Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክራኸቡ ምዃኖም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክራኸቡ ምዃኖም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጹ። ንሱ ነዚ ዝሓበረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ በጺሖም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር `ታ ሃገር

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክራኸቡ ምዃኖም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝሓበረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ በጺሖም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር `ታ ሃገር ዝተራኸቡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ዝተራኸቡ ልኡኻት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምፍናዎም እዩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኤምባሲታተን ክኸፍታ፡ እቲ ጀሚረናኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ርክብ ናብ ቁጠባዊ ዝምድና ክምዕብል ከምዝኾነ ኣሚቱ። ልኡኽ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ልዕሊ`ቲ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝገበሮ ርክባት ኣዋሳ ብጺሑ ፋብሪካታት ከምእተዓዘበ `ውን ተፈሊጡ።

እቲ ን 20 ዓመታት ብኲናትን ኣይሰላምን ኣይኲናትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝጸንሐ ፍልልይ ብናይ ሰላም ተስፋ ይትካእ ምህላዉ ዓቢ ለውጢ እዩ።

ይኹን`ምበር፡ እቲ ንኤርትራ ገቢቱ ሒዙዋ ዘሎ፡ ቀደም ተወሪርና ኢሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ብምኽንያት ዶብ ኣብ ኲናት ጠቢሱ ዘህለቐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ከይተተግበረ ኣይንዛረብን ኢና ይብል ከምዘይነበረ፡ ሕጂ ናይ ዶብ ጸገም የብልናን ኢሉ ግልብጥ ምባሉ፡ ንሃገራዊ ጉዳይ ኤርትራ ውልቃዊ ጉዳዩ ገይሩ ከምዝርእዮ ዳግም ዘመልክት ተርእዮ ብምዃኑ ኩሎም ሓቀኛታት ኤርትራውያን፡ እቲ ገባቲ ስርዓት ነዚ ኩነታት ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከይጥቀመሉ ክነቕሑሉ ዘለዎም ጉዳይ እዩ።

እዚ ባይቶ ይኹን ነጻ ቤትፍርዲ ዝኣመሰሉ ሕጋዊ ትካላት ዘይብሉ ስርዓት ፊን ከምዝበሎ ኲናት ክኸፍት፡ እንተደልዩ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ናፊቑዎ ዘሎ ሰላም ተሓቢኡ ጣቊኡ ዘይፍለጥ ርክብ ክገብር ህዝቢ ኤርትራ ከፍቅደሉ የብሉን።  ቀደም ባህ ኣብ ዝበሎ ሰዓት ባድመ ንወያነ ሂቡ ደሓር ምኽንያት ኲናትን ህልቂትን ከምዝገበራ፡ ሕጂ ድማ፡ ኢዚ ሕጂ `ውን ደሓን ምሕንጻጽ ዶብ ክጸንሕ ይኽእል እዩ፡ ዝብሎ ዘሎ ኣቀራርባ ባህ ኣብዝበሎ ሰዓት ንኻልእ ምኽንያት ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።

መሬት ኤርትራ ይኹን እቲ ሕጋዊ ብይን፡ ዋንኡ፡ እቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ኢሳይያስ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ዝመጽእ ሰላም `ውን ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ኢትዮጵያውያን ውሻጣዊ ጉዳዮም እናገበሩ ንሰላም ተቐሪቦም ኣብ ዘለዉሉ ሰዓት፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ `ውን እሱራት ክፈትሕ፡ ነቲ ሞይቱ ዝበሎ ቅዋም ከተግብሮ፡ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ስርዓት ክትከል ኣለዎ። ከምዚ ምስ ዝግበር ጥራይ እዩ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ሰላም ነባርነት ዝህልዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT