Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

መልእኽቲ  ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ -  March 2019   ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝበዓለሉ ጊዜ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራና ኣህጽር ኣቢለ እንሆ ክዛረብ’የ። ቅድሚ ናብኡ ምእታወይ

መልእኽቲ  ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ –  March 2019

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝበዓለሉ ጊዜ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራና ኣህጽር ኣቢለ እንሆ ክዛረብ’የ። ቅድሚ ናብኡ ምእታወይ ግን ሓፈሻዊ ታሪኽናን ቃልስናን ዓወትናን ንሕናስ ይትረፍ ክፈልጦ ዝደሊ ህዝቢ ዓለም ዝፈልጦ’ኳ እንተኾነ  ብኣይ ወገን ሓንሳእን መወዳእታን ክጠቅሶ’የ። ስለምንታይ ነቲ ሐቀኛ ታሪኹ ብኸፊል ጥራይ ዝፈልጥ፡ ካብ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርናን፡ ማእሰርትን ሓሰራ መከራን፡ ንቡር ዘይብሉ ሞትን ንስክላ ወጺኡ ክሓልፈሉ ያኢ ናብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ተሰዲዱ፡  ኣድማዒ ጥሙር ማሕበረ ኮምን – viable community centers – ካልእ ነገራትን ብዘይምህላው ቀላይ ኮይንዎ ኣደዳ ሕሱር ሽቅለትን ማዕረ ቅትለት ነብስን ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ምእንቲ ተስፋ ክገብርን፡ ክታባብዕን፡ ክላዓዓልን ኢለ’የ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ትገልጾ እንተተባህለ ህዝቢ ኤርትራ ቅኑዕ፡ ኣማኒ፡ ፈተው ስራሕ  ተሓጋጋዘይ፡ መሰል ሰብሲ ይትረፍ ብመስል እንስሳ ከይተረፈ ዝሕሎ ስርዓተ ሕጊ ተመሪሑ ዝነብር ኳዕናን ህዝቢ እዩ። እወ ብዘይካ እግዚኣቢሄር ፍጹም ሰብ ፍጹም ህዝቢ ዝባሃል ኣብ ዓለም የለን። ድኽመታት ክህልወና ይኽእል’ዩ፡ ብሓፈሻ ኣዛራርባ ግን ህዝቢ ኤርትራ ባህርያቱ እዚ ዝገለጽክዎ እዩ።

ኩላትና ከም ንፈልጦ ቅድሚ Industrial Revolution ዓለም  መነባብሮኣ ማሕረስ’ዩ ነይሩ። ኣፍሪቃ ናብ ዘበናዊ መነባብሮ ግዚኣ ወሲዳ ከይተሰጋገረት ብካብ ስግር ባሕሪ ዝመጹ ወረርቲ ተጎቢኣ ከም ጉዚ ብዕራይ ተጓዛዝያ። ጣልያን መጺኡ ኤርትራ ዝብል ስም ቅድሚ ምሃቡ እቲ ህዝቢ ንኣማኢት ዓመታት ዝተቀመጠ ተዋላሊዱ ዝመጸ እዚ ሕጂ ዘሎ ህዝቢ ንሱ’ዩ። ጥልያን መንእሰያትና ኣብ ሊብያ ወሲዱ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ኣብ ንዕኦም ዘይምልከት ኩናት ነቍቱ ግደ መስዋእትን ስንክልናን ገይርዎም። ኮይኑ ግን ሰንኪሎም ዝተመልሱ ኤርትራውያን መንግስቲ ጥልያን ኣይፈልጠኩምን’የ ኣይበሎምን፡ ናይ ጥሮታ ደሞዝ ነይርዎም። ጥልያን እትው ምስ በለ ግብሪ ከኽፍል ጀሚሩ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ዘይብሉ ህዝቢ ሕግን ስርዓትን ግን ኣይተንከፎን። ካልእ ዓቢ ነገር ዝገብሮ ዘመነዊ ምዕበሌ ብሙሉእ ሓይሉ ምትኣትታው’ዩ። ናብራ ሓረስታይ  ኣይማሓየሸ እምበር ንሙሉእ ኤርትራ ዘራኽብ ጽርግያታትን መንገዲ ባቡርን፡ ከተማታታን ሰሪሑ። ኣብ ኣስመራ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ኮይኑ፡ ኣብ ምጽዋዕን ከረንን፡ ንእስ ዝበለ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ድማ ክሊኒካት ገይሩ። እንጂነሪታት ጣልያን ይንበሩ እምበር፡ እቲ ስራሕ ብኤርትራውያን እዩ ተሰሪሑ። ኤርትራዊ፡ ትጉህ ሰራሕተኛ፡ ንፍልጠት ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቅበል፡ ኣብ ፍትሒ ዝተመርኮሰ ባህሉን ስነ ስርዓቱን ጥልያን ዘምሃሮ ፍልጠት ዘይበለሎ’ዩ። እንጊሊዝ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ጥራይ ከይኮነ ኣብ ገጠራት እውን መባእታ ቤት ትምህርትታት ከፊቱ። እዚ እንታይ ንኽብል’የ መግዛእቲ ኩሉ ጊዜ መግዛእቲ’ዩ ግን እዞም ዝሰመኽዎም ገዛእቲ ጽቡቅ ነገር ውን ነይርዎም ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ህዝቢ ብኣገባብ ዝመረጾ መንግስቲ ኣቁሙ፡ ጽቡቅ ባህሉ ኣደንፊዑ፡ ሰረቱ ዝኾነ ሃይማኖታቱ ኣኽቢሩ ተኻባቢሩ፡ ድሑር ባህልታትን ጸላኢ ንምግዛእ ክጥዕሞ እቲ ዱሩዕ ስልማትና ዝኾነ ኣውራጃታትናን ሰረት ህዝቢ ዝኾነ ሃይማኖታትና መልኽዑ ለዊጡ መፋላለይ ዝገበሮ ካብ ሱሩ መሰረቱ ምሕዩ፡ ሕረስ ሐረስታይ ንገድ ነጋዳይ ኮይኑ ወላዲ እፎይ ኢሉ ዉሉዱ ኣምሂሩ ርእሶም ክኢሎም ህዝቦም  ዘግልጊሉ ሓድጊ ገዲፉ ናብ ኣምላኹ ክኸይድ፡ ሃገር ናይ ደቃ እምበር ኣብ  ዳግማይ መግዛእቲ ከይትወድቅ ንሰላሳ ዓመታት፡ ዝኣክል ሃይ ከይበለ ተጋዲሉ። ክንደይ ብክልተ ሓዊ  እናተበልዔ ንብጾቱ ኣሕሊፉ ከይህብ ብሕሱም ምቅጥቃጥ ኣብ ኢድ መርመርቲ ተሰዊኡ፡ ክንደይ ሓዳር ተበቲኑ፡ ክንደይ ስድራ ቤታት ፋሕ ፋሕ ኢሉ፡ ክንደይ ቆልዓ ዘኽቲሙ፡ ድኽነትን ስድትን ሳዕሪሩ፡ ክንደይ ኣግራብ በሪሱ፡ መሬት ሐውሲ ምድረ በዳ ኮይና።  እግዚኣብሄር ይመስገን ግን፡ እቲ ህዝቢ ሓቢሩ ኢድን ጓንትን፡ ማይን ጸባን ኮይኑ፡ እቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጀሚራ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝደምደመቶ  ብረታዊ ቃልሲ፡ቃልሲ ህዝቢ ኣብ 1991 ልዕሊ 60 ሽሕ መንእሰይ ከፊሉ ብዘደንቅ ኣገባብ ተዓዊቱ፡ ኣብ 1993 ድማ ዓለም ብወግዒ ልኡላውነት ኤርትራ ተቀቢላቶ። ኢርትራ ዶባታታ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ሓንሳእን መዋዳእታን ናይ ኤርትራውያን ኮይና። ድሓር ግን ዝኣመንክዋ ድሙስ ተምጽኣለይ ተመን ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሰቦ ረኺቡ፡ ሕሱም ጥልመት ተጠሊሙ። ኢሳይስ ኣፈወርቂ ንድፈር ኣለና ተወሪርና ምስ በለ፡ እቲ ከም ብሌን ዓይኑ ዝርእያ ሃገሩ፡ ዳግማይ መስዋእቲ ክኸፍል ንቅጽበት ኣትዩ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘይተራእያ ዓይነት ውግእ ገጢሙ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ 30 ዓመታት ዝተሰውኤ መንእሰይ ተሰዊኡ!!  ከምዚ ንሙኮሮ ዘለና፡ ገዛእቲ ተዳማሚሮም ዘይገብርዎ ኢሳያስ ኣብ ብርቱዕ ስቃይን ውርደትን፡ ማዕረ ምጽናትን ኣብጺሑና። ልቡ ብሓጎስ እናወቅዔ ድማ፡ እዚ ኩሉ ሓሳረ መከራን መስዋእትን ዋጋ ትብሃል ከይሃቦ፡ ከብድኻ ዝቀርጽ ዝርእስኻ ዘዝውር፡ ክትኣምኖ ዝሽግረካ “ኣይከሰረናን” ኢሉና። ኢሳያስ እምበርዶ ኤርትራዊ’ዩ ዝብል ሕቶ ተደጋጊሙ ይሕተት እዩ፡ ኣቲ ሕቶ ግን ንሱ ኣይኮነን። ኢሳያስ እምበርዶ ሰብዩ ኢኻ ትብሎ።  እቶም ከም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ነጻነትና ክንመልሳ ዝግባኣና ዝጨወይዋ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ኤርትራ፡ ባሕራ እምበር ሰባ ኣየድለየናን ዝብሉ’ኳ፡ ከምዚ ኢሳያስ ህንጻታት ክይስራሕ ብዓል ስሚንቶ፡ ሑጻ እምኒ፡ ሉሕ፡ ውዘተ ከይረብሕ፡ ትካላት ብህግደፍ ዝዉነና እንተዘይኮይኑ ካልኦት ነጻ  ኮይነን ስርሔን ክይሰለስላ ሰብ ከይሰርሕ ኣብ ድኽነት ክኣቱ፡ ብስልቲ ካብ ዓዲ ከም ንወጽእ ኣብ ምጽናት ከም ንኸይድ፡ ካልኦት ክዕንድርሉ ክውንንዎ ዓድኹም ገዲፍኩም ኪዱ ኣይበሉናን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኹሉ ስቃይን ጥፍኣትን ማዕረ ንልኡላውነትና ዘስግእ ኢሳያስ በይኑ ምስ ጉጅልኡ ኣይገበሮን፡ ክፉእ ዝገበረን ክፉእ እናርኣየ ስቅ ዝበለን ክልቲኦም ገበነኛታት ከም ምዃኖ መጠን ንሕና’ውን ከም ህዝቢ ኣብቲ ጥፍኣትና ኣበርኪትና ኢና። ከምኡ ድማ ዓቢ ገበን ነቲ ንእሽቶ ገበን ከምዘይገበን ከም ዘይገብሮ ክንግንዘብ ይግባኣና። በብእዋና በብሕቲ ይኹን በብጉጅለ ተቃውሞና ጊሊጽና ፡ ግን ብሓደ እዋን ጥርንፍ ኢልና ያዕ ክንብል ኣይከኣልናን። ውጉእ ግናይ’ዩ እዚ ናይ ናይ ሰላሳ ዓመታት ውግእ፡ ባህሊ ምናልባት ነቲ እዋኑ ኣገልጊሉ ክኽውን ይኽእል፡ ግን ብዙሕ ካብኡ ንሰላም ጊዜ ፊጺሙ ዘየምዕር፡  ካብ ጽቡቅ ባህልታትና ባሕጉጉዩ።  “ብፍቅሪ ሓንቲ ዓተር’ኳ ተማቂልካ ትብልዓ” ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ሓንቲ ዕላማ ሒዙ፡ ማይን ጸባን ኮይኑ ቅያ ዝሰርሐ ብሓፈሻዊ ኣዛራርባ ኣብ ብሕታዊ ጠቅሚ ኣትዩ።  እዚ ኣጽናቲ ስርዓት ተጋዳላይ ሓድ ሓድ ህዝቢ ዝቅበሎ ሐለፋታት ተገይሩሉ፡ ኣብ ሰላማዊ ናብርኡን ሰርሑን ክንዲ ዝኸይድ፡ ከይትማሃር፡ ጥሮታ ከይትወስድ ከይትዛረብ ምስ ተባህለ፡ ስንኩላን ምስ ተረሸኑ ሞራሉ ወዲቁ። ንስኻ ሃገርካ፡ ንስኻ ህዝብኻ ከም ዘይኮንካ  ንዝቃላስ እንታይ ገደሰካ፡ እንታይ ገደሱኪ ኮይኑ። እዚ ዘየገደስካ ድኣ እንታይ ከገደሰካ’ዩ።  ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ እቶትካ ከይከፈልካ፡ ብግብርን ብኣፍን ያዕ እናበልካ ስርዓተ ኢሳያስ ብጎረርኡ ኣብ ክንዲ ምሓዝ፡ ብዘይካ እቲ ካልእ ምኽንያታት ስድራይ ክሪኦም ይደሊ’የ  ንብረተይ ከይትንከፈኒኒ ኢልና ኣብ ክንዲ ጠቅሚ መላእ ህዝቢ ነቀውድም፡ ጠቅሚ ግዝያዊ ብሕትና መሪጽና። ወረ መን’ዩ ዓዲ ዘይፈቱ፡ መን’ዩ ወላዲኡን ቤተሰቡን ክርኢ ዘይደሊ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ክንደይ ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኣብ ኣስመራ ንብረት ዘለዎ? እቲ ሰላሳ ዓመታት ዝተቃለስናሉ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ማንም ዘይብደለሉ፡ ዘሎን ዝመጽእ ወለዶታት ፍትሒ ዝነገሶ ሰላማዊ ናብራ ንምንባር’ዶ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ምርሳዕ ከይዱ ኣብ ኣስመራ ገዛ ምውናን ዳርጋ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዕማማት ክይኑ። ዒብን ፍትሕን፡ ፍቅርን እንተዝሃሉ 10 ኣስመራ ምገበርና፡ ማለት ኩለን ክተማታትና ከም ኣስመራ ምገብርናየን። ሓረስታይ ሃገርና ከም ሓረስታይ ኣመሪካን ኣውሮጳን ምኾነ። ብዘይ ምግናን ኣብ ገማግም ባሕርና ሰብ ከከም ዓቅሙ ንዕረፍቲ ዝጥቀመላ ጎጆ መስርሔ። እዚ ክብል ከለኹ፡ ድሕሪ ነጻነት፡ ንርእሱ ገንዘብ ክገብር ዘይኮነስ ስድራቤታት ክድብስ፡ ንህዝቢ ክሕግዝ ሃገር ክሃንጽ ኤርትራዊ ምስ ተመክሮኡ፡ ፍልጠቱ፡ ትሕዝትኡ ዓዲ ኣትዩ፡ ምስራሕ ምስ ሰኣነ  ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ’ዩ። ግን ኩላትና ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል ፈጺምና ኣቋሪጽና ፍፍቆትና ቁርጥም ኣቢልና፡ ናይ  ይጥቀም ኣይጥቅም ጥሪት ነገር ሸለል ኢልና፡  ሓፈሻዊ ረብሐ ህዝብና ኣቀዲምና ሓቢርና ነቲ ኣጽናቲ  ስርዓት እንተንምክቶ፡ ኣብዚ ዕንወት እዚ ምስ ጓሂኡን ውርደቱን ኣይምወደቅናን  ኔርና ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ፡ ደቀይ፡ከምቲ ኣቀዲመ ዝጠቀስክዎ፡  ኩሉ ዝብሎ ሕጂ ንሕና ኢርትራውያን ብኣካልን ኣብ በበይኑ መድያታት ንዛረበሉ ዘሎና’የ ዝደግም ዘለኹ፡ ጌጋና ተኣሚንና እቲ ካብ ዕንጭይቲ ሓሊፉ ናብ ሓጺን ተሊዊጡ ዘሎ ልብና ኣረስሪስና ናብ ፍቅርን ድንጋጽን ናይ ቀደምና  ተመሊስና፡ ነቲ ሓጎሱ ምቁጽጻር ሲእኑ ብዘሕፍር ኣገባብ ልቡ ዝወቅዕ ዘሎ ህያብ ውሃቢ ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ ነቲ ዘይሃስስ ድልየት ናይ ቀደም ገዛእቲ ኢትዮጵያን ከሓጉስ ዝጽዕር ዘሎ ዶክቶር ኣብይ ኣሕመደ ተቀባሊ ህያብን፡ ብስተራጂካዊ ኣቃመምጣ ሃገርን  ጎበልል ባሪኾሞ ዘለው ውዕላት ኣፍሺልና ነዚ ጸልማት ግመ ካብ ሰማያትና ቀንጢጥና፡ ዶብና ሓንጺጽና፡ ልእላውነትና ኣረጋጊጽና፡  ኣብ ህንጸተ ህዝብናን  ሃገርናን ክንኣቱ ብዝያዳ  ከታባብዕ ኢለ’የ ብሕልፊ ንመንእሰይ። እንታ’ዩ ዝባሃል በዚ ዓዲ a blessing in disguise – ክፉእን ይመስል ውሽጡ ጽቡቅ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢልና ንተርድጉሞ። እዚ ናይ ኢሳያስ ሰይጣናዊ ውዲት ምስ ዶክቶር ኣብይ  መጸቢቅና ኮይኑ እስማዓኒ።  ድሓር ድማ 60/70 ዓመታት ኣብ ዕድመ ወዲ ሰብ ነዊሕ’ዩ ዳርጋ ኩሉ እውን እዩ፡  ኣብ ህይወት ሓንቲ ሃገር ግን ኣዝዩ ሒደት’ዩ። ስለዚ እዚ ኳዕናን ህዝቢ ኤርትራ ሰረት ኣሎዎ፡ ናይ ጥርናፌ ተበጉሶታትና እናደንፋዕና ከም  በርቂ ምቅልጣፍ ጥራይ’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ። ኣብ መእተዊ ዘረባይ ኣብ ዝኽሪ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቅ እንስትዮ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራና ክዛረብ’የ ኢለ ነይረ።

ኩላትና ከም ንፈልጦን ነድንቆን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ መሪር ቃልሲ ተርኤን እዝዩ ልዑል እዩ  ነይሩ። ኣዴታት ኣብ በራኻ ደድሕሪ ደቀን ከይደን፡ ኣብ ዓዲ ክመጹ ከለው፡ እቲ ዝነበረን መግቢ ግዓት ኣብ መታሕት፡ ቅጫ ምስ እንጣጥዔ ሽሮ ኣብ ከበሳ፡ እናሃባን መሳርያታት ኣብ ሰንቀ እናሓብኣ፡ ብሕልፊ ኣብ ከተማታ ድማ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኮይነን ሓቤሬታት እናሃባ፡ ኣደዳ ምእሰርቲ ኮይነን ማዕረ ተረሺነን እየን። እወ ኣባላት ሓፋሽ ዉድባት ኮይነን ከም ዘይሓልፍ  ኣገልጊለን፡ ኣብ ሜዳ ድማ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ብረት ዓጢቀን፡  ምስ ጸላኢ ተጣማጢመን ሰንኪለንን ተሰዊኤን።

ኣዴታት ኣብ ወጻኢ እንዳ ሃብታማት እንዳሰርሐ ኣብ ዓዲ ዝነብሩ ስድራቤተን ጠዊረን ማዕረ ወርቀን ሸይጠን ድማ ገድለን ኣደንፊዔን።  ዓዲ ምስ ተረኽበት ኩሉ ከፊእዎ ኣይከም ደቀንስትዮን ግን።

ደቀን ዝተሰውኡውን ኣዴታት፡ ደቅኽን ኣይሞቱን ንዕላማ እዮም ተሰዊኦም ከይተበኽያ ተባሂለን፡ ዕልል ኢለን የፋንውኦም እምበር ሞት ዉሉድ ኣይርኤ ወላዲ ይባሃል እኮ’ዩ። ብወግዒ ከይበኽያ ሐዘነን ኣብ ከብደን ኣጉሉ። ሐዘን ዘስዕቦ ሕማማት ምስ ዕድመ ምድፋእ መግለጺ ኣይድልዮን’ዩ።

ብዙሓት ኣብ ሜዳ ተመርዕየን ዝወለዳ ተጋደልቲ ሰብኡተን ንዓታተን ምስ ደቀን ራሕሪሖም ምስ እግረን ዘይነቅዔ፡የእዳወን ዘይተጎረ፡ ጸጉረን ጎተና ዘይኮነ ተኣኪቦም፡ ኣይ ትምህርቲ ቀጺለን፡ ኣይ ብዓቅመን ጥዑይ ስራሕ  ረኺበን፡ ገጸን ብማዳ ተለቢጡ፡ ኣቦታቶም ዝራሕርሕዎም  ቆልዑ ሒዘን ኣደዳ ጓህን፡ ሕሰምን ኮይነን። እተን ኣብ ወጻኢ ዝነበራ ኣበርክቶኤን ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስክዎ ኣዴታት ኣብ ሽምግልንኤን ሓይለን ምስ ተጸንቀቀ መእተዊ ዘይብለን ዕረ እንዳጣዓመን ናብ ስደተን ተመሊሰን።

መንእሰያት ኤርትራ ኣብታ ዝጉቡዝላ መሪሕነትን፡ ፍቅርን ማዕዳን ወለዶምናን፡ ቆላሕታ መማሃራኖምን ጠቅላላ ህብረተስብን ዘድልዮም እዋን ንሳዋ ይሰድዎም። ጓል ኣንስተይቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሙዃና ጥራይ ንኹሊ ዓይነት ጸገም ዝተቃልዔት’ያ። ሰበ ስልጣን ሳዋ ከም ዕዳጋ ጤለበግዕ ይጓስስዋን፡ ይጋሰስወን፡ ግህሰተ ክብሪ ንጓል ኣንስተይቲ ዳስ ተኺልካ ዘይብከዮ ሞት’ዩ። ምስዚ ኹሉ ውርደት ድማ ከም ኣወዳት ኣሕዋተን ማይ ዝተጀልሔት ዓድስ እናበልዓ ኣሕሎቅ ኣብ ዝመደቡለን  ሐውሲ ባሮት ኮይነን ይሰርሓ – ጀርዲን ኣሎ ዝኹስኮስ፡ ዝሙንቀስ ዝትከል፡ ገዛዉቲ ኣሎ ዝስራሕ፡ ባህርያዊ ሃብቲ ሀገር ማዕድናት ኣሎ ዝጉሕጓሕ!  –  ካብ ሳዋ ክሃድማ ተመርዕየን ሰብኡተን ኣብ ሳዋ ተሸኺሎም፡ ደቀን ከዕብያ ማዕረ ርእሰን ኣብ ምሻጥ ኣትየን። ሽማግለታት ኣዴታት፡ ደቂ ሳዋ ዝኸዱ ደቀን ማልት ደቂ ደቀን ከዕብያ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣግሂደንን ተሓቢኤንን ለማኖ ኮይነን።

ኣብ ሳዋ ከለዋ ወይ ክሃድማ ኣብ መንገዲ፡ ክዕምጽወን መጺኦም ነብሰን ክከላኸላ ኤደስ ኣለና ከይንልክመኩም እንተበልኦም ምኽንያት ምዃኑ ፈሊጦም ንሕና እውን ኤይድስ ኣለና ኢሎም እንስሳዊ ስርሖም ይፍጽሙ።፡  ኣብ ሱዳን ኣብ ስደት ኣቡኡ ዘይፍሉጥ ቆልዓ ሒዘን ኣብ ዘስካሕክሕ መነባብሮ ወዲቀን። ገለ ዕድል ዝገበራ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ሐጊዞመን። እብዚ እዋንዚ – ትንክፍክፍ  ኣቢልና ኣብ ምርሳዕ  ኬድና ዘለና ኣብ ልብያ ርድኡና ዝብሉ ዘለው ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን እዮም።

ደቂ ተባዕትዮ ሰብ ሓዳር፡  ኣቦታት ቆልዑ ኢሂባ ኣመት ንብረትና እሂባ ትካላት ክንገብር ኢሎም ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ንዓዲ ኣትዮም ብዘይ ሕንከት ንኣሽቱ ኣዋልድ ደቆም ዝኾና ብሩህ መጻኢ ዕድል ዘይብለን ወጻኢ ክኸዳ ሃንቀው ዝብላ ይእክብወን፡ ይወልዱለን። ምጥዓም ምስ ሰኣኖም –  ናይ ደቆም ሕማቅ ኣብነት ሙዃኖ ከይሓሰቡሉ –  ናብ ዝራሕርሕዎ ሓዳሮምን ደቆምን ይምለሱ። ገለ ኣንስቲ ገጽኩም ክንርኤኩም ኣይንደልን ኢና ይብለኦም ገለን ከኣ ዕረ እንዳጣዓመን ይመልስኦም።  እተን ትምህርተን ወዲኤን ስራሕ ሒዘን፡ ዘምሃርወን ስድራ ቤተን ሓጊዘን ብፍቃደን ተመርዕየን ብህዝቢ ከቢረን ክነብራ ዝመነያ ዝነበራ ኩሉ ምስ ተዓጽወን ኣብ ኢድ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣዛብእ ወዲቀን። ብዘይሓሰብኦ ኣብ ንኡስ ዕድመኤን እኳ እንተወለዳ፡ ኣደ ኣደ’ያ ዉላዳ ኣይትድርብና’ያ ኣብታ ብኹላ ቤት ማእሰርቲ ዝኾነት ሃገር፡ ብድኽነትን ውርደትን ኣይነበር ይነብራ ኣለዋ። እተን ኣብ ወጽኢ ኣመሳሚሶም ገዲፈዎሙወን ዝኸዳ ድማ ክድዓተን በሰልኡ ኣይገድፈንን’ዩ። ወዮ ድርብ ጭቆና ደቂ ኣንስትዮ ከኽትም ዝተባህለስ  መግለጺ ዘይብሉ ድርብርብ ጭቆና ኮይኑ!!

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ክቡራት ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ቁጽሮም ውሕድ ዘይኮነ ንስሙ ሰብ ሓዳር፡ ከምዚ ዝዘርዘርክዎ ክገብሩ ከለው፡ ብዙሓት ሰባት ድማ፡ ንብኢሳይሳ ምስ መራሕቲ  ህግደፍ ሰዓብቱን ጠለምቲ ከሓድቲ ክብልዎም ከለው፡ ነዞም ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ድማ “ኣንታ እንታይ ንርኢ ኣለና እንታይ ምጾታት እዩ” ይብሉ። ካብቲ ሓባራዊ ጥልመትን ጭቆንን  ስቃይ ጓል ኣንስተይቲ ይስምዖም። እዚ ክብል ከለኹ ካብ ጥጥቆ ጥረ ካብ ስርናይ ድማ ክርዳድ ኣይሳኣንን’ዩ። ተረፍ ሲናይን መዲተራንያንን ደቀን ኣብ ከም ባዓል እስራኤል የርብሕ ኣየርብሕ ደሞዝ ረኺቦም ንስድኦም ሓገዝ እናሰደዱ ንባዕሎም’ውን ተጣዒስና ኢሎም ፈሪሞም እናኣተው ገለ ኣዴታቶም ድማ “ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ ዝብላ መርዛም ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ኩሉ እንትንኤን ዝሸፈነን ኣለዋና። ህዝቢ ኤርትራ ኳዕናን ዘብሎ ፍሉይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ባህሉን ጭውነቱን’ዩ።  እታ ወሊዳ ዘዕበየት፡ ኣደ፡ እታ ውላድ ካብ ማህጸና ኣይኹን እምበር ናይ ኣደ ስራሕ ሙሉእ ዕድሜኣ ዝሰርሔት እታ ዘይሕለላ ሓላይት ሓፍቲ ትዋረዳሉ ሃገር ሃገር ኣይኮነነትን። መንዩ ካብ ሰብይቲ ዘይተወልደ፡ መን’ዩ ኣደይ ዘይብል መንዩ ሓፍቱ ዝጸልእ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ, ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ ህዝቢ ዝውንኖ ናይ ገዛእ ርእስና መንግስቲ ምእንቲ ክንተክል ክንድዚ ዋጋ ከም ዘይከፈልና፡ ልብና ተሪሩ ካብ ዕንጨይቲ ናብ ሐጺን ተለዊጡ ንማእሰርትን፡ ድኽነትን፡ ድንቁርናን፡ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ደቅናን፡ ክፉእ ኣማውታን ከም ንቡር ምቅባልናናን፡ ምፍልላይናን፡ ኣብ ምንታይ ዓዘቅቲ ከም ዘእተወና ሪኢናዮ ኣለና። ብሽምግልንኡ ዝተሰከፈ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ፍቅር ያሸንፋል እናበለ፡ ጠመትኡ ኣብ ባሕርና  ገይሩ ልኡላዊት ሃገርና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክድምራ ዝጎይ ዘሎ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሙሉእ ሓላፍነት ሂብዎ። ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ እዚ ሰይጣናዊ ኣታሓሳስባዚ ንዓና ኣብ ምጥርናፍ የኺደና’’ሎ። ስለዚ ይዕበ ይንኣስ ገጌታትና ተኣሚንና፡ ሕማቅ ዝገበረን ሕማቅ እናተገብረን ስቅ ዝበለን ክልቲኦም ገበኛታት ከም ሙዃኖምን ዓቢ ጌጋ ነቲ ንእሽቶ ጌታ ዘይጌጋ ከም ዘይገብሮን ኣሚና ናቱ መስርሕ ዘለዎ ይቅሬታ ይቅረ ክንባሃሃል ኣለና። ንኻልእ ይቅረ ክትብል ብርእስኻ ይቅረ ምባል ክጅመር ኣለዎ።  “ዋይ ኣነ ተጋግየ’ባ” ኢልካ ኣብ ጓሂ ኣንተኣቲኻ፡  ሰላም ኣብ ህዝብኻ ልምዓት ኣብ ሃገርካ ክተብርክቶ ዝጽበየካ ዘሎ እጃም ከተወፊ ከቢድ’ዩ። ዓቢ ዕማም ከተሳላስል ኣኣሞሮኻ ነጻ ክኸውን ልብኻ ድማ ፍቅሪ ህዝቢ ፍቅሪ ሓቂ ክዕብልሎ ኣለዎ፡  እግዚኣቢሄር ፍቅሪ’ዩ እውን ይባሃል እዩ።

