Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ፡ ቁጽሪ ሽዱሽተ፥

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ፡ ቁጽሪ ሽዱሽተ፥   ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታት ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ ኣገዳሲት መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ?   “There is no doubt that language

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ፡ ቁጽሪ ሽዱሽተ፥
 
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ንሎሚውን ከምቲ ልሙድ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዘቕረብኩሙለይ ሕቶታት ንኽምልስ፡ በዛ ቀጺላ እትቐርብ ኣገዳሲት መልእኽቲ ሓውና ጸሃየ ኣቢለ ክሓልፍ ፍቐዱለይ?
 
“There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.”  
 
ሓው ጸሃየ (ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዝሃቦ ርእይቶ)
ናይ ሎሚ ቀዳማይ ሓታታይ ወይ ወሃብ ርእይቶ ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶዩ። ከምዚ ድማ ይብል፥ “ክቡር ሓው መሲናስ፡ ንጽሬት ቋንቋ ዝምልከት ጽሑፋትካ እምብዛ ኣገዳስን መሃርን ስለዝኾነ ብቀጻሊ ማለት ሰሙናዊ ድዩ ክልተ ቕነኣዊ እንተ ተቕርቦ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ንቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምዝራብ ይጥቀመሉ ኣሎምበር፡ ኣብ ጽሑፍ መጺእካ ካባይጀሚርካ ምናምናት ከም ዝኾንና ንጹር እዩ። ኣብ ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ኣነ ክኢላ እየ ኢሉ ዝምካሕ ክምካሕ ዝደለየ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ወላ እቶም ክኢላታት ዝብሃሉ ንዓበይቲ ሰባት ክውከሱ ኢኻትዕዘብ። ስለምንታይእንተ ተባህለ እቲ ቋንቋ ብዝተሰነደ መልክዕ ሕጉን መልክዑን ኣይሓዘን ዘሎ፤
ድሕሪ ናጽነት ብርክት ዝበሉ ብቋንቋ ትግርኛ ዝግደሱ ዜጋታት ናይ ቋንቋታት ኢንስትትዩት ክኽፈት ኣለዎ ዝብል ርእይቶታት የውሕዙ ነይሮም። ኢሳያስ ነዚ ስለ ዘይደለዮ ግን ዛጊት ክምስረት ኣይተኻእለን። ስለዚ፡ ቋንቋ ትግርኛ ይኹንትግረ ሓደ መዕቀኒ ወይ ስታንዳርድ ኣይሓዙን። ከም ኣብነት ሓደ ሰብ ከምዚ ኣይብሃልን እዩ ክብል ከሎ፡ ሓደ ካልእ ብዛዕባቲ ቋንቋ ኣፍልጦ ዘለዎ ግን ኣይብሃልንዩ ይብል። ብዝኾነ፡ ኣብ ካልእ ዋጢጥ ክኣቱ ኢለ ዘይኮንኩ፡ መሲናስተቕርቦ ዘለኻ ንእሩም ቋንቋ ዝምልከት ጽሑፋት መሃሪ ስለ ዝኾነ ክትቅጽሎ ለበዋይ አተሓላልፍ። ኣብ መወዳእታ እዛ ማኪና ትብል ብወገነይ ኣብ ብዙሕ ናይ ቀደም ጽሑፋት መኪና ተጻሒፋ እርእያ ስለ ዝነበርኩ “መኪና” እየዝጥቀም። እንተ ኣስተውዒልካ ቃላት ካብ ጣልያንኛ ናብ ትግርኛ ክንርዕሞም ከለና ምጡን ምቅይያር ማለት ቅኑዕን ግጉይን ንገብረሎም ኢና። ገለ ካብኣቶም ጸያፍ ስለ ዝኾኑ በቲ እሩም ክንጽሕፎም ይግባእ።
 
ብመጀመርያ ንኹሉኹም ግዱሳት ብልቢ ከመስግን እፈቱ። ብፍላይ ከኣ ንኽቡር ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ፡ ስለቲ ዝሃበኒ ምኽርን ሓበሬታን ደጊመ ከመስግኖ ደስ እብለኒ።ክቡር ሓው፡ ከምቲ ዝበልካዮ ኣብ ከከልተ ሰሙን ንቋንቋና ዚምልከት ጽሑፍ ንኸቕርብ ኣነ ጸገም የብለይን። ጸገም ኪኸውን ዚኽእል ግን ብቐጻሊ ሰሙናዊ ወይ ኣብ ክልተቕነ ኪቐርብ እንተ ጀሚሩ፡ እቲ ብዓንተቦኡውን ናይ ምንባብ ልምዲ ዘይነበሮ ህዝብና፡ ክለምዶን ክመንዎን ስለ ዝኽእል፡ ረርእዩዎ ጥራይ ከይሓልፍ ስክፍታ ኣሎኒ። በዚምኽንያት’ዚ ድማ’ዩ ቀስ ኢልካ፡ ማለት ኣናፊቕካን ኣሀንጢኻን እንተ ኣቕሰምካዮ ይሓይሽ ዚብል ርእይቶ ዘሎኒ። መታን መለሳ ክኾነሉውን ንስኻን ካልኦት ኣብ ቋንቋናኣፍልጦ ዘሎዎም ሰባትንውን ትፈልጡዎ እሩም ቋንቋ ወስ እንተ ተብሉሉ ኣዝዩ ኣድማዒ ምኾነ እብል። (ናይዚ ገምጋም ንምፍላጥ፡ እስከ ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ ኣብ ክንደይ ግዜ ኪቐርብ ከም ዘለዎ ርእይቶኹም ለግሱ?)
 
ዚቕጽል ወሃብ ርእይቶ ሓው ሱሌማን ሳሊም። ኣብዚ ዘሻቐለንን ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደልን ጉዳይ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ ኩነታት ናይ ሓው ሱሌማን ሳሊምዩ። ከምሰብ ሱሌማን በሊሕ ሰብዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣኳ ከምዚ ዚስዕብ ኪብል ሓደ ቅኑዕን ኣገዳስን እርማት ሂቡኒ ኣሎ። “መሲናስ ንስኹም ንስኽን ……..ንሓደ ወይ ንሓንቲ ሰብጥራይ ኢና ንጥቀመሎም፤ ንጽል እዮም። ………..
ኣብ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ፓራግራፍ ( ሕጡብ ጽሑፍግን ንስኻትኩም ንስኻትክን ኢልካ ድሕሪ ምጅማርካ ብሩህ መደምደምታ ከይገበርካ ወዲእካዮ።” ብምባል ኣሪሙኒ ኣሎ። ሓቁዩ። ንስኻትኩም ንስኻትክንንብዙሓት ማለት ንካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ከም ንጥቀመሉ ክሕብር ኔሩኒ። ሓው ሱሌማን ከምዚ ዓይነት ተገዳስነት ንኺቕጽሎ እናተላበኹ ከኣ ብልቢ አመስግኖ። እቲዘሻቕለኒ ጉዳይ ግን እዚ ዚስዕብን ኣብ ካልእ ጽሑፋት ብቐጻሊ ዝጥቀመሎም ኣሉታዊ ነቐፌታታትዮም።
 “ወዲ ተመልሶ ንስካ ብኻልእካ ገዲፍካ ብትግርኛ ንፉዕ ኢኻ ትበሃል። ኣጻሓሕፋኻ ስጡም እዩ።” ኢሉዎ፡ ንሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ። እንታይ ማለቱ’ዩ ‘ብኻልእ?’ ብሓቂ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩንዚሓስብ ሰብ እንተ ኮይኑ፡ ንስጉምቲ ክቡር ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ከንድንቖን ከተባብዖንም’በር ኪነቕፎን ኪወቕሶን ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ከምዚ ናቱ ስለዘይገበሩ እኮ’ዩ እልበት (ሓሳረ መከራ) ህዝቢ ኤርትራ ዚቕጽል ዘሎ። ስለዚ፡ ክቡር ሓው ሱሌማን፡ ነቲ ዚንቀፍ፡ ማለት ዚተጋገየ ሰብ ዋላ ተቓዋሚ ህግደፍ ይኹን ትጋገ ኣለኻኢልካ ኪትቃወፎ (ኪትቃወሞ) ንቡርን ግቡእን’ዩ። ንከም ብዓል ሓው እስቲፋኖስ ዚኣመሰሉ ከይተሓለሉ ዳግም ዚቃለሱ ዘለዉ ሓርበኛታት ግን መጐስን ምኽርን’ዩ ዚግብኦም።ስለዚ ሓው ሱሌማን፡ ምእንቲ ውልቀ ሰባት ዘይኮነስ ምእንቲ ነብስኻን ምእንቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ኢልካ፡ ኣብ ኩሉ እትህቦም ዓለቓት (ርእይቶታት) ርትዓውያንን ቅኑዓትን ኪኾኑ ይግባእ እብል። የቐንየለይ።
እምበኣርከስ ክቡራት ኣንበብቲ፡ ናይ ሎሚ ሓተትቲ እዞም ልዕል ኢለ ዝጠቐስኩዎም ክልተ ኣሕዋት’ዮም ኔሮም። ቀጺለ ናብ ናይ ሎሚ “’ጠዓሞት እሩም ቋንቋ’ ከብለኩም፥
ኣብቲ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ ኣብ ዚቕጽል ኣብ መንጎ እባን ግዳን፣ ኣብ መንጎ ኲናትን ውግእን ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣለናን ኣሎን ዘሎ ፍልልይ ከብርህ ምዃነይ ተላብየ እየ ተፈልየኩም ኔረ። ሎሚ ከም ለበዋይ መጺአ ኣለኹ።
 
ጠዓሞት እሩም ቋንቋ፥
 
ግዳ፡ ንሓደ ሰብ ንዝሓተትናዮ ንኪምልስ ብትሕትና ክንሓቶ ከለና ኢና ንጥቀመሉ። ንኣብነት፥ “እንታይ ከም ዝበለ’ንዶ ግዳ ንገረኒ? ንብል።
እባ፡ ግን ኣቐዲምና ሓቲትናዮ መልሲ እንተ ኸሊኡና፡ ብነድሪ፡ ማለት ስለ ዘይመለሰልና ደጊምና ከነዘኻኽሮ ከለና ኢና ንጥቀመሉ። ንኣብነት፥ “ገንዘበይ እባ ሃበኒ! ገንዘብካ ኣብ ምምላስ ስለ ዚደንጉየካ ወይ ስለ ዚዘንግዐ ኢኻ ‘እባ ሃበኒ!’ እትብሎ ዘለኻ።
 
ውግእ፡ ኣብ ሓደ ቦታን ግዜን ተጀሚሩ ኣብኡ ዚውዳእ ኪኸውን ከሎ፤ ኲናት ግን ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ግዜን ዚካየድ እዩ።
 
ኣለና፡ ኣብ ሓደ ቦታ ምህላውና ኪሕብር ከሎ፣ ፡ ግን ሓደ ነገር ምውናንና’ዩ ዘመልክት። ንኣብነት፥ ንሕና ንሰርሕ ኣለና፤ ንሕና ስራሕ ኣና። ኣስተውዕል! ሆሄ “’ሎ’ ጠቢቑ ኪንበብ ኣለዎ። ስለዚ ድማ’ዩ ቀኒኑ ተጻሒፉ ዘሎ።
 
ቁውም ነገር እምበር ቁም ነገር ኣይብሃልን’ዩ! ምኽንያቱ፡ ብልምዲ ኢና ‘ቁም ነገር’ ንብል እምበር እቲ ቅኑዕስ ቁዉም ነገር እዩ ዚብሃል። ቁም ብትግርኛ ትርጉም የብሉን።
 
ምው ማለት ማዕረ ማዕረ ጌርካ ንመጽዓኛ ወይ ንመጓዓዝያ ምጽዓን ማለት’ዩ። ሓደ ደራፋይ “ንወደን” ኢሉ ክደርፍ ምስ ሰማዕኩዎ ከኣ ኣሰንቢዱኒ! ምኽንያቱ፡ ብማዕረ ከየዝበልና ንጽዓን’ዩ ዚብል ዘሎ። ብኣታሓሳስባኡ ግን ፍቕርና ማዕረ ይኹን’ዩ ዚብል ዘሎ መሲሉዎ። ነዚ ትርጉም’ዚ ኪጥቀመሉ እንተደልዩ፡ ብተምሳሌት ጌሩ ‘ፍቕርና ከም ጽዕነት ይወደን’ ኪብል ኔሩዎ። ካብዚ ወጻኢ ግን ንዚኾነ ቃል ኣልዒልካ ከም ዚጥዕመካ ጌርካ ዘይትርጉሙ ብምሃብ ኪትጥቀመሉ ከለኻ  ትርጉም ቋንቋ ተባላሹ ስለ ዘለኻ ግቡእ ኣይኮነን።
 
