Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕጊ ኣብ ዘይብሉ መንግስቲ ፍትሒ ኣይነግስን’ዩ

ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታትን ውልቀ-መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኣብ እዋን ዕርበቶም ዝጥቀሙሉ ሓደገኛ ሜላ፡ ነቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ሓድነቱ ምዝራግን ሓድሕዱ ከምዝናቆት ምእላምን’ዩ። ህዝቢ ንተንኮላት ገዛእትን መለኽትን ተገንዚቡ ንጸላእቱ ሓቢሩ ክምክት እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ጉዕዞ ቃልሱ ዝተሓላለኸን ዝነውሐን

ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታትን ውልቀ-መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኣብ እዋን ዕርበቶም ዝጥቀሙሉ ሓደገኛ ሜላ፡ ነቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ሓድነቱ ምዝራግን ሓድሕዱ ከምዝናቆት ምእላምን’ዩ። ህዝቢ ንተንኮላት ገዛእትን መለኽትን ተገንዚቡ ንጸላእቱ ሓቢሩ ክምክት እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ጉዕዞ ቃልሱ ዝተሓላለኸን ዝነውሐን ይኸውንን ዝያዳ መስዋእትን ስቃይን ይኸፍል። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ንዘለኣለም መታን ክጸንሕን ንህዝቢ ኤርትራ ክድህኮን፡ ከም ሕላገት መንነቱ ዝፍሕሶ መጻወድያን ብልሓታትን ድማ፡ ንፍትሕን ንለውጥን ሃገሮም ርትዓዊ ሓሳብ ንዘቅርቡ ዜጋታት ብቁሉዕን ብስዉርን ኣስማቶም ኣጸሊምካን ካብ ሓፋሽ ነጺልካን ምሕያርን ምቅንጻልን፡ ንትሑት ንቅሓትን ክቱር እምነትን ግርህናን ኤርትራዊ ብምብላጽ ኢሳያስ ንነብሱ ከም ኣበር ዘይብሉ ብሉጽ መራሒ ምቁጻርን ጉድለታቱ ከምዝሕባእ ምግባርን ልኡምነትን ተማእዛዝነትን ምንጋስን ከምኡ’ውን ግዳማዊ ተረኽቦታትን ተጻብኦታትን ብምትዕብባይን ሃገራዊ ጉዳያት ንኸይትግበሩ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ከምዝስርዑ ምግባርን ንኣብነት ዶብና ኣይተሓንጸጸን እናበልካ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣግልግሎት ዘይምውሳንን ሃገራዊ ቅዋም ዘይምንዳፍን ከም መመኽነይታ ምቅራብን ክጥቀስ ይከኣል። ከምቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ነቶም ንሓርነት ሃገሮምን ህዝቦምን ዝጋደሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን “ተገንጸልቲ፡ ሸፋቱ፡ ክሓድቲ፡ ዑሱባት ኣዕራብ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ጥራይ’ዩ ዝምልከት” ብምባል ንሰውራ ኤርትራ ካብ ገጽ ዓለም ንምጥፋእን ብሓይሊ ንምጉዕጻጽን ዝነዝሕዎ ዝነበሩ ጠቀነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ዝርሳዕ ኣይኮነን። መላኺን ተንኮለኛን ኢሳያስ ከኣ ብሒም ንዝበሉ ተቃለስቲ፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ “መንካዕ፡ የሚን፡ ንኡስ ቡርጅዋ፡ በለጽ፡ ሓለፋታት ብዝብል ኣስማት ድሕሪ ናጽነት ከኣ ዑሱባት ስለያ ኣመሪካ፡ ጠለምቲ፡ ትሕተ ሃገራውያን፡ መጋበርያ ወያነ፡ ልኡማት፡ ብልሽዋት ዝብሉ ናይ ፈጠራ ክሲታት ብምቅራብ፡ ህዝባዊ ተቃውሞ  ንምድኻም ዝኣልሞ ተንኮላትን ዝስልዖ ባጀትን ዓቅሚ ሰብን ደረት የብሉን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን እቲ ዝዓበየ ጸገምና፡ ሕዱር ሕማምን ሽጣራታትን ስርዓት ህግደፍ ኣዳዕዲዕና ፈሊጥናዮ ክንስና፡ ብሓደ ኢድ ክንምክቶ ዘይምኽኣልናን ኣብ ሞንጎና ነቃዓት ምፍጣርናን’ዩ።

ኣብ ቅድሚ ኩልና ኤርትራውያን ተገቲሩ ዘሎ ዓቢ እዋናዊ ብድሆ፡ ሃገርን ህዝብንን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን መጻኢት ኤርትራ ምርግጋጽ፡ ነዚ መኣዲ ዘተ፡ ዕርቂ፡ ሰላም ረጊጹ ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ  ፍልስፍና ዝኽተል ዘሎን ረጋጺ ህዝብናን ህግደፍ ምሕግሓጉ ጥራይ ኢዩ። መሬትናን ህዝብናን፡ ሰላምን ብልጽግናን ፍቅርን ይደሊ ኣሎ። እዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድማ እከይ ተግባራት ህግደፍ ከብቅዕን ሕሰም ህዝብና ክፍወስን ክንሰምር ኣለና። ሕመረት ቃልስናን ህግደፍ ክምልሶ ዝግብኦን ሕቶታት ድማ፡ ምትካል ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ፖለቲካ እሱራት ኣብ ፍርዲ ክቀርቡን ሰብኣዊ መሰሎም ክሕሎን፡ መሰል ምዝራብን ምእካብን ክፍቀድ፡ ደረት ስልጣን መራሒ ሃገር ክውሰን፡ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዕድል ዝህብ ቁጠባዊ ፖሊሲ ክህሉን ቅርሕንትን ሕነ ምፍዳይን ተሪፉ ዕርቂ ክፍጠርን ካልኦት ጉዳያትን ከጠቃልል ኣለዎ። ምፍልላይን ሓድሕድ ምውንጃልን ንህግደፍ ዘርብሕ፡ ስልጣኑ ዘናውሕ እምበር መዓትና ዘቁርር ስቃይና ዝውግድ ኣይኮነን። ለባማት፡ ምሁራትን ክኢላታት ሕግን ኣለዉና። ንሃገርና ብገዛእ ርእስና ከነማሓድር ብቅዓት ኣለና። ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸጋታትን ዓቅሚ ሰብናን ብውሕልነትን ስኒትን እንተተቀሊሱ ጠምዩ ዝሓድር፡ ዝስደድ፡ ዝዓርቅ፡ ብሕማም ዝሳቀ፡ ዝድንቁር፡ ፍትሒ ስኢኑ ኮለል ዝብልን፡ ኤርትራዊ ኮቶ ኣይክእልን’ዩ። በዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ሃገርና ዘሎ ቅልውላው ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። ነቶም ብመርዛም ስብከት ህግደፍ ተገሪዞም መስመሮም ስሒቶም ኣንጻር ህዝቦም ተሰሊፎም ዘለዉ ዜጋታት ናብ ልቦም ክምለሱ ክንጽዕር ኣለና። እቶም ኣብ ዙርያ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኮይኖም ብስቃይ ህዝቦም ዘሽካዕሉሉ ውሑዳት ኤርትራውያን ግን ግዜ ክፈርዶም’ዩ። ክሳብ ንሕና ተጠርኒፍናን ቀዳምነታትና ሰሪዕናን ንስርዓት ህግደፍ ንምክት፡ ምረት ናብራን  ስደትን ህዝብና ክቅጽል’ዩ። ንምንታይ’ሲ ኣብ ሕጊ ዘይብሉ መንግስቲ ፍትሒ ኣይነግስን’ዩ፡ ንኹሉ ውልቃዊ ስምዒታትካን ፖለቲካዊ ኣጠማምታኻን ወንዚፍካ ሓባራዊ መስዋእቲ ከይከፈልካ ድማ ብርኩት ምህርቲ ኣይሕፈስን’ዩ፡፡ ስምረትና ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ይጥለብ ኣሎ። ሓድነትና ጥራይ’ዩ ከኣ ምስጢር ዓወትና መቃብር ንጸላእትና።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕዳር 23 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tewelde gebremariam November 23, 2015

    The biggest hurdle is within those who claim to engage against a isaias afewerk. Despite their long duration in the business, they have not yet grasped as to who is keeping them from advancing forward.

    Woyane is isaias Afewerk and isaias Afewerk is woyane. Until they see this reality, they will remain inert, dancing in circle.

POST A COMMENT