Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕሰም መግዛእቲ ኤርትራ ብባዕዲ’ዶ ብወዲ-ዓዲ!!! መግዛእቲ መንግስቱን ኢሳይያስን ብምውድዳር

ዝኸበርኩም ኤርትራዊያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ምናልባት እቶም ብዘደንዝዝ መርዛም መርፍእ ውልቀ-መላኺ ተወጊእኩም ዘለኹም ኣባላት ህግደፍ ከመይ ጌሩ ንባዕዳዊ ገዛኢ ምስ ነጻነት ኣምጺኡ ንነጻ ሃገር ዘምሓድር ዘሎ መራሒ ከወዳድሮ ይኽእል ትብሉ ትኾኑ፣ኩሎም ሓረድትን ጨቆንትን’ኳ እንተኾኑ፣ካብ ሕሱምን መሪርን መግዛእቲ

ዝኸበርኩም ኤርትራዊያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ምናልባት እቶም ብዘደንዝዝ መርዛም መርፍእ ውልቀ-መላኺ ተወጊእኩም ዘለኹም ኣባላት ህግደፍ ከመይ ጌሩ ንባዕዳዊ ገዛኢ ምስ ነጻነት ኣምጺኡ ንነጻ ሃገር ዘምሓድር ዘሎ መራሒ ከወዳድሮ ይኽእል ትብሉ ትኾኑ፣ኩሎም ሓረድትን ጨቆንትን’ኳ እንተኾኑ፣ካብ ሕሱምን መሪርን መግዛእቲ ናይ ክልቲኦም መን ከም ዝሓይሽ፣ ነዚ ብመርትዖ ዝተሰነየ ምሕደራ መንግስቱን ኢሳይያስን ንተዓዘብ።
1. መንግስቱ መሬት ንሓራሲኡ ብዝብል መምርሒ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዓዓዱ ብዘይ ኣፈላላይ ወደባት ወይ ማእከላይ ዓሌት መሰል መሬት ከም ዝረክብ ገይሩ። ኢሳይያስ፣መሬት ናይ ደቂ ሃገር(ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ) ብሓይሊ ብምህጋር በተን ናይ ዓመጽ ትካላቱ ከም ዝውነን ወይ ንውሑዳት ሃብታማት ሰባት ከም ዝወሃብ ብምግባር ንህዝቢ ካብ ርስቱ ነቒሉ፣ ንሱን ጭፍራኡን ግን ካብቶም ሃብታማት ዘይተኣደነ እቶት ኣብ ምግባር ይርከቡ ኣለዉ።ብፍላይ ነተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት ንደቀባት ርስቲ ኣቦታቶምን ኣባሕጎታቶምን ብምዝራፍ ካብ መበቆል ዓዶም ነቒሉ፣መሬቶም ገቢቱ ብምሻጥ መኻዕበቲ ሳጹኑ ገይሩዎ ኣሎ።
ብዛዕባ ትምህርቲ፣
2. መንግስቱ ሃይለማርያም፣መሃይምነት ንምጥፋእ በብቀበሊኡ ስርርዕ ብምግባር ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ሽማግለታት ኣዴታት ከይተረፋ፣ዘየንብብን ዘይጽሕፍን ኤርትራዊ ኣይነበረን። ኣብያተ ትምህርታት ካብ መባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ካብቲ ብግዜ ሃይለስላሴ ዝነበረ ብዝያዳ ብዓይነትን ብቁጽርን ብምውሳኽ ክስፋሕፋሕ ክኢሉ ጥራይ ዘኮነ፣ክሳብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ናይ ፖሊቲካ እሱራት ዝኣክል መጻሕፍቲ ክኣቱ እናተፈቕደሎም ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ፣ተፈቲኖም ክሳብ 12A ዘምጽኡ ሰባት ህያው ምስክር ከም ዘለዉ ኣነ ንባዕለይ እፈልጥ።
ኢሳይያስ ግን፣ ነታ ብግዜ መንግስቱ ኣሽሓት መንእሰያት ብዲግሪ ተመርቕ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ብምዕጻው፣ ነተን ኣብ ዝተፋላለያ ወረዳታት ዝነበራ መባእታን ማእከላይን ቤት ትምህርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩወን። ፍትሒ
3. ኣብ ግዜ መንግስቱ ናይ ፍትሃ-ብሄርን(ሲቪላዊ) ገበናዊን ሕጊ ስለ ዝነበረ፣ሓደ ሰብ ብሲቪል ዝተኸሰ ኣብ ሲቪላዊ ቤት ፍርዲ፣ብመርትዖ ዝተሰነየ ግቡእ ውሳኔ ይረክብ ነይሩ፣ከምኡ’ውን ብገበን ወይ ብፖሊቲካ ዝተኸሰ ብምስክርነት ዝሓለፎ ይውሰን ነይሩ። ሓደ ብገበን ዝተኸሰ ሰብ ብጠበቓኡ ጌሩ ክከራኸር መሰሉ ዝተሓለወ ነይሩ። ከምኡ’ውን ብፖሊቲካ ወይ ካልእ ገበን ተፈሪዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ሓለፈ፣ቤተ-ሰቡ ክዳን፣መግቢ፣መድሃኒት ሒዞም ክበጽሕዎ ፍቑድ ነይሩ።
ኣቶ ኢሳይያስ ግን ነተን ሲቪላዊ ወይ ገበናዊ ዝበሃላ ሕግታት ኣይፈልጠንን’ዩ።ነታ ብ1997 ተነዲፋ ብህዝቢ ዝጸደቐት ቅዋም፣ኣብ እንዳ ጎሓፍ ከም ዘእተዋ ባዕሉ ገሊጹልና ኢዩ።ዝኾነ ኤርትራዊ በቶም ብፍርሒ ዝኣክል ሕሊናኦም ኣደንዚዞም ኣገልገልቲ ኢሳይያስ ብምዃን ኣብታ ሃገራዊ ድሕነት እትበሃል ናይ ስለላ ትካሉ ዘለዉ ሓለፍትን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፋላለዩ ክፍላተ-ሰራዊት ብዘለዉ ኣገልገልቱ ነቶም ተዋጊኦምን ኣዋጊኦምን ሃገር ዘምጽኡ ምኒስተራትን ጀነራላትን ጋዜጠኛታትን፣እናኣሰረ ብዘይፍርዲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓታቲ ዘመድ ወይ ቤተሰብ ዝይብሎም ይስወሩ ስለ ዘለዉ ኤርትራ ንህዝባ ዳስ ሓውያ ኮይናትና ኣላ። ቤት ማእሰርቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝበዝሓላ ብስማዊ ወዲ ሃገር እትመሓደር ዘይተዓደለት ሃገር ኢያ።ቤት ማእሰርታት ህዝብና ዝሳቐየለን ምንጪ እቶት ናይ በዓል ጀነራል ፍሊጶስን ገለ ጭራኦም እናዘረጉ ዝነብሩ ኮለኔላትን ኮይነን ከም ዘለዋ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሓዉ፣ሓብቱ ፣ወዱ፣ ወይ ጓሉ ዝተኣስሮን ገንዘብ ዝኸፈለን ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ኢዩ። እምነት ሃይማኖታት
4. መንግስቱ ሃይለማርያም መንግስታዊ መምርሒኡ ኣብ ዴስነት ማለት ኣብ ማርክሲዝም ለኒንዝም( Marxism-Leninsm) ፍልስፍና ዝተመርኮሰ ስለ ዝነበረ ዝኾነ እምነተ-ሃይማኖት’ኳ እንተ ዘይነበሮ ዝኾነ ኤርትራዊ ግን ብምኽንያት እምነቱ ዝእሰር ኣይነበረን።
ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ግን ብዘይካ ተዋህዶ, ካቶሊክ, ፕሮተስታንትን, ምስልምናን ካልኦት ኩለን ናእሽቱ ሃይማኖታት መሰል እምነተን ነፊጉ ከም ዝዕጸዋ ብምግባር ዝበዝሑ ኣመንተን ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሓቁ ኣለዉ።ምሁራትን ሊቃውንቲ ካህናትን ኦርቶዶክስ ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሞቱ ኣለዉ።እቲ ካብ ኩሉ ኣረመኔ ምዃኑ ዘብርሃልካ ንወዲ 93 ዓመት ፍርቂ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ዘኣተወ ኣቦ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ን13 ዓመታት ብምእሳር የሳቕዮም ኣሎ።ብሰንክ’ዚ ድማ ብፓትሪያርክ እንጦንዮስን በቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ስማዊ ሲኖዶስ ዘለዉ ጳጳሳትን ዝሓለፈ ውግዘታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምፍልላይ ከም ዝሰፍን ጌሩ ኣሎ።
እትዋት ሃገር
5. መንግስቱ ሃይለማርያም ምሉእ ኣቓልብኡ ንሰውራ ኤርትራ ደምሲስካ ንኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው ጥራይ ስለ ዝነበረ ሃብቲ ናይ ኤርትራ ንምጉሕጓሕ እኹል ግዜ ስለ ዘይነብሮ ማዕድናዊ ሃብትና ኣይተንከፎን።
ኢሳይያስ ግን እቲ ንዉሉድ ወሎዶና ከናብረና ተስፋ ዝገበርናሉ ማዕድናዊ ሃብትና ወርቅናን ካልእ ማዕድናትናን ጓሕጒሑ ገንዘብና ኣብ ዝተኣማመነሎም ባንክታት ዓለም ኣቐሚጡ፣ ኣብ ሃዋህው ራሕሪሑና ክሓልፍ መደቡ ከም ዝኾነ ንኹሉ ኤርትራዊ ክበርሃሉ ኣለዎ።ህዝብና ዝሓርስ ሓሪሱ ዝሰርሕ ሰሪሑ ከይበልዕ መወዳእታ ብዘይብሉ ብናይ ጊላነት ዕስክርና ኢድናን እግርናን ኣሲሩ ከይፈተና ተገዛእትን ተንበርከኽትን ገይሩና ኣሎ።ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሉድ ወለዱኡ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ካብ ሕሱም መግዛእትን ባርነትን ኢሳይያስ ክሃድም ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ጊደ ኣሞራ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ቀለብ ዓሳታት ኮይኑን ይኸውን ኣሎ።ኮላሊት መንእሰያት ደቅና ኣብ ሆስፒታላት ምስሪ ንዕዳጋ ወሪዶም።
መሰል ምዝራብን፣ምጽሓፍን ምእካብን፣ 6. ኣብ ግዜ መንግስቱ ሃይለማርያም፣ነቲ ኣብዮት ዝጻረር ክሳብ ዘይኮነ፣ኣብ ኤርትራ መሰል ናይ ምዝራብ ብሳንሱር ዝሓልፍ ዝድላይካ ምጽሓፍ፣ኣብ ኣኼባታት ርእይቶኻ ምግላጽ ፍቑድ ነይሩ ኢዩ።
ኣብ ግዜ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ግን ብሒም ዝብል የለን፣ብሒም ዝበለ ድማ ይተሓጎም’ዩ።ብዛዕባ መሰል ምጽሓፍ እተን ህዝቢ ኣብ ምንቕቓሕ ዓቢ ተራ ዝጻወታ ዝነበራ ጋዜጣታት ከም ጽጌናይ፣ ቀስተ-ደበና፣ዊንታና፣ሰቲት፣ሳሊና፣ዘመን፣መቓልሕ ከምኡውን መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣብ ምትሕልላፍ ዓቢ ተራ ዝነበራ ልሳን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ምስ ኩሎም ኣዳለወተን ምስ ተሓጽዋ ብዘይካ እታ ናይ ሓሶትን ጸለመን ናይ ወረ ማዕከን ዝኾነት ስማዊት ጋዜጣ ሕብረት ካልእ ዝጸሓፍ ይኹን ዝሕተም የልቦን።
ሃገራዊነት፣
7 መንግስቱ ሃይለማርያም ብኢትዮጵያዊነቱ ዝኾርዕ፣ንሃገሩ ኣሕሊፉ ዘይህብ ቆራጽ መራሒ ክነብር ከሎ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ነታ ሃገረይ ኢሉ ዝተቓለሰላ ሃገር ጠሊሙ፣ናብቶም ደምና ኣፍሲስና ዓጽምና ከስኪስና ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሃገርና ሓግሒግና ዘውጻእናዮም ባዕዳዊያን ገዛእቲ ክመልሰና ኣብ ምውጥዋጥ ይርከብ።እዚ ድማ ኣብ ሃገራዊነት ዓቢ ክሕደት ኢዩ።
መንግስቱን ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ እንታይ የማሳስሎም??
8. ክልቲኦም ኣብ ህላዌ ኣምላኽ ዘይኣምኑ(Atheist or Agnostist) ናይ ጨካን ኣራዊት ባህሪ ዘለዎ፣ሰብ ንምቕንጻል ድሕር ዘይብሉ፣ናይ ደቂ ሰባት ስቅያት፣ቃንዛን ጭንቀትን ባህ ዝብሎም(Sadists) መራሕቲ ኢዮም።መንግስቱ ሲቪል፣ ወታሃደር፣ቆልዓ ሰበይቲ ክይፈለየ ብኣልማማ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ብኣየርን ብምድርን ብቦምብታትን፣ዝቃጸል ጋዝ ናፓልም፣ኣብ ህዝብና ከቢድ ግፍዒ ዘውረደ ጨካን መላኺ ክኸውን ከሎ፣ብተዛማዲ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብሰላሕታ ካብቲ መስራቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝኾነ ኣብርሃም ተወልደ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዝቐንጸሎምን ጌና ዝቕንጽሎምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብስቅያት ዝሓልፉን ታሪኽ ክገልጾ ኢዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣነ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ኣንጻር ኢሳይያስ ከዋዳድሮ ከለኹ፣ክልቲኦም ኣብ ህዝብና ካብ ዘውረድዎም ግፍዕታት ናይ መን ይገድድ ንማለት እንተ ዘይኮይኑ፣ብልዑላውነት ሃገረይ ተጣዒሰ ብግዝኣት ናይ መንግስቱ ክንቅጽል መሓሸና ነይሩ ማለተይ ከም ዘይኮነ ክትርድኡለይ ብኣኽብሮት እሓትት። ንሕና ኤርትራዊያን በዚ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ዓቕልና ከየጽበብና ብተስፋ ተቢዕና ክንቃለስ ዘግብረና ሓደ ክዉንነት ሓቂ( PRINCIPLE) ኣሎ፣ንሱ ከኣ ሓደ ገባሪ እከይ ግዝያዊ ደኣ እምበር ነባሪ ከም ዘይኮነ ምርግጋጽን ምእማንን ኢዩ።
ሓውኹም፣ መሓረናዝጊ መርሃዊ
መስከረም 12, 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Haqi September 13, 2019

    Well said:
    “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሉድ ወለዱኡ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ካብ ሕሱም መግዛእትን ባርነትን ኢሳይያስ ክሃድም:
    1. ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ጊደ ኣሞራ፣
    2.. ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ቀለብ ዓሳታት ኮይኑን ይኸውን ኣሎ።
    3. ኮላሊት መንእሰያት ደቅና ኣብ ሆስፒታላት ምስሪ ንዕዳጋ ወሪዶም።”
    4. slavery and suffering in Libya, Sudan ….

  • Mussie September 13, 2019

    Nay Isaayas kab nay Mengistu keykefee ayterifn. Gin isayas nay shaibya merahi Mengistu nay dergi merahi iyom. Slezi shaibya kab dergi zkefee you.

  • Wedi Hagher September 13, 2019

    ከምቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝርከብ ፥ ኤሪትራዊ ሓደ ኣታሓሳስባን ደረጃ ኣፍልጦን የቡሉን።
    ሃገራዊ ዝነበረ ፥ ገሊኡ እንዳ ተረግጸ ፥ ገሊኡ ድማ ንእሰያስ እንዳተማህለለ ፥ እንዳ ተታለለ ፥ ተሰዊኣኡ ፥ ሰንኪሉ ፥ ሃገር ነጻ ኣውጺኡ ።
    እቲ ዱሑር ወገናዊ ድማ ፥ ኣብ ድሕሪ ግንባር ኮይኑ ተጋደልቲ እንዳቀንጸለ ፥ ጸጹቡቁ ኣንዳበለዐ ፥ እንዳ ሎቅመጸ ፥ ኣሕሊፉዎ።
    ሕጂ ፥ እቶም ዳሕሮዎት ፥ ከም ቀደሞም ፥ ሻላ ኣዮኦም ሓለፍቲ ኮይኖም ፥ ጹቡቅ ይነብሩ ኣሎዉ።
    እቶም ሃገራውያን ፥ ከሲሮም ፥
    ዘምሎኹዎ ጣኦት ፥ ሰይጣን ምንባሩ ተረዲኦም ።
    ኣውያት ናይ ጉፉዓት መርገም ኮይኑዎም።
    ማኣዝን ኣጥፊኦም ፥ ኣብ ዓለም ተዘሪኦም።
    ጣኦት ኣፍሪሶም ምሕረት እንተ ዘይሓቲቶም ፥ ብይቅረን ፍቅሪን ኣብ ልቦም እንተ ዘይተመሊሶም ፥ መጨረሻ የቡሉም ስቃዮም።

  • Fanko September 16, 2019

    I have yet to read the book on dictatorship in Eritrea’s recent past; though dictatorship is not new to Eritrea, just to remind you the ugly but often forgotten Italian colonial fascism under Benito Mussolini, the worst dictatorship took place under Eritrea’s own Issaias Afewerki of the Higedfites and the minions of Jebha elites.
    My recent visit to Eritrea attests that Issaias Afewrki and the wimps in of Jebha elites make Col Mengistu Hailemariam look like a regular tyrant who committed the common crimes in a warring environment. Any Asmarino will remember Col Mengistu for supplying the Kebele Shops with ample wheat, Taff, sugar, Keffa coffee, the monthly kerosine ration, the coupon for pieces of loaves from the neighborhood shop keeper, … at the cheapest price in Africa. All while fighting the war!
    Who would believe me now if tell you that anyone who barely passes the Ethiopian matriculation can get a full scholarship to Russia, East Germany, Yoguslavia, Cuba, Poland, India, Bulgaria … even sometimes to Italy, Sweden, Canada, Holland, Australia … no question asked.
    Who would believe me that Mengistu was flying his famous Russian made noisy but tough freights – the Antonovs to transport goats from Harar, sheep and Taff from Gojam during the Holiday seasons when the “liberators” were deliberately starving Asmarinos and other towns to death.
    Did I forget the easy access to Ethiopian passport after getting six or five signatures from Kebele-keftegna-education-police-immigration-foreign affairs, then fly directly to Greece, Yugoslavia, poland, Kenya, italy, East Germany, … (Remember the red passport with the statement: ke zeregnaw debub Africa besteqer/ with the exception the Apartheid South Africa). The brave Eritrean Amiches and Ethiopians were even forging Ethiopian documents from the heart of Ethiopia in Addis. When Mengistu’s police catch you, you only get three months jail (Issaias and Jebha would torture and shoot you in Adi Abeyto or Teseney) and then you buy one more for fifty dollars forged in Greece and photocopied behind the ramshackle photocopiers behind the General Post office in Addis and you fly away in Ethiopian Airlines in three months with $250 US dollars officially approved to any Ethiopian traveler. Yes, the poor and starving Ethiopia was allowing any traveler to get $250.00 US dollars at the official rate of $1US dollar for only 2.15 Birr.
    Oh! Did the good Dr Misgna write the book deliberately to make us remember the tyrant Mengie’s good times?

  • ስለፍትሒ September 16, 2019

    It is not fair to compare “Lucifer” with one of his soldiers.

Post a Reply to Haqi Cancel Reply