ብተመሳሳሊ ምሕዳም ማለት ንዘፍቀርካያ ጓል ኣነስተይቲ ብፍቕሪ ጌርካ ምውዳስ ማለት’ዩ። ሕደማ ማለት ከኣ ወዲ ወይ ጓል ንዘፍቅራ ወይ ንተፍቅሮ ዝደርፉዎ ደርፊ ማለት’ዩ። ንፍቕሪ ሃገር ይኹን ንኻልእ ዕላማ ዚደርፍ ደራፋይ ግን ሓዳሚ ኣይብሃልን’ዩ። ካልእ ኣብዚ ከይጠቐስኩዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ቃል ድማ ኣላ። ምሕረትኣብ ሚኪኤል ኣብዛ ሓዳስ  “ማማ ትሓመና ኣላ” ትብል ደርፉ፡ ጨንደል ኪብል ጨንደር ኢሉዎ ኣሎ። ንሰማዕቲ መታን ከይተጋጊ ከኣ እታ ኣብ ደርፉ ኪጥቀመላ ሓሲቡ ዘሎ ቃልጨንደል ማለት ከይሰመረ ወይ ከይሰለጠ ተረፈ ማለት ሙዃና ክሕብር እፈቱ። ጨንደር ዚብሃል ቃል ኣብ ትግርኛ የለን። ጨንገር ማለት ግን ሰለተ ትርጉም ኣሎዎ። 1ይ ቀጢን ጥሉል ስላዕ፣ 2ይ ሓምራይን ጻዕዳን ዚሕብሩ ከብቲ ከምኡውን  3ይ ቀይሕ ጣፍ ወይ ቀይሕ ዕፉን ማለት’ዩ።
 
ክቡራት ኣንበብቲ፡ ካብዚ ቀጺለ ናብ ሓንቲ ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን ብሓደ ሓውና ኣብ ኣሰና ዝተጻሕፈት ናዕታ’የ ከብለኩም። ኣብዛ ግጥሚ እዚኣ ጠገለ ኣልቦ ኣጠቓቕማ ቃላትን ስርዓተ ነጥብን ስለ ዘስተብሃልና ኢና እርማት ክንገብረላ መሪጽና። ስታንዛ ብስታንዛ እናዘርዘርና ድማ ንጉድለታታ ክንእርም ክንፍትን ኢና። ኣምበኣርከስ ብርእሳ ክንጅምር፥
 
“ቃል ናቱ ኣለናቃል ንኣቱ ኣሎና!
ንኽብሪን ዝኽሪን ብጻይናን ሓውናን
ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር”
 
ቃል ናቱ ኣለና! ቃል ንኣቱ ኣሎና!” እዚ፡ ሓረግ’ዚ ብዓይኒ እሩም ቋንቋ እንተ ነቢብናዮ፡ ትርጉም የብሉን። ትርጉም ኪህሉዎ እንተ ኾይኑ ብኸምዚ ኪጽሓፍ ኔሩዎ፥ “ናቱ ቃል ኣሎና! ቃል ንኣቱ ኣለና! ኪኸውን ኔሩዎ። ኣብ ትሕቲኡ “ንኽብሪን ዝኽሪን ብጻይናን ሓውናን እዚውን ከምዚ ዚስዕብ ኪጽሓፍ ኔሩዎ፥ “ንኽብርን ዝኽርን ብጻይናን ሓውናን ኪኸውን ኔሩዎ። ዚኾነ ቃል ኪድመር ከሎ እቲ ሳልስ ሆሄ ናብ ሳድስ ሆሄ ኪቕየር ኣለዎ። ቀጺልና ናብ ቀዳማይ ስታንዛ ናይታ ናዕታ ክንሓልፍ፥
 
“ካብ ዝብገስ ክሳብ ዝዓርፍ
      ድሕነት ህልውናና ከትርፍ
ጽዒሩ ጽዒቱ ፍርቂ ዘመን
  ራህዋ እትደሊ ቅንዕናኡ እመን፡”
 
ኣብዚ ብመጀመርያ እቲ ኣጸሓሕፋ ናዕታ’ዩ ጌጋ ዘሎ። ከም ስኒ ከልቢ ኣታውን ወጻእን ማለት፡ ሓላፍ ዘላፍ ኮይኑ ኮይኑ ተጻሒፉ ኣሎ። ቀጺሉ፥ “ካብ ዝብገስ ክሳብ ዝዓርፍ እዚ ኸኣ ከምዚ ኪጽሓፍ ኔሩዎ፥ “ካብ ዚብገስ ክሳዕ ዚዓርፍ ክሳብ ንርሕቀት ቦታ ስለ ዝዕቅን፡ ንግዜ ክሳዕ እዩ ኪብሃል ዚግብኦ። “ድሕነት ህልውናና ከትርፍ” ዚብል ናዕታ ንኣይ ትርጉሙ ኣይተረደኣንን። “ራህዋ እትደሊ ቅንዕንኡ እመን፡ ክልተ ነጥቢ ኣብዚ ኣየድልን’ዩ። ኣብ ናዕታ ክልተ ነጥቢ እንጥቀመሉ ናይ ረምታ ምቅይያር ክንገብር ከለና ወይ ብሓሳብ ከነዕርፍ ከለና ጥራይ እዩ። ንኣብነት፥ ኣብዚኣ ደድሕሪ “ከትርፍ፡ ክልተ ነጥቢ (፡) እንተ ዘእቱ ኔሩ ኣብ ልክዕ ቦታኡ ኣትዩ ምበልና።
 
“እንታይ’ሞዛ ዓለም ጎደሎ
    ከይኣክል ህዝቢተበደሎ
ትዕምጸናላ ብዘይ ድሎ
  ዓይንና ወሲዳ ዘይንኽእሎ፡”
 
“እንታይ’ሞዛ ዓለም ጎደሎ! ኣብ ሓደ ቃል ድርብ ጭረት ክንገብር ኣይፍቀድን’ዩ። “እንታይ እሞ እዛ ዓለም ጎደሎ! ክንጽሓፍ እንተ ደሊና፥ “እንታይ’ሞ እዛ ዓለም ወይ ድማ እንታይ እሞ’ዛ ዓለም ጎደሎ ኪጸሓፍ ኔሩዎ። ህዝቢ ተበደሎ! እዚውን ብተመሳሳሊ ዚኾነ ቃል ኪጅምር ከሎ፡ ብጭረት ኪጅምር ኣይግብኦን’ዩ። ስለዚ፡ “ህዝቢ እተበደሎ ኪጽሓፍ ኔሩዎ።
 
  “ጓሳ ጠፊኡና ጓሳ ህዝቢ
ቅጽበት ኣምሊጡና ከምዛ ወዝቢ
  ሓዲሽ ኮይኑናሎ ሕማም ልቢ
ማያዊት ዓለም እስከ ተዛረቢ፡”
 
“ሓዲሽ ኮይኑናሎ ሕማም ልቢ! እዚ ብኸምዚ ኪጽሓፍ ኔሩዎ፥ “ሓድሽ ኮይኑና’ሎ ሕማም ልቢ ደሓር ሓድሽ ኢና ንብል እምበር ሓዲሽ ኣይንብል ኢና።
“ማያዊት ዓለም እስከ ተዛረቢ፡” እዚ ናዕታ’ዚ ትርጉሙ ኣይተረደኣንን።
 
“ሕልሚዲዩ ግህዶ ኣብ ምባል በጺሐ
    ኣይኣምንን ኢለ ተመኪሐ
 ዝነበረን ዘሎን ምኻኑ በጺሐ
ግንኣይከምዚን ሎምሲ ሰኪሐ፡” ኣብዚውን እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ ኣጸሓሕፋ ጉድለት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ “ሕልሚዲዩ ግህዶ ኣብ ምባል በጺሐ ኣብ ክንዲ ምጽሓፍ “ሕልሚድዩ ጋህዲ ኣብ ምባል በጺሐ ኪጽሓፍ ኔሩዎ። “ግንኣይከምዚን ሎምሲ ሰኪሐ፡ ኣብዚውን እቲ ምልክት ቃለ ኣግንኖ (!) ኣብዘይቦታኡ’ዩ ኣትዩ ዘሎ። ብኸምዚ ዚስዕብ ኪጽሓፍ ኔሩዎ፥ “ኣይከምዚን ግን ሎምሲ ሰኪሐ! ኪብሃል ኔሩዎ።
 
“ቃል እተዉ ሰሚርና በልዎ
   ንሱኮዩቲ ሕድሪ ዝብልዎ
መብጽዓ ነሐድስ ስለ ህዝቢ
    ንሱ ኔሩ ድሌት ጓሳ-ህዝቢ፡ ኣብዚ ስታንዛ እዚውን እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ ኣጸሓሕፋ፣ ናይ ሰርዓተ ነጥብን ናይ ፊደላትን ጉድለት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ “በልዎ እውን “በሉዎ ኪጸሓፍ ኔሩዎ። በሉ ኢልና በሉዎ ኢና ንብል’ምበር በሉ ኢልና በልዎ ኣይንብል ኢና።
 
“መናሎ ኣብ ሞንጎና ነዊሕ ተቃለሰ
     ክሓተኩም ደልየ ክውከሰ
   ፍቂክ ፍለዘመን ተቃሊሱ
መብጽዓ ነሐድስ ብሕልና ንሳያታ መልሱ፡ ኣብዚ ስታንዛ እዚውን እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ ኣጸሓሕፋን ናይ ፊደላትን ጉድለት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ “መናሎ… ግን ኣይብሃልን’ዩ። ግድን “መን ኣሎ ተባሂሉ ኪጽሓፍ ኣለዎ። ምኽንያት፡ “መናሎ ትርጉም የብሉን። ከምኡውን “ሞንጎ ዘይኮነስ “መንጎ እዩ ዚብሃል።
 
  “ጽንዓት ይሃብ ጽንዓትንሓዘንና
    ጽንዓት ንሓዝ ጽንዓት ንመትከልና
ተኸተልቲ ኣሰር ብድሕሬኻ ኣሎና
ንኽብርኻን ክብሪስዉኣናን፡ ኣብዚ ስታንዛ እዚውን እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ ኣጸሓሕፋን ናይ ፊደላትን ጉድለት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዛ “ጽንዓት ይሃብ ጽንዓት! እትብል ናዕታ ግን ቃለ ኣግንኖ ኣብዘይቦታኡ’ዩ ኣትዩ ዘሎ። “ጽንዓት ይሃብ ጽንዓት ንሓዘንና!” ኪኸውን ኔሩዎ።
 
“መንግስተሰማይ ንዓኻ
   ጽንዓትንስድራኻ ቤተሰብካ
በል ከምቲ ለውሃትካ ኣብ ምድሪ
የእዳዉ ዘጊሑ ይቀበልካ ፈጣሪ
ክብሪን ዝኽሪን ንስዉኣትና
ክሳብ ነርክበኩም ቃል ኣቲና ኣሎና። ኣብዚ ስታንዛ እዚውን እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ ኣጸሓሕፋን ናይ ፊደላትን ጉድለት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ “የእዳውካ ዚብል፡ ጽሑፍ “ኣእዳውካ ተባሂሉ ኪጽሓፍ ኔሩዎ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ቅድሚ ብ ሐ፡ ዐ፡ አ፡ ዚጅምሩ ማለት፡ ብጎሮሮ ዚድመጹ ቃላት፡ ኣብ ክንዲ ፊደል  ፊደል  ብምቕዳም ኢና ከነርብሖም ዚግባእ።  
 
“ክብሪን ዝኽሪን ንስዉኣትና ዚብል ናዕታ፡ “ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና! ተባሂሉ ኪጸሓፍ ኔሩዎ። “ክሳብ ነርክበኩም ቃል ኣቲና ኣሎና። እዚውን “ክሳዕ ነርክበኩም ቃል ኣቲና ኣለና! ኪጽሓፍ ኔሩዎ። ክቡራት ኣንበብቲ፡ ዕላማና ነዛ ሓንቲ ናዕታ ንምእራም ጥራይ ኣይኮነን። በዚ መገዲዚ ኣቢልካ ንኹሎም ጸሓፍቲ እሩም ቋንቋ ንኽጥቀሙን ዝከኣሎም ንኽገብሩን ምትሕስሳብ’ዩ። ኣምበኣርከስ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ በዛ ኣብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንሓደ ካልእ ቀናዪ (ገጣማይ) ዝሃብኩዎ ርእይቶ ኣቢለ ክዛዝም ፍቐዱለይ?
 
ዝኸበርኩም ጸሓፊ፡ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ኣብዛ “ይኣክልዘርእስታ ናዕታኹም ዘሎኒ ዓለቕ (ርእይቶንኽህብ ብትሕትና እሓትትብመጀመርያ ትሕዝቶን መልእኽትንናይዛ ግጥሚ ዕዙዝ ሙዃኑ ክገልጽ እፈቱ። ብኣንጻሩ ንመልእኽታን ዕላማኣን ዝጻረር ክልተ ነገር ግን ተዕዚበ። ቀዳማይ፦ ኣጸሓሕፋ ማለት ኣወዳድቓ ናዕታ፡ ስኒ ከልቢ ስለዚመሰለ፡ ኣጸሓሕፋ ስርዓተ ግጥሚ ስሒቱ ኣሎ። ዋላ ሃገራዊ ሕጊ ስነ ጽሑፍ እንተዘይሃለወና ክሳዕ ኣብቲ ደረጃ ንበጽሕ ግን ንግዜኡ ዚሓሻን መብዛሕትና እንጥቀመሉንክልተ ኣገባባት ኣጸሓሕፋ ግጥሚ ኣሎና። 1ይ፦ ነቲ ካልኣይ ስታንዛ ናብ ፍርቂ መስመር ናይቲ ቀዳማይ ስታንዛ እትው ኢልካ ብምጽሓፍ ኪኸውን ከሎ፤ እቲ 2 ድማሓደ መስመር እናነጠርካ፡ ማለት ባዶ ቦታ እናገደፍካ ዚጽሓፍ ናዕታ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካብ ናይ ባዕዲ ቋንቋታት ቀዲሕና ይኹን ብገዛእ ርእስና ኣብ ትግርኛ እንጥቀመሉዘይስሩዕ ኣጸሓሕፋ፡ ብኣግኡ፡ ከይሳዕረረ ከሎ ኪግታእ ዘሎዎ ልምዲ ኮይኑ ይስማዓኒ። እዚ እቲ ቀዳማይ ለበዋይ ወይ ርእይቶይ እዩ።
እቲ 2 ድማ ዓቐን ናዕታዩ። ብዝሒ ስታንዛ ኣብ ግጥሚ ኣዝዩ ኣገዳሲዩ። ምኽንያቱ፡ ልክዕ ከምቲ ጥዑም ሙዚቃን ዜማን ዘሰነዮ ግጥሚ (ደርፊእዝኒ ሰማዒ ዚስሕብ፣ምጡን ዚዓቐኑን ብግቡእ ዚተጻሕፈን ናዕታ ከኣ ልክዕ ከምኡ ዓይኒ ኣንባቢ ይስሕብ’ዩ። ስለዚ፡ ዚኾነ ናዕታ ነዊሑ እንተ ተባህለ ካብ ዓሰርተ ስታንዛ ኪበዝሕ የብሉን። እዛራዕታ እዚኣ ግን ኣብ ገሊኡ ካብ ሸውዓተ ረምታ ንላዕሊ ዚሓቘፈ 40 ስታንዛ ኣሎዋ። እዚ ማለት ኣብ ኣርባዕተ ዚተፈላለየ ኣርእስቲ ክትክፈል ምኸኣለት ኔራ ማለትዩ።ብዙሕ ስታንዛ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ፡ ኣንባቢ ኣይዕድምንዩ። ኣንባቢ እንተዘይዓዲሙ ኸኣ መልእኽቱ ኣየመሓላልፍንዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ብዓቐንን ዓይነት ኣጸሓሕፋንዝተማሓየሸ ናዕታ ክንርእን ከነንብብን ልዑል ተስፋ ኣሎኒ። እዚ ለበዋ’ዚ ንኹልና ቀነዪቲ (ደረስቲ ግጥሚ) ዚምልከት መተሓሳሳቢ’ዩ። የቐንየለይ።
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-08-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Stefanos Temolso August 13, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ፡ ስለቲ ዝሃብካኒ ኣኽብሮትን ሞገስን ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። ብዝኾነ ዕድል ረኺብና ኮፍ ኢልና እንተ ንዘራረብ ክንደይ ጽቡቕ ምኾነ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ኣብ ትግርኛ ወላ’ቲ ኣነ ጽቡቕ ምልከት ትግርኛ ኣሎኒ ዝብል ሰብ’ውን ብዙሕ ዝሓልፎ ጌጋታት ከም ዘሎ ኣብዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍካ ተዓዚበ። ስለምንታይ እንተ በልካ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብዞም ከም ጐ ጕ ጒ ጓ ጔ ከምኡውን ኰ ኵ ኲ ኴ. . ዝኣመሰሉ ፊደላት ወይ ብኣታቶም ኣብ ዝቘሙ ቃላት ልሙድ ጌጋታት ክትገብር ኣስተውዒለልካ ኣለኹ። ንኣብነት ጐደሎ ኢልካ’ምበር ጎደሎ ኢልካ ኣይጸሓፍን’ዩ። ከምኡ’ውን ጐልጎል’ምበር ጎልጎል ወይ ቈልዓ’ምበር ቆልዓ ኢልካ ወዘተ ኣይጸሓፍን እዩ። እዚ ብዙሓት ሰባት ዝገብሩዎ ልሙድ ጌጋ እዩ። ዜርካ ዜርካ ግን ናብቲ ቋንቋ ትግርኛ ስታንዳርድ ስለ ዘይሓዘ ናብ ዝብል ዘረባ ኢና ክንኣቱ። ካልእ እንተ ተረፈ ብውሑዱ ንልሙድ ጌጋታት ትግርኛ ዝሕብር ብገለ ግዱሳት ምሁራት ሓደ ማንዋል ወይ መወከሲ እንተ ዝጸሓፍ ኣዝዩ ጠቓሚ ምኾነ ነይሩ እብል። ካብኡ በለ ሰላም ቅነ እናበልኩ እሰናበተካ። ሰሰናዩ ንኹላትና።

    • ERITRAWIT August 13, 2014

      Dear Mesinas,
      Everything you contribute to your people is very appreciated keep it up Brother.
      Dear Estifanos,
      I don’t know if I missed it you told us you will post it at assenna web how we can get your book please can you write to us thank you.

  • tarikh August 13, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ ጽሑፍካ ኣዝዩ መሳጥን መሃርን እዩ። ቈንቁኣ ትግርይና ካብቶም ኣዝዮም ምዕቡላት ቈንቁኣታት እኩአ እንተኾነ ግን ኣዝዩ ዝተበደለ ቈንቁኣ እዩ። ምስ ሓዉ ቈንቁኣ ግእዝ ብዘመዕበሎ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ናይ ፊደል ባህሊ ተጠቃሚ ኣይኮነን። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ገለ ገለ መወከሲ ክኾኑ ዝኽእሉ መጻሕፍት ምሕታሞም ክዝንጋዕ ኣይግባእን፣ ነቶም ነዚ ሞያ ዝገበሩ ሊቃውንቲ እውን ግቡእ ሞሳ ክወሃቦም ግቡእ ይመስለኒ። ኣብ ቈንቁኣ ትግርይና ኣተክሮም ካብ ዝሰርሑ ካብ ዝዝክሮም አቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ አቶ ኣማኑኤል ሳህለ፣ አቶ ዑቁባምካኤል ሃብተማርያም፣ ኤንጅነር ተክኤ ተስፋይ፣ አቶ ኢዮብ ገብረክርስቶስ (ብዙሓት ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስያን)፣ ሕጂ ስሞም ዝረሳእክዎም ደራሲ ልሳነ ኣግኣዚ ዘእም ግርማ (ትግርይና ትግይና መዝገበ ቃላት)ከምኡውን ካለኦት ፈላጣትን ሊቃውንትን ሞዮኦም ኩሉ ግዜ ክዝከርን፣ ስራሓውቶም ውን ከም መወከሲ ክንጥቀመሉ ይጋባእ እዩሞ ሓደራ። ደጊመ ሓው መስናስ ከምኡውን ሓው እስጢፋኖስ ተመልሶ ስለቲ ሞያኩምን፣ ማዕዳኩምን፣ ኣስተምህሮኩምን የመስግነኩም። ቀጽልዎ!!

  • kifle tewelde August 13, 2014

    ዝኸበርካ ሓው መሲናስ ንተበጉሶኻን ዓቅምኻን ኣዝየ የድንቖ። ንኩሉ ናይ ቛንቃ ጽሑፋትካ ይከታተሎ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መዝገበይ ይዕቅቦ እየ። ብመደብ ኣብ ክልተ ቅነ እንተትገብሮ ክንደይ ምመሃረ፡ ብዙሓት ሰዓብትን ሓገዝትን እውን ምረኸብካ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ካብዛ ሓንቲ መስመር ጽሕፍተይ ልዕሊ ዓሰርተ ክእረም ዝግበኦ ጌጋ ከም እትረክብ ርግጸኛ እየ። ብዙሓት ኣሸሓት ከማይን ካባይ ዝገዱን ከምዘለዉ ንዓኻ ዝጠፍኣካ ኣይኮነን። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ብዙሕ ረቓሒታት ምኻኑ ፍሉጥ ኮይኑ ፈቲና ከምዘይኮና ግን ንሰማመዓሉ ንኸውን።

    ንመሃርን ኣዘናጋዕን መደብካ ብሱሩዕ ከተቅርበልና ብሃንቆውታ ንጽበ።

  • ተወልደመድኅን August 13, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ፡
    ኣቐዲመ ሰላምታይ ተቐበል፡
    ቀጺለ፡ብዛዕባ ናይ ትግርኛ ትገብሮ ኣስተዋጽ ኦ ከየመስገንኩኻ ክሃልፍ ኣይደልን’የ።
    ቋንቋ ትግርኛ እናተበላሸወን ላዝ ኡ እናጥፈአ ይከይድ ኣሎ።ኣዚ ክብል ፈሊጠ ዘይኮንኩስ ር ኡይ ምስ እንግሊዝ ምስ ጢልያን ምስ ኦኣረብ ኣናተዳቐለ ይከይድ ስለዘሎ’ሞ ይበላሸ ይርእዮ ስለዘለኹ’ዩ።ካብዚ ፈብሪኾሞ፡ሸባብ፡ኖሪት…..ካልእን ዚኣመሰሉ።
    ክሳብ ሎሚ ንምዕራዩ ወይ ብሳይንሳዊ መገዲ ከስርሕ ዝክእል መጽናኦቲ ኣይተወስደን፡ብዘይካቶም ብተገዳስነቶም ዝጸሃፉ ሰዋስው ትግርና ካልእ ብመጽናዕቲ ተሰንዩ ብመደብ ዚተዋደደ የለን።ኩላትና ከከም ድሌትና ንጽሕፎ፡ን ኣብነት ገለ መንገዲ ይብሉ ገለ ከኣ መገዲ ይብሉ፡ገለ ህይወት ይብሉ ገለ ሕይወት ይብሉ፡ገለ ሰባት ሚካኤል ይብሉ፡ገለ ምኪኤል፡ገለ ኅልና ይብሉ ገለ ሕልና፡ገለ ልዋም ይብሉ ገለ ከኣ ሉዋም ይብሉ።ገለ ገረዝጊሔር ይብሉ ገለ ገብረእግዚኣብሔር፡ገለ መስፍን ይብሉ ገለ ከኣ መስፉን ይብሉ፡ገለ ገረማርያም ይብሉ ገለ ከኣ ገብረማርያም ይብሉ…….ወ.ዘ.ተ። እዚ ኩሉ ብልምዲ’ምበር ብመጽናዕቲ ተወሲዱ ክጸሃፍ ኣይተኻኣለን።
    ኣዚ በብናትካ ምጽሓፍን ከከም ዝስምዓካ ምጽሃፍን ከኣ ቀንዲ ዕንወት ቋንቋ’ዩ።
    ናተይ ቀንዲ ርእይቶይ ኣብ ናትካ ኣገባብ’ዩ።
    ኣብዚ ክትርደኦ ዘሎካ ኣፍልጦ የብልካን ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ፡
    እቲ ትህቦ ዘሎኻ ቃላት ይኹን ኣጸሃሕፋ ብናትካ መጽናዕትን ትግሃትን ዝበጻሕካዮ ኢዩ።ነቲ ትብሎ ዘሎኻ ዚቃወሙ’ውን ክህልዉ’ዮም።ስለዚ ኣብ ክንዲ ከምዚ’ዩ ዝጸሓፍ ኢልካ፡ኣቐምጥ ተብሎ።ነቲ ኣብ ካልእ ዝረከብካዮ ምስ ኣብነቱ ኣናጠቐስካ ተቅርቦ።ነቲ ባዕልካ ኣጽኒዕካ ዝበጻሕካዮ ከኣ፡ከም ሚዛነይ ከም ግምተይ ኢልካ እንተተንብሮ ምሃሸ።ከምዚ’ዩ ዝባሀል ምባል ግን ዝፍቶ ኣይኮነን።
    እቲ ምኽንያት፡
    ንሕና ክሳብ ሎሚ ቋንቋና ክነመሃይሸሉ ንኽእል ኦድል ኣይረኽብናን።ኣብዘን ናይ 23 ዓመታት’ውን ቋንቋ ትግርኛ መሰረት ክንበረሉ፡ኣንፈቱ ቀይሩ ዝኾነ ሰብ ምምሕያሽ ክገብረሉ ዝግበኦ ገፊሕ ዕድል ተኸሲሩ’ዩ።ሰለዚ ንስኻ’ውን ናይ ቋንቋ ትግርኛ ምሁር ወይ በዚ ፍሉይ ትምህርቲ ዝወሰድካ ክትከውን ኣይትኽእልን።ምኽንያቱ እቲ ኦኣውደ ትምህርቲ ይኹን መጽናዕቲ፡ናይቲ ቋንቋ መጽናዕቲ ዘካይዱ ፍሉጣት ማእከል መጽናዕቲ የለውን።ንስኻ ብድሌት ካብቲ ባህላዊ ኣዘራርባ ይኹን ኣጸሓህፋ መጽናዕቲ ኣካይድካ ናትካ ክእለት ዝሓዝካ ኢካ።እዚ ግን ምሉእ ኣይኮነን።
    ስለዚ ኣብ ተገዳስነትካ ጽቡቕ ክምስገን ዘለዎ’ዩ።ሎሚ ካብ ብቋንቋ ትግርና ምጽሓፍ እንግሊዝን ካልእ ቋንቋታት ሃስስ ዝብሉ ምሁራት ኤርትራውያን ብዙሃት’ዮም።ንስካ ነቲ ዘለካ ክመሃየሸሉ ዝኽእል ስራሕ ኢካ ትሰርሆ ዘሎኻ፡ዝምስገን ክትቅጽሎ እላበወካ።ግን እቲ እትህቦ ዘሎካ ሚኢቲ ብሚኢቲ ከምዚ’ዩ ዝበሃል፡ከምዚ’ዩ ክከውን ዘለዎ ኢልካ ተኣማሚንካ ዘይትኸደሉ ስለዝኾነ፡ኣብ ኣገባብ ቅሩብ ሚዛን ክትገብረሉ ኣላበወካ።
    ስለምንታይ እንድሕሪ ኢልካ፡ነቲ ትብሎ ዘሎካ ዚቃወሙ ክመጹ ወይ ጽባሕ ጽፉፍ መጽናዕቲ ኣብዝተገብረሉ ነቲ ትብሎ ዘሎካ ዝድምስሱ ኪመጹ ስለዝኽእሉ።እቲ ንስካ ትብሎ’ውን ናትካ ደኣምበር ናይቲ ጽፉፍ መጽናዕቲ ዚተገብረሉ ኣዘራርባ ኣይኮነን።
    ስለዚ ንዝኾነ ይኹን ከም ውዱዕን እሙንን ገርካ ምቕራብስ ዝፍቶ ኣይኮነን።
    ሰሠናዩ ንዓኻ።
    ክቡር መሲናስ፡

    • Selamawi' August 13, 2014

      ዝኸበርኩም ኣቶ ተወልደመድኅን፥ ዝሃብኩምዎ ርእይቶ እሰማምዓሉ እየ። “ግን እቲ እጥቦ ዘሎካ ሚኢቲ ብሚኢቲ ከምዚ’ዩ ዝበሃል፡ከምዚ’ዩ ክከውን ዘለዎ ኢልካ ተኣማሚንካ ዘይትኸደሉ ስለዝኾነ፡ኣብ ኣገባብ ቅሩብ ሚዛን ክትገብረሉ ኣላበወካ።” ዝሃብኩምዎ ርእይቶ እሰማምዓሉ እየ።
      ኣነውን: ብዕለት ፮ ሓምለ፥ “ሕልናኹም ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ጽሑፍ ወጺኡ ኔሩ። ኣብኡ ከኣ ንሓውና መሲናስ እዚ ዝስዕብ ርይቶይ ሂበዮም ኔረ።
      Dear Mesinas,
      Constructive criticism is always necessary. It is only when we exchange ideas that we teach one another. No quarrels up to this paint.
      I have 3 point to make about you. 1. Your dedication and your stand against the absurdities of pfdj is to be commended. We do love you for that. But please take the following so you can even edify and teach.
      2. I am not sure if you are a teacher by profession or were you in position of power under pfdj: you come across as patronizing. I suggest you remember the perennial wisdom: humility. If you think you are always right, that will stop you from learning from others. [Remember a few weeks a go there was a debate about words ending with ‘gna’ You dared to say that we say ‘Talyanegna…’ when clearly it is not the case.] Please remember there there are things that you may not know, others may know, and this medium is where one can learn from others for free! Leave Mesinas the teacher behind and assume the role of a student at times.
      3. The other thing I find slightly disappointing is that you come across as defensive rather than be grateful for the constructive criticism you received.
      I do not think you needed to write እቲ ንጸሊም፡ ጸሊም፣ ንጻዕዳ፡ ጻዕዳ ናይ ምባል ባህልን ልምድን ዘሎኒ ሓውካ መሲናስ’የ። I sincerely feel this is unnecessary.
      Finally let’s concentrate on the destructive sadist organization called pfdj.
      God bless

      ንሶም ዝሃቡኒ ምላሽ ስለ ለዘየዕገበኒ ድማ፥ ተመሊሰ ዝበልኩዎም ርኣዩ።
      Selam Hawna Mesinas
      Thank you for taking your precious time to give rather long response or should I call it a polite rebuttal to my comment. Having read your response you confirmed to me that you are not prepared to take suggestions easily. If you think you know it all, and if it is your way or no way, then we can aim at something else.
      In the response you gave above, I could not detect the slightest readiness or evidence to show that you learnt from others. What you have said is that you managed to teach someone, as if I did not know that. My suggestion was to be open to learn from others and not to be alert and promptly defend your corner (self-defense.) Plus to put your comments in non-patronizing way.
      You wrote ….እዚ’ዩ እቲ ቕኑዕ ኢልና ንሰባት ክንምጉት ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ፡ መወከስን መረዳእታን ስለ ዘይብልና። If I am not mistaken that exactly what you have been telling us though. I thinks there are grammatical books we can use, and there is sufficient literature from which we can learn. If you think መወከስን መረዳእታን ስለ ዘይብልና, on what basis do you say this is right, that is wrong…? In the absence of such references መወከስን መረዳእታን (as you put it) it is better to say ‘in my opinion…’
      Let’s look at what you wrote: እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ፊደል “ኛ” ዝበልኩዎ እውን ክሳዕ ጌጋ ሙዃኑ ብጭብጢ ዘረድኣኒ ወይ ዝእርመኒ ሰብ ዝረክብ፡ እቲ ኣነ ኮነ ካልኦት ኪኢላታት ቋንቋ ዝጥቀሙሉ ንሱ ስለ ዚኾነ ኣብዚ ምሳኻትኩም ኣይሰማማዕን’የ። ማለት ኣምሓርኛ’ዩ ኣይብልን’የ። You believe you are an expert, and you believe there are other experts like you. What made you think you are an expert in [qwanqua habesha]language. Did you obtain an academic qualification (in any language) or you taught yourself through personal interest and observation/interaction. The latter is valid but in my opinion it is not enough to lead you believe that your are an expert. Even if you are an expert, a little bit of humility or even reticence would not harm, I suppose.
      You say: ሓው ኣማኑኤል እያሱ ድማ ከምቲ መንፍዓቱ ኣብ ቋንቋ ከም ገዲም ጋዜጠኛ መጠን ንኡድ ኣይኮነን። You may think like that, and sincerely commend you for paying attention to details, as long as you do your homework first, and you communicate polity – beware of patronizing attitude as it will repel many readers of yours. I think Ato Amanuel’s writings do flow smoothly. You complain it is too long…who said it has to be short? Please let him say as long as he can in the form of poem, prose or articles. He is perfectly capable of communicating his message across and many of us like it: I do. If you have constructive criticism, I suggest you do not divert him unnecessarily. Unless, of course, the message is skewed. I do not find words such as ንኡድ ኣይኮነን to be constructive but undermining.
      You felt free to say …ሓው ኣማኑኤል እያሱ ስለ ዚተነቕፈ ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሐመኩም ዘሎ’ዩ ኣብቲ ውልቀ መላኺውን ጀሚሩን ክሳዕ ሕጂ ዘሎን:: I have not read closely what others said, and do not feel in a position to comment. My comment was about your attitude and assertions.
      Quite frankly when you wrote እቲ ንጸሊም፡ ጸሊም፣ ንጻዕዳ፡ ጻዕዳ ናይ ምባል ባህልን ልምድን ዘሎኒ ሓውካ መሲናስ’የ: you are bragging (feKera) in my view.
      Having said all of the above, if you still need hard evidence to show that ‘gna’ is Amharic derivative, I fear that I may end up getting embroiled in further debate with you as I do not see a shred of good will to learn from others but an urge to teach vigorously. You said ብዛዕባ ፊደል “ኛ” ዝበልኩዎ እውን ክሳዕ ጌጋ ሙዃኑ ብጭብጢ ዘረድኣኒ ወይ ዝእርመኒ ሰብ ዝረክብ… You may want to refer to Dr Kidanemariam Zerezghi if my memory serves me well. By the way I am not saying that we should not use anything that is derived from Amharic. However, I would try my best to speak and write in the way a native Habesha can understand. In our language, qwanqwa Habesha, the name of a language is the same as the person who speaks it e.g. Tigre = qwanqwa Tigre, Denkel, Saho, Kunama, Tilyan, Englisz, Areb, qwuanqa Amhara, etc. I do not know you, the new experts, operate, but this is what know. Hope this is enough Hawna Mesinas.
      Kibret yehabeley!
      ====
      ኣብ መወዳእታ፥ ሓውና መሲናስ በቲ እንህበኩም ዘለና ርእይቶታት ክት ስሓሉን ክትበልሑን እምበር፥ ክትጎድቡ የብልኩምን። ምጽሓፍ ደው ኣይተብሉ፥ ግዳስ ኣጸሓሕፋኹምን ኣበሃህላኹ

  • Messinas August 13, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣቶ እስቲፋኖስ፣ ኣቶ ታሪኽ፣ ኣቶ ክፍለ፣ ኣቶ ተ/መድህን ከምኡውን ክብርቲ ሓብቲ ወይዘሪት/ወይዘሮ ኤርትራዊት፡ ስለቲ ዝሃብኩምኒ ንቛንቋና ዝያዳ ዘሀብትም ሓሳብትን ምኽርን ኣዝየ እናኣመስገንኩ ኣብ ዚቕጽል ጽሑፈይ ንርእይቶኹም ኮነ ምኽርኹም ሓደ ብሓደ መልሲ ክህበሉ ሙዃነይ ቃል እኣቱ። እቲ ቀንዲ ዋና ነገር ግን ኩላትና አእጃምና ነብርክት ግዱሳትን ተደናገጽትን ናይዚ ብዋዛ ዚጠፍእ ዘሎ ቋንቋናን ባህልናን’ምበር መሃርን ተመሃርን ዘይብልና፡ ንሕድሕድና እንመላላእ ኣሕዋት ሙዃንና ንኹልና ንጹር’ዩ። እቲ ሓደ ዚፈልጦ ነቲ ሓደ ብምሕባር እናተመላላእናን እንተኻታዕናን ናብቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሃገርና መንግስቲ ምስ ተተኽለ ዚቐውም ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ንምብጻሕን ንምውዳድን እንገብሮ ዘለና ናይ ነፍሲ ወከፍና ድሩት ኣስተዋጽኦ ደኣ’ምበር ‘እዚ ኣነ ዝህቦ ዘለኹ ሓበሬታ፡ ፍጹም! ብጹእ! ውዱእ ቋንቋ እዚ’ዩ!’ ይብል ከምዘየለኹ ክትግንዘቡለይ ብትሕትና እሓትት? ንምትብባዕኩምን ሞራልኩምን ደጊመ አመስግን፤ የቐንየለይ። ሓውኩም መሲናስ።

  • Fisahaye August 13, 2014

    ክቡር ሓው ዝኾንካ መሲናስ

    “ሓዲሽ “ ብ “ሓድሽ” ኣ ሪምካዮ ኣሎኻ፣ ምንጪ ናይቲ ቃል ግና ግዕዝ ስለ ዝኾነ “ሃዲስ” ወይ ድማ ብትግረን ዓረብን “ሓዲስ” ኢዩ፣፣ ስለዚ “ሓድሽ” ትኽክል ትግርኛ ኣመስለንን፣

  • Tesfa August 13, 2014

    MR MESINAS HAS GOT ONLY 50% RIGHT IN CORRECTING THE USE OF TIGRINIA WORDS. HOWEVER, HE DOES NOT SEEM TO UNDERSTAND, OTHERWISE HE DID NOT REFLECT HIS UNDERSTANDING, THE OTHER 50% OF TIGRINYA USE! WHAT ABOUT –
    1. IDIOMS (general/local)? Just like the English language!!!
    2. LOCAL OR REGIONAL USE OF WORDS. A lot of the words he listed can have different meanings in different regions.
    3. ONE WORD CAN HAVE MULTIPLE MEANINGS, DEPENDING ON THE CONTEXT, OR THE LETTER STRESSED DURING CONVERSATION ETC.
    4. UNLIKE SPOKEN LANGUAGE, WRITTEN LANGUAGE FOLLOWS GRAMMATICAL RULES.
    5. MANY OF THE REPLACEMENT WORDS HE SUGGESTED CAN STILL BE USED INTERCHANGEABLE — LET’S UNDERSTAND THE IMPORTANCE OF ‘THESAURUS’ IN THE ENGLISH LANGUAGE.

    So, Mr Mesinas, get a grip in your language skills!

    I will strike back.
    TG

  • Fisahaye August 14, 2014

    Dear Mesinas
    As always I thank you for your interest in reviving the correct Tigrinia language. I like and appreciate your poems; they are inspiring. I also appreciate your effort to explain some new Tigrinia words you use in your writings and poems: synonyms that is: although sometimes I am not sure you use words (big words) that could be replaced by easier/simpler words. Tigrinia is not my mother tongue but my effort to know Tigrinia has taken me far and wide. My teachers (most of them priests) did a lot to teach us Tigrinia in a proper way. One way we learned Tigrinia was how a word was said in Hamasien, Seraye and Akeleguzay. We were also taught the root (Etymology) of a word: Geez, Tigrayit even Arabic. Sometimes I find it difficult to trace some words you use ( I can humbly say it was my life long effort to find the origin of Tigrinia)

    I would suggest two things when you write or are criticised for your writings; first never say it’s my way. Second please tell your readers where the word comes from; and please use simple words unless you have to.
    You will be amazed how Tigrinia is tied up to Geez, Tigrayit and Arabic; Hebrew too. Nobody’s Tigrinia surprises me as yours: perhaps you are special.

POST A COMMENT