Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ

ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!!   ኣንታ እንታይ ተረኸበ ሎሚ ቕነ ማእከልይ ባሕሪዶ ዘቕበበ በለ ኣነኣነ ንዋርሳይ ወዲ ይካኣሎዶ! ኣማሰነ ዓለም ብዓለሙ ኩነታቱ ኣሕዘነ።   መንእሰይ ሃገረይ ረጋጽ ዓፍራ ዋርሳይ ዝብሉኻ ረኻቢ መከራ ውልድ ምስ በለ ሃገር ተሓሪራ ንዓወት ዘይኮነት ንመከራ ዕድሚኡ ከይሸወት ሓሪራ ናይ ጥልመት

ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!!
 
ኣንታ እንታይ ተረኸበ ሎሚ ቕነ
ማእከልይ ባሕሪዶ ዘቕበበ በለ ኣነኣነ
ንዋርሳይ ወዲ ይካኣሎዶ! ኣማሰነ
ዓለም ብዓለሙ ኩነታቱ ኣሕዘነ።
 
መንእሰይ ሃገረይ ረጋጽ ዓፍራ
ዋርሳይ ዝብሉኻ ረኻቢ መከራ
ውልድ ምስ በለ ሃገር ተሓሪራ
ንዓወት ዘይኮነት ንመከራ
ዕድሚኡ ከይሸወት ሓሪራ
ናይ ጥልመት ሰፈር መፈንጠራ
ሳዋ ትባሃል መደበር ተቖርቑራ
ንኹሉ ተደንቑር ብሓበራ
ኣደታት ዓለላ ደጊመን ጨደራ
ዉላደን እና ኸደ ናብ መከራ
ዓወት ንሓፋሽ እናበላ ኣዝመራ
እንታይ ከም ዝረኽቦ ከይጠርጠራ
ደቀን ሰደድኦም ናብ ሓሰረ መከራ። 
 
ንከይሓስብ ኣእምሮኦም ኣደንቑራ
ብማእሰርቲ፡ ትብዓቱ ፈኹሳ ተዘርዚራ
ልቦናኡ ንኸይምርምር ተደኪራ
ንኸይተማዛዝን መሊእዋ ጉራ
ፍርሕን ራዕድን ኣብ ሳዋ ተፈጢራ
መንእሰይ ሃገረይ ሓሞቱ ሓሪራ
 
ሓቂ መሲልዎ ንስደት ሓኾራ
መረጸ ብስደት ሽግሩ ዝሰግራ
 
ይጸንሖ መጻወድያ ተወርዊራ
ኣብዘዝኸዶ ትጸንሖ ተቐቢራ
ረሻይዳን በደዊን ኩሎም ሰብ ካራ
ኣይሕባእን ምስጢር ናይ ሃገርና
ክንደይ ዘይተቐብርሩ ኣብ ሰሃራ
ክደይ እሞ ኾኑ ቀለብ ንኣሞራ
ዝጠሓሉ ኣብ ማእከልይ ባሕራ
ኣብ ሲናይ ክንደይ ክሳድ ተመቲራ
ወዶም ጓሎም ቆላዑ ብሓበራ
ክንደይ ኣሕዋትና ክብረን ተደፊራ
ዘርዚርካ ኣይውዳእን ናህና መከራ
ስርዓት ህግደፍ ፈጣር ሴራ
ህግደፍ ንሃገርና ኣብረሳ ብሓበራ።
 
 
ወየ!!! ኣነ!!! ወየ!!! ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!!
 
ዋርሳይ ንኡስ ተቐባሊ መከራ
ንኸይመክር ይሕሎ ብሓለው ሰውራ
ዝቐደሙ ኣብ ዊዓ ምስ ኣስፈራ
ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዒራ ዒሮ ተኾሚራ
እምነት ሃገር ኣጥፍኣ ብሓበራ
ስርዓት ካሕዳያን ኣብ ሃገርና ሳዕሪራ
ንመእሰይ ኣብ ረሰቶም ብሓበራ
ንኽስደድ ኣፍደገ ሓቢራ
ኣብ ዝኸዶ ከይዱ ትጸንሖ ተሰዊራ።
 
ኣየነይቲ ሃገር ዋርሳይ ዘይተኣስራ
ዋርሳይ ኣበይሞ ተሪፋቶ ዘይተቐብራ
ዓለም ብሙላኣ መቓብሩ ሰቲራ።
 
ኤርትራ ሃገርና ደቃ ኣባሪራ
ዋርሳይ ኣጥፊኣ መርየት ኮይኑ ሓራ
ሃገርና በረሰት ብጉጅለ ኣስመራ።
 
 
 
ዋርሳይ ኣማውታኻ ሰብ ኣሕዘነ
እንታይ ኮይኑ ሙያኻ ዘይሰሰነ
እንታይ ረኸበካ ሎሚ ዕዮኻ ቃዘነ
መፍቲሒ ኣይኮነን ዓድኻ ምስኣነ
ሞት ብሞቱ ኣብ ሃገር ተዝኾነ
እንተ ትዓጥቕ ነርካ ወርሒ ሰነ
ዝተዘርኤ ፍርያቱ ምሰሰነ
ምስ ብረትካ ነርካ ዜይበልካ ኣነ
ምዓስ ጠፊኡካ ሃገርካ ዘማሰነ
ክተርክብ ክትስእን ምፍታነ።
 
እንታ እንታይ መዓት ወረደና
ከመይ እዩ በዚሑ መርገምና
ሓደዶ ተሳእነ ሕነ ዝፈድየልና
ኮይኑ ድዩ በሪሱ ሃገርና
ኣይነበረንዶ ሃገር ዓዲ ጂግና
ገበርቲ ተኣምርዶ ንበሃል ኣይነበርና
እንታይ ድኣ ዓለም ጸቢቡና
ደቂ ሕግን ስርዓትንዶ ዘይተባሃልና
ኣበይ ድኣ ከደ እቲ ኣእምሮና
ሓደ ጎበዝዶ! ተሳእነ ዓዲ ዘእትወና።
 
ብኣራዊት ክንምራሕዶ ዝመረጽና
ኣሽካዕላ ዘዘንቱ ንጉስ ሃገርና
ኣፍሪቃውያን ኢሉ ኣርሕቖም ነሕዋትና
ህዝቢ ንኸይፈልጥ ጸገማት ዋርሳይና
መርድእ ንኸይበጽሕ ብግዜኡ ኣብ ዓድና።
 
መን እዩ ዘጥፍኣና ዘሎ ንሃገርና
ኢርትራዊ ዜጋ ሕሰብ ብጽሞና
ዓገብ ምባል ገበን ኮይኑ ንህዝብና
ክሳብ ምዓስ ክንዕሾ ዘበን ቀደመና
ዓለም ብዓለሙ ሓዘነ ብሽግርና
መንእሞ ዘይደንገጸ ብጸገምና
እንተኾን ጸገም ንሕና ኢና
ሓቅነት ቀቢርና ኣብ ገዛና
ፍትሕን ጥልመትን ኣማዕቢልና
ካብ ኩውንነት ኣጸቢቕና ርሒቕና
ፍቅሪ ጠፊኡ ኣብ ህዝብና
ከመይ ገይሩ ሰላም ክወርደልና
ንሸፋቱ ክንሕለቕ ካብ መረጽና
እንሆ መዛረቢ ዓለም ኮና
ኣምላኽ ሰላም ኣውርደልና
መንግስተ ሰማይ ይከፈት ንደቅና
ጽንዓት ይሃብ ንወለዲ ሃገርና።
 
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
ተኻፋሊ ሓዘን
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያን
ሰምየን ኣሜርካ 5 ጥቅምቲ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Mesinas October 6, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ሃይለ ገ/ትንሳአ ብመጀመርያ ንዝኽሪ እዞም ኣብ ባሕሪ ጠፊኦም ዘለዉ ኣሓትናን ኣሓዋትናን ወየ ምባልካ ከመስግነካ እደሊ። ቀጺለ ኣብ ሞት ናይዞም ክቡራትን ፍቑራትን ዜጋታትና ንግጥሚ ስለ ዝቐተልካዮ ድማ ብልብን ብትሪን እነቕፈካ! ነቐፌታይ ሕጂ ንሳልሳይ ግዜ እዩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂውን ደጋጊመ ዝሓበርኩኻ ግጥሚ ብሓደ ህርመት ጥራይ ዝወቅዕ ቃላት ብዘይ ስርዓትን ኣጋባብን ከም ደስ ዝበለካ ምድርዳር ማለት ከምዘይኮነ ክትግንዘብን ክትፈልጥን ደጊመ ደጋጊመ እምሕጸነካ! ብሓጺሩ ዝባን ግጥሚ! ቅድሚ ግጥሚ ምጽሓፍካ እንታይነትን መንነትን ግጥሚ ፍለጥ ክብለካ ኣደሊ! 95 መስመር ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ግጥሚ ምድርዳር ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን’ዩ! እዚ ቁጽሪ’ዚ በብዓቐኑ ፈላሊኻ ኣብ ሸሞንተ ኣርእስቲ ክምቀል ምተኻእለ!

    • Haile G. Tensae October 6, 2013

      Ato Mesinas
      I hope it is your real name? If not, please write your name and I thank you for the correcton, the art of poem. Your critism is accepted.
      Hawka
      Haile

  • Nahom October 6, 2013

    Dear bro, mesinas
    Mejemerta selam ,stibaqe nay gitmi aykonen melekti eyu emo sel ftihi trah nzareb. weridina zelo stegem btri nkonuno ajokum nbahal,
    pls continueing like that mr. Haile qmish adey hankulini .srhat iseas eyu ashegirina zelo

  • Mesinas October 6, 2013

    ኽቡር ሓው ናሆም ስለ’ቲ ሕውነታዊ ማዕዳኻ ብልቢ አመስግነካ፡ እንተኾነ ምኽርኻ ቃላት ህግደፍ ምዃኑ ክትግንዘበለይ ብትሕትና እሓተካ። ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ህዝብና እናጠፍአ ከሎ “ዶብና ክሳዕ ዚሕንጸጽ ዚተረግጸ ይረገጽ! ዚሞተ ይሙት! ብዘይ ሕግን ፍርድን ንዝደለናዮ ክንጭፍልቕ ኢና! እናበለ’ዩ ህዝብና ዘህልቕ ዘሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ናይ ቋንቋን ግጥምን ባዕሉ ይፈልጥ ናይ ጸገምና ጥራይ ንግበር ትብለኒ ኣለኻ። ንኹሉ በብመስመሩን በብግቡኡን እንተ ሰሪሕናልዩ እዩ ቃልስና ኣድማዒ ዚኸውን። ምኽንያቱ፡ ኣንበብቲ ንነዊሕ ግጥሚ ከም ዓካስ ካላሽን ጨጫፉ ፍትን ኣቢሎም እዮም ዝጉሕፉዎ። በዚ መሰረት ዕላማኻ ከይወቓዕካ ትተርፍ። ብዓብዩኡ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓያል ኣጽዋር ዚኾነ ናዕታ ክብርን ተባሃግነትን ተጥፍእ! ተስፋ እገብር ተረዲእካኒ ክትከውን።

  • kalid October 6, 2013

    Nikulom nay zi hadega zegatemom hizbitat Eritrea sinat yihab,
    kesile ni getamay Haile Gebretinsae yirdaeka yiblo, nsu ab America tekodimu kaliot Eritrawian hine kifedyulu yihatit,,, zeysinkas hutsa kortumelu koynu negeru,,, medenageri leba ele geliseka aleku,,,long live hizbinan hagernan mengistinan, ezi shgr ezi kia halafay eyu, degime sinat yihabom nrekebti ezi hadega. yekenyeley.

  • Mesinas October 7, 2013

    ክቡር ሓው ሃይለ ገ/ትንሳአ ሰላምታይ ብምቕዳም ልዑል ምስጋናይ ከቕርበልካ ፍቐደለይ? ንርእይቶይ ብእወታ ብምቕባልካ ድማ ንቕሓትካ ልዑል ምዃኑ ክግንዘብ ክኢለ ኣለኹ። በል ናብ ሕቶኻ ክኣቱ፥ ስመይ ሓቲትካኒ፡ ተ/ማርያም ገረሱስ እየ ዝብሃል። ብመሲናስ’የ ግን ዝፍለጥ። ሓው ሃይለ፡ ንሕና ስነ ጥበበኛታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ቃነዪቲ (ገጠምቲ) ዚያዳ ክንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ፡ ኣንባቢ ብግጥሚ ከም ዝምሰጥ ጌርካ፡ ናይ ምንባብ ህርፋን ወይ ድማ ወልፊ ከም ዝህሉዎ ብምግባር ብቐሊሉ መልእክትኻ ምትሕልላፍ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ነዚ ከኣ ንነብስና ከም ጸሓፊ ዘይኮነ ከም ኣንባቢ ቆጺርና ሓጺርን ላዛ ዘሎዎ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኮረ ናዕታ ብምድራስ በብቊሩብ ፈይ ብምባል ኢና ንዕወት። የቐንየለይ።

    ካብ ሓውኻ መሲናስ

    • Haile G. Tensae October 7, 2013

      ክብ

      ዝኸበርካ ሓወይ ተስፋማርያም ገብረየሱስ ኣቐዲመ ሰላምታ የቕርበልካ፡ ኣብ መነባብሮኻን ስራሕካን ቅሳነት ይሃብካ። ንዘቕረብካለይ፡ ነቐፈታን ርእይቶን ብንጽህና ከምዝተቐበልክዎ ከብርሃልካ ይፈቱ። መኻርን ተመካርን ስል ዝጠፍኤ እዩ ሃገርና ዝበርስ ዘሎ። ንዝመኸርካኒ ሃናጺ ምኽሪ ተቐቢለዮ እዩ፡ ንስነ ጥበብ ናዕታ (መልቀስን ማሰን ድማ ብፍላይ) የማዕብሎ ስለ ዝኾነ ተቐቢለዮ ኣለኹ።

      ብተስፋማርያም ገብረየሱስ ክትጽሕፍ ይላበወክ! ምኽንያቱ ብትብዓትን፡ ብሓላፍነትን፡ ብተኣማመንነትን ሓቢርና ክንሰርሕ ምእንቲ። መሲንሳ!!! እንተ ዘብቅዕ ዓወታን ምትእምማን ይድንፍዕ። “ መጋረጃ ይቀንጠጥ”
      ሓውካ
      ሃይለ ገብረትንሳኤ
      ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

      ዝኸበርካ ሓወይ ተስፋማርያም ገብረየሱስ ኣቐዲመ ሰላምታ የቕርበልካ፡ ኣብ መነባብሮኻን ስራሕካን ቅሳነት ይሃብካ። ንዘቕረብካለይ፡ ነቐፈታን ርእይቶን ብንጽህና ከምዝተቐበልክዎ ከብርሃልካ ይፈቱ። መኻርን ተመካርን ስል ዝጠፍኤ እዩ ሃገርና ዝበርስ ዘሎ። ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ብድሪ ከበሳ ( ሓማሴን ሰራየ ኣከለጉዛይ) 1975 ኣብ ወኪ ድባ ሓማሴን፡ ኣብ ቤት ክርስትያን ህዝቢ፡ እና ጸለዩ ከሎ ስለ ዝረሸኑን፡ ቕትለት ስል ዝፈጸሙኒ ወተሃደራት ኤትዮጵያ፡ እቶም ብኢትዮጵያውነቶም ዝምክሑ ዝነበሩ ወለዲ ኤርትራውያን “ ቶባ ድሕሪ ወኪ ድባ” ከም ዝበሉ ዝዝከር እዩ።
      ዝመኸርካኒ ሃናጺ እዩ፡ ንስነ ጥበብ ናዕታ (መልቀስን ማሰን ድማ ብፍላይ) የማዕብሎ ስለ ዝኾነ ተቐቢለዮ ኣለኹ።

      ብተስፋማርያም ገብረየሱስ ክትጽሕፍ ይላበወክ! ምኽንያቱ ብትብዓትን፡ ብሓላፍነትን፡ ብተኣማመንነትን ሓቢርና ክንሰርሕ ምእንቲ። መሲንሳ!!! እንተ ዘብቅዕ ዓወታን ምትእምማን ይድንፍዕ። “ መጋረጃ ይቀንጠጥ”
      ሓውካ
      ሃይለ ገብረትንሳኤ
      ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

  • Meretse Asmelash October 7, 2013

    ክቡር ሓው መሲናስ

    መጀመርያ ኣብዚ ሰዓት እዚኣ ዝኮነ ወናን ሩሕ ናይ መን ጽሑፍ ከንብብ ኢሉ ዝጓየየሉ ግዜ ዘይኮነስ፣ ገና ንዝሓለፉን ዝተረፉን ኣፉ ከፊቱ ኡይ ዝብለሉ ዘሎ እዋን እዩ። ስለ ዓይነት ልቅሶን፡ ጣዕሚ ወየን፡ ቃና ብክያትንን መን ምስ ኣርከበሉ። ኣዒንቲ ህዝቢ ማይ ወዲኤን፡ ደም ሰሪበን፡ ጡጥ ኢለናሉ ኣብ ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ዝባን ዜማ ግጥሚ፣ ዶው በሉልና ኢልካ ምምሕጻን ምስ ምንታይ ከምዝቁጸር ኣነ ኣይፈለጥኩን? ካብ ሓደ ዘይቁሱን ሓንጎልን (unbalanced state of mind) ኣብ ቃንዛ ዘሎ ኣካልን (strong painful feelings) ዝውጽእ ቃል ሚዛን ሓሉ ዝብል ምሕጽንታ ንባዕላ ስምዕታ ዝሓጸሮ ይመስል፡ እቲ እንብሎ ዘበለስ ግዜ እንተንፈልየሉ ዶኮን ኣይምሓሸን?
    እንተ ሓው ሃይለ ገብረትንስኤ ግን ስለ እቲ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ዘርኣካዮ ልቦና ክብሪ ይሃብካ፡
    ሓው መሲናስ ከኣ ጉልባብ ስምካ ቀሊዕካ ተስፋማርያም እዩ ስመይ እንተበልካ ነብስካ ኣክበርካ። ከመይሲ ስም ብርዕን ኣብ ቅድምካን ድሕረካን ዝልጠፍ ቁጽርን ፈለያ የብሎምን።
    ሎሚ ግን፡ በጃና! ቀለምና ክብሪ ማንም ዝትንክፍ ኣይኩን! ጫፍ ብርዕና ዝሓረየቶ ክትጽሕፍ’ዃ መሰል እንተሃለዋ፡ ክብረታ ግን ምስ ክብሪ ካልኦት ጫፍ’ብርዕታት ዝተኣሳሰረ እዩ።

    ገዛ ከፈተ ኣትዩ ንዘሎ ሓዘን ንኩልና ጽንዓት ክህበና ንኽቡር ጎይታ ነጸሉት!

POST A COMMENT