እወ ንቀልጥፍ ድኣ እምበር ስቃይናን ውርደትናን ክነኽትም  ህዝቢ ይላዓዓል ኣሎ፡ እቲ ዝብጽሔ ድምጺ ግን ናይ ደቂ ተባዕትዮ እዩ።   ከምዚ ስፈ መኾምብያ ይኹን መበልዒ ቁርሲ ጻዕዳ ላኻ ጥራይ ከይክውን ኢልካ ቄሔ ጽልሚ ውስኽ ተብለሉ፡ ንሕና ድማ ኣብ ኩሉ ኣኼባታት ኣብ ኩሉ ንሃገር ዝምልከት ጉዳያት ቅሔ ጽልሜ ኢና፡ ኣለዋና መበሊ ጥራይ መበሊ ዘለና ኮይኑ እስምዓኒ።

ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ሃየ እምበኣር ኣብዚ ምጥናፍ፡ ሓደነት ናይ ዓወትና ዋና ረቋሒ ኣብ ዝኾነ ኣሚንናሉ ዘሎና እዋን ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ዓደምቲ እምበር ተዓደምቲ ኣይንኹን። ፍቅሪ ህዝብኻ ተርእዮ ዕላማና መትከልና ከምዚ’ዩ።ነዞ ኣጽናቲ ስርዓኣት ክንምሕዎ ኢልካ ከም ልምዲ ተሰቢሉካ ብኣፍ ምምዳር ኣይኮነን እንታይ ድኣ ሓልዮት ህዝቢ ብትሕትና ብግብሪ ምርኣይ እዩ።  ንስኻትክን እኮ ኢኽን ኣብ ከም በዓል ሲናይ ዝደኣመሰለ ምድራዊ ሲኦል መንእሰያት ካብ ሞት ከተድሕና  ከይተሓለልክን ላዕልን ታሕትን ትብላ ዘለኽን፡  ንስደተኛታት ማሕበራት ጌርክን ትረድኣ ዘለኽን፡ ኣብ ኤርትራ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ይፍጸም ኣሎ እናበልክን ንዓለም ተእውያ ዘለኽን።  ተመስኪሩልክን ድማ። ይይወት ንባዕሉ ዓቢ መምህር’ዩ። ዘሕለፍክትን ዘትረፍክን፡ ከብድኽን ተሓሚሱ ዘለኽን ኣዴታት ኣለኽን። ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ስራሕ ከም ኢንጂነራት፡ መሃንዲሳት፡ ማምህራን፡ ጠበቃታት – lawyers  ሓካይም፡ ኑርስታት፡ ጸሐፍቲ፡ ጋዜጣኛታት፡ ወነንትን ኣካይድቲን ትካላት፡ ክንድይ ኢልካሞ ክጽብጸብ ተዋፊርክን ተሰርሐ ኣሎኽን። ኣብ ጽምው ዝብለሉ ጊዜ ኣብ ቤተክርስትያናት መሳጊድን እናኸድክን ትጽልያ ጥራይ ዘይኮነ ሓገዝ ብሕልፊ ኣብ ሱዳንን እስራኤልን ዝረከቡ ስደተኛታት ትልእካ ኣለኽን። እሞ  ኣትን ምዑታት ንስኻትክን  ኣብዛ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ እንስትዮ እተኸብረላ ዘላ መዓልቲ፡ ንውሕድ ዘይኮነስ ብብዝሒ ሓንሒንክን ተንሲእክን  ሃየ ምስ ትብላ  ደቂ ተባዕትዮ ብዝያዳ ክስሓሉ’ዮም። ሰይጠናዊ ዉዲት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍሺልና ልኡላውነትና ኣራጋጊጽና ክብርና ምምላስ፡ ርእስናን ሃገርና ዳግማይ ምህናጽ ክንጅምር ድማ  ነዊሕ ጊዜ ኣይክወስደልናን’ዩ። ተነሲሕካ፡ ይቅረ ተባሃሂልካ ንቅዱስ ዓላማ ክትገብር ናብ እግዚኣቢሄር  ምስ ትጥምት ንዑ ደቅይ ኢሉ ይሐቁፈካ  እምበር ኣበይ ኔርኩም ኣይብልን’ዩ።

እምበኣር ዘረባይ ኣብዚ ክዓጹ’የ። ክብረን ምስጋናን ከም ወትሮ ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን። ኣሜን።

ኣበባ ተስፋጊርጊስ ብዓታይ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT