Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፣ ከምቶም ሰብ ሕድሪ መብጽዓና ነኽብሮ ‘ሞ፣ ንሰብን እንዝግን ክጥዕሞ!

ከምቶም ሰብ ሕድሪ መብጽዓና ነኽብሮ ‘ሞ፣ ንሰብን እንዝግን ክጥዕሞ! ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2017፣ ኣብ መሰጋገሪ ክልተ ኣገደስቲ ዓመታት፣ መዛዘምን መጀመርያን ቃል ከስምዕ፣ እዝንኻ ክተለቅሓኒ ብትሕትና እሓተካ። 2016 መዛዘሚት ርብዒ ዘበን፣ 2017 ድማ ፈላሚት ካልእ ርብዒ ዘበን ከም ምዃነን መጠን፣ ብቕድሚ ዓይነይ ከም ሓዊ ለይቶ ውልዕ ጥፍእ፣ ብጎኒ እዝነይ ከም ጽንጽያ ዚዝ ዝብሉ ዘለዉ ግንታት ንገሊኦም ኡፍ ንገሊኦም ኡሽ እናበልኩ ይዛረብ ስለዘለኹ፣ “እንተ ዘረባ ‘ሞ ዝገደፍኩም የብልኩምን እተን ኣሓ ‘ሞ ተዘሚተን ‘የን’ ከይበልካ፣ ጽምም ኢልካ ግዜ ክትህበኒ ፍቓደኛ ክትከውን እትስፎ። ከም ኣካል ናይዚ ወለዶ’ዚ፣ ነቲ ልውህትካን የዋህነትካን ሓዋዊሱ ዝበደለካ ረዚን እዋን ክዕዘብ ዕድል ስለዝረኸብኩ፣ ዝሓሸ መጻኢ ክገጥመካ፣ ህውከትን ዓመጽን ኣብቂዑ ብሰላምን ፍትሕን ክትብረ ባህገይ ክገልጽ፣ ሰናይ ክምነየልካ እዩ ድሌተይ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበን፣ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ መብጽዕኡ እንተዝገበር ዕላል ባህግና ካልእ ምኾነ

ከምቶም ሰብ ሕድሪ መብጽዓና ነኽብሮ ‘ሞ፣ ንሰብን እንዝግን ክጥዕሞ!

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2017፣ ኣብ መሰጋገሪ ክልተ ኣገደስቲ ዓመታት፣ መዛዘምን መጀመርያን ቃል ከስምዕ፣ እዝንኻ ክተለቅሓኒ ብትሕትና እሓተካ። 2016 መዛዘሚት ርብዒ ዘበን፣ 2017 ድማ ፈላሚት ካልእ ርብዒ ዘበን ከም ምዃነን መጠን፣ ብቕድሚ ዓይነይ ከም ሓዊ ለይቶ ውልዕ ጥፍእ፣ ብጎኒ እዝነይ ከም ጽንጽያ ዚዝ ዝብሉ ዘለዉ ግንታት ንገሊኦም ኡፍ ንገሊኦም ኡሽ እናበልኩ ይዛረብ ስለዘለኹ፣ “እንተ ዘረባ ‘ሞ ዝገደፍኩም የብልኩምን እተን ኣሓ ‘ሞ ተዘሚተን ‘የን’ ከይበልካ፣ ጽምም ኢልካ ግዜ ክትህበኒ ፍቓደኛ ክትከውን እትስፎ።

ከም ኣካል ናይዚ ወለዶ’ዚ፣ ነቲ ልውህትካን የዋህነትካን ሓዋዊሱ ዝበደለካ ረዚን እዋን ክዕዘብ ዕድል ስለዝረኸብኩ፣ ዝሓሸ መጻኢ ክገጥመካ፣ ህውከትን ዓመጽን ኣብቂዑ ብሰላምን ፍትሕን ክትብረ ባህገይ ክገልጽ፣ ሰናይ ክምነየልካ እዩ ድሌተይ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበን፣ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ መብጽዕኡ እንተዝገበር ዕላል ባህግና ካልእ ምኾነ ነይሩ። እንታይ ‘ሞ ዕድልና እንዶ ተሰይሩ! ሕጂ ‘ውን፣ ብዛዕባ ፍኒስትራን ማዕጾን፣ መዛዘሚ መንደቕን ናሕስን ናይታ እንፈትዋ ኣዳራሽ ዘይኮነ፣ ገና ብዛዕባ እምነ – መሰረት ክንዛረብ ኩንታትና የገድደና ኣሎ። ። እቲ ንመሰረት ኢልና ዝዃዓትናዮ ጉድጓድ፣ እምነ-መሰረት ተነቢሩዎ ኣብ ክንዲ ዝብርኽ፣ መሰረት ከንብሩ ዝኣተዉዎ ሰባት ውሒጡ፣ መቓብር ኮይኑ። ነቶም ጀጋኑ ግን መሬት ጥራይ ኣይወሓጦምን፣ ስቕታኻ ‘ውን ውሒጡዎም እዩ። ንስኻ ‘ውን ካብ ጉድጓድ ኣይሰሓብካዮምን። ኣብ ክንዲ ከም ጀጋኑ እትዝክሮም፣ ከም እምኒ ስለዝረሳዕካዮም፣ ጀጋኑ ከምዘይብልካ መጻወቲ በጋሚዶታት ኴንካ፣ ሕድሪ ውፉያት ደቅኻ ከተለልየሉ ክሳብ ዘይትኽእል ደረጃ ባኺኑ፣ ጀጋኑ ክምዝነበሩኻ ጥራይ ዘይኮነ፣ ጅግንነት ከም ኣምር ትርጉሙ ኣጊሙካ ኣብ ዓዘቕቲ ምልኪ ተሸሚምካ ኣለኻ ‘ሞ፣ ነቲ ሰበባ ግልህልህ ኣቢልካ ጸሓይ ክትርኢ፣ መመርኮሲ ዝኸውን ተስፋ የድልየካ ‘ሎ።

 

ኣነ ከም ውልቀሰብ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ከዋሕ እዋን ህያብ ጸጋ ዝረኽቡ ሒደት ዕድለኛታት ኤርትራውያን እየ። ኣብቲ ታሪኽ ሰሪሑ ናጽነት ዘጓናጸፈካ ቃልሲ ተሳቲፈ ግን ኣይተሓንፈጥኩን፣ ኣብቲ ካልኣይ ዋጋ ዝሓተተካ ናጽነት ውዒለ፣ ግን ኣይተኣሰርኩን፣ ናብ ስደት ገስጊሰ፣ ግን ኣብ ባሕሪ ኣይጠሓልኩን። መግለጺ ዕድለይ ግን ነብሰ-ድሕነት ኣይኮነን። ነታ ኣብ ዝተቓለስኩሉ ሃገር ዝሰኣንኩዋ ሓርነት ኣብ ስደት ምስ ረኸብኩዋ ከም ዓለመይ ተዛንየ ኣብ ሰቲ ነገራዊ  ምቾት ጠቀላዕላዕ ክብል ሃነፍነፍ ዘይባለይ፣ ሕድሪ ብጾተይ ዘይምርስዐይ፣ ህዝበይ ምዝካረይ ‘ዩ ዕድለይ።  ነዚ ጸጋ ‘ዚ ንዝዓደለኒ ኣምላኽ ከኣ ብልቢ አመስግኖ።

 

ነቲ ወዲ 15 ዓመት ከለኹ “ቃልሲ ክብረት ‘ዩ ቃልስ ህይወት ‘ዩ” ኢለ ዝኣተኹዎ ቃል፣ ዋላ ኣብ ስደት ከየዕበርኩ፣ ንቓልሲ ህይወተይ ክገብሮ ምኽኣለይ ሓበን እስምዓኒ። ኣብዚ መዳይ ‘ዚ ንዘንትእለት ዘይርስዖም ባእታታት፣ ሕልናይ ተረዲኦም ብሞራልን ገንዘብን ኣጆኻ ዝበሉኒ ናይ ቃልሲ ብጾት፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ኣዴታትን ኣቦታትን ኣለዉ። ዛጊት ድሌቶም ዘይምምልኡ ወትሩ ዝሓቕየኒ ጉዳይ ኳ እንተኾነ፣ ጸሓይ ካብ ጥልቀታ ንኽትወጽእ ብዝገበሩዎ ኣበርክቶ ኣብ ኣእምሮ ሚልዮናት ብርሃን ብምውላዕ ታሪኻዊ እጃም ከምዘወፈዩ ስለዝግንዘብ ልባዊ ምስጋናይ ይብጽሓዮም። ዋላ እቲ ዕማም ካባይ ኣዝዩ ዝዓበየ እንተኾነ፣ ከም ኣካል ናይቲ ወለዶ ቃልሲ፣ መላግቦ ክልተ ወለዶታት፣ ድልድል ሕሉፍን መጻእን ክኸውን ዝነበረኒ ድሌትን ባህግን ዘይምዕዋቱ፣ ኣብ መንጎ ‘ቲ ናጽነት ኣምጺኡ ጅግንነቱ ዝረስዐን ንስደት ከም ፍታሕ ወሲዱ ናጽነት ክርከብ ዘይከኣለን ወለዶታት ጋግ ምፍጣሩ ግን ብዓቢኡ ከም ውልቃዊ ፍሽለት እይርእዮ። ዳግመ ስርርዕ ገይረ፣ ከይተሓለልኩ ከዐውቶ ምዃነይ ድማ በዚ ኣጋጣሚ መብጽዓይ አሐድስ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ናብ ቀንዲ ትሕዝቶን ክምለስ እምብኣር፣  እዚ ንሎሚ ወስ ከብሎ ዝደሊ ትዕዝብተይ ካብ ናይ ቃልሲ ዕድል ዝፈረየ ደኣምበር፣ ንማለቱ ዘሰሓየን ኣጻብዕቲ ዝጸሓፈኦ፣ ዘረባ ዝመቀራ መልሓስ  ብተሃበር ዘወጽኣቶቃል ኣይኮነን። ተረፍ ናይቲ ልበይ ከም ሰፍነግ ጸሚቜ ንሓያለ ዓመታት ክህበካ ዝፈተንኩ ምጽምጸ እዩ። እንተደሊኻ ክትሰትዮ፣ እንተጸሊእካ ጡፍ ክትብሎ ምርጫኻ እዩ። እንተ ኣነ፣ ዋላ መዲድ ኣብ ዝሓባእካሉ እዋን፣ ሰላሕ ኢለ መዲድካ ኣልዒለ ባርያኻ  ስለዝኾንኩ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ ዝርካቡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታተይ፣ ቀያሕቲ መስመራት ኣዋዲደ፣ ምእንቲ ሓድነትካን ልዑላውነትካን ካብ መትከለይ ነቕ ከይበልኩ፣ ከይተንበርከኽኹ፣ ከይጃጀኹ፣ ከም መብጽዓይ፣ ኣብ መዓላኡ ስለዘውዓልኩዎ፣ ሕልናይ ቅሱን፣ ድቃሰይ ዓሚቝ እዩ። “ሞት ከም ኣዳም” ዘብል ኳ እንተዘይኮነ፣ በታ ዝዓቕመይ ናይቲ ዝተቐበልኩዎ ሕድሪ መብጽዓ ፈጺመ እየ። ድሕሪ ደጊም፣ ሳላ ‘ቲ ዝተጓንጽነፍኩዎ ሕልናዊ ዕግበት፣ ዋላ መዳራጋሕ እንተሃመመ ክንቕንቐኒ ዓቕሚ የብሉን። ሎሚ ‘ውን እዚ ሕልናዊ ርውየት ንኻልኦት ከይኣመትኩሎም ስቕ እንተይለ ሕልናዊ በለጽ ከይቁጸረለይ እየ ነዚ ሓድሽ ዓመት ኣመኽንየ ኣፍ ዝኸፍት ዘለኹ።

እዛ ካብዚ ዘይትጸበናዮ ተረኽቦ ተበጊሰ  ከመሓልፈልካ ዝደሊ ዘለኹ ምሕጽንታ እምብኣር፣ እቲ ሕድሪ ዝተቐበለ መብጽዕኡ ክገብር እተዘኻኽር እያ።  ሕድሪ ክትደጋገም መቸም ሰሚዕካያ እንዲኻ፣ መብጽዓ ‘ውን ማዕሪኣ። እንተኾነ፣ መብጽዓ ክትግበር ከምዘይረኣኻ ርግጸኛ እየ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ እቲ ጸገም ናይቶም ሰብ ሕድሪ ኣይኮነን፣ ናይቶም ሰብ መብጽዓ እዩ። እዚ ጉድ’ዚ ካብቲ ኣብ ርእስና ፍሒርናዮ ዘለና ጉድጓድ ወጺኡ ሓቁ እንተዘይተቓሊዑ ህይወትና ለውጢ ኣይክህልዎን እዩ። ኣብ ድርኵዅት ናይዚ ሓድሽ ዓመት፣ ኩልና ኤርትራውያን ፈለማ ብዓይኒ ሕልና መምስ ነብስና ተዛሪብና ብመንጽር መብጽዓና ነብስና ክንፍትሽ፣ ኣስዒብና ምስ ብጾታትና ክንመኻኸር፣ ካብኡ ቀጺልና ምስ ህዝብና ክንዘራረብ ግዴታና እዩ። መብጽዓና ብዘየገድስ፣ ኣረጊት ዓመት ኣፋኒኻ ሓዳስ ዓመት ብርሺ ክትቅበል ምንባር እንተሊሚድናዮ ግን ሕሰም ኣይክመንወናን እዩ። እቲ ንዘይንቡር ከም ንቡር ለሚድካ፣ ኣብ ዓንኬል ሕሰምን መግዛእትን ሕምቢልል ክትብል ናይ ምንባር ኣመል ክስበር ኣለዎ። ኣብ ዓለም ከለና፣ ካብ ዓለም ወጻኢ ክነበር የብልናን፣ ምስ ዓለም ክንጓዓዝ ኣለና።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሕሰቦ ‘ሞ፣ ንድሕሪት 100 ዓመት ተመልስካ ታሪኽካ እንተጸብጺብካዮ፣ ብዘይካ ሃለኽለኽ፣ ጥምየት፣ ኵናት ሞት፣ ኣበየናይ ዘበን ኢኻ ሩፍ ኢልካ ዓሪፍካ እትፈልጥ። እንሆ እንዶ ሕጅስ፣ ድሕሪ ‘ቲ ሓጺር ሕጽኖት ሓዳር ከይወጻእካ፣ ኮሊልካ ኮሊልካ ነቲ ኣብ ዘበን መግዛእቲ ጥልያን ኣብሓጎታትና ዘሕለፉዎ ዘበን ‘ትርቡሊ’ ኣብ ዘበነ ናጽነት ብመንእሰያት ደቅኻ ብዝኸፍአ ናይ ውርደትን ስደትን መልክዑ ተመሊስካዮ። እዝስ ሃየንታ ዶ ኣይኮነን!?

ኣበ ዓለም ከለኻ ኣብ ዓለም ከምዘየለኻ ክትፈልጥ፣ መዘኻኸሪየይ ኣይከድልየካን ‘ዩ። ነተን ደቀን ክርእያ፣ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዘይኮነስ፣ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኳ በጺሐን ዝምለሳኻ ዘለዋ፣ “ እንታ ከማና የለን እናበሉ ብቴለቭዥን ልብና ደፊኖሞ እምበር፣ እቲ ከማና የለን ‘ሲ ‘ባ ብድሕረትን ድኽነትን ማለቶም ‘ዩ” እናበላ ኣፈን እናረምጠጣ ንዘዕልላኻ ኣዴታት ኤርትራ ስምዓየን።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ሱዳናውያን ናብ ሓራ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ይሕከሙ ከምዘይነበሩ፣ ኣብ ግዜ ናጽነት ናብቲ ደቅኻ ናብ ምጥፋእ መሬት ሰሃራን ሲናይን ዶላራት ከፊሎም ዝሓለፉሉ ሱዳን እናኸድካ ዶላራት ከፊልካ ትሕከም እናሀለኻ ‘ሞ፣ ነቲ  “ብሕክምና ብሉጻት ኴንና፣ millennium development goals ቅድሚ እዋኑ ብምውቃዕና ብዓለም ተናኢድና” ዝብል ጃህራ ዋጦት እንታይ ክምጕተሉ።

እቲ ንሓያለ ዓመታት ብምድግጋም ዝኣክል ኣፍና ደም ዘውጽኣና፣ ዝዓበየ ሕቶ ልዕልና ሕግን ፍትሕን፣ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሰብኣዊ መሰልን ‘ሞ ይጽንሓልካ፣ ነቲ ክትውዕል ክትሓደር ዘድልየካ ዕለታዊ ጠለባት ከማልኣልካ ዘይከኣለ ስርዓት ከም መንግስቲ ምጽዋርካ ክሳብ ክንደይ መንጸሮር ኮይኑ ኣእምሮኻ ኣዘናቢሉዎ ከምዘሎ ዶ ምርዳእ ከይጠፍኣካ?

ኣብ ወርሒ ሰሙን ክልተ ሰሙን ጥራይ ልቺ ዓዲሎም፣ ናይ ዘይተጠቐምካሉ መዓልታት ጸብጽቦም ናይ ወርሒ ምሉእ ክፍሊት ክሓቱኻ ከለዉ “ኣይፋል ናይ ክንድዚኣተን መዓልታት እየ ዝኸፍለኩም” ኢልካ ኣብ  ክንዲ ምጽብጻብ፣ ወዮ ምጥፋእ ልቺ ለሚድካዮስ ሰለስተ መዓልቲ ኣጥባቓ መብራህቲ እንተመጺኣትካ ‘ኳ፣ ግቡእካ ብምርካብካ ኣብ ክንዲ እትሕጎስ፣ “ወይለይ ሎምስ እምበር ዶ ገለ ኣይሓሰቡልናን” እናበልካ ናብ ምጥርጣርን ፍርሕን ምውራድካ ንባዕሉ፣ እታ ልቺ ጥራይ ዘይኮነ ልብኻ ‘ውን ጠፊኡ ከምዘሎ ዝእምት እዩ።

ኣብዚ መልእኽቲ ‘ዚ ብኣኻ ጀሚረሉ ዘለኹ ምኽንያት፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መዓት ስለዝተቐበልካዮ ኣጣጢሑ ምህላዉ ምእንቲ ክስቆረካ ኢለ ‘የ። እምቢ እንተትብሎ፣ ኣብታ ዝወደቐላ ሰዓት ከም ኩዕሶ ነጢሩ ወይ ናብ ልቡ ወይ ናብቲ ናይ ሸይጣን ገረቡ ምተመልሰ ነይሩ። መቸም፣ ብሰንኪ ምጽማምካ ሸይሸይ ይብለልካ እናሃለወ፣ “ሳላ ምጽማምካ፣ ሳላ ብቕዓት መሪሕነተይ ኮይኑልካ፣ እምባሕ በል” ክብለካ ኸሎ፣ ላግጺ ምዃኑ ኣበይ ከይጠፍኣካ? ብውሑዱ እታ ብሪጋ ተረኺባ ኣብ ስድራ ዝተባጽሐት ባኒ፣ ትንፋስካ ዘሐሉ ‘ምበር እምባሕ ዘብል ሓይሊ ዶ ሃይልዩዋ!

ኣነ ዝገርመኒ፣ “ ባኒ ተሳኢኑ፣ ኣገልግሎት ኤለትሪክ የለን…” ወዘተ እናተባህለ እቲ ስርዓት ክንቀፍ ከሎ፣ “ተጋደልቲ ሓንቲ ባኒ በሊዖም እንድዮም ዝውዕሉ ነይሮም፣ ብጸልማት እንድዮም ዝጓዓዙ ነይሮም” ዝብሉ ክትሰምዕ ከለኻ፣ እሞ ድማ ብሃልቱ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ልቺ ጠፊኣቶም ዘይትፈልጥ፣ ባኒ ስኢኖም ዘይፈልጡ ክኾኑ ከለዉ እዩ። እዞም ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ኣብ ስደት ዝረኽቡዎ ዘለዉ ምቹእ ናብራ ንህዝቦም ኣብ ክንዲ ዝምነዩ፣ ድሕሪ 25 ዓመታት ናጽነት፣ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ፣ ብዛንታ ዝሰምዑዎ ከርፋሕ ናብራ ተጋዳላይ ክምነዩሉ ኸለዉ ደምን ሕልናናን ዘይብሎም ተበለጽቲ ምዃኖም ‘ዩ ዝበርሃልካ። ናጽነት ደኣ ‘ሞ እንታይ ዲዩ ትርጉሙ፣ መለሳ እቲ ከርፋሕ ናብራ ጥዑም ህይወት ምስትምቓር ዶ ኣይኮነን። ከም ሞሳ ናይዚ ብዋጋ ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ክዕቍቡ ዘዘውትሩዎ ሕልና ኣልቦነት፣ ኣብቲ ጀጋኑ ተመቝሖምሉ ዘለዉ መሬት፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ድኻን ውጹዕን ህዝቢ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እቲ ስርዓት ንዘእንግዶም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ፍዮሪ ብዘይ ሕፍረት ክቕበሉ ምርኣይ እሞ ኸኣ ዘስደምም እዩ።

ብሓጺሩ ክርአ ኸሎ፣ ነዚ ኣብ ልዕሌኻ ወሪዱ ዘሎ ዓመጽ ተዘራርዮም ክዉን ዝገበሩዎ ጉጅለታት በብምድቦም ክረኣዩ ከለዉ፣ መንቀልቲ (ዓመጽቲ) ደገፍቲ፣ ተቐበልቲ፣ ተዓዘብቲ፣ ተጸበይቲ፣ ተቓወምቲ ተባሂሎም ክግለጹ ይኽእሉ።

መንቀልቲ፣ እቶም ዓመጽትን ጨቆንትን ብቐንዶም እዮም። ነቲ ዋጋ ኣሽሓት ደቅኻ ዝኸፈልካሉ ናጽነት፣ ምእንቲ ግበታ ስልጣን ናብ ባርነት ዝለወጡዎ ክሓድያን። …ወረ መላጉም ኮምፒተርና ደኣ ኣይተኣዘዘናን እምበር፣ እቲ ብኢደ ወነኑ ዝነገሰ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ንዝተሰውኡሉ ናጽነት ካብ ኣፍ ህዝቢ መንጢሉ ናብ መግዛእቲ ንምቕያር ዘኽእል ሓይሊ-ክፋእን ውዲትን ዘለዎ፣ ሓደ ስሱዕ ክነሚን ውልቀሰብ፣ ኢሳይያስ እዩ። እታ ኻልእ መማቕርቲ ውልቀምልካዊ ዕንደራኡ ዝጥቀመላ መጋበርያ እያ።

ደገፍቲ፣ ኢሳይያስ ልብን ርእስን እናጸልጸለ ንዕኡ ከም ዝሰማምዑዎ ከም ውሻል ጸሪቡ ዘዋደደዶም፣ ተረፍ መረፍ ናይቶም ምሳረ-ስልጣኑ ከይሰብሩሉ ፈሪሑ ኣብ ማሕዩር ዘሕቅቖም ዘሎ ጀጋኑ እዮም።

ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ፣ ፍዮሪ ጥራይ ዘይኮነ፣ እንታይ ስለምንታይ ከይበሉ ናይ ዘይወዓሉዎ ኵናት ማዳልያ ካብ ምቕባል ሕፍር ዘይብሉ፣ በብምኽንያቶም ምስኣቶም ዝተኣሳሰሩ መሰነይታ ‘ውን ኣለዉዎም።

ተቐባሊ፣ ናይዚ ስቓይን ውርደትን ዝመልኦ ኣደራዕ ውልቀመኣኽነት፣ ንስኻ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕልኻ ኢኻ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ብተደጋጋሚ ከምዝተገልጸ፣ እቲ ስርዓት፣ ብዝተፈላለዩ ረቀቕትን ዓጸቕትን ሜላታት ማሕለኻታት ፈጢሩ፣  ብዓቢኡ ድማ ናይ ዓስከር ሕብረተሰብ ከምእትኸውን፣ ከምእትልእም ገይሩ ናይ ምቅዋም ዓቕምኻ ከምዘዳኸሞ ርዱእ እዩ። ይኹን’ምበር፣ ኵናት ባዕሉ ከም ዝጀመረ ምስ ተኣመነ፣ “ደቅና ብላሽ ኣጥፊእካዮም” ኢልካ ኣይወጠርካዮን፣ ኣሽሓት ደቅኻ ኣብ ሰሃራን ሲናይን ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛን ክሃልቁ ኸለዉ “ይኣክል” ኣይበልካዮን፣ ኣብ ዓዲ ኣቤቶን ሹቕን ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ክርሽኖም ከሎ ኣብ መንጎ ደቅኻን ጠበንጅኡን ደው ኣይበልካን፣ ቅዋም ሞይቱ ክብለካ ኸሎ፣ ንስኻ ‘ባ ሙት ኢልካ ኣይገዘትካዮን።  ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ምስናይ እዋናዊ ኣብነታቱ ዝጠቕስናዮ፣ ዋላ በቲ ዝተሓተ ደረጃ ነዚ ርኡይ ዓመጽን ውጽዓን ተጻዒድካ እንተዘይትቕበሎ፣ ኢድካ ክጥወ እንተዘይተፍቅድ፣ እንተገደደ ጥሩፍ ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ ሰዓታት ይኣክል ኢልካ በተግ እንተትብል፣ ብሓይሊ ዝመልከካ፣ ዘምበርክኸካ ሓይሊ ኣይምተረኽበን።

ተዓዘብቲ፣ እቶም “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና” ኢሎም፣ ነቲ ሃገራዊ ጉዳይ ከምዘይረኣዩ ዕሽሽ ኢልካ ናይ ምርኣይ ልኡምነት ዘማዕበሉ ዜጋታት እዮም። እዞም ጎሪሕና ክብሉ ንሕማቕን ጽቡቕን መሪቕካ ምሕላፍ ከም ናይ ምንባር ሜላ ዝወሰዱዎ ሰባት ግን፣ ዋላ ኣብ ርሑቕ ስደት ሰፊሮም ክርስዑ እንተደልዩ፣ ካብ ግዳይነት ውልቀምልኪ ዘምልጡ ኣይኮኑን። ከም ሰቦም ብመዓታት ናይቲ ውልቀመላኽነት ዝፈጠሮ ጅምላዊ መቕዘፍቲ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይን ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ተተንኪፎም፣ ቤተሰቦም ከድሕኑ ኣሽሓት ከፊሎም፣ ኣብ ልቕሶ ሞት ኣሕዋቶም ዝርንዛሕ ነቢዖም እዮም። እቲ ተመንዩዎም ቀስብቐስ ዝገደፉዎ ግብሪ ስደተኛታት 2% ‘ውን፣ በቲ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ዝመሃዙዎ ጥበብ ምቕያር ባጢራ ናቕፋን ካብ ምንቅስቓስ ዕዳጋ ወጻኢ ብሓይሊ ዘጽንዑዎ ዘይሚዛናዊ ሸርፍን ብ 3-4 ሚእቲ ዶላር ንወርሒ ስድርኦም ዝናብዩ ዝነበሩ፣ ወርሓዊ፣ ልዕሊ ሽሕ ናቕፋ ክሕውሉ ተገዲዶም ስለዘለዉ፣ ብተዘዋዋሪ ካብ 2% ዘምለጡ ኳ እንተመሰሎም 20 ሚእታዊት ይኸፍሉ ኣለዉ። ተተሓሕዚካ ኣብ ድኽነት እዩ ነገሩ። እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ‘ውን ኣንዊሕካ ዝተኣስረ ደርሆ ህግደፍ እዩ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ።

ተጸበይቲ፣ እቶም ንለውጢ እናበሃጉዎ፣ ተጠቃምነት ለውጢ እምበር ለውጢ ኣብ ምምጻእ ናይ ምግባር ግዴታ ከምለዎም ዝዝንግዑ፣ ኮበርታ ተኸዲኖም ውዒሎም ኣብ ዝጠዓሞም ሰዓት ርእሶም ገንጺሎም፣ ኣብ ድፋዕ ኮምፑዩተር ኮይኖም ካልኦት ንዝገበሩዎ ስራሕ ይንኣስ ይዕበ ዘካፍኡን ዝዋራዘዩሉን “ደቂ ዓይኒ መዓር” እዮም።

ተቓወምቲ፣ ተጠርኒፎም ኣድማዕቲ ተቓወምቲ ክኾኑ ‘ኳ ዘይበቕዑ ንነብሶም ከም ተቓለስቲ እናጸውዑ፣ ብወንጭፍ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓይሊ ከምዘለዎም ንነብሶም ኣእሚኖም፣ ህዝቢ ከደናግሩ ዝደናደኑ ቤትጽሕፈት ዘይብሎም ብኣፎም ልቸንሳ ቃልሲ ክዕድሉ ዝውዕሉ፣ ንምልኪ ምቅዋም ጥራይ መተካእታ ምዃን ዝመስሎም፣ ሃገራዊ ናይ ለውጢ ራእይን ስትራተጂን ዘይብሎም፣ ኣብ ጓል መንገዲ ክይድ ዝነበሩ እዮም። ድሌቶም ንለውጢ ኣውንታዊ ኳ እንተኾነ፣ ንሱ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን።

ኩላትና ኤርትራውያን ነብስና እንተሓኺኽና ኣብዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ኣበየናኦም ከምእንምደብ ክጠፍኣና ኣይክእልን እዩ። ኣብዚ ሓድሽ ዓመትን መፈወንታ ርብዒ ዘበንን እምብኣር፣ ብዘይካ ‘ቶም “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ካብ ዝብሉ ዓመታት ዘቕጸሩ ኮነ ኢሎም ንጥፍኣትካ ዘንቀዱ መንቀልቲ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ጨቆንቲ፣ እቶም ደገፍቲ፣ ተቐበልቲ፣ ተዓዘብቲ፣ ተጸበይቲ፣ ተቓወምቲ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ደው ክንብል፣ ነዚ ሓድሽ ዓመትን ዝኸውን ሓድሽ መብጽዓ ክንኣቱ ሓላፍነት ኣለና።

መቸም እዚ ኣብ ደገ ዘሎ ተቓውሞ ብቐደሙ፣ ብጅኦግራፍካውን ስነኣምሮኣውን ምኽንያታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ሞራልን ደገፍን ናይ ምሃብ ተኽእሎ ደኣምበር ወሳኒ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከምዘይኮነ ርዱእ ነገር እዩ። እናሓደረ ድማ፣ ባዕሉ ተሰማዕነቱ እናጎደለ ውሱንነቱ እናጕለሐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ‘ውን እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ወሳኒ ሓይሊ ነቲ ናይ ግዳም ደገፍ ከም ተወሳኺ ተጠቒሙ ከምዘፍረየ ጭቡጥ ተመክሮ ‘ሎ። እቲ ሓቂ እዚ ስለ ዝኾነ እምብኣር፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ ስደት ለውጢ ክሕወለሉ ክጽበ የብሉን። ኩሉ ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ተገንዚቡ፣ ክዕጠቐሉ እዩ ዘለዎ። ካብዚ ብምምጋስ፣ ኣብ መዘኻኸሪየይ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ፣ ብፍላይ ድማ ነቶም መሓወር ኮይኖም ነቲ ዓማጺ ስርዓት ዘሳልዩዎ ዘለዉ ከም ውሻል ዝጠቐስናዮም ቀንዲ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከተኵር።

ኣንቱም ናይ ትማሊ ጀጋኑ ናይ ሎሚ መጋበርያ ምልኪ ኴንንኩም ዘለኹም ኣውራ መሓወር ኢሳይያስ፣ ርእሲ ናይ ዘይብሉ ስርዓት ኢደ-እግሪ ብምዃን ንርእስኹም ኣብ ሓዊ ትኣትዉ፣ ህዝብኹም ትብድሉ ከምዘለኹም መቸም ኣይጠፍኣኩምን እዩ። እንተኾነ ግን፣ በዚ ኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመትን መፈለምታ ርብዒ ዘበንን ኢደ እግርኹም ካብ ሓዊ፣ ህዝብኹም ድማ ካብ ጥፍኣት ከተድሕኑ ሕሹኽ ክበልኩም ፍቐዱለይ። እዚ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዝኣመነኩም ህዝቢ እትፍጽሙዎ ዘለኹም ወጽዓ፣ ብዓይኒ ሕልና፣ ብዓይኒ ሓላፍነት፣ ብዓይኒ ክዉንነት፣ ብዓይኒ ታሪኽ፣ ብዓይኒ መብጽዓ ከቶ ኣየምሕረልኩምን እዩ ‘ሞ፣ ልብን ርእስን ኣብቍልኩም፣ ኣብ ክንዲ ውሻል ሓደ ውልቀመላኺ፣ ዓንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኩኑ።

ብዓይኒ ሕልና ክርአ ኸሎ፣ ኣብ ልዕሊ መብጽዓኹም ፈጺምኩሞ ዘለኹም ጥልመት ዘደቅስ ኣይኮነን። ትርጉም ናይዚ ኣበሃህላ’ዚ ንምፍላጥ ንኻልኦት ሰባት ምናልባት ጻዕሪ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል። ንዓኻቶም ነዞም፣ ከም ተጋደልቲ ምእንቲ ሓርነትን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ኣሽሓት ውፉያት ብጾትኩም ዝቐበርኩም፣ ከም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍትን ገሊኦም ኣስማቶም ኳ ከይፈለጥኩሞም ጥይት ቀዲማቶም ዝተመልዓሱ፣ ኣሃዱታትኩም ንግዚኡ ተኻርዮመን ብመስዋእቲ ዝሓለፉ ኣሽሓት ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ፈቐዳኡ ጎልጎልን ኩርባን ኣብ ምልክት ዘይብሉ ጎዳጉዲ ኤርትራ ሓዲግኩምዎም፣ ኦርኒኮም ኣብ ሳንጣኹም ሒዝኩሞ ዝኣተኹም ግን፣ ነቲ ሕልናዊ ስቅያት መዘኻኸሪ ኳ ክትደልዩሉ ኣይግብኣኩምን እዩ።

ሕሰቡዎ ‘ሞ፣ እቶም ንጉሆ ንጉሆ ሰሪዕኩም “ለበዋ ጀጋኑ፣ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ዝረረጋገጽ ኣሰሮም ምስዓብ እዩ” እናበልኩም ንዘቕረብኩምሎም ሕድሪ ከምዘለዎ ከይጨረሙ ከይሸርመሙ ስለዝተርጎሙዎ፣ እኳ ደኣ ሕልናኦም ወሲኾም ስለዝተወፈዩሉ ‘ኮ እዩ ናጽነት ኤርትራ ተረኺቡ። ንሳቶም ሕድሪ ክፍጽሙ ኸለዉ ናጽነት ንምሕላው ዝኣተኹሞ መብጽዓ ደኣ ‘ሞ ኣሰሩ ኣበይ ኣሎ? ንምዃኑ፣ ነዚ ሕድሪ ተጋዳላይ ሓሺሹ ዝድቅስ ርኹስ ሕልና ኸ ካበይ ኣምጻእኩሞ!

ድሮ ረሲዕኩሞ ንተጋዳላይ፣ ነቲ ሳላ መስዋእቱ ህይወትኩም ዘስረረ መዘና፣ ሓላፍነት ምስ ጀመርኩም ብተወፋይነቱ መሳልል ኮይኑ ጥርዚ ዘውጽኣኩም ጅግና፣ ፈጻም- ቅያ ክንሱ ስምኩም እንክጽዋዕ ጓይላ ተኺሉ ዝበለኩም ዮሃና፣ ነቲ ውሕሉል ኣብ ኵናት፣ ምቕሉል ኣብ ህይወት፣ ጠስሚ ሕብረተሰብ ጸብለል ዝበለ ኣብ ጥርዚ ኣኽራናት፣ ርግኣቱ ዘይለወጠ ኣብ ቁሪ ኣብ ሙቐት!። ኣንቱም ሰባት፣ ኣበይ ከ ረኸብኩምሉ ዕዳጋ፣ ነቲ ሕልና ’ቲ ዝመዛዘን ዋጋ? ምእንቲ ህዝቢ ተወፊኹም ኣብ ንእስነት፣ ኣብ ጎኒ ተጋዳላይ ብእምነት፣ ሕጂ ትምብርከኹ መኒንኩም ስብእነት፣ ኪዳን ኣልቦ ኴንኩም ሸየጥቲ ቀለቤት፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ  ውልቀመላኽነት! ትሩፍ ዘይትብሉዋ ደቀይ ነዛ ቀላል ህይወት!

ብዓይኒ ክዉንነት ከ እንታይ መሕለፊ ኣለኩም? ዕጫ ናይቶም ብኢሳይያስ ተተመዝሒቖም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ጀነራላትን ሚኒስተራትን ሓደ መዓልቲ ክበጽሓኩም ከምዝኽእል ኣይስቆረኩምን ዶ? ሕማቕ ዕድል ማእሰርትን ሞትን እንክበጽሓኩም ከ፣ ከምቲ ንስኻትኩም ዘይሓተትኩሙሎም፣ ሰብ ከይሰምዓኩም ኣፍኩም ብኢድኩም ከዊልኩም “እዚ ሰብኣይ” እናበልኩም፣ ኣይ ምርቓ ኣይ መርገም ዝዓይነቱ ላንጋላንጋ ሕሜታ ከም እተዘውትሩዎ፣ ከምታ ኢድኩም ከምዘይዛነበርኩም፣ ክርስዓኩም ከምዝኽእል ከ ኣይትሓስብሉን ዶ? ዘክሩዎም እሞ ንብዓል ሸሪፎ፣ ወዲ ሰለሙን፣ ድሩዕ፣ ብርሃነ ገረዝጊሄር፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ እቲ ነዞም ኣርካናት ዘጋጠመ፣ ኢድኩምን እግርኹምን ዝሓወስኩሙሉ ጥልመት እንተኣጋጢሙኩም ከ፣ ካብ ሰብን ካብ ታሪኽን መን ቁሊሕ ክብለኩም ኢልኩም ትሓስቡ!?

ከምቶም ንገለ ዕጥቆም ኣውሪዱ ንገለ መዝነቶም ገፊፉ ጃለ ገይሩ፣ ንልዕሊ 10 ዓመት ኣደስኪሉ ምናምን ንምግባሮም ስነኣእምሮኣዊ ቅንጸላ ዘካይደሎም ዘሎ ብጾትኩም ከይትኾኑ ኸ እንታይ ውሕስነት ኣለኩም? እቶም እሱራት ኳ ተኸዊሎምልኩም ኣለዉ፣ እዞም ክንደይ ቁምነገር ዝገበሩ ሃገር ኣብ ምህናጽ ‘ውን ኣበርክቶ ክገብሩ ዝነበሮም ኣሽሓት ድስኩላት ኣብቲ ጎደና ክትረክቡዎም ከለኹም ከ ንምዃኑ እንታይ ኢኹም ትብሉዎም? መኪናኹም ኣንሂርኩም ከምዛ ዘይረኣኹም ዲኹም ረጊጽኩሞም ትሓልፉ ዋላስ “እዚ ሰብኣይ እንድዩ” እናበልኩም ኢኹም ተመኻንዩሎም? ኣንቱም ሰባት ነዚ ሓደ ሰብኣይ ኳ ክኸውን ዘይከኣለ፣ ባዕልኹም ሽሕ ሰብኣይ ዝገበርኩሞ ስብእነትኩም ከተረክቡዎ ከለኹም ክሳብ ክንደይ ነብሰ- ክብርኹም ተጥፍኡ ከምዘለኹስ ይርድኣኩም ደኾን ይኸውን?

ንምዃኑ ኣብ ማእሰርቲ እቲ እኩይ ከይበጻሕኩም፣ ከምቶም መዓልቲ መዓልቲ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክትቀብሩዎም እትውዕሉ ዘለኹም፣ ናይ ኣምላኽ ዲዩ ናይ ስሚ ኣማውታኦም ከይተመርመረ ተፋንኑዎም ዘለኹም ብጾትኩም፣ ስድራቤትኩም ከይተላበኹም ዓለም ከተርክበኩም ከም እትኽእል ከ ኣይስወጠኩምን ዶ?

ኣንቱም ሰባት፣ ግዜ ወርቂ እዩ። ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዘኽብሮ ግን፣ እንተዘይጌርካሉ ዝገብረልካ ምዃኑ እዩ ‘ሞ፣ ከይቀደመኩም ቀድሙዎ፣ ሕልናኹም ኣንጽሁ።

ኣነ ክዛረበኩም ዝደፈርኩ፣ ካባኻትኩም ስለዝለበምኩ ኣይኮንኩን፣ ናይ ቃልሲ ኣያታተይ፣ ምሁራትን ምኩራትን ኢኹም። ሓለፋይ ነጻ ኮይነ ክዛረብ ዕድል ምርካበይ እዩ። እምበር፣ ንኽፋእ ኢሳይያስ ካባይ ንላዕሊ ከምእትፈልጡዎ፣ ገሌኹም በዚ ጉዳይ ‘ዚ ካባይ ንላዕሊ ከምእተስተንትኑ፣ “ኣንታ ነዚ ዲና ተጋዲልና፣ ጀጋኑ ብጾትና ቀቢርና” እናበልኩም፣ ኣብ ውሽጥኹም ማዕበል ሓሳባት ክገላበጥ ከምዝሓደር ኣይጠፍኣንን። እንተኾነ፣ ጉዳይኩም ንዓኹም ጥራይ ዘይኮነ ንለባም ጸሓፋይ ‘ውን መዋጥር ኮይኑዎ ‘ሎ። ጠላማት ከይንብለኩም ታሪኽ ጅግንነትኩም ክካሓድ ዝከኣል ኣይኮነን። ጀጋኑ ከይንብለኩም ከኣ ሕጂ እትፍጽምዎ ዘለኹም ጥልመት ዕሽሽ ክብሃል ኣይክእልን ‘ዩ። ኩልና ክንቀስን፣ ልዕሊ ኹሉ እቲ ኣሚኑ፣ ቅድምን ደሓርን ደቁ ካብ ማህጸኑ ዘቝቑ ዘረከበኩም ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎ፣ ዓንኬል ሕሰመ-መዓቱ ተሰይሩ ሩፍ ክብል፣ ኣብዚ ሓድሽ መዋእል ሓድሽ ህይወት ክጅምር ሓግዙዎ።

ኢሳይያስ ኢድኩም ደም ጸይቑ ክሳብ ሞት ምስኡ መታን ደው ክትብሉ፣ ከተማውቱዎ ኣብ መጻወድያ ዘእተወኩም እንተሊኹም ‘ውን፣ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ፈራዳይ፣ ሰብ ቀቲሉ ዝተኣመነ ካብኡ ናብኡ ድማ ምድንጋጽን ንስሓን ዘርኣየ ዝሸላሸለሉ፣ ህዝቢ ‘ውን ሕድገት ከምዝገብር፣ ሕልናዊ ቀውስኹም መዋጽኦ ከምዘለዎ ክትገንዘቡዎ ይግባእ። መቸም ከምቲ ዘይወግሕ ለይቲ ዘየለ መሬት ምእንቲ ርእሳ ኢላ ክትወግሕ እንድያ። እንተኾነ፣ እታ እትወጽእ ጸሓይ ኣብ ክንዲ ብመጋርያ የዕጽምቲ ብመጋርያ ዕንጨይቲ ክትኵላዕ ኸላ እዩ እቲ ንቡር። ህልቂት ዜጋታት፣ ምብትታን ህዝቢ፣ ምብራስ ሃገር ደው ንምባል፣ ብርግጽ ካብ ሎሚ ትማሊ ምሓሸ፣ ካብ ጽባሕ ከኣ ብርግጽ ሎሚ ይሓይሽ ‘ሞ፣ ኣብዛ ሓድሽ ዓመት፣ ካብታ ናይ ኢሳይያስ መጻወድያ ወጺእኩም፣ “እንታ እንታይ ኢና ክንገብር ጸኒሕና” ኢልኩም ምስ ነብስኹም ተዛረቡ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምቲ ፈለማ ዝበልናዮ፣ እቲ ጥፍኣት ብቐንዱ ናይ መንቀልትን ዓመጽትን ኳ እንተኾነ፣ ንስኻ ‘ውን ነቲ ኩነታት ብምቕባል ከምዝሓገዝካዮ መጠን፣ ሓድሽ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሓድሽ መንፈስ ከምዘድልየካ ኣይትረስዕ። ንግደፎ ‘ሞ ነቲ መላእ ህዝቢ፣ እንተ ብተቓውሞ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብምኽንያት ሃይማኖት፣ ብፖለቲካ፣ እንተ ብኣጽንሓለይን ሓደራን ናይ ዝተኣሰሩ ኣሽሓት ኤርትራውያን ግዳያት ስድራቤታት ጥራይ ኳ ብሓንሳብ “ደቅና ኣበይ ኣለዉ፣ ስለምንታይ ተኣሲሮም፣ እምቢ!” እንተዘብሉ፣ እዚ ምልካዊ ስርዓት ንሓደ ለይቲ ደው ክብል ኣይምኸኣለን። እንተኾነ፣ ናይ ህዝቢ ብሓፈሻን ስድራቤትን ገዲፍካ፣ እቲ ስርዓት እቶም ተኣሲሮም ዝወጽኡ ‘ኳ ሕድገት ክገብሩሉ ምርኣይ ለሚዱ ስለዘሎ ዘሎ ‘ሸቢዑ’ ናብ ንዕቀት በጺሑ ‘ሎ። ካብዚ ግጉይ ተመክሮ ‘ዚ ተማሂርካ መጻኢ ሃገርን ወለዶታትን ብዘውሕስ ምዙንን ብሱልን መንገዲ ኣብ ለውጢ ክትሳተፍ ሓላፍነት ከምዘለካ እምብኣር ክትዝክር ይግባእ። ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት መቸም ኢሳይያስ መን ምዃኑ ሓበሬታ ዘይረኸበ፣ ዘይበርሃሉ ሰብ የልቦን። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ እምብኣር፣ እቶም ደገፍቲ፣ ተቐበልቲ፣ ተዓዘብቲ፣ ተጸበይቲ፣ ተቓወምቲ እንታይ ገደሰንን በለጽን ሓዲግና ሓደ ብምዃን ከም ህዝቢ መንነትና ብተግባር ምምስካር፣ ቀጻነት ሃገር ምርግጋጽ እዩ።  ናይ ሓባር ራእን ቃልስን ምስ እነሳላስል ኢና ናይ ሓባር ለውጥን መጻእን እንጓናጸፍ። እቲ ዝኸበረ ማዕድን ኣብቲ ዝዓሞቜ ባሕሪ ሓምቢስካ እዩ ዝርከብ’ሞ፣ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ንምርግጋጽ ኣብ ዝበረኸ ጥርዚ ተወፋይነት ተሰቒልና ከም ጽሓይ ብራቕ ነቲ ሓላል ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ንኹኖ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት

ምልኪ ይፈረስ  ሕጊ ይንገስ!

ዎ ደሓንኩም።

ኣማኑኤል ኢያሱ

31 ታሕሳስ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Gezae January 1, 2017

    This is not a New Year a democratic change message. This piece conveys a really disappointing message of mud sticks propaganda that despised PIA. In additional if anyone associates with him, the mud will stick to him/her/them Hence this is tactically spiral of isolation that neutralizes and sends a chilling warning to those who might follow in that person’s path only.
    Here we get to know mainly is that diaspora media reports is tending to be politically meager, misleading and biased; And their such incomplete knowledge leads to misunderstanding and prejudice. Hence, I would like to say that regardless the distrust between the Eritrean government and so called opposition and besides the ideological differences, the asymmetric media problem is another main cause that really lets the diaspora media group/s appears as hypocritical and arrogant.

    • k.tewolde January 3, 2017

      Gezae,you need to correct the language between a cartel,a clique,and a junta and a government.There is no governance in Eritrea,instead there is an armed territorial cartel which wipes out anything and anybody who encroaches into its dining room with the exception of woyane of course. Find yourself in the above six classifications of Amanuels article and scratch your head and make positive steps to change your stance instead of trying to make us hug a porcupine.

      • Gezae January 3, 2017

        K.Tewelde
        Happy New Year and Merry Christmas to you and the Assenna foundation group
        First before we jump to oppose each other I wish to have a common or general know how what is a government means. Here my response is a government is a group of people that governs a community or let’s say unit. Hence as we all understand/agree a government sets and administers or enforces public policy, exercises executive, political and sovereign power through customs, institutions, and laws within a state. For your knowledge thus a government is the system by which a state or community is controlled.
        However, forms of government, or forms of state governance, refers to the set of political systems and institutions that make up the organization of a specific. Thus, a government can be classified into many types. For instance a government can be democratic, republic, monarchy, aristocracy, and dictatorship are just a few. As you have mentioned the junta, clique, and what so ever are all the behaviors of formation of a government.
        For example- military junta is a government led by a committee of military leaders. A history teach us the term junta derives from the Portuguese and Spanish languages junta means committee, specifically board of directors. But in course of times it becomes a military dictatorship though the terms are not synonymous.

        • k.tewolde January 3, 2017

          The point? did you find yourself anywhere in the above article? if you didn’t,you are still sleepwalking like ruth said.

    • ruth January 3, 2017

      What are you trying to say, Gezae? Are you sure you are not sleepwalking?

      • Gezae January 4, 2017

        ruth

        I believe ideas, information and analysis are important sources of political persuasion and power. I believe in the power of democratic ideas; well-off interests wield political influence by affecting the way others look issues. Because they influence how we look at – how we see political issues, what problems are considered important, and which policies are considered justified. Those are a vital form of ammunition in political fights for democratic reform and long term democratic change. But the analysis in this article is not fair. The ideas and analysis are old as usual anti-government campaign, chronicles the ability to funnel hate politics – and those interests with more hate pay more times as well as attentions.

        • ruth January 4, 2017

          When I read you first comment I could tell you were trying to appear what you were not. But I was not sure as to what that all that was. Now I know. You are someone who blindly supports the dictator yet does not want to be seen as one. Let’s leave the why aside and just say, no wonder nothing Mr. Emanuel Eyassu says makes sense to you. As you are someone who would willingly call the dictator a saint even when you see him killing God, whatever this brilliant journalist and writer writes or says is either false, wrong or downright unfair to you. You are someone who chose to sleepwalk. However, I am gonna tell you something. Go back to school and learn English or use other languages for god’s sake!. You know, pfdj had one thing going for it in the past-it had people who were good with words because it needed to con people. Not anymore if it has to use agents like you. who are confused and simply dump. Stop insulting our intelligence and tell monkey I said so.

          • Gezae January 5, 2017

            Is your response for me dear? if yes
            1. I wish better to be PIA’s government supporter than a member or sympathizer of impassioned group/s
            2.. if any one whether Amanuel or some body else says or writes as you illustrated either false, wrong or downright; no doubt her or his idea is unfair.
            3.No body insulted your intelligence you are what you are; more or less your reaction speaks louder; you are.emotional child’s play person
            4. who are you after all call upon to monkey. Please know your status.

  • ruth January 3, 2017

    This message may have been produced to shake us from our slumber when welcoming the new year but it undoubtedly is the best summary of the last 25 years and our way forward if we want to keep as a country in the future. As insightful and as brilliant as ever Mr. Emanuel! You indeed are a national pride.

  • bekit January 3, 2017

    Thank you, Brother. This is like the most timely message when it comes to our people and our country.. I love it.

  • Danny January 3, 2017

    Oh my God! Now I know why many cannot stand you. You have guts. You are one brave dude, man! Cowards don’t like that shit. You are as honest as they come, too. Amazing! That is a combination a few possess and many fear. Simply explosive! Wow

  • Kaleb K. January 3, 2017

    Long live Assenna!

POST A COMMENT