Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መርድእ

ወ/ት  ንግሥቲ  ጴጥሮስ  ድቡስ  እንካብ ክቡራት ወልድታ ኣቶ ጴጥሮስ ዱቡስ በዓል ደግራ ልብዔ  እኖኣ  ወ/ሮ  ምሕረታ  ኣስፍሃ ዘርአ  በዓልቲ ሓዲሽ- ዓዲ/ሓደግቲ  ብ 1964 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ደግራ  ተውሊዳ  ትምህርታ ብግቡእ ኣሰላሲላን ንወለድታ ኣብ  ዕለታዊ መነባብርኦም ጠዊራን

ወ/ት  ንግሥቲ  ጴጥሮስ  ድቡስ  እንካብ ክቡራት ወልድታ ኣቶ ጴጥሮስ ዱቡስ በዓል ደግራ ልብዔ  እኖኣ  ወ/ሮ  ምሕረታ  ኣስፍሃ ዘርአ  በዓልቲ ሓዲሽ- ዓዲ/ሓደግቲ  ብ 1964 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ደግራ  ተውሊዳ  ትምህርታ ብግቡእ ኣሰላሲላን ንወለድታ ኣብ  ዕለታዊ መነባብርኦም ጠዊራን ዓቕመ ሄዋን ምስ ኣኸለት ከኣ ከም ሕዝባ ናብ ስደት ኣምርሓ  ኣብ ሃገር  ኔዘርላንድ/ ሆላንድ ንሓጺር እዋን ተቐሚጣ ብኡ ንብኡ  ከይደንጎየት ንሃገር ኣሜሪካ ኣትያ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ትነብር ነበረት።ብዝሓደራ  ሕማም ኣብ ሆስፒታል ተዓቊባ  ክትሕከም ድሕሪ ምጽናሕ  ከኣ  ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ መዓልቲ ዕለት 04.10. 2018 ዓ.ም.ፈ  ኣብ መበል 54 ዓመት ዕድሜኣ ኣብ  ኣሜሪካ  ከተማ  ቦስቶን  ብሠላም ዓረፈት። ሬስኣ ናብታ ዕትብቲ መዳሕንታ  ዝተቐበረሉ  ትውልዲ ዓዳ ተላኢኹ ኣብ ሞንጎ ነፍሰ -ኄራት ኣሕዋታ ኪዳነን  ሃብቶምን  ከምኡ`ውን  ነፍሰ-ኄር  ወላዲኣን ኣብ መቓብር ቀጽሪ ደብረ ቅዱስ እስቲፋኖስ ሓመድ ኣዳም ክለብስ ኢዩ።

“ ኦ ! እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነዛ ኣፍቂርናን ኣኽቢርናን ዘይመነናያ ንእሽቶ ሓብትና

ኣብቲ ናይ ዘልዓለም ብርሃንካ ዕረፍቲ ኣንብረልና። “

ንመላእ ሥድራቤት ጽንዓት ይሃብ !

ደበሳ እዮብ ይደብሰና !

መልቀስ

ዎየ ! ዎየ ! ዎየ ! ከልቅሰልኪ ንግሥቲ ሓፍተየ

ከም ስምኪ ብሓቂ ንግሥቲ

ውጹዕ ድኻ ከይበልኪ ሃብታም መኳንንቲ

ብሓደ ዓይኒ ትርእይዮ ንዂሉ በብሓንቲ

ከማኽስ ኣይተራእየን ወይ ሎሚ ወይ ጥንቲ።

ሓላል ኢኺ እዱብ ዝመልሳ

ዕግስቲ ኢኺ ቀላይ ዝኸርሳ

ንዂሉ ከከም ገጹ ክኢልኪ ትሓድሪ ወርቂ መተርእስ ዝትርኣሳ

ንብዓትኪ ንውሽጢ  እቲ ኲሉ ቃንዛኺ ጾርኪ ንሞሳ።

ዎየ ! ዎየ ! ዎየ !

ኣንታ እዛ ሥድራቤት እምበር ተዘሚታ

ኣደይ ዓባይ ምሕረታ ምስ  ወዳ ኣባ ሚካኤልን ተወልደን  ተዘሚታ

ኣዴና ጸጋ ኣስፍሃ ምስ ሓዋ መምህር ዓንደማርያም ተዘሚታ

ኣሕዋትኪ ኲሎም  ኣብ ኣውሮጳ ካናዳ ኣሜሪካ ኲላ ተዘሚታ

ደግራ መሬቶ ሰገነይቲ  ጸንዓድግለ  ሃገር ብሃገራ ተዘሚታ

ከይተሰማዕኺ ምልቊ ኢልኪ ኬድኪ ብሃታሃታ።

ኣባ  ጅጎ ኣይፋል ኣብዚኣስ ተጋጊኻ

ዕድመ ዝጸገባ ኣዲኣን ሓትኖታታን ከለዋኻ

ነዛ ዕሸል ዓለም ዘይጸገበት  ቆልዓ  ምሕራይካ

ኣይግድን እንታይ እሞ ክንብል ኣብ ውሳነ ፍቓድካ።

 

ዎየ ! ዎየ ! ዎየ

ኪድዮም ኪድዮም ኮይኑ ኣንታ እንታዩ ነገሩ

ፍቆት ዝዓዘዞ ሠላምታና  ንዂሎም ወለድትናን ኣሕዋትናን ኣብጽሕልና ንሓዋሩ

ነቦይ ተስፋማርያም፡ ነቦይ ኣብርሃ ፡ንኣባ መጋቢ ፡ ነደይ ንእሽቱ

ነዴና በረኸተላ ነቦና ብርሃነ፡ ነደ ዓባያትና ክልቲኤን ረጋቢት ወለተሥላሴቱ

ንስውኣትና  ፍስሃየ፡ ተስፋንኪኤል፡ ፍቕረማርያም፡ ንሃይለሚኪኤል፡ ምሕረትኣብ  ወዘቱ …

ዎየ ! ዎየ ! ዎየ !

ፍቅርቲ ሓብተይ ንግሥቲ ! ዘይትምለስሉ መገሻ  ካብ ተጓዓዝኪ

ንፍቓድ ኣምላሞኽ  እንታይ ኢየ ክብለኪ

መላእኽቲ ተቐቢሎም ኣብ ኢዶም የጽልሉኺ

ዘልዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃብኪ።

ኣሰናዳኢ ፡ ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ

ጀርመን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS

Post a Reply to sami Cancel Reply