Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣብ እስራኤል ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስምረት መንእሰያትን ደምበ ተቓውሞን ዘተኮረ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ።

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ትማሊ ምሸት 13 ታሕሳስ፣ ዘይልሙድ ብርቱዕ ማይ ከየዐንቀፎም፣ ገሊኦም ድማ ኣማኢት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ኣብ ኣኼባ ንምስታፍ ልዑል ተገዳስነት ምስ ዘርኣዩ ብዝሒ ዘለዎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቡ፣

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ትማሊ ምሸት 13 ታሕሳስ፣ ዘይልሙድ ብርቱዕ ማይ ከየዐንቀፎም፣ ገሊኦም ድማ ኣማኢት ኪሎሜተራት ተጓዒዞም ኣብ ኣኼባ ንምስታፍ ልዑል ተገዳስነት ምስ ዘርኣዩ ብዝሒ ዘለዎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቡ፣ ኣብ ስምረት መንእሰያትን ደምበ ተቓውሞን፣ ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዘተኮረ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብቲ ብጨንፈር “ሰራዊት ሕድሪ” ኣብ እስራኤል ተዓዲሙ፣ ብተሳታፍነት ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ እቶም ናይ ሓባር ጸላኢ ዘለዎም መንእሰያት ይኹኑ ደለይቲ ፍትሒ ፍሓፈሻ፣ ብስምረት ካብ ምቅላስ ንዘዐንቅፉዎም ጸገማት ከወግዱሎም ዝኽእሉ መንገድታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን፣ ሰሚሮም ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝዕምጽ ዘሎ ቀዳማይ ጸላኢኦም ውልቀልምካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ ዝምክቱ ኣብ ፍልልያቶም ብትኳር ኣብ ዝገብሩዎ ሕድሕዳዊ ቁሩቁስ ይሃልኩ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

Hidri_8ሓደ ካብ ጸገማቶም ነቲ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዘዋፍሮ ናይ ምፍልላይ ሜላ ንቑሕ ናይ ስምረት ስልቲ ምሂዞም ከፍሽሉዎ ካብ ዘይምኽኣሎም ዝብገስ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልእ ጸገም፣ ኣብ ለውጢ ኣድሂቦም ኣብ ክንዲ ዝንቀሳቐሱ፣ ኣብ ዘይተጨበጠ ስልጣን ዝገብሩዎ ውድድር ዘበገሶ ዘይምትእምማን ምዃኑ ኣረዲኡ። በዚ ምኽንያት፣ “ኣብ ክንዲ ከምቲ ዕላማና ዝደልዮ፣ ከምቲ ኢሳይያስ ዝደልዮ ንኸውን ኣለና” ብምባል ከኣ፣ ደምበ ተቓውሞ ይኹን እቶም ኣካሉ ዝኾኑ መንእሰያት፣ ዘይምትእምማኖም ኣወጊዶም ሓደ ግንባር ብምዃን፣ ነቲ ህጹጽ ናይ ሃገራዊ ድሕነትን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ቀዳማይ ዕማም ከሳልጡዎ ብዕቱብነት ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይስሉጥ ናይ ዑቕባ መስርሕ፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን  ንሰንፈላል ከም ዘቃልዖም ኣብ ግምት ብምእታው፣ መጀመርያ ህይወቶም ኣብ ምምራሕ ዕዉታት ክኾኑ፣ ካብኡ ቀጺሉ ‘ውን ኣብቲ ንፍትሒ ዝካየድ ቃልሲ ኣድማዕነቶም ክብ ክብል ምእንቲ፣ ብልዝብን ዘተን ከም ማሕበረሰብ ብሓባር ተጠርኒፎም፣ ድምጽን ሓይልን ክፈጥሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ክፉት መድረኽ፣ ንጉዳይ ስምረትን ካልእ እዋናዊ ኩነታትን ሃገርና ኤርትራ ብዝምልከት ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ‘ውን መሊሱ።

ኣብ መወዳእታ፣ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ እስራኤል፣ እቶም ልዑል ናይ ቃልሲ ፍናን ዘለዎም ኣባላት ምንቅስቓስ “ሰራዊት ሕድሪ” ከምኡ ‘ውን ማሕበር መንእሰያት ንድሕነት ሃገር፣ ናይ ቃልሲ ናህሮም ብምዕቃብ፣ ስምረት ብምርግጋጽ፣ ንመላእ ሕብረተሰብና ዘሳትፍ ሃዋህው ብምፍጣር ነቲ ኣብ ኣውንታዊ መሰረት ረጊጹ ዘሎ ምንቅስቓስ ከሐይሉዎ ተላብዩ።

ቅድሚ ‘ቲ ኣኼባ ኣብ ቤትጽሕፈት “ሰራዊት ሕድሪ” ጨንፈር እስራኤል ብምብጻሕ ብሓለፍቲ ናይቲ ጨንፈር ንኣወዳድባን ዕላማታትን ‘ቲ ናይ መንእስያት ምንቅስቓስ ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡዎ።

ክቡራት ተኸታትልቲ ኣሰና እቲ ዝቐረበ መግለጽን ሕቶን ርእይቶን ኣብ ቀጻሊ ከነቕርበልኩም ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Negga Yosif December 14, 2013

    Good job EMA,
    You are dedicated your life to the benefit of the Eritrean people, we are very close to succeed pls keep going.
    May the almighty God to keep you well.

  • Selamawit December 14, 2013

    Hero of all time. History will remember you for ever. Thank you very much Amanuel on behalf of the Eritrean people. I can’t believe one young Eritrean is fighting against the government with 150+ army.

  • fthi delye December 14, 2013

    Great job ema keep it up; we r lucky to have a lenient & obedient man like u who rides to the bright future. So keep going forward by narrowing all the differences & don’t give a shit to those who thinks about discrimination. Thanks for your lessons! !!

  • abraham. December 14, 2013

    excellent job brother, keep it up! telling the trueth and discution is the only true way to expose and demice the dictatorial regiem in asmara

  • wedi Forto December 14, 2013

    Ema for President of Democratic Republic of Eritrea!

  • waEro December 14, 2013

    I agree

  • temie December 14, 2013

    what a great man. Thank you Ema.

  • Stefanos Temolso December 14, 2013

    Amanuel is doing a great job. What the so called oppsition parties did not do he did it! What HGDEF tried to do but failed he did it. But the most important thing is the awareness he is trying to create among Eritreans. The spirit of unity and dialogue between Eritreans and specially the youth! Keep it brother!

  • berhane December 14, 2013

    amanuel,

    aittAnkef, idmen TEnan imNeyela

  • Truly Truly i say to you December 14, 2013

    ኣንቱም ሰባት! ከምቲ እስራኤላውያን ኣብግዜ ጸበቦም ናብ እግዚኣብሔር ኣብዘእውይሉን ኣዝተማህለልሉ ዝነበሩሉ እዋን በብግዚኡ ነብያትን መረህቲን እናተንሰእ ካብ ጸበቦም የናግፎም ዝነበረ፣ ነኣና ኤርትራውያን ከኣ ክትቅበልዎ እንተደሊኹም፣ እነሆ ኣምላኽ ንሕዝባና ሃልዩ፣ ብቃልሲ መሪሁ ኣብ ዓድና ዘእትዉና ርሕሩህ መስተውኣሊ መራሂቲ ከም ነብይ ሙሴ፡ ንዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮን) ንተባእ ተጋዳላይ ከም መራሂ ንሃውና ኣማንኤል እያሱ ኣተንሲኡልና ኣሎ። ብሃቂ ከምቲ ሽም ይመርህ፡ ጧፍ(ሽምዓ) የብርህ ዝተበሃለ፤ ወዲ እያሱ ከም ሽሙ ንሕዝባና መሪሁ ናብታ ተስፋ ምድሪ ንከእትው ብትብዓት ከም ነብይ እያሱ( ጆሽዋ) ተበጊሱሎሞ፣ ሃዬ ደቂ እሥራኤል ኣብኩሉ ዓለም ምስተበተነ ሕዝብኹም ብሃባር ንምቅላስ ተበገሱ። እግዚኣብሔር ናይኣዴታትናን ናይ ኣቦታትናን ነቲ ኣብላምፓዱዛ ዝፈሰሰ ንብኣት ርኢዎሎ´ሞ፣ ስልዝድግፈና ዓወትና ናይግድን እዩ።

POST A COMMENT