Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ድሕሪ ምሃቡ ብቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ክዝተየሉ ዝቐነየ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቲ ንውሳኔ ዘቕረቦ ንድፊ ድሕሪ ምቕጣኑ ኣብ ክንዲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተመሓላሊፉ።

መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ድሕሪ ምሃቡ ክሳብ ትማሊ 1 ሓመለ ብቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ኣብ ጀኔቫ ክዝተየሉ ዝቐነየ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቲ ብስም

መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ድሕሪ ምሃቡ ክሳብ ትማሊ 1 ሓመለ ብቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ኣብ ጀኔቫ ክዝተየሉ ዝቐነየ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቲ ብስም ሶማልን ጅቡትን ንውሳኔ ዘቕረቦ ንድፊ ተቐጢኑ ድሕሪ ምድኻሙ ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝለዓለ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ባይቶ ጸጥታ፣ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተመሓላሊፉ።

እቲ ብቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ መራሕቲ ኤርትራ፣ ግፍዕታት፣ ጊላነት ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዘጠቓለሉ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ ብምስካር ኣብ ኣህጉራዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ (ICC) ክቐርብ ኳ ለበዋ እንተመሓላለፈ፣ እቲ ትማሊ 1 ሓመለ ዝሓለፈ ውሳኔ ግን፣ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ናይ መርማሪ ኮምሽን ስራሕ “ ዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህጹጽ ስጉምቲ ኣብ ግምት ከእትዉዎ መእንቲ ከቕርበሎም” ክብል ሽፈፍ ኢሉዎ ሓሊፉ።

እቲ ፈለማ ዝቐረበ ንድፊ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተሳታፍነት ባይቶ ጸጥታ ነቶም ገበነኛታት ብመንገዲ ኣህጉራውን ዞባውን ስርዓተ ፍርዲታት ተሓተቲ ክገብሮም ዝብል ብተዛማዲ ትርር ዝበለ ቋንቋ ‘ኳ እንተነበሮ ኣመሪካ ከይተረፈት ክፈኵስ ከምዘለዎ ድሕሪ ምጽውዓ እቲ ጉዳይ ብዝያዳ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምርመርን ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ከቕርቦምን ዘተባብዕ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እቲ ድሮ ተቓውሞታቱ ክገልጽ ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ውሳኔ፣ ብኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተሃንደሰ እዩ ክብል ነጺጉዎ።

ከም ብዓል ራሻ፣ ቻይና፣ ኩባ፣ ቦሊቭያ፣ ኤኳዶር ዝኣመሰላ ሃገራት ከምዘይሰማማዓሉ ብምግላጽ ካብቲ ውሳኔ ክስሕባ ከለዋ፣ እተን ዝበዝሓ ካልኦት ሃገራት ግን ብስምምዕ ‘የን ነቲ ውሳኔ ኣሕሊፈናኦ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • tesfay July 2, 2016

    Isaias ab temben kifred malet diyu

    • SAVING YOUNG ERITREANS July 2, 2016

      ab sing-a-poor ertra ‘yu zfred…ha

    • Teklit July 2, 2016

      tesfay, what the UN of Human Rights Council failed you to punish DIA and his gangs because of your so-called weak and divided oppositions, the strong deki Tembeyen (Ethiopians) are coming to save you by finishing off and damping DIA for once and for good.then you would be kissing the feet of the brave deki tembeyen for the rest of your poor life.

  • Meb July 2, 2016

    ኦሮማይ ፍርድስ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ተጸበዩ’ምበር፣ መራሕቲ ኣፍሪቃ ደኣ ብገበናት ዝጨቀዉ ክነሶም ንመን ክምርምሩን ክኸሱን? ንባዕሎም ኣኣብ ሃገሮም ፍትሒ ዝጠልብ ህዝቢ ኣለዎም። ስለ’ዚ Hasta la Vista!

  • Berhe Tensea July 3, 2016

    The African union is expected to take action against the dictator, like what it has done to Hissen Habre of Chad.
    The case is not closed yet it is open, the only thing is it may take a while, other wise the dictator is guilty, at the same time we must not wait for the African Union to arrest or take action.

Post a Reply to tesfay Cancel Reply