Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ: ንዶክቶር ምስጉን ተድላ

መልቀስ ንዶክቶር ምስጉን ተድላ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ሰምየን ኣመሪካ   ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!! ኣንታ እንታይ ሰሚዔ ሎሚ ቕነ ስሙ ጥዑም ሃዋርያ ዘበነ ጎይታ ይመስገን ኢሉ ዝደነነ ሎምስ ዶክቶር  የሎን ድኣ ተሳእነ።   ዶክቶር ምስጉን ወድ ኣቦይ ተድላ ሽማንጉስ ላዕላይ ዝዓድኻ ኣብ ማእከላ ወዲ ካርነሽም ድምበዛን ብኹላ ደቂተሽም

መልቀስ

ንዶክቶር ምስጉን ተድላ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

ሰምየን ኣመሪካ

 

ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!!

ኣንታ እንታይ ሰሚዔ ሎሚ ቕነ

ስሙ ጥዑም ሃዋርያ ዘበነ

ጎይታ ይመስገን ኢሉ ዝደነነ

ሎምስ ዶክቶር  የሎን ድኣ ተሳእነ።

 

ዶክቶር ምስጉን ወድ ኣቦይ ተድላ

ሽማንጉስ ላዕላይ ዝዓድኻ ኣብ ማእከላ

ወዲ ካርነሽም ድምበዛን ብኹላ

ደቂተሽም ዓንሰባ ሓማሴን ብጠቕላላ

ወዲ ኤርትራ ዝተፈጥረ ኣብ ማእከላ።

 

ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!! ወየ ኣነ!!!!

ጎይታ ይመስገን ኢሉ ዝኸፍት ኣንደበቱ

ንኹሉ ዝስዕም ብኽልተ ምዕጉርቱ

ወዳጀ ኣእምሮ ወድጀ ትምህርቱ

ምስ ኩሉ ኣፍልጦ ምስኮላይ ብልሓቱ

ብሓቂ ድዩ ኣብ ጉድጟድ ክኣቱ።

 

ዶክተር ሓወይ ኣንታ ጥዑም ቓሉ

ወንገል ንኽሰብኽ ንዓልም ኮሊሉ

ሓቂ ንፍቶ እናበዝምህር ክንደይ ተዓዲሉ

መጽሓፍ ወንጌል ኣብ ዝባኑ ተኾልዂሉ

ክሰብኽ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ይዓስለሉ።

 

ወየ!!! ወየ!!! ወየ!!!!!

ዶክቶር ምስጉን እዚ  ፈታው ዓዱ

ሃገርይ እናበለ ይነብር ተሰዲዱ

ሰፊሕ ኣእምሮ ተሰኪሙ ይነበር ኣብ ዘዓዱ

እዚ ምቑር ቓሉ ንኸይምህር ተኣጊዱ

ክንደይ ነብሳት ምተማህረ ነይሩ በብዓዱ።

 

ዶክተር ሓወይ መስትያት ኩላትና

ክንደይ ሊቃውንቲ እኒሃ ኣብዝይ ሓዚና

ንሃገራ ኣማዕድያ  እናረኣየት ትበኪ ደኒና

ኣምላኽ የጸብቖ ቀልጢፉ ክርህወልና

ጥርጥር የልቦን ኩላትና ከርክበካ ኢና

ሽግር ህዝቢ ቀልጢፍካ ንገረልና።

 

ኣንታ እዚ ሰባኺ ብዙሕዶ!!! ሃጺጹ

ኣሕዋቱ ከጸናንዕ ንሱዳን ዝወጹ

ዓቕሊ ከየጽብቡ ብዙሕ ከይርበጹ

ሽግሮም ምስረኣየ ልቡ ተረቢጹ

ዓቕልዉን ስኣነ ሽግር ህዝቡ መጺጹ

መፍትሒ ደንጉዩዎ ነገራት ቀርጺጹ

ብኣካል ከይዱ ክነግሮ ንጎይታና ክርስቶስ መሪጹ።

 

ምስጉን ሓወይ ሓዋርያ ናይ ዘበና

በቲ  ሙኡዝ ቃላትካ እባ ምሃረና

ደሊኻ ዘይርከብ ቃል ምስጉን ሓውና

ኣብ ካርቱም ሱዳንድኣ! ንመን ሓዲግካልና

ስዒብካዮ ንሃዋርያ ማትዮስ ጀማሪ ስብከትና።

 

ዶክቶር ሃወይ ስዓቱ ኣኺሉ

ነቂሉዩ ተበጊሱ ርዖኡ ጠቓሊሉ

ወያ ክብርቲ መስቀሉ ተኽልዅሉ

ነፋንዎ ብሓባር ኩላትና ዓልልሉ

ኣምላኽ ይቀበልካ መላእኽቲ ኣኽእቲሉ።

 

ጽንዓት ይሃብ ንድራቤት ብሓባር ብኹሉ

ህዝቢ ኤርትራ  ንነብስኹም ብኸይሉ

ከምቲ ናቱ ንሓቂ ንፍትሒ ተኸተሉ

ሰላም ራህዋን ክወርደልና ተጠቓሊሉ።

 

ተኻፋሊ ሓዘን

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

2 መጋቢት 2014

ሰሜን ኣመሪካ

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • sara gual eritra March 3, 2014

    senay gedli tegadilom neti guya wediOmo
    kbri n amlak ykun
    tsnAt dma n sdrrOm

  • Suleiman Salim March 3, 2014

    ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንሰድራ-ቤቱ ጽንዓት ይሃቦም እንዳ በልኩ ንጥዑም ያታዊ ናይ ሓዘን መግለጺ ቃላት ተጋዳላይ ሃይለ ገብረ-ትንሳኤ ይሙግስ።

Post a Reply to sara gual eritra Cancel Reply