Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መለኽቲ ሃገር የብሎምን – ኢሳያስከ?

መለኽቲ ሃገር የብሎምን ኢሳያስከ? ረድኢ ክፍለ ንሃሰ 10/2018 ኣብ ታሪኽ ሃሰስ እንተድኣ ኢልና ብዙሓት መለኽቲ ከም ዝነበሩ ምዝጉብ ኢዩ፡ ገለ ካብኣቶም’ውን ክጥቀስ ይከኣል። ንኣብነት ካብ ምዕቡላት ሃገራት፡ ሂትለር፡ መሶሊኒ፡ ወዘተ..ካብ ስሉስ ዓለም ሃገራት ክኣ ከም ብዓል ሳዳም፡ መንግሰቱ

መለኽቲ ሃገር የብሎምን

ኢሳያስከ?

ረድኢ ክፍለ ንሃሰ 10/2018

ኣብ ታሪኽ ሃሰስ እንተድኣ ኢልና ብዙሓት መለኽቲ ከም ዝነበሩ ምዝጉብ ኢዩ፡ ገለ ካብኣቶም’ውን ክጥቀስ ይከኣል። ንኣብነት ካብ ምዕቡላት ሃገራት፡ ሂትለር፡ መሶሊኒ፡ ወዘተ..ካብ ስሉስ ዓለም ሃገራት ክኣ ከም ብዓል ሳዳም፡ መንግሰቱ ወዘተ…ኢዮም።

መለኽቲ ዝተፈላለየ መንቀሊ ወይ መበገሲ ኣለዎም። ገሊኦም  ግዳማውያን ኰይኖም ዘይሃገሮም ዝወሩን ዘይህዝቦም ዘሳቕዩን ዘይንብረቶም ዝግብቱን ኢዮም። ሃገራት ስሉስ ዓለም ኩለን ናይ ከምዚኦም ዝተጠቕሱ ወረርቲ ውጽኢት ኰይነን ኤርትራውያን ክኣ ኣብኡ ንጠቓለል።

ገሊኦም ክኣ ካብ ውሽጢ ሃገር በቝሎም ነቲ ኣጥብዩ ዘዕበዮም ህዝቢ ዘብርሱ ከም ብዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ኢዮም። ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብዚ ንርከብ። ካልኦት’ውን ነዚ ኩሉ ግፍዒ፡ ናይ ቆርበትን ዓሌትን ምፍንፋን ዝውስኽሉ ከም ብዓል ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ተመኩሮናውን ጥልያን ከይተረፈ ዝነበሩ ኣለዉ። ምኽንያቱ ጥልያን ንህዝብና በዂባይኡ ከይንሰቲ፡ ክም ጫምኡ ከይንረግጽ ብምንገዱ ከይንኸይድ ይገብር ስለዝነበረ ንሕና ኤርትራውያን ዝሓለፍናዮ ታሪኽ ኢዩ። ምኡ’ውን ኣብ ሰውራ ዝነበሮም ኣመራርሓ ተጠቒሞም ስልጣን ዝግብቱ ከም ብዓል ማኦ፡ ኢሳያስ ወዘተ…ኣለዉ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንመረዳእታ ዝኣክል ኢዩ እምበር ከም ቍጽሪ መወዳእታ የብሎምን። መለኽቲ ተግባራቶም ከም ዓቐን ገለ ፍልልያት ክህልዎም ከሎ ብባህርያት ወይ ብመትከል ክርአ ከሎ ግን ሓደ እዮም። ብሕጽር ዝበለ ንምጥቕላል ግን መለኽቲ ውጽኢት ናይ ኣነነትን ጽዑቕ ትምክሕትን ኢዮም።

 

ባህርያት መለኽቲ ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣብ ሓደ ክጠቓለል ከሎ፡ ዓቕሞም ግን ስለዝፈላለ ምስፍሕፋሕ ናይ መግዛእቶም ብኡ መጠን ይውሰን። ገሊኦም ኣብ ምሉእ ዓለም መግዛእቶም ክስፋሕፍሕ ከሎ ናይ ገሊኦም ግን ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝተወሰነ ኰይኑ ብትምኒትን ብሕልምን ግን ንምልእቲ ዓለም ይገዝኡዋ። ብግብሪ ከስፋሕፍሑ ይፍትኑ ኢዮም ግን ምስላጥ ክኣ ስለዝኣብዮም ኣብታ ዘለዉዋ ተሓጺሮም ይተርፉ። ንኣብነት እዚ ናይ ሃገርና ኢሳያስ ከም መረዳእታ ክውሰድ ይክኣል።

እምብኣር ኤሪትራውያን ነዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተመኲሮታት መለኽቲ ስለዝሓለፍናዮ፡ ካብ ገዛእ ታሪኽና ክንመሃር ክፉት ዕድል ስለዘለና ናይ ቃልሲ ዕጥቅና ጽኑዕ ክኸውን ይግባእ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ኩሎም መለኽቲ ዝጥቀሙሉም ብልሓታት (ሽጣራታት) ከጠንቅቑና’ምበር ከገርሁና የብሎምን።

ናብቲ ዋና ነገር ንኽንምለስ ግን፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኹሉ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣርእስቲ ብምምዝዛን ክንግምግሞ እንተድኣ ኰንና፡ መለኽቲ ነቲ ዘተፈጥርሉ ሃገርን ህዝብን ካብኡ ሓሊፎም ክኣ ንምሉእ ዓለም ንግበትኦም ክብሉ ዘበሳብሱን ብዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዘምባሌታትን ጸግዕታትን ኢድ ኣእታውነትን ደም ዘፍስሱን ዘፋስሱን እንተድኣ ኰይኖም ካብ ሃገራዊ ፍቕሪ ወጺኦም ናብ ንብረታዊ ፍቕሪ ስለዝሰጋገሩ ሃገር ኣለዎም ክትብል ንስሙ እንተዘይኰይኑ ብተግባር ኣጸጋሚ ኢዩ።

እወ ዝተወልዱሉ፡ ዝዓበይሉ፡ ወይ’ውን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ማለት ከም ስደት ወዘተ… ዝኣመሰለ ዝስየሙሉ ሃገር ወይ ዓዲ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ፡ ግን ሃገር ወይ ዓዲ ዝበሃል ደቂ ሃገር ወይ ደቂ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮምን ወይ ዓዶምን ብዘርእይዎ ናይ ምዕባሌ ሓልዮትን ተግባራዊ ስጒምትን ኢዩ ዝምዘን። ሃገር’ዩ ሃገር ክብሃል ከሎ፡ ብዙሕ’ዩ ብዙሕ ማለት’ውን እንድ’ዩ፡ ንብዙሓት ዝጠቅምን ብዙሓት ዝደልይዎን ተግባራት ክኣ ምስ እትገብር እዩ ትርጒም ዝህልዎ። መለኽቲ ግን ብዙሓት ዝጒድእሉን ሒደት ክኣ ዝረብሕሉን ስለ ዝገብሩ ብዛዕብ ሃገር ወይ ዓዲ ዝግደሱ ኣይኰኑን።ፈቖድኡ ኣብ ምሉእ ዓለም ከከም ዓቕሞም ንብረትን ጒልበትን ክግብቱ ኰለል ስለዝብሉ ክኣ፡ ሰበኽ-ሳግም ናይ ምግባት ንብረትን ምምዝማዝ ጒልበትን ክንብሎም ንኽእል።

መለኽቲ ዕድመ ናይ መግዛእቶም ክውጥጥ ምእንቲ፡ ማለት ህዝቢ ምእንቲ ከናቝቱ ደቂ ዓዲ መሲሎም ዝረኣይሉ ጥበብ ኣለዎም። ህዝቢ ሰሚሩ ምእንቲ ከይቃወሞም ብፍላይ ኣብ ድሑር ሕብረተሰብ ወገንን ዓሌትን ሃይማኖትን ወዘተ… ከም መሳርያ ተጠቒሞም ነቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከም ዝናቖት ይገብሩ እዮም። እዚ ክኣ ንገለ ኣካላት ካብቲ ንይምሰል ንዕኦም ዝመስል ገለ ሓለፋታት ናይ ስልጣን ይዕድሉ’ሞ እቲ ህዝቢ ናብ ወገናዊ ቍጭምጭ ኣትዩ መሰረታዊ ጸላኢኡ ከምዝዝንግዕን ካብ ስምረት ክኣ ከምዝጐናደብን ይኸውን። ብባህርያቶም ግን ንዓዲ፡ ንሃገር፡ ዝሓልዩ ኣይኰኑን። እሞ ኸድኣ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እንተዀይኖም፦

ኢሳያስከ ኣበይ ዓዱ ትብሉ?

 

ነእምሮ ዘለዎ እንተሓቲትኩም

ኣበይ ዓዱ ኢሳያስ እንተበልኩም

ኣይትረኽቡን ኢኹም ዝነግረኩም

ምውላድ’ሞ ካብ ሰብ ተወሊዱ

ግን ከም ወድ-ሰብ ኣይፈልጥን’ዩ ዓዱ

ትብልዎ ትዀኑ ካብ ኣስመራ

እንታይ ድኣ’ሞ ፍሒሩ ዝቐብራ

ጸሎት’ዩ ዓዱ ትብልዎ ትዀኑ

እንታይ ድኣ’ሞ ምስ ምድማር ኰይኑ

እስከ ብድብድቡ በልዎ ኤርትራዊ

እንታይ ድኣ’ሞ ዝኣጒደሎም ሓዊ

ንገለ’ውን ትግራዋይ ይመስሎም

እንታይ ድኣ’ሞ ገይም ኦቨር ዝብሎም

ንገለ’ውን ይመስሎም ኢትዮጲያዊ

መቓቒሉ እንዳእተወሎም ሓዊ!

ሎምስ’ኮ ንብሎ ጠፊኡና

ክንብልዶ ቅራና-ቅራና

ኣበይ ዓዱ ኢልኩም ትግምቱ

ካብ ንጎልጎል ንገደል ዝፈቱ

እተን ኣእዛኑ ኣይንሰምዕን ኢለን

ዓዲ ዘይብለን ደኾን ድኣ ኰይነን

እተን አዒንቱ ’ለዋ ተኸፊተን

እንታይ ድኣ ምርኣይ ጠፊኡወን

እስከ ወድ-ደንከል ኢልና ነፋልጦ

እንታይ ድኣ ንዓሰብ ዝሸጦ

ኣንታ ወድ-ባጽዕ ከይከውን እዚ ስብ

እንታይ ድኣ ወደብ ብዘይ መርከብ

ኣንታ ሰንሒት ከይከውን ቦትኡ

እንታይ ድኣ ጀራዲን ጠፊኡ

ወደ-‘ከለ ከይከውን ካብ ጾረና

እንታይ ድኣ ከይደን ዓድታትና

ካብ ሰራየ ዝብል ከይህሉ ሓታቲ

‘ቶም ምስራሕ ዝኸልኦም ቤት ትምህርቲ

በጃኹም እባ ዓዱ ንገሩኒ

ነዚ እከይ ፍጥረት በሊሕ ቀርኒ

ወድ-ሳሕል ከይከውን ወድ-ናቕፋ

እንታይ ድኣ ጥራያ ተሪፋ

እዚ ኹሉ ቦምብታት ፍሒሩዋ

ብሽም ናይ ባጠራ  ጠቢሩዋ

ወድ-ባርካ ድኣ ከይትብልዎ

እንታይ ድኣ ወርቆም ጓሕጒሑዎ

ናተይ ነገር ኣውራጃ ጠርጢረ

ቀደም ዝደምሰሶ ከይጀመረ

ብቐዳማይ “ኤርትራዊ” ነይሩ

ሎሚ ክኣ ኢትዮጵያ ሰጊሩ

ምስ ወያኔ “ትግራይ” ኔይሩ ዓዱ

ሎሚ ክኣ ዘሊሉዎም ከይዱ

እምበረዶኸ ኣለዎ’ዩ ዘመድ

ካብ ኣብ ዓዲ ዘሎ ካብ ዝስደድ

በሉ ኣነ ባዕለይ ክነግረኩም

ክትሰምዑኒ ’ቶም እዝኒ ዘለኩም

ሰይጣን ዝበሃል እኮ ፍጹም የለን

ካብ ሰማይ ተደርቢዩ ኣይወረደን

ኣብ ዓለምና ክኣ’ዩ ዝርከብ

እከይ መጋብሩ መላኺ ሰብ

ንፍለዮ’ሞ ዝጭበጥን ሕልምን

መለኽቲ’ኮ ዓዲ የብሎምን

ውሕጅ ደም ዝፈትዉ ካብ ውሕጅ ማይ

ክነብሩ ዝደልዩ ንሶም ጠራይ

ምሕረት ዘይፈልጡ ደይ መቕዘፍቲ

ንሳ ጥራይ ትርኣዮም ሓንቲ

ፍለጡዋ ናይ መለኽቲ ዕጣን

ዘይትቕየር መገሻ ናይ ስልጣን።

         ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Haqu August 11, 2018

    “ኢሳያስከ ኣበይ ዓዱ ትብሉ?”
    what about Weldeab, Kebire, Ali Abdu and cousins, the Jebelis, the Tokrirs, the Bejas, Hadendewas?

  • Haqu August 12, 2018

    እቶም ወራዙት ኩሩዓት ኣባሓጎታትና እንታይ እዮም ዝበሉ፥
    “ዓሚ ንዝሞተ ብተይ ፈኑ ኸኣ ተባሂሉ” ። ታሪኽካ ቋንቋታትካ ኣባሓጎትትካ መንነትካ ዝነዓቕካ ፡ ዓለም ይትረፍ ዝኾነ ደንቆሮ ናይ ዓረብ በደዊን ራሻይዳ ከም ጤል ዝሸጠካ ዝልወጠካ ፡ ኣብ “ምድማርን ዘይምድማርን” በጺሕካ? በልስከ ከምዚ ከማኻ ተደሚሩ ጎዲሉ ዘምጽኦ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ?
    ምስ መን ደኣ ክትድመር? ምስ ጀበሊ ፡ ጽሩይ ዓረብ ዖመር ኣልባሺር ፡ ምስ ዓረበ በደዊን ራሻይዳ ፡ ምስ እዞም ስልጡናት ምዕቡላት እስላማውያን ወሃቢ ኣል ስዑድያ ፡ ምስ እዞም ቋንቋታቶም ዝፈንፈኑን ብሓዊ ዘንደዱን ፡ ምስ እዞም ሳላፊ ሸሪዓውያን ናይ ሓሶት ዓረብ ፡ ምስ እዞም ልኡል እምነ ልኡላን ናይ ከልጅ ዓረብ?
    “መን ኢኻ?” ዘይበልዎስ “ኣቤት!” ይብል።

    • k.tewolde August 12, 2018

      Haqu,Haqi tezareb.Your Islamophobic slime oozes allover this website to the point it makes it difficult to navigate,I don’t know what you are trying to accomplish by attacking contributors and dressing them all up with an Arab identity.It is old,outdated,the tyrant once upon a time used it to galvanize and arm a naive base to get rid of a rival liberation organization,it worked for him then,how about you? what do you have in store?

    • AHMED SALEH !!! August 12, 2018

      Eritreans , Amhara , Oromo and others
      have not problem to
      live in peace .
      Now bark nonononono
      we are not done yet with our no-war-no-peace agenda .
      Game is over , give up .

  • Gezae August 12, 2018

    A person with real and deep knowledge is generally sober and humble. He is not interested in giving himself airs and indulging in cheap publicity. He/she believes in constructive work. It is not his.her motto to make an easy buck. But not we see here? This question touch on nearly all of the major controversies of our shallow political knowledge and disrespects.

    Disrespect is the ugliest character defect
    To hate on others does not earn you respect
    Very hard for your voice to be heard
    there will be no substance behind your word
    Spread bad tumors and blackened good people’s soul completely
    You love hate; it’s plain to see It fills the hearts of our enemies
    They like you to spread rumors and go off on a rant
    But ask’ for a reason yourself, You Know! you just always can’t
    If you go the way you talk and write, the expression on your face
    You tend to lose compassion and be void of all grace
    It just makes more enemies and never a friend
    And when it’s all over, you’ll feel empty in the end
    So you leave all the hate to those who revel in it
    And get on with you life, Loving every minute
    But if stubbornly you just continue on trying
    Everyone else already knows you are lying

  • AHMED SALEH !!! August 12, 2018

    Some people choose the life they hate than the life they love because
    they have sickness from anger and hatred.
    As we observe their behaviour , it
    shows to prove existence of Satan soldiers within human societies . In fact I can say , they promote on behalf of DEVIL to bring civil war and total destruction in life .
    Remember the history lesson we
    must learn not to be repeated like fascism , Nazi , Ruwanda genocide and Middleeast ISIS and other killings of innocents.

POST A COMMENT