Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ልቦናን ሓላፍነትን ዘይብሎም ገበነኛታት ኩናት

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ልቦናን ሓላፍነትን ዘይብሎም ገበነኛታት ኩናት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘለዎም ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ንዓመታት ዝተሰረተ ታሪኽን ዝመሳሰል ባህልን፡ ብስኒትን ብፍቅርን ንኽልቲኦም ዘርብሕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ምትሕግጋዝ ከካይዱ ምቹእ ዕድላት ኣለዎም። ይኹን እምበር መራሕቲ ናይ ክልቲአን

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ልቦናን ሓላፍነትን ዘይብሎም ገበነኛታት ኩናት

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘለዎም ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ንዓመታት ዝተሰረተ ታሪኽን ዝመሳሰል ባህልን፡ ብስኒትን ብፍቅርን ንኽልቲኦም ዘርብሕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ምትሕግጋዝ ከካይዱ ምቹእ ዕድላት ኣለዎም። ይኹን እምበር መራሕቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ካብ 1995 ጀሚሮም፡ ብዝተኸተልዎ ልቦናን ሓላፍነትን ዝጎደሎ ተጻባኢ ኣሰራርሓ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ደም ምፍሳስ፡ ቁጠባዊ ዕንወትን ጽልእን ተሸሚሙ ይርከብ። ዶባት ክልቲኡን ሃገራት ድማ ኣብ ክንዲ ብናጻ ካብን ናብን መሰጋገሪ ሰብን ንግዳዊ ኣቁሑትን ዝኸውን፡ ካብ ጻት ንጻት ብነተጉቲ፡ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ተሓጺሩን ሕርሻዊ መሬት ቃዲሩን ሰላም ናፊቁን ኣሎ። ድሕሪ’ቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኩናት፡ እዉጅን ዓበይቲ ወተሃደራዊ ጎንጽታት’ኳ እንተዘየለ፡ ብቀጻሊ ናይ ቃላት ውግእን ተቃወምቲ ምሕጋዝን ናይ “ዘሕምቆ ኣለኒ በትረይ ሃበኒ” ዝዓይነቱ ንረጽሚ ዝዕድም ምውጥዋጥን ፈኸራን ምክያድ ኣየቋረጹን።

እዞም ንዓመታት ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉ መትሎ መታሉ መራሕቲ፡ ካብ ሓድሕድ ዘይሕሹ፡ ብቅርሕንቲ ዝኸሓኑ ስለዝኾኑ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ጽልኢ ብምስዋር ዕድመ ስልጣኖም ከምዝዕቀብ ስለዝፈልጡ ባህጊ ሰላም የብሎምን። ከም መራሕቲ፡ ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ኢልካ ንረብሓ ህዝብኻ ሕድገታት ምግባር፡ እቅረ ምብህሃልን ምጽውዋርን ኣይተማህሩን። ምኽንያቱ እቲ ንሶም ዝውልዕዎ ኩናት፡ ንገዛእ ርእሶምን ንስድራቤቶምን ስለዘየረኻኽበሎም ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ’ዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብድኽነት፡ ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሰላምን ክሳቀ እንከሎ፡ እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ኢና ዝብሉ ጉጅለታት ግን፡ ሚልዮናት ዶላር ዝዋግኡ ንብረትን ንግዳዊ ትካላትን ወኒኖም፡ ጥረ ገንዘብ ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ብስቱር ኣቀሚጦም፡ ደቆምን ቤተሰቦምን ብረት ካብ ምሕንጋጥ ናጻ ኣውጺኦም ስለዘለዉ፡ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን’ዩ ንዓታቶም። ኣብ ክውንነት ንምዝራብ እቲ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝፍጠር ሰብ ዝሰርሖን ባህርያዊ ሓደጋታትን ቅልውላውን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብኣሉታ ዝጸልዎን ጾር ዘሰክሞን እምበር፡ ሩፍታ ዝህብ፡ ጽቡቅ ኮኑን ንፋሶም ኣይልከየናን ዘብልን ዘመክሕን ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ይዕበ ይንኣስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዕግርግርን ኣበራትን፡ ብምግናን ከሰራስሮን ክወራዘን ይስማዕ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ተመሳሳሊ ዕንወትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ብፍላጥ ብምርሳዕን ብምጉሳይን ጻድቅ ክመስል ይፍትን። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንይምሰል ድዩ ናይ ብሓቂ፡ ንፍሉይ ወገን ዘገልግል ድዩ ንዝበዝሐ ክፋል፡ ቅዋም፡ ሓጋግን ፈጻምን ኣካል፡ ባይቶ፡ ሕጊ ምርጫ፡ መሰል ምዝራብን ምጽሓፍን ከምኡ’ውን ንመሰልካ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትማጎትን ጠበቃ ክትመዝዝን መሰል ኣለካ። ኣብ ኤርትራ፡ ብቅዋምን ሕግን ዝምእዘዝ መንግስቲ የለን። ህዝቢ ኤርትራ ሓሳቡ ብነጻ ክገልጽ፡ ብዛዕባ ኩነታት ሃገሩን ዓመታዊ ባጀቱን ኣይፈልጥን’ዩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝተዳጎኑ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብዘይ ፍርድን መሰል ምክልኻልን ንዓመታት ይእሰሩ። ኣብ ቤትካ ዘሎ ግዕዘይ ከየጽረኻ ብዛዕባ ጉዳይ ካልኦት ሃተፍተፍ ምባልን ምውርዛይን ግን ነብስኻ ዘይምፍላጥን ምስሉይነትን’ዩ። ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ መንግስቲ፡ ሰላምን ምዕባለን ከረጋግጽ እምበር ነገር ክጽሕትርን ሓዊ ክውልዕን ግዚኡ፡ ገንዘቡን ጉልበቱን ከባኽን ኣይግባእን።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንድኽመታትን ንቅጽናን ስርዓት ህግደፍ፡ እገዳ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደትን፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዞባውን ኣህጉራውን ተቀባልነትን ብልጫታትን ብምምዝማዝ፡ ንምሕንጻጽን ይግባኣንን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወሰኖ ቀያዲ ብይን ዘይምቅባልን፡ ዘራያት ስለዝረኸበን ካብ ዕንደራ ኣይቋረጸን። እቲ ብትግራዎት ዝዕብለል ንዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ድማ ፡ ልዕሊ’ቲ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ጸገማት ናይ ውሽጡ ቅልውላው ከምዝዓቢ’ውን ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክሽፍኖን፡ “ኤርትራ ሰላም ኢትዮጵያ ክትዘርግ ምስ ግብጺ ውዲት ትኣልምን ተቃወምቲ ትሕግዝን ኣላ” ይብል። እዞም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ መራሕቲ፡ ድሌትን ረብሓን ክልቲኡ ህዝብታት ዕሽሽ ብምባል ዝፍጽምዎ ዘለዉ ገበን ጠጠው ከብሉ፡ ስቃይ ህዝቢ ክስቆሮም፡ ህልኽ ወጊዶም ንሰላምን ምዕባለን ቀዳምነት ክህቡን ይሕተቱ። ብጽቡቅ፡ ቁጠባዊ ምዕባለን ነባሪ ሰላምን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግደሱ፡ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ድማ ኣብቲ ልቦና ዘይብሎም መራሕቲ ዝኣጎድዎ ሓዊ ኢዶም ካብ ምሕዋስ ኣቋሪጾም ብዛዕባ ጽባሕን መጻእን ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ክሓስቡ ይግባእ።

       ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 3 ለካቲት፡ 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde February 5, 2018

    These two regimes are a mirror image of one another,their track record reflects their true nature and the way they behave politically with one and only goal- absolute,totalitarian power for life at any cost. The havoc they are reeking upon the brotherly people is insurmountable.It is high time for the sane and peace loving people to rise and isolate these bloodsucking murderous clan related across the border and cast them into the Calderon of damnation once and for all. In order to accomplish this,we need to move away from this narrow nationalistic and ethnic hysteria which is their main weapon against the poor people,this is the only way to muster all the resources of all who are being humiliated by them and put an end to this mayhem.Something to think about. A border-less freedom is better than a hell with a border.Thanks Tsilal the perspective.

    • k.tewolde February 5, 2018

      In other words,times have changed so did our adversaries,you don’t fight today’s shadow enemy with a conventional war,same is true,you don’t sleep in the same bed with your enemy and demand freedom, your bed fella has morphed.

POST A COMMENT