Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ስድራቤት ኢንስፐክተር ስብሓት ኣበራ ንቓለ ማሕተት ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ – 1ይ ክፋል

ስብሓት ፤ ዝመጻካ ኣይትስሓት ቀዳማይ ክፋል ፤ ካብ ሰነዳት ታሪኽ ሓጺር ታሪኽ ፣ ካብ ቅያታት ሓርበኛ ስብሓት ኣበራ ምራጭ ፤ "ኣየ ሽዋ እዞም ዓያሹ ፣ ነዛ ለካሚቶም እምኒ ዝውሕጡ ።" ደግያት ምራጭ ጉድም፤ ሊባን ሎጎጭዋ : ዳኛ ፣ ሽማግለ

ስብሓት ፤ ዝመጻካ ኣይትስሓት

ቀዳማይ ክፋል ፤ ካብ ሰነዳት ታሪኽ
ሓጺር ታሪኽ ፣ ካብ ቅያታት ሓርበኛ ስብሓት ኣበራ ምራጭ ፤

“ኣየ ሽዋ እዞም ዓያሹ ፣ ነዛ ለካሚቶም እምኒ ዝውሕጡ ።”
ደግያት ምራጭ ጉድም፤ ሊባን ሎጎጭዋ : ዳኛ ፣ ሽማግለ ሎጎጭዋ፣ ሓደ ካብ ጸረብቲ ሕጊ እንዳባ ሎጎጭዋ : ኣብ ቅነ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራ – ኢትይጵያ ፣ ኣብ እዋን ጎበጣ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ፣ ኣብ ጎዳይፍ ሓማሴን ዝበልዎ።

ካብቲ ብ ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ እተጻሕፈ ፤ ሓጺር ታሪኽ ሃጸይ ሃይለሰልሴ ፣ Emperor Haile Selassie, 2014, ካብ ገጽ 110 እተወስደ ።

“How foolish the Shoans [Ethiopians] are! They have swallowed a piece of hard rock that will destroy them.”

Degiat Mirach Gudm

“ከመይ እግሩ ትቆረጽ! ነቲ ኣሓና ኣጣልና ማየን ዝሰትያሉ ፤ ሳዕረን ዝበልዓሉስ ንሱዳን ክወሃብ ?”
ደግያት ምራጭ ጉድም ፤  ኣብ ቅድሚ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ተረኺቦም ብዛዕባ መጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ድባርዋ ንቢተወደድ  ኣስፍሃ ወልደሚካኤላ ዝመለስሉ ፤ ብዛዕባ እማመ በቪን ሲፎርዛ ፣ ማለት ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል ፣ ንዝቐረበ ሓሳብ ክንጽጉ እንከለዉ ።

Aboy Sebhat 2

ወለዶ ሓርበኛ ሰብሓት ድማ መሰጋገሪ ድልድል ፣ ናይቲ ኣብ መግዛእቲ ጣልያን ዝነበረን ፣ ናይቲ ናጽነት ዘልበሰ ገድላዊ ወለዶን እዩ ።

 

“ቃል ስብሓት ኣይዕጸፍን እዩ ። ካብቲ ሓጺን ኣቻዮ ናይ መገዲ ባቡር ድማ ይጸንዕ ።”

ኢጣያልዊ  ጠበቓ  ናይ ስብሓት ኣበራ : ሲኞር ቪኬቲ ።

ክሱስ ስብሓት ኣበራ ምራጭ ፣ ነቲ ተኸሲስዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ፈተነ ቕትለት ኣብ ቀሺ ዲሜጥሮስ ፣ ማለት ምክትል መራሒ መግስቲ ኤርትራ ፣ “ኣይወዓልክዎን። ኣብቲ ውዲት ውን ኣይነበርኩን።” ፤ ኢሉ ኣብ መርመራ ፖሊስ ስለ ዘቕበጸን ፣ ኣብ ቤትፍርዲ ውን ናይ ክሕደት ቃሉ ምስ ሃበን።

እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ጉዳይ ሒዝዎ ዝነበረ፣ ኤርትራዊ ጠበቓ ኣንድነታውያን ብቶኽሲ ሽጉጥ ስለዘፈራርህዎ ካብቲ ጉዳይ ሰሓበ። መብዛሕትኦም ኤርትርውያን ጠበቓታት ውን ንህይወቶም ስለ ዝሰግኡ ፣ ሲኞር ቪኬቲ ውን ንስብሓት ኣበራ  ፣ ኣብ ቤትፍርዲ ክምጉተሉ ተቖጽረ።

 

ካብ ዓምዲ ዝኽርታት ቃልሲ ፥ ሓዳስ ኤርትራ ፥ ረቡዕ 11 ታሕሳስ  1991

 

መን ንታሪኽና ዘዘንቱ ?

ተስፋይ ቀለታ

ምምራኽ ባህርያዊ ተርእዮ ናይ ኵናት ‘ዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ታሪኽዊ ፍጻሜታት ግን፣ ፍሉይ ድንገት ዝኾነሉ ህሞት ኣሎ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ካብዚ ቀጺለ ዘዘንትዎ – ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠመ ምምራኽ ናይቶም ክልተ ፈለምቲ ሰውራ ኤርትራ ኢዩ።

ብባሕቲ መስከረም 1961 ዝጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ወርሑ ከይመልአ ፣ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብምፍላም ብረታዊ ቃልሱ ጌና ሓጎሱ ከወደአ ፣ ክልተ ተጋደልቲ ፣ ቢረቕ ማሕሙድን ማሓመድ ኢራን ፣ ኣብ ኢድ መግዛታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ወዲቖም። እዚ ፍጻሜ ‘ዚ ድማ ፣ ነቶም ኣርሓውቲ ባብ ይኹን ነቲ ታተ ዝብል ዝነበረ ሰውራ ዓቢ ድንገት ኔሩ።

ቢረቕ ማሕሙድን ማሓመድ ኢራን ፣ ምስቲ ያሲን በሽር ዘምርሖ ሓይሊ ፖሊስ (Striking Force) ፣ ኣብ ዓዲ ጸሓይ ፣ መጎራይብ ፣ ግጥም ኣብ ዝገበርሉ ‘ዋን ኢዮም ተማሪኾም። ውግእ ዓዲ ጽሓይ  ከኣ ፣ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ከም ዝነበረ እያ ትምስክር። ምኽንያቱ ፣ ሓይሊ ጽላኢ ፣ ታዕሊም ዝጸገበ ፣ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ፣ ብቑጽሪ ውን ዝተዓጻጸፈ እዩ ኔሩ ። ብዘይካ እዚ ፣ ነቶም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ዝያዳ እዚ ሓይሊ ዝተጸበዮም እንተኔሩ ፣ እቲ ዝዓጠቕዎ ጠበናጁ ኣብ መንጎ እቲ ኵናት ምሕንጋዱ እዩ። ሽዑ ፣ እታ ብልጽቲ ትበሃል ብረቶም ኣቡ ዓሸራ ፣ ብዘይካ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ፣ ካልእ ዝዓጠቖ ኣይነበረን ። ቢረቕ ማሕሙድን ማሓመድ ኢራን ፣ ከም ካለኦት ብጾቶም ፣ ኣረጊት ጠበናጁ ፣ ኣልቢኒ እዮም ዓጢቖም ዝነበሩ።

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዓወት ዘመዝገቡ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ነቲ ሰውራ እውን ብዓንደ ርእሱ ፣ ዘጥፍእዎ መሲልዎም ተጓይዮም ። ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ እቲ ዓመት እቲ ድማ ፣ ብትልንቲ ዓበ ዝምራሕ ሓይሊ ፖሊስ ፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ ፣ ናብ ዓዲ ማርያ ፣ ከባቢ ተኾምብያ ኣውፊሮም። እንተኾነ እቲ ውልዶ ሰውራ ፣ በቲ ኣረጊት ብረቱ ፣ ንሓሙሽተ ወጊኡ ንሓደ ወተሃደር ቀቲሉ ኣፋኒይዎም ።

