Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርመራ ፖሊስ ሃገረ ጣልያን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ንስደተኛታት በቲ ሓደገኛ ዝኾነ ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳ ንኸብጽሑዎም መለሳ ገንዘብ ውሽጣዊ ኣካላት ከምዝተቐበሉ ሓቢሩ።

እቶም ሊብያውያንን ኤርትራውያንን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት፣ ናብተን ውሕስነት ዘይብለን ሰሙናዊ ካብ ክባቢ ትሩብሊ ተላዒለን ናብ ደሴት ላምቤዱዛ ዝጉዓዛ ጀላቡ ንኽሳፈሩ ኣቐዲሞም  1,200 ዩሮ (1,200 ፓውንድ) ክኸፍሉ ከምዝሓቱዎም ኢዩ ዝንገር።   ጋዜጣ ኮሪረ ዴላ ሴራ ዝተመልከቶም ጸብጻባት ቤት

እቶም ሊብያውያንን ኤርትራውያንን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት፣ ናብተን ውሕስነት ዘይብለን ሰሙናዊ ካብ ክባቢ ትሩብሊ ተላዒለን ናብ ደሴት ላምቤዱዛ ዝጉዓዛ ጀላቡ ንኽሳፈሩ ኣቐዲሞም  1,200 ዩሮ (1,200 ፓውንድ) ክኸፍሉ ከምዝሓቱዎም ኢዩ ዝንገር።

 

ጋዜጣ ኮሪረ ዴላ ሴራ ዝተመልከቶም ጸብጻባት ቤት ፍርዲ ከምዝሕብሩዎ፣ እቶም ሻቡ ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ድሒሮም ክኸፍሉ ከምዝኽእሉ ኢዩ ተሓቢሩዎም። እቲ ንሓሙሽተ ካብቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ቅድሚ ናብ ፍርዲ ምቕራቦም ኣብ ማሕቡስ ክጸንሑ ዝኣዘዘ ሰነዳት ከምዘረድኦ፣ ናብ ኤውሮጳ ድሕሪ ምብጽሖም እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ጉልበቶም ወይ ውሽጣዊ ኣካላቶም ክጥቀሙሉ ኢዮም ወሲኖም።

 

ዳጃ ቲዝያና ኮኮሉቶ ዘቕረቦ ጽሑፍ ኩነታት ናይቶም ዕድኦም ክኸፍሉ ዝነበሮም ስደተኛታት ምስ ናይ ገላዩ ዝመሳሰል ምንባሩ፣ ናብ ካልኦት ገበነኛታት ጉጅለታት ክሽየጡ እውን ይኽእሉ ምንባሮም ይሕብር።

 

ኣብ ሮማ ኮይኑ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ስራሓት ዝነጥፍ ዝነበረ ተሓዝ ገንዘብ ናይቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሚኪኤል ብርሃነ ምስ ሃይለ ሰይፉ፣ ርእሶም ገብረም ሚኪኤል ሄኖክን ተስፋይ ባህታን ዝተባህሉ ኣከብቲ ገንዘብ ኮይኖም ይሰርሑ ምንባሮም ዝተነግረሎም ኣርባዕተ ካልኦት ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

 

ንሳቶም ኣባላት ናይ ሓደ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ስደተኛታት ንምእታው  ዝዓለመ ገበነኛ ማሕበር ተባሂሎም ኢዮም ዝኽሰሱ ዘለዉ።

 

ፖሊስ እዞም ሰባት ምስቶም ብጉዳይ እታ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ላምፔዱዛ ጥሒላ ህይወት 336 ሰባት ዘጥፍአት ጃልባ ተሓተቲ ዝኾኑ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ምትእስሳር ክህልዎም ከምዝኽእል ይጥርጥሩ።

 

ብመሰረት ሓበሬታ ኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽን ኣብዚ ዓመት 100,000 ስደተኛታት ናብ ሃገረ ጣልያን ክኣትዉ እንከለዉ 3,000 ዝኾኑ ኣብ መንገዲ ጥሒሎም ህይወቶም ስኢኖም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ahmed saleh September 23, 2014

    According their report , the number of people who lost
    their life in that sea jumped from the previous year ‘s
    700 dead bodies to astonishing 3000 in this year . I hope
    others recognize the dangers and reconsider to avoid a
    very troubling and scary journey .
    And to the case of those Eritreans smuggling collaborators
    let them rot inside Italian prisons for life if found guilty.

  • Harnet September 24, 2014

    God forgive us all Eritreans. We have become inhumane monsters to each other. Every since PFDJ took over the country… the populous has forgotten kindness & caring about it’s own children, parents, brothers and sisters.

    We torture our own,
    We sale our brothers and sisters,
    We kill our own.

    The Devil surly has taken control of us from the top DIA to the bottom. We have sold our soul for MONEY. We have forgotten our brother’s pain means ours.

    I pray to God visits this nation soon. Otherwise, the way we are going, it is difficult to imagine the future of Eritreans.

  • Abdul September 26, 2014

    Mikie el birhane, haile seifu, r’som gebre mikael enoch, tesfai bahta, …….hm…are these really names of the villain people from Rashaida Tribes???? May be..

POST A COMMENT