Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብረት ኤውሮጳ ኣዒንታ ጸቒጣ

ሕብረት ኤውሮጳ ንህግደፍ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክህብ መዲቡ:: እቲ ሕብረት ነዚ ካብ 2016-2020 ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዝህቦ ሓገዝ ኣብ ምምሕዳርን ጸዓትን ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊጹ:: ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ዝኾነት ሃገር ቁጠባዊ:ፖለቲካውን ባህላውን ሽርክነት ንምግባር ቅድመ ኩነት

ሕብረት ኤውሮጳ ንህግደፍ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክህብ መዲቡ:: እቲ ሕብረት ነዚ ካብ 2016-2020 ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዝህቦ ሓገዝ ኣብ ምምሕዳርን ጸዓትን ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊጹ:: ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ዝኾነት ሃገር ቁጠባዊ:ፖለቲካውን ባህላውን ሽርክነት ንምግባር ቅድመ ኩነት ገይሩ ዘቐምጦ ነጥብታት ምስ እንምልከት ኣንጻር ዕላማታቱን መትከላቱን ይሰርሕ ከምዘሎ ንጹር ኢዩ::

ሕብረት ኤውሮጳ ዝምርሓሉ መትከላት ምትሕግጋዝ:-

-መሰል ደቀንስትዮ: ቆልዑ: ንኡሳን ክፍልታት ሕብረተሰባትን ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባትን ምሕላው::

-ብሞት ዝወሃብ ብይን ምቅዋም: ንሰብ ምስቓይ: መሸጣ ሰብ(human trafficking): ኣድልዎን ምቅዋም

-ንሲቪላዊ: ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ማሕበራውን ባህላውን መሰል ምጥባቕ::

ንኣድማሳዊን ዘይንጸልን ባህርይ ሰብኣዊ መሰል ምጥባቕ:: እዚ  ብንጡፍ ሽርክነት ምስ ሃገራት: ኣህጉራዊን ዞባውን ውድባት ከምኡ እውን ጉጅለታትን ማሕበራትን ይፍጸም::

ነዚ ንምፍጻም ሕብረት ኤውሮጳ ካብ 2014-2020 ንመሰረታዊ ናጽነት: ዲሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን ምስ ዝጣበቐ ማሕበራት: ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ንምስራሕ 1.3 ቢልዮን ኢውሮ መዲቡ ከምዘሎን እቲ ቅድመ ኩነት ዘቐመጦ ድማ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ከምዝኾነ ኣብ ዕላዊ መግለጺኡ ኣስፊርዎ ኣሎ::

ሕብረት ኤውሮጳ ዘርዚርዎ ንዘሎ ብጹእ ዕላማታት ህግደፍ ሓምቲሉ ኣብ ጎድፍ ደርብዮዎ ኢዩ::

መሰል ደቀንስትዮ- ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሰዊት ዕድመአን ኣብ ግዱድ ኣገልግሎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ተቖሪነን ከቢድ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት ይበጽሐን::እተን ዕድመአን ንሓዳርን ውላድን ዝበጽሐ እውን ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገም ኣብ ኣነዋሪ ስራሕ ክኣትዋ ተገዲደን::ዓቕለን ዝጸበበን ድማ ነብሰንን ደቀንን ለኪመን ኣብ ዘስካሕክሕ መጻወድያ ጨካናት ነጋዶ ሰብ ይወድቃን ሂወተን ይስእናን ኣለዋ::

እቶም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑት ቀንዲ ግዳያት ናይ እዚ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ንስድራቤት ዝበታትን ኣካያዳ ኢዮም:: ኣብ መደበራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ መግቢ: ክዳን ክወሃቦም ተሰሪዖም እንርእዮም ቆልዑ: ኣብ ሱዳን: ሊብያን ስግር ባሕሪ ኤውሮጳን ኣላይ ስኢኖም መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኖም ዘለው ኤርትራውያን ቆልዑ ኢዮም::

ንኡሳን ክፍልታት ሕብረተሰባት:- ኣብ ኤርትራ ኩሉ ህዝቢ ብኩርማጅ ህግደፍ ተገሪፉ:: ካብኡ ናብኡ ግን ኩናማ ኣብ ጋሽ ባርካ: ዓፈር ኣብ ደንካልያ መሪር ሂወት የሕልፉ ኣለው:: ኩናማ እቲ ንዘመናት ሓሪሶም ዝበልዑሉ ለሰታት ጋሽ ብህግደፍ ተመንዚዖም:ኣብ ገዛእ መረበቶም ቀሲኖም ክነብሩ ኣይከኣሉን:: ዓፈር ዓሳ ገፊፎም ነብሶም ከይክእሉን ናብ ኣብቲ ባህርይ ዝለገሰሎም  ባሕሪ ጀሊቦም ነጊዶም ነብሶም ከይጥውሩ ተኣጊዶም ብደርቂን ወተሃደራዊ መግዛእቲ ተለብሊቦም ኣለው::

ብሞት ምቕጻዕ:ምስቓይ: መሸጣ ሰብን ኣድልዎን:- ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ዝሞቱ ብዙሓት ኢዮም::እተን ኣስታት 360 ማእሰርቲ ዓቑረንኦ ዘለዋ ስቅያት ኤርትራውያን ንምፍላጥ ዘረባ ናይ እቲ ንብዓት ስዒርዎ” መን ዶ ርእይዎም ዩ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ነብሶም ጻዕዳ ተቐይሩ ዘሎ” ብምባል ዝገለጸ ኮለነል ተወልደ ሚኪኤል               ምዝካር ኣኻሊ ኢዩ::መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸም ግፍዕታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ ኢዩ::

መሸጣ ሰብ- ኣብ ዶባት ዘለው ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብዚ ዕሙር ዕዳጋ ኮይኑሎም ዘሎ መሸጣ ሰብ ምስ ራሻይዳን በደዊንን ብምትሕብባር ንፍቕዲ ዘጸገም ገንዘብ ከምዘኻዕበቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ መዝጊብዎ ኣሎ::

ሕብረተ ኤውሮጳ ምስ ሃገራት ዝገብሮ ምትሕግጋዝ ሰብኣዊ መሰል ብቐዳምነት ዝሰርዕ እንተኾይኑ: ነዚ መባእታዊ መሰል ሰብ ረጊጹ ዝኸይድ ሕጊ ኣልቦ ጉጅለ ንጸዓት: ንምምሕዳር ብምባል 40 ሚልዮን ኤውሮ ንዓመት ምምዳቡ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ::

  1. ሚኒስተር ቁጠባን ምትሕብባርን ጀርመን ኣብ ዚ ሰሙንዚ ምስ ኢሳያስ ተራኺቡ:ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ: ሰብኣዊ መሰል:ቁጠባውን ባህላውን ሽርክነት ከም እተዘራረበ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ገሊጸን::ኢሳያስ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ክዘራረብ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ሰብ ኢዩ:: እዚ ዜና እዚ ዘመልክቶ ነገር ህግደፍ ፖለቲካ ክኢልዎ ደሓን እቲ ገንዘብ ይሃቡና ምበር ንዘረባ እንታይ ከይንዓድየሉ ብምባል ዘቀናበሮ ከምዝኾነ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይገልጹ::
  2. ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተመሳሳሊ: እቲ ሰብኣዊ መሰል ዝብል ኣምር እፉፋ ዝገብረሉ ጉጅለ: ኣብ መበል 67 ዓመት ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣብ ኣስመራ ሰበስልጣን ህግደፍ ተሳቲፎም:: ዑስማን ሳልሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ: ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝኽበርን: መርማሪ ኮሚሽን ስብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘቕረቦ ጸብጻብ ንኤርትራ ንምጽላም ዝተሃንደሰ ውዲት ጸላእቲ ከምዝኾነ መዲሩ::

ሕብረት ኤውሮጳ በዚ ጸወታ ሰበስልጣን ህግደፍ ተመሲጡ ክኸውን ይኽእል ወይ  ዓቕሎም ኣጽቢቡሎም ዘሎ ዋሕዚ ስደተይናታት ንምግታእ ክሕግዝዎ ስለዝደልዩ  ዝብሉ ወገናት ኣይተሳእኑን:: እቶም ዝበዝሑ ግን ካብ እዚ ጸቢብ ዓንኪል ወጺኦም ብዞባውን ኣህጉራዊን ደረጃ ይጥምትዎ:: ኢሳያስ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ: ንስትራተጅያዊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ከም እቲ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ዘካየደኦ መጥቃዕቲ ንወደብ ዓሰብ ዘፍቀደለን ንዝደለዮ ወገን ከፍቅድን ክኽልክልን ስለዝኽእል: ሃገራት ምዕራብ ነቲ ኣብ ጽልዋ መወዳድርቲ ቻይና ከይወድቕ ዝሰግኣሉ ዞባ  ንኢሳያስ ኣቀባጢረን ክቆጻጸርኦ ስለዝደለያ ኢዩ ዝብል ርእይቶ የቐምጡ:: ብዘይካዚ ኤርትራ ዘይተዳህሰሰ ዕቑር ሃብቲ ማዕድንን ባሕርን ስለዘለዋ ብኩባንያታቶም ሕሱር ጉልበት ሰብን ብሉጽ ሃብትን ንምግባት እቲ ዝቐለለ መገዲ ስለዝኾነዩ ይበሃል::

ካብዚ ዝተፈለየ ርእይቶ ዘለዎም ወገናት ነዚ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሕግብግብ ምስ ድኻም ተቓወምቲ ወገናት ብምንጽጻር ይመዝንዎ:: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ብከቢድ ናይ ስለያን መሓውራት ተቐፊዱ መተንፈሲ የብሉን:: እቲ በብመዓልቱ ካብ ግዱድ ኣገልግሎትን ጭቆናን ህግደፍ ዝወጽእ ኣሽሓት መንእሰይ ኣብ ውሕስ ቦታ ምስ በጽሐ ጠርኒፉ ንመሰሉ ዘቃልሶ ኣይረኸበን:: እተን ንልዕሊ 20 ዓመት ብዝተፈላለየ መልክዕ ተወዲበን ዝቃለሳ ውድባት ተቓውሞ ሓደ ናይ ሓባር መሪሕነት መስሪተን ንህግደፍ ክብድሀኦ ኣይበቕዓን:: በዚ ድማ መተካእታ ህግደፍ ዝኸውን ዘተኣማምን ሓይሊ ክሳብ ዘይተረኽበ: ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ህግደፍ ብምጽማድ ፖሊሲኡ ክቕይር ምድፋእ ዝሓሸ ኮይኑ ረኺብዎ ዝብሉ ወገናት ኣለው::

በዚ ይኹን በቲ ኤውሮጳ ኣዒንታ ጸቒጣ ንህግደፍ ቁጠባዊ ሓገዝ ትህቦ ኣላ::  ከም እቲ ነብሪ ቆርበቱ ዘይቅይር: ህግደፍ እውን ድሕሪ እቲ ቅዋም ምቕባሩን:ሂወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብኣሊፍ ምቕጣፉን: ኣብ ዓዲ ሃሎ ወይ ዓዲ ራእሲ ማጨሎት ተሓጺቡ ክነጽህ ኣይኮነን::እንኮ ፍታሕ ኤርትራ ጽፉፍ ወዳበ ብቅኑዕ መሪሕነት ንመሰረታዊ ለውጢ::

 

ደጎል ድራር

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Saleh Yassin December 17, 2015

    Degol Drar,

    I disagree.

    • amanuel December 18, 2015

      This is the aim of EU that to destroy our society with cruel regime since 1998.The question is, no one has had understood this regime specially top Eritrean Elite.there are more facts who behind this regime to remain in Power long time.

  • the realistic December 18, 2015

    ንሕብረት ኤውሮጳ ደዊለሎም ኔረስ እዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቦምኒ,

    ስምዑ ኤርትራውያን፣
    ወደን ከይሓምያስ ሰይቲ ወደን ይብሉ ኣቦታትኩም፣ ንስኻትኩም ስቕ ስለ ዝበልኩም እኮ ኢና ንባባ ኢሳያስ ንሕግዞ ዘለና። ድሓር ክኣ መንግስቲ ኣሜርካ ምስ ስዑዲ ዓረብ ክሻረኽ ዘይሓነኸስ ንሕና ስደተኛታት ከይውሕዙና ኢልና ንመንግስቲ ኤርትራ እንተሓገዝና ብዙሕን ሒደትን ትዛረቡ፣ ንሕና ጥቕምና ኢና ንርኢ።ንሕና ተዋጎእና እንኩም ዓዲ ክንብለኩም ኣይትጸበዩ ኢሎም መሊሶምለይ።እቲ መልሶም ኩሉ ናይ ¨ወረርቲ¨፣ ወያነ ይጥዕም,,,,,,,

  • Meb December 18, 2015

    ንጉዳይ ዓፈርን ኩናማን ኣልዒልካ ክትጣበቕ ምፍታንካ፣ ጠበቓ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሙዃን የገልለካ’ዩ። እዞም ክልተ ክፋል ሕብረተሰብና ዝኾኑ ብሄራት፣ ወያነ ቀንዲ መናቖቲ ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ዝጥቀመሎምን ዝሽቅጠሎምን ኢዮም። መሬት ጋሽ ባርካ ናይ ህዝበ ኩናማ ጥራይ ኣይኮነን። ጋሽ ባርካ ሒዝዎ ዘሎ ስፍሓት መሬት፣ ንተቐማጦ’ቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከገልግል ዝኽእል መሬት’ዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን፣ ባህልን ኣነባብራን ናይ’ቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ፣ ኣብ ሕርሻ ዝጥቀመሎም ናይ ኣተሓራርሳ ሜላታትን እንዶ ዘይብልካ ምዃንካ ኣመስኪርካ ኣለኻ። ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ገንዘብ’ዚ ንኤርትራ ንኸይህባ፣ መዓልታዊ ክጓራፈጡ ዝውዕሉ ሓይልታት፣ ኣብ ሓደ ተኣኪቦም ኣለቓቒሶም ኢዮም። ውጽኢቱ ድማ፣ ካብ ምስ ትርጉም ዘይብሎም ባእታታት ምስራሕ ምስ’ቲ መንግስቲ ክሰርሕ ስለ ዝመረጸ እቲ ገንዘብ ክልቀቕ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ። እዚ ድማ ውድቀትን ክሳራን ናይ’ቶም “ተቓወምቲ” ሓይልታት ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። ጽባሕ እንታይ ዓይነት ምዕባለታት ከም ትወልድ ድማ፣ ጽሓይ ምስ በረቐት ክንፈልጥ ኢና።

  • my eritrea December 18, 2015

    what a shame for eu to do this.

POST A COMMENT