Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ኤደን ኢያሱ ናብ ህዝቢ ኤርትራ

ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፥ ብዓንተቦ ፈታው ሰላምን ደላይ ሰናይን ህዝቢ ኢኻ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ ዝኾነ ኻልእ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ከምዘድልየካ ድማ ርዱእ ኢዩ። ይኹን’ምበር ንሰላም ይኹን ንዂናት፡ እንታይ፡ ስለምንታይ፡ ብኸመይ፡ መዓስን ምስ መንን ከይበልካ ምእታዉ ካብ ጥቕሙ

ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፥

ብዓንተቦ ፈታው ሰላምን ደላይ ሰናይን ህዝቢ ኢኻ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ ዝኾነ ኻልእ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ከምዘድልየካ ድማ ርዱእ ኢዩ።

ይኹን’ምበር ንሰላም ይኹን ንዂናት፡ እንታይ፡ ስለምንታይ፡ ብኸመይ፡ መዓስን ምስ መንን ከይበልካ ምእታዉ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዝመዝነሉ ግዜ ክህሉ ስለዝኽእል ምጥንቃቕ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ዘይመልእ ግዜ ኣዝዩ ብዙሕን ብፍጥነት ዝካየድን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ናይ ሰላም ድሌት ዘንጸባርቕ ክስተታት ክርአ ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ ግቡእ መስርሕ ከይተኸተለ ክኸይድ ዝጸንሐ ጉዳይ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝተኣልመ ናይዚ ዘመን ዝተራቐቐ ጎበጣ ምዃኑ ጎሊሑ ይርከብ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ዋሺንግተን ዲሲ) ምስ  ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ‘ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘይተላዕለን ንሱ ካልኣዊ ምዃኑን’ ምግላጹ ድማ ናይዚ መርኣያ ኢዩ።

ብኻልኣይ ደረጃ ግን ምናልባት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቶም ኤርትራ ርእሳ ዝኽኣለት ሃገር ምዃና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘይተዋሕጠሎም ናይ ብሄረ ኣምሓራ መራሕቲ ኣብ ምኽሳብ ኣተኲሩ፡ ነቲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ካብ እዝኒ ኤርትራውያን ርሒቑ ክጸንሓሉ ዝደልዮ ሓቂ ብምድርጓሕ፡ ንመራሒ ስርዓት ህግደፍ ብዕጽፍጻፍ ስጉምታት  ቀዲምዎ ብምጓዓዝ ኣብቲ ‘ናይ ሰላም’ ድራማ መሪሕ ተራ ይጻወት ምህላዉ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተዋህቦ ተራ ሃገሩ ምስ ግብጺ (እታ ዘድልያ ክትስእን ዘይብላ ዓረባዊት ሃገር) ካብ ከካራኽራ ዝጸንሐ ናይ ፈለግ ኒል ቁርቁስ ከውጽኣ ሓደ ጥበብ ክምሃዝ ነይሩዎ። ኤርትራ ከኣ እታ ንማሕረዲ ዝተቐረበት በጊዕ ክትከውን ተመሪጻ። ምስ’ታ በጊዕ ዘለወን ሓደ ፍልልይ እንተሃልዩ፡ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ክትሰብሕ፡ ደቃ ንስደት ጸሪሮም፡ ባዲማ፡ ዝተረፉ ከኣ ኣብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ፡ ንምጽማዶም ዝተማህዘ ዕስክርና ተቖሪኖም፡ ማሲና ምጽናሓ ኢዩ።

ግብጺ ዘድልያ ክትረክብ፡ ኢትዮጵያ ትደልዮ ክትስእን የብላን። ንፉዓት ሸምጋሎ ኣብ ዝውዓሉሉ፡ እተን ክልተ ክሕጎሳ፡ እታ ህዝባ ብኣፉን ብትንፋሱን ዝተታሕዘላ ኤርትራ ግዳይ ክትከውን ተፈሪዳ።

ብዘይካ’ዚ ግን ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትርከብ ምዃና’ውን ኣይሓገዛን። ዝተደኮነትሉ ቦታ ቁልፊ ብምዃኑ ኩሎም ሓያላትን ሓያላት ክኾኑ ዝምነዩን ዓይኖም ዘውድቑሉ ዞባ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ናይ ዓለምና ፖሊስ መጠን፡ ቀይሕ ባሕሪ ዝኣክል ክሳድ ከገድሳ ድማ ባህርያዊ ኢዩ። ነዚ ክሳድ ንምሓዝ ብኢደበዛነት ዘገልግላ ሃገራት ድማ ክስኣና ኣይክእላን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ከም መሻርኽቲ ኣመሪካ መጠን፡ ዝኾነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ዓሰብ ዝህልወን ጽልዋ ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ንኣመሪካ ዘርብሕ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ልዕልና ሕጊ ዝነገሰላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እምበር ንረብሓ ዝኾነ ኻልእ ሓይሊ ባይታ ክህልዋ ስለዘይክእል ክምዝምዝዋ ዝደልዩ ኩሎም ባእታታት ብመትከል ዝቃወምዎ ሓደ ነገር እንተሃልዩ ምህናጽ ናይ ሓንቲ ከምኡ ዝበለት ኤርትራ ኢዩ።

