Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሰል ህዝቢ ከይተኸበረ መሰል ደቂ አንስተዮ ክኽበር ኣይክእልን እዩ

ተኽለዝጊ ሓጎሰ (በርሜንግሃም) አብ ዓለም መሰል ደቂ አንስትዮ ከይተኸበረ ንብዙሕ ዘመናት ደቂ አንስትዮ ማዕርነተን ከየተረጋገጽ አብ ትሕቲ ጽላል ደቂ ተብዓትዮ ጥራሕ ክነብራ ክምዝኽእላ ተጊሩ ክርኣይ ጸኒሑ። ደቂ አንስትዮ አብ ከቢድ ዕዮ ገዛን ምውላድን ምእላይ ስድራ ከምኡ

ተኽለዝጊ ሓጎሰ (በርሜንግሃም)

አብ ዓለም መሰል ደቂ አንስትዮ ከይተኸበረ ንብዙሕ ዘመናት ደቂ አንስትዮ ማዕርነተን ከየተረጋገጽ አብ ትሕቲ ጽላል ደቂ ተብዓትዮ ጥራሕ ክነብራ ክምዝኽእላ ተጊሩ ክርኣይ ጸኒሑ። ደቂ አንስትዮ አብ ከቢድ ዕዮ ገዛን ምውላድን ምእላይ ስድራ ከምኡ ድማ አዝዩ አህላኺ ብዙኸነ ስርሓት እናተጸምዳ ማዕርነተን አብ ፖለቲካውን ባህላውን ማሕበራውን ከምኡ ድማ ብትምህርትን ቴክኖሎጂን ነኸየረጋገጽ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክምዝመዛን ክረገጻን ንዘመናት ጸኒሓንን አለዋን። መሰል ደቂ አንስትዮ ንክኽበር አብ ዓለም አብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ 19 ክፍለ ዘመን መጀመርያታት ጀሚረን ደቂ አንስትዮ ከቢድ ቃልሲ ክገብራ ዝጀመራሉ ግዜ እዩ። ደቂ አንስትዮ ብዝገበርኦ ዓብይ ቃልሲ ንማዕርነት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት አብ 1945 ደቂ አንስትዮ ማዕረ ደቂ ተብዓትዮ ምኻነን ዘረጋግጽ ቻርተር አጽዲቑ። ነቲ ንዘመናት ብደቂ አንስትዮ ዝተኻየደ ቃልሲ ንምዝካር ካብ 1975 ጀሚሩ ማርች 8 ከም ምልክት ቃልሲ ደቂ አንስትዮ ንኽተክበር ተጊሩ።

ኤርትራውያ ደቂ አንስትዮ ሓደ አካል ህዝቢ ኤርትራ እየን። ካብ ህዝቢ ኤርትራ እተን አስታት 50 ካብ ሚእቲ ደቂ አንስትዮ እየን። ኤርትራ 9 ብሄራት ዘለዋ ብሓፈሻ ድማ ብክርስትናን እስልምናን እምነት ተኸተልቲ ዝርከቡላ ሃገር እያ። ባህልን ማሕበረሰባዊ አቃውማ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መሰልን ተራ ደቂ አንስትዮን ብባህልን እምነትን ዝተጸልወ እዩ። አብ ዝተፈላለያ ከባብታት ሃገርና ዝርከባ ደቂ አንስትዩ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋሪ መንገዲ ተራ ደቂ አንስትዩ በቲ ናተን ባህልን እምነትን ደረጃ መነባበሮን ዝተጸልወ እዩ። ስለዝኸነ ድማ ተራን አበርክቶን ደቂ አንስትዮ ብጋህዲ ንኸይፍለጥን መጠንን ደረጃ አበርክቶ’ን ድማ ጎሊሑ ንኽይርኣይ ምኽንያት ክኽውን ክኢሉ። እዚ ተርእዮ እዚ አብ ኤርትራ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነስ ዋላ አብተን ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎን ንመሰል ደቂ አንስትዮ ንምሕያልን ተራ ደቂ አንስትዮ አብ ፖለቲካን ቁጠባን ባህልን ክብ ንምባል አብ መላእ ዓለም ካብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብዙሕ ተሰሪሑሉን ይስርሓሉን አሎ።

አብ ኤርትራ ንደቂ አንስትዮ ጸቐጥቲ ዝኾኑ ባህልታትን ልምድን  አተሓሳስባን ንነዊሕ ግዜ አብ ልዕሊ ደቂ አንስትዮ ተፈጺሙን ይፍጸምን አሎ። ደቂ አንስትዮ አብ ሃገርና ተማሂረን ሃገር ከማሕድራን አብ ቁጠባዊ ዕብየት ሃገር ክዋስኣ ከምዘይክእላ ተጊሩ ይሕሰብ ኒሩ። እንተኸነ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ሃገር ኣብ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ ደቂ አንስትዮ ሰፊሕ ተራ ኒርወን። ደቂ አንስትዮ አብ ሰብዓታት አብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዳሕራይውን አብ ህዝባዊ ግንባር አብ ተዋጋኢ ሰራዊትን፡ አብ ደጀንን፡ አብ ውሽጢ ጸላኢ ዝነበሮ ቦታት ኮይነን ብዙሕ መስተንክራዊ ታሪኽ ፈጺመን እየን። አብ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝነበረ ሰራዊት 30 ሚእቲዊት ደቂ አንስትዮ ይርከባ ኒረን። እዘን ተብዓት ተጋደልትን ሓፋሽ ውድብን ከምኡ ድማ እተን ደቀን ንኽጋደሎ አብ ምውሓዝን ምስናቕን ዝተዋፈራ አዲታት ዝተጻወትኦ ተራ አብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓብይ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ተራ ኤርትራውያን ደቂ አንስትዩ አብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ንኽፍጠር ንምሕያሉን ዝተገብረ ጻዕሪ ቀሊል ስራሕ አይነበረን፡፡ ብሓደ ሸነኽ ነቶም ተራ ደቂ አንስትዩ አብ ሕብረተሰብ ክርኣዩም ዘይክእሉ ንኽርድኡን ንኽልወጡን ጻዕርታት ምግባር ብኻልእ ሸነኽ ድማ ማዕርነተን ንኸረጋግጻ እቲ መስዋእቲ ዝሓትት ዝነበረ መድረኽ ድማ መስዋእቲ ንክኽፍላ ዘገድድ ስለዝነበረ መስዋእቲ ከፊለን ክሓልፋ ስለዝነበረን ብኣሽሓት ዝቑጸራ ተብዓት ጀጋኑ የሕዋትና ድማ መስዋእቲ ከፊለን፡ ሰንኪለን፡ ተንከራቲተን ሃገርና ሓራ ንኽትከውን ድማ አኽኢለን።

እዘን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን መስዋእትን ስንክልናን ከርተትን ዝሓለፋ ደቂ አንስትዩ እቲ ዝሓለፍኦ መድረኽ ክንዮ ነጻነት አብ ሃገርና ማዕርነት ደቂ አንስትዮ ንምርግጋጽን አብ ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወት ህዝብን ግቡእ ቦታ ንምርካብ እውን ዝተኻየደ ኒሩ። እንተኸነ ግን ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ስጋብ እዛ ስዓት ዘረኸብኦ ነገር እንተሎ ብጀካ ስቓይን ሕማምን ስደትን ጽር ስድራ ቤት ምኻንን ካልእ ዝተፈየድኦ ነገር የለን። እቲ ካብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝተፈጠረ ምልካዊ ስርዓት አብ ክንዲ መሰል ደቂ አንስትዮ ብግቡእ ዘኸብርን ንደቂ አንስትዮ ናይ ስራሕን ትምህርትን ዕድላት ምፍጣር፡ ንዘካይድኦ ጻዕርታትን ሓርኮትኮትን ዘቖጺ ማሕበር ብስም ሃማድኤ ዝበሃል ብምቛም ነተን ምእንቲ መሰለን ዝተጋደላን ከምኡ ድማ ሲቭል ደቂ አንስትዮን ንመቆጻጸሪ ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ማሕበር ብምቛም ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ጊርወን ይርከብ።

ሃማድኤ አብ 1979 ብህዝባዊ ግንባር ዝቖመ ማሕበር እዩ። እዛ ማሕበር አብ ሰነዳታ ከምተርእዮ አስታት 200 000 አባላት ከምዘለውዋ ትገልጽ። ብህግደፋዊ ሃማድኤ ከምዝግለጽ ኣብዚ እዋን ቀንድ ዕላምኣ ድማ ዝኸነ ፈላላይ ነገራት አብ ርእሲ ደቂ አንስትዮ ከይፍጸም ምቅላስ፡ ሃገራዊ ተሳትፍኣን ክብ ምባል፡ ህይወት ደቂ አንስትዮ ምምሕያሽ፡ መሃይምነት ምጥፍእ፡ ትምህርትን ስልጠናን ንደቂ አንስትዮ ምሃብ፡ ናይ ጥዕና ትምህርቲ ንደቂ አንስትዮ ምሃብን ከምኡ ድማ ጎዳእቲ ባህልታት ምውጋድን፡ ንደቂ አንስትዮ ሰራሕተኛታትን አፍረይትን ምግባር፡ ሕጋዊ መሰላት ደቂ አንስትዮ ምርግጋጽ፡ ህጻናት ደቂ አንስትዮ አብ ትምህርቲ ማእዲ ብማዕርነት ምስታፍ፡ ከምኡ ድማ ህልው ኩነታት ብዛዕባ ደቂ አንስትዮ መጽናዕቲ ምክያድን ዝብል ቀንዲ ዕላማታት ሃማድኤ እዩ። እዚ መቸም ንስነ ምባል ዝተጽሓፈን ካልእ ዕላማት ንምውቃዕን ዝዓለመ ምኻኑ ንምዝርዛር ነዚ ማሕበር ብኻልእ ወገኑ ገንጺልካ ምርኣይ አድላይ እዩ።

እዚ ማሕበር አብ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮ ተራ አብቲ መድረኽ ዝተዋስኣ ባዕለን ንኽገልጽኦ ምግዳፉ ተመራጺ እዩ። ብድሕሪ ናጽነት ሃገርና፡ ስንኩላት ተጋደልቲ ደቂ ተብዓትዮን ደቂ አንስትዮን ንማይ ሓባር ክድርበዮን ምእንቲ ሃገር ድሰንከላን ድሰንከሉን ተጋደልቲ ክድርበዩ ከለው ከምኡ ድማ መሰልና ይትሓለወልና ኢሎም ድምጸን ድምጾም ከስምዑ ከለው እዚ ማሕበር እንታይ ኮን ይገብር ኒሩ?። ሃማድኤ ነዚ ዓብይ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣይሰምዓን ዶ ኮን ይኾና?። እወ። እቲ ጉዳይ ግዜኡ ሓልዩ ዝመጽእ ስለ ዝኸነ ንግዜ ንግደፎ።  እዚ ከም ዓላማ ተሰኪምናዮ ዝብልኦ ብሓቂ ዶ ዕላማ እዩ። ብህግደፍ ዝቖመ ባይቶ ኤርትራ እቲ ባይቶ 30 ሚእታዊት መንበር ንደቂ አንስትዮ ዝተሓዝኣ እዩ ይብል። ባይቶ ድማ ናይ ህዝብን መንግሰትን መራኸቢ ቦታ እዩ። እሞኸ ድኣ እዚ ባይቶ ካብ 2001 ጀሚሩ ዋላ እኳ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተኣኪቡ አይፈልጥን። ስለዚ ሃማድኤ ድምጺ ወኪልናዪ ዝብልኦ 200 000 ሰብ ድምጹን ውክልንኣንን ብምንታይ ንባይቶ ወይ መንግስቲ ይስምዓ አለዋ?። ንምንታይ ከ ናይ ባይቶ ኣኺባ ዘይጠልባ?። እቲ መልሲ ርዱእ ስለዝኸነ ንዕኣን ንግደፎ።

ማሕበር ሃማድኤ ደቂ አንስትዮ ናይ ጥዕና ትምህርቲ ንኽረኽባ ካብ ድሰርሓሎም ዓላማታት ሓደ እዩ ተባሂሉ። እቲ ሓቂ ግን ኤርትራ ካብ ዓለም ካብተን ብቐዳምነት ድስርዓ ሃገራት አብ ግዜ ወሊድ ብሰንኪ ግቡእ ሕክምና ዘይምርካብ አብ ዓመት 1300 ደቂ አንስትዮ ወይ ድማ አብ መዓልቲ ካብ 3 ወይ 4 ዝኾና ብሰንኪ ወሊድን ሳዕቤኑን ከም ዝሞታ ናይ ሃማድኤ ጸብጻባት የርኢ። እሞኸ ድኣ ሃማድኤ ብዝሒ ሓኻይም ንኸውስኽ ወይ ድማ ብዝሒ አምቡላንስ ንኽውስኽ እንታይ ኮን ጻዕሪ ጊረን?። ከምዝፍለጥ ብደቂ አንስትዮ ብፍላይ አብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከባ ብሰንኪ ወሊድ ብዝገጥመን ጸገማት ብብግዜኡ እኹል ሕክምና ንኸረኽባ ዋላ እካ እንተሓተታ ስጋብ ሕጁ መልሲ አይረኸባን። ህግደፍ አብ ፈቖድኡ ዋላ እኳ ክሊኒካት እንተሰርሓ እቲ ድስራሕ ክሊኒክ ሓኻይም ወይውን መሳርሒ ወይውን መድሃኒት ዘየብሉ ብጀካ ናይ ሕማም ዓሶ መድሃኒት ካልእ ዘይህብ ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብመሰረት ሓበሪታ ሚ/ሪ ጥዕና አብ 1999 ኤርትራ 103 ዶካትራት ናይ መጥባሕትን ሕክምናን ከምዘለዋ ይገልጽ። ካብዚኦም ድማ 15 ደቂ አንስትዮ እየን። እሞኸ እዞም ዶካትር አብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበሩን ገለውን ሓደስቲ ዝርከብዎም እዮም። ኤርትራ ካብ ዓለም ብምኽንያት ወሊድ ብዙሓት ደቂ አንስትዮ ዝሞትኣ ሃገር ካብ ኮነት ብድሕሪ 1999 ብርክት ዝበሉ ዶካትር ሃገር ገዲፎም ምኻዶምን ብቐጻሊ ይሕበር አሎ። ከምኡ ድማ አብ ሃገራዊ አገልግሎት ውትህድርና ይንከራተቱ ብምህላዎምን፡ ጡረታ ብምውጽኦምን እቲ ሞት ብኽንደይ ቁጽሪ  ተዓጻጺፉ ይህልው ይኸውን?። ህግደፍ አብ ዝኸነ ጸብጻባቱ ብጀካ 100 ካብ ሚእቲ ተዓዊተ ካልእ ስለዘይብል እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጉድኣት አቃሊልካ ዝርኣይ አይኮነን። ብሸነኽ ትምህርቲ መንእሰያት አዋልድ ብስም ትምህርቲ አብ ሳዋ እንታይ የጋጥም አሎ መቸም ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እዚ  አንፈት ዜጋታት ዘጥፍኣን ሞራልን ሃገራዊ ስምዔትን ንምጥፋእ ዝተሃንደሰ መደባት አብ ሃገርና አብ ነዊሕ ግዜ ዓብይ በሰላ ዝገድፍ እዩ።

አብ ሃገርና አብ ግዜ መግዛእቲ ብፍላይ አብ ከተማ አስመራ አብ ፋብሪካታት ድሰርሓ ብዙሓት ደቂ አንስትዮ ከምዝነበራ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብድሕሪ ናጽነት ሃገርና ግን ንኣብነት ፋብሪካ ጠርሙስ (ና መሬንጊኒ) ብምዕጻዋ፡ ፋብሪካ ዘይቲ ንሓደ ሃብታም ተሸይጣ ናብ መኻዚኖ ብምቕያራ፡ ፋብሪካ ኮካ ሰራሕተኛ ብምንካያ፡ ናመሎቲ አረቂ ብምዕጻዋ ካልኦትውን ከምኡ ብምዕጻወን አብዘን ፋብሪካ ዝሰርሓ ዝነበራ ደቂ አንስትዮ ስራሕ አልቦ ኮይነን ናብ ገዝኣን ክፋነዋ ከለዋ ሃማድኤ ንመሰለ እዘን ውጽዓት እንታይ ይገብራ ኒረን። ብተመሳሳሊውን አብ 1995 ብስም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምጽልጻል ብዝብል ስም ካብ ስራሕ መብዛሕተን ደቂ አንስትዮ ዝርከብኦ ዝተሰጎጓን ደቀንን ሓዳረንን ዝረመሰ ፖሊስ ህግደፍ ንመሰል ደቂ አንስትዮ ምኽባር ክዛረብ አንከሎ ያዕ ክበሃል ዘለዎ ንመሰል ደቂ አንስትዮ ደጸቅጥ ጨቋኒ ሓይሊ እዩ።

ብተመሳሳሊ ድማ አብ ጉዳይ መሬት ደቂ አንስትዮ መሬት ጢሳ ማዕረ ደቂ ተብዓትዮ ክረኽባ ከምዝግባእ እቲ ብህግደፍ ዝወጸ ሕጊ እኳ እንተሓበረ ብግብሪ ግን ደቂ አንስትዮ አብ ዓዲ ስብኣየን ክኸዳ ከምዘለወን፡ አብ ዓደን ክወስዳ ከምዘይክእላ ብግብሪ ድስርሓሉ ዘሎ እዩ። እዚውን ብግብሪ ዓብላልነት ናይ ደቂ ተብዓትዮ ዘርኢ ፖሊሲ እዩ። ሕጊ ካልእ ትግባር ህግደፍ ካልእ እዩ። ነዚ አመልኪተን አብ ዞባ ማእከል ከባቢ አስመራ ዝርከባ ደቂ አንስትዮ ተጋደልቲ ወሲኽካ አውያተን ከስምዓ ጸኒሒንን አለዋን። ንተጋደልቲ ግዜያዊ ፍታሕ ተባሂሉ ክወሃብ ከሎ ነተን ሲቪል ግን ከምዘይወሃብ ተጊሩ ከምዘሎ አብ ሓደ ሃገር ክልተ ፈላላይ ሕጊ ከምዘሎ ብግህዶ ዝርኣይ ዘሎ ሓቂ እዩ። እሞኸ፡ እቲ ሃማድኤ አፈላላይ ክነወግድ ዝብልኦ ድኣ ናበይ አቢሉ? እዚ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ ክብላ መልሲ ሂበናሉ እየን። እሞ መን እዩ ነዚ ከፋፋሊ አካይዳ ዝዕሪ?። እወ። ፍትሕን ሕግን አብ ዘየብሉ ሃገር ፈላላይ ፖሊሲ ክነወግድ ኢና ኢልካ ምዝራብ አብ ርእሲ ህዝቢ ምልጋጽ እዩ።

ካብ ህዝቢ ኤርትራ 80 ሚእታዊት አብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ እዩ። ስለዝኸነ ድማ እተን አብ ገጠር ዝነብራ ደቂ አንስትዮ ጸገማተን ካብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ጸገም ዝተዓጻጸፈ እዩ። ሎሚ አብ ገጠራት ኤርትራ ደቂ አንስትዮ ንሳዋ ውትህድርና ከይወሰዳ ብዝብል ገና ዕድሜኣን ንዓቕመ አዳም ከይበጽሓ ከለዋ ከምዝመርዓዋ ይግበር አሎ። ህዝቢ ካልእ አማራጽታት ስለ ዝስኣነ ድማ ነተን ዝፈትወን ደቁ ናይ ማንም ኣዛዚ ሰራዊት መጻወቲ ካብ ዝኾና እቲ ዘለዎ አማራጺ አመርዒኻ አብ ገዛኻ ጓልካ ምእላይ ከም ዓብይ አማራጺ ተወሲዱ አሎ። ህግደፍ ነዚ ንምጉዕጻጽውን ዝኸነ መርዓ ክገብር ዝደለየ ሰብ ብመጀመርያ ብምምሕዳር ክፍቀደሉ አለዎ ዝብል መምርሒ አብ 2005 ከምዘውጽኣ ይፍለጥ። እዚ መምርሒ ድማ ጉቦን ዘይተደልየ ጥንስን ዘበረታትዕ መምርሒ እዩ።

ህግደፍ ነቲ አፍራይ ሓይሊ ካብ ገጠራት ናብ ውትህድርና ብኣሰገዳድ ምውሳድ ካብ ዝጅምረሉ ንደሓር ደቂ አንስትዮ ባዕለን ስድራ ቤተን ካብ ምእላይ ሓሊፈን ነቲ ክረምታዊ ማሕረስ ባዕለን ይሓርሳ፡ ይጽህያ፡ ይጉልጉላ፡ ዑፍ ይከላኸላ ፡ይዓጽዳ፡ መኸዳ ይገብራን አለዋ። ብሰንኪ ሰብኡተን ብህግደፍ ብጁሆ አብ ውትህድርና ምትሓዞም ጽር ደቂ አንስትዮ አብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ። ደቂ አንስትዮ ብሰንኪ ወሑድ ዝናብን እኹል አገባብ ማሕረስን ውሑድ እቶት ስለዝረኸባ ድማ ነፍስወከፍ ስድራ ቤት አብ ከቢድ ጸገም ትርክብ። ህግደፍ ነዚ ንምምስማስ አብ ኩሉ ክፍልታት ሃገርና እኹል ዝናብ ከምዝነበረ ንኽምስል ብኻልእ ሸነኽ ድማ ነቶም ረድኤት አየድልየናን ኢሉ ድሰጎጎም ማሕበራት ንምድንጋር ለንዘበን ጽቡቕ አዝመራ ኒሩና ክብል መደናገሪ ፕሮፖጋነዳ ይነዝሕ። እቲ ሓቂ ግን ዋላ እኳ እኹል ዝናብ እንተነበረ እቲ ክሕረስ ዝግብኦ መሬት ተሓሪሱ ድዩ? እቶም ክሓርስዎ ዝግብኦም ሰብኡት አብ ማሕረስ አለው ዶ? ብሰንኪ እዚ አብ ውትህድርና ጁሆ ምሓዝ ሰብኡትን አጓብዝን ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቕጢ መነባብሮ አብ ርእሲ ደቂ አንስትዮ ዝበጽሕ ጉድኣት ብኸመይ ይግምገም?። ህግደፍ አብ ርእሲ አብ ገጠር ዝነብር ህዝብና ዘብጽሖ ዘሎ ጉድኣት እናሓብኣ መሰል ደቂ አንስትዮ ይኽበር አሎ ክብል ከሎ አብ ርእሲ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቐት ዘመልክት እዩ።

ሃማድኤ ከም ማሕበር ንመን ይጠቅም?። ሃማድኤ ብመሰረቱ ንገለ ተበለጸቲ ንስልጣን መደየቢ ዝጠቀማሉ ናይ መደያይቦ እስካላ እዩ። ካብ ጽባሕ ናጽነት ተጋደልቲ ብፍላይ ድማ ደቂ አንስትዮ ተጋደልቲ ምስቶም አብ ሜዳ ዝወለድኦም ደቀን እተን ዝበዝሓ ናብ ስድራ ቤተን እየን ዳርጋ ከምዝጽግዓ ኮይነን። እተን ብሃነቀውታ ንናጽነት ዝተጋደላ አብ 1995  ካብ ሃገረን ዋላ ሓደ ክረብሓ ከምዘይክኣላ እታ ዝተንከራተታላ ሃገር ድማ ንዕኣን ክትከውን ከምዘይትኽእል ተረዲኣን ንስደት ንሃገራት ዓረብ ንባሕሪንን ሊባኖስን ክኸዳ ንኽምዝገባ አብ ማርሻቢዲ አንጺፈን ሪጋ ተሰሪዓን ክሓድራ ጀመራ። ንናጽነት መስዋእቲ ከፊለን ንስደት ድማ ሪጋ ክጽበያ ንዝራእየ ሰብ እሞ ድማ እቲ ስደት ብሚ/ሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝብሃል ትካል ህግደፍ ይሳለጥ ብምንባሩ ሕጁ ክትሓስቦ ከለኻ ዘድንጽው እዩ። መንግስቲ ንዜጋታት ብዓቕሙ ናይ ሞያ ስልጠናታትን ትምህርትን ልቓሕ ሂቡ ዝጣየሳሉ መንገዲ ክንዲ ዝፈጥር ካብ ዝባኑ ንኸርሕቕ ዜጋታቱ ንስደት ክሰድድ ተጓዩ። እቲ ዕላማ ግን ንሰን ሸቂለን ዶላር ንስድራ ቤተን ክሰዳ እሞ ህግደፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸውሃቱ ንኽማልእ ዝሃንደሶ ሜላ እዩ ኒሩ።

እዘን መዋእለን ንናጽነት ዝተንከራተታ ናብ ስደትን ናይ ፓርኪንግ ስራሕን ከዋፈራ ከለዋ፡ እተን መዋእለን ብድሕሪት ኮይነን ዘጠቕዓ ዝነበራ ድማ ፈጸምቲ ሽማግለ ሃመድኤ፡ ሓላፊት ጥርናፈ፡ አካያዲት ስራሕ፡ አቦ መንበር ሃማድኤ ብዝብል ንነብሰን እናጠመቓ ካብ ሜዳ ጀሚረን እናተሻየማ፡ ነቲ ቆንጮ ስርዓት ርእሰ መላኺ ድማ እናጣቕዓን እናንኣደን ናይ ስልጣን ሸውሃተን ዓቂበን ሰበ ስልጣንን ሰብ ንብረትን ገለውን ሚኒሰተራት ክኾና ከለዋ እተን ምእንቲ ሓቂ ነዚ ባህርያት ዘየተላበሳ ፍድኣን ስጋብ ሕጅ ዝርኣያ ዘለዋ ተጋደልቲ ነበር አብ መላእ ሃገር አብ ትሕቲ ገረብ ብዓጊፋን ተንኮበትን ናሻሂ እናገበራ ድራር ዕለተን ክምእርራ ስጋብ ሕጁ አብ ዝኸፍኣ መነባብሮ ይርከባ። ከምቲ ሓንቲ ተጋዳሊት ዝበለቶ ‘’ ናይ 5 ክፍሊ ተምሃሪት ከለኹ እየ ንሜዳ ወጺ ሎሚ ንሜዳ እንተዘይከይድ ኒረ ወይ ብስደት ወይ ብትምህርቲ ሰብ ምኾንኩ ኒረ ገድሊ እዩ ረሚሱኒ‘’ ዘበለቶ እተን ንሕበነለን አናብር ተጋደልቲ ክንዲ ብምግዳለን ዝኾርዓ ብድኽነት ባይታ ከምዝዘብጣ ተጊሩ ህግደፍ ብወርቃዊ ቃላት መሰል ደቂ አንስትዮ ተኸቢሩ እናበለ እንተግዓረ ንዝፈልጦ ሰብ ካብ ላግጽን ምጥፋእ ግዜን ሓሊፉ ቁም ነገር ክኸውን አይክእልን እዩ።

እቲ ዘጋጠመ ነገር ኩሉ ተንቲንካ ዝውዳእ አይኮነን። አብ ግዜ ናጽነት አዲታት ብሓቂ ፀሓይና ብሙሉኣ ዝበረቐት እሞ ከምድላይና አብ ሃገርና ክነብር፡ክንጽሕፍ፡ሓሳብና ብነጻ ክንገልጽ፡ ንመሰልና ክነኽብር ክነድግፍ ክንቃወም፡ መሰል ወዲ ሰብ ዝተኸብረላ ሃገር ንውንን መሲልወን አብ ቅድሚ መራሕቲ ህግደፍ ጸዕዳ ክዳን ለቢሰን ወርቅን ተሸሊመን አብ ጎደናታት ዕምበባ አናነጸጋ ሓጎሰን ገሊጸን። ዝረገጽኩሞ ለምለም ይኹን እናበላ ነቶም ክብረት ዘይርድኦም መራሓቲ ህግደፍ ዕልል በላሎም። እቶም ናይ ቶኹላ ቆርበት ተኸዲኖም ዝመጹ ህግደፍ ግን ነቲ ናይ ህዝቢ ድልየትን ሃንቀውታን አብ ግምት ከየእተው ነተን ሓጎሰን አብ አደባባይ ዝገለጻሎም አዲታት ደቀን ናብ ትምህርቲ ምኣዲ ዘይኮስ ናብ ኩናት፡ ነቶም ተጋዲሎም ዝኣተው ስንኩላን ንማይ ሓበር፡ ነቶም ተጋዲሎም ዝኣተው ተጋደልቲ ድኻሞም ከይዓንገሉ ናብ ኮንጎን የመንን፡ ነቲ እናጎበዘ ዝመጸ መንእሰይ ድማ ናብ ሳይንስን ምዕባለን ዘይኮነ ናብ ሳዋ ድሒሩ ናብ ሕጅ ዝተኣመነሉ ዘበገሶ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ነቶም አብ ኢትዮጵያ ብሰላም ዝነበሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኩናት ተኻቲኹ ድማ አደዳ ስደትን ግፍዕን ንብረት ምዝራፍን፡ ንቆልዑ ተምሃሮ ድማ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ሳዋ፡ ንሓረስታይ ናብ ወትህድርና፡ ንኣቦታት ዕቑር ሰራዊት ጊሩ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሃገር ናብ ድኽነትን ክፉእ መነባብሮን አውዲቕዋ ይርከብ። በዚ ስርዓት ዘይተተንከፈ እንተሎ ምናልባት እቶም ናይቲ ስርዓት ተረባሕቲ ዝኾኑ ወገናት ጥራሕ እዮም።

መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለወ ድማ መሰል ደቂ አንስትዮ ብፍጽም ክኽበር አይክእልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሕሰም መነባብሮን ጥምየትን ሕጊ አልቦ ስርዓት ይሳቐይ አሎ። ህዝቢ ካብዚ አትይዎ ዘሎ ጸገም ክናገፍ እንተኾይኑ ብሓባር ተጠርኒፉ ክቃለስ ይግባእ። አብዚ ቃልሲ ኩሉ ዜጋ ናቱ አበርክቶ ክገብር አለዎ። እዚ ጉዳይ ጉዳይ ሃገር እዩ እሞ ንኩላትና ብማዕረ ዝምልከት እምበር ነገለ ወገናት ዝግደፍ ጉዳይ አይኮነን። ብፍላይ ድማ እዚ ሓድሽ ወለዶ ናይ ባዕሉ ናይ ቃልሲ ውዳበታት ጊሩ ካብ ናይ ስልጣንን ሹመትን ስስዐን መንገዲ ነጻ ጊሩ ንኹሉ ኤርትራዊ ክጥርንፍ ዝኽእል ሓያል መድረኽ ክፈጥርን ክቃለስን ይግባእ። ሕመረት ቃልስና ነቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካእ ነቲ አብ ስልጣን ዘሎ ሓግሒግካ ንምልጋሱ ክንብገስ አለና። መንእሰያት ብፍላይ እቶም አብ ቀረባ ካብ ሃገር ዝወጽ ብቐንዱ ናይዚ ስርዓት ግዳይ ጥራሕ ዘይኮኑስ እቲ ህልው ኩነታት ብቐረባ ዝለእንፈልጦ ንሕና ናትና ዕላማታት ሰሪዕና ንቃለሰሉ ግዜ ሕጅ እዩ። ደቂ አንስትዮ ድማ አብዚ ቃልሲ ከምቲ ምእንቲ ንናጽነት ዝተጋደልኦ ነዛ ሃገር ካብ ዲክታተርያዊ ስርዓት ንምንጋፍ አብ ዝግበር ቃልሲ አብ ጉኒ የሕዋተን ኮይነን ባና ዲሞክራሲ አብ ኤርትራ ንኽውልዓ መጋቢት 8 ሕጅውን መቃለሲት ንዲሞክራስን መሰልን ዝቃለሳላ ዕለት ክትነውን አለዋ።

ሰላምን ፍትሕን ሕግን ንህዝቢ ኤርትራ

ተኽለዝጊ ሓጎሰ

በርሜንሃም-  ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT