Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርድእ – ሓው ሓደራ ተስፋይ

29.04.1951 – 07.10.2017 መርድእ ብጻይ ሓደራ ተስፋይ ብ 29.04.1951 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ  ሞሰዳ/ እንዳዝማቲ ዑቕቢት፡ እንካብ ክቡራት ወለድቱ  ኣቶ ተስፋይ  ዘርኡን  ወ/ሮ ኣማረሽ  ኣበዶምን  ተወልደ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ  ከኣ ኣብ ዓዲ-ዃላን  ከተማ 

29.04.1951 – 07.10.2017

መርድእ

ብጻይ ሓደራ ተስፋይ ብ 29.04.1951 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ  ሞሰዳ/ እንዳዝማቲ ዑቕቢት፡ እንካብ ክቡራት ወለድቱ  ኣቶ ተስፋይ  ዘርኡን  ወ/ሮ ኣማረሽ  ኣበዶምን  ተወልደ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ  ከኣ ኣብ ዓዲ-ዃላን  ከተማ  መንደፈራን  ተማሂሩ ቀጺሉ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ብፍላይ ናይ ናብራ ዕብየት ሞያ ኣጽኒዑ ብምውዳእ ኣብ ሥራሕ ዓለም ተዋፈረ። ኣብ መጨረስታ  1974ዓ.ም.ፈ  ከኣ ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምእታው ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ሕዝቢ ኤርትራ  ንኽቃለስ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰለፈ። ኣብ ሕብረተ ሰብኣዊ ቤት ጽሕፈት ኣባል ምምሕዳር ናብራ ዕብየት ተመዲቡ ከኣ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት  ዝኣክል  ተቓሊሱ  ንብጾቱ  ዘቃለሰ  ምሁርን  ተባዕን መራሒ ነበረ። ሓደራ ተስፋይ ! ካብ ብዙሕ ገልጠምጠምን ኲናትን ዓውደ ውግኣትን ክሳዕ ናይ መጨርስታ`ውን  ብ1978 ዓ.ም.ፈ ካብ ወራር ኢትዮጵያ ብኡሞሓጀር – ጎልጅ  ኣብ ጎድኒ መስዋእቲ ኣብርሃም ተኽለ  ዝወዓለ ንኣሰር ዝወጸ  ምዑት ጅግና ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ኣጋ መፋርቕ 1980 ዓ.ም.ፈ ምስ ደቁን ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣሰፋሽ  ሻምበል  ወልደገብርኤል ኮይኑ ናብ ሃገር ጀርመን ተሰዲዱ ኣብ  መናሃርያ ከተማ  ሃምቦርግ ተቐመጠ። ኣብ ሃምቦርግ ናይ ሶሺያል ሰራሕተኛ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ብምግልጋል ብዝያዳ ከኣ ኣብ ሓልዮትን  ምሕብሓብን  ደቂ ትውልዲ ሃገሩ  ዘተኮረ  ኣቦ  ስኡናትን  ጽጉማትን  ብምንባሩ ኩሎም ተረባሕቲ  ጻማ ፍሪኡ  ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ መትከሉን ዕላምኡን ብምጽናዕ ንድሕነት ሕዝቡን ሃገሩን ደኺመ ከይበለ ዝተቓለሰ ሓቦኛ ኤርትራዊ ኢዩ። ሓደራ ! እንካብ ዝሓለፋ ቊሩብ ዓመታት ጀሚሩ ብሃንደበታዊ ሕማም ተጠቂዑ  ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ሕክምና ኣትዩ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ እታ ዘይትተርፍ  ጽዋዕ ናይ  ኲልና ሞት ኣርኪባቶ ብዕለት 07.10.2017  ቀዳም ምሸት ኣስታት ሰዓት 22፡00 ድ.ቀ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ብዕለት 14.10.2017 ኣብ መስቀላዊ ቤተ-ክርስትያን / Kreuzkirche ብናይ ሃገርና ኣገባብ ብስርዓተ ግዕዝ ፍትሓተ ቅዳሰ፡ ብዓጀባን  ክብርን ዝመልኦ ብዙሓት ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡ`ውን መላእ ቤተሰቡን ፈተውቱን  ካብ ኲሉ ዓለም ኣብ ዝተረኸቡሉ ተፈጺሙ ሬስኡ ግን ናብታ ዕትብቱ ዝተቐበረትላ  ትውልዲ ዓዱ ተወሲዱ  ሰንበት መዓልቲ ዕለት 22.10.2017 ዓ.ም.ፈ  ሓመድ ኣዳም ክለብስ ኢዩ።

ታሪኹ እንበር ወዲ ሰብ  ንዘልዓለም  ኣይነብርን ኢዩ !

ኣሰናዳኢ፡-  ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ

ሉድቪክስቦርግ/ጀርመን

 

መልቀስ

ዎየ …   ዎየ …   ሓደራ  ወዲ ተስፋይ  ብጻየየ …

ውላድ  እንዳ ኣዝማቲ  ዑቕቢት  ወዲ  ተስፋይ

ሞሰዳ  ዝዓዱ  ዓዲ  እኽሊ፡ ዓዲ መዓር ጭደናይ

ኣብ  ዓዲዃላ  መንደፈራ  ህርኩት ተመሃራይ

ንሓርነት ሕዝቡ ተቓላሳይ  እወ  ጅግና ተጋዳላይ

ኣይፋል!  ኣይትጋገ  ንዓድኣ ስዮማይ።

 

ወየ  …  ወየ  …   ወየ …  ሓደራ !  ብጻየየ …

 

ኣንታ  እዛ  ሥድራ እምበር  ተዘሚታ

ኣሰፋሽ ጓል ሻምበል ወልደገብርኤል ተዘሚታ

ኣዲኡ እኖይ  ኣማረሽ  ኣበዶም  ተዘሚታ

ሞሰዳ እንዳ ኣዝማቲ  ዑቕቢት ተዘሚታ

ዓድዃላ መንደፈራ፡ ኩላ ኤርትራ ተዘሚታ

ከይተሰምዐ ከደ ጅግና  ጀጋኑ ብሃትሃታ።

 

ዎየ  …   ዎየ  …. ዎየ   ሓደራ !  መጋድልተየ …

 

ሃየ እባ ገለ በሉ በዓል ኢብራሂም  መሓመድ ዓሊ

ወዲ ብላታ፡ ግርማይ ቀሺ፡  ስብሓት  ሕ/ሰብእዊ ተኽሊ

ብጻይኩም ጠፊኡ ኣይሎሚ  ኣይትማሊ

ኣብ ዋእካይ ቦጅቦጅ ተመሲሕና ድራርና ሓምሊ፡

የለኽንን ዲኽን በዓል ኣበባ ኣብርሃ፡  ዙፋን ተኸስተ፡  ኣስጊድ

እተን ናብራ ዕብየት ኣበይ ኣለኽን? ኮንክንዶ ጥራሕ ንኺድ

ንዕነባ  መንይፈልጥ ንኺደሉ ንቤተክርስትያን  መስጊድ

ትጉሽቶተይ  ኢሉ  እንተመለሶ  ጎይታና ኣቢድ።

 

ወየ  …  ወየ  …  ወየ  …  ሓደራ !  መቓልስተየ …

 

ጠፊእና  እምበር  በብሓደ  ተወዲእና

መስሓቕ  ሸራፋትን  ጓዕማማትን  ክገብረና

ባህጊ ድልየትና እኳ ዘይረኸብና

ሓርነት ሕዝብና ገና ከይተጎናጸፍና

ፈጣሪ  ባዕሉ  ምሕረቱ  የውርደልና።

 

ፈሪሄ  ሎምስ ዝሑው ኢሉኒ  መዓንጣይ !

ድሕሪ በዓል ብጻየይ  ሓደራ ተስፋይ

ድሕሪ ሓወይ  ጳውሎስ ተስፋዝጊ  ጎረቤተይ

ክንደይ ኢለሞ ክሰምዮም ኩሎም መዛኖይ

ደጊምስ ነፍሰይ ክፈቅድ ይሓይሽ ኣሕዋተይ።

 

ዎየ  …  ዎየ  …  ዎየ  … ሓደራ !  ሓወየ …

 

ብጻይ ሓደራ ! ዘይትምለሰሉ መገሻ ካብ ተጎዓዝካ

ንፍቓድ ኣምላኽ `ሞ እንታይ  ክንብለካ

መላእኽቲ ተቐቢሎም  ኣብ ኢዶም  የጽልሉኻ

ዘልዓለማዊ  ዕረፍቲ  ይሃብካ።

 

ብጻይካ  ኣንገሦም  ገ/ዮውሓንስ

ሉድቪክስቦርግ/ጀርመን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Tinsae October 21, 2017

    I KNOW HADERA, selfless and hamble.
    .death is inevitable. And if I had to come dying empty like Hadera’s one is a blessing.
    I love and cherish you advice till I close my eyes.
    Really truly you were a great man.

  • Tsega October 22, 2017

    It is hard to believe you’re gone and not here any more. The grief of your death is unbearable and words can’t even explain how much I love & miss you but my tears do. You were the greatest teacher and role model among the family and every one else. You’ve been a very kind, loving, honest and generous father I could ever have, who thougt me to be strong and stand for what I believe. You went to early and you did’t even give us the chance to repay you for everything you’ve done for us. I cherish your unconditional love, smile and courage and all the happy memories we had together.
    Rest In Peace.
    Love you Hadera ❤❤❤

  • A October 22, 2017

    My uncle Hadera tesfay was really Hero he is a model of humanity

  • Amanuel Eyob October 22, 2017

    My uncle Hadera tesfay was really Hero he is a model of humanity

  • mahdere-mulugheta October 22, 2017

    Anta emun bzai arkey kabfelema filtetna, ab Barentu, kezilnawun ninaznet, harnet hizbina bihansa teselifna ab kalsi mekalif tefetiru keifetena elamana ab shotu keiebzahna tegedidna nisdet amrahna, kemegatamiwun ab germen nai 170km rihket kemdegena erknetnan bizainetna kezele. anta abi memihr, akal mestewali buzuh tesfa endika tihbena nerka entaidea telimkana kedka kiwegh endu kikntet eti gime,
    anti telam alem kindey tichikni kichedu zigbeom tetrifi kizenhu zigbeom tiwesdi kemeike zelauki alem talmai ezi agelgali hizbi nihzbun niadun serihu dekime zeibel mis himamu eka yakleni zeibele. bel hadera arkei amlach biklte edu ykebelka mengstesemaiat ywarska. sigab nihnawun nerkbeka. seb eynebren eyou entay dea tegbaratu. zinat yhab nikberti weladitu adei amaresh, balti betu asefash selam,younas,lula. mis kulom sidrabeten, fetewtin .
    sidra bet mulugheta-mahdere

  • mahdere-mulugheta October 24, 2017

    ወየ፣ ወየ ወየ ወዲ ተስፋይ ቢዛይ ኣርከየ
    ወዲ ተስፋይ፣ዘርዩኡ አንዳዝማች ኡክቢተይ
    ጃህራ ዘኢፈቱ በላኣ ናቱ፣
    ኣንታይ ታህዋከ ዲኣ አዚ ክሉ ሃታሃታ
    ሞት ገዛካ ኣቲያ መብራህቲ ሲድራካ ኣዘልሚታ
    ኣቦ ሰላም ዮናስ ሉላ ሚስ ወረጃ ባልቲበትካ ኣሰፋስ
    ወየ ወየ ወየ ወየ ወዲ ተሳይ ኣርከየ
    ሙሩዝ ኣቦ አዝፊ አዛፍ ኣዘፋታት
    ኣሚንካን ደኪካን አንታይ ይብሉ ኣለዉ ሂጂ ኣብመወዳታ
    አዱ የንብረሎም ባኡሉ ኩቡር ገታ
    አታ ቢለን ኣይንካ ወላዲትካ ረካቢት መከራከ አንታይ ቲበል ኣላ
    ሚስዛ መልከስዶ ኪነንፊት ኩንታሮ
    ኒድህሪት ተመሊሰ ኩሉ ኪብርብሮ
    ሂርኩት ኣርከይ ቢዛየይ መምህር ተማሃሮ
    ወየ ወየ ወየ ወየ ወዲ ተስፋይ ቢዛየየ
    ሂውነት ሂላገቱ በትሪ ዘንጊ ሃቁ
    ኪሚህ ዘይቢል ኣብ መርገጹ
    ኩሩብዶ ከልቲፍካ ኣቦይዝጊ
    ከይዛዘምካዮ ከተማሎኣ ዚሃለንካዮ ኣቢ ባህግካ
    በል ኪሰን ኣርከይ መኣረይ ናይ ጊዲን ኪፍዘም አዩ
    ብደኪካ ዉሉድ ሃድጊካ
    ሃደራ ኣርከይ ወደባት አሪትራ
    ወየ ወየ ወየ ወየ ሃደራ ኣርከየ
    ሁርኩት ሰራህቈተ ለባም ዘለበመ
    ኣብዛ መቅረሳ ተደኒሱ አንተሃመመ
    ቡዙህ ኩምነገራት ኣተጊቢሩ አየ ቢፍዛምየ
    ሃደራ ኣርከይ ዘይትምለሰሉ መገቫ ካብ ኮነ
    ኒዊሳነ ኣምላክሞ አንተይ ኪበል ኮይነ
    መላክቲ ተከቢሎም የጽሉልካ ኣብ ዲነ
    ዘለኣለማዊ አረፍቲ ይሃብካ ኣብ ገነት
    ሲጋብ ኒህና ነርኪበካ።
    ካብ ኣዝዩ ዚፈትወካን ዘፍክረካን ቢዛይይን ኣርኪን
    ሙሉገታ ማህደረ
    ኒኩሎም ሲድራበት ካኣ ዚነአት ዪሃብ።

  • Habtegiorgis ABRAHA October 28, 2017

    ትዝታይ ካብ መዕበያ ክሳብ ናይ ህይወት ዕረፍቲ፡

    ሓደራ፡ ብዕለት 29ን ወርሒ 4 ፡ 1951 ዓ.ም ካብ ኣቦኡ ኣቶ ተስፋይ ባሕረ ነጋሲ ዘርኡን ወ/ሮ ኣማረሽ ኣበዶምን ኣብ ሞሶዳ – ሰራዬ ተወልደ። ሞሶዳ ንእሽቶ ዓዲ ኰይና፡ ዓዲ ኣሕዋት፣ ዓዲ ፍቕሪ፣ ማእከል ናይ እንዳ ሽም የሓንስ (ሓደ ካብ ደቂ ኣጅማች ዕቊቢት) እያ። እምነ – መኣዝን ናይ ዕቚቢትን ተኽሊትን (ማይ ጻዕዳ) ካኣ እያ።

    ኣነን ሓደራን፡ ዝዓብዮ’ኳ እንተኰንኩ፡ ብቈልዑትና ኣዚና ካብ ዝሰማምዑ መንእሰያት ኢና ነይርና። መንፈሳትና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ፡ ኣብ ሓድሕድና ኣዝየን ክፉታት፣ ሕጉሳትን ዝመሳገናን እየን ነይረን። እናዓበና እንኸደሉ ኣብ ዝነበርናሉ ጊዜ ግን እቲ ናይ ትምህርቲ ቦታታትን ከተማታትን የርሓሕቐና ስለ ዝነበረ ብሓባር ናይ ምንባር ዕድላትና ኣዝዩ ጸቢብ እናኰነ ከደ። ኣብ ተ.ሓ.ኤ ጀብሃ ዓባይ’ውን ኣብ በበይኑ መደባትን ቦታታትን ስለ ዝነበርና፡ ከይተራኸብና ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ።

    ሓደራ፡ መደቡ ኣብ ሕብረተ ሰብኣዊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ እዩ ነይሩ። ናይ ምልመላ መምህር ካኣ ነበረ። ብትምህርትን ብናይ ስራሕ ተሞኩሮን ናይ ‘መነባብሮ ዕብየት’ ክእለት ስለ ዝነበሮ፡ ምስዚ ትምህርቱን ክእለቱን ዝተኣሳሰረ እዩ ዝመስሎኒ፡ ሓደራ፡ ተስፋ፡ ምሉእ ዘይጉዱል ተስፋ ዝሓደሮ ኤርትራዊ እዩ ነይሩ። ተስፍኡ ካብ ተመኩሮን ፖሊትካዊ መርገጽን’ውን ዘይሕጸር፡ ከም ፍቕሪ ወላዲ(ት) ኩሉ ጊዜ ንህዝቡ ዘይቁጡብ ተስፋ ዘንጸባርቕ ሕልና ነበሮ። ብዙሕ ጊዜ ብኣካል ንምርኻብ ዕድል እንተዘይነበረና@ውን፡ ብስልኪ ህይወት ዝመልኦ ናይ መዕበያናን ሃገራዊ ተሞክሮናን ዕላላት ሃለው ንብል ነበርና። ገለ ካብኡ፡ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋናት፡ ፈቐዶ ከተማታት ኤርትራ፡ ብዙሕ ጊዜ ዓድዃላን መንደፈራ፡ ብፍላይ ኢዶም ዝሓጽሮም ኰይኑ ንዝተሰምዖ ንገላ ሰባት ናይ ስዋ፣ ሻሂ፣ …….. . ኪኸፍለሎም እንከሎን ሓጎሶም ኪዕዘብ እንከሎን፡ ዝፈጥረሉ ዝነበረ ፍስሃ ኪገልጽን ክትሰምዕን ብሓቂ ናይ ተስፋ፣ ናይ ፍስሃ፣ ሰብ ምንባሩ ይኽሰተልካ። ኣብ ጊዜ ናይ ሓዘን ምሸታት፡ ኣብ ሃምበርግ፡ ክሰምዖን ክዕዘቦን ዝኸኣልኩ ናይ ፈተውቱ ትዝታ እውን ተመሳሳሊ ነበረ። እወ! እቲ ባህጊ ግን ንሓደራ ይኩን ንኻልእ ሃገራዊያን፡ ካልእ፡ ካብኡ ንላዕሊ ካልእ እዩ ነይሩ። ባህግታትናን ባህግታት ህዝቢናን፡ ጌና ተደፊኑ ምህላዉ ዝፈጥሮ ቃንዛን ጓህን ካኣ ብርሑቕ ብእህህታ ዝዝለቕ ኣይኰነን

    ድሕሪ ሞሶዳ፡ ንመጀመሪያ ጊዜ ብ1980 ዓ.ም ብኣጋጣሚ ኣብ ካርቱም ምስ ባዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣሰፋሽ ሻምበል ወልደገብርኤልን ህጻናት ደቆም ሰላምን ዮናስን ኢና ተራኺብና። ልኡላ ጓሎም ኣብ ጀርመን እያ ተወሊዳ። ሓጎስና ኣየስተማቀርናዮን፤ ምቹእ ጊዜ’ውን ኣይነበረን። ቀጺሉ፡ ብ1985 ዓ.ም ይመስለኒ፡ ኣብ ናይ ስደት ዓዱ፡ ኣብ ሃምቦር (ጀርመን) ተራኸብና፤ በቲ ሓደ ወገን ከም ናይ ሳግም ተሓባባሪ፡ ኣነ ካኣ ናይ ሳግም ናይ ኤውሮጳ ላዕለዋይ ካድር ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፣ በቲ ካልኣይ ወገን ካኣ ከም ሓወይ፡ ንዕኡን ስድርኡን ክር ኢ ኣዝዩ ካብ ዘሐጐሰኒ ጊዜ ነበረ። ቅድሚ 5 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ካኣ፡ ብ2011 ዓ.ም ክበጽሓና መጺኡ ኣብ ሎንዶን ተራኸብና። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ብጽኑዕ ምሕማሙ’ኳ እንተፈለጥኩ፡ ብስልኪ ኣዕሊልና፤ ንዝነውሐ ዕድመ ተጸበኽዎ’ሞ፡ ጽሓይ ክትወጸለይ ንድሕሪ 3/ 4 ኣዋርሕ ንነብሰይ ቈጸራ ሃብኩ።

    በዚ ናይ ሓዘን ጊዜና’ዚ፡ ኩሉ ሰብ ከስተብህለሉ ዝህልዎ ዝብሎ ጉዳይ ካኣ፡ ጸቢብ’ውን ይኹን ጊዜኻ ብግቡእ ብምልኣት ንምጥቃም እኹል ጻዕሪ ምግባር የድሊ ዝብል ነጥቢ እዩ። ካብ ናይ ሕጂ ናተይ ኣብነት፡ ብውሕዱ ቅድሚ 2/ 3 ኣዋርሕ’ሲ ንሓደራ ጉያ ኢለ ክበጽሖ ዘኽእለኒ ኩነታት ነይሩ እዩ፤ ግን ንባዕለይ’ውን ናይ ጥዕና ሕጽረታት ስለ ዘሎንን፣ ኣውራ ግን ካብ ቁጽጽርና ወጻI ምዃኑ ንኹልና ብሩህ’ኳ እንተኰነ፡ ‘ኩሉ ጊዜ ንቕድሜና ጊዜ ዘሎ ኪመስለናን፤ ዕድል ኪሓልፍን’ ዳርጋ መናብርቲ ኰንና። ኰነ ምስ ተባህለ ግን፡ ኣብ ሓጐስን ፍስሃን ድኣ ክንድሰት ኣይከኣልናን እምበር፡ ሕልናይ ኪዓርፈለይ፡ ሬሳ ከፋኑ’ስ ኩሉ ክኢለ ሃታ ሃታ ተበጊሰ እየ። ከመስግን ካኣ ይግብኣኒ፤ ካብቲ ቅድሚ 2 ዓመታት ዝነበርኩዎ ናይ ጥዕና ሕጽረታት ሎሚ ብጣዕሚ ዝሓሽኩ ስለ ዘሎኹ። ዘምበብኩዋ ሓንቲ ናይ ቻይና ምስላ ትዝ ትብሎኒ፡ ‘ሓንቲ ተኽሊ ዓብያ ከተፍሪ 20 ዓመት ዝወስድ እንተዀይኑ፡ እሞ ክሳብ ሎሚ ዘይተኸልካ እንተኰንካ፡ ክትተክል እቲ ዝበለጸ ጊዜ ሎሚ እዩ’ ትብል። ብባህልና’ውን፡ ‘ጊዜ እንከሎካ ጊዜ ኣይትጸበ’ ይብሃል እዩ። ሰናይ ለይቲ ንኹልና።

    መንግስተ ሰማያት ንሓደራ ሓውና! ጽንዓትን ሰላምን ንባዓልቲ ቤቱን ደቁን፣ ንወላዲቱን ንመላእ ቤተሰብን!!!

    ሃብተጊዮርጊስ ኣብርሃ

  • GHEREZGHER ARAIA November 4, 2017

    I would like to convey my deepest condolences to his wife and children. During this difficult moment, my sincere thoughts and prayers are with them..
    May his soul rest in peace and may God give his family the strength to deal with their unimaginable grief.
    RIP HADERA TESFAY

    With deepest sympathy
    Gherezgher Araia
    London
    United Kingdom

Post a Reply to GHEREZGHER ARAIA Cancel Reply