Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕልና ድዩ ውዳበ?

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ምዩቕ ዘይብል ዜጋ ጓህሪ እንዳተኣጉዶ ንፋስ ለውጢ ሓሸው ኣይተንበድብዶ መሽለጠ እንዳበለ ኣግሩ ካብኡ ኣይተግድዶ! ማዕበል ለውጢ ይሰራሰር ኣባይ ገጽካ ኣይተንጉዶ ኣማዕዳዊ ዜጋ እስከ ጸገምካ ኣግህዶ ተቓለስ ክብለካ ኮይኑኒ ኣሎ ንጋዶ።   ስራሕ!! ስራሕ!! ስራሕ!! ንደቆ!! ንዝሰመረ ቃልሲ ውጻእ!! ጎበዝ ተበገስ!! ይፈርስ ኣሎ ናሕሲ በዂርካ ኣይትውዓል ኣብ ጽምዋ ከም ፈላሲ ዓርኪ ጭቁን ህዝቢ ብጻይ ዘድልዮ ሕርሲ ጅግና

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ምዩቕ ዘይብል ዜጋ

ጓህሪ እንዳተኣጉዶ

ንፋስ ለውጢ ሓሸው

ኣይተንበድብዶ

መሽለጠ እንዳበለ ኣግሩ

ካብኡ ኣይተግድዶ!

ማዕበል ለውጢ ይሰራሰር

ኣባይ ገጽካ ኣይተንጉዶ

ኣማዕዳዊ ዜጋ

እስከ ጸገምካ ኣግህዶ

ተቓለስ ክብለካ

ኮይኑኒ ኣሎ ንጋዶ።

 

ስራሕ!! ስራሕ!! ስራሕ!!

ንደቆ!!

ንዝሰመረ ቃልሲ

ውጻእ!! ጎበዝ ተበገስ!!

ይፈርስ ኣሎ ናሕሲ

በዂርካ ኣይትውዓል

ኣብ ጽምዋ ከም ፈላሲ

ዓርኪ ጭቁን ህዝቢ

ብጻይ ዘድልዮ ሕርሲ

ጅግና ኣስሚሩካ

ሕጅስ የብልካን ባእሲ።

 

ጨብጣ እዛ መዓልቲ

ከይኮነት ከላ ለይቲ

ንዓ ውጻኣ ተቓለስ

ኣይትውዓል ኣብ በዓቲ።

 

ውዳበ!! ውዳበ!! ውዳበ!!

ኣድማዒ ውዳበ!!

ቃልሲ መዓስ ጸሚእዋ ውዳበ

ውዳበስ ክምሸጥ፡ ክቑነን ክስየም

ሕልና ንስራሕ ምስ ሰዓበ

ተስእ!! ተበገስ!! ሰሚዑ

እግረ- እግሩ ምስ ኣርከበ

ኣድማዒ ኣይከውንን

ስራሕ ከይተበራበረ

ለሚሱ ዝድቅስ ከንቱ

ንስራሕ ዘይተፈጥረ።

 

ሰማይ ዝሃገሩ በርቂ

ኣየብርሆን ንዓድና

ዓዲ ሃገር ዝነጎደ

ኣይዘንብን ኣብ ምድርና

በርቂ ሚሕ-ሚሕ ኢሉልክን

ዓልላ!! ቃንጥሻ መሬትና

ይንፍሓዂ ኣሎ ክትስእ

ውዳበ ዘቤትና

ሰማይ ዝሃገሩ ለውጢ

ኣትዩ ኣሎ ሕክምና።

 

ኣብ ዓራቱ ይግዕር

ንማዕዶ ኣለዎ ማዕዶ፡

ንዝጭበጥ ንዝብጻሕ

ይኾኖ ንጋዶ፡ ንጋዶ፡

ይውደብ፡ ይማናጨት፡ ይቛሰል

ነገሩ ከይበጽሐ ኣብ ፈራዶ

ገዝኡ ሓዊ ትነድድ

ይጠልብ ይጠብስ ኣርሕዶ፡

ሕልና ድዩ ውዳበ

ተረዲእካ፡ ኣሎ ዶ?

 

ጥዑም ኣይኮነን ታሪኹ

ስራሕ ኣልቦ ውዳበ

ኣሽሓት ደናጉላ ኣሕዋት

ኣብ ኣራእስ ዝዓለበ

ቅልቅል ንዝበለት ውድብ

በብታራ ዝደብደበ።

 

ታሪኽካ እዩ ጎበዝ

ናበይ ከተብሎ

ከይትፍጋእ ክትከላኸል

ዋላስ ንስራሕ ክትዓስሎ

ሜላ ድኣ ቐይረሉ

ግበር ኣስተብህሎ

ታሪኽ ተምሃረሉ

ሓዲሽ ቃልሲ ንደሎ

ምስማዕ እንተ ኣበኻ

ደናጉላ ተቐሪቡ ኣሎ።

 

ስራሕ ከም ስምረት ኣንብቦ

ንብኹሉ ብቕዓት ዘጣመረ

ስራሕ ከም ውዳበ ዘይትወስዶ

ብግዜን ቦታን ዝተቖርነ

ስራሕ ከም ፍታሕ ርኣዮ

መውስቦ ዘርኢ፡ ብግዜ ዘይተረሸነ

ንጌጋታት ኣልዩ

ንጉድለታት ዘምከነ

ስራሕ!! ጥራይ ስራሕ!!

ውደባስ ይጽንሓልካ ለንቅነ።

 

ጎበዝ ስደተኛ

ኣብ ዘይርከብ ሰፊሩ

ገዲም ስደተኛ

ኣብ ዘይብጻሕ ሓዂሩ

ሕልንኡ ተሸሪባ

የናድያ ብቐትሩ

ጉዳም!! ራዕዲ ፍርሒ

ኣብ ቀልቡ ሓዲሩ

ንዘላቶ ሓሞት

በታቲኹ ሰባቢሩ

ንዝሓስቦን ንዝገብሮን

ከምዘይሓልፍ ተቖጻጺሩ።

 

ፈራሕ ዓዲ ውዕል

ዓሰርተ ዝበትሩ

ተዛራቢ ኣቕሓ

ብወረ ማዕጒሩ

መልሓሱ ዘይትደክም

ይልፍልፍ ክሳብ ዓንቀሩ

መካኒኮ ቃላት

ከምዚ ዘይትፈጥሩ።

 

ኣሓቱ እንዳተሓርዳ

ከምቲ ዘይትገብሩ

ክናብ!! ሰነፍ ብዕራይ

ሕሩስ ክሕረሰሉ

ጎበዝ ምዕራብ፡ ንዓይነይ!!

ኣብ ውሻጠ ምዓሉ።

ሕልና ድዩ ውዳበ

ነየናይ እየ ከላግበሉ?

 

ራህዋ ኣሎ ይብለኒ

ርሑቕ ዝሰፈሩ

ዓድኹም ቅበጽዋ

ስግር ዶብ ማእርሩ

ራእይ ዓመጸኛ

በየን እዩ ሃገሩ?

ዓቕሉ ጸቢብዎ

ኣብ ዝኸዶ ተሳዒሩ

ፍርሒ ተዓዛቢ

ንራዕዲ ኣባህሪሩ።

 

ድሮ ነጻነት ኮይኑ

ዑፍ ኤርትራ ብረሪ

ታሪኽ ንድሕሪት እዩ

ንቕድሚት ተወርወሪ

ሓባሪ ሓደ ክልተ ምዃኑ

ትምህርቲ ጻጸ ምድሪ

ቃልሲ ክኢላቶ

ስመር ሩም ስመሪ

ስራሕ ትማሊ ጣዕሳ

ናይ ጽባሕ ግበሪ

ሽግራት ክፍትሑ

ኣብ ሎሚ ንበሪ።

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

03.12.13

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Weldit March 13, 2013

    Dear Assenna,

    Could you please remove the pop up messages? Everytime you display these messages, I can’t access the website on my smart phone, it covers the entire smart phone screan and it doesn’t even allow you to close it.

    Regards,

POST A COMMENT