Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ – ታደሰ ኪዳነ – 3ይን መወዳእታን ክፋል

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ                          ታደሰ ኪዳነ                        በርሚንግሃም                                     3ይን መወዳእታን  ክፋል            29 ታህሳስ 2017   ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ብላዕለዎት ኣባላት ናይታ ሕብእቲ ሰልፍን ተለኣኽቶምን፡ ንሕጋውነት ምቕንጻል ኣባላት “መንካዕን የሚንን” ከምኡ’ውን ንመምዘኒታት ሕርያ ንኣባልነት ናብታ ‘ሕብእቲ

ሕብእቲ ሰልፊ ብዓይኒ ዘይኣባላታ

                         ታደሰ ኪዳነ                        በርሚንግሃም

                                    3ይን መወዳእታን  ክፋል            29 ታህሳስ 2017

 

ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብዛዕባ’ቲ ብላዕለዎት ኣባላት ናይታ ሕብእቲ ሰልፍን ተለኣኽቶምን፡ ንሕጋውነት ምቕንጻል ኣባላት “መንካዕን የሚንን” ከምኡ’ውን ንመምዘኒታት ሕርያ ንኣባልነት ናብታ ‘ሕብእቲ ሰልፊ’ ዝብል ስም ዘጠመቑዋ ትካል ስለያኦም ኣመልኪቶም ዝህብዎ ዘይቅኑዕን መደናገርን መግለጺታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕብእቲ ሰልፊ ብቐንዱ ትካል ስለያ ኢሰያስን ንሱ ዝሓረዮም መሳርሕቱን ጥራይ ምንባራ ኢየ ገሊጸ። ኣባላታ’ውን ሰለይቲ እምበር፡ ከምቲ ንሳቶም ክኾኑዎ ዝደልዩ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ከም ዘይነበሩ ኢየ ክገልጽ ፈቲነ። 3ይ ክፋል ይቕጽል።

ካብ ስኑድ ፖሊቲካዊ ገበናት ሕብእቲ ሰልፍን መራሒኣን

እዚ ንኤርትራ ሃገርና ዝመርሕ ዘሎ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኮሮሻ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ተወጢሑ፡ ብስጋን ደምን ናይቶም ንሳ ዝቐተለቶም ሃገራውያን ሰቢሑ፡ ነዚ ሕጂ ንሃገርናን ህዝብናን ዝደወነ ስርዕተ-ራዕዲ ክምስርት በቒዑ ኣሎ። ምእዙዝነቶም ክጉድሉ ንዝተራእዩ እሙናት ኣባላት ናይታ ሰልፊ’ውን በብግዜኡ ክበልዕም ጸኒሑ ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ስለ ዝተዘርበ፡ ሕጂ ናብኡ ክምለስ ወይ ንዕኡ ክደግም ኣይኮንኩን።

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምድላይ 30 ዓመት ኢዩ ተቓሊሱ። ፍርቂ ካብኡ ግን ኢሰያስ ባዕሉ፡ ኣብታ ሕብእቲ ሰልፊ ተኸዊሉ፡ ውልቀ ምልኩ ንምድልዳል ዝመጠጦ ምዃኑ ህዝብና ክፈልጥ ግቡእ ኢዩ። ንሎሚ ከኣ ክልተ ኣብነታት ካብኡ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

የማነ ተኽለገርግስ ኣብታ “ሳሕል ወፊርና እንታይ ኣምጺእና” ትብል ቀዳመይቲ መጽሓፉ፡ “ኣብ 1976 ዓ.ም 1500 ንኸውን ተጋደልቲ፡ ካብ 500 ንታሕቲ ቊጽሪ ንዝነበሮም ወታደራት ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ መስዋእቲ እናኸፈልና፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ኣኽቢብናዮም ኮፍ ኢልና” ክብል ገሊጹ ኣሎ። ሓያሎ ካብ ላዕለዎት መኮነናት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝነበሮም ናይ ኲናት ተመክሮ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ብምስፋር ይሸጥዎ ምህላዎም’ውን፡ ብዙሕ ኣንባባይ ዝፈልጦ ኢዩ። ንቊጽሪ ናይቶም ኣብ ናቕፋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኸበቡ ወታደራት ኢትዮጵያ ዝምልከት’ውን፡ ብናይ ሽዑ ኣዘዝቶም ዝነበሩ መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጽሑፋት ኣሎ።

ኮሎኔል ኣምሳሉ ገብረዝጊ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሰራዊት መግዛእቲ፡ ክሳብ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ኮይኑ ዝሰርሐ መኮነን ኢትዮጵያ ኢዩ። ንሱ – እቲ ኣብ ናቕፋ ተኸቢቡ ዝነበረ ‘15ኛ እግረኛ ሻለቃ’ ካብ 300 ዘይበዝሑ ወታደራትን ንዕኦም ዝእዝዙ ውሑዳት መኮነናትን ከም ዝነበርዎ ገሊጹ ኣሎ።

ሽዑ፡ ማለት ኣብ 1976 ዓ.ም ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ መግዛኣታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኮሎኔል እስጢፋኖስ ገብረመስቀል’ውን፡ ኣብ ናቕፋ ተኸቢቡ ንዝነበረ ‘15ኛ እግረኛ ሻለቃ’ ንምጥንኻር ተስዓ (90) ናይ ኣየር ወለድ ወታደራት ብጃንጥላ ወሪዶም፡ ናብቲ ሰራዊት ከም ዝተደረቡ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ቊጽሪ’ዚ ነቶም በብግዜኡ ኣብቲ ከበባ ንዝተቐትሉን ዝተወግኡን ወታደራት ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ጠቅላላ ቊጽሪ ናይቲ ተኸቢቡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብ ከባቢ 400 ዝሓልፍ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ምስቲ የማነ ተኽለገርግስ ዝሃቦ ቊጽሪ ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብዚ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር፡ ከባቢ 1500 ዝኸውን ብኹልንትንኡ ድልዉ ዝኾነ ተጋዳላይ፡ ካብ 400 ንዘይበዝሑ ወታደራት ጸላኢ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ከበባ ብምእታው፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ከም ዝጽበ ዝተግብረሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? ኣብዚ ዝተባህለ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ንጡፍ ወታደራዊ ስራሕ ተኻይዱ እንተ ዝነብር፡ ክንደይ ካብተን ተነጻጺለን ሞተን ዝጽበያ ዝነበራ መዓስከራት ጸላኢ ምተታሕዛ? እቲ ሓድሽ ዝጣየስ ዝነበረ ቁንጮ ስርዓት ደርግ’ኸ፡ ምሉእ ኤርትራ ሽዑ ሓራ ኮይኑ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ድሕሪ ሶማል ናብ ኤርትራ ገጹ ምጠመተ’ዶ? ተራ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ሕብረት ሶቬት’ከ እንታይ ምኾነ? ዝብሉ ሕቶታት ቅጅል ይብሉኻ።

እታ “ኢሰያስ ስለምንታይ ኢዩ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ንመዓስከር ናቕፋ ከቢቡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዝጽበ ገይሩ?” ትብል ሕቶ ግን ታሪኽ ባዕሉ መሊሱዋ ኢዩ። የማነ ተኽለገርግስ’ውን ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ። ዝበዝሐ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር፡ ዕማኾ ንዝኾኑ ወታደራት ጸላኢ ኣኽቢቡ፡ ብጥሜትን ቁርን እናተሳቐየ፡ ምሸት መጸ መስዋእቲ ክኸፍል ከሎ፡ ብዙሓት ካብ ኣባላቱ ብስም ‘የሚንን ተረፍ መረፍ መንካዕን፡’ ብኣባላት ናይታ ሕብእቲ ስልፊ ብቓጻ ይእሰሩን ይቕንጸሉን ነይሮም። ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ኣብ መጻወድያ ኣትዩ። ብቕድሚትን ብድሕሪትን ይህረም ነይሩ። ልክዕ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ናይ ሎሚ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፎርቂ፡ ኣኽላባቱ ኣኪቡ – ጉባኤ ሕብእቲ ሰልፊ ብምክያድ፡ ስልጣን ብሒቱን ሓይሉ ኣደልዲሉን ወጺኡ። እዚ ከኣ ስልጣን ኢሰያስ ብዋጋ ንጹህ ደም ኤርትራውያን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ብዘመዝገቦ ዓወትን ብብዘርኣዮ ብሱል ወታደራዊ ኣመራርሓን ዘረጋገጾ ከም ዘይኮነ የነጽረልና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ኣንጻር ሰራዊት መግዛእቲ ዝተረጋገጸ ዓወት – ናትና (ናይቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ) እቲ ብቕንጸላ ብጾትናን ሕቡእ ስራሕ ናይታ ሰልፍን ዝተረጋገጸ ዓወት ድማ፡ እዚ ንርእዮ ዘሎና ስርዓት ውልቀ-ሰብ ወይ ስርዓተ-ራዕዲ ምዃኑ – ንምግላጽ ኢየ ዝፍትን ዘለኹ። ነዚ ‘ሓሶት ኢዩ’ ዝብል ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበረ ሰብ እንተልዩ – ሃየ ኣፉ ይኽፈት።

እቲ ካልኣይ ፍጻሜ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ከበባ ናቕፋ ዝተፈጸመ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ሰነን መጀመርያ ሓምለን 1978 ዓ.ም ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓንሳብ ብደቡብ (ከባቢ ሰሓርቲ) ኣብ ሳልስቱ ድማ ብኸባቢ በለዛን እምባደርሆን፡ ከተማ ኣስመራ ንምቁጽጻር ብርቱዕ መጥቃዕቲ ፈንዩ ነይሩ። ሕጂ’ውን ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኮሎኔል እስጢፋኖስ ገብረመስቀል ነቲ ናይ ሽዑ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ንዝጸሓፎ ጸሙቘ ከቕርቦ ኢየ። ንሱ “ዋላ’ኳ -ነቲ ብሸነኽ ደቡብ ዝተፈነወልና መጥቃዕቲ እንተ ኣፍሸልናዮ፡ እቲ ብበለዛን እምባደርሆን ዝተፈነወልና መጥቃዕቲ ግን ኣዝዩ ኣስጋኢ ኢዩ ነይሩ። ሰራዊትና ብኹሉ ማዕዝን ክሃድም ጀሚሩ። ሽዑ ናይ ምክልኻል ተስፋና ተጸንቂቑ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ እታ ሓንቲ ተሪፋትና ዝነበረት ተጠባባቒት ሻለቃ ጦር ኣእቲና፡ ነቲ ናይ ሻዕብያ ግስጋሴ ንግዜኡ ናህሩ ከነዝሕሎ ኪኢልና። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ግን ግመ ክኸፍት ስለ ዝጀመረ፡ ሓይሊ ኣየርና ንሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ረኺቡ ስለ ዝሃረሞ ኩነታት ናብ ረብሓና ተቐይሩ” ይብል።

ኮ/ል እስጢፋኖስ ቀጺሉ “ኩሉ ዝነበረና ሓይሊ፡ ኣብቲ ኲናት ኣትዩን ፍጹም ደኺሙን ስለ ዝነበረ፡ ገለ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ናይ ጀብሃ ሓይልታት፡ ዋላ’ውን ብውሑድ ቊጽሪ ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሳቲፈን እንተ ዝነብራ፡ ተመቒሉ ንዐአን ዝከላከል ሓይሊ ኣይነበረናን። ህላዌና ኣብኣ መብቀዐት ነይራ። ገድሊ ኤርትራ፡ ኣስመራ ንምቁጽጻር ዝነበረቶ ሓንቲ ዕድል፡ ሽዓ ጥራይ ኢያ ነይራ። ነቲ ኣስመራ ናይ ምቁጽጻር ዓወት ግን፡ ሻዕብያ ንበይኑ ክገብሮ ስለ ዝደለየ፡ ንጀብሃ ከየማኸረን ወይ ሓገዞም ስለ ዘይሓተተን ኩነታት ናብ ረብሕና ተቐይሩ” ክብል ይገልጽ።

እቲ ኣስመራ ንምሓዝ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውድብ ህዝባዊ ግምባር፡ ብሰንኩ ንኻልእ ዝተናውሐ ኲናት ንሳሕል ተመሊሱ። ኣስመራ ሽዑ እዋን ኣብ ቁጽጽር  ተጋደልቲ እንተ ትኣቱ ነይራ፡ ብዓለም ደረጃ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ገለ ጽልዋ ክመጽእ ባህሪያዊ ነይሩ።

እዚ ክልተ ኣብነታት ዘምጽኦ ዘለኹ እምበኣር፡ ኢሰያስ ነታ ሕብእቲ ሰልፊ ተጠቒሙ ድላዩ ክገብር ስለ ዝኸኣለ፡ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ዝፈጸሞ ገበናት ንምግላጽ ኢየ። ኣብቲ ናይ 1976 ዓ.ም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከም ዝህረሙ ብምግባርን፡ ንናይ 1973 ዓ.ም ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ኣቐዲሙ ብምጭፍላቕን፡ ሃገራውያን ኣጽኒቱ – ነቲ ውድብ ተቖጻጺሩዎ። ኣብቲ ናይ 1978 ዓ.ም ድማ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ “ፍልልያትና ከየጽበብና፡ ኣስመራ ከነጥቅዕ የብልናን” እናበለ፡ ኣብቲ ውግእ ከም ዘይጽንበሩ ብምግባር፡ መንእሰያት ተጋደልቲ ኤርትራ ነንሕድሕዶም ከም ዘይተሓጋገዙ ብምግባር፡ ንናይ ጸላኢ ስዕረት ኣቃሊዑዎም። በቲ ኣካይዳ ዘይሕጉሳት “ኣረምትን ዓገብ በሃልትን” ኣብ ዝቀላቐልሉ እዋን፡ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ከም ዝናውሑ ብምግባር የጽንቶም። ነዚ ክሉ ዝገብር ዝነበረ ከኣ፡ ኣብ ከርሲ ናይታ ሕብእቲ ሰለፊ ተኸዊሉን፡ ንገለ ካብዞም ሎሚ ብዛዕባ’ታ ሰልፊ ዝጣበቑ ዘለዉ ምስሉያት ሓዊስካ – ብብዙሓት ተናኸስቲ ተኸቢቡን ምንባሩ ክፍለጥ ይግባእ።

ናይ ውልቀይ ተመክሮ

ኣነ ከም ኩሉ ኣባል ናይቲ ግምባር፡ ድሕሪ ናጽነት ኢሰያስ ባዕሉ ሰልፊ ምንባሩ ምስ ነገረና ኢየ ፈሊጠ። ገለ ካብቶም ብጾተይ ዝብሎም፡ ምሉእ እምነት ዘሕደርኩሎም፡ ቅድሚኦም ክስዋእ ድሉው ዝነበርኩ ብጾት፡ ካባይ ተኸዊሎም፡ ስመይ እናኣልዓሉ ክዝንጥሉኒ ይሓድሩ ምንባሮም ምስ ፈለጥኩ ዝሓደረኒ ስምዒት ግን ወሰን ኣይነበሮን። ብዙሓት ካብኣቶም ግን ብዘይ ምርጫ ዝኣተውዎ ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ፡ ሎሚ ይቕረ እንተ በልኩሎም ሕልናይ ዝቕበሎ እመስለኒ። ካብ ዘጋጠመኒ ጭቡጥ ተመክሮ ግን ክልተ ኣብነታት ክገልጽ ኢየ።

ስም ስዉእ ኣልዒለ ክዛረብ ኣይምደለኹን። ታሪኽ ስለ ዝኾነ ግን ነቲ ተግባር እንተ ገለጽኩዎ ሕማቕ ኣይኮነን። ስሙ ቀይረ – ጅምዕ ኢለዩ ኣለኹ። ጅምዕ ኣባል ናይታ ኣነ ዝነበርኩዋ ጋንታ ኢዩ (ሓይሊ 32 ብርጌድ 51)። መሃይምነት ኣብ ሰውራ ኢዩ ኣጥፊኡ። ኣብ ፖለቲካዊ ክትዕ ድምጹ ክሕውስ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ኣብ ካልእ ኩነታቱ ግን ሕማቕ ኣይነበረን። ሓጺር – ሓጺር ዝዛረብ’ኳ እንተኾነ፡ ሕማቕ ወይ ዝተናኾል ጠባይ ግን ኣይነበሮን።

ጅምዕ ኣብ ውሱን እዋን ጠባዩ ክቕይር ጀሚሩ። ቅድም ካብ ዝነበሮ ጠባይን ተበግሶን ወጻኢ ውዕይ-ዕይ ክብል ተዓዚብና። ብሓንሳብ ናብ ስራሕ ኣብ እንኸደሉ እዋን “ልዕሌኹም ኢየ” ብዘስምዕ መንገዲ ገለ ቃላት ክድርብን ዝያዳ ነጠፍጠፍ ክብልን ርኢናዮ። ኣይደንጎየን – ምክትል መራሕ መስርዕ ኮይኑ። ብሕማቕ ዝረኣዮ ሰብ’ውን ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ በይነይ ርእዩኒ ምሳይ ኮፍ ብምባል “እዞም መንካዕ፡ የሚን ዝበሃሉ እንታይ ዝኾኑ ኢዮም?” ክብል ዱቦላ ሕቶ ዱብ የብለለይ። ኣነ’ውን “ንሳቶም ድኣ ከማይ – ከማኻ ንሃገር ክጋደሉ ወጺኦም፡ ኣብ ጉዕዞ ከኣ ተበሊዖም!” ክብል ቅልጡፍ መልሲ ሂበዮ። ጅምዕ ገለ ክፈልጥ ደልዩ ዝመጸ ስለ ዝመሰለኒ፡ ዝያዳ ከብርሃሉ – ዘረባ ክቕጽል’ኳ እንተደለኹ፡ ንሱ ግን ነተን ኣብ ሓንጎሉ ሒዙወን ዝመጸ ሕቶታት ጥራይ ድርብይ ድርብይ ኣቢሉለይ። ብዓንተቦኡ’ውን ዘረባ ምንዋሕ ዘይፈቱ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ንሕቶታቱ ኣሕጽር ኣሕጽር ኣቢለ ድሕሪ ምምላስ፡ ሕጂ’ውን ንዝያዳ መብርሒ ዘረባ ክቕጽል ፈቲነ። ንሱ ግን ናይተን ዓቚሩወን ዝመጸ ሕቶታት መልሲ ምስ ረኸበ፡ “ሕራይ” ኢሉ ገዲፉኒ ከይዱ። ካብ ዝነበርኩዎ ከይተንሳእኩ ኣዒንተይ ተኺለ ጠሚተዮ። ኣመጻጽኣኡ ናይ ቅንዕና ዘይምዃኑ ፈሊጠ ድማ ስኽፍክፍ ኢሉኒ።

ብጋንታ ተኣኪብና ዳርጋ መዓልታዊ ፖለቲካ ስለ ንመሃር፡ ጅምዕ ከምዚ ዝበለ ሕቶታት ኣተኣሳሲሩን ሰሪዑን ክሓትት ርእየዮ ስለ ዘይፈልጥ፡ ካልኦት ርእይቶይ ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ከም ዝለኣኽዎ ኣይተጠራጠርኩን። ካብ መራሕ መስርዕ ክሳብ መራሕቲ ሓይሊ ዝነበሩ ሓለፍቲ ንዓይ ዝጻባእ ሰብ ሃሰስ ኢለ ግን፡ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ጅምዕ ነዛ ባዕሉ ሓቲቱ ዘለፋለፈኒ ዘርባ፡ ኣብ ናይ ጋንታ ወይ ናይ ሓይሊ ኣኼባ እንተ ኣውሪዱዋ፡ ዝከላኸሉለይ ሰባት ብዙሓት ኢዮም። መራሕቲ ሓይሊ’ውን ‘ኣሕሊፎም ክህቡኒ ይኽእሉ ኢዮም’ ዝብል እምነት ኣይነበረንን። ኣብ ቦጦሎኒ ዝነበሩ ሓለፍቲ ግን ብዙሕ ዝኣምኖምን ዝፈልጦምን ኣይነበሩን። ንዓይ ግን ኩሉ ሓደ ኢዩ። ኣብ ውግእ ሞት ኢዩ፡ ኣብ እትኣምነሉ ርእይቶ ምድራቕ ሞት ኢዩ። ስለዚ ኣብ ርእይቶይ ደሪቐ ክከራኸር ወዲአዮ ኢየ። ብሃንደበት ኣብ ዘይደለኹዎ ሰልሚ ምእታወይ ግን ዘየጉሃየኒ ኣይኮነን። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን 6ይ ወራር ጀሚሩ፡ ጅምዕ’ውን ኣብኡ ተሰዊኡ። ዕላል ክልተና’ውን ኣብኡ ተዓጽዩ። እታ ኣጋጣሚት እቲኣ ግን ካብ ሓንጎለይ ወጺኣ ኣይትፈልጥን።

ሕብእቲ ሰልፊ ምንባራ ምስ ፈለጥኩ፡ ብቐዳምነት ኣብ ሓንጎለይ ዝመጸ ከኣ ስዉእ ብጻየይ ጅምዕ ነበረ። “ኣባል ሰልፊ ምስ ኮነ ኢዩ ንነብሱ ልዕሌና ምዃኑ ከርእየና ዝፍተነ” ዝብል እምነት ኣሎንኒ። እቲ ንሱ ሰሪዑ ዘቕረበለይ ሕቶታት’ውን – ንምሕጻየይ ድዩ ንምቕታለይ – ዝቐረበ ምንባሩ ዝፈልጦ የብለይን። ናብ ሓዲኡ ዘንቀደ ምንባሩ ግን ሕጂ’ውን እምነተይ ኢዩ። ብዛዕባ’ቶም ናይ 1973 ኮነ ናይ 1976 ግዳያት ግን፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ምስታ ተሓቢኣ ትሰርሕ ዝነበረት ሰልፊ ርእይቶይ ተሳንዩ ኣይፈልጥን።

2ይ ተዘክሮይ፡ –  ኣብቲ ኣብ ሳሕል ዝነበረ ደጀንና፡ መካይን ካብን ናብን ከመላለሳ ከለዋ ዝውዕላሉን ዝዕሸጋሉን፡ ‘ምውፋር’ ዝበሃል ቦታታት ነይሩና ኢዩ። ምስተን መካይን ዝመዱ ኮነ፡ መካይን ዝደልዩ ገያሾ’ውን ኣብቲ ምውፋር ኢዮም ዝጽበዩ። ነቶም ካብን ናብን ዝንቀሳቐሱ ተጋደልቲ – ሓርጭ፡ ኮቦርታ፡ ሽኮር ወዘተ ዝቕርቡ፡ ካብ ክፍሊ ቁጠባ ዝመጹ – ‘ፍሉይ ጉዳይ’ ብዝብል ስም ዝጽውዑ፡ ገለ ክልተ ሰለስት ሰባት ኣለዉ። ክይድ ሓዲርካ፡ ካብተን መካይን ምስ ወረድካ፡ ብቐጥታ ናብቶም ኣባላት ፍሉይ ጉዳይ ብምኻድ፡ ድራርን – ንመንጸፍን ክዳንን ዝኸውን ኮቦርታ ክህቡኻ ምሕታት ልሙድ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ግን እቲ ጠለብ ካብቲ ቀረብ ዝወሓደ ኢዩ። ጸርፍን ቆይቊን’ውን ባህሪ ናይ ካብ ኣሃዱኡ ዝወጸ ወታደር ኢዩ። ብኣጋጣሚ ድዩ ብመደብ ኣይፈልጥን፡ ኣብቲ ፍሉይ ጉዳይ ዝጸንሑኻ ብጾት፡ ብሕማቕ ዘረባ ቀልጢፎም ዘይሓርቁ ወይ ዝጻወሩ ኢዮም።

ሓደ መዓልቲ ካብቲ ኣብ ዓራርብ ዝነበረ ማእከላይ ሕክምና፡ ንናቕፋ ገጽና ክይድ ሓዲርና፡ ኣብ ሂምቦል ክንውዕል ካብ መካይን ወሪድና፡ መግብን መደቀስን ክህቡና ናብቶም ኣብ ምውፋር ሂምቦል ዝነበሩ ኣባላት ፍሉይ ጉዳይ ኣምሪሕና። ቁጽርና ብዝሕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ዝኣክል ኣይሃቡናን። ንጉሆ ንምሳሕ ደሊና ምስ ተመለስናዮም’ውን መልሶም ዘዕግብ ኣይነበረን። ሰለስተ ሰብ ግን ዳርጋ ናብ ህልኽ ኣቲና እና ተመላለስና ልቦም ኣጥፊእናሎም። ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ክልተ ኣብኡ ዝተላለኹዎም ብጾት ስሙ ጠቒሶም “እገሌ ጸውዑልና!” በሉዎም። ተጠቃሲ ሰብ መጺኡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት ፍሉይ ጉዳይ ሕሹኽ ኢሉዎም። ሽዑ እንታይ ከም ዝሓሰቡ ኣይፈልጥን፡ ኩሉ’ቲ ክርከብ ዝከኣል ማለት ሓርጭ፡ ሽኮር፡ ጸባ ወዘተ እኹል ሂቦሙና። ሓዊ ኣጒድና፡ ቅጫ ሰንኪትና፡ ጸባና እናበጽበጽና ጽቡቕ መዓልቲ ውዒልና። እቶም ሰለስተ ተግደልቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣባላት ፍሉይ ጉዳይ ተኻቲዕና ብዘመዝገብናዮ “ዓወት” ፍጹም ተሓጒስና። ቅድሚኡ ዘይንፋለጥ’ኳ እንተኾንና፡ በቲ ሽዑ ንጉሆ ዘመዝገብናይ “ዓወት” ግን ፍሉይ ዕርክነት መስሪትና።

ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ፡  መሬት ዝሕል ምስ በለ፡ መካይን ቅድሚ ምምጽአን ክንናፈስ ብእኡ ኣቢልና ከኣ ክነፋኹስ፡ ሰለስተና እናዕለልና ርሕቕ ኢልና ንወጽእ። እቶም ክልተ ብጾት ዝመላለስዎ ዝነበሩ ዕላል ግን ንዓይ ፍጹም ዝርደኣኒ ኣይነበረን። ኣስማት መራሕቲ፡ ክሳብ በዓል ሸሪፎ ዘለዉዎም ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት እናልዓሉ “ንሱ እኳ’ኢዩ ከምዚ ዝገበረ! ብሰንኩ እኳ’ኢዩ ከምዚ ኮይኑ . . .!” ክብሉ ጀመሩ። ናተይ  ዓለም ካብታ ዝነበርኩዋ ጋንታ ወይ ሓይሊ ዘይትሓልፍ ክንሳ፡ ንሳቶም ‘ከመይ ገይሮም ኣስማት ናይቶም ከም ኣማልኽቲ ኣብ ጽሑፍ ጥራይ እነንብቦ ሰባት፡ ክሳብ ክንድዚ ክፈልጡ ክኢሎም’ ፍጹም ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ዕላሎም ኣዝዩ ኢዩ ስሒቡኒ። ወዲ ገርሂ ልባ፡ ስቕ ኢለ ኣብ ክንዲ ዝሰምዕ፡ ኣብ መንጎ ዕላሎም ኣትየ “ከመይ ጌርኩም ነዚ ኩሉ ክትፈልጡ ኪኢልኩም?” ክብል ድቦላ ሕቶ ደርበኹሎም። ነንሕድሕዶም ድሕሪ ምጥምማት፡ ገለ ቃላት ተለዋዊጦም። ምናልባት ኣባላት ሰልፊ ዝጥቀምሉ መፍለዪ ኮድ ክኸውን ይኽእል። ንዓይ ግን ኩሉ ሕንቂል-ሕንቂሊተይ ኢዩ ነይሩ። ሽዓ ንሽዓ ድማ ምስቶም ተዓራሪኸዮም ዝወዓልኩ ክልተ ብጾት ተፈላሊና። ክንሸይን ኢልና ፋሕ ምስ በልና፡ ንሳቶም ተጠውዮም ከም ብሓድሽ ተራኾቦም ዕላሎም ቀጺሎም። ኣነ ንበይነይ፡ ንሳቶም ክልቲኦም፡ ክልተ ጉጅለ ኮይንና – ናብ መበገሲና ተመለስና። እታ ንጉሆ ዝጀመረት ዕርክነትና’ውን ንምሸቱ ላሕሊሓ። ከማይ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ክንሶም፡ ብዛዕባ’ቲ ዘዕልልዎ ዝነበሩ ዋላ ሓንቲ እንዶ ዘይነበረኒ ምዃኑ ግን ንሽዑ ብዙሕ ክሓስብ ጀሚረ። እቶም ኣብ ድፋዕ ዘለዉ ደቂ ኣሃዱየይ ከማይ ስለ ዝነበሩ ግን ንዘረባ ናይቶም ክልተ ቦጾት ካብ ሓንጎለይ ክሓኮ ወሲነ። በሰላታቱ ግን ፈጺሙ ክጠፍኣለይ ኣይከኣለን።

ሰልፊ ምንባራ ምስ ተነግረኒ ግን፡ እዞም ክልተ ብጾት ኣባላት ናይታ ኣነ ዘይፈልጣ ሕብእቲ ሰልፊ ምንባሮም እግምት። እቲ ካብ ፍሉይ ጉዳይ ‘ተቛይቑና ዘምጻእናዮ’ ዝመሰለኒ ስንቂ’ውን፡ መን ይፈልጥ- እቲ ተጸዊዑ ዝመጸ ሰብ ንሳቶም ዝፈልጥዎ ኣባሎም ዝነበረ’ሞ፡ ንዕኦም (ንኣባላቱ) ንምሕጓስ ዝሃበና ከኸውን ከም ዝኽእል እግምት። ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ሓደ ዓቢ ውዳቤ ዝህልው፡ ካልእ ስዉር ውዳቤ ድማ እዚ ኢዩ።  “ዝኣመንካዮ ኣይጥለምካ!!” ድዮም ዝበሉ ቀዳሞት!!!

ካብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ክልተ ኣጋጣሚታት ክገልጾ ዝደሊ ነገር እንተልዩ፡ ብሰንኪ’ታ ኣብቲ ውድብ ተሓቢኣ ዝነበረት ንእሽቶ ፍጥረት፡ ኣብቶም ብዘይካ ብጻያዊ ሓልዮትን ፍቕርን፡ ክቱር ሃገራዊ ዕላማን ዝኾነ ክፍኣትን ተንኮልን ዘይነበረና ተጋደልቲ፡ ከምዚ ዝበለ ምጥርጣራትን ተንኮላትን የጋጥመና ምንባሩ ኢዩ።

መደምደምታ፡ –

ካብ ኩሉዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ መረዳእታ እምበኣር፡ ውሽጣዊት ሕብእቲ ሰልፊ፡ ከም ትካል – ንህዝባዊ ግምባር መሪሓቶ ዘይኮነት – ቀቲላቶ ኢያ። እትመርሕ ፖለቲካዊት ኣካል ዘይኮነት – እትጨውን እትቐትልን ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ስላያ ትካል ኢያ ነይራ። ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸት ዘይኮነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብደምን መስዋእትን ደቁ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ናጽነት፡ ናብ ብርሰትን ባርነትን ዝለወጠት ግናይ ፍጥረት ኢያ። በብግዜኡ ንዝተቐልቀሉ ጀጋኑን ተባዓት ሃገራውያንን ቀንጺላ፡ ስልጣን ውልቀ-ሰብ ዘረጋገጸት ትካል ኢያ። ምሁር ዓቕሚ ህዝባዊ ግምባር በሊዓን ኣጽኒታን፡ ብምእዙዛትን ኣገልገልትን (ከም ባሮት ዝተባህሉዎ ጥራይ ብዝገብሩ ፈራሓት) ከም ዝትክኡ ዝገበረት ናይ ፈራሓት ባዶ እኩብ ኢያ ዝነበረት። ነዚ ኩኩ ከኣ ተሓቢኣን ተጸናትያን እምበር፡ ኣብ ቃልዕ ተማጒታን ረቲዓን ኣእሚናን ኣይገበረቶን።

ኣዳዕዲዐ ብምሉእ ርእሰ ምትእምማን ዝዛረቦ ነገር እንተልዩ፡ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ኣብ እዋኑ ውድባዊ ጉባኤ እንተ ዝገብር፡ ዋላ እቲ ድሒሩ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝተገብረ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ነጻን ክፉትን እንተ ዝነብር፡ እቶም ሽዑ ዝተመርጹ ምእዙዛት መራሕቲ፡ ኣይምረኣናዮምን። ህዝባዊ ግምባር ድማ ካብ ኣመራርሓኡ ጀሚሩ፡ ክሳብ ኣተኣላልያ ኲናትን ሓይሊ ሰቡን፡ ካልእ መልክዕ ምሃለዎ። እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ምልኪ’ውን ኣይምሃለወን፡ ብውሑዱ ህዝቢ ኣይምተበተነን።

ሕብእቲ ሰልፊ እምበኣር፡ ተባዓትን ቅኑዓትን ተጋደልቲ፡ ቀዳሞት ጸላእታ ኢዮም። ብኣንጻሩ ገርሀኛታትን ብዙሕ ዘይተማህሩን ተጋደልቲ፡ ንኣባልነት ትሓሪ። ኣንቢቦምን ጽሒፎምን ዝኽእሉ፡ ግን ከኣ ብዘይ ገለ ሕቶ ትእዛዝ ዝፍጽሙ፡ ናይ ከተማ በጋሚንዶታት ዝነበሩ ሰባት ንመሪሕነት ትመርጽ። ቅኑዕ ይኹን ጌጋ፡ ትእዛዝ ጥራይ ስለ ዝፈጸሙ ዝኾርዑን ዝሕበኑን ተጋደልቲ ሃሰስ ትብል። ላዕለዎት ኣዘዝታ፡ ጸላኢ ስለ ዝቐተሉ ዘይኮነስ፡ ኣጸልሚቶም ጀጋኑ ኣሕዋቶም ስለ ዝቐንጸሉ ጥራይ፡ ንነብሶም – ናብ ጀጋኑ ዝቐየሩ ምስሉያት ኢዮም።

ተሓታቲት ናይ ኩሉ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝተፈጸመ ጭውያን ቅትለትን፡ ንሳ እታ ሕብእቲ ሰልፊ ኢያ። ተጋዳላይ ተኻቲዑን ተመኻኺሩን ኣሰራርሕኡ ከም ዘየዐሪ ዝገበረት፡ ምሁር ዓቕሚ ሰውራ ዘጽነተት፡ ሰባት ዝደሃለት፡ ሰውራ ንኽምጠጥ ድርዒ ውልቀ-ሰብ ዝኾነት፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘዕነወት፡ ኣሕዋት ኣባኢሳ ጽልኢ ዘሳወረት፡ ሓባራዊ ስራሕን ተሓታትነትን ዘጥፈአት፡ ንሳ እታ ሕብእቲ ሰልፊ ኢያ። ተሓታቲት ናይ ኩሉ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ፍሽለታት’ውን ንሳ ኢያ።

እቲ ዘሕዝን ካብ ኣመራርጸኦም ጀሚርካ ዝበዝሑ ኣባልታ ነዚ ዝርድኡ ኣይነበሩን። ንሳቶም ንኹሉ ዝመጾም ትእዛዛት “ምእንቲ ሃገርን ሃገራዊ ረብሓን” ኢዮም ዝገብርዎ ዝነበሩ። እዚኣቶም ኣዝዩ ውሑድ ሓለፋ ዝነበሮም ይመስሎም’ኳ እንተ ነበረ፡ ማዕረ ኩሉ ኣባል ናይቲ ግምባር ህይወቶም ከይበቐቑ ተወፊዮም ኢዮም። እዚኣቶም ተግበርትን ተለኣኣኽትን እምበር ሃንደስትን ቀየስትን ናይቲ ዕንወት ስለ ዘይነበሩ፡ ብወገነይ ገበነኛታት ኣይገበሮም ኢየ። ቅኑዕ መሲሎዎም ዝገበርዎ ስለ ዝነበረ ድማ በቲ ኣሰራርሓ ዘይሕጉሳት እምበር፡ ተጣበቕቲ ኣይኮኑን።

ሕጂ’ውን ውሽጣዊት ሰልፊ ሰልያትናን ቀቲላትናን እምበር – ኣይመርሓትናን። ተሪኽና – ታሪኽ መላእ ህዝብን ተጋዳላይን ኢዩ። ታሪኽ ህዝባዊ ግምባር’ውን፡ ታሪኽ ናይቶም ርእሶም ኣቕኒዖም ዝተዋግኡን፡ ኣብ ቃልዕ ዝሞጎቱን ኢዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ናጽነት ድማ፡ ህያብ ዝፈሰሰ ደምናን መስዋእቲ መላእ ህዝብናን እምበር፡ ከምቲ ታሪኽ ክጨውዩ ዝፍትኑ ሰባት ዝደጋግምዎ ዘለዉ፡ ህያብ ናይ ሓደ ጉጅለ ወይ ናይ ሕቡኣንን መሕሾኽሾኽትን ኣይኮነን።

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

 

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • k.tewolde December 30, 2017

    ‘ካብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ክልተ ኣጋጣሚታት ክገልጾ ዝደሊ ነገር እንተልዩ፡ ብሰንኪ’ታ ኣብቲ ውድብ ተሓቢኣ ዝነበረት ንእሽቶ ፍጥረት፡ ኣብቶም ብዘይካ ብጻያዊ ሓልዮትን ፍቕርን፡ ክቱር ሃገራዊ ዕላማን ዝኾነ ክፍኣትን ተንኮልን ዘይነበረና ተጋደልቲ፡ ከምዚ ዝበለ ምጥርጣራትን ተንኮላትን የጋጥመና ምንባሩ ኢዩ።’….It makes the two of us and many more like us. On this occasion,do you know the same ‘Hibiti selfie’ infiltrated ELF and took a foot hold and on the rank and file of its combatants and some of us were approached by its covert operatives.Someone eventually will come forward and tell that version of the story.Those operatives can be traced today in the Asmara regimes high places and continuing their dirty work.

  • stefanos temolso December 31, 2017

    ሓው ታደሰ ነዚ ኣገዳሲ ሓበሬታዚ ምቕራቡ ምስጋና ይግብኦ። ብዙሓት ተጋደልቲ፡ ምስጢራዊ ሰልፊ ወላ’ኳ ብዙሕ ዘይቅታት ፈጺማ እንተኾነት ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ዓቢ እጃም ከም ዝነበረት ዝኣምኑ ኣለዉ። ብወገነይ ክርእዮ ከለኹ ግን ምስጢራዊ ሰልፊ ካብ ተዕርዮ ትጽይቖ ወይ ተዕንዎ ከም ዝበዝሕ እፈልጥ። ከምዚ ሓው ታደሰ ክብሎ ኣጸንሐ፡ ከምቲ ጸባ ለላህመቱ እንተ ተወዲኡ ልኻይ ክርከቦ ከም ዘይክእል ህሓሓኤ (ህግሓኤ) ድማ ብመሪሕነት ምስጢራዊ ሰልፊ ነቶም ደሞክራስያዊ ዝኾነ ውድብ ክህሉ ከም መቐጸልታ ድማ ፍትሓዊ ስርዓት ክተኽሉ ዝብህጉ ዝነበሩ ውፉያት ንብሉጻትን ባእታታት በብሓደ ስለ ዝጽነቶም፡ ሃገር በዞም ሕጂ ንርእዮም ዘለና ጃጀውቲ ርእሲ ታኒካ ዝኾኑ መራሕቲ ጥራይ ተመሊኣ ንርእያ ኣለና። ከም ሳዕቤን ድማ ኢሰያስ ስቓይ ህዝብና ከም ዝናዋሕን ካብቲ ኣብ ትሕቲ ደርግ ከሎ ዝነበሮ ኵነታት ኣመና ዝበኣሰ ከም ዝኸውን ገይሩዎ ይርአ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ እቶም ኣብ ግዜ ገድሊ ከይተረፈ ንህይወቶም ከይሰግኡ፡ ከም ሰቦም ውራይ ምትዃሶም ጥራይ ክገብሩ ዝኽእሉ ከለዉ ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ንዓብላልነት፡ ዘይምዕሩይ ምሕደራን ዘይፍትሕውነትን ብትብዓት ዝተቓወሙ ደሞክራስያውያን ብጾት እንተ ዝነብሩ፡ ኤርትራ ሎሚ ከምቲ ኣብ ፈለማ ናጽነት ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ዝዝረበላ ዝነበረ ውሃ ዘበለት፡ ክትነብራ ተብህግ ገነት ምኾነት ነይራ። ስለዚ፡ ብዅሉ ሸነኹ ክንርእዮ ከለና ምስጢራዊ ሰልፊ ከምቲ ገለ ካብቶም ገድሊ ካብ ዝጅምሩ ክሳዕ ዝውዳእ ዳርጋ ኣብ ሕጽኖት ዝነበሩ ኣባላታ ዝብሉዎ፡ ሰውራ ይመርሕ ነይሩ ዘይኮነ ብውሽጢ ኮይኑ ከም ስሙ ብስምጢር ነቲ ውድብ ንድሕሪት ይመልስን የዕኑን ነይሩ። እቲ ኣባል ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ ብንቕሓትን ተወፋይነትን ልዕሊ ኣባላት ምስጢራዊት ሰልፊ ምስ ኮነ ድማ ቅድሚ ሰውራ ምዕዋቱ እቲ ሰልፊ ከም ዝድስክል ተገይሩ። ኢሰያስ ባዕሉውን ሰልፊ ናይ ሕኸኸኒ ክሃከካ ኮይኑ ክብል ተዛሪቡ ይብሉ ኣባላትቲ ምስጢራዊ ሰልፊ። ነዚ ሓው ታደሰ ዝበሎ ጕዳይ ከበባ ናቕፋ ስለ ዝነበርኩዎ ምሉእ ብምሉእ እሰማምዓሉ። ሽዑ ይዝከረኒ፡ ንግህ ንግሆ በዓል እከለ ተሰዊኦም፡ እከለን እከለን እግሮም ተቘሪጾም፡ እከለ ዓይኑ ዓዊሩ ወዘተ ክብሃሉን ናብ ሕክምና ጠናስን ጻብራን ይጓረቱ ከም ዝነበሩን ንፈልጥ። ኣነ ንገዛእ ርእሰይ በታ ዓቕመይ ብርክት ዝበሉ መተዓብይትን መጋድልተይን ኣብ ግንባር ናቕፋ ረኺበዮምስ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከም ዝተሰውኡ እፈልጥ። ንባዕለይ ድማ መዓልተይ በጺሑ ኣብኡ ተወጊአ። ካብ መስርዕና ናይ መጀመርያ ውጉእ ኣነ ነይረ፡ ድሕረይ ግን ኣብ ሕክምና ደቂሰ ከለኹ መስርዕና ካብ 13 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰሙን 4 ሰባት ጥራይ ከም ዝተረፉ ሰሚዐ። ትራታ ንብሎ ንዝነበርና ሓኪም ጋንታ ደሚርካ ኣብ ሓንቲ ሰሙን 9 ሰባት ተሰዊኦም። መስርዕና ድሕሪኡ ዝተወዝዑ ሓደስቲ ተወሲኾማ ድማ ዳግም ከም ትቐውም ተገይሩ። ኣብ ናቕፋ ዝነበረ ኵነታት’ምበኣር፡ በርሀ ጻዕዳ በጦሊኒኡ ሒዙ ምስ መጽአ ንናቕፋ ብቐትሪ ኢና ንሃጅማ ኢሉ ነቲ ተበግሶ እንተ ዘይወስዶ ተጋዳላይ ህግሓኤ ኣብኡ ተሃንኵቱ መፍቶ ኢሰያስ ምኾነ ነይሩ። እዚ እዩ’ምበኣር እቲ ኣድማዕነት ናይ ምስጢራዊ ሰልፊ። ኣብ መቓብር ህሉዋት ዝብል መጽሓፈይ ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ ምስጡራዊ ሰልፊ ወላ ኣድላዪ እንተ ነበረ ድሕሪ ውድባዊ ጉባኤ ወግዓዊ ክኸውን ወይ ክፈርስ ነይሩዎ ኢለ ነይረ፡ ሕጂ ግን ምስ ሓው ታደሰ ምሉእ ብምሉእ እሰማማዕ።

  • መፍቀሬ ኢየሱስ January 1, 2018

    “እዛ ቆርበት መዓስ ተጸዪቓ? ኣብ ምንፋሓዶ ኣብ ምጥባሓ? ኣይ ካብ ምንፋሓን፡ ኣብ ምጥባሓ“ ከምዝተባህለ፥ ሕጊ ዘይኽተል፡ ሕዝቢ (ተጋርዳላይ) ዘይፈልጦ፡ ተሓታትነት ዘይብሉ፡ ብጸልማት ዝመላለስ ኣብ ጸልማት ኮይኑ ኣርዒዱ ዝነብር ኣካል ኣቚምካስ ቅንዕና ክርከብ ዘይመስል ነገር ኢዩ። ብንግሆ ኣተባላሽወ ነገር ድማኒ እነሆ ምትዕርራይ ስኢኑ፡ በካዪዳ ደቂ በረኻ እናኸደ ዜብርሰና ጨቋኒ መንግስቲ ተኾዲጩ ኣሎ።

    እቲ ዝገርም ግና፥ ንርእሳ ኣብጸልማት እናነበረት፡ ብጸልማት ሰብ እተጥፍእ ናይ ደቂ ሕድርትና ዝእትመስል ፍጥረት፡ ነቶም ዝጸልኣቶምን ንእከይ ተግባራታ ኬዔርዩ፡ ሕጋዊ ኣገባብ ንከትል ክንዲ ዝበሉ፡ እቲ ንዓኣ ነታ ሕብእቲ ናይ ስለያ ትካል ብትኽክል ዝግባእ ዝነበረ ስም “መንካዕ“ ቢላ ለጢፋትሎም፡ ጥዕይቲ ክትመስል ንነዊሕ ተሓቢኣ ክትቅጽል ምኻላ ኢዩ። ዝቐልዓ ይኹን ዝብድሃ ኣካል ከይረኸበት ክንዲዚ ዝነውሕ ግዜ ምቕጻላ ይገርም።
    ንተጋዳላይ ታደሰ ኪዳነ ነዚ ዜሕዝን ታሪኽና ብግቡእ ተንቲኖም ክንዲ ዘቕረቡልና፡ ኤመስግኖም፡ ዕድመን ጥዕናን እምነየሎም፡፡ ንዝመጽእ ድማ ዝሰፍሔን ዝዓሞቜን መጽናዕቲ ጌሮም ነዛ ሕብእቲ ፍጥረት፡ ክቐላልዑዋ፡ ብዘይካ ጸይቀ-ዕሉልን ጨካንን ኣቶ ኢሳያይስ ብዓል መን ኢዮም እቶም መሳርሒ ኮይኖም ዜገልገሉዋ፡ ሕጂኸ ብኸምይ ትንቀሳቐስ ኣላ፡ ደቂ ሃገርከ ከምይ ጌሮም ካብዛ ሕብእትን ጨካንን ፍጥረት ክሕለዉ/ክብድሁዋ/ክስዕሩዋ ይኽእሉ . . . ዝብሉ ሕቶታትን ካልኦትን ነዚ ዝመስል ሕቶታትን ክምልሱልና ብሃንቀውታ እዝበ።
    ሕብእቲ ሰልፊ፥ ኣብ ጸልማት ተሕፋቢኣ ስራሕ ሰይጣን እናሰርሔት እተብርሰና ዘላ ኣካል ከም ምኹና መጠን፡ ብሓደ-ክልተ ተባረርቲ ጽሑፋት ተተንኪፋ ከይትተርፍ ኩልኻትኩም እቶም እትፈልጡዋ`ሞ ዓቅሚ ዘለኩም ተኣኻኺብኩም፡ ዝዓሞቜ መረዳእታ ክትህቡና እላቦ። ናይ ዝሓለፈ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጂን ብድሕሪ ሕጂን እንታይ ትገብር ኣላ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ዝብል ርእቶ ኣለኒ። እዚ ዝጠፍ ዘሎ መንእሰይ ብዘይ ምኽንያትን ብዘይ ዕላማ ናይ ሓደ ኣብ ጸልማት ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ኣካልን ክኸውን ኢልካ ዘይሕሰብ ነገር ኢዩ።

    ፈጣሪ ካብዚ ዘለናዮ ሕማቕ ዘመን መዋጽኦ ይፍጠረልና።
    ብሩክ በዓል ልደት ይግበረና

  • Sol January 1, 2018

    መፍቀሬ ኢየሱስ

    ዝብኢ ክሳብ ዝነክስ ይሕንክስ እቲ ሰይጣናዊ ስራሕ ክሳብ ኣስመራ ዝኣትዉ ብምስጢር ይካየድ ነሩ ድሕሪ ነጻነት ግን ብዕሊ ስለዝኾነ እንታይ ነጋሪ ኣድሊዩና።

  • መፍቀሬ ኢየሱስ January 1, 2018

    ሰላም ሶል
    ርግጽ ኢዩ ሰይጣናዊ ተግባር ንርኢ ኣለና፡ ንሱ ድማ ሓሕ ክንብሎም ዝኣክል ምኽንያት ምኾነ ኔሩ። የግዳስ፡ ኣባላ እዛ ናይ ጸልማት ጉጅለ፡ንብዙሕ ኤርትራዊ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም የታልሉዎ ከም ዘለዉ ይርእየኒ። ካልእይ ነገር ድማ፡ እቶም ኣባላት እታ ናይ ጸልማት ውድብ ጌና “ኣብ መጋረጃ ዝነበረት መርዓት“ ኣምሲሎም ኬቕርቡዋ ካብ ፈተኑ፡ ጌና ብዙሕ ሰብ ጠባያታ ኣይተረድኦን ኣሎ ማለት ኢዩ። ሳልሳይ ነጥቢ ድማ፡ እዛ ናይ ጸልማት ሰልፊ፡ ንሃገና ናብ ጸልማት ቀዪራታ ኣላ፡ ዕላማኣ ግን ብንጹር ኣይተረድኣናን ኣሎ። እንታይ ክትጭብጥ ኢያ ትደሊ ዘላ? ናይ ሥልጣን ዋንነት ክተረጋግጽ ኢያ ትደሊ ዝብል ምላሽ ኣየዕግበንን ኢዩ።
    እንታይ ክትጭብጥ ደልያኾን ትኸውን ኣብ ምፍራስ ሃገርን ኣብ ምብታን ጥሙር ዝነበረ ሕብረተሰብን ተዋፊራ ዘላ?
    ብሩኽ ልደት

    • Danilo January 1, 2018

      መልማሊኦም ሓደ በቃ ንሱ
      ውሃ ዘበለ “ንሕና ንሱ”
      ኩላ ደዋዊሱ።
      ብዘይ ሕብእ-ብእ
      ኣሙን ከም ሓደ ቁቡእ
      ሽደናት በሊዑ ኣብ ቅርዓት ዘጉስዕ።
      ኣምላኽ ይተዓረቅና።

  • AHMED SALEH !!! January 1, 2018

    I think the country including the silent majority in diaspora are still under control of secretive party intelligence
    to serve Issayas majesty interest . For example , we observe many Eritreans act in fear not to speak up openly
    and engage with confidence rather than they pass their demand for others to speak for them .
    It is true when said ; ‘ we are always responsible for our actions , no matter how we feel ‘ .
    LANGA – LANGA reflects COWARDICE that lure a country to tragic fate where in certain way it makes a whole society to suffer . To judge others way of life from our comfort zone shows arrogance , betrayal and evil
    state of mind . We saw and heard the responses of some HGDFwian idiots at times of Eritrean refugees tragedies .
    Obviously SECRET PARTY hidden under the rug of EPLF looks to dominate our sociopolitical affairs inside
    and outside the country .
    Lack of UNITY might give them an opportunity to infiltrate into opposition groups . Who knows !

  • k.tewolde January 2, 2018

    Folks we are not oblivious to our history especially those who were there in the infancy of this unholy collusion to disintegrate our pristine society from inside out,however we decided to be indifferent,looked the other way and chose to be mute instead of taking action to nip it at the bud,and guess what!? we were armed and by far outnumbered those who were and are eating us alive.You can come up with all kind of excuses today why you took that stance then,but it cannot change the course of history and bring back the best,the brightest,the jewel that our nation ever had.The worst legacy that came out of this is the children copied our behavior and became servants of their predator and those confused chose to risk their lives by running away from home that turned cold.Can we blame anyone here except ourselves? It is time to reflect,summarize our mistake,be brave and apologize to our people for letting them down and move forward together and tell the marauders you can’t keep doing this to us anymore.It is not too late.The children will be proud of us and may even emulate us. Let’s make that our New Years resolution.

    • ተስፋሚካኤል፡ January 4, 2018

      ታደሰ፦ ብወገነይ ሕጂ’ውን ንዘቕረብካዮ መሃሪ ትረኻ ከመስግን እፈቱ። እንተ ንሳቶም ሎሚ’ውን ብዘይ’ቲ ከምኡ ዝኣመሰለ ቡሑት ስራሓት ከምዘይምተዓወትና’ዮም ዝገልጹ። ሎሚ’ውን ከምቲ ሳልሕ ጠቂስዎ ዘሎ ብዘይከምኡ ዝኣመሰለ ውደባ ፖለቲ ካ ከምዘይስራሕ ክጉስጉሱ ይስምዑ ኢዮም። መቸም ኢሳይያስ ስልጣን ምምናዩስ ምንም ኣይኣበሰን፡ ንነገሩ ግና ብሓቂዶ ንናጽ ነት ይደልያ ይነብር? ንገሌናስ ክሳብሎሚ ኣይተመለሰልናን ይኸውን። እንተ ንሱ ከምቲ ቅድሚ ናጽነት “ሰልፊ ናይ ቤተ-ሰብ ኮይና” ብዝብል ከምዘደስከላ ዝጠቐስካዮ፡ ናብኡ ዝበጽሓሉ ምኽንያት ካብ ኣባላቱ ግሁድ ተቓውሞ ስለዝመጾ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብእቲ ዝያዳ ዝተሓብአት ስውርቲ ምምስራቱ ኣይንዘንግዕ። ኣብ 1994 በቲ ሓደ ወያ ሰልፊ ከምዝፈረሰት ‘ከበስረና’ እንከ ሎ በቲ ስዉር መዳያቱ ድማ ብሓደስቲ ኣባላቱ ምምስራት ዝሓደሰት ሰልፎም ዝእውጁሉ ጉባኤ ምንባሩ ናይ ትማሊ ዝኽርና ኢዩ። ድሕሪኡ ዝቐጸለ ፖለቲካና ከኣ ያኢ ብዘይከምኣ ዝኣመሰለት ናይ ጽንተት ሰልፊ ፖለቲካ ከምዘይስራሕ ስለዝተነግሮም ብዘዚሙ ኣባላት ሕቡኣን ድማ ኣእዛንና ደንቚሩ!!
      መቸም ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ስራሓት ከተስተምህሮ ምፍታን ድፍረት ኢዩ። ንሕና ደቒ ህዝቢ ድማ ትርጉምን ኣገ ዳስነትን ሰልፍታት ጠፊእና ኣይፈልጥን። ዘዛርበና ዘሎ ከምዚ ታደሰ ዝገለጾ እታ ዝምኩሑላ ሕብእቲ ሰልፊ ሓለዋ ዋናኣ’ምበር ኣሕዋታ እናብረሰት በቲ ብሕቡእ ትጉንዖ ዝነበረት “ቡለቲን” ዝብሉዎ ናይ ወረ ጌዘጣ ክትጎስዕ እንተዘይኮይኑ ቅንጣብ’ውን ት ኹን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ከምዘይነበራ ፈሊጥናዮን ሎሚ’ውን ብስም ህግደፍ ዝግበር ብርሰት ንሪኦን እነና። ታሪኽናን መስ ዋእትናን ዝብክሉ ሓደስቲ ስዉራን መንእሰያት ዓቀይቶት ከፍርዩ ተቓሊሶም ዓወት ምስበዓዶም ድማ እንሆ ናብ ህ.ግምባር ተ መሊሶም ክስወሩ ይፍትኑ። ግናኸ ንሶምሲ ድሮ’ኮ ብኢዱ ይእርብዶም ኣሎ።
      ርግጽ ኣብ ዓለም ዝሓየለ’ዩ ዝነብር። ግናስ ሓያል ፍትሓዊ እንተዘይኮይኑ ወዳቒ’ውን ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ’ቲ ዝኸውን ክወርደና ኢዩ። ግናኸ እታ መሬት ናይ ዋናታታ ክትከውን ምእንቲ ፈጣሪ ስምምዕን ፖለቲካዊ ጸጋን ይኽዓወልና ደቂ ኤርትራ!
      የቐንየለይ ንኩሉኹም፡

      • k.tewolde January 4, 2018

        ‘ግናስ ሓያል ፍትሓዊ እንተዘይኮይኑ ወዳቒ’ውን ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ’ቲ ዝኸውን ክወርደና ኢዩ። ግናኸ እታ መሬት ናይ ዋናታታ ክትከውን ምእንቲ ፈጣሪ ስምምዕን ፖለቲካዊ ጸጋን ይኽዓወልና ደቂ ኤርትራ!
        የቐንየለይ ንኩሉኹም፡’….. I truly believe in the end the Lord will sort it out redeem the disadvantaged and punish the guilty, however we have to take steps towards that redemption instead simply resigning to fate.

        • k.tewolde January 4, 2018

          As the good saying goes,’God helps those who help themselves.’ the tyrant doesn’t produce more testosterone than us,we just gave him ours.

POST A COMMENT