Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕማምና እንተፈሊጥናዮ መድሃኒትና ድሉው’ዩ

    ብ4 ጥሪ 2016, “ኤርትራ ንብዓታ ዝደርዘላን ዝእብዳን ውላድ ትደሊ’ላ” ዝብል ጽሑፍ ምስቀረብ፡ ሓው ሳይሞን ገ. (Simon G.) ደጋፊ ህግደፍ መን ምዃኑ እኹል መረዳእታ ከምዘየለን ቀንዲ ጠንቂ መንሽሮ ጸገማትና እንታይ ምዃኑን ዝሕብር ዓንቀጽ ክቀርብ

    ብ4 ጥሪ 2016, “ኤርትራ ንብዓታ ዝደርዘላን ዝእብዳን ውላድ ትደሊ’ላ” ዝብል ጽሑፍ ምስቀረብ፡ ሓው ሳይሞን ገ. (Simon G.) ደጋፊ ህግደፍ መን ምዃኑ እኹል መረዳእታ ከምዘየለን ቀንዲ ጠንቂ መንሽሮ ጸገማትና እንታይ ምዃኑን ዝሕብር ዓንቀጽ ክቀርብ ተማሕጺኑ ነይሩ። ነቲ ሳይሞን ዝሓተቶ ኣርእስቲ ንምብራህ እቲ ሓው ኣሕመድ ዝሃቦ መግለጺ ማለት ጸላኢ ህዝብና ብቀንዱ ህግደፍን ሜላታቱን ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ሓድነት ስለዘይብልና ምዃኑ እሰማማዕ። ይኹን እምበር፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ መደናገርን ሰንካምን ሜላታት፡ ተደናጊሮምን ገለ ድማ ደይመደይ ኢሎም ንልሳን ህግደፍ ዝደግሙን ኤርትራውያን ስለዘለዉ፡ መን’ዩ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ጠንቂ ጸገማትና እንታይ ምዃኑን ግቡእ መረዳእታ ስለዘየለ ሓደ ኣበር መናውሒ ሕስምና ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ስለዚ ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ እርእስቲ ዝያዳ መብርሂ ምሃብ መፍትሒ ጸገማትና ንምልላይ ሓጋዚ እመስለኒ። ከም ንፈልጦ ሓደ ጓይላ ክዕምርን ተላሃይቲ ከሰራስርን እንተኾይኑ፡ እቶም ገበርትን ሓደግትን ሰብ ውራይ ጥራይ ኣይኮኑን ክዋስኡ ዘለዎም። ነቲ ጓይላ ዘማዕርጉን ዘድምቁን ብዙሓት ኣካላት ክዋስኡ ኣለዎም። ኣባ ጓይላ፡ ሃረምቲ ከበሮ፡ እምብልታ፡ መሰንቆ፡ ክራር፡ ዋጣ፡ ጊታር፡ ኦርጋን፡ ሳዕሳዕቲ፡ ኣጣቃዕቲ፡ ዓለልቲ፡ ጨፈርቲ ዝኣመሰሉ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ክሕወስዎ ኣለዎም። ቅርጽን ኣሰራርሓን ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ዋላ’ኳ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ መሓውርን ሓንጎልን ህዝብና ብምቁጽጻር ምዕይ ከይብል ኣልሚስዎ እንተሎን ቀንዲ ጸላኢ እንተኾነን፡ ብዘይ’ቶም ኣብ ትሕቲ ሰኪዔቱ ከም ባልዕ ተጸፍዮም ዝሰርሑን መምርሒታቱ ዝትግብሩን ጉጀለታትን ወልቀሰባትን ግን ሓንቲ ለይቲ’ውን ኣይምሓደረን።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ህዝብና ንምጽናት፡ ንምስቃይን፡ ሓድነቱ ንምልሕላሕን ክስደድን ሰንካምን ኣዕናውን ሜላታት ይኽተል ስለዘሎ ቀዳማይ ተሓታቲ’ዩ። ካብ ድርኩኺት ቤት ጽሕፈትን መንበርን ኢሳያስ ክሳብ ከተማታት፡ ዞባታት፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ፡ ህግደፍ፡ ትካላት ጸጥታ፡ ፖሊስ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ስማውያን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝዝርጋሕ መርበባት ስለያን ምክትታልን ብሓላፍነት ደረጃ ንስርዓት ኢሳያስ ዓንዲ ሕቆ ኮይኖም ዘገልግልዎን ሕሰም ህዝብና ዘብኡሱን ካብቲ ስርዓት ሓለፋን ጉንዖን ዝምጠወሎም ስሱዓት ምስ ዓይኖም ዝዓወሩ ምስ እዝኖም ዝጸመሙ ንእምኒ ትንፋስ ኣለዎ ኢሎም ዝካትዑ ኤርትራውያን’ውን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ’ዮም። እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብን እዝግን ዝፈልጦም ኣውራ ደመኛታት ህዝብና ንምጥቃስ፡ ክፋል ርእሲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት የማነ ገብረኣብ፡ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቆልን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ሓጎስ ገብረሂወት ክኾኑ እንከለዉ፡ ኢደ እግሪ ኢሳያስ ድማ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ኮለኔል ስምኦን ገብረድንግል፡ ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደሃንስ፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስን ብሪጋደር ጀነራል ሓድሽ ኤፍረምን’ዮም።

ብዘይካ’ዞም ዝተጠቅሱ ብሰላሕታን ወግዓዊ መዝነት ዘይብሎምን ከምኡ’ውን ሓደራ ህዝቢ ጠሊሞምን ሞያዊ ሓላፍነቶም ደርብዮምን ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ስለያውን ጎስጓሳትን የማናይ ኢድ ኢሳያስ ኮይኖም ዝሰርሑ ሕማም መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣለዉ። ንሚኒስትሪ ፍትሒ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ወዮ ድኣ ኣብ ኤርትራ ቅዋም የለን እምበር፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ክነግስ፡ ሕግታትን መሰላትን ህዝቢ ክኸብር፡ እሱራት ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ ክጣበቅ ዝግብኦ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ጠለባት ህዝቢ ክምልስ ዝኣትዎ ምብጽዓ ብኣጽፋር ህግደፍ ስለዝተዓምጠረ ስም ሒዙ ተሪፉን ዝተደኽመሎም ሰነዳት ኣብ ከብሒ ኣቀሚጡ ኣብ ምሕላው ህንጻታት ተወሲኑን። ሚኒስተር ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም ድማ፡ ክሳብ ዘይትምሕር ሓለንጊ ኢሳያስ ትቅሽምዳን ዝዛሪ ዘሎ ደም ንጹሃት ኣበይ ኔርኪ ዝብላን፡ ለሓሲት ኣስካርባ ኢሳያስ ክትከውን መሪጻ። ስማዊ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ’ውን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውሓስ ናጽነትና ዝፈጸምኦ ጅግንነት ዝዕቅብን ነዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሕሰም መነባብሮ፡ ስደትን ካልእ ግህሰትን ዝሕለቅ፡ ኣብ ሃገራውን ህዝባውን በዓላትን ኣኼባታትን፡ ኣዋርቅ ምስላም፡ ምሕናን፡ ምስዕሳዕን ምጥቃዕን ከብ ባህሊ ወሲዱ ንህግደፍ ከደስት ከም ባህሊ ወሲዱ ይሰርሓሉ’ሎ። እዞም ኣብዚ ሰሙን’ዚ “መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣይፈጸመን፡ ኣብ ኤርትራ ምግህስ ሰብኣዊ መሰል የለን፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝሓልፍ ዝኾነ ኣህጉራዊ ውሳነ ተቃውሞኹም ኣርእዩ” ብምባል ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ስቃይ ክሽፍኑ ጻዕርታት ዝፍጽሙ ዘለዉ ኤርትራውያን’ውን ገበነኛታት’ዮም። እቶም ኣብ ዝዓመረ ጓይላ ህግደፍ ዘጣቅዑን ዝስዕስዑን ኤርትራውያን ግን፡ ብጉድለት ንቅሓትን ብግዝያዊ ጥቅሚ ዝተታለሉን ኣካል ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር፡ ኣብ ደምበ ጸላኣቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጽብጸቡ ኣይክእሉን’ዩም። ምስቶም ብዶላራት ዝጻፍዑ፡ ኣብ ዘብለጭልጭ ዘመናዊ ህንጻ ዝነብሩን “ህግደፍ ወይ ሞት” ኢሎም ዝሓንገዱ ፈተውቲ ነብሶም ስልጣንን ዘራኽብ ቀለቤት የብሎምን። ብርእይቶይ ህግደፍ ምስጸገቦም ዝድርበዩን ብጻዕሪ ምንቅስቃስ ደለይቲ ንለውጢ ናብ ውጹዕ ወገኖም ክምለሱ ዝኽእሉን’ዮም።

ሕመረት ጸገማትና፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝምክትን ዕድሚኡ ዘሕጸርን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስጡም ሓድነትን ምጽውዋርን ዘይምህላው፡ ቀዳምነታትናን እዋናዊ ጉዳያትናን ዘይምንጻር፡ ፍልልያትና ብዘተን ምጽውዋርን ክንፈትሕ ቅሩብነት ዘይምርኣይን ሕድገታት ዘይምግባርን ድኻምናን ጉድለትናን ገምጊምና እቅሬታ ዘይምሕታትን’ዩ። እዞም ዝተጠቅሱ ጉዳያት፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ስለዘለዉ ድማ፡ ኣብቲ ንስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ዝግበር ቃልሲ ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኖም ኣለዉ። ከም ሳዕቤኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ድኽመታት’ዚ መዝሚዙ፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ስምምዓት፡ ምትእምማንን ሓባራዊ ኣጠማምታን ንኸይምዕብል ብቀጥታን ብተዘዋዋርን መንገዲ ይሰርሓሉ’ሎ። ንኣብነት ነቶም ንፍትሕን ሓቅን ጠጠው ዝበሉን ተቃውሞ ዘርኣዩን ዜጋታትን ጉጅለታትን፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ “ጠላማት፡ ናይ ግዳም ዕሱባት፡ ዝምቡላትን ኣጠፋፋእትን’’ ዝብሉ ሓረጋት ብምጥማቕ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ቦታ ከምዘይረኽቡ ይገብሮም። ከም ሳዕቤኑ ኣሽሓት ኤርትራውያን ተስፋ ብምቁራጽን ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዘለዎም እምነት ስለዝማህመነን፡ ናይ እንታይ ገደሰና መርገጺ ብምሓዝ፡ ካብ ንጡፋት ንለውጢ ናብ ተዓዘብቲ ወይ ውን ናብ ደገፍቲ ህግደፍ ተቀይሮም። ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ከም ድሌቱ ክረግጸና፡ መንነትናን ክብርናን ከድፍረና፡ ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕሰም ክንቃላዕ፡ ኣደዳ ስደትን ሞትን ክንከውንን ድሕሪ ሰብና ክንተርፍን ክኢልና። ንምጥቅላል፡ ኣበርና፡ ድኻማትናን ቀዳምነታትናን እንተፈሊጥና፡ እንተሰሚርናን ህግደፍ ከደናግር ዕድል እንተኸሊእናዮን፡ እቲ ዘይክኣል’ውን ይከኣል’ዩ።

       ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (11 ጥሪ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • mm January 13, 2016

    The main enemy of Eritrea and Eritreans are those who are woking day and night, relentlessly, to serve the murderer in Asmera, to prolong the pain and suffering of our people. They, ,just as Isaias will be court-martialed and executed, side by side with him. Those of us living in Eritrea or in diaspora know who they are. In every village, in every city, in every country their crime is registered and etched in the memory of every citizen. Justice will prevail. We will AVENGE the blood of the innocent. Very,very soon. Starting from MENKAE and all those precious lives lost ever since. We will be defiant until the very end. United or not we will keep up the pressure in every corner of the world. AKER TALGA AKER GENDE.
    Thank you
    May god preserve and protect every Eritrean who is suffering in the underground dongeons of HEGDEF. May go give them the chance to see the day light.

  • abraha January 13, 2016

    ayewe tubk neru,,,humamna mkede,,,nice article,,,brother.

  • AHMED SALEH !!! January 13, 2016

    Tselal
    You showed courage to speak up as it is and to mention those crooked officials weakminded
    followers of Issays who need him to feed their ego that made them feel important figures .
    At this present Eritrean sociopolitical reality to create environment of people that think
    independently and rely on themselves requires complete collapse of HGDF government before Eritrea bring the birth of promising population .
    History taught us most governments with past experience from authoritarian rule showed difficulties to reconcile for common good . I think to start fresh the root cause of the
    problem should dug out eradicated and destroyed to pave way for different breed thinkers .

  • k.tewolde January 13, 2016

    Great article Blue,like I said before,let me put it in a concise way,we are our worst enemy.The tyrant has been using the same tactics he is using today for the last half a century.It doesn’t take a rocket scientist to figure this out.Blame no one but ourselves.This sandal wearing coward would not have survived a day in another hot spot of the world,instead we became a petri-dish that sustain the life of this fungus.In order to defeat him, we have to deny him the agar- us, all of us.

  • ogbai January 14, 2016

    Tselal wonderful article as usual, it is good to point out
    the main group of the crock bodies of the system. It is time to weed them out, and to eliminate them by any means right now. There is no need for more suffering any more. We just clear our house instead blaming and pointing fingers among each other. That is very shame itself on the other side of the coin. That we need a decisive action to stop the crime on our people over shadowed for many years. Is there any one listening out there with the right mind and soul please! Mama Eritrea is bleeding by its kittens.

  • Simon G. January 14, 2016

    Thanks for the nice article, ጽላል!
    I would add these to your list: People like Sophia T., Prof. Gideon, owners of Tesfa news & meskerem, some individuals who pretend to abandon HGDF while working as under cover, etc.. These are not ordinary citizens. They are the main tools to the evil HGDF aiding to wipe out Eritrean people. I wouldn’t consider them less than Gens. Filipos or A. Kassa. How about those people who ran the HGDF centers on every cities? How about those wealthy individuals who aid HGDF? We should name these creep. We should apply HGDF’s theory on these guys. We should keep the record and tell them that they will be accounted for.
    I also see that one of our (diaspora opposition) main weakness is we are still in FEAR of HGDF. This is very critical. FEAR is killing us. Lack of tolerance comes 2nd and the 3rd one (probably 1st) is ignorance. We are one of the most illiterate people on earth, while we believe that we are the smartest people, with very high confidence. This blocks us from learning.

  • BERIE January 15, 2016

    ኣየ ጽላል ክኣ ስም ሂብካያ ንነብስኻ፡ ህቦብላ ክንዲ ዝብሉኻ፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ደይ ንስኻን ከምዚ ከማኻን ናይ ምንነት ቅልውላው ዘለዎም ርግኣት ዝሓረሞምን ብገበን ተሓተቲን እዮም፡
    ብርዒ

    • k.tewolde January 16, 2016

      Berie,you must be one the few riffraff that chomps on the leftover bone thrown by the moribund regime.Talking about identity crisis, what planet are you form? you are the one who has mutated into something we can’t recognize from years of toxic HEGDEF’S feed.

      • AHMED SALEH !!! January 16, 2016

        If he preferred to live the life of lies and deceit , let him have it .
        People like him served Ethiopian occupation interest at the expense of
        Eritreans suffering back then and the same kind cowards choose to serve this oppressive authoritarian government . Life goes on and righteous
        will prevail at the end .

POST A COMMENT