Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕዱር ሕማም ፍሽኵልና – ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ከባቢ 1910 ኤርትራውያን ብገዛእቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ናብ ሊብያ ምስ ከዱ፡ ወትሃደራዊ ግቡኦም  ፈጺሞምን፡ ባጤራ (ማርያ ተረዛ) ሒዞምን፡ ናብ ዓዳቶም ይምለሱ ነይሮም። ግንከ ጌና እግሮም ከይኣተወ ነቶም ደቂዓዶም ብንዕቀት የባጭውሎምን የሽካዕልሉሎምን ነይሮም። በዚ እተላዕለ፡ ኣብ

ኣብ ከባቢ 1910 ኤርትራውያን ብገዛእቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ናብ ሊብያ ምስ ከዱ፡ ወትሃደራዊ ግቡኦም  ፈጺሞምን፡ ባጤራ (ማርያ ተረዛ) ሒዞምን፡ ናብ ዓዳቶም ይምለሱ ነይሮም። ግንከ ጌና እግሮም ከይኣተወ ነቶም ደቂዓዶም ብንዕቀት የባጭውሎምን የሽካዕልሉሎምን ነይሮም። በዚ እተላዕለ፡ ኣብ ሃገርና ነቲ ናይ ሓውኻ ምንዓቕን፡ ነቲ ምስ ጣልያን ፈሽኰልኰል ምባልን ባህርያት ዓገብ ዚብሉ ገለ ደርፍታትን ኣውሎታትን ይቃልሑ ነይሮም።

ጣልያን እቶም ጸኒሖም ተራኦም ሓሊዎም ዝመጹ ወረርቲ እዮም፡ ቅድሚኦም ግን ቱርክን ግብጽን ከም ዝነበሩ፡ ብድሕሪ ጣልያን ድማ እንግሊዝ ከም ዝነበሩ ክንርስዕ ኣይግባእን። እሞኸ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዘመነ ወረርቲ፡ ኣብ ኤርትራውያን ከምዚ ዝበለ ባህርያት ከይተራእየ ሓሊፉ ኪብሃል ይከኣልዶ?

ብዛዕባ ፍሽኩልና ክጽሕፍ ከለኹ፡ ነቲ ኣንባቢ ክልተ ነገራት ኪግንዘብ እደልዮ። ቀዳማይ፡ እዚ ሕማምዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ዚምልከት ኣይኮነን። ኣብ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ጀጋኑን ፈሽኳላትን በብዘመኑ ተራእዮምን ኪረኣዩን እዮም። ፍልልዩ ግን፡ ኣብ ገሊኡ ዘመናት እቶም ፈሽኳላት ዝያዳ ዚሰፍኑሉ፡ እቶም ጀጋኑ ድማ ተዋሪዶም ዚነብሩሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ኣብ ካልእ ዘመን ድማ እቲ ስእሊ ተገልቢጡ ይረአ። ነዚ ሚዛንዚ ዚውስኖ፡ እቲ ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ታሪኽን ኣቃውማን ባህሉን ዘቕርቦ ግብረመልስን ኪኸውን ይኽእል። ይኹንምበር፡ ፍሽኩልና ብሓድሓደ ፍጻመ እንተ ዘይተዓጊቱ ወይ ድማ ተማሕዩ እንተ ዘይተደርብዩ፡ ኣብ ገሊኡ ህዝቢ ከም ሕዱር ሕማም ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይተሓላለፍ እዩ።

ካልኣይ፡ ዝኾነ ጸሓፊ ከም ተዓዛቢ ኾይኑ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ፈትዩ ጸሊኡ ካብቲ ህዝብን ባህርያቱን ንነብሱ ኪንጽላ ኣይክእልን። ስለዚ ኣነ፡ ነዚ ጽሑፍዚ ከም ጻድቕ ኮይነ አቕርቦ ከም ዘየለኹ ኣቐዲመ ከገንዝብ እደሊ። ጌጋታት ህዝብኻን ከባቢኻን ምእማት ወይ ዓገብ ምባል ግን፡ በቲ ሓጥያተኛ ይኹን በቲ ጻድቕ፡ ግቡእ ስለ ዝኾነ፡ ትዕዝብተይን ርእይቶይን ከቕርብ እዋኑ ኾይኑ ይስመዓኒ።

ጀርመን፡ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ምስ ተሳዕሩ፡ እቶም ንሃገር ጣልያን ብኸፊል ሒዞምዋ ዝነበሩ ናዚስታውያን፡ ብምምጻእ ኣመሪካውያን፡ ኣቕሑቶም ጠራኒፎም ኪወጹ ግዜ ኣይረኸቡን። ነዚ እተመልከቱ ኣገልገልቲ ጀርመን ዝነበሩ መኳንንቲ ጣልያን፡ ወትሃደራት ኣመሪካውያን ብታንኪታት ተዓጂቦም ይመጹ ከም ዘለዉ ምስ ፈለጡ፡ ነቲ ክሳዕ መወዳእታ ዘዘውትሩዎ ዝነበሩ ሃይ ሂትለር ዚብል ናዚስታዊ ጭርሖ ገዲፎም፡ ብ የስ ሰር  ዚብል ናይ ግዙእነት መልስታት ኪትክኡዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ጣልያን ብፍሽኵልና ፍሉጣት እዮም። ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከይተረፈ ነቶም ብጥንቲ ኣብ ግዜ ጸገሞም ዘገልግሉዎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ራሕሪሖም፡ ነቶም ኣብ ዓድዋ ዘዋረዱዎም ኢትዮጵያውያን ሎኽሎኽ ይብሉሎም ከም ዝነበሩ ኣጸቢቐ ዝዝክሮ ትዝታ እዩ።

ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዚብሃል፡ እቲ ኤርትራውያን ብምኽንያት ወረርቲ ዘጥረናዮ መግዛእታዊ ናይ ተምበርካኽነት ባህርያት (colonial mentality)፡ ብምምጻእ ጣልያን ኣዚዩ ኪድልድልን ኣብ ኣእምሮና ኪሰርጽን ክኢሉ እዩ። ካብዚ ሕማምዚ ከውጽኣና ዝኸኣለ ግን እቲ ብ 1961 ዝጀመረ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ጥራይ እዩ።

ምንቅስቓስ ሓርነታት ኤርትራ፡ ነዚ ሕዱር ባህርያትዚ ብሱሩ ቦንቝሩ ከም ዘልገሶ፡ ንኹሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ጅግንነት ኤርትራውያን፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ብኹሉ ሸነኻቱ እተራእየ። ካብዚ ዚዓቢ ጅግንነት ድማ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ንሰላሳ ዓመታት፡ ሽሾ ጸላእን ታንክታትን ነፈርትን ናፓልምን፡ ሓያል ናይ ጸላኢ ፕሮፓጋንዳን መኪቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ ኾይኑ ተቓሊሱን ተራባሪቡን እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓበን ዘልበሰ ጅግንነትን ቆራጽነትን ዘይተምበርካኽነትን፡ ድሕሪ ናጽነት እናቐሃመ ከይዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ኣርሒቑ ዝደርበዮ ናይ መግዛእታዊ ተምበርካኽነት ባህርያት (colonial mentality) ከም ብሓድሽ ኪለብሶ ተገዲዱ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዘሕፍር ካባ ከም ብሓድሽ ኪለብሶ እገገብረ ግን ባዕሉ ዘይኮነስ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ስርዓት ዘሎ መንግስቲ እዩ ኣገዲዱዎ። እዚ ስርዓትዚ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ነቲ ናይ ወራሪ ጣልያን ገጸባህርይ እዩ ኣብ መድረኽ ደዪቡ ዚዋሰኦ ዘሎ። እቲ መራሒ ከም ዱቸ ማለት ሙሶሊኒ፡ ንሕና ህዝቢ ድማ ከም ዓስከር ጣልያን ኴንና፡ ነቲ ዝሓለፈ ፊልም ንደግሞ ኣሎና።

ዝኾነ ገዛኢ፡ ንኺገዝእ ዚጥቀመሉ፡ እቲ ዝዓበየን ምኩርን ሜላ፡ ምፍልላይ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ድማ እቲ ህዝቢ ነቲ ድሌት ህግደፍ ንምትግባር፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ኣይሓመቐን። ከም መፍቶት ህግደፍ ድማ፡ እቲ ሕዱር ሕማም ፍሽኩልና ኣብ ብዙሓት ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን፡ ብእተፈላለየ ገጻቱ ኪረኣይን ኪቃላሕን ግዜ ኣይወሰደሉን።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ንሓደ ካልእ ከምኡ ኤርትራዊ ኪረኽቦ ኸሎ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ዘንቅዶ ዝንቡዕን ኣፍራስን ከፋፋልን ሓሳባትን፡ ናይ ኣቐዲምካ ምፍራድ ባህርያትን ዝንባሌን፡ ዘርዚርካ ዚውዳእ እይኮነን። ከም ኣብነት፥

ኣበይ እዩ ዓዱ? ወዲ ዓደይ ድዩ? ሃገራዊ ድዩ (ህግደፍ ድዩ ከም ማለት እዩ)?  ኣብ ገለ ኣጋጣምታት ድማ፥ ክርስትያን ድዩ (ንጎይታ ተቐቢሉዎ ድዩ? በዓል ተዋህዶን ካቶሊኽን ክርስትያን ኣይኮኑን ማለት እዩ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍሽኵልና ድማ የልቦን)። ኣብ እስልምና ኣትዮም እውን ኪመቓቕሉ ዚፍትኑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣነን ሓጺሩኒ እብል፡ ንሱ ድማ ተደቢሩ ይስዕስዕ ከም ዚብሃል፡ ገለ ክፋላት ህዝብና ኣብ ዓድን ኣውራጃን እተመስረተ ማሕበራት የቑሙ ኣለዉ። ህግደፍ ምናልባት ጸሎት ይገብሩ እንተ ኾይኖም፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ሚእቲ ብሚእቲ ይሰምዖ ኣሎ ማለት እዩ።

ፍሽኩልና፡ ኣብቶም ተጋደልቲ እውን ቀልጢፉ ከም ዚኣቱ ተገይሩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ መራሕቲ ተጋደልቲ ኣብ ቀበሌታት ኮይኖም ኣበይ እዩ ዓድኻ ምባል ጀሚሮም፡ ኣብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ስድራቤቶምን ንዕቀት ኣርእዮም። ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ሕቶን ኣብ ግዜ ጣልያን ዝነበረ ንዕቀትን!! ብድሕሪኡ፡ ገባር ድዩ ወይስ ተጋዳላይ ዚብል ዘስደምም ሕቶታት ድማ ተቓሊሑ። ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት፡ ምምሕዳራዊ ስራሕ ንምቅላል ተባሂሎም ይዝውተሩ እንተ ነበሩ ምንም ኣይኮነን። ግን መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣሉታዊ ውጽኢታት እዮም ዚገድፉ ነይሮም። ኣብ ምፍልላይ ህዝቢ ድማ ዓቢ ተራ ነይሩዎም እዩ።

ብድሕርዚ፥ ተጋደልቲ ባዕላቶም ኣብ ደርብታት ተመቓቒሎም። ናይ ተስዓ፡ ገዲም ተጋዳላይ፡ ወጋሕታ፡ ሳግም፡ ዋርሳይ፡ ይከኣሎ ወዘተ–። ክንዲ ምእካብስ ምዝራው።

ሓደ እዋን ምስ ሓደ ብጻየይ ኣስተምህሮ ንኽንህብ ናብ ማይ-ዓይኒ መዓስከር ኬድና። ኣብኡ ድማ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ተቐቢሎምና። ኤርትራዊ፡ ዓዱ ኣመና ዚፈቱ ብምዃኑ፡ ነቲ ቦታ ንኣስመራ ከምስሉዎ ዘይፈጠሩዎ ነገር ኣይነበረን። ዝኾነኾይኑ፡ ኣብቲ መዓስከር ክንዘዋወር ከሎና፡ ኣብ ሓደ መንደቕ ዘስደምም ፖስተር ርኢና፥ “ምልክታ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ቲቪ ኤረ ቀሪቡ መደረ ከስምዕ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ሰብ ተዓዲሙ ኣሎ—-“። እቲ ቲቪ ዚረኣየሉ ቦታን ግዜን ተመልኪቱ ነይሩ። ብምሒር ጭቆናን ኣደራዕን ከም እራብ ንበረኻታት ሰጊርካ ዑቕባ ሓቲትካስ፡ ናይቲ ዝቐጥቐጠካን ሞራልካ ዝሰባበረን ድምጺ ንምስማዕ እንታይ እዩ ክሳዕ ክንድዚ ሃዊኹካ!! ካብ ጥርዙ ዝሓለፈ ፍሽኩልና!! ኣብዚውን ምህለላ ህግደፍ ተሰሚዑ እዩ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ሕማቕ ኩነታት፡ ምፍልላይን ምምቕቓልን እንታይ ኣምጽኦ!

ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት፡ እቲ ከም መስራቲ ፍልስፍና ዚፍለጥ ሶክራተስ ከምዚ ኢሉ ይብሃል፥ ኣነ ኣቴንያዊ (ወዲ ከተማ ኣቴን) ኣይኮንኩ፡ ግሪኻዊ ኣይኮንኩ፡ ኣነስ ናይዛ ዓለምና ዜጋ እየ። ሶክራተስ ከምዚ መበሊኡ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ፍልልይ ከም ዘየልቦ ንምግላጽ እዩ። ሓደ ሰብ መጀመርታ ስድራቤቱ ይፈቱ፡ ብድሕርዚ ንዓዱ ይፈቱ፡ ቀጺሉ ንሃገሩ ይፈቱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዓለም ይፈቱ። እዚ ኣብ ናይ ወድሰብ ዘሎ ዘይሕከኽ ውሽጣዊ ባህርያት እዩ። ይኹንምበር፥ ስድራቤትካ ብምፍታው፡ ናይ ካልኦት ስድራቤት ክትጸልእ ኣይግባእን። ዓድኻ ብምፍታው፡ ናይ ካልኦት ዓዲ ክትንዕቕ ኣይግባእን። ንሃገርካ ብምፍታው፡ ናይ ካልኦት ሃገር ከተናሹን ክትወርርን ኣይግባእን። ኩሉ እቲ እትገብሮን እትሓስቦን፡ ኣብ ሓድነትን ስኒትን እተመርኮሰ ይኹን።

ኣብ ክንዲ ሓጹር፡ ድልድል ወይ ቢንቶ ክትሰርሕ ፈትን። ንዝጎድጎደ ሰጥ ከም ዚብል፡ ንዝቐነነ ወይ ዝጎበጠ ትኽ ንኸተብል፡ ፋሕ ንዝበለ ክትእክብ፡ ንእተፈላለየን እተረሓሓቐን ከተሕብር ፈትን። ኣብዚ እዋንዚ ወድሰብን ዓለምን እትደልዮ ነገር እንተሎ እዚ እዩ። እዚ እዩ ናብ ሰላምን ልምዓትን ዚወስድ መገዲ።

ኣርባዕተ ኣዋርሕ ይገብር፡ ናይ ዲኤንኤ (DNA) ምርመራ ገይረ ነይረ። ከምዚ ዓይነት ምርመራ ጌጋታት ይርከቦ እዩ፡ ግን ነቲ እሙን ዝኾነ ኩባንያ እየ ተወኪሰ። መልሱ ድማ ገሪሙኒ። 65 ካብ ሚእቲ ኢትዮጵያዊ ፈላሻ ኢኻ ኢሎምኒ። ግርም። ኣብ ልዕልዚ፡ ካብቲ እተወለድኩሉ ቦታ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ፡ መሰረት ዓሌተይ ቢለን እዩ፡ ቢለን ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለሱ ህዝቢ እዮም። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ነቲ ዘስተውዕል ሰብ ኣዕሚቑ ከም ዚሓስብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ናይ ዲኤንኤ (DNA) ምርመራ ንሕማም ዓሌትነትን ትምክሕትን ግሩም ዝኾነ መድሃኒት እዩ። መብዛሕትኦም ትምክሕተኛታት ኤርትራውያን ግን ኣይፈትዉዎን እዮም።

ኣነ፡ ንዓሌትን ሃይማኖትን ዓድን ንሃገርን ከም መራኸቢን ከም ድልድልን ደኣምበር ከም መፈላለዪን ከም ሓጹርን ገይረ ክወስዶ ኣይደልን። እዛ ዓለምና ኣብ ተነቃፊ ኩነታት እያ እትርከብ ዘላ። ብጎሎባል ዎርሚንግን ብግብረሽበራን ብኑክለስያዊ መሳርያታትን ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጥሩፍነት፡ ብስስዐን ህርፋንን ክትዓኑ ዘሎዋ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ብዓቕምና ነታ እንኮ ሃገርና ድሕነት ከነውርደላ ንደሊ እንተ ዄንና ኣብ ኩሉ ስራሕና ሓድነትና ኣደልዲልናን፡ ነቲ ንፍሽኩልነት ዘተባብዕ ናይ መግዛእታዊ ተምበርካኽነት ባህርያት (colonial mentality) ራሕሪሕናን ክንጎዓዝ ይግበኣና። ነዚ ምስ ገበርና ድማ ብኣህጉራዊ መገዲ ኣብ ምድሓን ዓለም ክንሳተፍ ንኽእል።

ከምኡውን ነቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ፡ ብተዛማዲ መገዲ ተግባራዊ ዝነበረ፡ ናይ ቆራጽነትን ሓድነትን ዘይፈሽኳልነትን ባህርያት ኣደልዲልና ክንሕዞ እንተ ደኣ ዘይክኢልና፡ ተፈላሊና ተቓሓሒርናን ኢና ክንነብር። ሰንኮፍን መርገጽ ዘይብሉን ሕልማውን ፈላላይን ባህርያት ሒዝና ድማ ሃገር ክንሃንጽ ከም ዘይንኽእል ኩሉ መስተውዓሊ ሰብ ኪፈልጦ ይግባእ።

ናይ ፍሽኩልናን ተምበርካኽነትን ባህርያት ሒዝካ ሃገር ንኽትምስርት ካብ ምፍታን፡ ህግደፋውያን ብሰላም መግዛእቶም ኪቕጽሉ መሪቕካ፡ ኣብ ዘዘለኻዮ ሃገር ኴንካ ብህድኣት ደቅኻ ምዕባይን ውልቃዊ ዋኒንካ ምክያድን ዝሓሸ ኾይኑ ይረኣየኒ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
65 COMMENTS
  • Robiel Gebrehiwet March 21, 2018

    Memher Amanue, I have a question and appeal to you. There are people who wait eagerly to read your article. Kindly write as often as you can.

    • Michael Tesfamariam March 21, 2018

      I concur with you, unfortunately Membir Ammanuel and others with deep knowledge and experiences are often ignored by lazy and morally bankrupt Eritrean “oppositions” because they would like to continue to indulge themselves of having a any discussion and dialogue on Eritrea exclusively framed around their narrow regional and ethnic nonsenses.

      • Simon G. March 21, 2018

        People like you (Michael Tesfamariam) are the problem here. In stead of fighting HGDF, you oppose the opposition and at the same time you call yourself you oppose HGDF. How does that work? Typical hypocrite!

        • AHMED SALEH !!! March 21, 2018

          brother Simon
          You , Danillo , Sol and Nahon and others very few commentators
          show courage to straighten facts for the record .
          I admire you guys for being real patriots .

          • Michael Tesfamariam March 21, 2018

            Don’t just boil your small head to extol people just because they said some nice things about you.

        • Michael Tesfamariam March 21, 2018

          Well, if I were “the problem” as you lazily threw it to me without any shred evidence, why wouldn’t you yet fight and try to beat me as perceived enemy? Where have you been little wanker all the time when your women were being raped by HGDEF generals? Because you don’t exist, you are here just to yelling at any people who you know nothing about just to defend your rocky Awraja Akeleguzay and filthy agenda.

          • Simon G. March 21, 2018

            Aren’t you supposed to be at Aigaforum/Tesfanews/Medrek/Meskeremnet?
            You seem to be lost here.

          • AHMED SALEH !!! March 22, 2018

            ‘ you know nothing about just to defend your rocky Awaraja
            Akeleguzay ‘ . Yes Akeleguzay will find peace after we get
            rid of these TEREFMEREF who betrayed the promise .
            Anyway Simon G . proved us that he wasn’t wrong in first place .

  • Danilo March 21, 2018

    Thank you Ahmed, ትሕሾ ምበልኩኻ።
    Our task is to be United despite we live in very distance. We don’t even know each other but we know one day to be together marking surprise in campo del stato

    • Simon G. March 21, 2018

      I second to brother Danilo, brother Ahmed!

      • AHMED SALEH !!! March 22, 2018

        you earned it brothers . For couple of years you guys fought tirelessly to
        preserve the reputation of assenna forum .
        And recently another patriot hawna k’Tewolde joined the fight . Bless you all .

        • k.tewolde March 22, 2018

          Brother Ahmed you took most of the beating,you are resilient, you keep coming back stronger dropping the cyber bullies one by one.I give it to you for sorting them out every time they pop their ugly face in the dialogue box.Give yourself a pat in the back.Thanks.

    • Nahon March 22, 2018

      ” …one day to be together marking surprise in campo del stato”

      Danilo

      Selamat brothers Danilo, Ahmed, Simon G, k. tewelde and all other peace loving Eritreans on this forum.
      The advent of that day (the day the evil regime is finally gone) depends on the unity of our people. On how well we are organized and work together for the sake of our people.
      By the way if by ” campo del stato” you mean “Kombishtato”. I think the original name was “campo recintato”. (a fenced camp).. The Italian settlers wanted to keep the locals away from the camp.

      • Danilo March 22, 2018

        Thank you brother Nahon, my interpretation of ” COMBISHTATO ” as a meaning you seem to be more informed than me. despite i speak Italian, i have to evitate Asmarinos in this discourses.

  • AHMED SALEH !!! March 22, 2018

    Selam Amanuel Sahle
    Nowadays people rely on DNA advanced technology in search of ancestors family tree . But we forgot
    that holy books taught us that we are the children of Adam and Eve .
    If I count generations from my name , father , grandfather , great grandfather ……………….. will stop on
    ADAM . And everybody’s ancestry will stop on ADAM . That means what ? Think about it .

  • Nahon March 22, 2018

    “SHAEBIA YEHWATKUM SLE ZKONU KTWAGUU AYDELEKUMN” That was your leaders said in the end of the 1980 civil war.”

    Gezae

    Although this is a malicious propaganda of Shabia that fooled an entire generation, like when they used to say:
    – “bidixrit harimomna”,
    – “jebha inte zeytitefi nazinet aymiterekhbetin”,
    – “jebha ketilato” .. etc.
    It would be better if you could give real reasons why you want K. Twelde join your camp, instead of making a sectarian call.

    • k.tewolde March 22, 2018

      I am not surprised Nahon, first of all ‘measure’ should be spelled ‘major’ if that is the real field of study.that said, the discourse of division and historical distortion continues with the words in tigrigna quotation,blood was shed among brothers ,in many cases of the same family,I can mention several who their parents swallowed the bitter pill,pounded the turf and yelled “eeeeyehh!!!” in the privacy of their homes and went to their grave holding their torn guts. This is what it took to bring about “THE LIBERATION”.The question we should ask is,who did this to us,who is responsible for the loss of innocent lives of Eritrea’s sons and daughters? Gezae,if you can’t answer this question by now,your credntials are null and void.

      • k.tewolde March 22, 2018

        In conclusion,it didn’t end there,the nation’s precious asset-the young generation, continues to bleed out,gets sequestered in camps and border fortifications with no end insight,dwells in refugee makeshift towns,abandoned western alleys,braves the Sahara,the high seas and the English channel,Squeezes himself/herself into small suitcase,crawls under an 18 wheeler or becomes part of the engine under the hood of a car and so many perished in doing so.The destructive pattern continues unabated,the assailant still sitting comfortably among us unscathed.You don’t have to be a Biochemist,Anthropologist or venture capitalist to figure this out.

        • Gezae March 23, 2018

          A good Question who did this to us? If I understand you properly the Eritrean civil was the result of the wrong ELF’s decision made after the 1st ELF’s congress. .Saying that the if you were in our TAHDAY KOROKON’s seminars evaluation we concluded for both ELF and EPLF leaderships. But in degree this can vary to 50% to 50% or 70% to 30% it depends.

          If you really concern deeply about families do you believe the way you are choosing to is very helpful. Me I am not accept it. Let brief something for you judgment- Aregash Col.Melke is my first cousin in some region’s culture she is really my sister. In the first Woyane and EPLF co ordinate war of relation at SIMITII/Denkalia I was broken my right leg and captured. I spent almost two years in EPLF zerib/prison without speech with my comrades MEHRETEAB GHEBREMICHAEL[political commissioner battalion 159]JemiE Mohmud Arabic news editor and interpreter, Asmelash TeAme Audit and others. I left comrade FISSEHATSION MICHAEL dead at battle field. So brother every Eritrean has his pain. Do not be so emotional may on the other side could be worse than this. I think this enough for today.

          So lets back to contemporary politics of our era specialy our country. The expression – Enemy of the People goes back to Roman Times to manipulate the common people and give power and legitimacy to those promoting a specific ideal. As we all studied in the MEDA politics it was first used during the French Revolution in 1789. When the resistance to the revolution gained momentum, the expression quickly took on a far more legalistic meaning. The law in 1794, allowed punishment by death for those on the opposing side. It was an effective way for one side to win over the other. Thus the other side invented a very effective tactic to spread false news to confuse and trouble the people and divide them in order to conquer.

          As we have seen and heard today, in the world of Politics, this expression – Enemy of the People has been used by both sides of many arguments, big and small to emphasize the importance of defending their ideals. For those looking back on history, one might think that anyone using the expression enemy of the people is supporting those that promote any motivation set of ideals.

          One group may very well be doing so to help advance its agenda because there is a major lesson in the history books for those seeking success with those ideals. And the other group may very well be using these lessons to bring awareness to the scare of Eritrea turning toward despotism and losing all that Eritrea was founded on. Either way you look at it, it is just a very effective tactic to bully or .attract attention

          Eritrean mindset generally is so orthodox, pessimistic, running after money & not caring each other . We as Eritrean don’t have trust in our self. We lack confidence. We are short sighted. We get carried away by emotions, revenge. Our literacy is used as a tool to fool common people and knowingly or unknowingly we are anti everything that Eritrea has always stood for. EPRDF/PIA is just a pretext, the problem is much more deep rooted its pure disrespect and hatred.

          • Gezae March 23, 2018

            I forgot:
            Thank you for your correction. It just accidental error.

          • Gezae March 23, 2018

            My bad- please read me the word relation by retaliation

          • Simon G. March 23, 2018

            “In the first Woyane and EPLF co ordinate war of relation at SIMITII/Denkalia I was broken my right leg and captured. I spent almost two years in EPLF zerib/prison without speech with my comrades”
            Gezae,
            Is that why you support HGDF now. It seems to me you have Stockholm syndrome.
            Also, all those Hateta like comments you make, each could be summarized by just a one line sentence.
            Give it a try.

          • Gezae March 23, 2018

            I did not catch you; what is Stockholm syndrome means?
            I am not a HGDF supporter. .And I am not a member of any political movement. I do have any political affiliation with either side. But I have my own putting regard as true.

          • k.tewolde March 23, 2018

            “Do not be so emotional may on the other side could be worse than this”. There is only one side- the Eritrean side.Despite your experience as brother Simon said,why are you dovish and refrain from attacking your demons head on.It is only by doing so that a victim can resolve the internal turmoil and confusion and free themselves to think rationally and live a fulfilling and joyful life..Psychology 101!!

    • AHMED SALEH !!! March 23, 2018

      Poor Ghezae can not benefit from his higher level education to help his unfortunate
      young brothers and sisters .

      For heaven sake , If ELF fighters didn’t fight back against SHAEBIA – WEYANE forces attacks from every direction of Eritrean land , we might prevent the lost of many patriots . If your presence in the struggle was behind the front line in political
      skirmishes , I guess it isn’t worthy for grudges . Some of us had painful memories
      that left life time scars but we hold on for the sake of promise vowed to our compatriots .
      By the way , some of us prefer to follow an example of liars and selfish elements
      which bothers many open minded people .
      So please do not underestimate our intelligence learned from life experience .
      A rocket scientist who lacks common sense live as remote controlled robot .

  • meretse March 22, 2018

    Monister Cricket
    My name is a “monister cricket”. Today and I am here to tell you a story about what crickets love and hate. Crickets don’t like to hear any other noises but theirs. Whetehr they make noise or not they hate farmers, birds, frogs, tortoises, including people who write stories, state facts such as— bilogists/botanists, genealogists and the list goes on. Theys guys should stop writing about >>> whatever they are writing and instead they should start writing / teaching about us, the giant crickets who are able to make tricks on our backs. We, the the crickets are known for making beautiful chripping sound during all seasons. If not, we will let know all the cricket famlies that out here in the field, there are many of Mr. As, and Mr. Ms—who think they know everything—-are writing stories. Recently, one of the Mr. Ms made up a story about gardens and orchards. He thinks flowers get happy when the 4 seasons are balanced. He explains flowers do like to see the sun out rather than heavy clouds at all time. I say this a dumb story. After all flowers are flowers. Flowers do not have any feelings and for that they do not get happy or sad wheter the sun is out or not. Flowers just sit on one spot in sielence, grow and do nothing. Unlike Goyso plants they do not even know where their families came from? So, my frieds and I would like to advise the writer it is not worth telling such a story, so, please, simply “kill it.”
    If you really want to tell a story —write about “us” “giant cickets.” We the giant crickets are masters of tricks while laying down lay on our backs. We are fearless to make noises be it at night or day. Writing about those lazy flowers or big orchards will not do you any good. Think twice? Who do you think is going to benefit from knowing about those wild fruits such as —mulos, gabas, ayes, and apples, oranges, grapes, what have you. How important are all these wild and orchard fruits comparing to a backyard plants such as geyso plants? Think about it again? People should be well informed first with plants that grow on their backyards. A goyso plant and its fruit tsedo is the best example for this. For gods sake, we urge writers to stop writing about those lazy flowers, wild fruits or as such……

  • Hagos March 22, 2018

    what an observation! mr tesfay, he writes _

    እቲ ዓቢዪ ገዲም መምህር ይብል፥
    “በዚ እተላዕለ፡ ኣብ ሃገርና ነቲ ናይ ሓውኻ ምንዓቕን፡ ነቲ ምስ ጣልያን ፈሽኰልኰል ምባልን ባህርያት ዓገብ ዚብሉ ገለ ደርፍታትን ኣውሎታትን ይቃልሑ ነይሮም።”

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኑኤል ፣
    ነዚ ታሪኽ ተወኪስካ እናተዋዘኻ እተቕርቦ ትምህርቲ ምስጋና ይብጻሕካ። እዚ ዝበልካዮ ኣብቲ መግዛእቲ ጣልያን በቶም ኣእምሮኦም ብናይ ገዛእቲ እተሓጽበ: ብትምህርቲ ድማ ብዙሕ ዘይበሰሉ መሳኪን እዩ።
    ኣነ ዝገርመኒ ግና እቶም “ተማሂርና ኢና” … ለባማትን ውርዙያትን “መራሕቲ” ክመስሉ ዝፍትኑ ምስሉያት ሓሰውቲ እዩ።
    ኣብዚ ዘመን እዚ ቋንቋታቶም ባህልታቶም ፈንፊኖም ብሓዊ ዘንደዱ ፤ ብናይ እንዳማቶም ወደኽደኽ ዝብሉ ውን ነውራማት ኣለዉ።

  • Wake up April 22, 2018

    መምህር ኣማኑኤል ፍሽኩልና ነወግድ እንዳ በለስ እቲ ርኢቶታት መብዛሕትኡ ፈሽኳላት እዩ።

POST A COMMENT