Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕቶታት ኣለዉኒ፡ ሕጂ ውን ዝምልስ እንተሎ ዓይንኹም ይብራህ – (2ይ ክፋል)

ማሕሙድ ሳልሕ 11- እንታይ ስለዝገበርናዮም ኮን ይኸውን እዞም ኣማርካ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝጭክኑልና?( ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፊ ናይዚ ዓምዲ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ኣሎ) ንመበራበሪ ክኾነና፡    ናይ ጆን ፎስተር ዳለስ ጥቅሲ ትደጋገም እያ። ንሳ ቅድሚ ኣስታት 70 ዓመታት ኣብ ኣዝዩ

ማሕሙድ ሳልሕ

11- እንታይ ስለዝገበርናዮም ኮን ይኸውን እዞም ኣማርካ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝጭክኑልና?( ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፊ ናይዚ ዓምዲ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ኣሎ)

ንመበራበሪ ክኾነና፡   

ናይ ጆን ፎስተር ዳለስ ጥቅሲ ትደጋገም እያ። ንሳ ቅድሚ ኣስታት 70 ዓመታት ኣብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኩነታት ዓለምናን መዋእልን ዝተባህለት እያ። እቲ ዝሰዓበ መርገጺ ኣመሪካ ዘገደደ ኩነታት እውን ሎሚ የለን። ኣመሪካ ዝወሰደቶ ናይ ሽዑ መርገአጺ ኣንፈት ታሪኽና ከምዝቀየረን ድሕርኡ እውን ኣመሪካ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ንምጉዕጻጽ ኣሉታዊ ተራ ከም ዝነበራን ምዝጉብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ለውጥታት ተራእዩ። ወዲ ሰብ ንጠፈር መሊኹ፤ ኣመሪካን ቻይናን ዕርክነት ጌረን፤ ዝሑል ኲናት ኣብቂዑስ ሶቬት-ሕብረት ናብ ዳግም ክገጣጠም ዘይክእል ስብርባራት ፋሕፋሕ ኢላ። እቲ ቀደም ብኑኵሌሳዊ ኣጽዋር ዓለም ክህሙኽ ተፋጢጡ ዝነበረ ሓይልታት ምዕራብን ምብራቕን ሎሚ ብንግድን ዓለማዊ ምትሕብባርን ተጠናኒጉ ካብ ብኵናት ዝረብሖ ብኵናት ዝኸስሮ ስለዝበዝሕ ፍልልያቱ ብሰላም ኣብ ምውጋድን ኣብ ዕቤታዊ ውድድርን ኣትዩ ኣሎ። ደሓር ከኣ፡ ዝምድናታት ሃገራት ብናይ ክሉ-ግዜ ፈታዊ ወይ ናይ ክሉ-ግዜ ጸለኢ ዝብል ምድባት ኣይኮነን ዝምራሕ። ዕምቆት ዝምድናታተን  ዝውስኖ ሃገራዊ ረብሓአን እዩ። መን ምስ መንን እንታይ ዓይነት ዝምድናን ዕምቆቱን ዝውስና ንሰን እተን ውልቀ-ሃገራት እየን።

መራሕቲ ህግድፍ ክሉ ሕመቖም ብኣመሪካ ከመኻንዩ ካብ ዝስምዑ ነዊሕ ኮይኑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ገኒኑ። ድሕነት ኤርትራውያን ቆልዑ ዘይሓለዉስ ክሉ ፍልሰትን ህልቂትን መንእሰያትና ጠንቁ ምሉእ ብምሉእ ኣመሪካ እዩ ይብሉና ኣለዉ- ከይሓፈሩ። መነባብሮ ኣንቆልቊሉ? ኣመሪካ ይስከሞ። ዜጋታት ፍትሒ ስኢኖም? ፍትሒ ኣመሪካ ሰሪቖሞ። ሰበስልጣን ብብዕልግና ሃገር ኣጥፊኦማ። ሲ.ኣይ.ኤ-ላንግሊ ድውሉ። ንምንታይ ደንጒኻ ቤት ጽሕፈት ተኣቱ? ኣመሪካ ራይድ ኣይሃበንን። ሰባይትኻ ብከመይ ተገላጊላ? ብሰንኪ ኣመሪካ 6 ሳዓት ተጻዒራ።ካን፡ ወላ ከፊላዊ ሓላፍነት ምስካም እውን ኣብዩዎም። ብዝኾነ፡ ብቀደሙ ሓላፍነት ዘይስመዖ ጉጅለ ማፍያ እዩ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ። እዚ ክስታት እዚ በቲ ንሶም ዝቆጻጸርዎ ማስ ሚድያን ኣብ ደገፍቶም ጥራይ ዝሳተፍዎ ኣኼባታት ስለዝደጋግምዎ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ናጻ ዜጋታት ገጽንገጽ ክገጥምዎ ኣሸጊርዎም ኣሎ። ጠገለ ብዝበተኸ መልክዑ ከኣ ይቅጽል ኣሎ።

እስከ ጭብጥታትኩም ኣቅርቡ፡ ከመይ ኢልክም ኢኹም ኩሉ ፍሽለታትኩም ንኣመሪካ ተሰክሙ? ኣይበዝሐን’ዶ? ቅሩብ ከ ክንደይ ንሕመል ትብሉ ትኾኑ? ሃገራት ንርእሰን እየን ዝሰርሓ። ኣመሪካ ከ ንሃገራዊ ረብሓኣ ብዘሰስን እንተሰርሓት ኣብ ዓለም ሓዲሽ ድዩ? ተንኮላትን ሸርሕታትን ኣመሪካ እንተሃለወ ከ ንዕኡ ዘፈሽል ሜላ ዘይምክታልን ኣብ መጻወድያኡ ዘይምእታውን ሓላፍነትኩም ‘ዶ ኣይኮነን? እንተደኣ ኣመሪካ ዓመት ድሕሪ ዓመት ኣላሽ ተብለኩም ኮይና እቲ ሕመቕ መን እዩ ዝስከሞ? ኣመሪካ ንረብሃኣ እምበር ንረብሓ ኤርትራ ኣይክትሰርሕን እያ። ክትሰርሕ እውን ዝጽበያ የለን። ምምሕዳራት ኣመሪካ ብሕጊ ዝምእዘዝን ቁጽጽር ዝግበረሉን እዩ። መራሕቲ ኣመሪካ፡ ንረብሓ ኣመሪካ ክሰርሑ እዮም ማሕላ ዝጠቕዑ። ብውልቃዊ ዕርክነትን ሕብእብእን ኣይኮነን ዝሰርሑ ። ብናይ ውልቀሰባት ዊንታ ዝቀያየርን ዝጠዋወን ኣይኮነን (ኢሰያስ፡ ምስ ሓለፍቲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዝነበሮ ኩራ፡ ኤርትራ ክሳርኣ ክተውሕድ ወይ መክሰባታ ክተዕቢ ዝነበራ ዕድላት ቆምሲሉ ከምዝተረፈ ይንገረሉ እዩ)። እዚ ትፈልጥዎ ኢኹም። እናፈለጥኩም፡ ንኩምራ ሕመቕኩምን ፍሽለትኩምን ናብ ኣመሪካ ምስልባጥ ነታ “ቆምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ “ እትብል ምስላ የዘኻኽረኒ።  እስከ እዚ ክስታትኩም ንርኣዮ። ብሓቂ ማይ ዘየሕልፍ ስጥም-ግጥም ዝበለ ይመስል ‘ዶ ይኸውን? ጭብጥታት ኣቕሪብኩም ስለዘይትፈልጡ፡ ሓደ ናጻ ኣእምሮ ዝውንን ተራ ሰብ ንክስታትኩም ብከመይ ክርእዮ ከምዝኽእል ከርኢ ክፍትን እየ። ተራ ሰብ ማለተይ እየ። (እዚ ናይ ወያነ ‘ዩ ትብሉ እንተኰንኩም፡ ጭብጥታት ክተቕርቡ ብትሕትና ትሕተቱ- ጭብጥታት ምቕራብ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ‘ኳ እንተዘይኮነ)።

ሀ- ኣመሪካ ንናጽነትና ኣይተኣምንን ‘ያ። ንሕና እንኮ በዳህቲ ኣስፋሕፋሒ ፖሊሲ ኣመሪካ!

ደድሕሪ ረፈረንዱምን ምእዋጅ ናጽነትን፡ ፕረሲደንት ክልንተን ከብቶም ቀዳሞት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደዱ መራሕቲ ዓለም እዩ ኔሩ። መንግስቲ ህግድፍፍ እውን ኣቓልቦ ኣመሪካ ክስሕብ ኣንጊሁ እዩ ተበጊሱ። ነዊሕ ከይገበረ፡ መራሒ ኤርትራ ብዘይ ምረቓ ህዝብና ንዕላማታ ኣመሪካ ብወኪልነት (ከዳምነት ክትብልዎ ትኽእሉ ኢኹም) ከሳልጥ ይጓየ ከምዝነበረ ናይ ትማሊ ዝኽሪ እዩ። ንመንግስቲ ሱዳን ንምውዳቕ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ልፍንትን ከም ውጽኢቱ ሰራዊት ኤርትራ ልኡላዊ መሬት ሱዳን ጥሒሱ ክሳብ ቶኮር ከም ዝበጽሐን፡ ብጾትና ኣብ ዓበይቲ ቀላያት፡ ክሳብ ኮንጎ፡ ከም ዝተላእኩ ‘ኮ ኣይተረሰዐን። ናይቲ ዕንደራ መወልትን ደፋፋእትን መን ኔሮም? ኣመሪካውያን። ” መን እሙን ዓርኪ ኣመሪካ ይኸውን” ኣብ ዝብል ህልኽ ምስ መንግስቲ ወያነ ኣብ ቅልስ ተጸሚዱ ዝነበረ መን ድዩ? እንተ ከዳሚ ንበሎ እንተ ወኪል፡ ብርግጽ መንግስቲ ህግድፍ እዩ ኔሩ። ስለ’ዚ፡ 1- ኣመሪካ ንናጽነት ኤርትራ ምእማና ኣብ መዝገብ ኣሎ፤ 2- በዳህቲ ኣመሪካ ዘይኮነስ ብዘይ ፍቓድ ህዝብና፡ ብዋጋ መንእሰያት ኤርትራ ፖሊሲታት ኣመሪካ ክተተግብሩ ትጓየዩ ከምዝነበርኩም ኣይተረሰዐን። በዚ ከኣ፡ እዚ ምጉት እዚ ውዱቕ ይኸውን።

ለ- ካልእ ዝደጋገም ሕቶ ጂኦፖለቲክስ እዩ። ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ስለትርከብ ብኣመሪካ ዝዝወር መንግስቲ ክትተክል ትደሊ። (ያኢ፡ ብኣኣ ከምዘይተዘወሩ- ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥቢ ረአ)

ዝሑል ኵናት ኣብቂዑ እዩ። ኣመሪካ ኣብ ቃኘው ይኹን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክትሰፍር ኣየድልያን እዩ። ምዕባለ ተክኖሎጂ ኣጽዋር ውግእ ይኹን ዳግመ-ስርርዕ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓይልታት ዓለም ነዚ ብሉይ ዶክትሪን ኵናት ቻው (ባይ-ባይ) ኢልዎ እYU። ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ዘድልያ መደበራት ኣለዋ። ንኤርትራ ዝቐረበ እቲ ኣብ ጂቡቲ ዘሎ እዩ። ነዚ ኣብ ጂቡቲ ዘሎ መደበር እዚ ኣብ ኤርትራ ንምግባሩ መራሕቲ ህግድፍ ዝገበርዎ ፈተነ ተጻሒፍሉ እዩ። ስለ’ዚ በጃኹም ኣዕርፉና። ተቐናቐንቲ ኣመሪካ  ኮይንኩም ኣይትቕረቡ። ኣብቲ ኩርክስ እትጉዳእ  ኤርትራ እያ። ኣብ ጉስጢ ክብደትካ ምፍላጥ ወሳኒ እዩ። ልቦም ክትሰልቡ ትጓየሉሎም ነይርኩም ከ ኢልና ‘ዶ?  ስለ’ዚ፡ ካልእ ውዱቕ ምጉት ንበሎ።

ሐ- ዕዳጋ ክንኮነሎም ይደልዩ፡ ንእሽቶን ድኻን ህዝቢ ኢና። ስለዚ፡ ንዕዳጋ ሃለኽቲ ኣመሪካውያን ክሳብ ሕጂ እንነወናውን ኣይኮናን። ተስፋ ኣሎኒ ክንክውን።  በዚኣ ንሕለፋ።

መ- ሃብትና ክምዝምዙ ደልዮም። ክሳብ ሕጂ ኩዌት ወይ ዛየር ኣይኮናን ዘለና። ንኣመሪካ ክሳብ ክንድ’ዚ ዘጸልል ሃብቲ ዛጊት ኣይተለለየን። ተስፋ እገብር ክርከብ። ካልእ ውዱቕ ምጉት።

ሐ- ኣመሪካ ንኣፍሪቃ ኣብ ዞባታት ከፋፊላ ብጎባልል ዝበሃላ ሃገራት ክትቆጻጸራ ትደሊ (ህግድፍ ከዳምነት እዩ ዝብሎ)። ተዛረብቲ እንግሊዘኛ ከምዚ ከጋጥሞም ከሎ “ So, what?” ይብሉ። እዚ ‘ሞ ሓድሽ ድዩ? ንውሽጣዊ ናጽነት ናይተን ካልኦት ሃገራት( እተን ዘይጎባልል) ከ ብከመይ ይጸልዎ? ንኣብነት፡ ኢትዮጵያ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ ንበል። እዚ ተራ’ዚ ወይ status ንውሽጣዊ ናጽነት ከንያ ወይ ዩጋንዳ ወይ ርዋንዳ ብከመይ ይጸልዎ? ኣመሪካ ከ ምስ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዝተፈላለየ ደረጃታት ዝምድና ክትገብር መሰላ ‘ዶ ኣይኮነን? ንሳ ‘ኮ ንሃገራዊ ረብሓኣ እያ ትሰርሕ። ሕራይ’ስከ እዚ ምጉት እዚ ቅሩብ ‘ዶ ሓቂ ይኸውን ንበል። እሞ ካልኦት እንተከደሙ ህግድፋውያን እንታይ ዓጠጦም? ዘይምክዳም ተረፎም። ከምዚ ዓይነት ርእሰ-ምዕባይን ምትዕናናትን ህግድፍ ዝጀመሮ ዘይኮነስ ካብቶም ገና ንዜጋታቶም ዓፊኖም ዘለዉን ካብቶም ዜጋታቶም ዝደርበይዎምን ብልሽዋት ዲክተተራት ዝተማህሮ እዩ። ከክፍኡ ኣብ ምምሃር መቸም ዝቅድሞ የለን። ነቶም ክሓቱካ ዕድል ዘይብሎም ወይ ድማ ነቶም ከብዶም መኺርዎም ሰማዕቲ ጥራይ ክኾኑ መሪጾም ዘለዉ ክተጸምም ትኽእል ኢኻ። ስለ’ዚ፡ ኣኳስ ምጉት እዩ ምባሉ ይከኣል።

ሰ- ወያነ ዘይኮነስ ኣመሪካ እዩ ተዋጊኡና። ዶብና ክሕንጸጽ እውን ኣይትደልን እያ።

ምኽሪ ኣመሪካ ሰሚዕካ ኔርካ እንተትኸውን ብዙሕ ሂወት ምደሓነ ‘ሞ ሎሚ ገጽ ብዙሓት ኣደታትና ፍሽኽታ ዓሲልዎ ደቂ-ደቀን ከሰራስራ ምረኣና ኔርና። ክሳራ ክልቲኡ ህዝብታት ምወሓደ ኔሩ። እቲ ሓቂ፡ ኣመሪካ ካብ መጀመሪያ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ”ይግበኣኒ” ‘ዩ እትብሎ ቦታ፡ ናይ ይብጸሓኒ መሰላ ብዘይትንክፍ ደረጃ ናብ ዝነበሮ ቦታ ክምለስን እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ክፍታሕን ጽዒራ እያ። እቲ ኵናት ምስ ቀጸለ እውን ክልቲኡ ወገናት ቶኵሲ ደው ከብሉ ብዘይ ዕርፍቲ ሰሪሑ። ስምምዕ ኣልጀርስ ብቀንዱ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን(UN) ይምልከት። ኣቲ ስምምዕ ትጽቢት ዘንበረሉ ምትሕብባር ክልቲኡ ወገናት እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ሓደ ወገን እንተሓንጊዱ ንምትግባሩ ብሓይሊ ወይ ብውግእ ወይ ብእገዳ ክግደድ  እዩ ዝብል ኣንቀጽ ይኹን ሓረግ የብሉን። እዚ ከኣ እዩ እቲ ድኹም ጎኒ ናይቲ ስምምዕ። እዚ ይኹን እቲ፡ ክሳብ ሕጂ መርገጺ ኣመሪካ፡ ንብይን ናይቲ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ዝቅበልን ንኢትዮጵያ ነቲ ፍርዲ ከምዘለዎ ክትቅበሎ ዝጽውዕን ‘ዩ። ኣብ ቦታ ኤርትራ ኮይና ንኢትዮጵያ ክትዋጋእን መሬት ኤርትራ ክትሕርርን ግን ትጽቢት ዝግበረላ ኣይመስለንን።

