Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

`“መርደኽ ንሓገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕን’ዶ – ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) – 3ይ ክፋል

`“መርደኽ ንሓገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕን’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)  3ይ ክፋል             21/02/2018   ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት ከም ዝገለጽኩዎ፡ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ምስ መስረትን መራሕትን መድረኽ (ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን) ብመንገዶም ከኣ ምስ

`“መርደኽ ንሓገራዊ ዘተ”

ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ

ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም)

 3ይ ክፋል             21/02/2018

 

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፋላት ከም ዝገለጽኩዎ፡ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ምስ መስረትን መራሕትን መድረኽ (ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን) ብመንገዶም ከኣ ምስ ሓው ሰመረ ተ ሃብተማርያም፡ ብመንገዲ ኢመይል ከም ዝተዘራረብኩ፡ እቲ ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ “ዕበጦ ዕበጦ” ዝሓልፍ ከም ዘይነበረ ገሊጸ ኢየ። ነቲ ምእንቲ ፍትሒ እነካይዶ ቃልሲ ስለ ዝዓናቕፍን ዘየርብሕን ከኣ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ስለ ዘይተራእየኒ፡ ናብ ሰማዕቲ ክዝርግሖ ከም ዝወሰንኩ ገሊጸ ነይረ።

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ካብ ዘስፈርኩሉ እዋን ጀሚረ፡ ካብ ብዙሓት – ንኣሰራርሓ መድረኽ ዝፈልጡ ሰባት  ዝበጽሓኒ ርእይቶታት ወናኒ ናይቲ ብስም መድረኽ ዝፍኖ ዜናታት / ኣሰፋው ተኸስተ ምዃኑ፡ ተሓታትን ኣቀናባርን ናይዚ ኩሉ ፈላላይን ኣነዋርን ጽሑፋት ከኣ ብውልቂ ንሱ – / ኣሰፋው ኢዩ ዝብል ኢዩ። እንተኾነ፡ ካልኦት’ውን ብስሞም (ብስም መድረኽ) ክወጽእ ኣፍቂዶም ወይ ኣጽቂጦም ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብሮም ከም ዘይኮነ፡ እዚ ሓቂ ኢዩዝበሃል እንተ ኮይኑ ከኣ፡ እዚ ሕጂ ቀይሙ ዝበሃል ዘሎ ምትእኽካብ መድረኽ ኣጻርዩ ከቅርበልና ክንጽበ ምዃንና፡ ብወገነይ ግን ነታ – ነቲ ወረታት ተቕርብ መርበብ ሓበሬታ መድረኽ ክነቅፍ ምዃነይ’ ኢየ ገሊጸ።

መድረኽ ንዝተወሰኑ ካብ ሓደ ከባቢ ወይ ኣውራጃ ዝመጹ መኮነናት ስርዓት ህግደፍ ፈልዮም፡ ብትሕተ ሃገራውነት፡ ኣውራጃን ከባብን ከም ዝኸሰስዎም። ‘ብጉቦን ብልሽውናን ዝሃብተሙ መኮነናት’ ከም ዝበልዎም፡ ንጽሑፋቶምን ናይ ራድዮ ፈነወታቶምን ምርኩስ ብምግባር ሓሙሽተ (5) ጭብጥታት ኣቕሪበልኩም። ኣብ ካልኣይ ክፋል’ውን፡ እቶም ተኸሰስቲ መኮነናት ካብ ገበን ነጻ ከም ዘይኮኑ፡ እንተ ብዛዕባ’ቲ ዝበሃል ዘሎ ካልእ ክስታት ግን ኣብቶም ተራ ተጠቀስቲ መኮነናት ከይተሓጽረ፡ ናብቲ ንሳቶም ዝመጹሉ ከባቢ ዘነጻጸረ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መድረኽ ጭብጢ ከቕርቡ ሓቲተ።

ኣብዚ 3ይ ክፋል ከኣ ተወሳኺ ጭብጥታት ድሕሪ ምቕራብ፡ መድረኽ ብወገንን ኣውራጃን፡ ብጽበትን ትሕተ ሃገራውነትን፡ ብጉቦን ብልሽውናን፡ ብቕትለትን ስግረ ዶብን ክዛረቡ እንተ ደልዮም፡ ብበዓል መን ክጅምሩ ከም ዝግባእ፡ ገለ ኣብነታት ክጠቅስ ኢየ። ንእግረ መንገደይ ከኣ ናይ መድረኽ ምትእኽካብ ንቀንዲ ገበነኛታት ዝንሕፍ፡ ኣብ ክቱር ጽልኢ ናይ ገለ ከባቢታትን ኣውራጃን ዝተመስረተ ምዃኑ ከብርህ ክፍትን ኢየ። ህዝቢ ክፈልጦ ክጥንቀቐሉን ስለ ዝግባእ። ብቐዳምነት ግን ተወሳኺ ጭብጥታት ከቅርብ ኢየ።

 

ጭብጢ ቚጽሪ 6: – ብዕለት 25 መጋቢት 2017 ዓ. “. . . ናብ ስግረዶብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ከባቢ ማህሚመት ምስ በጽሑ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተኸፈተ ቶኽሲ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓን ሞይቶም 9 ቆሲሎም።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነዚ ዝስዕብ ይገልጹ። . . . ኣሰጋገርቲ ምስ ላዕለዎት ጀነራላትን ሓለፍትን ምትእስሳር ከም ዘለዎም፡ እንተ ተታሒዞም’ውን ሽዑ ንሽዑ ገንዘብ ከፊሎም ከም ዝወጹ፡ ብኣብነት ናይ ሓደ ብመኪና ሰብ እናስገረ ዝተታሕዘ ደላላይን፡ ቊጽሪ ናይቶም ምስኡ ዝነበሩ’ሞ ኣብቲ መስርሕ ዝሞቱን ዝተታሕዙ ሰባት ይገልጹ’ሞ፡ ኣብ 6ይን መወዳእታን ሕጡበ ጽሑፍ

“. . . . ብተመሳሳሊ ኣብዚ ቅንያት እዚ ሓንቲ ምስ 5 ደቃ ናብ ሱዳን እትጓዓዝ ዝነበረት ጓለንስተይቲ፤ ኣብ መንገዲ ብኣባላት ጸጥታ እኳ እንተተታሕዘት፤ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ብዘለዋ ትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳርብትእዛዝ ናይ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ኣብ ሳልስታ ከምዝተፈነወትን ኣብ ሰሙና ዳግማይ ብትዮታ ተሰኒያ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ካርቱም ከምዝኣተወተን ተገሊጹ።”         ሊንክ ጽሑፍ 25/03/2017   ብራድዮ 25/03/2017   26/03/2017

ኣብዚ’ውን፡ ብር/ጀ ስምኦን ገብረድንግልን ብር/ጀ ኣብርሃ ካሳን፡ ብዘለዎም ትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር እናተሓጋገዙ ነቲ ናትና ዝብልዎ ወገን፡ ድላዩ ከም ዝፍጽምሉ፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ጀነራል ብወገንን ዓድን ተኣሳሲሮም፡ ንደቂ ኣውራጃኦም ይሕግዙ ኣለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ሳላ በዓል ወዲ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን፡ ካብቲ ንሳቶም ዝተወድሉ ኣውራጃ ዝእሰር ስብ የለን” ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ መድረኽ። ነዞም ክልተ ሰባት ከም ኣብነት ኣቕሪቦም ድማ ነቲ ዝተረፈ ካልእ ወገን “ካብዚም ወገናውያን ተጠንቀቕ!” ይብሉዎ ኣለዉ።

ጭብጢ ቊጽሪ 7 ፡ – ብ17 መጋቢት 2017 ዓ. ም እውን ነዛ ክብ ኢላ ዘላ ትሕዝቶ – “ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ዘሎ ብልሽውና ኣዚዩ ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብኻልእ ኣቀናቢሮም ኣቕሪቦማ ኣለዉ።

“. . . ቀንዲ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብዘለዎም ሓይሊ ተጠቂሞም፥ እሱራት ኣብ ምውጻእ፡ መውጽኢ ቪዛ ኣብ ምውሃብ፥ ምስ ደቆም ስግረዶብ ኣብ ምኻድ ንዝተታሕዙ ስድራቤት  ነጻ ኣውጺእካ ዳግማይ ናብ ስግረ ዶብ ምፍናው ዝኣመሰሉ ተግባራት ገኒኖም ምህላዎም ተሓቢሩ።

