኮሚሽን መርማሪ ዘቕርቦ ፣ህዝቢ ኤርትራ ብሕጊ ዘይኾነስ ብራዕዲ ይማሓደር ከም ዘሎ ኢዩ ጸብጻቡ ዘቕረበ”።  ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዒ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ገጽ መሬት ተራእዩ ኣይፈልጥን። ስለዚኮነ ድማ ሰብኣዊ መሰል፣ ቁጠባዊ ጽላት፣ማሕበራዊ ኩነታትና ተባሕጊጉ ሃገረ ኤርትራ ሕጊ ይኹን ቁዋም ኣልባ ኾይና ተሪፋ ኣላ።

ብመራሕቲ ካቴሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ? ሓብትካ ኣበይ ኣላ?” ክብሉ ጻዊዒቶም ቐሪቦምልና። ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ኣውያት ሲናይን፡ ቅዝፈት ሜዲተራኒያንን በጽቢጹና። እቲ ፍታሕ ድማ ንሕና ባዕልና ኤርትራውያን ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ነዚ ዕማም ድማ ኤርትራዊ ክዓስሎ ከም ዝኽእ ሰላማዊ ሰልፊ ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መላእ ዓለም ዝተካየደ ኣረጋጉጽልና ማዐንጣና ሸጥ ኣቢልና ድማ ተዓጢቕናሉ። ጉዳይ ሃገር “ኣነ እተዘይ ፈቲሔዮ መን ክፈትሓለይ፣ ሎሚ እንተዘይ ተዓጢቀ መዓስ እሞ ደኣ ክከውን”

እዚ ኩሉ ኣደራዕ ዘጋጥመና ዘሎ ሃገርና ንምድሓን ዝግበር ቃልሲ ዘውሃህድ፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነት ዘይምህላዉ ምዃኑ ስለዝኣመና፡ ዓቕምን  ጸጋታትናን ኣብ ወጻኢ ሃገራት  እንርከብ   ኤርትራውያን ኣብ ድሕነት ሃገርና ኽውዕል ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ስለዘለና ተበጊስና።

ነዚ ንምግባር ድማ ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ  መሪሕነት፣  ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ናይ መሰረታት (grass-root) ምንቅስቓስ ተጠርኒፍና ክንመርጾ ከምንኽእል ምሉእ እምነት ኣለና። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሙሉእ  ውክልና ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ንምምራጽ፣  ኩሉ ኤርትራዊ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ከባቢ፡ ጾታን ባህልን ከይፈለየ ከምዝሳተፍ ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።  እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ከተማታት፡ ሃገራትን ክፍለ-ዓለማትን ብግቡእ  ክካየድ ኣለዎ።

ቐጺሉ ዝቐረበ ዛዕባ ዓለምላኻዊ ተበግሶ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ከ በጽሔ እንታይ ከ ዓመመ ዝብል ካብቲ ኣቐዲሙ ናብ ህዝቢ ዝተዘርገሔ ሰለስተ ሰነዳት ምርኩስ ብምግባር (1) ህጹጹ ጻዊዒት፡ (2) መደብ ትግባረ ንድፊ (3) ጻዊዒት ደገፍ ንመራሕቲ ሰልፈታት መሰረት ጌሩ፡ ኣብ ሰለስተ ገጻት ዘልዎ ትሕዝቶ ከምዝ ዝስዐብ ቐረበ።

ቀዳማይ ገጽ ሓይሊ ዕማም። ኣብ ኣወዳድባ ጋንታታት ዓለምላኻዊ ተበግሶ (Functional Teams)፡ ሓይሊ ዕማም ስራሓቱ ተማቓቒሉ ክዓሞ መታን ዝተፍላለያ ጋንታት እዩ ኣቑሙ። (1) ጋንታ ጽሓፍቲ –  (2) ጋንጋ ጎስጓስን ውደባን  (3) ጋንታ ዜናን ሓበሬታን  (4) ጋንታ ገንዘብን  ስንቅን – (5) ጋንታ ህዝባዊ ርክባት – (6) ጋንታ  መጽናዕቲ – (7) ጋንታ ሕጋዊ ጉዳያት  ከም ኡ እውን (8) ጋንታ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን።

እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ። ጎስጓስን ሓበሬታን መደብ (Public awareness and dissemination of information) እዚ ዕማም እዚ ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን እንዳቐረብና ሓቤሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ተታሓሒዝናዮ ዘለና ጉዳይ እዩ። ጎኒ-ጎኒ እዚ ድማ፡ ምስ ካልኦት ምስዚ ጥርናፈ ዝመሳሰሉ ጥርናፈታት ርክባትን ልዝብን ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ሳልሳይ ገጽ ናይኩልና ዓቢ ስርሕ ዝሓትት ዘሎ ከባባዊ/ከተማዊ ውደባ (Ground mobilization) ንመራሕቲ ክንመርጽ ዘኽእል ምድላዋት እዩ።

እቲ ናይ መወዳእታ ዛዕባ ዝቐጸለ ሕቶን ሪኢቶን ካብ ተሳተፍቲ እዩ ኔሩ። ካብቲ ቡዙሕ ሕቶታት ዝቐረበ እዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ።

  1. ሕቶ፣ ካብቲ ናብ ህዝቢ ዝተላእከ ደገፍ ሕቶ መራሕቲ ሰልፍታት እዩ ኔሩ። ካብቶም መራሕቲ ክንደይ መሊሶም እንታይ ከ በሉ?

መልሲ፣ ዛጊት እቶም ዝበጻሕናዮም መራሕቲ መልሶም ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ ንኣባላቶም  ሱታፌኦም ከዕዝዙ ምኾኖም ቃል ኣትዮሙልና ኣለው። ገሊኦም ድማ ኣብ ናይ መሪሕነቶም ልዝብ ኣካይዶም ክምሉሱልና ሙኾኖም ቃል ኣትዮም ኣለው።

  1. ሕቶ፣ ኤርትራዊ በርጌሳዊ ማሕበራት ኣለዋ፣ ነዘን ማሕበራት ንምርካብ ዝገበርኹሞ ጻዕሪ ኣሎ’ዶ? ምስተን ኣቀዲመን ዝቖማ በርጌሳዊ ማሕበራት ዓለምላኻዊ ተበግሶ እንታይ እዩ ፉሉይነቱ?

መልሲ፣ (1) ዛጊት ቡዙሕ ርኽክብ ይግበር ኣሎ፣ ከም ኣብነት ምስ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዝርከብ “ናጻ ምንቅስቃስ ኤርትራዊያን ንዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ” ጻዊዕትና  ሰሚዖም ባዕላቶም ካብ ዝረኸቡና እዮም እቲ ልዝብና ምስኦም ክቕጽል እዩ። ኣብ ሃገረ ሆላንድ፣ ሽወደን፣ ዓባይ ብርጣንያ  ዝርከቡ ድማ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ስለዘለው ብዑቱብ ንከታተሎ ኣለና። (2) ዓለምላኻዊ ተበግሶ ፉሉዩነቱ ከምቲ ስሙ ዝሕቡሮ ኣብ ሓደ ቦታ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ኤርትራዊ  ሕጋዊ ውክልና ዘለዎ መራሕቲ ክመርጽ ዝጽዕር እዩ፣ ዕማሙ ድማ ሓንሳእ ዓለማዊ መሪሕነት ምስተመረጸ ስርሑ የብቅዕ።

  1. ሕቶ። ምስ መድረኽ እንታይ እዩ ፍልልይኩም፣ ዝምድንኡ ከ እንታይ እዩ?

መልሲ፣  ኣብ ክንዲ ፍልልያት  ኣብቲ ሓድ ዝገብረና ኣድሂብካ ምስራሕ ስለዝበልጽ። ክልቴና ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ሕግ ክነግስ እንጽዕር ወገናት እና፣ እዚ ድማ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዓቅምና፣ ሓይልና፣ ጻዕርታትና ነቲ ገባቲ፣ ኣግላሊ ዲክተታራዊ  ሃገር ብሃገራ ኣብሕሰም ተቲትዋ ዘሎ ስርዓት ብሓደ ክንገጥሞ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ሓደ ይገብረና። እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣባላቶም ነብሶም ወኪሎም ኣብ ዓለምላኻዊ ተበግሶ ክሳተፉ ይክእሉ፣ ዓለምላኻዊ ተበግሶ ድማ ንሰልፍታት ባይታ ዘጣጥሕ ኣካል ኽከውን ሙሉእ እምነት ኣሎና።

  1. ሕቶ፣ ኣብ ንህዝቢ ዝተላእኸ ጽሑፋት ኣባላት ሓይሊ ዕማም ዓለምላኻዊ ተበግሶ ኣብ ምርጫ ኽኣትው ኣየፍቕድን ይብል፡ ስለዚ (1) እዚ ውሳኔ ካብ ሓላፊነት ምህዳም’ዶ ኣይመስልን? (2) ብቅዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ከም ምኽሳር’ዶ ኣይመስልን?

መልሲ፣ እቲ ሓሳብ ሓይሊ ዕማም ዓለምላኻዊ ተበግሶ ስልጣን ናይ ምሓዝ ህቐና ከምዘይብሉ ንምንጻር፣ ኣብ ህዝቢ ድማ ጥርጣረ ከይፈጥር እሞ ተሳታፊነት ከይጎድል ብዝብል ሓሳብ እዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ፣ ድሓር ድማ ክሳብ ሓፋሽ ዝተበገሰ ቡዙሓት ኪኢላታት፣ ፈላጣት፣ በላሕቲ፣ ዓቕሚ ሰብ ከም ዘለዉ ድማ እምነት ኣሎና። እቲ ዋና ነገሩ ምትእምማት ተፈጢሩ፣ ሕልና እንተዓብዩ፡ መራሕቲ ይሳኣኑ ኣይንብልን። እቲ ካልእ ድማ ህዝቢ ባይቶታቱ ኣብ ዘቑመሉ እዋን ናቱ ሕጊ ክህልዎ ስለዝኾነ፣ እዚ ናትና መበገሲ ደኣ እምበር ቐያዲ ሕጊ እውን ኣይኾነን።

ዓለምላኻዊ ተበግሶ ሓይሊ ዕማም

31 August 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde September 2, 2016

    This grassroots approach for bringing a lasting solution to our current dire situation will go down as a turning point in Eritrean political history and there is a big possibility the future democratically elected Eritrean leader is going to be one of its pioneers.You got my vote.Don;t get distracted,keep your eye on the prize,like the Nike motto,’just do it.’ the genuine people will follow.You are the trailblazers Save our nation from extinction,God creates majestic cliffs at the same time,He carves trails to climb them.Our cause is just.Victory is inevitable. .

  • Zewoldi September 3, 2016

    Dear K.Tewolde,

    Thank you very much for your encouragement; hope yourself with people you know support the idea will join hand to make this thing to happen

    Zewoldi
    On behalf of GI

  • Desalegn Tella September 3, 2016

    ዕለት፥ 03/09/2016

    ኤርትራዉያን ኣብ ሰላማዊ ዝኾነ ለዉጢ ንእመን!

    ኣብ ዲሳፖራ ይኹን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ንነብር ኤርትራዉያን ብፍላይ ሙሁራት ኣብ ሰላማዊ ዝኾነ ለውጢ ክንኣምን ይግበኣና። ሃገርና ናጽነታ ካብ ትጎናጸፍ ንልዕሊ ርብዒ ክፍለዘመን ኣቕጺራ ትርከብ። ሃገርና ድሕሪ ናጽነት ትኽተሎ ዘላ ኣሰራርሓን ናይ ቁጠባ ይኹን ልምዓት ስትራተጂ ከምቲ ዝድለ ካብ ዘይ ሰጎመ ለውጢ ንኽንገብር ኩነታት ስለ ዘገድደና ኣብ ለውጢ ክንኣምንን ንለውጢ ክንሰርሕን ንግደድ ኢና። ስለዚ ኤርትራዉያን እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ መአረምታ ንገብረሉ ሓላፍነትና ጥራሕ ዘይኮነ ግዴታና ምኻኑ ኣሚና ኣጋጢሙ ንዘሎ ጸገማትን ድኽመታትን ኣለሊና መንግስቲ ንዝኽተሎ ዘሎ [ኣሰራርሓ] ለውጢ ንኽገብርን ከምኡዉን ኣብ [ሃገርን ሕብረተሰብናን ለውጢ] ንኽምጽእ ምትብባዕን ምሕጋዝን የድሊ። እዚ ክትግበር ምስ ዝድለ ኣብ ዲያስፖራ ንርከብ ኤርትራዊያን ከም ንህቢ ኣብ ሓደ ዓሲልና ምስ እንሰርሕ ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ይኹን ናይ ቁጠባ ስትራተጂን ኣብ መነባብሮ ህዝብና ርኡይ ልዉጢ ክረአ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ወጻእ ሃገር ንርከብ ኤርትራዊያን ብዛዕባ 2% ንዛራብ ንኸዉን እዚ ነገር እዚ ብመንግስቲ ደረጃ ይስራሓሉ እኳ እንተሃለዉ ኣብ ዲያስፖራ ንርከብ ኤርትራዊያን ሕጋዊ ዝኾነ ናይ ልምዓት ትካል መስሪትና 2% ዘይኮነስ ብዘይምግናን 5% ብምኽፋል ሃገርና ዘይንሃንጸሉን ዘይነልማዓሉን ናይ ሕብረተሰብና መነባብሮ ዘይንቕይረሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ።

    ንመልእኽተይ ብሕጽር ዝበለ ከቐምጦ ክፍትን እየ። ሰዓቢኡ ካብ ተውቓዋሚ እየ ዝብል ይኹን ደጋፊ ማለት ሽርሕን ጉርሕን ዘለዎም 15% ገዲፍካ ብግምጋም ልዕሊ 85% ከምዝኸዉን ኣይጠራጠርን።
    ኤርትራዉያን ኣብ ሓድነትና እናኣምንን ለዉጢ ኣብ መንግስታዊ ኣሰራርሓን ከምእዉን ለውጢ ኣብ ሕብረተሰብና ክመጽእ ወይ ክነግስ ምስ እንደሊ “ካብ ዝኾነ ጸግዒ ነጻ ዝኾነ ናይ ገዛእ ርእስና ድልዱል ማሕበር ብምምስራት” ብሰላማዊ መንግዲ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ቁጠባ ሃገር ብምዉሳእ ኣብ ሃገርና ርኡይ ዝኾነ ለውጢ ንምምጻእ እንተሰራሕና ይሓይሽ ዝብል ሪኢቶይን ማዕዳይን ክልግሰልኩም መሪጸ ኣለኹ።

Post a Reply to Desalegn Tella Cancel Reply