Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ!!!!!!

መልቀስ!!!!!! ድሓን ኩን ዶክተር ተወልደ ወዲ ባካሮ!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!! ወየ!!!ወየ ኣነ!!!!ወየ!!!!ኣነ!!! ሓርበኛ ሃገረይ እምበር ስነ!!!!!! ወየ!!!ኣነ!!!!ወየ ኣነ!!!ሓወይዶ! ሲኢነ!!! እንታይ ተረኹቡ ሎሚ ቕነ ኣይነበርኩን ኣብ ዓዲ ዋይ ኣነ ዋይ ኣነ ምሉቕ ኢሉዶ! ኸደ እዚ ብዓልቅነ እዚ ጅግና!! ፍትሒ ኸምጽእ ዝወጠነ።   ኣንታ ዶክቶር ብዓል ሎጎ ጭዋ ብዓል ዓቢ ታሪኽ ወዲ

መልቀስ!!!!!!

ድሓን ኩን ዶክተር ተወልደ

ወዲ ባካሮ!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

ወየ!!!ወየ ኣነ!!!!ወየ!!!!ኣነ!!!

ሓርበኛ ሃገረይ እምበር ስነ!!!!!!

ወየ!!!ኣነ!!!!ወየ ኣነ!!!ሓወይዶ! ሲኢነ!!!

እንታይ ተረኹቡ ሎሚ ቕነ

ኣይነበርኩን ኣብ ዓዲ ዋይ ኣነ ዋይ ኣነ

ምሉቕ ኢሉዶ! ኸደ እዚ ብዓልቅነ

እዚ ጅግና!! ፍትሒ ኸምጽእ ዝወጠነ።

 

ኣንታ ዶክቶር ብዓል ሎጎ ጭዋ

ብዓል ዓቢ ታሪኽ ወዲ ድባሩዋ

ወዲ እዞም ለባማት ናይ ኩሉም ሎቦዋ

ኣብ ማይ ላሓም ሕጊ  ሓገግዋ!!

ንኹሉ ዝኸዊን ንመሰል ሓለዋ

ብደብተር ዝሰርዑ ብዘይ ኣድሎዋ

መሰረት ናይ ቛንቛ ቀደም ተኸልዋ ።

 

ሕምብርቲ ዝዕዱ ኣብ ዓዲ ኸፈለት

ወዲ እምባ ጣላ ዘይተሸርፈት መርየት

ወዲ ፈለግ መረብ ብዓል ዓቢ መቅነት

ብዙሕ ተጸቢና ክንወጽ ናብ ዓወት

ከይድካ እምበኣር ሕጂ ዓዲ እንኸ! ይዝመት።

 

ወየ!!!ወየ!!!!!ወየ!!!

መንእሰይ ሃገረይ ጽን ኢልካ እሞ! ስማዕ

ዶክቶር ርኢሪኻዩ ክብለካ ኣገናዕ

ሓላፍነት ሂቡካ እዩ!! ኣደልዶልካ ጽናዕ

ጸላእትኻ ፍለጦም ኣእዳውካ ከይምናዕ።

 

ወየ!!!ወየ!!! ወየ!!!!!!+

እስከ እዚ ዶክተር ክንዝክሮ

ሙያኡኳ!! በዚሑ ክንደይ ኢለ ክቖጽሮ

ኣብ ርእሲ ሕማሙ ንዓለም ክዘሮ

ከእዊ ተላዕለ ማንም ዘይጀመሮ

ጸገም ህዝቡ ንዓልም ክነግሮ

ደኺመ ከይበለ  ጸንቂቑ ጎሮሮ

ሽግር ላምፓዱሳ ኢሉ ክዝርዝሮ

ንኹሉ ከርክበሉ! መገሻ ሓጸሮ

ነፋሪት ክስቀል ሕቑኡ ሰበሮ

ሓወይ! ኣየምለሰን ኣይወጸውን ካብ ጓሮ

ቃንዛ በዚሑካ ክንደይ ኢልካ ክትጸሮ

ኩሉ ወሲድካዮ ልቢ!!! ኾነ ኣእምሮ።

 

ወየ!!!ኣነ!!!!ወየ!!!ኣነ!!!ወየ!!!!ኣነ!!!

ክምለስ ንዓዲ! ሃገርና ኤርትራ

ክትስልም ከተማታት ኩሉ ብሓበራ

ጎርጉሶም ጀሚርካ ትይድብ ነስመራ

ንኩሉ ትበጽሖ ሕምብርቲ ኮነ መጠራ

ገብረ ከፈለት በርሄት!!! ኣምሰልካይ ኣስመራ።

 

ቁምነገር ናትካ ክንደይ ኢልካ ክነግር

ሓወይ በቕቧቕ ነርካ የዋህ ወዲ ሃገር

ተሪር ሕልናኻ ዘይዕጸፍ ዘይስበር

ንፍትሒ ትቃለስ ዘይትብል ውዓል ሕደር

ኣብ ርእሲ ሕማምካ! ዘይትቕንዞ!! ዘይትሽገር

ንኹሉ ሰቲርካዮ!! ዝዞርካ ብጸገም ናይ ሃገር

ዘበን ውርውራ ኮይኑ ኣብ ስደትዶ!! ይቕበር።

 

ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!

እዚ ዶክተር ሓውይ!! እዚ ጅግና

ደኺመ ከይበለ ዞረ ናብ ኩላትና

ኣጆኹም እናበለ ደጊሙ ከስምዓና

ንዓይ ዘይበል! እንትርፎ ንህዝብና

ምስጢር ጎሓላሉ ደጊሙ ክነግረና

ይኣክል ዝተገራህናዮ ኢሉ ክምህረና

ህዝበይ ይቅረ ገበረለይ ኢሉ ምስ ትሕትና

ስለ ዝወዓለ ምስቶም መጥፋእትና

ይቕረ ንበሃሃል ሰላም ከውርደልና

ኢሉ ዶ!! ኣይኮነ መንእሰይ ሃገርና?

ተሰካሚ ሕድሪ ፍትሒ ከውርሰልና

ሽግ እውን ተረከብ ሓራ ኣውጽኣና።

 

ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!ኣነ!!ወየ!!ኣነ!!!

እዚ ዶክተር ሓወይ ሰዓቱ ኣብቂዑ

ኣደታት ብኸያ ኩላትክን መራዑ

ኣቦታት እንኮሎ መንእሰይውን ንብዑ

ኣዋልድ ሃገረይ ብኸያሉ እንተሎ ቖላዑ

ቃሉ ድገምዎ ኣጥቢቕኩም ኣጽንዑ

ክዓርግ ንሰማይ ኮባኩብቲ ነብዑ።

 

ኣንታ!!!ዶክተር ሓወይ ኪድበል ይኣኽለካ

ንሕና እንተንኸውን ብዙሕ መጽናሕናካ

ዘይካኣል ኮይኑ ኣብ መርየት ኣብቂዕካ

ኣብቲ ላዕላይ ሰማይ! ኣምላኽ ይቀበልካ

ቃልና ኣይዕጸፍን!! ደጊመ ክገልጸልካ

ንፍትሒ ዝኾኑ ብዙሓት ኢኻ ዘሪእካ

ኣብ ልቢ ህዝብኻ ሓወልቲ ገዲፍካ።

 

ንስድራ ቤት ጽንዓት ይሃብ ምስ ኩሎም ተቓለስቲ ደለይቲ ፍትሒ!!!!!

ተኻፋሊ ሓዘን

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

29 ጥቅምቲ 2014

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • eritrawi November 3, 2014

    Haile you are great well done job
    Very interesting poem wedi vacaro R.I.P

Post a Reply to eritrawi Cancel Reply