ንእግረ-መንገድና፡ ኣብ 1998፡ ኲናት ዶብ ጀሚሩ ምስ ሰማዕኩ ከኣምኖ ኣሽጊሩኒ። ባድመ ኣብ መፋርቅ ሰማንያታት ውዒለ ሓዲረሉ ኣለኹ። ሽዑ እውን ኣብ ትሕቲ ወያኔ ኔሩ። ብዛዕባ እዚ ቦታ’ዚ ዝነበረ ናይ ጀብሃ ይኹን ድሕርኡ ዝሰዓበ ፖሊሲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እፈልጦ እየ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣሃዱ ካርቶግራፊ ወያነ ወሰናስን ከጽብቡን ከግፍሑን ከምዝከረመን ሓረስቶት ኡይ ይብሉ ከምዝነበሩን ይዝከር። ቀቅድሚ እቲ ውግእ ኣብ ዝነበራ ሳምንታት፡ ኢሰያስ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ጥይት እውን ዘተኩስ ኩነታት ከምዘይነበረ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።  መራሕቲ ህግድፍ፡ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ኣቤቱታ እንተዘቅርቡን (ንኣብነት ውድብ ሕ.ሃን ውድብ ው.ሓ.ኣን) ነቲ ሽግር ኣብ ቅድሚ ዓለምን ህዝቦምን እንተዘልዕልዎን ብሰላም ክፈትሕዎ ፈተነታት ገይሮም ነይሮም እንተዝኾኑ ሃንደበት ኣይምኾነን። ምናልባት እውን ከም ርእሰ-ምክልኻል ክትርጎም ምተፈተነ።  ኣብ ዓለምና ምስሕሓብ ዶባት ዘለወን ሃገራት ብዙሓት እየን። ገሊአን ‘ሞ ኑክሌር ዝውንና እየን። ይኹን እምበር፡ ናይ መጀመርያ ወስተአን ብታንክታት ዝገበርኦ እንተለዋ ኣዝየን ውሑዳት እየን። ህ.ግ. ኣብ ሰማንያታት ልቦና ከርኢ እንከሎ፡ ምስ ግዜ ዝያዳ በሲሉ ይኸውን ኢልና ኣብ እተጸበናሉ መወዳእታ ትስዓታት ግን ናይ ምምዛን ዓቅሙ ኣጕሂዩና። እቲ ውድብ ድሮ ብህግድፋውያን ተጨውዩ ኔሩ። ንሓደ  ከብቶም ንሃገርና ኣብ ሰለሎ ኣእቲዩ ዘሎ ዕንደረኦም ደፋፊኦምልናን ኣስገዲዶምልናን። ሳላ እቶም ኣብ ጥራሕ ጎላጉል ደንካልያን ኣብ ሰናጭሮታት ዳሴን ኣብ ዝባውንቲ ከበሳን  ንሓጻውንቲ ዘምከኹ ጀጋኑና’ምበር ሎሚ እቲ ጸወታ ካልእ ምኾነ።( ንሓበሬታ፡ እቲ ኲናት ክውገድ ዝግበኦ ከምዝነበረ ናይ ሽዑ እምነተይ ኔሩ። ሕጂ ውን ጸኒዐሉ ኣለኹ)። ኣቶ ኢሰያስ፡ ነቲ ኵናት ሎሚ ወሊዕዎ ኔሩ እንተዝኽውን፡ እንተወሓደ ምኽኑይ ምኾነ። እዚ ንምጉት እምበር ኵናት ስለዝምነ ኣይኮንኩን። ድሌተይ ንደቅና ኵናት ዘይኮነስ፡ ሰላምን ፍትሕን ርትዕን ዝሰፈና ሃገር ክንገድፈሎም እዩ።

እቲ ቁምነገር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ብይን ብዘይ ዕጸምጸ ክትግብርን ህግድፍ ኣመሪካ ኣየተግበረትለይ ኢሉ ዝገብሮ ብኽያት ሕንቁቅ ቆልዓ ከቋርጾ ኣለዎ። ብፍላይ ትግራዎት፡ እቲ ኲናት ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዝያዳ ንስኹም ተሃሲኹምሉ። መቸም፡ ዝኾነ ኮይኑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንመራሕትኹም ታሪኽ ክተዘኻክርዎምን እቲ ጉዳይ ብዘይወዓል ሕደር በቲ ተበዪኑዎ ዘሎ ክፍታሕ ጸቅጢ ክትገብሩሎም ሓላፍነት ኣለኩም። ዝምድና ክልቲኡ ኣህዛብ ከም ክሉ ካልእ ጎረባብቲ ብሓጎጽጎጽ ዝመልአ ምዃኑ ይርደኣኒ እዩ። ግን ብሓንሳብ ጠሚናን ደሚናን  ሓዚንናን ኢና። ኣዕጽምቲ ትግራዎት ኣብ በረኻታት ሳሕል ኣሎ። ኣዕጽምቲ ኤርትራውያን እውን ኣብቲ ተልምዕዎ ዘለኹም መሬት ከምዘሎ ኣይትስሕትዎን። ክልቲኡ ኣህዛብ ካብ ብኲናትን ምትፍናን ዝረኽብዎ ብስኒትን ምትሕግጋዝን ዝረኽብዎ መክሰብ ይበዝሕ። እዚ ድማ በቲ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዕቍባኹም ዘለዉ ኤርትራውያን እትገብርዎ ኣተሓሕዛ ይጅምር። ሓገዝ ኤርትራውያን ተነፊጉኩም ኣይፈልጥን እዩ እሞ ሓገዝኩም ኣይፈለዮም። እዚ ክፉእ ግዜ’ዚ ክሓልፍ እዩ። ባህልታት ክልቲኡ ኣህዛብ ንሓደጋ ዝምነን ዝወራዘየሉን ኣይእንግድን እዩ።

ሸ- ንሶማል ካባና ዝብጸሖ ወገን የለን። ኣመሪካ ብካዳሚኣ ወያነ ክትቆጻጸራ ደልያ።

ህግድፍ ንኣልሸባብ ሓገዝ ይህብ ‘ዩ ወይ ውን ናይ ስራሕ ዝምዳና ኣለዎም ንምባል ዘኽእል ጭብጥታት ዘቕረበ ወገን ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ብጸላእቲ ኤርትራ ርኡይ ብዝኾነ ዝተፈብረከን ዝተቃመመን “መርትዖታት” ሕምቀት መራሕትና ነይሩ እንተዘይከውን ኣብ ክትዕ እውን ኣይምቐረበን። ግን ምሩር ምሩር እዩ። ሕመቕ ዝለገቦ ሰብ፡ ድኹማት ይቅድምዎ፤ ገበነኛታት ይረትዕዎን ትንዕ-ትንዕ ይበዝሖን።

ሶማሊያ ብዙሓት ሓይልታት ከምዝተቀያየሩላን መራሕቲ ህግድፍ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቁርቁስ ኣትዮምላ ከምዝነበሩን ካልእ ግንባር ንምፍጣር ከምዝጸዓሩን ግን ንሶም እውን ኣይክሕድዎን። መራሕቲ ህግድፍ፡ ሶማል ንናጽነት ኤርትራ ስለዘበርከተቶ ሓገዛት ጽቡቓ ንምምላስ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና ‘ውን ክብሉ ይስምዑ እዮም። ንዓመታት፡ ኣክንዲ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣንጻሩ ክረባረቡ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ብሃንደበት ኣንፈት ቀዪሮም ምስኡ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ክሕንብሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ግን ህግድፍ ደንጉዩ እዩ ልቢ ኣዕቢዩ- ናይ ብሓቂ ውጽኢት ዕቤትን ልብምናን እንተኾይኑ።( እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንግምቶ ንኸውን)። እዚ ዕንደራታት እዚ፡ ንሃገርና ድሕሪ ምብርቛስ ህግድፍ ክጸንሕ ዝኽእል እገዳን ሕማቕ ስምን ኣስዒቡላ ኣሎ። ውጽኢት ዕንደረኦም በንጻር ትጽቢቶም ንኢትዮጵያ ኣርቢሑ።  ኢትዮጵያውያን ከይተዋግኡ ስግኣት ኤርትራ ደሪቶሞ ማለት እዩ። ንሶም ክዓጥቁ ከለዉ ንሕና መቀያየሪ ናይቲ ኣሪጉ ዘሎ ኣጽዋርና እውን ክንረክብ ኣይንኽእልን። ካብዚ ዝኸፍአ ሃገራዊ ስግኣት የለን። እዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ‘ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ባእሲ እንከለዉ፡ ኣመሪካ ኣንጻሮም ምዃና እናፈለጡ፡ ከመይ ኢሎም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መጻወድያ ይኣትዉ? ከመይ ጌሮም ንኢትዮጵያ ዲል ይህቡ? እስከ ንማለቱ፡ ብወገን ሶማል ክፍጠር ዝተሓስበ ግንባር ወላ ሓዪሉ እንተዝኸውን፡ ንሱ ዝፈጥሮ ጸቅጥን ብወገን ኢትዮጵያ ንዕኡ ዝውገን ሰራዊትን ንወተሃደራዊ ስትራተጂ ሰሜን ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ምጸለዎ? ከብዚ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ትረብሕ ከምዘላ ፍሉጥ እዩ። እሞ መን እዩ እቲ ከዳሚ? ኣመሪካ ድያ ንኢትዮጵያ ትክድም ዘላ ወይስ በንጻሩ? ነዛ ምጉት እዚኣ ቅሩብ እንተሳለናያ፡ መን ንመን እዩ ዝኽድም? ኢሰያስ ድዩ ዝከደመ ወይስ ቀዛፊ፡ ቀጠር ድዩስ ወይስ ህግድፍ፡ ኣልበሺር ድዩ ወይስ ኢሰያስ እቲ ከዳሚ? ናተይ ቋንቋ ኣይኮነን። ኣነ ዝምድናታት እየ ዝብሎ።

ዝምድናታት ሃገራት፡ ኣብ ዓምን ከዳምን ዘይኮነ ኣብ ምክብባርን እንካን ሃባን ‘ዩ ዝምስረት። ሓባራዊ ረብሓ ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ‘ዮም መስለኒ። ንፉዕ መራሒ ከብዚ ዝምድናታት ክረኽቦ ዝኽእል ረብሓ ከምዝብርክትን ዝኽዕብትን ይገብር። ብኣምልኾ ነብሶም ዝሻቀሉ መራሕቲ ግን እዚ ክርደኦም የጸግሞም እዩ። መለኾታዊ ሓይሊ ዘለዎም ስለ ዝመስሎም፡ ዓለም እምበር ንሶም ዝጋገዩን ኮይኑ ኣይስመዖምን። ኣዱንያ ኣብ ዙርየኦም እተኹድድ ‘ዩ ዝመስሎም። ውሳነኦም ዝዓጽፍ፡ ድምጾም ዝዕብልልን ድምቀቶም ዘህስስን ዘሎ ኣይመስሎምን እዩ። ወርሕን ጸሓይን ንዕኦም ክውድሳ ኣብ ቀጻሊ ታንጎ ዘለዋ ኮይኑ እዩ ዝስመዖም። ሳዳም ሑሴን ብጀነራላቱ ዝወሃቦ ዝነበረ “ኣመሪካውያን ይሰዓሩ ኣለዉ” ዝብሉ ጸብጻባት እና ኣመነ እዩ ብሃንደበት ናይ እግረይ-ኣውጽእኒ ሓደጋ ዝወደቖ። ቀዛፊ ብውድቀቱ ከይኣመነ እዩ ተበሳሲዑ። ጸገም ናይዞም ውልቀምልካውያን፡ ሕመቖም ናይ ግድን ካልእ ዝፈጠሮ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ስለዝኣምኑ እዩ። ደሓር ከኣ ብኣተሓሳስበኦም ሰብ እምበር ንሶም ኣይጋገዩን- ንርእሶም ልዕለ ሰብ ምስ ወሰድዋ እዮም። ኣማኸርቶም ‘ውን ጽቡቕ ስራሕ ኣይሰርሑን። እቲ ክዉን ዘይኮነስ፡ ቀርበቶም መታን ከይጽይቑ፡  ንመራሕቶም ዝሕጉስን መራሕቶም ዝጽበይዎን ሰናኒዖም የቕርቡሎም። ሕመቕ ኣብ ርእሲ ሕመቕ። ክሳብ ሕመቖም ጸቒጥዎም ዝቅበሩ።

ፍትሕን ርትዕን ንህዝብና

ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • wedi hzbi November 29, 2013

    wishate hgdef tfelt eka tmesl good job i like it

  • Events November 29, 2013

    The whole eritrean issue is based on lies and madeup history ,what the writer has mentioned is merely branches.

    • MAHMUD November 30, 2013

      Dear events,
      Eritrean had a cause worth fighting for, they fought for it, they achieved its main body, and now they are consulting, deliberating on how to make a lasting closure to that epic journey. Case closed. You see you do not talk about your furniture types, sizes and arrangement before you make sure you know a place you call home, and actually owning it. Now we have the home. We are talking on how to arrange our furniture. And please, the writer never doubted and will never doubt the solid case of Eritrea. Eritrea is there to live.

      • events November 30, 2013

        MAHMUD ,

        I agree on the validity & solid case for the struggle ,maybe instead of based I should have said raised on lies & invented history.

        Thank You

  • filyyyy November 29, 2013

    Thank you ALI Abdu.

  • belay nega November 30, 2013

    “መራሕቲ ህግድፍ፡ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ኣቤቱታ እንተዘቅርቡን (ንኣብነት ውድብ ሕ.ሃን ውድብ ው.ሓ.ኣን) ነቲ ሽግር ኣብ ቅድሚ ዓለምን ህዝቦምን እንተዘልዕልዎን ብሰላም ክፈትሕዎ ፈተነታት ገይሮም ነይሮም እንተዝኾኑ ሃንደበት ኣይምኾነን።”

    መን መርዓት ምስ በለኪ ትኳሓሊ
    ደም ተሓለብ ንኽብሉዃ እኳ ግዜ የብሎምን: ይትረፍ እንታይ ተረኸበ ክብሉ [is high time to live in reality]

    • mahmud saleh November 30, 2013

      Ato Nega
      “ደም ተሓለብ ንኽብሉዃ እኳ ግዜ የብሎምን: ይትረፍ እንታይ ተረኸበ ክብሉ [is high time to live in reality]'”
      Is this a message from them or Ato Nega is them?

      • belay nega November 30, 2013

        ጉዳይ ኤርትራ ክም ልደት አብ ዓመት ሓንሳብ እዩ ዝዝክር::ካብዚ ዝኽፍእ አሎ?
        Mr mahmud
        Ethiopian beauty from the world point of view, makes our issue not only ugly, but forgotten too.

        • MAHMUD November 30, 2013

          Ato Nega,
          I think Eritreans are working to achieve more than winning a beauty contest. I understand your statement, though, and agree to some degree.
          thanks.

          • belay nega November 30, 2013

            “I think Eritreans are working to achieve more than winning a beauty contest.”

            “መልክዕ ደአ ይሀበንምበር ቁምነገርሲ ካብ ጎሮቤት ይማሀሮ” እኳ ዝበሃል

  • stefanos Temolso November 30, 2013

    ሓውና ማሕሙድ ሳልሕ ኵሉ ኢልካዮ ኢኻ። ጃንዳ ህግደፍ ወይ ኢሳያስ ክሳብ ሎሚውን ዝተማህሩ ኣይመስሉን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ጌጋኦም ኣብ ክንዲ ሓደ ነገር ከጋጥም ከሎ ናብ ዝምልከቶ ኣህጕራዊ ኣካል ዘመልክቱ ሓያላት ኢና ኢሎም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ ተቐዳዲሞም የጥቅዑ ተጠቒዕና ኢሎም ድማ የእውዩ። እዚ ምስራሕ ምስ ኣበየ ኣብ ከም ናይ ጅቡቲ ሃሪሞም ምጽቃጥ ጀሚሮም። ነቲ ዓለም ዝረኣዮ ሓጺር ግጥም ድማ “ጠሪሹ ኣየጋጠመን ፍብረኻ ናይ ኣመሪካ እዩ” ዝብል ቃል ኣስሚዖም። ኣብ ናይ ባድመ ኵነታት ንኣብነት ኣቐዲሞም ኣመልኪቶም እንተ ዝነብሩ እቲ ዅሉ መቕዘፍቲ ናይ መንእሰያትን ዕንወትን ኣይመጋጠመን ነይሩ። ብዝኾነ፡ ንኣህጕራዊ ፖለቲካ ብናይ ቅድሚ 40-50 ዓመት ፖለቲካ ናይ ሳሕል ስለ ዝፈልጡዎ ሕጂ ብዘመናዊ ሳይንሳዊ ፖለቲካ ክኸዱ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ንፈውሲ ማሕላውን ብትምህርቲ ናይ ፖለቲካ ሳይንስ ዝተመረቐኮ የብሎምን። እቲ ፍልስፍና “ደርዕሞንዶ! በሎንዶ!” ብዝብል ጭርሖ ዝተደነድቀ እዩ። ንሱ ስለ ዝኾነ ድማ ወላ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ክጥቀሙሉ ተራእዮም። ሰብ ተረኺቡስ ሓደ ግዜ “(መንግስቲ ኤርትራ) እንታይ ፍልስፍና እዩ ዝኽተል?” ተባሂሉ ተሓቲቱ ሓጐስ ክሻ። እንታይ ኢሉ መሊሱ ይመስለኩም? ሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ መንእሰይ ኣብ 2005 ዘዕለለኒ ክነግረኩም። “ዝግበር ነገር ስለ ዘየሎ ሕማቕ ከይንሓስብ ግዲ ኮይኖም ቀጻሊ ናይ እግሪ ጕዕዞ፡ ቀጻሊ ሴሚናራት እዮም ዘካይዱልና። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናብ ናይ ህዝቢ ሕርሻ ኬድና ከም ናይ ማይ ቱቦታትን ካልእ ናይ ሕርሻ መሳርሒን ሰሪቕና ክንመጽእ ይእዝዙና ነይሮም። እቲ ዝያዳ ዝገርመካ ግን ኣብ ሴሚናር ዝብሉና ዝነበሩ እዩ። ኤርትራ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር፡ ቍጠባዊ ዓቕማ ውድማ ትሑት ኮይኑ ብዓበይቲ ሃገራት ተኸቢባ እያ ትርከብ። ስለዚ፡ ንሕና ሰላም ክንረክብ እንተ ኼንና ጐረባብትና ሰላም ክህልወን የብሉን ዝብል ግልቡጥ ስነ መጐት ኣስሚዖምና፡ እዚ ዝብለካ ዘለኹ በጦሎኖ ምሉእ ተኣኪብና ከለና ዝሰማዕኩዎ እዩ!” ካብዚ ዝኸፍእ መርዛም ስብከትን ግጉይ ኣተሓሳስባን የሎን። ኢሳያስ ፍጥር ክብል ጨካን (ሳዲስት) ስለ ዝኾነ ህዝቢ ክጥዕሞን ክርህዎን ኣይደልን። ስለዚ፡ ፖሊሲኡ ብኡ መጠን ክጽሎ ግድነት እዩ። ሃገረ ኤርትራ ናይ ህዝባ ዘይኮነት ናይ ኣርባዕተ ሃሙሽተ ሰባት ኮይና ከም ዘላ ካብ ንፈልጥ ነዊሕ ኮይኑ እዩ’ኮ። ብሰንኪ ስንፍናና ግን እንሃለ እዚ ጋሕታን ሽፍታ ከም ፊን ዘበሎ ይዕንድር። ስለዚ፡ ሓምው ማሕሙድ እቲ ትብሎ ዘሎኻ ቅኑዕን መሰረት ዘለዎን እዩ ቀጽሎ ንብለካ። ሰናይ ቅነ!

    • mahmud saleh November 30, 2013

      ሓው እስጢፋኖ፡ (እቲ ደራሲ ኢኻ መስለኒ) ኣነ ከምዚ ክትርእዮ እትኽእል ዓቅመይ ድሩት እዩ። ሃገርና ናብ ሕማቕ መኣዝን ትኸይድ ከምዘላ ቅድሚ 15 ከስተብህለሉ ጀሚረ፡ ኣባልነት ህግድፍ ብድሌተይ ቅድሚ 18 ዓመታት ገዲፈዮ እየ። ግን ኣብ mass media ክወጽእ ዘገደደኒ ናይ Lampedusa ሓደጋ እዩ። እቲ ሓደጋ ዘይኮነ ‘ውን እቲ መልሰ-ግብሪ ናይቲ መንግስቲ ኣ ዝወለዓኒ። መዓልታት ክድቅስ ኣይከኣልኩን። ከም ዜጋ እቲ ዝወሓደ ዝገብሮ ተቃውሞይ ምግላጽ እዩ። ኣብ ንነብረሉ ዓለም እዚ ከም ልሙድ ‘ኳ ዝውሰድ እንተኾነ፡ ኣብ ሃገርና ግን እንታይ ከምዘስዕብ ትፈልጦ ኢኻ። ኩሉ ግዜ ኣለዎ። እዚ ግዜ እዚ ተዓዛባይ እትኾነሉ ግዜ ስለዘይኮነ እየ ዝፈታትን ዘለኹ ስለ እቲ ምትብባዕካ የመስግን። እታ መጽሓፍካ እውን የንብባ ኣለኹ(ደራሲ እስጢፋኖስ እንተኰንካ ማለት እዩ)። እቲ ነገር እቲ ዝተጋደልናሉ Ideals ኣብ ቅድሚ ዓይንና ፋሕፋሕ ክብል ንርእዮ ኣለና። ታሪኽና ብካልኦት ክጸሓፍን ክመዛገልን ንርኢ ኣለና። እታ ዝነኣሰት ክንገብራ ንኽእል ዓገብ ምባልን ዜጋታት empowered ከምዝኾኑን ንመሰልካ ኣብ ምቅላስ ዘይትንከፍ/ዘይቅረብ ወይ taboos ዝበሃል ነገር ከምዘየለ ምርኣይ እዩ።

      • stefanos Temolso November 30, 2013

        You are I Stefanos the author. But u did a great job and never think that u did little.

      • events November 30, 2013

        “ሓው እስጢፋኖ፡ (እቲ ደራሲ ኢኻ መስለኒ) ኣነ ከምዚ ክትርእዮ እትኽእል ዓቅመይ ድሩት እዩ።”

        ሓው ማሕሙድ ፣

        ምስ ብዙሕ ጽሑፋት ዘንበብኩዎ ፣ዓቕምኻ ድሩት ኣይኮነን።ኣብ ኣጋላልጻን ኣታራጉማን ናይቲ ቓልሲ ንፋላለ ንኸውን__ግን ነገራት ኣስፊሕካ ናይ ምርኣይን ብሎጂክ ናይ ምቕራብን ክእለትካ ዝድነቕ እዩ።ቀጺልካ ጽሓፍ፧፧ናታ ኣብ ሳሎንና ዘላ ሮዛ ሓርማዝ ክንሪኣ ዘይንደሊ ብዙሓት ኢና።ብናተይ ኣረኣእያ ጠሊቕካ እውን ነቲ ጨፈቃ ስለ ዘየቃላዕካዮ እዩ እምበር ዝበልካዮ ቅቡል ሎጂክ እዩ ።
        ኣነ ብወገነይ A ይህበካ።A+ ክህበካ ኣዕሚቝካ ኪድ ።ሃ ሃ ሃ

        ይበል

        • MAHMUD December 1, 2013

          Dear Events,
          Thank you for your kind words.

  • Negash Isaac November 30, 2013

    We cannot live on an excuse or blame others of our failure. The United Nations inquiring commission delegated Anzio Mattenzo in 1950 to know the consent or interest of Eritreans whether to be independent or union with Ethiopia, needless to mention the manipulation of the Ethiopian government to a certain denominations, the then secretary of state of the US at that time knowing that we divided played decisive role that Eritrea to be federated with Ethiopia.
    Isn’t it history repeated itself in the armed struggle that we divided and waged war among ourselves and prolonged our independence and now the liberators are the oppressors playing the same role even worst of the former colonizers.The question is what is the solution and what is to be done? I am afraid to say that, we inherited a division syndrome that needs vaccination.

  • Meretse Asmelash December 1, 2013

    ክቡራት ኣሕዋት ኣቶ ማህሙድ ሳልሕ/እስቲፋኖስ ተመልሶን ምስ እንበብቲ

    ኣብ መንጎ ክልተኩም ዝተካየደ ናይ ጸሓፍን ወሃብ ሪኢቶን ልውውጥ ዓቢ ኣብነት እዩ። ግዜ ዝፈቀደሉ ሰብ ንዝተጻሕፈ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባብ ፡ ዝመስሎ ሓሳብ ክህብ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንሕና’ውን ከም ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ከነማዕብሎ ዘሎና ባህሊ ኮይኑ ይስማዓኒ። ኣነ ኣብ “ኣሰና ዳት ካም” ንዝወጽኡ ጽሑፋት፣ ጸሓፍኦም መን ብዘየገድስ ሃሰስ በሃላይ እየ፡- ኢለ ንነብሰይ የእምና። እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ምንባበይ፡ ክልተ ዓይነት ስሚዒት ሒዘ ይትስእ። እታ ቀዳመይቲ ካብ ጽሑፍ ንዝርከቦ ሓበረታ ዘመጉሰላ ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልኤይቲ ግን ምስ ጽሑፍ ዘይትኣሳሰር፣ ወግሔ-ጸብሐ ናይ ብርዒ ስም እንዳቀያየሩ ፡ ነቲ ዝወጸ ጽሑፍ ዘይምልከቶ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ዘይዕርፉን፣ ወይ’ውን ናይ ጽሑፍ ለቕለቕቲ ብግራፍቲ (graffiti) ክርኢኸሎኹ ዎይ ጉድ! ዝብለላ እያ።
    ኮይኑ ግን እዚውን ኣካል ቃልሲ እዩ ። ከሕጽሮ ክቡር ጸሓፊ- ጸሓፍ ደኣ’ምበር ኣንበብትንስ ኣለና!

    • MAHMUD December 1, 2013

      Ato Meretse Asmelash;
      one of my objective is to have that free, civil and constructive exchanges of ideas. It’s important that we respect each other even while dissenting. Let the substance of the person’s reply speak. Anyway, badmouthing and being judgmental does not even help the side the replier is protesting for. Again, thanks.

Post a Reply to wedi hzbi Cancel Reply