“እቶም ዝፍጸሙምድግጋፍ’  ብቐንዱ ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳራትን፤ ምቕባል ገንዘብ ብልሽውናን ዝሳለጡ ምዃኖም እቶም  ምንጭታት ኣብነት ናይ ሓንቲ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ብመኪና ዶብ ክትሰግር ዝተታሕዘት እሞ ብፍሉይ ትእዛዝ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነጻ ተለቒቓ ኣብ ሰሙና ክሳብ ካርቱም ብላንድክሩዘር ዝተላእከት ስድራቤት ብምጥቃስ ገሊጾም። እቲ ብሪጋደር ጀነራል ካብ ኣዚዮም ውሑዳት ዝኣምኖም ወሃብቲ ብላዕ፤  ግን ከኣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከምዝቕበል ይሕበር።” (ሕብሪ ናተይ)  -ሊንክ ብጽሑፍ 17/03/2017  ራድዮ  23/03/2017

ሃገራዊ ድሕነት ናይ ስለያን ጸጥታን ትካል ህግደፍ ኢዩ። ተሓታቲ ናይ ብዙሕ ሞትን መግረፍትን ምኻኑ’ውን ዘተሓትት ኣይኮነን። ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኮነ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ እውን፡ ካብዚ ገበናት’ዚ ነጻ ኢዮም ዝብል እምነት የብለይን። ንሓለፍቲ መድረኽ ግን “ኣብዚ ትብልዎ ዘለኹም ብልሽውና፡ ዝነሓፍኩሞም፡ ወይ ክትዛረቡሎም ዘይደለኹም ሰባት ከይህልዉ ምንጭታትኩም ፈትሹ” ክብሎም ጽቡቕ ኢዩ። እቲ “ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳራት ንደቂ ከባቢኦምን ኣውራጅኦምን ይሕግዙ” ዝብል ቅድሚ ሕጂ ተዘሪቡሉ ኢዩ። እንተ ብዛዕባ ገንዘብን ብልሽውናን ግን እቶም ሚእቲ ሽሕ (100,000) ወይ ክልተ ሚእቲ ሽሕ (200,000) ዋላ’ውን ልዕሊኡ ናቕፋ ኣትሒዞም ዝጣልዑ ጀነራላት በዓል መን ድዮም? እቶም ብስም ኣሕዋቶምን ኣዝማዶምን ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ገንዘብ ዘቐምጡን፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኤስያን ወፍታት ዘካይዱ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ድኣ፡ ብበዓል ወዲ ካሳ ወይ ጀነራል ስምኦን ዝሕገዙ ደቂ’ቲ ከባቢ ድዮም? ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ኣንጎላ ወዘተ ዘለዉ ዓበይቲ ሰብ ር/ማል’ከ ወዲ ካሳን ስምኦንን ብትሕተ ሃገራዊ ስምዒትን ኣውራጃን ኣኻኺቦም ዘንቀሳቕስዎም ድዮም? እቶም ብመልክዕ ሓዋላ ናብ ኤርትራ ገንዘብ ክሰዱ ዝፍቀደሎም ሰባት’ከ ኣዝማድ በዓል መን ምዃኖም’ዶ ምነገርኩምና? ገንዘብ ምልኣኽ ተሓቢእካ ዝካየድ ንግዲ መሲሉዎም ቀንጠብጠብ ዝበሉ’ሞ – ገንዘቦም ተሃጊሩ፡ ኣሕዋቶም ምስ ተኣስሩ ጥራይ ኢዶም ዝተረፉ ሰባት ድኣ ንፈልጥ ከይንኸውን። መድረኽ መልሱ – በዓል መን ኢዮም? እዚ’ኸ ንሕፈት’ዶ ግድፈት?

ኣዳለውቲ ዜናታት ፈነወ መድረኽ፡ ብዛዕባ ቪዛን ፓስፖርት’ውን ተዛሪብኩም። ሎሚ ኤርትራዊ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ምህላዉ ትኽሕድዎ ኣይመስለንን። ገለ ክፋሉ ዝኣመነ ኣሚኑ ዓዱ እናተመላለሰ ስድርኡን ቤተ-ሰቡን ክርኢ ከሎ፡ ገሊኡ ግን – ዝበዝሐ ገንዘብ ከፊሉ፡ ወለዱ ናብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን እናጸውዐ ገጽ ወለዱ ዝርኢ ብዙሕ ኢዩ። ነዚ’ኸ ብኸባብን ኣውራጃን ፈላሊኹም’ዶ መቅረብኩምልና? ንስምኦን፡ ወዲ ካሳ፡ ተስፋልደት ወይ ንሳባ ኣሚኑ፡ ዓዱ ዝመላለስ መን ኣሎ? እታ ብላንድክሩዘር ካርቱም ዝኣተወት ሰብ’ኸ መን ትበሃል? ብዛዕባ ስግረ-ዶብ ትዛረቡ እንተሊኹም ድኣ፡ ተኽለ ማንጁስ – ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ሓደ፡ ዓፋን ከኣ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ሰባት ካብ ውሽጢ ኣስመራ ኣሽሓት ከፊሎም ንሱዳን ዝሰግሩ ዝነበሩ ብመንገዲ ክልቲኦም ዶ’ኸ ኣይኮኑን። አረ – ቢንያም ዝበሃል ወዲ ተኽለ ማንጁስ፡ ብድለላ – ሰብ ይቕርበሎም ምንባሩ’ውን ሰሚዐን ኣንቢበን ኢየ። ነዚኦም ድኣ ንምንታይ ንሒፍኩሞም? ንሕፈት ብመንጽር ፖለቲካ – እንታይ ኢዩ ትርጉሙ?  ንምንታይ ንሕፈት?  መድረኽ ሕጂ’ውን መልሱ !!!

ጭብጢ ቊጽሪ 8 ፡ – ኣብዛ እንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት ዕለት 01/01/2018 ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትካላት ዝተዓጻጸፈ ናይ ኤሌክትሪክ ክፍሊት ኣታኣታቲዩ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝገለጽዎ ምዕጻው 350 ትካላት፡ ኣብ 3ይ ሕጡበ-ጽሑፍ ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ።

“. . . ብርክት ዝበላ ትካላት ይዕጸዋሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን እተን ምስ ጀነራል ፍሊጶስ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ርክብ ዘለዎም ወነንቲ ትካላቶም ክሕደጋ ከለዋ እቲ ብጸቢብ ኣውራጃዊ ምትእስሳር ምስራሕ ዘዘውትር ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ድማ ንደቂ ከባቢኡ ይጣበቕ ምህላዉ ተሓቢሩ።” ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ።  ሊንክ  01/01/2018  ብራድዮ 29/12/2017

ኣብ ዕለት 29/12/2017 ዓ.ም ኣብ ፈነወ ራድዮኦም ብንባብ ከም እትዝርጋሕ ገይሮም። ኣብዚ’ውን “ደቂ ኣውራጅኡ ንብርጋደር ጀነራል ስምኦን ዝጣበቐሎም ኣያ ኣለዎም፡ መሳኪን ተወለድቲ ካልእ ከባቢ ግን ይስሕንዋ ኣለዉ . . . “ ኢዩ መልእኽቲ መድረኽ።

ናይ ፈነወን ጽሑፋትን ሰነዳቶም ክፍትሽ ከለኹ፡ ሓንቲ ኣቓልቦይ ዝሰሓበት ነውራምን፡ ቀደም ኣብ ግዜ ገድሊ ንብዙሓት ምሁራት ግዳይ ዝገበረትን ሓረግ ረኺበ። ኣብ ዕለታት 05/09/2015, 07/09/2017, 09/09/2017, 10/09/2017, 12/09/2017, 22/11/2017ን; ካብ ውሽጢ ሃገር፡ “ካብ ዲሞክራስያውያን ባእታታት ምንቅስቓስ ንፍትሓዊ ለውጢ ዝተላእከልና” ብዝብል ግን ባዕሎም ዝሰንዕዎ ዝመስል ሰለስተ ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣንቢበ። ብዕጽፊ ድማ ኣብ ፈነወታት ራድዮ ኣንቢቦሞ። እዛ “ዲሚክራስያውያን ባእታታት” ትብል ኣዘራርባ፡ ኢሰያስን ንሱ ዝመርሓ ሕብእቲ ሰልፍን፡ ነቶም “ሕራይ “ ኢሎም ዝተላኣክዎን ትእዛዛቱ ዝፍጽፍሙ ምሁራት፡ ካብቶም ዝበዝሑ፡ ግን ከኣ እቲ ሕማቕ ካብቲ ጽቡቕ ክፍለ ዝጠለቡ ካልኦት ምሁራት ንምፍላይ ዝተጠቕሙላ ሓረግ ኢያ። ናይ ሎሚ መራሕቲ መድረኽ ከኣ፡ ኣብታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝነበሩ “ብዲሞክራስያውያን ባእታታት” ዝተጠመቑ ምሁራን ምንባሮም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነቶም ብትውልድን ከባብን ኣብ ጸግዒ ናይቶም ብትሕተ- ሃገራውያን ከሲሶሞም ዘለዉ ተወለድቲ ሓደ ኣውራጃ፡ ብፍሉይ “ዘይዲሞክራሲያውን” ከም ዝብልዎም ዘተሓትት ኣይኮነን። ዲሞክራስን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ግን ኣብ ቃልዕ ወጺእካ፡ ተማጒትካን ህዝቢ ኣእሚንካን ዝግበር ስራሕ እምበር፡ ናይ ስልጣን ጽምኢ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ዝዕድልዋ ወይ ብመለኽቲ እትዕደል ማዕረግ ኣይኮነትን። መድረኽ ነዛ “ዲሞክራስያውያን ባእታታት” ትብል ሓረግ ክጥቀሙላ ምፍታኖም ድማ፡ ንኣሰራርሓ ናይታ ኣዕቊባቶም ዝኣተወት ሕብእቲ ሰልፊን ቀንጻሊ ኣሰራርሓኣን ከም ዘለዎ ክጥቀሙሉ ዘለዎም ጥሙሕ ኢዩ ዘነጽር።

ዜናታት መድረኽ ብመንጽር ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ

መድረኽ ነዞም ብጸቢብነት፡ ኣውራጃነት፡ ዓዳዊ፡ ከባቢያዊ” ሕማም ዝኸሰስዎም መኮነናት ሃገራዊ ድሕነት፡ ንደቂ ከባቢኦምን ደቂ ኣውራጅኦም ነጻ እናገበሩ፡ ካብ ተወለድቲ ካልእ ከባብን ኣውራጃን ብጉቦን ብዓመጽን ብዙሕ ገንዘብ ኣኪቦም ‘ወነንቲ ብዙሕ ር/ማል ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፡  “ዘይ ናትና ወገን ኢሎም ንዝፍርጅዎ” ሰብ’ውን ፈልዮም  ከም ዝኣስሩ፡ ማእሰርቱ ከም ዘጋድድሉ፡ ከም ዝቐትሉን ኢዮም ዝነግሩና ዘለዉ። ሓቂ ንምዝራብ መራሕቲ ሃገራዊ ድሕነት (እዞም ተጠቀስቲ ጥራይ ዘይኮኑ ኩሎም) ልዕሊ ገንዘብ ዝሕተትሉ ገበናት ክህልዎም ግድን ኢዩ። ሓለፍቲ መድረኽ ከኣ ነቲ “ተገይሩ” ዝበሃል ገበናት እናኣልዓሉ፡ ግን ከኣ ጸግዒ ከይወሰዱ፡ እንተዝዛረቡሎም ንሕና’ውን ምደገፍናዮም። ብመንገዲ እዞም ተኸሰስቲ መኮነናት ኣቢሎም፡ ናብ ህዝቢ’ቲ ተኸሰስቲ መኮነናት ዝተወልዱሉ ኣውራጃን ከባብን ዘነጻጸረ ዘመተ የካይዱ ስለዘለዉ “ሓሶት” ክንብሎምን፡ ብኣንጻሩ ላዕለዎት  ገበነኛታትን ዝበዝሐ ገንዘብን ሓይልን ዘለዎም መኮነናት በዓል መን ምዃኖም፡ ናይ ገለ ኣብነታት ወሲድና ከነዘኻኽሮም ኣድላዪ እመስለኒ። እነሆ ከኣ

  1. ጀነራል ፊሊጶስ ወልደ ዮውሃንስ፡ – ናብ ስርሒት ዞባ 5 (ኣስመራ) መጺኡ፡ ንዝበዝሐ ጸጋታት ሃገር ቅድሚ ምቁጽጻሩ፡ ሓላፊ ስርሒት ዞባ 2 (ዞባ ጋሽ-ባርካ) ከሎ ዝፈጸሞ ግፍዕን ዝኣከቦ ሃብትን ማእለያ ኣይነበሮን። ገለ ካብኡ፡ ካብ ሕርሻ ዓዲ ዑመር፡ ኩባንያ ህንጻ ባድመ፡ ብትሑት ብቅዓት ዝተሰርሐ ህንጻታት ኣቑርደት፡ ምስ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ዝነበሮ ቁጠባዊ ምትእስሳር፡ ብስም ሱዳናውያን ዝኣቱ ዝነበረ ናይ መግቢ ዘይቲ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ዝነበሮ ረብሓን ምትእስሳርን፡ ኣብ መቀያየሪ ኣቑሑ (spare parts) ዝነበሮ ተዋስኦን ክጥቀስ ይከኣል። ብነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ክልቲኡ ወቕቲ ሃገርና (ዓድን ባሕርን) ብፊስቶታት መዓር ዝሓልብን ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ካልእን ልኢኹ፡ ክብ ዝበለ ገንዘብ ዘእቱ እንኮ ጀነራል ከኣ – ጀነራል ፊሊጶስ ኢዩ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክብ ዝበለ ንግዲ ዘዋፍር ኮይኑ፡ ነቲ ብስም ካልኦት ሰባት ዘካይዶ ንግድን ወፍርን፡ ኣብ ኡጋንዳ ጓሉ ኣቐሚጡ ይቆጻጸሮ።

ፊሊጶስ ናብ ስርሒት ዞባ 5 (ኣስመራ) ምስ ተቐየረ ይኹን ቅድሚኡ፡ ዳርጋ ኩሉ ሃብቲ ሃገር እንተላይ እቶም ብኣውራጃነትን ወገንን ትኸስዎም ዘለኹም፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ኢዮም ዝመሓደሩ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ጀ/ል ፊሊጶስ ዘይፈልጦ ስራሕ ወይ ‘ንጀ/ል ፊሊጶስ ዝብድህ ካልእ ጀነራል ኣሎ’ ንምባል ዝሕሰብ ኣይኮነን። ነዚ ብወገንን ኣውራጃን ተቖማጥዕዎ ክስታት ከኣ ብዘይ ኣፍልጦ ጀነራል ፊሊጶስ ኢዩ ዝግበር ኢልኩም ከተእሙኑና ኣይትኽእሉን ኢኹም። ከምዚ እንተኾይኑ ከኣ ጀነራል ፊሊጶስ ‘ሸያጥ ኣውራጅኡ’ ኢልኩም ክትከስዎ እንታይ ተሪፉኩም።

  1. መጀር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ)፡ – ተኽለ ማንጁስ ኣብቲ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ክልተ (2) ኣብ ዝነበረሉ እዋን – ካብ ዝተሃገረ ወርቂ፡ ብረሻይዳን ሃረንድዋን ካብ ዝካየድ መሸጣ ኣጽዋር፡ ኣብ ርብዳ ንተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን (በጃ) ዝግበር ዝነበረ ካብ ናይ ሽኮርን ፊኖን ሓገዝ፡ ምስ መብሩክ ሙባረክ ሳሊም ዝተባህለ ሱዳናዊ (ረሻይዳ) ዝነበሮ ናይ ረብሓ ምትእስሳር፡ ብኣፍልጦ መንግስቲ ናብ ረሻይዳን ሕዝቡላህን (ሊባኖስ) ዝለኣኽ ካብ ዝነበረ ኣጽዋር ዝርከብ ኮሚሽን፡ ካብ ምስግጋር ዜጋታትን መሸጣ ሰባትን ካልእን ዝነበሮ ኣታዊታት፡ ኣብ ትሕቲ ስርሒት ዞባ ሓደ – ምክትታል ዶባት፡ ካብ ቃሮራ ክሳብ ግርማይካ ተዘርጊዞም ካብ ዝነበሩ ንቑጣታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ቤት ማእስርቲ ዜጋታትናን፡ መሸጣ ሰባትን ኮላሊት መንእሰያትናን ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ከም ዝኣከበ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓው ኢሎም ተዛሪቦሙሉ ኢዮም። ብመንገዲ በዓል ነብሲ-ሀር ሳምሶም ወዲ ቀሺን ዘርእጋብርን ኣብ ንግድን ወፍርን ተዋፊሩ ምንባሩ’ውን ይዝረብ ኢዩ።

ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግምባር (ዞባ ዓንሰባን ጋሽ ባርካን) ኮይኑ፡ ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ዘሎ ምምሕዳራዊ፡ ጸጥታዊ ኮነ ሃብቲ ሃገር ክቆጻጸር ምሉእ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ኢዩ። ካብ ኢማራት ተገዚኡ፡ ኣብ ባጽዕ ተራጊፉ፡ ብባርካ- ብመንገዲ ራሻይዳ ምስ ሃብታማት ሱዳናውያን ብምምሽጣር፡ ብኮንትሮባንዶ ናብ ሱዳን ዝሽየጥ ዝነበረ ሽኾር፡ ኣልኮላዊ መስተን ኤለክትሮኒክ ኣቑሑትን ብመንገዱ ኢዩ ክካየድ ጸኒሑ። ካብዚ’ውን እዚ ዘይበሃል ሚልዮናት ገንዘብ ከሲቡ ኢዩ። ካብ መሸጣ ዝዓነዋ ተሽከርከርትን ሓጻውንን ዝኣቱ ሚልዮናት ዶላር ብመንገዱ ይካየድ። ‘ንሰለስቲኦም ደቁ ነናቶም ሓደስቲ መካይን ገዚኡሎም’ ተባሂሎም ካብ ዝሕመዩ መኮነናት’ውን ሓደ መጀር ጀነራል ተከለ ክፍላይ (ማንጁስ) ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ ግን ብጩቚ ኣይበልኩምን !!! ስለ ምንታይ? ኣርእስትኹም ብልሽውና ዶ’ኸ ኣይኮነን?

  1. መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ – ተኽላይ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢዩ። ናብ ዱባይን ምብራቕ ኤውሮጳን ብቀጻሊ ዝገይሽን ኣብ ምግዛእ ኣጽዋርን ምንቅስቓስ ሸርፊ ወጻኢን ዝለዓለ ኢድ ዘለዎ እሙን ጀነራል ከኣ ኢዩ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር፡ ሓላፊ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሓላፊ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ኣቦ መንበር ማእከል ስልጠናን ምትሕግጋዝን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ብመንገዲ ነብሲ-ሀር ሃብታም ነጋዳይ ፍቕረ ዓንድማርያም ይሰርሕን ገንዘብ ይእክብን ምንባሩን፡ ኣብ እዋኑ ተገሊዱ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ መጀር ጀነራል ተኽላይ፡ ንብዙሕን ሰፊሕን መሓውራት መንግስታዊ ቀረብ፡ ገለ ካብኡ- ትካል ቀረብ መግቢ ሳዋ፡ ክፍሊ ልምዓት መዓስከር ምሕደራ ሃብቲ እንስሳ፡ ኩባንያ ህንጻ ሳዋ፡ ብስም ዋርሳይ ይከኣሎ ዝዕመሙ ስርሓት፡ ኣብ ጋሽ ባርካ (ሞሎቨር)ን ኣብ ሂምቦልን ናብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ዝውዕል ጠለባት፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ንዝስራሕ ሃንገራት፡ ናይ ዚንጎን ሓጻውንን ቀረብን ብቐጥታ ብትእዛዝ መጀር ጀነራል ተኽላይ ብመንገዲ ነብሲ-ሀር ፍቕረ የካይዶ ነይሩ። መጀር ጀነራል ተኽላይ ካብቲ ኣታዊታት ብዙሕ ገንዘብ ተመቒሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገለ ክፋል ካብቲ ኣብ ሕሳብ ፍቕረ ዝነበረ 347 ሚልዮን ናቕፋ’ውን ናቱ ናይ ወዲ ሃብተስሉስ ምንባሩ ኣብ እዋኑ ተገሊዱ ኢዩ።

እቲ ብመንገዲ ነብሲ-ሀር መጀር ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንድማርያምን (ዉጩ) ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶምን ተሰሚሙ ተቐቲሉ ዝበሃል ፍቕረ ዓንድማርያም፡ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ናይ እዋንና ጎባልል ጀነራላት ብዝነበረ ውድድር ከም ዝተቐትለ፡ ኩሉ ህዝቢ ኣስመራ ይዛረበሉ ነይሩ ኢዩ። እሞ ኣወሃሃድቲ ዜናታት መድረኽ፡ እዚ’ኸ ኣውራጃዊ ሕማም’ዶ ቁጠባዊ ረብሓ? ሎሚ’ውን ናይ ቀረባ ዓርክን መኻይድን ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ፡ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ቀረባ ዓርክን መዓልልትን ኢሰያስ ምዃኑ ዝንገረሉ ጀነራል ተኽላይ፡ ቁጠባዊ ኮነ ጸጥታዊ ኩነታት ኤርትራ ዝርሕቆ ኣይኮነ። እዃ’ድኣ መሬት ሓረስቶት ከባቢ ኣስመራ መንዚዑ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መዓላ ዘውዕልን፡ ብኣባላት ሓይሊ ኣየር ከም ዘስርሖን ይንገረና ኣሎ። መድረኽ – ብዛዕባ’ዚ ብጩቕ ኣይበልኩምን። እሞ ንሒፍኩሞ ድኹም ወይስ ከም መሻርኽቲ ክትጥቀምሉ?

  1. 4. ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን)፡ – ኣብ ብልሽውና ነዊሕ መሓውራት ዝነበሮ ዓፋን፡ ካብ ናይ ፖሊስን ጸጥታን ህንጻ ደቀምሓረ ካብ ዝተሰልዐ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከም ዝሰረቐ፡ ኣባላት ፖሊስ ብወገንነትን ብረብሓን የጣይስን የፋኑን፡ ብምስምስ ጥዕናዊ ጸገም ናብ ወጻኢ ክገሹ የፍቕድ ምንባሩ፡ ምስ ተኽለ ማንጁስ፡ ወዲ ሊቀ፡ ሌ/ኮሎነል ብርሃነ ተስፋማርያም፡ መጀር ኣስመሮም ኣስጎዶም ፍሉይ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ከም ዝነብሮ፡ ኣብቲ ዘረፋን ጸይቅን ንገለ መቕርቡ- ክስዕብ ካብ ዝኽእል ተሓታትነትን ሓደጋን ንምኽዋል ይጽዕር ምንባሩ፡ ገለ ወገናት ኣብ ዝጸሓፍዎ ጸብጻባት ተገሊጹ ኣሎ። ከም እሙን ኣገልጋሊ መጠን ሕጂ’ውን ሓለቓ ስታፍ ምብራቓዊ እዚ ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝተዋፈረ መኮነን ኢዩ።

ነቲ ምስ ፊሊጶስን ተኽላይ ሃብተስላሴን ወጊኑ ዝሃብተመ መንእሰይ ፍቅረ ዓንድማርያም፡ ብመርዚ ተሰሚሙ ንኽቕተል ዘወሃሃደን ዝመርሐን’ውን፡ ናይ ሽዑ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ – ብርጋደር ጀነራል ዓፋን ምዃኑ ኣብ ግዜኡ ኩሉ ሰብ ተዛሪቡሉ ኢዩ። መድረኽ ብዛዕባ’ዚ ብጩቕ ኣይበልኩምን!!!! መበገሲ ናይቲ ቅትለት’ከ – ኣውራጃ’ዶ ቁጠባ? መልሲ ካባኹም !!

  1. ነብሲ-ሀር መጀር ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንድማርያም፡ – ዉጩን ተኽለ ማንጁስን ክልቲኦም ምስ ሚድያን ሆተል ኮሚሽን ክግበረሎም ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ይዝረብ። ዉጩ ንተወለድቲ ሓማሴን ብፍላይ ንተወለድቲ ካርነሽም፡ ኣያ ኮይኑ ይሕግዞም ምንባሩ፡ ናብ ስርሒት ዞባ ክልተ (ዞባ ጋሽ ባርካ) ምስ ተቐይረ፡ ጥዕንኡ ኣመኽንዮም ናብ ስርሒት ዞባ 5 (ኣስመራ) ክምለሰሎም ዝሓተቱ ደቂ’ቲ ከባቢ ምንባሮም፡ ካብ ካርነሽም ዘይኮኑ ደቂ ካልእ ከባቢታት ሓማሴን፡ ምስ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ ይተሓብብሩ ኣለዉ’ ተባሂሎም ይውንጀሉ ምንባሮም’ውን ሰሚዐን ኣንቢበን ኣለኹ።

ነብሲ-ሄር መጀር ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንድማርያም (ዉጩ) ኣብ ዓድታት ኣከለጉዛይ ዝዛረቦ ዝነበረ ዘይእርኑብ ዘረባታት ኣይበጽሓኩምን ኣይብልን። ሰማዕቲ ግን ኣብ ከምዚ ናታትኩም ደረጃ ወሪዶም ምስ ዓዱን ኣውራጅኡን ኣየተኣሳሰሩዎን። ንሳቶም “ንስኻ ኣይኮንካን ገበነኛ፡ ንዓኻ ክንድዚ ዝኣክል ስልጣን ሂቡ ናብዚ ዝሰደደካ ሰብ ኢዩ ጌገኛ!!” ኢሎም ኢዮም መሊሶሙሉ። መጀር ጀነራል ዉጩ ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ዝዛረብ ዝነበረ ከኣ፡ ዓሻ ስለ ዝኾነ ወይ ስለ ዘይፈልጥ ዘይኮነስ፡ “በል” ተባሂሉ፡ ወይ ተላኢኹ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ ኢዩ። መድረኽ ብዛዕባ’ዚ ብጩቕ ኣይበልኩምን፡ ስለምንታይ? ብዛዕባ ዓድን ኣውራጃን’ዶ ኣይኮንኩምን ትዛረቡ ዘለኹም !!! ንሕፈት’ዶ ግድፈት?

ኣዳለውቲ ዜናታት መድረኽ – ብዛዕባ ብትሕተ ሃገራዊ ስምዒት ሰባት ምፍልላይ ትዛረቡ እንተሊኹም ድኣ፡ ንመልኣከ ወዲ ፊተውራሪ ናበይ ገዲፍኩሞ? ብዛዕባ ገበናት ትዛረቡ እንተሊኹም’ከ ነቲ ንስንኩላን ኲናት በተመልከተልይ ዝቐዘፈ ፍጹም ወዲ መምህርን፡ ሰብ ብምርሻን ዝፍለጥ ሓረጎት ፍርዙንን ናበይ ተረሲዕም? ወይ ንምንታይ ተናሒፎም? እቶም ንወታደራዊ ስርሓት ዘይኮነ፡ ናይ መራሒኦም ገዛውቲ ክሰርሑ ብመኪና እናኸዱ ከለዉ፡ ኣብ መንጉዳ ተገምጢሎም ዝጠፍኡ መንእሰያት ኤርትራ’ኸ? ብዛዕባ ኣውራጃን ወገንን ትዛረቡ እንተሊኹም’ከ በቶም ኣብ ባር ውሪሕሪሕ ዝራኸቡ ዝነበሩ መኮነናት ምክልኻል፡ ኣስማት ኣውራጃታትን ከባቢታትን እናልዓልካ ዝግበር ዝነበረ ምክሽማሽ ንምንታይ ብጩቕ ዘይበልኩም? ከም ዓለውቲ ኢሰያስን ናይ ሓዋሩ መሻርኽትን ስለ ትጽበይዎም ዶ’ኾን ይኸውን? መልሲ ናባኹም መድረኽ!!!

 

ኣብ 4ክፋል የራኽበና

ታደሰ ኪዳነ

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

<script src=”https://apis.google.com/js/platform.js”></script>
<div class=”g-ytsubscribe” data-channelid=”UCMKaCcIDaPJc7ELfP75UeYA” data-layout=”full” data-count=”hidden”></div>

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Asmerom February 22, 2018

    Eritrea’s main and only problem are the ROOTLESS CANCEROUS MUSLIMS & the poisonous SNAKES AKELEGUZAY.

    • Asmerom February 22, 2018

      Also not to forget the deKhalu kurkur riffraffat foot soldiers/mercenaries of the old criminal, corrupted evil Islamic barbaric ELF mendef shit beasts.

      • Asmerom February 22, 2018

        correction: please read as vicious korakur ELF mendef supposedly still fighting/barking from their crippled beggars savage Islamic/deKhalu wheel chairs.

  • degoli February 22, 2018

    What makes the Eritrean “opposition” useless is the fact that it wastes so much time time talking and insulting other opposition groups.
    This kind of political culture and society produces worthless opposition and hopeless political system. Talking about a little organization called “Medrek” day and night does not fix Eritrea’s sick political system that started with Jebha and Shaebia decades ago.
    In short, all of you are worthless and useless, not better than the old Jebha and Shaebia.

    • Asmerom February 22, 2018

      Brother Degoli, worthless people create worthless nation and these unashamed fascist Italian and savage evil muslim Arab slave dogs live to blame others for their disastrous failures/losses.
      Don’t forget these so-called opportunists toothless, gutless, spineless and vision less deKhalu deki eraymirayat goHafat are supposedly still fighting for an evil diKhala Arabic flag for poor Eritrea.

  • Ysmer February 23, 2018

    The writer is right with facts. Please lets clean our way for future generations and our beloved nation.

  • Haile Berhane February 23, 2018

    Both of the above are PFDJ thugs. So, I advise that nobody bother about their useless utterance.

    • kokhob February 23, 2018

      Lets please hear your ‘useful utterance’ advises or solutions for unfortunate Eritrea?

  • Mahta February 23, 2018

    Mr Kidane,
    What you are trying to say in simple words is simple you are trying to convice as that, Dr Assefaw is a regionalist and he is especially against the Akele people.
    Well, if that is the case and like you said if the people from his region are dominating the power in the gvt what is he doing in diaspora??? potentially he can be a top ranking official both because he is a qualified and educated and because he got lucky to be born from that particular region (I`m saying this based on your all time theory).
    I can assure you that people like you are damaging the oppossition intentionally or out of ignorance!

    • Simon G. February 24, 2018

      ኣይተትንክፎም ‘ንዶ ኣይትበል: ማሕታ ነብሲ።
      መድረኽ በለጸኛታትን: ገበነኛታትን ‘ዮም። ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ገበነኛታት ትጣብቕ? ዶ ዋላስ…….

      • mahta February 24, 2018

        Simon G arkey kemea ilka aleka beqa??this guys intention is poletical which ultimately serve hgdf. It was done in the past and only brings division among the oppossition camp again he is doing it again.
        Its the old game again akeleguzay vs the rest….adkimkumena!! one day if i`m the president i will garent you with refreendom! ha

        • Zgeremo February 24, 2018

          Brothers and sisters: Mahta’s entry summarises one dangerous secret which some individuals have been trying to do in a subtle way. Mahta wrote: “Its the old game again akeleguzay vs the rest….adkimkumena!! one day if i`m the president i will garent you with refreendom!” [sic, referendum.]
          Really?!
          We are told that it is Akeleguzay versus the rest. Very strange! And very venomous statement.
          This is a hidden but unholy tactic – that is, to corner and marginalise one region by portraying them as if they were against every other region. How shot sighted and really sad!
          We Eritreans are few in number and we have limited resources. We will be even weaker when we engage in marginalising one region….I do not want to imagine what the consequences of such recklessness will be.
          Certainly, the intellectual and the political class should have known better.
          It is sad that we ended up in this lowly discussions as a result of the skewed views and intentions of our highly qualified compatriots.
          Eritreans need to gather together and discuss these issues as matter of urgency. Otherwise we will fall on our own swords.
          I hope the intelligentsia will wake up and educate the public against the destructive tendencies. Marginalization and exclusionist tendencies should not have been entertained by any anyone, but especially by those who claim to have national agenda. Hope to see common sense prevailing against all obstacles.
          Thanks

        • Simon G. February 25, 2018

          mahta nebsi,
          What you always advocate is for the aggressor.
          Think of this for a moment. A guy step over your foot and he complains why you feel the pain rather than appreciating that he is doing for your benefit. For a normal person, it is an absurd but for people like you that is normal.
          What can I say, you live in a a 6-dimensional world. Maybe a string theory can help?

          • Mahta February 25, 2018

            Simon arkey!
            I`m advocating the truth! I`m against people who tried to interpret things in their own words to achieve their poletical agenda.

  • Zgeremo February 23, 2018

    This information is very depressing! I always wondered why most members of Medrek happen to be member of the EPLF’s infamous clandestine Party. If these learnt individuals have been disseminating this kind of propaganda we must ask ourselves hard question: what is their purpose? What do they want to achieve? Do they really want to see change in Eritrea? If so what kind of change? What happened to fraternity, common sense, common purpose, common destiny, common history!!! Do they really want to serve the Eritrean people? If so don’t they think we Eritreans are all equal? Would they treat us all with equal rights? They need to be asked hard questions. Equality of coverage in the media is one of the criterion of any fair broadcaster. Honesty is one features needs here.
    A woman and her 5 children have gone to the Sudan. Suddenly this is the work of a regionalist general? Could she not get favour through money, marital or extra marital relationships… or else. A general helps a woman for no other reason but regionalism is an absurd stipulation. A woman travelled to the Sudan by a car, and this story gets a regionalist twist? One should wonder whether the whole thing is being seen through a regionalist lens. Very sad indeed!
    Then again when did purging one’s people to exile become a privilege? A woman and 5 children went in exile …’ This should be a news for a different reason: families cannot live in Eritrea… pfdj is purging our country!
    Medrek: in particular the prominent individuals such as Dr Asefaw, Dr, Ambassador Andeberhan, and Ato Habtemariam, please kindly do some soul searching and make amends to your hurtful utterances.
    Change your mission: we need unity not division. Our people is perishing, our country is sliding down hill. You cannot tell us you did not know what you were doing. Even if you didn’t know, it is another reason for you to make the necessary self-search and make commendable changes. Even Ali Salim made a U-turn at some point, although half-heartedly. Please be kind to your people. Unity is what we need. Any Eritrean who does not contribute to unity, they are destructive.
    I commend the writer for his meticulous inquisitiveness, his courage, and his commitment to the Eritrean cause. Thank you Sir, for bringing this matter out to the public arena. To my peril I never listened to the Medrek Radio, nor have I read their literature. What I have learnt now is truly an overdose.
    Eritreans: we are in deep crisis. We urgently need to address the divisions which are being perpetrated by our politicians. Anyone who operates on our behalf, we must have the courage to ask them hard questions. We do not need any favours from anyone: but we must demand the rule of law, equality, transparency and fraternity. = UNITY of Eritreans is the only guarantee for our survival.
    Thank you

    • Nebro February 24, 2018

      አዞም ሰባት ፋሕ ኢዩ ኢልዎም። በቲ ሓደ ወገን ዘዕበዮም ነጻልን፡ ሽርሕዊ ባህሎምን ኢዩ አቲ ጠንቒ። ንዓሊ ዓብዱ አንዳተወከሱ ኢዮም፡ “ካብ ዊሽጢ ኣስመራ ዝረኸብናዮ” አንዳበሉ ከደናግሩና ክልተ ዓመቶም ደፊኖም። ዓሊ ዓብዱ ዕጫ ተኽላይ ዓደን ዝበጽሓቶ ኢሳያስ “ጺቕ!” ምስበለሉ ኢዩ።
      ሱር ነገር፡ አንግታይ ኢዩ? ምስ ኢሳይስ ፍቕሪ አንከሎ ዝፈርሑዎ ዝነብሩ ኩሎም እቶም ኣብ ዙርያ ኢሳያስ ዝርከቡ ዋርዳያትት ከም በዓል ውዲ ካሳ፡ ስምኦን`ውን ገጽ ከሊኦሞ ፡፡ ጥፋእ ክብሎ ድማ (ጠፊኡ ውን) ምስ ተስፋልደትን፡ የማነ ማንክን ከይተረፈ `ሕለፊያ` ኮይኑ። ንብይኑ ተሪፉ፡ ኣንጸርጺሩ ናይ ቐቢጸ-ተስፋ ውሳነ ወሲዱ። ነታ በዓልቲ ዓቢ ተስፋን ብልህን ዝነበረት ጓሉ ከውጽእ ዝነበሮ መደብ ፈሽልዎ። እይሃበና! ግን ከኣ ኢዱ ኢያ ረኺባቶ፡ አታ ንጽሕቲ ቆልዓ ከኣ ናይ ሓጥያቱ ተከፋሊት ኮይና። በዚ ዝሕጎስ ክህሉ ኣይክእልን።
      ሓው ታደሰ፡ ነዚ ነውርም ስራሕ መድረኽ ኣትኩሮ ሂብካ ነዚ ታንተነ ስለዘቕረብካልና ደጊመ ኣመስግነካ። ብዙሕ ነገር ንኽሻሕ ድማ ኣኺኢሉ። ኢቲ ንመድረኽ ናብዚ ጉሁም እዚ ድርግም ዘበሎም፡ ብዘይካ`ዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ዘዕበዮም ባህሊ፡ ኣሎ። ናብ ሓደ ኣካል ከበሳ ዝኾነ ህዝቢን ዝቀንዕ ተጻብኦን፡ ግጉይ ኣመለኻክታ ኣብ ንቕሓት ህዝቢ ኢዩ በቲ ሓደ ወግን ኢዩ። ንሓደ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ዝነብር፡ ኣሽንኳይ ዶ ኣብ ደንበ ፍትሒ ኣትዩ ክቓለስ፡ ኣብ ርጉእ ኩነተ-ኣእምሮ ንዘየለ፡ መጠኑ ዝሓለፎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ተሃኑን ከውጽእ ኣብ ልዕሊ`ቶም ናብ`ዚ ዘለኾዎ ኩነት `ኣውዲቖምኒ` ዝብሎም ኣባላት ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝበሃሉ ዋርድያታት ኢሳያስ ናይ ዝዕቕሙ መጣቓዕቲ ፈንዩ። እሞ ንሳቶም ከ ቑሩብ ብሓደ ኣፊቱ?
      አቲ ጸገም መድረኽ ንዓሊ ከም ኣባሎም ምስ ህዝቢ ኣየፋለጡዎን። ምኽንያቱ ድሮ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ መሑየዲን ሽንገብ ዕቓበ ከምዘልለዎ ስለዝፈልጥ። ስለዚ ካብ`ዚ ከይተበገሰ ዝፈሸለ ናይ ዓያሹን፡ ስሱዓትን፡ ነጸልትን፡ ሜላ ሕጂ`ውን ዝረብሕ አንተሎ ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡ ህግደፍ ከኣ ንዓዓቶም ይቐርብ። ይዋእዩ እቲ ኣብ ሲኦል ዘሎ ህዝቢ አምበር። ኣይከም ትምህርቶምን፡ ጭሕሞምን፡ ሽበቶምን። `ነዚኤን ክጥሕና`ዶ ክንድዚ ትርህጻ?

    • ታደሰ ኪዳነ February 24, 2018

      zgeremo
      A woman and her 5 children have gone to the Sudan. Suddenly this is the work of a regionalist general? Could she not get favour through money, marital or extra marital relationships… or else. A general helps a woman for no other reason but regionalism is an absurd stipulation. A woman travelled to the Sudan by a car, and this story gets a regionalist twist? One should wonder whether the whole thing is being seen through a regionalist lens. Very sad indeed!
      Then again when did purging one’s people to exile become a privilege? A woman and 5 children went in exile …’ This should be a news for a different reason: families cannot live in Eritrea… pfdj is purging our country!
      thank you very much. ናይ ብሓቂ ብሱል ትንታኔ። ንስደት ከም ዓወትን ጉንዖን ክትርእዮ ምፍታን ንባዕሉ፡ ናይ ዘይዝሱል ሰብ ኣተሓሳስባ ኢዩ።

      • Zgeremo February 25, 2018

        ዝኸበርኩም ኣቶ/ተጋዳላይ ታደሰ፥ እግዚኣብሔር ይሃበለይ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣዝዩ ገሪሙኒ ስለዘሎ ደጊመ ነታ ዓንቀጽ ኣንቢበያ። ካብቲ መድረኽ ዝበሉዎ ድማ እዛ ጥቕሲዚኣ ክደግም፥
        “. . . ቀንዲ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብዘለዎም ሓይሊ ተጠቂሞም፥ እሱራት ኣብ ምውጻእ፡ መውጽኢ ቪዛ ኣብ ምውሃብ፥ ምስ ደቆም ስግረዶብ ኣብ ምኻድ ንዝተታሕዙ ስድራቤት ነጻ ኣውጺእካ ዳግማይ ናብ ስግረ ዶብ ምፍናው ዝኣመሰሉ ተግባራት ገኒኖም ምህላዎም ተሓቢሩ።“ ጉዳም ዘረባ!
        ዘበን ግሪምቢጥ ደኣ ኮይኑ እምበር፥ ጉንዖ ዝበሃል ንሓደ ሰብ ወይ ስድራቤት ኣብ ሃገሩ ክነብር እንተ ሓገዝካዮ ኢዩ።
        በዚ ኣበሃህላ`ዚ፡ ኣብ ኮንተይነራትን ኣብ ጎዳጒዲን፡ ኣብ ሃሩርን ኣብ ዛሕልን ተቐዪዶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ በብሓደ እንተ ጸብጸብናዮምስ ደቂ ኣከለጉዛይ ዝወሓዱ ኮይኖም ክንረኽቦም ማለት ድዩ? ብዘለኒ ናይ ነዊሕ ትዕዝብቲ፥ እዚ ጻዕዳ ሓሶት ኢዩ!

        ቪዛ ዝወሃቡ ሰባትከ ደቂ ኣየናይ ኣውራጃ ኾን ይኾኑ ዝበዝሑ? እትፈርስ ዘላ ሃገርስ፡ ኣብዚ ዓይነት ደቀቕቲ ጸብጻባት ኣቲኻ ኮለል ምባል፥ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ኤርትራውያን ምንሓፍዶ ኣይከውንን?

        ብጎቦጎቦ፥ “ንሓደ ከባቢ“ ኢልካ ካብ ምዝራብ ብግህዶ ምዝራብ ይሓዪሽ። ኣብ ቃልዕ ክንዛረበሉሞ፡ እቶም ግጉያት ክእረሙ፡ እቶም ክፉኣት ድማ ክሓፍሩን ክግለፉን ተስፋ ኣለኒ።
        ነባር ተጋዳላይ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ “ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ“ ኣብ ዝብል ዝጸሓፎም፥ ኣብ ገሊኡ ዓድታት ብማይቤት ወተሃደራዊ ስልጣን ተዓዲሉ ከምዘሎ ይዛረቡ ኢዮም። ንሳቶም ድማ ደቂ ሓማሴን ኢዮም። እዚኣቶም ግን፥ ሃገረ ኤርትራ እንዳ ፈረሰት፡ ንሕዝቢ ሓማሴን እንታይ ይገብሩሉ! ምንም!

        ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት፡ ክጎንዕ ዘይኮነ ኬፍርስ ኢና ንርኢ ዘለና። እዚ ጭካኔ እዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሕብረተሰብና ዝርኤ ኣይኮነን። ካብ ወጻኢ ተቐዲሑ ዝተተኽለ ጨቋኒ ጽንሰ-ሓሰብ ኢዩ።

        ንዓይ ከምዝመስለኒ፡ ሕግደፍ፥ ኣባላት ውሽጣዊት ሰልፊ ይኹኑ እቶም ናይ ደገ ተለኣኽቶም፥ ንዝኾነ ይኹን ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውክሉን ዝሓልዩን ኣይኮኑን። ንስልጣኖም ዜስግእ ሰብ ዘበለ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ኢዩ ዝኣቱ ዘሎ።

        ልኡኻት ውሻጠ ህግደፍ ንደቂ ሃገር፡ በውራጃን ብወረዳን ብሃይማኖትን ብውድብን፥ ሓስዮም ከጸልሙ ክንሰምዕ እነሆ ልዕሊ 20 ዓመት ኮይኑ ኢዩ። ብዝያዳ ዘተኮሩላ ኣውራጃ ድማ ኣከለጉዛይ ኢያ። ንለባም ገሪሙዎ፡ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ ጸሊእናዮ!

        ህግደፍ ኤርትራውያን ፋሕ እንተበልና ኢዮም ስልጣኖም ዝሕዙ፥ ሃገር ድማ ዜፍርሱ። እንተ ሰሚርና ኣይክዕወቱሉን ኢዮም። ስለዚ ህግደፍ ህዝቢ እንተ ዘይፈላልዩን፡ እንተዘይ ኣሲሩን፡ ፋሕ እንተ ዘይኣቢሉናን ኣብስልጣን ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። ንህግደፍ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንበድሃዮ።

        ንዓይ ዝገርመንን ዜሕዝነንን ግን፡ እቶም ፍልጠትን ዕድመን ዘለዎም ሰባት፡ ነዚ ክፋእን ትፋእን ዝኾነ ሓሳብ፡ ኣብ ክንዲ ዝብድህዎ፡ ኬራጉዱዎ ምስማዕን ምዕዛብን ኢዩ። እቲ ዝዝርጋሕ ዘሎ መርዚ-ሓዘል ወረታት ንብዙሓት ግሩሃት ከምዘደናግር ይርኣየኒ ኢዩ። ኩላትና ክንብድሆ ኣለና!
        ካብ ቤላቤልውን ካብ መርዛም ዘረባን ክንወጽእ ግን፥ ለባማትን ምሁራትን ጥዑይን፡ ሃገርውን፡ ማዕርነታውን ኣተሓሳስባ ክምህሩና የድሊ ኣሎ።

        ሕጂውን ደጊመ ንመድረኽ፥ ምስቲ ዕብየቶም ዝመጣጠን ብስለትን ጥበብን ጌሮም፥ ካብ ጌጋታቶም ተኣሪሞም፡ ካብ ናይ ህግደፍ ዝሓሸን ዝተፈልየን መትከልን ኣገባብን ክኽተሉ፡ ብትሕትና እልምኖም።

        “ካብ መድረኽ ደኣ፡ ህግደፍዶ ኣይሕሹናን“ ዝብሉ ሰባት ይስምዑ እዮም። ሓደ ካብዚኣቶም፥ ነፍሰኄር ድ/ር ተወልደ ተስፋማርያም ይርከቡዎም። ብእዝነይ ሰሚዔዮም እየ። ብምንታ ምኽንያት ኮን ይኸውን?

        ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝሰሊ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ሕማቕ ዘመን፡ ንሓድነት ኤርትራውያን ኣደልዲሉ፡ ብማዕርነት ዘይርኢ፡ ብግሉጽ ኣገባብ ዘይከይድ፡ ንሱ በታኒ ኢዩ። ንዓና ግን ኣብ ኣውራጃውን ካልእ “ትሕተ-ሃገራውን“ በዓትታት ተሓቢኡ ዝንቀሳቐስ ስራይ ሕብረተሰብ ኣይኮነን።

        ሰላምን ፍቕርን የውርደልና ልዑል ፈጣሪ።

  • Sol February 24, 2018

    ካብ ቀንዲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ህግ ዓማ ሓራዲት፣ ዓማ ወገናዊት፣ ዓማ ሃይማኖታዊት መራሕቲ ዓማ መስፍናውያን ወዘተ ነሩ ሎሚ ነዚ ቅድሚ ኣርባዓ ዓወት ነሩ ዝተባህለ ማለት ህግ ዘይሓራዲት ዘይሃይማኖታዊት፣ ዘይወገናዊት መራሕታ ኣብነት ደሞክራሲ ነሮም ኢልና እንተተቀቢልና ድሕሪ ናጽነት ኣብ ህግደፍ ኩሉ ርስሓት ትሕቲ ህገራውነት ውሕጅ ኮይኑ ንኤርትራ ይብሕጉጋ ኣሎ። እዛ ኣብ ሰብዓታት ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ነራ ተባሂሉ ዝተነግረላ ውድብ ከመይ ኢላ እያ ኣብ ናይ ማከላይ ክፍለዘመን ስርዓት ተቀይራ?????

    • k.tewolde February 24, 2018

      Well placed Sol,the players are the same,they just changed names and positions in the political field.C. Rolando will remain the same regardless hows many different jerseys he puts on.For this Eritrean discord to change for the positive and the nation to embark into a new promising future an asteroid got to hit the place altering the landscape for good,otherwise we will keep on spinning the wheel like a ferret.You don’t expect to sip on a delicious frappuccino by putting boiled peanuts in the blender,would you?

      • AHMED SALEH !!! February 24, 2018

        Falsehood reigned for long time until we discovered the hidden truth .
        Our past full of lies and deceit shouldn’t make us look angry or regretting
        the lost chances but to look around realities in awareness .
        We can undo past but we can harvest knowledge from our failures .

  • Zgeremo February 25, 2018

    (እሩም) በጃኻትኩም ነጺኣ ንበቡ
    ዝኸበርኩም ኣቶ/ተጋዳላይ ታደሰ፥ እግዚኣብሔር ይሃበለይ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣዝዩ ገሪሙኒ ስለዘሎ ደጊመ ነታ ዓንቀጽ ኣንቢበያ። ካብቲ መድረኽ ዝበሉዎ ድማ እዛ ጥቕሲዚኣ ክደግም፥
    “. . . ቀንዲ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብዘለዎም ሓይሊ ተጠቂሞም፥ እሱራት ኣብ ምውጻእ፡ መውጽኢ ቪዛ ኣብ ምውሃብ፥ ምስ ደቆም ስግረዶብ ኣብ ምኻድ ንዝተታሕዙ ስድራቤት ነጻ ኣውጺእካ ዳግማይ ናብ ስግረ ዶብ ምፍናው ዝኣመሰሉ ተግባራት ገኒኖም ምህላዎም ተሓቢሩ።“ ጉዳም ዘረባ!
    ዘበን ግሪምቢጥ ደኣ ኮይኑ እምበር፥ ጉንዖ ዝበሃል ንሓደ ሰብ ወይ ስድራቤት ኣብ ሃገሩ ክነብር እንተ ሓገዝካዮ ኢዩ።
    በዚ ኣበሃህላ`ዚ፡ ኣብ ኮንተይነራትን ኣብ ጎዳጒዲን፡ ኣብ ሃሩርን ኣብ ዛሕልን ተቐዪዶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ በብሓደ እንተ ጸብጸብናዮምስ ደቂ ኣከለጉዛይ ዝወሓዱ ኮይኖም ክንረኽቦም ማለት ድዩ? ብዘለኒ ናይ ነዊሕ ትዕዝብቲ፥ እዚ ጻዕዳ ሓሶት ኢዩ!
    ቪዛ ዝወሃቡ ሰባትከ ደቂ ኣየናይ ኣውራጃ ኾን ይኾኑ ዝበዝሑ? እትፈርስ ዘላ ሃገርስ፡ ኣብዚ ዓይነት ደቀቕቲ ጸብጻባት ኣቲኻ ኮለል ምባል፥ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ኤርትራውያን ምንሓፍዶ ኣይከውንን?
    ብጎቦጎቦ፥ “ንሓደ ከባቢ“ ኢልካ ካብ ምዝራብ ብግህዶ ምዝራብ ይሓዪሽ። ኣብ ቃልዕ ክንዛረበሉሞ፡ እቶም ግጉያት ክእረሙ፡ እቶም ክፉኣት ድማ ክሓፍሩን ክግለፉን ተስፋ ኣለኒ።
    ነባር ተጋዳላይ ኣቶ ረድኢ መሓሪ፡ “ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ“ ኣብ ዝብል ዝጸሓፎም፥ ኣብ ገሊኡ ዓድታት ብማይቤት ወተሃደራዊ ስልጣን ተዓዲሉ ከምዘሎ ይዛረቡ ኢዮም። ንሳቶም ድማ ደቂ ሓማሴን ኢዮም። እዚኣቶም ግን፥ ሃገረ ኤርትራ እንዳ ፈረሰት፡ ንሕዝቢ ሓማሴን እንታይ ይገብሩሉ! ምንም!
    ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት፡ ክጎንዕ ዘይኮነ ኬፍርስ ኢና ንርኢ ዘለና። እዚ ጭካኔ እዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ሕብረተሰብና ዝርኤ ኣይኮነን። ካብ ወጻኢ ተቐዲሑ ዝተተኽለ ጨቋኒ ጽንሰ-ሓሰብ ኢዩ።

    ንዓይ ከምዝመስለኒ፡ ሕግደፍ፥ ኣባላት ውሽጣዊት ሰልፊ ይኹኑ እቶም ናይ ደገ ተለኣኽቶም፥ ንዝኾነ ይኹን ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውክሉን ዝሓልዩን ኣይኮኑን። ንስልጣኖም ዜስግእ ሰብ ዘበለ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ኢዩ ዝኣቱ ዘሎ።
    ልኡኻት ውሻጠ ህግደፍ ንደቂ ሃገር፡ በውራጃን ብወረዳን ብሃይማኖትን ብውድብን፥ ሓስዮም ከጸልሙ ክንሰምዕ እነሆ ልዕሊ 20 ዓመት ኮይኑ ኢዩ። ብዝያዳ ዘተኮሩላ ኣውራጃ ድማ ኣከለጉዛይ ኢያ። ንለባም ገሪሙዎ፡ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ ጸሊእናዮ!
    ህግደፍ ኤርትራውያን ፋሕ እንተበልና ኢዮም ስልጣኖም ዝሕዙ፥ ሃገር ድማ ዜፍርሱ። እንተ ሰሚርና ኣይክዕወቱሉን ኢዮም። ስለዚ ህግደፍ ህዝቢ እንተ ዘይፈላልዩን፡ እንተዘይ ኣሲሩን፡ ፋሕ እንተ ዘይኣቢሉናን ኣብስልጣን ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። ንህግደፍ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንበድሃዮ።
    ንዓይ ዝገርመንን ዜሕዝነንን ግን፡ እቶም ፍልጠትን ዕድመን ዘለዎም ሰባት፡ ነዚ ክፋእን ትፋእን ዝኾነ ሓሳብ፡ ኣብ ክንዲ ዝብድህዎ፡ ኬራጉዱዎ ምስማዕን ምዕዛብን ኢዩ። እቲ ዝዝርጋሕ ዘሎ መርዚ-ሓዘል ወረታት ንብዙሓት ግሩሃት ከምዘደናግር ይርኣየኒ ኢዩ። ኩላትና ክንብድሆ ኣለና!
    ካብ ቤላቤልውን ካብ መርዛም ዘረባን ክንወጽእ ግን፥ ለባማትን ምሁራትን ጥዑይን፡ ሃገርውን፡ ማዕርነታውን ኣተሓሳስባ ክምህሩና የድሊ ኣሎ።
    ሕጂውን ደጊመ ንመድረኽ፥ ምስቲ ዕብየቶም ዝመጣጠን ብስለትን ጥበብን ጌሮም፥ ካብ ጌጋታቶም ተኣሪሞም፡ ካብ ናይ ህግደፍ ዝሓሸን ዝተፈልየን መትከልን ኣገባብን ክኽተሉ፡ ብትሕትና እልምኖም።
    “ካብ መድረኽ ደኣ፡ ህግደፍ ኣይሕሹናን“ ዝብሉ ሰባት ይስምዑ እዮም። ሓደ ካብዚኣቶም፥ ነፍሰኄር ድ/ር ተወልደ ተስፋማርያም ይርከቡዎም። ብእዝነይ ሰሚዔዮም እየ።
    ብምንታ ምኽንያት ኮን ይኸውን?

    ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ሕማቕ ዘመን፡ ንሓድነት ኤርትራውያን ኣደልዲሉ፡ ብማዕርነት ዘይርኢ፡ ብግሉጽ ኣገባብ ዘይከይድ፡ ንሱ በታኒ ኢዩ።
    ንዓና ግን ኣብ ኣውራጃውን ካልእ “ትሕተ-ሃገራውን“ በዓትታት ተሓቢኡ ዝንቀሳቐስ ስራይ ሕብረተሰብ ኣይኮነን ዘድልየና።

    ሰላምን ፍቕርን የውርደልና ልዑል ፈጣሪ።

Post a Reply to mahta Cancel Reply