ኣብ ከተማታት እውን እንተኾነ ፣ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣይቀሰኑን ። ንጥፈታት ማሕበር ሸውዓተ (ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ) ስለ ዝተበራተዐ ፣ ዓቕሎም ኣጽቢብሎም ኔሩ ። ከም እንኮ ፍታሕ ዝወሰድዎ ድማ ፣ ንብዙሓት ሃገራውያን ከም ብላታ ዑመር ቃዲ ፣ ጽሃየ ኣብርሃ ኣቡ ሓምድ ምእሳር እዩ ኔሩ። ናይ ፋይናንስ ኢንስፐክተር ዝነበረ ስብሓት ኣበራ እውን ፣ ንቀሺ ዲመጥሮስ ክትቀትሉ ፈቲንኩም ተባሂሎም ካብ ዝተኣስሩ ሓደ ኔሩ ። ኣብ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ (መንገዲ ዕዳጋ ዓርቢ) ዝተዓዘቦ ድማ ፣ ብኸምዚ የዘንትዎ፥

“ብ29 ጥቅምቲ 1961 ፣ ኣብ ኣእጋሮም ኪሎታት ዝምዘን ሓጻውን ዝተሰከሙ ፣ ጉጅም እናበሉ ከለዉ እየ ናብቲ መልኣከ ሞት ዝዓሰሎ ክፍሊ ተደፊአ ዝኣተኹ ። ኣዒንተይ ኣጽቢበ ሰባት ከለሊ ፈተንኩ ። ኣብ ሓደ ኵርናዕ ናይቲ ክፍሊ ከደራይ ፣ ቁንጹብ ዝኣካላቱ ፣ ዕደም’ኡ ውን 55 ዝጽጋጋዕ ኔሩ ። ኣብ ጥቓኡ ፣ 50 ዓመት ዝገማገም ፣ ቀይሕ ፣ ዱልዱል መስርዕ ኣካላትን ማእከላይ ቁመትን ዝነበሮ ኔሩ ።  እዚኣቶም ፣ ጸኒሐ ከም ዝፈለጥኩዎም ፣ ቢረቕ ማሕሙድን ማሓመድ ኢራን ኢዮም ኔሮም።

ኣብቲ ካልእ ኵርናዕ እውን ዝተጋደሙ ኔሮም ። ብሰንኪ እቲ ጠገለ ዘይብሉ ማህረምቲ ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ እሱር ነብስን ክዳንን ብደምን ምጕልን ጨቅዩ ኔሩ ።  ብፍላይ ኣብቶም ክልተ እሱራት ቢረቕ ማሕሙድን ማሓመድ ኢራን ዝወረደ ማህረምቲ ካብ ሰብኣዊ ተግባራት ዝረሓቐ ብምንባሩ ፣ ኣዚዩ ኣስካሕኪሑኒ ። “

ኣቶ ስብሓት ፣ ቋንቋ ትግረ ይኽእል ብምንባሩ ነዞም ክልተ ቀዳሞት ምሩኽት ተጋደልቲ ንኽላለዮም ግዜ ኣይወሰደሉን ። ኣብቲ ዕላሎም ድማ ቢረቕ ማሕሙድ ፣ ካብ ኣልመዳ ፣ ባርካ ፣ ማሓመድ ኢራ ድማ ፣ ካብ ዓዲ ኢብራሂም ፣ ታሕታይ ባርካ ምዃኖም ፈሊጡ ። ካብቲ ብዙሕ ዘዋግዕዎ ፣ ንኣቶ ስብሓት ኣበራ ወርትግ ትዝ ትብሎ ናይ ማሓመድ ኢራ ዘረባ ኣላ ። ብቃላቱ ንምጥቃም ፣ ሓደ መዓልቲ ማሓመድ ኢራ ፣ ነቲ ኣብ እግረይ ተኣሲሩ ዝነበረ ኪሎታት ዝምዘን ሓጻውን ኣተኲሩ ድሕሪ ምጥማት ፣ ገጹ ናባይን ናብ ቢረቕን ኣቕነዖ ። ኣኽቢዱ ምስ ኣተንፈሰ ድማ ፣ “ድሕሪ ደጊም ፣ ኣብ ኢድ ተዃሉ ኣቲኻ ብህይወት ክትነብር ዝከኣል ኣይኮነን ። ፍቓድ ረቢ ኮይኑ ፣  ሓደ ካብ ኵላትና ብህይወቱ ክነብር ፣ ዕድል እንተረኺቡ ፣ ነዚ ኩነታትና ንህዝቢ ኤርትራ ንኸዘንትወሉ ኪዳን ንእቶ ።”

Aboy Sebhat

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ፣ ንኸምስሉ ያኢ ፣ ንማሓመድ ኢራን ቢረቕ ማሕሙድን ፣ ብሕጊ ሽፍትነት (ዓንቀጽ 2 ንኡስ ዓንቀጽ 3 ፣ ናይ 1957) ከሲሶም ፣ ንስሙ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦምዎ ። ልክዕ ከምቲ ማሓመድ ኢራ ዝገምገሞ ግን ፣ ካብ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ፍትሒ ዝርከብ ብዘይምንባሩ ፥ ሞት ተበይንዎም ። ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ብረታዊ ቃልሱ ዘብዓለሉ ወርሒ ፣ መስከረም 1962 ድማ ፣ ኣብ ከተማ ባረንቱ ብማሕነቕቲ ተሰዊኦም ።

እዞም ክልተ ጀጋኑ ፣ ከምቲ ኣቶ ስብሓት ዝገለጾ ፣ ንሞት ብትብዓት ኢዮም ተቐቢሎማ ። ፍርሂ ይኹን ራዕዲ ኣብ ጥቓኦም ኣይቀረበን ። ካብኦም ዝወጸ  እንተኔሩ ፥ እቲ ሓያል ቃላቶም ፣ “ ንሃገርና ኢና ተሰዊእና ፤ ጌና ኣይሞትናን “ ፥  ዝብል ጥራይ እዩ ኔሩ ።

እወ  ኣንቱም ጀጋኑ ኣይሞትኩምን ፤ ታሪኽኩም ዘልኣለማዊ እዩ ዘሎ ። መቓብርኩም  ውን ይቕሰን ። እታ ዝተሰዋእኩምላ ኤርትራ ፣ ንዝወደቐ ብረትኩም ዘልዕሉ መንእሰያት ወሊዳስ ፥ እቲ ዝሓለምኩሞ ናጽነት ተጨቢጡ ኣሎ ። ጽንዓትኩምን ተወፋይነትኩምን ድማ ፤ ንመጻኢ ወለዶ ትምህርትን ኣብነትን ክኸውን እዩ ።

ኢንስፐክተር ስብሓት ኣበራ ፣ ምንጪ ሓበሬታ ናይዚ ታሪኽ ፤

፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡

 

መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ፥ ሓዳስ ኤርትራ ፥ 8 ነሓሰ 1992

ሓበን ህዝቡ

 

“ንምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ ቀሺ ዲመጥሮስ ንምጉዳም ኣብ ዝተደርበየ ቡምባ ፣ እቶም ዝደርበዩ ኣቶ ገብረመድህን ሃይሉን ከምኡ ውን ኣቶ ጸሃየ ኣብርሃን ተወጊኦም ተታሒዞም ፥ ንሕና ድማ ተጠርጢርና ተኣሲርና ። ኣብ ካዜርማ ሞሶሊኒ ፣ ናይ ፖሊስ መደበር ፣ ብመውቃዕቲ ብኸቢድ ድሕሪ ምምርማር ፣ ዘይትኣምን እንተኾንካ ፣ ኣቶ ገብረመድህን ሃይሉን ዮውሃንስ ዑቕባዝግን ናብ ዝተባህሉ ኣብ ሆስፒታል ዝነበሩ ክንወስደካ ኢና ኢሎም ወሲዶምኒ ። ኵልና ማሕበር ሸውዓተ ኢና ኔርና ።

Aboy Gebremedhin

ብኽልተ ሰብ ተጸይረ ናብቶም ዉጉኣት ምስ ቀረብኩ ትፈልጦም ዲኻ ፧ ኢሎም ሓቲቶሙኒ ፣ ብቤተሰብ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ ከምዘይፈልጦም ገለጽኩሎም ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቶ ገብረመድህን ሃይሉ በቲ ዘጋጠሞም መውጋእቲ ከብዶም ተሰፍዩ ነይሩ ። ኣነ ብብዙሕ መውቃዕቲ ተጫፋሊቐ ተደማሲሰ ምስ ረኣዩ ፣ ምስጢር ንኸየውጽኡ ፣ ኣብ ቅድመይ ብኣእዳዎም ንኸብዶም ቀዲዶም ነቲ መዓናጡ ስሒቦም ኣውጽእዎ። ብድሕሪ እዚ ቅሩብ መዓልትታት ብዕለት 3- 11- 1961 ከም ዝዓረፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኹ ሰሚዐ ።”

 

ኢንስፐክተር ስብሓት ኣበራ

 

ኣብ ካልኣይ ክፋል ፣ ውሳነ ብይን ቤትፍርዲ ፣ ከምዘለዎ ብ እንግሊዝኛ ፣ ከምኡ ውን ትርጉም ክቐርብ እዩ።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • k.tewolde February 25, 2017

    The heroes of yesteryear,these stories and others of the same kind is what drove us to join the armed struggle,unfortunately,intrusion of shady characters like the tyrant changed the course of our selfless en-devour into abyss.

  • Dessu February 26, 2017

    K. T
    I also liked the story of bravery and patriotism of ato Sibhat and his compatriots, though very few in number. What I did not know was the existence of an active clandestine armed groups within Asmara, by then fighting against Ethiopia’s encroachment into the Eritrean political affairs and the future of the Ethio-Eritrea federation. This is way before the organized armed struggle that started later in September 1961. These brave men were then outnumbered by the well organized and professional Ethiopian and pro Ethiopian forces. Nevertheless, they persisted and the young generation that followed the lions liberated Eritrea to become a sovereign nation
    We need to hear more forgotten histories like this one of our forgotten past that can serve as a moral lesson to the present generation.

    • k.tewolde February 27, 2017

      Very true indeed,there is no history of Sparta without the Spartans,there is no history of Turkey without the Ottoman Empire….history is the succession of events,w/o these early heroes/heroins of our revolution there won’t be ‘Fenkil’, but in today’s virtual Eritrea they are the least celebrated shrines.Tell me more about them,those are the mentors who made me who I am today.It is not about sensationalizing the theater of the battlefield which I participated in dozens of them,it is about who nurtured those selfless characters who participated in them.

  • Abu Ahmed February 27, 2017

    Amazing story of unity and dedication!! Exactly what I wanted to read this weekend when a few are focused in divisive attacks.

  • Wedi Hagher February 27, 2017

    I feel proud to hear their story.

  • Qeshi Habteab minesotta February 27, 2017

    Here is a noble history that warms once heart. A proud history of a noble generation that lit the torch of liberty and mobilized thousands of selfless gedli followers. A symbol of unity not division, a sign of inclusion not exclusion, one of bravery not submission, etc.

  • Malik February 28, 2017

    Eritrean nationalists need to do more than celebrating their heroes, by living up to the ideals of those Great men and Women who scarified their lives to free Eritrea.
    We should not keep silent while we have a brutal and hegemonic system at home, and a shadowy enemy that won’t destroy us by unleashing a civil war.
    Let your voice be heard before it’s too late.

  • Gezae February 28, 2017

    The time has come for us to be more solution-orientated in our public discourse, especially in times when arch-nationalists try to tear at our national fabric. What this will take I do not know, but a good place to start would be the lessons of our collective past, the first of which are that one form of nationalism invariably begets another. At the end of the day, good Eritreans are all we agreed to be in 1991 situation. Until we are sure what that entails, we should defend the nation ideal from the several reactionary agendas out there threatening our collective future as Eritreans.

  • Zaki March 22, 2017

    Tesfamariam hasawi dea entay konki kibl eyu bezi ente nebibu.tarik jegaju tarik seb mtkel tarik eritreawi net.

Post a Reply to Zaki Cancel Reply