Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መሰል ከም ስኒ ኣድጊ

ኣንደርስ በህሪንግ ብረቪክ ንመንግስቲ ኖርወይ ከሲሱ:: ንሱ ዘቕረቦ ክሲታት ምስ እሱራት ከይራኸብ ተኸልኪለ: ደብዳቤታተይ: ርክባት ተለፎን: በጻሕተይ ተሪር ምቁጽጻር ይግበረሎም: ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ተናፊሰ ናብ ክፍለይ ኣብ ዝምለሰሉ ክዳውንተይ ኣውጺኦም ይፍትሹኒ: ለይቲ ካብ ድቃሰይ

ኣንደርስ በህሪንግ ብረቪክ ንመንግስቲ ኖርወይ ከሲሱ:: ንሱ ዘቕረቦ ክሲታት ምስ እሱራት ከይራኸብ ተኸልኪለ: ደብዳቤታተይ: ርክባት ተለፎን: በጻሕተይ ተሪር ምቁጽጻር ይግበረሎም: ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ተናፊሰ ናብ ክፍለይ ኣብ ዝምለሰሉ ክዳውንተይ ኣውጺኦም ይፍትሹኒ: ለይቲ ካብ ድቃሰይ የተንስኡኒ ዝብል ኢዩ::ብዘይካዚ ብረቪክ ዝወሃበኒ ቡን ዝሑል ኮይኑ መግቢ ኣብ ማይክሮወቭ ዝመውቕ ዕሹግ ኮይኑ ብምባል ጠሪዑ ነይሩ::

ኣንደርስ ብረቪክ መን ኢዩ?

ንሱ ኣብ ሓምለ 2011 ኣብ ኦስሎ ኣብ መንግስታዊ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ነተጉቲ ብምጽዋድ 8 ሰባት ቀቲሉ: ኣብ ደሴት ኡቶያ ብምኻድ ድማ ኣብኡ ዝነበሩ መንእሰያት ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኣብ ምዝንጋዕ ከለው ክዳን ፖሊስ ለቢሱ ብተመልከተለይ 69 መንእሰያት ቀቲሉ:: በዚ ክልቲኡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ኣካላቶም ጎዲሉ: ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ዓንዩ:: ኣብ ወለዲ ግዳያትን ኣብታ ሃገርን ከቢድ ስነኣእምሮኣዊ ሳዕቤን ኣውሪዱ::

ብረቪክ ኣብ ቁጽጽር ፖሊስ ምስ ወዓለ ኣብ ገጹ ዝንበብ ናይ ጣዕሳ ምልክት ኣይነበሮን:: ኖርወይ ብብዝሐ ባህላውን እስልምናን ተዓብሊላ ብዝብል ሕሉፍ የማንነት ዘንቀሎ ግብረ ሽበራ ከም ዝፈጸሞ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሽዑ ገሊጸን::

ኣብ ነሓሰ 2012 ብዝወዓለ መጋባእያ ድማ እቲ ኣብ ኖርወይ ንዝለዓለ ገበነኛ ዝውሰን ናይ 21 ማእሰርቲ ተበይንዎ ሓሙሽተ ዓመት ተኣሲሩ::

ብረቪክ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ክመሃር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተመዝጊቡ: ብዛዕባ ዲሞክራሲ: ሰብኣዊ መሰልን ካልእን ይመሃር ኣሎ:: ኣብታ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዋ ሸላ ድማ ተለቪንን ቪድዮ ዝርእየሉን መጻሕፍትን መጽሄታትን ዘንብበሉ: ኣካላቱ ዝወሳወሰሉ: ንጽህናኡ ዝሕልወሉ መሳለጥያታት ኣለዎ::

ኣብዚ ወርሒ እዚ ብረቪክ ንመንግስቲ መሰለይ ግሂሱ ብምባል ድሕሪ ምኽሳሱ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ኦስሎ ንኣርባዕተ መዓልቲ ብጠበቓታትን ኣኽበርቲ ሕጊን ክትዕ ተኻይዱሉ:: ንሱ ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ምሉእ ልብሲን ክራቫታን ሓኒቑ ንዝረኣዮ ሰብ ቃልኪዳን ዝኣስር እምበር ብገበን እተኸሰ ኣይመስልን:: ብ20 ሚያዝያ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ድማ ዳኛ ሀለን ስኩሉች ኩነታት ኣተሓሕዛ ብረቪክ(european human rights convention) ንስምምዕ ሰብኣዊ መሰል ኤውሮጳ ዓንቀጽ 3 ዝጥሕስ ኢዩ ብምባል ፈሪዳ:: ንሳ ዘቕረበቶ መርትዖ: ንውሓት ናይቲ ብጽምዋ ምእሳር(isolation): ናይ ይግባይ መሰሉ ምድራትን: ምስቲ ብረቪክ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘርኣዮ ጠባይ ዘይሳነ ጽንኩር ኣተሓሕዛ ከም ዝነበረ ገሊጻ::

”ብዓይኒ ሕጊ ኣብ መንጎ ሚዛን ኣስጋእነቱን ንሱ ካብ እተኣስረሉ ዘርኣዮ ጠባያትን ከምዘይሳነን ተመጣጣኒ ኣተሓሕዛ ከም ዘይተገብረሉን ተመልኪትና” ኢላ:: ብዘይካዚ እቲ ማእሰርቲ ንስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ብረቪክ ኣብ ግምት ኣየእተውን ብምባል ብጽሑፍ ኣብ ዘቕረበቶ ወሳኔ ሓቢራ:: ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምንፋሱ ክዳውንቱ ኣውጺኡ ክፍተሽን ቀጻሊ ምቁጽጻርን ብመንጽር ድሕነት ግቡእ ከምዘይኮነ ገሊጻ::ምስቲ ካልእ ጽንኩር ኣተሓሕዛ ብምዝማድ ድማ ብረቪክ ብትሑት ደረጃ(degrading) ከም እተታሕዘ ቤት ፍርዲ ገሊጹ::

ንደብዳቤ: ርክባት ተለፎንን በጻሕትን ብዝምልከት ግን መንግስቲ መሰል ብረቪክ ከም ዝሓለወን ካብ ክሲ ናጻ ከም ዝኾነን ቤት ፍርዲ ወሲኑ:: ድሕሪ እዚ ውሳነ ድማ ንሕጋዊ መስርሕ ዝወዓለ ኣስታት 40 ሽሕ ዶላር መንግስቲ ክሽፍኖ ተወሲኑ::

ኣብቲ መጋባእያ እተረኽቡ ሓካይምን ክኢላታት ስነኣእምሮን ኣብ ጽምዋ ምእሳሩ ንብረቪክ ዘስዓበሉ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ጸገም ከምዘየልቦ መስኪሮም::

ንመንግስቲ ዝወከለ ጠበቓ ማርዮስ ኢምበርላንድ ብውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ከምእተገረመ ጠቒሱ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ባይታ ዘሎን ሕግን ቅኑዕ ገምጋም ዘይምግባሩ ገሊጹ:: ብዛዕባ እቲ ውሳነ ድማ ይግባይ ከም ዝብል ገሊጹ: እንተኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን:: መራሒ ማሕበር ጠበቓታት ፍሮድ ሱላንድ ግን ነቲ ብኢምበርላንድ ዝቐረበ ነቐፌታ ብምንጻግ:” መንግስቲ ኩሉ ጊዜ ቅኑዕ ኢዩ ምባል ከምዘይክኣል ኣፍሊጡ:: ንሱ ዘረባ ኢምበርላንድ: ጠበቓታት መንግስቲ ንሕጋዊ ኣካላት ኣኽብሮት ከምዘይብሎም ዘምስል ኢዩ ክብል ወቒሱ:: ብድሕሪ እዚ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣተሓሕዛ ብረቪክ ብሕጊ ክሳብ ዝውሰን ኣብ ቤትማእሰርቲ ለውጢ ከምዘይግበር ተፈሊጡ::

ኖርወጅያውያን ነዚ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዘሰቅቕ ግፍዒ ዝፈጸመ ሰብ እተዋህቦ ብይን ብዝተፈላለየ መንገዲ ገሊጾሞ:: ኩሎም ግን ንሰላምን ፍትሕን ዘለዎም ቅሩብነት ኣንጸባሪቖም::

ኣቦ መንበር ማሕበር መንእሰያት ሰልፊ ሰራሕተኛታት ዝነበረን ኣብ ደሴት ኡቶያ ነቲ ህልቂት ዝተዓዘበን ፐደርሸን ከብደይ ብጉስጢ ዝተሞኸድኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ድሕሪ ምባል” እቶም ግዳያት መንእሰያት ምድሪ ናብ ገሃነም ተቐይራቶም ኢያ:: ኣብ ሕጊ ዝሰፈኖ ሃገር እንተላይ ንግብረ ሽበራውያን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝሕልው መንግስቲ ምውናነነይ ግን ሕጉስ ኢየ:: እንተኾነ እዚ ኩሉ ጉድኣት ዘውረደ ሰብ ተዓዊቱ ምባል ክርድኣኒ ኣይከኣለን” ኢሉ::

በዚ ኾይኑ በቲ ኣብ ሕጊ ቀተልትን ግብረ ሽበራውያንን እውን መሰሎም ተሓልዩ ብሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከም ዝእለዩ ተዓዚብና::

ነዛ ብቅዋም ካብ እትመሓደር ክልተ ሚእትን ክልተን ዓመት ዝገበረት ኖርወይ ምስታ ቅዋም እተቐብረላ ሃገር ኤርትራ ምንጽጻር ንብርሃንን ጸላምን ምንጽጻር ኢዩ:: እንተኾነ ነዚ ሕጋዊ መስርሕ ብምዕዛብ ነቶም ፖለቲካዊን: መንፈሳዊን እምነቶም ስለዝገለጹ ኣብ ጎደጉዲን ኮንተይነራትን ዝሓቁ ዘለው ኤርትራውያን ምዝካር ሕልና ዘይሰግሮ ኢዩ::

መርትዖ ብዘይብሉ ክሲ: ንፋስ ኣዱንያ ተሓሪሞም:ንክነብሩ ዘድልዮም ማይን መግብን ክንክን ጥዕናን ተነፊግዎም ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ንጉዳይ ብረቪክ እንተዝሰምዑስ እንታይ ኮን ምበሉ?

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde April 26, 2016

    In our land there is one rule, one judge,one office,one dominant voice,one a..hole, he get up in the morning he dictates the mood of the entire country. Basically,the people’s fate is at his hand.Imagine that! Lord have mercy.

  • Simon G. April 27, 2016

    ንኤርትራ ዝዶቅኽሳ ዘሎ መን ዩ?
    ‘ዞም ዓያሹ ኮለኔላት/ጀነራላት ካብ ሓማሴን + በለጸኛታት ሓለፍቲ ካብ ኩሉ ኣውራጃታት + ንኢሳያስ ወዲ ላምና ‘ዩ በሃልቲ + ደቂ ተምቤን ግን ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ/ዝ ዓበዩ + መንግስቲ ወያነ።
    ን ገሌኹም ጸላዕላዕ ክብለኩም ይኽእል ‘ዩ ግን: ጥውይውይ ኣይንበል። እቲ ሓቂ እዚ ‘ዩ።

    • Haile April 27, 2016

      Simon G,
      Chauvinists and narrow nationalists are cowards, their country is their belly, nothing more than that.
      And why do you have to bring up always your same old ‘Himam/sickness’ of ‘men kem Akeleguzayey’ boring repeats?

      • Simon G. April 27, 2016

        Brother Haile,
        You just picked one line item of that whole paragraph? Read it again. It is the truth and unless we talk about this openly we will continue to suffer.

  • ertra n ertrawyan April 27, 2016

    ኣገዳሲት ትምህርቲ ኢያ ን ህግድፍ። ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሰራርሕኡ የምሓይሽ ኢልካ ርእይቶ እንተኣቕሪብካ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራርዒሮ ትሰፍር። ጉድ ኢዩ። ናይ ህግድፍ ጀነራላት ትምህርቲ ኣይፈትዉን ኢዮም እምበር መሃሪት ኢያ። ንሓለፍቲ ህግደፍ ትምህርቲ ቀዳመይቲ ጸላኢቶም ኢያ። ኣበይ ኣለው ከም እንስሳ ክትጓስዮም ትኽእል ኣብዑር እንዳበሉ ኢዮም ሕልፍነት ዝዕድሉዎም። በቃ ሽዑ ሕለፍ መምርሒ ብላዕለዋይ ኣካል ኢዩ መጽዩና እና በሉ ድማ ምሁራትን ለባማትን ክዳጉኑ ይውዕሉ። ጉድ ኢዩ።

  • hanetse kahsay April 28, 2016

    ብመሰረቱ ጽሓፋይ ኣገዳስን ምሃርን እዩ መልእኽትኻ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎም ኢረትራውያን ድማ ከምዚ ናትካ በቢ ዓቕሞም ንህዝቢ ከንቅሑ እላቦ
    እንተ ሓደ ሳይሞን ዝባሃል ዘጻሓፎ ግን ዓገብ ጌጋ እዩ። እዚ ርእይቶኻ ሓደ ካብቲ ህግደፍ ህዝቢ ፈላልዮም ዝጭፍጭፍሉ ሜላ እዩ። ኣነ ወዲ ኣከለጉዛይ ኮይነ ዝያዳ ዝተጨፍጨኩሉ የለን ። ስለዚ ህዝቢ ኩሉ ይጭፍጨፍ ኣሎሞ ብሓባር ንቃለሶ እዩ ክባሃል ዘለዎ።

    • Simon G. April 30, 2016

      Hey, guy. Read what I have commented again. Then, it may be more clear you.

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply