Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጂ’ውን ንሓባራዊ ጽላል ደንበ ተቃውሞ በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና!!

ንስራሕ እሞ ንፈንጣሕ ከኣ! ዶ’ምበር ኢድ ጸላኢ ኣይህልዎን ኢልካ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይውዓልን’ዩ። እወ ንሱ ደኣ ኣበይ ክሰኣን-ጸላኢ`ሞ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ስራሕ የብሉን። እንተኮነስ እቶም ውዲታትን ሸርሕታትን ጸላኢ እናኣፍሸልና ኣብ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን ተዋፊርና

ንስራሕ እሞ ንፈንጣሕ ከኣ! ዶ’ምበር ኢድ ጸላኢ ኣይህልዎን ኢልካ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይውዓልንዩ። እወ ንሱ ደኣ ኣበይ ክሰኣን-ጸላኢ`ሞ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ስራሕ የብሉን። እንተኮነስ እቶም ውዲታትን ሸርሕታትን ጸላኢ እናኣፍሸልና ኣብ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን ተዋፊርና ኣለና ንብል ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ግን ልዕሊ ሸርሕታት ህግደፍ በሪኽና ክንወጽእ’ዩ ትጽቢት ዝግበረልና። ግን ኣይበቓዕናዮን። እቲ ዝሰርሕ ንሱ ኮይኑ እቲ ዓቕሙ። እቲ ካልእ ክሰርሕ እናኸኣለ፡ ምስቲ ኣይሰርሐን ወይ ፈሺሉ እናተባህለ ዝሕመ ደንበ ተቓውሞ ነብሱ ከተኣሳስር ኣይደለየን። ንሱውን ፍሹል ከይበሃል ያኢ! ስለዝኾነ ከኣ ብማዕዶ ዝዕዘብን ብኾፉ ዝፈርድን ጥራሕ ኮይኑ ብድኻምን ውድቀትን ደንበ ተቃውሞ ዝወራዘ በዚሑ። ኣብ ውሽጢ እቶም ብዓቕሞም ትልኽ እናበሉ ዝሰርሑ ዘለዉ ውድባት ድማ ካብ ኣንጻር ጸላኢ ዝውዕል ውቅዒት ኣብ ሕድሕድ ዝውርወር ጸለመታትን ተጻብኦታትን በዚሑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነውሪ ክረኤን ክስማዕን ንቡር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ህግደፍ ብዘይካቲ ባዕሉ ዝፍሕሮ መቓብሩ ካብ ተቓወምቲ ውድባት እተሕምሞ መውቃዕቲ ስለ ዘይረኸበ እንተወሓደ ንግዚኡ ሩፍታ ረኺቡሎ።

እንታይዩ እቲ ጸገም ኢልና ብግቡእ ገምጊምና ንጸሊም-ጸሊም ንጻዕዳ-ጻዕዳ ክንብል እንተዘይክኢልና ጸገምና ሕጂውን ቀጻሊዩ። ደንበ ተቓውሞ ግን ካብ ብድፍረት ንዝተጋገየ ክነቅፍን ክእርምን ወይ’ውን ክቐጽዕ፡ መዓለሽ እናበለ ክሓልፎ ክቐሎ’ዩ ጸኒሑ። ካብ ብመትከል ተገሪሑ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፡ ብሕኸኸኒ ክሓከካ ዝተነድቀ ጸቢብ ጉጅላውነት ቀንዲ መሳርሒ ቃልሲ ኮይኑ ኣሸጊሩና ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሰውራዊ ኩነታት ካብ በዓል ጣፍ’ሲ በዓል ኣፍ ከምዝበሃል ደፋራት ሰብ ኣፍ ብሓሶቶም መሬት ዶሮና ጌሮማ ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ ሓሶት ናይ ሳልስቲ ምድንጋር ጥራሕ ስለ ዝፈጥር፡ ሎሚ ከም ዓሚ ንህዝቢ ከደናግሩ ኣይክእሉን እዮም። ንሕና’ውን ደጊም እንታይ ክንደግም! ማዕለሽ ምባል ንህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዘይጠቅም ገዲፍናዮ ኣለና።

ኣብ ከምዚ ዝጸናሕናዮ ዘይንቡር ኩነታት፡ ሓደ እንተቐዲሙካ ካብኡ ንላዕሊ ጎዪኻ ኣብ ክንዲ ትቕድሞ ሓንኲልካ ተውድቖ እሞ ከምቲ ዝለመድካዮ ዘገም ኢልካ ትቕድሞ ዝዓይነቱ ኣካይዳ’ዩ ነጊሱ ጸኒሑ። ውድባትና ከኣ ካብ ሕድሕድ ስለ ዘይሕሻ ተሓንኲለን ዝወድቃ እምበር ንተጻባኦታት ተጻዊረን ንቕድሚት ዝሓና ኮይነን ኣይጸንሓን። ንተጻብኦ ጸላእትን ተጻባእትን ተጻዊሩን ስዒሩን ንቕድሚት ዝሓንን ብቑዕን ሓያልን መሪሕ ውድብ ምህናጽ የድልየና ኣሎ። ከምኡ ዝበለ ውድብ እንተተሃኒጹ እንተመሪሑ ሰዓቢ ይረክብ፡ እንተተዛሪቡ’ውን ሰማዒ ይረክብ። ከምዚ ዘለናዮ ናይ መሳቱ ቃልሲ ግን ኣዋድቓ ፈረስ እናወደቕካ ምንባር’ዩ ዘኸትል። ድሕሪ ሕጂ ግን ኣዋድቓ ፈረስ ኣይንወድቕን። ዝኸኣለ ይጒየ ዘይከኣለ ይሳለ ዝተሸኽለ ይተኣለ እምበር ዝተሸኽሉ ኣብ ክንዲ ዝእለዩ ንዝጎየዪ ሓንኲሎም ከውድቑ ከነፍቅድ ኣይኮንናን።

እዚ ንውድባት ብተናጽል ክሳቒ ዝጸንሐ ተርእዮ ኣብቲ ሓባራዊ ጽላልና ዝኾነ ሃገራዊ ባይቶ’ውን ድኻማት ተባዚሑ ዝንጸባረቐሉ እምበር ኣዎንታታት ጎሊሑ ዝወጽኣሉ መድረኽ ኮይኑ ኣይጸንሐን። ኣብኡ ዝጸንሓና ኣህላኺ ዝርዝራት ንኻልእ ግዜ ገዲፍና ግን ኣብቲ ሕጂ ቀንዲ መጽሓፊና ጉዳይ ክንኣቱ። ባይቶና ሓሚሙ ትልኽ ክብል ከምዝጸንሐ ንኹሉ ጋህዲ ኮይኑ`ሎ። እቲ ሕቶ ንምድሓኑ`ዶ ንጓየ ወይስ ትልኽ እናበለ ከሎ ቀቢርና ካልእ ሓድሽ ባይቶ ንውለድ’ዩ። እቲ ዝገደደ ሽግር ከኣ ኣብ ንቕበሮ’ዶ ወይስ ነሕውዮ ዘሎ ፍልልይ ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ንቕበሮ ዝብሉ ጭራሽ ከምዝቐበጹ ብዘየማትእ መንገዲ ስለዘይገልጹ እቶም ሓድሽ መተካእታ ክፈጥሩ ዝደልዩ ከኣ ፋሕ ኢሎም በብሒዞሞ ዘለዉ ዝምባለታት ነቲ ዘሎ ጸገማት ይፈታሕ ኣይፈታሕ ብዘየገድስ ውድባት ንኽጥርንፉ ምብጋሶም ‘ዩ። ንኽንጥርንፍ ኢልካ ምብጋስ ቅዱስ ሓሳብ’ዩ። ልዕሊ’ዚ ቅዱስ ዕላማ እቲ ናይ ምጥርናፍ ቻምፒዮን ኮንካ ምውጻእ ነብሰ-ሕብጠት (egos) እንተዓብዩ ግን ነቲ ኣብ ጎድንኻ ኮይኑ ክሕግዝ ዝፍትን ዕቑር ሓይሊ’ውን ኣብ ክንዲ ከም ፈታዊ ዝረኤ ከም ተወዳዳርን ተጻባእን ዝቑጸረሉ ኩነታት’ዩ ዘስዕብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ስለ ዘለና ድማ ኢና እቶም ክንጥርንፍ ዝብሉ ቁጽሮም ልክዕ ከምቶም ንክጥርነፉ ዝድለዩ ዘለዉ ኣካላት እናበዝሑ ዝኸዱ ዘለዉ።  ብርእይቶና ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ፈተነታት ምጥርናፍ  ከነነኣእስ ፈጺምና ዘይንብገስ’ኳ እንተኾንና፡ ካልእ መላሕጸጽ ቆርበትን መጥፍእ ግዜን ንዋትን ጸዓትን ኮይኑ ንኸይተርፍ ዘለና ስክፍታታት ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ቅድሚ ንካልኦት ምጥርናፎም እቶም ንኽጥርንፉ ተበጊሶም ዘለዉ ወፍርታቶም እንተዘዋሃህዱ ምሓሸ ንብል።

ንሃገራዊ ባይቶ ንምምስራት ዘንቀለና ዓላማታት ቅኑዕ ነይሩ ሕጂ’ውን ንምድሓኑን ዱልዱል ቀጻልነቱን ዝግበር ቃልስታት ኩሉ ቅኑዕ’ዩ። ንሱ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ነቶም ኣብ ትሕቲ እዚ ጽላል’ዚ ዝጸንሑ ኣካላት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ በሪኹ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ባይቶ ዘይጸንሑ ኣካላት’ውን ዝግበኦም ክብሪ ሂቡ ንምጥርናፎም ተበግሶታት ክወስድ ዝግባእ’ዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ ተበግሶታት ኣይነበረን ማለት ግን ኣይኮነን። ግን ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ዘይነበሩ ኣካላት’ውን እንተኾነ ብማዕዶ ብሕመቕ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ክንዲ ምሽክዕላልን ኣይበልናን’ዶ ካብ ምባልን ኣካል ናይቲ ፍታሕ ኮይኖም በሪኾም እንተዝወጹ ክብሪ ምረኸቡ። ከመይሲ፡ እቶም ኣብ ፍታሕ ምርካብ ዝፈሸሉን እቶም ፍታሕ ንምምጻእ ዘይፈተኑን ኩሎም ኣብ ሃገራዊ ክሳራ ማዕረ’ዮም።

ንሕና እዞም ሹዱሽተ ውድባት ዝተፈላለዩ ኣካላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብሓፈሻ እቶም ካብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ብፍላይ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርታት ምእንቲ ምጥርናፍ ደንበ ተቓውሞ ኣዚና ነመጉስ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ግን ጻዕሪ ንስለ ጻዕሪ ጥራሕ ከይከውን ኣተኩሮ ዘድልዮ ነገር ከይኣመትና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዳግም ህይወት ክለብስ እንተኾይኑ ወከልቲ ኩሉ ትካላት (ኣካላት) ሃገራዊ ባይቶ ዝሳተፉሉ ሰፊሕ ሰሚናር ተኣትዩ ኩሉ’ቲ ዝጸንሐ ጸገማትና ዘርዚርና ንመያየጠሉን ናብቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ጉባኤ ክንኣቱ ዘድሊ ሰናዳትና ካልእ ናይ ኣመራርሕ ረቛሒታትን ተሰማሚዕና እንወጸሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ ንብል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ሰሚናር ክሳብ ናብ ጉባኤ እተብጽሓና ሽማግለ ክንመርጽ’ውን ዝከኣል’ዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ መስርሓት ሓሊፉ ከይደንጎና ናብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ክእቶ ይከኣል’ዩ። በዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ዝእቶ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ኣቐድም ኣቢልና ብሰሚናርን ዝተሰማማዕናሉ ሕጋውነት እነልብሰሉ ጥራሕ ይኸውን እምበር ንበኣሰሉን ንዋጠጠሉን መድረኽ ክኸውን ኣይክእልን-ኣይግባእን ከኣ።

በዚ ክሳብ ሕጂ ክኸይድ ዝጸንሐ ኣግላሊ ኣገባብ ግን ተደሚሩ ወይ ጎዲሉ (+ or -) ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዘካይዶ ጉባኤ እምበር ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክግበር ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ከኣ መዳኸሚ’ዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ከኣ ዝርካቡ ዓቕምና ዓቂብና ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ደኣ ክውዕል ይግባእ እምበር ካልእ መዳኸሚ ብልሓት ከነናዲ ዝምረጽ ኣይኮነን። ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ መሳርሕቱ ኣባላት ሰክረታርያ ዘይተሓወስዎ በይኑ ዝውስኖ ውሳኔን፡ ሕጋዊ ትካል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ደስኪሉ እናሃለወ ተክኒካዊት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምድላያ እትውስኖን እትጽውዖን ኣኼባታት መሊሱ ዘረሓሕቕ እምበር ምጥርናፍ ዝፈጥር ኣይኮነን።

እቲ ሕጂ ዝደለ ዘሎ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ደንበ ተቓውሞ ነብሶም ካብቲ ከነዓውቶ ንደሊ ኢና ዝብልዎ ዕላማታት ኣትሕት ኣቢሎም ንህዝባዊ ረብሓታት ቀዳምነት ምሃብ ጥራሕ’ዩ። ብትዕቢት ተዋሒጥካ ኣነ’ዶ ክንቀፍ ብምባል ዝኸይድ ድርቅና ዓዲ ኣየእቱን’ዩ። ብኸምኡ ዓዲ ዝስራሕ ነይሩ  እንተዝኸውን ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ብድርቅና ዝተላዕጠጠ ስለ ዘየለ ንዕኡ ምጠቐመ፡ ሃገር’ውን ምጠቐመ። ተፈቲኑ ዝፈሸለ መንገዲ ብማዕዶ ደኣ ንርእዮ እምበር ኣካሉ ክንኸውን ኣይንብህግን።  ኣብ መስርሕ ልዝብን ሕድገታትን ኣዎንታዊ ተራ ክህልዎ ይክእል ኢልና ንርእዮ ድማ ኣብ ሕድሕድ ውድባት ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ብቓልዕን ብስዉርን ዝኸይድ ሕድሕድ ምጥቕቓዕን ጸለመታትን ደው ምባል’ዩ። ጸለመታት መሳርሒ ድኹማት’ዩ። ግልጺ መድረኽን ምክእኣልን ግን ክልመድ ዘለዎ ሰውራዊ መሳርሒ’ዩ።

ምድሓን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከም ቀዳማይ መማረጺ ኢና ንወስዶ። ከመይ’ሲ፡ ተመኩሮ ነዊሕ ዓመታት በቲ ድኽመቱ’ውን ተማሂርካ ኣብ ልዕሊኡ ትነድቕ እምበር ካብ ምፍራሱ ዝርከብ ረብሓ የለን። በቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣይምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ክኸይድ እንተቐጺሉ ግን መተካእትኡ ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይወዓልን። እቶም ንሃገራዊ ባይቶ ዘቖሙ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ዕላማታት እዮም ነበርቲ እምበር ሃገራዊ ባይቶ መሳርሒ’ዩ። ዘይሰርሕ መሳርሒ ከኣ ብዝሰርሕ መሳርሒ ምቕያሩ ነውሪ ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ግን ኣተሓሕዛ ደኣ ጸይቕናሉ እምበር ሃገራዊ ባይቶ ዘይሰርሕ ስለ ዝኾነ’ዩ ፈሺሉ ዝብል መደምደታ የብልናን። ስለዝኾነ  ድማ’ዩ ካብ ባይቶ ምፍራስ እቶም ኣተሓሕዛ ዝጸየቑ ተኣልዮም ብካልኦት ንዕኡ ዝበቕዑ ክትክኡ ከም ቀዳማይ ምርጫና እንወስዶ።

ንምጥቕላል እምበኣር፦

  • ሕድሕድ ርኽክባትን ዘተታትን ፖለቲካዊ ውድባት ቀጺሉ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ንኹሉ ዝጥርንፍ ኣሳታፊ ሰሚናር ክእቶ።
  • ሕሉፍ ጸገማትና ይግምገም መፍትሒታት ይንበረሉ፡ ትምህርቲ ንረኽበሉ፡እምበር ናይ ቆዮቓ መድረኽ መታን ከይከውን ድማ ኣቐዲሞም ነዚ ዘንጸባርቑ ወረቓቕቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተፈላልዩ ኣካላት ጥቕልል ኢሎም ክቐርቡ።
  • ቅድሚ ሕጂ ዘይተለምደ’ኳ እንተኾነግን ከም ክተኣታቶ ዘለዎ ባህሊ፡ ካብቲ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ነጻ ዝኾኑ ኣካላትን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ከም ተዓዘብቲ ክሳተፉ።
  • ክሳብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ከኺደና ዝክእል ትካላዊ ምምዕርራይ ክግበር።
  • ነዚ ኩሉ ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ንኣኼባ ሃገራዊ ባይቶን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን መዓልቲ ክውሰን።
  • ካብዚ ዝሓይሽ እማመ እንተቐሪቡ ክንመያየጠሉ ድልዋት ኢና።

ሹዱሽተ ውድባት (in no particular order)

  1. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)
  2. ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
  3. ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር (ስምኤደሃ)
  4. ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)
  5. ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ሰደግኤ)
  6. ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! April 20, 2016

    ” Zeysreh mesarihi bezesreh mesarihi tikiyuro , kab tetahahiznayo
    zelena sirhit denbena nefris Netom zebelashwu alikha bibukuAt deki
    hagher nikhtikuoo yikhewn kedamnet dilyetna .
    It has been also my vision to identify naysayers forces who become
    obstacles in holding down the political process hostage for self –
    centered interest . Our people already paid enough from negligence
    of those who came with wicked individuals behind their back . And
    at this stage we can’t compromise if opposition leadership showed
    reluctance to clean it’s dirt . Get rid the bugs in your yard
    before you land your feet inside Eritrea to make sure the country
    is at good and clean hand . There is a limit in every aspect of life .
    OUR PEOPLE’S TEARS FOR HELP NEEDS URGENT ATTENTION TO CONSIDER
    BEYOND FOOLISH POLITICAL SKIRMISHES . Remember the train left idling
    too long period waiting for operator might malfunction completely dead out of service .

  • SAVING YOUNG ERITREANS April 20, 2016

    ድልዱል ውድብ ዶ ኣደይ ማርታ የድልየና እዩ ዝብል ኣይሰርሕን እዩ፣…. ከምቲ ገድሊ ዝተዓወቶ ክንዕወት እንተዄንና፣ንመንእሰያት ድዩ ሽማግለ ከይበለ ብሓይሊ መንዚዑ “ዘጋድል”፣ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ካብ ኣዲኦም መንጢሉ ናብ ሓዊ ዘእቱ፣ ንሓረስቶት ብኳደረ እናገደደ ምግቢ ካብ ቆለውዕ ገባራት መንዚዑ ነቶም ብግዲ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ዝቕልብ፣ብጽልኢ ዘለዎ ወዲ ሓወቦ ጀዋሲስ ንዝተጠቀነ,ቶርቸር እናገበረ ዝሓርድ፣ ንመርዓት ካብ ንእዲ ሕጽኖታ ኣውሪዱ,ግቡእኪ እዩ ኢሉ ዘጋድል፣ ንወዲ 80 ዓመት ሽማግለ ኣታ ወዲ ቖናኒት እናበለ ዝድህል ውድብ እዩ ዘድልየና፣መታን ነቶም ጀጋኑና ክንትክኦም ኣብነቶም ንከተል።ካብዚ ሰረረ ግን ፈትዩ ዝኸይድ እንተሎ እንሆ ዕስራን ሓሙሽተን ናይ ህግደፍን ሓምሳ ዓመት ናይ ተገንጸልቲ ሸፋቱን ኣርኣያ ተኸቲሉ ካልእ ነጻነት ዘምጽኣልና ውድብ እዩ ዝድለ ዘሎ።እዞም ካብ ዕስራ ሰብ ዘለዎም ውድባት ኣሕቢርካ ምውፋር ግን ኣብ ናይ ካላሽን ውግእ ሞኾስ ናይ ጸብሒ ሒዝካ ከም ምኻድ እዩ ፣ስለዚ ነዚ ክንግዕት ናይ Mcdonadds ሃምበርገር ዘርህጸና ዘሎ ይኣክል።ተስፋ ከቑርጽ ኢለ ኣይኮንኩን፣እቲ ሓቅነት ጎሊሑ ስለ ዝተራእየኒ እዩ።

    • Sol April 21, 2016

      ኣይተ (Saving young Eritreans) aka ተኽላይ, እስኻ እምበር ተስፋ ዘይቆረጽካ ወላ’ቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ምኩሓት ኣምሓራ ተስፋ ቖሪጾም’ዮም።

    • AHMED SALEH !!! April 21, 2016

      Ab zemen fetene deki seb mefthi zikhonom mengheditat yenadyu imber
      tekhormiyom kikuzumu aynebrun iyom .
      Nisikha dima kab sanduk zebene inini aywexien iye kab belka nibeynkha
      kitikenazo kitiermrm Khoynu alo tirfikha .
      In short , we had enough complainers but what we seek are problem solvers.

    • Hagherawi April 22, 2016

      ተስፋ ከቑርጽ ኢለ ኣይኮንኩን፣እቲ ሓቅነት ጎሊሑ ስለ ዝተራእየኒ እዩ።

      SAVING YOUNG ERITREANS aka Cow[ard] Face

      ስራሕካ ኢንተ ትገብር ምቀሰንካ …

  • Gezakenisha April 21, 2016

    Good morning friends for peace, solidarity and for the future genuine unity.From the rest of the world only we Eritrean are respected our colonies but in the rest of the nations they hate like any thing. This is our forged identity.
    This group seems that they could bring resolution but all of us must involve unless that it would never bring any resolution and we have to learn from lessons had been undertaking in the previous 60 years and we also needs to give more attention to our former colonies, because they have hidden agenda to make this people as Syria,Iraq. Libya, Afghanistan and Somalia too. The funds raised or contributed or actors of this coalition in the position of leaders of the opposition party needs to take-care. We have to learn from our previous mistakes. we don’t expect the real free lunch from any corner of the world you know better with colonies like Egypt,Italy and Britain. And It needs to have flexible and modern or civilized approach to our indigenous identity. To Be original Habesha or Ethiopian.

    • AHMED SALEH !!! April 21, 2016

      ” the future genuine unity ” sounds good .
      ” our indigenous habesha Ethiopian identity ” very true Tigray-Tigrigni
      dreamers ambition .

  • Natnael April 21, 2016

    ኣነ ዝገርመኒ ህዝቢ ኤርትራ ይኾነለይ ደኾን ኢሉ ን99 ዓመታት ዝኣክል ሓባራዊ ቃልሲ ኣካይዱ ነጻነት ተባሂሉ ዝጽዋ ተረክቦ ኣጎናጺፉ። ሓርነት ፍጹም ከዔቅብ ዘይምኽኣሉ ግን ወይ

    1) ናይ ስትራተጂ ጌጋ እዩ (1000 ጊዜ ዘይኮነ ድማ ክሳብ 2-3 ጊዜ ክእረም ምተገብኦ) እንተዘይኮይኑ
    2) ደይ-መደይ ኢልካ ብፍላጥ ነቲ ዕላማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጨርሒ መንገዱ ከም ዝሰሓት ምግባር’ዩ።

    ናይ ስትራተጂ ጌጋ መወዳእታ ዘይብሉ ጊዜታት ተኣሪሙ ፣ መወዳእታ ዘይብለን ውድባት(ex. the purpposely failed Medrek, ICER,…etc) ተባሂለን ዝጽው ጉጅለታት እውን ከም ቃንጢሻ በቒለን በብ ኣጋኣኡ ድማ ፈሺለንን ቅሂመንን ተሪፈን።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ መመድረኹ እንዳጸገንካ ሰለም ክብል ዝጸንሔ ናይ ወት ጩራ ዘይብሉ ጉዞ ፣“ሕጂ’ውን ንሓባራዊ ጽላል ደንበ ተቃውሞ በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና!! “ ኢልካ ከም ብሓድሽ ’ኣልሞት ባይ ተጋዳይ’ ኢልካ ደምበምግባር ብፍላጥ ነብስኻ ምትላል ጥራሕ እዩ ክበሃል ዝከኣል።

    => ካብ 1000 ጊዜ ተቓሊስካ ምፍሻል፣ ጽላለ ስለ ዝኾነ ብፍጹም ስቕ ምባል ይሓይሽ !!

    • AHMED SALEH !!! April 21, 2016

      Eritrawian kab tarikh abotatna nimeselu zikales hizbi kem zikhone
      ameskiru iyu . Higi intekhone izom kemzi khemana temesilom neta
      hagher nay behti nibret gheyroma zelewu HIZBI teberabiru IMBI
      zibelu MEDREKH bexihu alo . Bokbak TIRAH iyu zimberkekh .
      Weylkhum dea beal GAE-GHELTEM bitenkoln kirhintan xehay ziarebetkum .
      Do not worry , we are responsible for the good or bad of national
      affairs and we keep telling you so straight forward clearly to back off.
      ERITREA BY ERITREANS FOR ERITREANS means mind your business .

POST A COMMENT