ብኣንጻሩ ናትና ዕማም፡ ህላወ ኤርትራን ኤርትራውያንን ንምውሓስ ብልዕልና ሕግን ዲሞክራስያውነትን ዝልለ ድልዱል ሰረት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ምህናጽ ክኸውን ኣለዎ።

ካባና ንደቡብ ከኣ ሓንቲ ትዓኑ ዘላ ትመስል ጎረቤት ኣላትና። ኢትዮጵያ ጎረቤትና ብምዃና ሰላማ ንዓና ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ማለት ግን ህላወና ከም ህዝብን ሃገርን ይኹን ሃገራዊ ረብሓና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእቱ ኣለና ማለት ኣይኮነን። ካብ ኣካይዳ  ኢሰያስ ክንርድኦ ከምዝኽኣልና ንሱ ንኤርትራን ኤርትራውያንን ብግህዶ ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ንበላዒ ሂቡና ከምዘሎ ኢዩ።

እታ ኣብ ውሽጣ ተሓማሚሳ፡ ሓደ ብሄር ምስ ካልእ ክትሃናኾቱ ዝውዕሉላ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ከም ዝበሎ “ተኻባቢርካ ምንባር ዘይክኣል እንተኾይኑ ምብትታትን ኣሎ” ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዘስፋሕፋሓላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጣ ሰላም ከይገበረት፡ ብሄራታ ከይደመረት ምስ ኤርትራ ኣብ ሰናይ ጉርብትና፡ ምክብባር ዝመልኦ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝኣምን ሰላም ክትገብር ትኽእል ኢያ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ።

መራሕቲ ኣምሓራ ክልተ ክሓውያ ዘይክእላ ሕማማት ኣለዎኦም። ንሳተን ከኣ ናይ ስልጣን ስስዐን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ፍቕርን ኢየን፡፡ “ንሕና ገዛእቲ ምበር ተገዛእቲ ኣይኮናን፡ ትግሬ ንዓና ክገዝኣና ኣይክእልን። ንሕና እናሃለና ኦሮሞ ከመይ ኣቢሉ ኣብ ስልጣን ይድይብ” ዝብል ኣተሓሳስባኦም፡ ብኣተሓሳስባ ኣብ 21 ክ/ዘመን ዘይኮነ ኣብ 16 ክ/ዘመን ተሪፎም ከምዘለዉ ዘርኢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ ጎረባብቲ ኣህዛብ ካልኦት ሃገራት ይትረፍ’ሞ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን’ኳ ብሰላም ክነብሩ ዘይክእሉ ምዃኖም ኣመስኪሮም ኣለዉ።

እዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዓሌትነት ፖለቲካ ናብ ዉጹእ ኲናት ተቐየሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ’ውን ከም ዝተወጠኖ መጥፍኢ ሓዊ ክኸውን ኣይክኣለን። ንግዚኡ ጥራይ ዩ ቆላሕታ ስሒቡ፡፡ ነቶም ኣብ ድሮ ምሕራር ኤርትራ “ክንምለስ ኢና” እናፈከሩ ካላሽን ኮቮም እናጎሰሱ ዝተሰወሩ ወታሃደራት ደርግ ነበር ከኣ ባ ብታሕጓስ ኣኽመስሚሱዎም።

እዚ ካርታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊስካ ምስኣል፡ ኣብ ናይ ኲናት ባይታ ተሳዒርካ ጭራኻ ደጒልካ ከምዘይወጻእካ ሰላማዊ ተመሲልካ ናብ ኤርትራ ኣቲኻ ባንዴራኻ ኣብ መሬት ኤርትራ ን’ቀልድ’ ኣምሲልካ ምትካል ድሓን ናይ ዕሽነትን ኣብዛ ዓለም ብዘይካ ነብሶም ካልእ ሰብ ከምዘየለ ዝሓስቡ ከምዘለዉዎም  ከምመርኣያ ተዘይኮይኑ፡ ክሳብ ክንድቲ ግምት ክውሃቦ ዝክኣል ኣይኮነን።

ንህዝቢ ኤርትራ ግን እዚ ኣሽካዕላል’ዚ’ውን ኣኺሉ ተሪፉሉ ኣሎ።  ክንግነዘቦ ዘለና ነገር ኤርትራ ርእሳ ዝኽኣለት ሃገር ብዛዕባ ምዃና ኣብ ባይታ ክቕየር ዝኽእል ዘይምህላዉ ኢዩ። እዚ ማለት ግን ክሳብ ሎሚ ክንከዶ ዝጸናሕና፡ ናይ እንታይ ገደሰኒ ኣካይዳ ገዲፍና፡ ኣብ ጉዳይና እጅገና ሰብሲብና ንጡፋት ተሳተፍቲ ክንከውን ኣለና ማለት ኢዩ። እዚ ጉዳይ ናይ ህይወትን ሞትን ጉዳይ ካብ ዝኸውን ግዜ በሊዑ ከምዘሎ ፈሊጥና፡ ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለና።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde August 1, 2018

    Thanks Eden,the only change this time around is the tactical approach,instead of aerial bombardments and tanks they are using smiles,hugs and cocktails.You can’t steal easily a 193000 sq km of real estate with 1000 km water view which took the lives of hundreds of thousands of precious Eritrean sons and daughters,you need to speak and consult the owners first.This ain’t a two man show starring Sammy Davis Jr. and Frank Sinatra.

  • Hagherawi August 2, 2018

    “ክሳብ ሎሚ ክንከዶ ዝጸናሕና፡ ናይ እንታይ ገደሰኒ ኣካይዳ ገዲፍና፡ ኣብ ጉዳይና እጅገና ሰብሲብና ንጡፋት ተሳተፍቲ ክንከውን ኣለና ማለት ኢዩ። እዚ ጉዳይ ናይ ህይወትን ሞትን ጉዳይ ካብ ዝኸውን ግዜ በሊዑ ከምዘሎ ፈሊጥና፡ ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለና።”

    Eden

    Finally, the Eritrean people, in particular all those who defended Eseyas all along, saw him with their own eyes, playing a dirty game with Eritrean sovereignty.
    His visit to Addis exposed his ill intentions like never before.
    Do we still have a few who think he was or even still is a hero who defended Highlanders from ELF crimes against them ?, Siriyat Addis …. etc. a false narrative that kept him in power for four decades.
    From day one, Eseyas was a divisive figure, an agent of enemy, but it took Eritreans 53 years for Eritreans to know him. Tens of thousands lost their lives in conflicts he started.
    Anyone who want destroy Eritrea and maybe remove it from world map, will continue defending him. A genuine Eritrean who cares about his/her country and people will consider him a very dangerous enemy of our country.
    Unfortunately, he has succeeded to divide us in every possible way: by region, religion, tegadaly/ghebar .. etc. Many of us enjoy his rhetoric, that is why he is in power.
    He knows we cannot stand united against him, because as a polarizing agent he is expert in divisive politics. He knows we are a fertile ground for all social ills.
    Let’s regain our senses and think for a while, are we going to see him selling our country to foreigners and keep silent as if what is happening is normal and it’s ok with us to be sold like animals ?
    Why so much indifference ???

    • k.tewolde August 2, 2018

      Because the tyrant served the nation with a concussion which rendered it catatonic,he fixed it to serve his personal agenda.Hope that answers your question Haw Hagerawi,one of my favorite commentator here.

      • Hagherawi August 2, 2018

        Dear Brother K.Twelve

        It’s sad to see people suffering, struggling to get the most basic necessities of daily life. And yet they expect things to change without any involvement from their side. Is that possible ?
        Eritrea’s enemy is within it.

  • Tesfay August 2, 2018

    Thank you eden.yes we are inbad and systematic Federation.

  • meretse August 2, 2018

    Good read Eden. Please continue writing.

  • ' August 3, 2018

    dear Eden
    If Issaias tried to conspire against ERITREAN nation sovereignty , he is calling for his burial .
    Remember ,we ERITREANS will never betray the cause that we paid a price of two generations
    which was in GHEDLI and Badme war era . We have not a choice but to shout loud in unison ;
    ” No justice no peace ” .
    We deleyti fithi support Peace in our region but we have issues in search of PEACE , FREEDOM
    and PROMISING FUTURE among ourselves .
    Nation of ERITREA needs change in its internal politics where people’s voice allowed to be heard
    publicly by their parliament representatives . It takes two wings to fly and right now our people need
    time to heal the damaged wing which Issaias stored the medicine in his drawer .

POST A COMMENT