Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጂኸ መን ከድዐ: መን ጠለመ?

ሕጂኸ መን ከድዐ መን ጠለመ? 01-27-2013 ረድኢ ክፍለ ባሻይ እግሪ ጀጋኑና ምስ ሰጎመ ሕጂኸ መን ከድዐ መን ጠለመ? ድሃይ ዐወት ምስ ነቀወ ፎረቶ መን ድኣ ተረኽበ ዘራጊቶ? ሻማ-ሻማ ምስ በለ ጥሒሻ ኣብ መንጎዶ ጸንሐ ቀዳድ ክሻ! እንተዓጸኻ ጎሮሮ ናይ ዝብኢ ኣብ ጥቓኻ ’ጸንሕ ነቓዕ ገንኢ   ተዛረቢ

ሕጂኸ መን ከድዐ

መን ጠለመ?

01-27-2013 ረድኢ ክፍለ ባሻይ

እግሪ ጀጋኑና ምስ ሰጎመ

ሕጂኸ መን ከድዐ መን ጠለመ?

ድሃይ ዐወት ምስ ነቀወ ፎረቶ

መን ድኣ ተረኽበ ዘራጊቶ?

ሻማ-ሻማ ምስ በለ ጥሒሻ

ኣብ መንጎዶ ጸንሐ ቀዳድ ክሻ!

እንተዓጸኻ ጎሮሮ ናይ ዝብኢ

ኣብ ጥቓኻ ’ጸንሕ ነቓዕ ገንኢ

 

ተዛረቢ ፎርቶ መን ጠለመ?

ሕራይ ኢሉ ድሓር መን ሃደመ?

ጎዶ ንህቢ ምዓር ዝብርበራ

ኣበይ’ሞ ክስኣን አንቆራ

 

ታሪኻዊት ፎርቶ እንታይ ትብሊ?

ማእረዶ ጸኒሑ ኣብቲ እኽሊ?

ክንዲ ጥዑይ ጽሉል ዝውድሱ

ሓንቲ ’ዝመዝሙሮም ንሱ-ንሱ

 

ኣንቲ ፎርቶ እንታይ ትምህርና?

ለብዘብንከ እንታይ ተጋጊና?

ደሃይ ሃቢ ፎርቶ ’ታይ ትመኽሪ

ሕጂ ድማ ኸፊልና ሰብ ሕድሪ!

 

ድሓን ፎርቶ ዓውዲ ኢና ጸቒጥና

መኼዳ ተሪፉ ናይ ዘለና

ኣንቲ ዋላ በራኽ መማዕደዊት

መዝግብዮ ታሪኽ ናይ ሰራዊት

 

ሰራዊትና መግዛእቲ ዘብለየ

ሕጂ ድማ ህግደፍ ዘለለየ

ሰሚዕናዮ ናይ ፎርቶ ድምጽኻ

ጅግና ሃገር ኣይንስኻ ’ንዲኻ

 

ኣበራቢርካዮ ነዚ ህዝቢ

ዉሕ-ዉሕ ጠፊኡዎ ወዮ ኸልቢ

ኣንቃዕሪርካ ኣቲኻያ ፎርቶ

መህደሚኡ ይድለ ደናኒቶ

ሓሶት ጀማሚሩ ከም ቀደሙ

ኛው-ኛው ኢላ ዝጠመየት ድሙ

ኣስላማይ ክስታናይ ይብል ኣሎ

ኣብ ፈራስ ዳስ ናይ ዕቡዳት ኣውሎ

 

ኣለና ምሳኻ ኣያ ፎርቶ

ውፈር ተመላለስ ድሓን እቶ

ጨቢጥካ ዕተሮ ጠበንጃኻ

ገንዘብካዩ ንብረት ናይ ህዝብኻ

 

ሃባ ዝበለካ እምቢ በሎ

ኣጆኻ ዝበለ ተቐበሎ

ኣንበሳዶ ክብለካ ብዓል ፋረ

ዐለም ሰሚዑካ ጥዑም ወረ

 

ኣንቃዕሪርካ ከም ገመል ትጥምት

ጸላእትኻ ፈሊኻ ትጭምት

ኣቲኻያ ፎርቶ ናይ ኣስመራ

ዘይትድየብ መሲላቶም ነይራ

 

ኣፍርሶ’ምበር ህግደፋዊ ግቢ

ዓጋቲ የብሉን ፈለግ ህዝቢ

ኣንታ ኣምላኽ ናይ ኤርትራ ረቢ

ክንደይሳዕ ክንጋገ ወዝቢ

 

ቂም-ቂም ተብል ኣላ ስዓት ህግደፍ

ድሓን ኩኑ ብዓል ተረፍ-መረፍ

ኣምባሳድር ህግደፍ ተቓሊዑ

ማዕጾ ዓጽዩ ፖሊስያ ጸዊዑ

 

ተበጊሶም ምልክቶም ኣውሊዕ

እዝኒ’ይብሉን ለብዘበን ዘይሰምዕ

ዕርቃና ወጺኡ ህግደፍ ፋራ

ጸምብላሊዕ ጥራይ ምዓኰራ

 

ጥጅእ ዓወት ቅልውላው ናይ ለውጢ

ማህጸን ህግደፍ ባዕልኺ ትፈልጢ

ኣደ ጅግና ካብ ንእዲ ውረዲ

ንታሪኽ ዝተርፍ ጒዳም ከብዲ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT