Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ፡ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ን መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ 27 ግንቦት 2018 ብክብ ዝበለ ድምቀት ዘኪሩ ዊዒሉ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎን ውጽኢት ከርተትን ጻማን ህዝብን ተጋደልትን እምበር

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ን መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ 27 ግንቦት 2018 ብክብ ዝበለ ድምቀት ዘኪሩ ዊዒሉ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎን ውጽኢት ከርተትን ጻማን ህዝብን ተጋደልትን እምበር ናይ ህግደፍ በዓል ከምዘይኮነ ብምእማን ብሓባር ኮይኑ ከብዕሎ ካብ ዝጅምር እንሆ 6ይ ዓመቱ ኣቕጺሩ ይርከብ። ኣብቲ ዕለት ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ ኔሩ።

መልእኽቲ፡ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

24 ግንቦት ክንዝክሮ ከለና፡ ዝኽሪ’ቶም ቅድሚ 70 ዓመት ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ቀዳሞት ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማሪያም፡ ሸኽ ዓበደልቃድር ከቢረን ካልኦት ሽሞም ዘይተረቑሑ ሓርበኛታትን ንምዝካር እዩ። ከምኡን ን ዝኽሪ እቶም ነዚ ሎሚ ንጽወዓሉ ዘለና መንነት ክህልወና ዝገበሩ፡ ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ንምዝካር፡ ከምኡውን፡ ነቶም ካብ 1961 ዝጀመረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰዓቡን ክሳብ ሕጂ ነታ ብንእስነቶም ዝገደፍዋ ዓዶም ከይረኣዩ ኣስታት 50 ዓመት ፍትሒ ኣብ ምድላይ ከይሰልከዩ ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዘለው ሓርበኛታት ሞጎስ ንምሃብ እዩ፡ ብተወሳኺ ከኣ፡ ነቶም ብዋጋ ዘይትመን፡ ንዘመናት ተኾሊዑ ዝነብር ታሪኽ ሰሪሖም፡ ኤርትራ ትብል ሃገር ህያው ዝገበሩ ግን ከኣ ፍረ ድኻሞም ከየስተማቀሩ ነታ ዝደኸሙላን ኣካላቶም ዝሰንከሉላ፡ ደሞምን ርሃጾምን ዘፍሰሱላ ሃገር ራሕሪሖም ኣብ ፈቀዶ ስደት ዓዲ ጓና ዘለው ተጋደልቲ ጻዕሮምን ተበጃውነቶምን ብላሽ ከምዘይነበረ ንምዝኽኻር እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ነቶም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ካብ ዝስለፉ ኣትሒዞም ክሳብ ሎሚ ፡ ንቡር ሲኢኖም፡ ካብ ደቆምን ሓዳሮምን ተፈልዮም ከም ኣራዊት ኣብ መሮር ክነብሩ ዝተቐሰቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ውጹዕ ሓፋሽ ኣብ ጎድኖም ከምዘሎ ንምርግጋጽን፡ ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ንህዝቦም ካብ ኣረሜናዊ ስርዓት ሓራ ኣብ ሙጻእ ተርኦም ንኽጻወቱ ንምዝኽኻር እዩ።

24 ግንቦት እምበኣር ናዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ባእታታት ዘጠቓለለ ኮይኑ ፡ብቐንዱ ድማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ በዓል እምበር ነዚ ሕጂ መበቆሉን ዕላምኡን ዘይፍለጥ መንሽሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ።

ታሪኽ ኤርትራ ከም መብዛሕትአን ኣብ ቲሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ድሕሪ ምኽታም ካልኣይ ኩናት ዓለም እዩ እንተ ኢልና፡ ኤርትራ ሃገር ንኽትከውን ዝወሰዶ ጉዕዞ እንተ ፈቲሽና ናይ ኣስታት 50 ዓመት ጉዕዞ ዘጠቓልል እዩ። ስለዚ እምበኣር እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘለና ታሪኻዊ ዕለት ወጽኢት ናይ ኣስታት 50 ዓመት ድኣ እምበር ምስ ምምጻእ ህግደፍ ዝተወልደ ፍጻመ ከምዘይኮነ ክንርድኦ ይግባእ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሓርበኛታት ተጋደልትን፡ ከምኡውን ነቶም ተመሊስና ዘይንረኽቦም ብሉጻት ገንሸል ሃገርን ሰማእታት ኤርትራን ልዑል ኣኽብሮት ከምዘለዎ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ህያው ምስክር እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 70 ዓመታት ዝተፈጸሙ ፍጻመታት፡ ኩሎም ታሪኽ ኤርትራውያን ስለዝኾኑ ታሪኽና እዮም። ታሪኽ ንዝቕጽል ወሎዶ፡ እንዳተኾልዐ መበገሲ መንኮርኩራዊ ምዕባለ ድኣ ኽንጥቀመሉ እምበር ኣብኡ ተነጺፍና ክንድቅሰሉን ከነስተማስነሉን እንተ ሃቂንና ተበላጽነትናን ድኻምናን ካብ ምንጸባርቕ ሓሊፉ ስድሪ ንቕድሚት ኣይከሰጉመናን እዩ። ካብ ምዝንጣልን ምቁንጻብን ነቶም፡ ልዕሊ ዝግበኦም ሃገራዊ ዕማም ዝዓመሙ ሃገራውያን ወጺእና፡ ነቲ ኣብ ግዚኡ ዝተፈጸመ ጌጋታት ኣወጊድና ነቲ ጽቡቕ ታሪኽና ድርኺት ጌርና ምስ ህልው ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ክንስጉም ምእንቲ ከኽእለና፡ ሃገራዊ መንነትናን ልኡላውነትናን ኣብ ዋጋዕዳጋ ከየእተና፡ ንህዝብና ዝጠቕምን፡ ናብ ሓድነት ዘምጽኣና ኣተሓሳስባ ክነማዕብል እቲ እንኮ ኣማራጺ ኮይኑ ንረኽቦ። በበይንኻ ምዃን ብዘይካ ን ህግደፍ ንማንም ኣየርብሕን፡ ብኣንጻሩ በበይንኻ ምዃን ኣብ ቀሊል ታርጌት ብምእታው መሳለቒ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፋይዳ ክህልዎ ኣይክእልን።

ዝኸበርኩብ ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ በይ ኤርያ፡ ሓበራዊ ስራሕ እንተ ነቐድም፡ ጉዕዞና ሓጺርን ኣድማዕን ምኾነ ፡ምኽንያቱ ጸላእትና ውሑዳት ጉጅለ ስለዝኾኑ፡ ሎሚ እምበኣር ኩልና ኢድንኢድ ተተሓሒዝና ናብ ጎዳና ሓርነት ንምርሸሉ እምበር ንወናጀለሉ ግዜ ከምዘይኮነ ተረዲእና፡ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ  ኣብ ሓደ ጽላል ኮይና፡ ነዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጭፍራ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከነወግዶ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ ሃገራዊ ጻዊዒቱ የቕርብ።

ሓርነትና ብሓድነትና ክረጋገጽ እዩ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

27 ግንቦት 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • meretse June 1, 2018

    6/1/2018
    ሳይሞን ጂ. ምንም ኣይተጋጌካን
    ኩሉ’ሎ ኣብቲ ግጥሚ ናይ ዓድን በረካን
    ________________
    የግዳስ ቁሩብ ፈይ ከብለሉ ኣብ ርእሱ
    ህዝቢ ክእከብ ንሶም ዘፍርሱ
    ጓሎም ወዶም ሓሪር ዝለብሱ
    ሩሑቕ ዝገሹ እንከይ ተበገሱ
    ብዕሪር ዝዕጣኖም እንዳ ንሕና ንሱ
    ኣምላክ ረሲዖም ን “ሰይጣን” ዘንግሱ
    ሎሚ ዘመን እከዮም ከፊእዎ
    ኣፉ ተዓጽዩ ዝብሎ ጠፊእዎ
    ገጸን መሊሰን ዎየን መድሓንቲ
    ሕልሙ ቃዲራ ሲኢኑ መላፍንቲ
    እንተ ኮነሉ ኢሉ ጸግዒ ለዋዊጡ
    ናይ ውሽጥን ደገን ተገላቢጡ
    ግብጺ እንተኮይኑ ናይ ባዕላ ገዲድዋ
    ናይ ከርሳን ደገን ዘይዓቕማ ኮይንዋ
    ሱዑዲ ዓረብያ ሃብቲ ሓቚፋ
    ብስጉምቲ ግን ንድሕሪት ተሪፋ
    ምካድ ጀሚራ ጎባ-ጎቦ
    ናይ ማእከል ገዲፋስ ሕሜት መላግቦ
    ናይ ሱዳን’ዃ ፍሉጥ ኣይኮነን
    ፍርቁ ክትምሸጥ ፍርቁ- ትቑነን
    ናይ ኢትዮጵያ ከኣ ኣይሰለጦን
    ጸንቂቁ ወዲኡ ዘፈልጦን ዘይፈልጦን
    ካብ ሎሚ ንደሓር የሎን ዝተረፎ
    ዒላ ዒሮ ምእታው ኣበይ ከይትተርፎ

    • Danilo June 2, 2018

      ሓው መረጸ፡
      ይበል!!!
      ድሃይ ጂጂ ኣብ’ቲ ሓደ ፖስት ናይ ባሻይ ኣለካ።

POST A COMMENT