Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕማምካ ክንዲ ምፍዋስ: መመኽኔታ ሃሰስ፡ ይትረፈና !

ንበይናኻ ምዝራብ ጽላለ እዩ፡ ምስ ነብስኻ ምዝራብ ግን ንበይንኻ ምዝራብ ማለት ኣይኮነን። ሰብ ምስ ነብሱ ብዕቆት ክዛረብ ከሎ እዩ ናብ ሓቂ ዝቐረብ። ኣብ ዓሚቝ ክትዕ ምስ ነብስኻ፡ ሓቂ እናፈለጥካ ተጻረርትኻ ከይሕጎሱ ኢልካ ስለህልኽ ምሕሳው፡ ወይ

ንበይናኻ ምዝራብ ጽላለ እዩ፡ ምስ ነብስኻ ምዝራብ ግን ንበይንኻ ምዝራብ ማለት ኣይኮነን። ሰብ ምስ ነብሱ ብዕቆት ክዛረብ ከሎ እዩ ናብ ሓቂ ዝቐረብ። ኣብ ዓሚቝ ክትዕ ምስ ነብስኻ፡ ሓቂ እናፈለጥካ ተጻረርትኻ ከይሕጎሱ ኢልካ ስለህልኽ ምሕሳው፡ ወይ ድማ፡ ሓቅነቱ ብዘየገድስ ቅኑዕነት መርገጺኻ ምውዕዋዕ ቦታ የብሉን። ምስ ነብሱ ናይ ብሓቂ ብዕምቆት ዝዛረብ ሰብ፡ ነብሱ ከታልል ኣይክእልን እዩ። ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝጎድለና ዘሎ ድማ እዚ ኩነት’ዚ እዩ። ምስ ነብስኻ ምዝራብ።

ሕጂ ከልዕሎ ደልየ ዘለኹ ኣርእስቲ ተረፍ ናይቲ ‘ልቢ ሳላ ዝገበርና ልቢ ወሲኽና’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘቕረብኩዎ ምስ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምኡ ‘ውን ተሳታፍነት ኣብ ቃልሲ ንለውጢ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ እዩ።

ኣብዚ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ፡ ነብሰይ ደሚርካ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ነቲ ብጥልመት ዝላደየ ህዝቢ ኤርትራ ራብዓይ ግዜ ጥልመት ከየጋጥሞ ስግኣት ከምዘልዎም ርዱእ እዩ። ምናልባት እቶም ፍሩያት ወለዶታት ጥልመት፡ ኣብ ኣርብዓታት (ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም) ኣብ ተመሳሳሊ መግዛእታዊ ኩነታት ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተን ክጓናጸፋ ከለዋ ህዝቢ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዕድል ተሓሪሙ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ንሓያለ ዓመታት ኣብ ሰንፈላል ምጽንሑ፡ እቲ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብምዕምጻጽ ኣብ መንጎ ኤርትራን ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ዝተገብረ ፈደራላዊ ጽምዶ፡ ኣብ ሱሳታት ብንጉስ ሃይለስላሰ ብሓይሊ ምፍራሱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ባኺኑ ምትራፉ እዩ።

ካብቲ ጓናዊ ጥልመታት ዝሓሰመ ከብድኻ ዝቐርጽ ክድዓት ግን፡ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ‘ናተይ’ ዝብሎ ዝነበረ ዓማጺ ኢሳያስን ጉጅሊኡን ዝተፈጸመ ጥልመት እዩ። ዝርዝር ናይቲ ኢሳይያስ ዝፈጸሞ ክድዓት ነዊሕ ‘ኳ እንተኾነ፡ ብሓጺሩ ግን፡ ምእንቲ ግበታ ስልጣን ክብል፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘመዝገቦ ዓወት ጨውዩ፡ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኤርትራ ዓምጺጹ፡ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ፍሽለትን ውድቀትን ኣምርሑ ንህዝብና ምብትታኑ፡ ንሃገርና ኤርትራ ድማ ኣብ ውድቀት ኣገምጊሙዋ ምህላዉ እዩ።  ክብደት ናይዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ውድቀትን ፍሽለትን ከኣ‘ዩ ንስግኣትናን ምጥርጣራትናን ዘዕብዮ። ኣባሓጎታትና፡ ኣቦታትና፡ ንሕና ብሪጋ ተጠሊምና ኢና ‘ሞ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ካብ ቀጻሊ ጥልመት ክድሕን ምእንቲ፡ ተጻውሮ ጥልመትን ክድዓትን ደው ከነብል ሓለፍነትናን ግቡእናን እዩ።

እቲ ስግኣት፡ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገበሮ፡ እዚ ብስም ህዝብን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብዘይሕልዉ ጉጅለታት ተጨውዩ ንዋያ ከይከውን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየገልግል፡ ብሕጊ ዘይቕየድ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ከይትከል፡ ዕብለላ ስልጣንን ዓመጽን ከይቅጽል፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ኮይኑ ከይነብር እዩ።

እቲ ስክፍታ ካብ ባዶ ዝብገስ ኣይኮነን፡ ዓበይቲ ምልክታት ኣለዎ። ነቶም ምልክታት ዝቕርም ዕቱብ፡ ውዱብን ረቂቕን ምንቅስቓስ ይኹን ኣካል ግን የለን። እተን ብመልክዕ ውድባት ተጠርኒፈን ዘለዋ ፖለቲካዊ መንቅስቓሳት ብብቕዓተን ኮነ ዘለወን ራእይ ድኹማት፡ እቲ ዝሰፍሐ ሓፋሽ ከኣ ‘እንታይ ገደሰኒ’ ወይ ከኣ ‘ምስ ሰለጠ የርክበሉ’ ብዝብሉ ዝተዓብለለ፡  ኣብ ከንዲ ኣወፋዪ ተጸባዪ ኴንካ፡ ካብ ተሳታፍነት ኣብ ቃልሲ ብምድሕርሓር፡ ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገርካን ህዝብኻን ተሓቢእካ ክትነብር ምህቃን ዝኣመሰሉ ባህርያት ዘሳሲ እዩ። ልእሙነትካ ተጎዝጕዝካ ምድቃስ ጠቕሚ ኳ እንተዘይብሉ፡ ካብ ዘይሓቖንካዮ ጸባ ጠስሚ ካብ ምጽባይ ግን ይሓይሽ። እቲ ዝኸፍአ፡ ዘይረብሑ መመኽኔታት ሃሰስ ኢልካ፡ ዝሃደምካሉ ጉዳይ መመሊሱ ምስ ሃደመካ፡ ተሓቢእካ ምሕማይን ምቍንጻብን እዩ። ንጉዳያት እንተዘይተሳቲፍካዮም፡ እንተበዅርካ፡ ድሌታትካን ድሌት ናይቲ ክትጣበቐሉ እንተድሊ ሕበረተሰብን ከምዝቦኵር ርዱእ እዩ።

እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብቶም ብውድብ ተጠርኒፍና ንንቀሳቀስ ኣለና ዝብሉ ዘተኮረ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ግዜ ብዛዕብኦም ተዛሪብና ኢና። ንኣበጋግሳኦምን ኣመዓባብላኦምን፡ ኣረኣእያኦምን ተወፋይነቶምን ንለውጢ፡ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብሉ ዘለዎም ቅሩብነትን ዓቕምን፡ ኣብ መትከላት ዲሞክራሲ ዘለዎም እምነትን ግብራዊ ኣስተዋጽኦን፡ ንስልጣን ዝህቡዎ ትርጉምን ኣቀራርባኦምን፡ ተገዛእነቶም ንህዝቢ ይኹን ናይ ምጽውዋር ክእለቶም ብዝምልከት በብግዚኡ ርእይቶና ኣቕሪብና ኢና። ኣብ ኩሎም’ዞም ዝተጠቕሱ ዓምድታት ዘርእዩዎ ገስጋስ ዘገምታዊ እዩ። ካብ ኩሎም እዞም ጉዳያት ውጽእ ኢሎም ብዘገምታኦም ዝረኣዩኻ ክልተ ኣሉታዊ ትዕዝብታት ኣለዉ። እቲ  ቀዳማይ፡ ማዕረ’ቲ ኩነታት ኤርትራ ዝጠልቦ ህጹጽነት ወኒ ለውጢ ዝስምዖም ዘይመስሉ ምዃኖም እዩ። ገሊኦምስ ወረ ተግባራቶም ከተስተብህለሉ ከለኻ፡ ከምቲ ቆልዓ ሌካ-ሌካኡ ቀልጢፋ ከይትውድኦ በቒቑ፡ ብጥንቃቐ ክልሕሳ ዝውዕል፡ ለውጢ ህሩግ ከይብሎም ነቲ ቃልሲ ዝከናኸኑዎ እዮም ዝመስሉ። ካብኡ ዝገደደ ድማ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ናጽነት፡ ኣብቲ ‘ጀብሃ-ሻዕብያ’ ዝብል ብዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ቀደም ዝበለየ ፖለቲካዊ ፍልልያት ተሰሚሮም፡ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብሉ ዘይከኣሉ ባእታታት ምህላዎም የተሓሳስበካ። ኣብዚ ኣብ ሻዕብያ ዝነበሩ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ከይተረፉ፡ ንግጉይ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ብምቅዋሞም ተሓይሮም ዝሳቐዩሉ፡ ገለ ‘ውን መስዋእቲ ከፊሎምሉ ዘለዉ እዋን፡ ፖለቲካ ጀብሃ ዝዝክር ኣእምሮ፡ ምስ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዓቢ ጋግ ዘለዎ እዩ። እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት ሕድሕድ ንመን ዘይጕሃዮ? ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ታሪኽ እዩ። ብድሕሪኡ ‘ውን ክንደይ ታሪኻት ሓሊፎም ኣለዉ። ኣብቲ ብ1998 ዝተኻየደ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰንከሉን ኣሕዋቶም ዝተሰውኡዎምን ኤርትራውያን ‘ኳ፡ መድረኾም ታሪኽ ኮይኑ፡ ናብታ ‘ጸላኢትና’ ኢሎም ዝተዋግኡዋ ኢትዮጵያ ይስደዱ ኣለዉ።

ኣብዚ መደረኽ’ዚ፡ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ይኹን ተጋድሎ ሓርነት ካብቲ ውድባዊ ኣተሓሳስባ ርሒቑ፡ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብል ኣለዎ። ብዙሓት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሕጂ ዘይኮነስ፡ ሽዑ ንሽዑ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ብህዝባዊ ግንባር ዝወረደ መጥቃዕቲ ብውዑዩ ኸሎ፡ ተወፋይነቶም ንዕላማ ብስራሕን ንግብርን ዘረጋገጹን ዝተሰውኡን ማእለያ የብሎምን። እተኾነ፡ ኣብተን ከም ወድባት ተቓውሞ ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ውድባት ኮነ ገለ ውልቀሰባት እቲ ናይ ቀደም ውድባዊ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ከምዘሎ ብዘይቃልዓለም ምጥቃሱ የድሊ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ‘ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እዞም ምልክታት እዚኣቶም በጨቕ ክብሉ ተራእዮም እዮም።  ብድሕሪኡ ገምጋም ጉባኤ ንምክያድ ዝፈተኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ‘ውን፡ ‘ነባሪ ሰዓርን፡ ነባሪ ተሳዓርን’ የለን ኢሎም፡ ነቲ ጉባኤ ከም ዓወት ናይታ ኣብ 1981 ብህዝባዊ ግንባር ‘ተሳዒራ’ ዝብሉዋ ጀብሃ፡ ከም ስዕረት ናይታ ቀደም ‘ስዒራ’ ዝብሉዋ ህዝባዊ ግንባር ኣምሲሎም ክዛረቡሉ ዝስምዑ ኣለዉ። ኢዶ! እንኳዕ ‘ኳ ኣብ ክልቲኡ ውዓልና እዩ ዘብል። ኩሉ ሳዕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ንዝኽሰት ፖለቲካዊ ፍልልያትን ምትዕብላልልን በዚ ናይ ሰዓርን ተሳዓርን ኣምራት ክትገልጾ ምፍታን፡ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ስምዒታዊ ምትህልላኽ እዩ ዘምርሕ። ሕድሕድ ምጽውዋር ሃገራውያን ካብ ምምዕባል ዘዐንቅጽ ዘይሃናጾ ኣቀራርባ ‘ውን እዩ።

እዚ መደረብታ ናይቲ ሎሚ ናይ ህግደፍ ጌጋታትን ድኻምን ክትጽብጽብ ከለኻ፡ ‘ንሕና ‘ኳ ኣብ 70ታት ዲሞክራስያዊት ከምዘይኮነት ንፈልጣ ኔርና ኢና፡ መስመርና እዩ ቅኑዕ ዝነበረ’ እናበሉ ናይ ቅድሚ ትማሊ ጽውጽዋይ ዘዕልሉኻ  እዩ። በጃኹም! ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ ዘሎ፡ ከመይ ጌርካ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳትፍ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣዋዲድካ፡ ነዚ ሕማም ቄኖ ኮይኑዎ ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ብምእላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምርግጋጽን ሕጋዊ ስርዓት ምትካልን እዩ።

ኩሉ ኤርትራዊ ብዝያዳ ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ፡ ከም ፖለቲካዊ ጽውጽዋይ ኣብ ዝርእዮ ፍልልያት ዝተመርኮሰ ቃልሲ፡ ክስጉምን ክዕወትን ኣይክእልን እዩ። እዞም ኣብ ሓደ ስጉምቲ ተዓዊትና ኢሎም ክጀሃሩ ዝደናደኑ ዘለዉ ድማ ኣብ ናይ ለውጢ ሃንቀውታ ክነብሩ እዮም። ብዘይህዝባዊ ተሳታፍነት ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየለ፡ ነቶም ጸናጽል ለውጢ ከይሰምዑ ዓሰርተታት ዓመታት ዘሕለፉ ኣሕዋትና ክነግሮም ኣየምሕረልናን እዩ።

እቲ ሽግር ብቐንዱ ግን፡ ናይቶም ሕዱር ኣረኣእያ ዘዕቆቡ ጥራይ ኣይኮነን። ኣቐዲምና ወስ ከምዘበልናዮ፡ ነቲ ረቂቕን ድሩዕን ዕርድታቶም ፈንጢስካ ተሳታፋይ ኣብ ክንዲ ምዃን፡ ምዃን እንተኣብዩካ ኸኣ፡ ብቑዕ ኣማራጺ ቃልሲ ኣብ ክንዲ ምጥያስ፡ ተዓዛባይ ኬንካ ምንባር ‘ዩ እቲ ኣውራ ጸገም ኮይኑ ዘሎ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ተሳቲፍካ፡ እኽሊ ወይ መንፊት ክሳብ ዘይኮንካ፡ ኤርትራን ህዝባን፡ ብቑዕ መራሒ ክትረክብ ‘ያ፡ ዝበለጸ ኩነታት ክገጥማ እዩ፡ ስልጣን ንህዝቢ ክርከብ እዩ፡ ኢልካ ብድቁስካ ምሕላም ኣጕል ትምኒት እዩ።  ብኣካል ተሳቲፍካን ተወፊኻን ንኩነታት ባዕልኻ ክሳብ ዘየጠዓዓምካዮ ውሕስነት ክትረክብ ኣይከኣልን’ዩ። ኣንጻር ጸላኢኻ ጥራይ ኣይኮንካን ትቃለስ፡ ኣብ ቃልሲ ‘ውን ቃልሲ ክህሉ ኣለዎ። እቲ ፍልልይ፡ ንጸላኢኻ ከተውድቖ ክትቃለሶ ከለኻ፡ ንብጻይካ ክትሃንጾ ምቅላስ ምዃኑ እዩ። በዚ መንጽር’ዚ ምስ ነብስኻ ከይተረፈ ‘ውን ትቃለስ ኢኻ። ብዝኾነ እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ዘይተሳታፍነት፡ እዚ ከይተፈለጠና ዝወዳእናዮ ምኽንያት፡ ጽልዋ ኣረጊት ፖለቲካ ዘለዎ፡ ረቂቕን ርኡይን ኣገባብ ምግላልን ምንጽጻልን እዩ።

እቲ ካልኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ክጸቕጠሉ ምዃነይ ከምዝኣመትኩዎ፡ ሓደ ኤርትራውያን ካብ ቃልሲ ንምኽዋል ከም ዕንቅፋት ተሳታፍነት ካብ እንጥቀመሎም ዕባራ ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ። ‘ጉባኤ ኣብ ጸላኢትና ኢትዮጵያ ብምክያዱ፡ ኣይተሳተፍናን ወይ ድማ ኣይንድግፎን ኢና፡ መደበር ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኣይቃለስን ኢና’ ዝብል ኣበሃህላ ብብዙሓት ይስማዕ እዩ።

ኢትዮጵያ መደበር ተቓውሞ ክትከውን ዘገደደ ግን ኩነታት እዩ። እንተደሊኻን እንተኽኢልካን ብወገን ሱዳን፡ ብየመን፡ ዋላ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይተረፈ ክትቃለስ ትኽእል ኢኻ። ቃልሲ ንለውጢ ‘ኮ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ‘ውን ተኻይዱ እዩ። እዞም ብውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተዘሪዖም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ህያው ኣብነት ናይቲ ፈተነ እዮም። ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ‘ሞ ይጽንሓልና፡ ኣብቲ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ቅድሚ ገዛና ዝካየድ ንስርዓት ህግደፍ ዝቃወም ሰልፍታት ዘየሳትፈና ምኽንያት ከ ደኣ ካርታ ኢትዮጵያ ኣብ ታቤላ ተለጢፉ ስለዝረኣናዮ ዲዩ?

ናብ ተመክሮ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ተመሊስና ታሪኽና እንተተወኪስና፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሃዋህው ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ንሱዳን ከም መበገሲ፡ መጸግዒ፡ እንሓንሳብ ድማ ከም መወሰኽታ ደጀኑ እናተተቕመ ተቓሊሱ’ዩ ኣብ ዓወት ዝበጽሐ። ሽዑ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝገሸ ጸላኢ እናሃለወና፡ ደጀንነት ህዝቢ ንምርካብ ቀሊል ነይሩ ክንሱ፡ ጸግዒ ጎረቤት ሃገር ክደሊ ግድን ምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ሕጂ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ከብዲ ዓዲ ዝቦቖለ ምዃኑ ንኣድላይነት ደገፍ ጎረቤት ዝያዳ ግድን ከምዝገብሮ ምርዳእ ኣየሸግርን እዩ።

ኢትዮጵያ መርገጺ እግሪ ተቓወምቲ ምፍቃዳ እምብኣር፡ ንህግደፍን ደገፍቱን ቅርጸት፡ ንህዝቢ ኤርትራን ደላዪ ሰናዩን ከም ዓቢ ዕድል እዩ ክቑጸር ዘለዎ። እቲ ሕቶ፡ ነቲ ዕድል ብኣድማዕነት ዶ ንጥቅመሉ ኣለና እዩ ክኸውን ዝግባእ። እምበር ከም መመኽኔታ ህድማ ካብ ቃልሲ ክንጥቀመሉ መልክዕ የብሉን።

ዝኾነት ጎረበት ሃገር ንማለቱ ባይታ ቃልሲ ኣይተፍቅደልካን እያ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን ከምኡ፡ ነዚ ዕድል’ዚ ንተቓወምቲ ኤርትራ ከፍቅደሎም ከሎ ረብሓን ምኽንያትን ኣለዎ።

እቲ ረብሓ ግን እንታይ እዩ?

እቶም ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያ ካባና ትደልዮም እያ ኢልና እንጠራጠረሎም ረብሓታት ኣብ ክልተ መቒልካ ክረኣዩ ይኽእሉ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝስርዑ፡ ዝተኸፋፈለት፡ ስኒት ዘይብላ ድኽምቲ ኤርትራ ከምእትህሉ ብምግባር፡ እንተ ዓሚጻ፡ ዓብሊላ፡ ወይ ብመንገዲ መጋበርያታታ ኣፍትያ፡ ንባድመ ከም እጀታኣ ከተትርፋ፡ ንወደብ ዓሰብ እንተሓመቐት ብነጻ ክትጥቀመላ፡ ብዓቢኡ ድማ ብኣኣ ዝዝወር ሳተላይት መንግስቲ ተኺላ ካብ ኤርትራ ባህ ዝበላ ረብሓታት ክትግፍጥ ዕላማ ኣለዋ ዝብል፡ ብውዲትን ዓመጽን ዝርአ ተጠርጣሪ ረብሓ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ጠሚርካ ዝርአ ረብሓ ኢትዮጵያ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተጻባኢ ስርዓት ህግደፍ ተወጊዱ፡ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስርዓት ኣምሳያኡ ተተኺሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቤቱ ሰላም ረኺቡ ኣብ ከባቢኡ ምስ ዘለዋ ሃገራት ብሰናይ ጉርብትናን ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታት እናተኻፈለ ዝነብረሉ ኩነታት ምፍጣር ዝሕመረቱ ከም ርትዓዊ ክርአ ዝከኣል ረብሓ እዩ።

እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጠቒስናዮ ዘለና ረብሓ፡ ብበለጽ ወይ ብዓመጽ ዝግለጽ እምበር ተራ ረብሓ ‘ውን ኣይኮነን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ንጉዳይ ባድመ ብዝምልከት ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝተዋህበ ብይን መንግስቱ ከምዝተቐበሎ፡ ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ በቲ ንቡር ንግዳዊ ኣገባብ ንኽልቲኡ ህዝብታት ብዘርብሕ መንገዲ ክትጥቀመለን ከምእትደሊ፡ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ስርዓት ኣብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ከምዝምርኮስ፡ ብዘየወላውል መንገዲ ኣብ ተደጋጋሚ ቃለመጠየቓት ገሊጹዎ እዩ። ካብዚ ንደሓር፡ ነዚ ቃል’ዚ ብዘየወላውል መንገዲ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሕቶ ኣብ ሕመቕን መንፍዓትን ኤርትራውያን እዩ ዝምርኮስ።

‘ከምኡ እንተዝኸውን ደኣ ስለምንታይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ምሕንጻጽ ዶባት ዘየፍቅድ፡ ንባድመ ናብ ንኤርትራ ዘየረክባ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ባድመ፡ ካብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ህግደፍ ዘለዋ ፖለቲካዊ ትርጉም ይዓቢ። ኣብዚ ግዜ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባድመ እንተኸደቶ ካብ ዝመጽኦ ፖለቲካዊ ክሳራ፡ ስርዓት ህግደፍ ባድመ እንተመጺኣቶ ዝረኽቦ ፖለቲካዊ ወይ ድማ ፕሮፖጋንዳዊ መኽሰብ ይዓቢ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝጠቐስናዮ ረብሓታት፡ ምስ ምውጋድን ቀጻልነትን ስርዓት ህግደፍ ብምትእስሳር ዘስዕቦ ሕቶ ‘ሎ። እቲ ስጉምቲ፡ ማለት ንባድመ ንስርዓት ህግደፍ ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ነቲ ስርዓት ዘዳኽም ዲዩ ዘሐይል? በረኣእያ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ባድመ ንህግደፍ ምሃብ ማለት ነቲ ክእለ ዘለዎ ስርዓት ትንፋስ ምሃብ እዩ።

ብዝኾነ፡ እቶም ኣብዚ ኤርትራ ብዓባያ እትበርሰሉ ዘላ እዋን ንባድመ ከም መመሳመሲ ተሳታፍነት ኣብ ቃልሲ ዝርእዩዋ ኤርትራውያን ኣሕዋት ክዝክሩዎ ዘለዎም ነገራት ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ባድመ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ብህዝባዊ ግንባር ንወያነ ሓርነት ትግራይ ተዋሂባ ስለዝነበረት፡ እታ ተዋጊእና ዘምጻእናያ ናጽነት ባድመ ኣብ ዘይብላ ኤርትራ እያ መጺኣ። ሕጂ ‘ውን ስርዓት ህግደፍ፡ ባድመ ዘይብላ ኤርትራ እዩ ዘማሓድር ዘሎ።  ወግሐ ጸብሐ ባድመ ስለዝበለ፡ ጨቢጡዋ ‘ሎ ማለት ኣይኮነን። ዓንገርር ባድመ ‘ውን ሓለፋ ሃገራውነት ዘልብሶ ኣይኮነን። በንጻሩ፡ እዚ ድሕሪ ኵናትን ውርደትን ዝተረኽበ ውሳኔ ባድመ፡ ብሰላምን ብሕግን ጥራይ፡ ብዘይውርደት፡ ክብጻሕ ይኽእል ስለዝነበረ፡ እቲ ስርዓት ካልእ ሓደጋን ዕንወትን ከየስዕብ መታን ተቐላጢፍካ ናይ ምእላዩ ወኒ እዩ ክሕይል ዝግብኦ።

ዘይፍትሓዊ ተጠቃምነት ወደባት ኤርትራ ይኹን ምምስራት ሳተላይት መንግስቲ ‘ውን ብህዝቢ ኤርትራ ቅቡል ስለዘይኮነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቀጻልነት ዘለዎ ረብሓ ከምጽኣሉ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ግን፡ ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ መንፍዓት ኤርትራውያን እዩ ዝምርኮስ። ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ተሳታፍነት እንተዕዚዝና፡ ንረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘቐድሙ ብቑዓት መራሕቲ እንተፍሪና፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ረብሓኦም ተቛዲሶም ብሰናይ ጉርብትና ዘይነብሩሉ ምኽንያት የለን። ብእንታይ ገደሰንን ስልክይናን፡ ዕቱብ ተሳታፍነት ኣብ ለውጥን ቃልስን ዕሽሽ እንተኢልና ግን፡  ከምዚ ሕጂ ኮይናቶ ዘላ መጻወቲ ዘይረብሑ ኮይና ካብ ምትራፍ ዘድሕና የልቦን።

ክልኦት ብሱል ይኹን ጥረ ዝዝርዘር ምኽንያት ዘይብሎም፡ ብሓፈሻ ‘ኢትዮጵያ ጸላኢትና’ያ ‘ሞ’ ብድፉኑ ናብኣ ገጽና ቁሊሕ ክንብል የብልናን ዝብሉ ስምዒታውያን ‘ውን ኣለዉ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ እቲ ደጀኑ ምስ ሱዳን ኣዳሪቱ፡ ከምኡ ‘ውን ወተሃደራዊ ስርሒታቱ ምስ ሓርነታዊ ምንቅስቃሳት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኢህወደግ ኣላፊኑ ውድቀት ስርዓት ደርግ ዘረጋገጸ፡ ምትሕብባር ምስ ኢትዮጵያ ውድቀቱ ከምዘቀላጥፈሉ ኣጸቢቑ ዝተገንዘበ ስርዓት ህግደፍ ዝኾስኮሶ እዩ። ዘመተ ቀይሕ ኮኾብ (ሻይድሻይ ወራር) ኣፍሺሉ ህላዊኡ ንምርግጋጽ ወይ ውን ብውድቀት ስርዓት ደርግ ናጽነት ኤርትራ ንምጭባጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንተጋድሎ ሓርነት ካብ ሜዳ ኤርትራ ንምጽራግ፡ ሓገዝ ኢትዮጵያውያን ዝሓተተን ዝተቐበለን ኢሳይያስ፡ ሕጂ ንሓገዝ ኢትዮጵያ ነውሪ ስለዝበሎ፡ ነቲ መጎተ በእምሮኦም ከየሕለፉ ነውሪ ዝብሉዎ ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ ክልተ ነጥብታት ክመራመሩ ኣለዎም። መጀምርያ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ምስቶም ናጽነት ኤርትራ ትማሊ ዘይተዋሕጠሎም፡ ሎሚ ‘ውን ዘይኣምኑሉ ቅንጅት ከይተረፈ ይተሓጋገዝ ምህላዉ እዩ። ብቐንዱ ግን፡ ነቲ ኣብ ቴለቪዥን ወግሐ ጸብሐ ‘ወያነ’ እናበለ ክዝልፎ ዝውዕል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኡ፡ ተምበርኪኹ ንዘተ ከምዝለመኖ እዩ ዝስማዕ። ‘ኣብ ፖለቲካ፡ ቀዋሚ ጸላእን ፈታውን የሎን’ ይብሃል’ዩ ‘ሞ፡ ናይ ህግደፍ ግን ምስናይ ውርደቱን ለኽበጣኡን ስለዝኾነ፡ ዝበተኸ ፖለቲካ እዩ። እቲ ምስ ኣባላት ካቢነኡን ባይቶኡን ጀነራላቱን ክላዘብ ዘይከኣለ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ በጺሑዎ ዘሎ መጻብቦ መወጻኦ ከምዘይብሉ ፈሊጡ’ዩ ከይፈተወ ኣብዚ ምርጫ’ዚ ወዲቑ፡ እምበር ናይ ዘተ ባህርይ የብሉን። ስለዚ ጸዋሪ ውርደቱን ውድቀቱን ባዕሉ እዩ። እቶም ዘደንግጹ ግን፡ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም መዐቀኒ ነውርን ቅኑዕነትን ዘይብሎም፡ ኣእምሮኦም ስኢኖም፡ ከምጽላሎት ኣብ ዝኣተዎ ህጉም ኣትዮም ኣብ ክንድኡ ዝግመዩ መሳኪን ደገፍቲ ህግደፍ እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝኸድካ ንኤርትራ ሼጥካያ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ዕድልን ነቲ ሓገዝን ብኸመይ ተጠቒምካሉ እዩ እቲ ቁምነገር ክኸውን ዘለዎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንጉዳያቱ ባዕሉ ክውስኖ ስለዘለዎ፡ ሰብ ንነብሱ እምበር ሃገር ክሸይጥ ዓቕሚ የብሉን። ምትእምማን ዘለዎ ኤርትራዊ ኸኣ በዚ ናይ ነውራማት ነውሪ ክስከፍን ክጠራጠርን ካብ ተሳታፍነት ኣብ ቃልሲ ክዕንቀጽን የብሉን።

ካልእ ከም ሳልሳይ ክጥቀስ ዝኽእል ማይ ዘይጠዓመ ሓድሽ ዕባራ ምኽንያት ዘይተሳታፍነት ከኣ፡ ‘ኤርትራ ኣህጉራዊ እገዳ ኣጋጢሙዋ ስለዘሎ፡ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣወንዚፍና፡ ናብቲ ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሓያላን ሃገራት ዝኣልማኦ ዘለዋ መቐጸልታ ናይቲ ታሪኻዊ ጥልመተን ዝኾነ ውዲትን ተጻብኦን ነተኵር’ ዝብል እዩ። እቲ ጻሕታሪ ነገር ባዕሉ ክንሱ፡ ሓንሳብ ትወሪረ፡ ሓንሳብ ተኣጊደ እናበለ ብፕሮፖጋንዳ ብምትላል ንህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ግዳይ ዝገብሮ ጠንቃም ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ንኵናት መህደሚ ካብ ትግባረ ቅዋምን ምትካል ሕጋዊ ስርዓትን ዝተጠቕመሉ፡ ንእገዳ ድማ ዓንቀጽ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክጥቀመሉ ምፍታኑ ዘገርም ኣይኮነን። ገለ ንነብሶም ከም ተቓወምቲ ዝቖጽሩዋ ወይ ጉልባብ ተቓወምቲ ዘለዎም ባእታት ነዚ ቃና’ዚ ክደግሙዎ ክትሰምዕ ከለኻ ግን መመኽኔታ ህድማ ካብ ተሳታፍነት ኣብ ቃልሲ ምዃኑ ኣይትስሕቶን።

ዲሞክራስያዊ ለውጥን ሰናይ መጻኢ ኤርትራን ዝብህግ ኤርትራዊ፡ ስርዓት ህግድፍ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብምእጋዱ ዘይኮነ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸረ ሰብኣውነት ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናትን ውልቀምልካዊ መግዛእቱን፡ ብዞባዊ ምኽንያታት ጥራይ ምእጋዱ እዩ ክቕየመሉ ዘለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ብቕሳነትን ሰላምን ንምንባር ዘለዎ መሰል፡ ማዕረ ካልኦት ህዝብታት ዘይምርኣዩ እዩ ከጕህየና ዝግባእ። ንስርዓት ህግደፍ ካብቲ ኣህጉራዊ ንላዕሊ ከእግዶ ዝግባእ ዘቤታዊ ምኽንያታት ኣለዎ። ኤርትራዊ ‘ውን ኮ ወዲ-ሰብ እዩ፡ ንብረት ህግደፍ ኣይኮነን። ‘ውሽጣዊ ጉዳይ’ ብዝብል ምስምስ ሰብኣውነቱ እናተጋህሰ ብዓለም ዕሽሽ ክብሃል ኣይነበሮን።

ይኹን’ምበር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም ከሎ ‘ውን ምስ ነብስና ክንዛረብ ይግባእ። ‘ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ክብረትና ኣብ ምዕቃብ ክተሓባበረናን ክድግፈናን ‘ሲ ንሕና ንባዕልና ኸ እንታይ ጌርና’ ክንብል ኣለና። ተወፋይነትና ንለውጢ ብቓልስን መስዋእትን ከየመስከርና፡ ዝርከብ ሓገዝን ምድንጋጽን የልቦን።

በዚ ኾነ በቲ፡ እቲ እገዳ ኣብ ዝባን ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዝዓረፈ፡ ከም መቀላጠፊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከም ብልጫ ክንጥቀመሉ፡ ተሳታፍነትና ኣብ ቃልሲ ንለውጢ ከነዕዝዝ’ዩ ዝግባእ።

ንኹሎም’ዞም ዕባራ ምኽንያታት ደሚርና ክንርእዮም ከለና እምብኣር፡ ካብ ዝኾነ ባዕዳዊ ወገን ንላዕሊ፡ ቀንዲ ጸላእትና ባዕልና ኢና። ሞራልና ጸንቂቕና፡ ናይ ቃልሲ ትህኪት ስለዘርኣና፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብሕሙሙ ‘እንታይ ገደሰኒ’ ዝብል ሕማም ስለዘጥረና፡ ለውጢ ይምጠጠና ‘ሎ። ተሳታፍነትና ኣብ ቃልሲ ክብ ክሳብ ዘይበለን ዘይበሰለን ከኣ፡ እንተስ ሰኣን ለውጢ እንተስ ብሰሪ ስንኩል ለውጢ ዕዳ ኣይክተርፈናን እዩ።

ርሑስ ብዓል ልደት ይግበረልኩም

ኣማኑኤል ኢያሱ

23 ታሕሳስ 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Daniel Tesfayohannes December 23, 2011

    1. ኣማኑኤል ከማኻ ዝበሉ ይብዝሑ፡፡ መብዛሕትና (ብዕድመ ልዕሊ 40) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመሃርና ኤርትራውያን’ሲ ዘይበሊ-ህልኽ ኣብ ልብና’ሎ፡፡ እዚ ህልኽ’ዚ ምስ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘይራኸብ ህልኽ’ዩ፡፡ ከም’ዚ ናይ መዛኑ መንእሰያት ወይ ድማ ደቂ ገዛውቲ ኣነዶ ንስኻ ነሕምቕ ዝዓይነቱ’ዩ፡፡ ንስኻን ከማኻ ዝበሉ መንእሰያት ግን፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲቲ ከይተመሃርኩም ብጻዕርኹም፡ ዓቐን ዘይብሉ ናይ ፕሮፓጋንዳ ማሕለኻታት በጣጢስኩም፡ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ’ዚ ዘሎ ዝተፈልየ ዲፕሎማሲ ከምዝግብኦ ዝሕብር ድምጽኹምን ርኢቶኹምን ናብ ህዝቢ ከተቕርቡ እንከለኹም ኣዝዩ ዓቢ ስጉምቲ ኢዩ። ነዚ ናትኩም ሓይሊ ዘይምብርከኽ ውድብ ይኹን ናይ ፖለቲካ ዝምባሌ ድማ ሂወት የብሉን…… ኣጆኹም ጥራይ!

  • Daniel Tesfayohannes December 23, 2011

    2. ብፍላይ ናይ ኣዋሳ ዋዕላ ከኣ ቅድሚ ኹሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ምክያዱ ጥራይ ኣብ መስርሕ ለውጥን-ዕርቅን ገዚፍ ግደ ኣበርኪቱ’ዩ። ናይ’ቲ ዝተገብረ ዋዕላ ውጽኢት ድማ ኣብ መስርሕ ለውጥን-ዕርቅን ኣዝዩ ንኡድ መሰረት ከምዘንጸፈ እዚ ጽሑፋካ ምስክር’ዩ። ጽሑፍካ ነቲ ጸገም ኣለልዩ ፍታሕ ዘናዲ ጻዕሪ ኢዩ። ደጊም ኣይዝረበሉን’ዩ ዝበሃል ኣርእስትን (taboo topics) ብዘተ ዘይፍታሕ ጸገምን የብልናን ማለት’ዩ። ካብ መኣዲ-ዘተ ምሕካል’ዩ እቲ ዓቢ ጸገም። ሃየ ደኣ ኣይትድከም ቀጸሎ ኢኻ። ርሑስ በዓል ልደትን ናይ ለውጢ ዓመትን ይግበረልና።

  • MEHRETU HABTE December 23, 2011

    ኣብዚ ናይ ኤርትራውያን ኮላሊት ምጥባሕ ይኹን፣ ኣብ ርእሲ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸም ናይ ግዱድ ርክበ ስጋ…ናይ ሻዕብያ/ሙዳዳ/ህግደፍ ኢድ እንተሃለዎ ኣይገርመንን ። ንኣካለ ስንኩላኑ ብጥይት ዝሓልብ፣ ንተምሃሮ ብዝተኸልከለ ኬሚካል ብኣይሮፕላን ዝጭፍጭፍ፣ ካብ ኣርባዕተ ደቃ ዝጠፍእዋ/”ዝተሰውኡዋ” ኣደ፣ እቲ ሓደ ጨና ክኾና ዝተረፈ ውላዳ፣ ሃገራዊ ጊልያነት ጸሊኡ ፣ እንተጠፍኤ፣ ወይ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ክትከፍል ወይ ክትስጀን ዝገብር ። ። ናይ ቀደም ሽፍታ ፣ ናይ ሎሚ ሽፍታ መንግስቲ፣ እንታይ ይገርም። ብካርነሽምን ድምበዛንን፣ ብቶርዓን ጸንዓ ድግለን ጸቢብ እምነት ፈላልዩ ዝበልዕ ሽፍታ እንታይ ይገርም። …continues

  • MEHRETU HABTE December 23, 2011

    ዝገርም ፣ ንሕና ህዝቢ ማዕረ ኽንደይ worse than retarded cows ምዃንና፣ ኤርትራውነትና ድማ ኣብ ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝተመስረተ ዘይኮነስ ኣብ ጽልኢ ኢትዮጵያውያንን ሓድሕድናን ምዃኑ እዩ። ብድንቁርናና ተወሳኺ ብዙሕ ከምንሳቐ ኣይትጠራጠሩ ። ትምኒተይ ኣይኮነን፣ እምነተይ ፣ መንነትና ፈሊጥና ብፍቕሪ ፣ ከምህዝቢ ክንዛነ እዩ። እታ ኤርትራ ግን እንተደሊኹም ምስ ሲንጋፖር ሓውስዋ፣ እንተደሊኹም ንቃጣር ሽጥዋ፣ ኣነ ናይ ህዝበይ ኢዩ ዝዓጅበኒ !!!

  • MEHRETU HABTE December 24, 2011

    ምሕረቱ ሃብተ
    “ሞት ገረገረ ናብ ገስገስቲ እኳ ተሳገረ ”

    ኣይትሓዙኒ ካብ ቅድመይ ተኣለዩ
    ኡይ ክብልየ ጸጕረይ ተላጽዩ
    ንብዓተይ ከም ውሕጅ ብናህሪ ተኻዕዩ
    ይርኣየካ ካብ ኣስመራ ኣማዕድዩ
    ቀውዒ ዓረብ ኣፍሪቃ ተራእዩ
    ንበሽር ኣል ኣሳድ ብናዕቢ ኣጃጅዩ
    ሙባረክ ኣብ ካርሸሊ ደርብዩ
    ብሞት ባባ ጋዳፊ ኣጽሕዩ
    Kim Jong Il እኳ ትሕቲ መሬት ኣትዩ
    ንታሕቲ ከይወርድ ኤርትራውያን ጸልዩ
    ብማዕቀብ ኣምሲሎም ንባባ ኢሳያስና ከይሃስዩ
    ንዘኽታም ኣደን ንመንእሰይ ወዲ ሃገርን ከየጕህዩ
    “ገስገስቲ” መራሕቲ ዘይእዋኖም ዶ መጺኡ !!!!!

    ኤይ ኤይ ኤይ midispiace ብቛንቋ ጥልያን ዶ ክበኽየልኩም….ኤይ ኤይ ኤይ
    mejor que llore en español,
    Kiswahili pia ,Mungu yangu…….

  • mekonen December 24, 2011

    A very true and genuine article . Thank you Aman for all your effort and struggle for justice .Have you a wonderful marry Christmas and happy new year.

  • selamnegash32@yahoo.com December 24, 2011

    ምሕረቱ፣ ኣምላኽ ድኣ ምሕረቱ የውርደልና እምበር ሕማም ወከ-ዛግር ገና ይደግሰና ኣሎ። እንተ ህግደፍ ዝልክሞ የቕልሎ’ምበር ናብ ሲኦል ክወርድ ዝተረፎ የብሉን። እምበር’ከ እዚኩሉ ንብዓት ወለድን ስቓይ መንእሰያትን ናበይ ክሃፍፍ?

    • MEHRETU HABTE December 24, 2011

      ሰላምነጋሽ፣
      ደርጊ ኣብ ቀበሌ “ከንቅሓና” ከሎስ…”ማፍረስ ቀልላቅቅል ባይሆንም ፣ መገንባት የበለጠ ከባድ ነው” ይብለና ኔሩ። ምፍራስስ ይፍረስ ፣ መን ጥርኑፍ ሓይሊ እዩ ዝትክኦ ?

  • sara December 24, 2011

    be’zekhone… elka zehelf aykonen…. in fact i heard Eritreans .. say “neze do kitgeaata terhsa”
    what is going on with this folks… how come you take Ethiopia’s arguments about badme, and you are an Eritrean. i don’t understand, is it, to be an Eritrean/Eritrean the same as an Egyptian to be Egyptian.

  • Michael-Kibreab M December 24, 2011

    Aman! You are the best, and our hero!
    I wish you most joyful merry Christmas & Happy New Year!

  • Freeprisoners December 24, 2011

    እቲ መሰረታዊ ነገር ሰላም ኢዩ።
    እቶም ኢትዮፕያ ምእንቲ ረብሓኣ ኢያ ንኤርትራውያን ክትድግፍ ትደሊ ኢልና እንሓስብ፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ደንቑርና ከም ዘለና ምስትውዓል የድልየና። ምስ ግዝየ ክንጎዓዝ ኣለና፤ ብፍላይ ክኣ እዞም ኣብ ኢሮፕ፣ ኣመሪካን ዘለው ብዙሕ ፍልጠትን ኣድላይነትን ሰላም ወይ ደሞክራሲ ኣለዎም ኢለ ይኣምን። እዚ ማለት ድማ ዝነብሩለን ዘለው ሃገራት፤ ንሰላም ህዝበን ተቓሊሰን ትዓዊተን፤ መን ኢኻ ዘይብሉ ሂወት ከም ትማቐሉ ገይረን ኣለዋ።

POST A COMMENT