Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንገለ ሕጸ፡ ንገለ ተስካር ንገለ ዓቢ ሻቅሎት

መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንገለ ሕጸ፡ ንገለ ተስካር ንገለ ዓቢ ሻቅሎት ኣብ ሞንጎ ስርዓት ህግደፍን፡ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ብላዕሊ ማዓር ዝተሸፈነ፡ ዉሽጣዊ ትሕዝትኡ ዘይተፈልጠ ስምምዓት፡ ዝተፋላለየ ስምዒታት ፈጢሩን ይፈጥርን ኣሎ። እዚ ሓድሽ

መስርሕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንገለ ሕጸ፡ ንገለ ተስካር ንገለ ዓቢ ሻቅሎት

ኣብ ሞንጎ ስርዓት ህግደፍን፡ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ ዘሎ ብላዕሊ ማዓር ዝተሸፈነ፡ ዉሽጣዊ ትሕዝትኡ ዘይተፈልጠ ስምምዓት፡ ዝተፋላለየ ስምዒታት ፈጢሩን ይፈጥርን ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ምዕባለ፡ ንዝበዝሑ ኤርትራ ናጽነታ ዝኣወጀት ሓራ ሃገር ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ብምፍላያ እህህ ክብሉ ዝጸንሑ ኢትዮጵያዉያን ማና ካብ ሰማይ ከምዝወረደ ኮይኑ ስልዝተሰመዖም፡ እዚ ሓድሽ ዝምድና ከም መስርሕ ሕጸ፡ መሰጋገሪ ናብ ምሉእ መርዓ ኤርትራ ብምልእታ፡ ወይ ድማ ብዉሑዱ ምምላስ ወደብ ዓሰብ ጌሮም ስለዝራእይዎ፡ ንቡር ዘይብሉ ፈንጠዝያ ከካይዱ ተዓዚብናዮም። እዚ ተስፋ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፡ ካብ ቃላት እቲ ከምፊን ዝበሎ ድላዩ ዝዛረብ፡ ኣብ መርዓ ጓሉ ዝተዳናፈቀ ዝመስል ዝነበረ፡ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ መራሒ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ክልተ ህዝቢ እሊ ዝሓስብ ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ፡ ብምባል ልቡ ካብ ምስ ህዝብን ክብርን ሃገረ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብጋህዲ ዝመስከሮ ቃላትዩ።

ብወገን ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ፡ ነቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ቀንዲ መታሃላልኽቱን ስግኣቱን ጌሩ ዝሓስቦ ወያነ ካብ ስልጣን ተዓልዩ እዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ስርዓት ይትከል ኣሎ፡ ብዋጋ ኤርትራ እንታይ ክሓትት ይኽእል ብዘይገድስ፡ ተስካር ወያነ እንኳዕ ኣርኣየኒ ዝዓይነቱ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍሽኽታን ልብኻ ምጥብጣብን ተራእዩ።

ኣብዚ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ናዓና ንኤርትራዉያን ቀንዲ ዘገድሰና እዞም ፍጻሜታት ዜይኮኑስ ሳዕቤናቶም እዮ። ሓቂ እዩ ብሰላም ዝረብሕ እምበር ዝጉዳእ ወገን ክህሉ ኣይክእልን፡ እንተኾነ ሰላም ብኸመይን ምስ መንን ዝብሉ ሕቶታት እዋናዉያን ኮይኖም ንረኽቦም። ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፡ ህዝቢ ዉክልና ዘይሃቦ፡ ብገዛእ ቃሉ ንስልጣኑ ዝኾነ ኩንትራት ከምዘይብሉ  ዝምድር መራሒ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ወሽለኽነኽ ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ጽቡቅ ትምኒት ጽቡቅ እዩ፡ ኣብ ዓለም ፖለቲካ ግን ብዘይ ታሓታትነን ሰናይ ትምኒት ምጽባይ ዕሽነት እዩ። ከምባህሊ ህግደፍ፡ ግሉጽነት ይኹን ተሓታትነት እቶም ቀንዲ ንፍጋት ኣምራት እዩም።

ነዚ ሓድሽ ምዕባሌታት ዘይናቱ መልክዕ ከትሕዝዎ ዝተዋፈሩ ናይ 03 ናይ ሓሶት ሓበሬታት ይዝርግሑ ምህላዎም ካብ ህዝቢ ዝተሓብአ ጉዳይ ኣይኮነን። ኩሉ እቲ ህቦብላ ምስ ሓለፈ፡ ኩሉ ጣቃ ዝግ ምስ በለ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ እታ ናይ ሓንት ማዓልቲ ድራማ ኣቃባብላ ዶክተር ኣቢይ፡ ንኤርትራዉያን ዘርብሕ ለዉጡ ጌና ኣይተራእየን፡ ዛጊት ናጻ ዝወጸ ናይ ፖለቲካ ይኹን ሃይማኖት እሱር የለን፡ ብጀካ እቶም ድሮ ዝተሓቶም ጉቦን ናይ እምነት ምኽሓድ ዝፈረሙ ዉሑዳት። ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለዉጢ ተራእዩ ክባሃል እንተኾይኑ፡ እቶም ብቀደሙ ዉን ዝኾነ ገበን ዘይብሎም ንጹሃት ኣሻሓት ናይ እምነት እሱራት፡ ቅንጣብ ጉድለት ዘይነበሮም ጋዜጠኛታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን እንተዘይተፈቲሖም፡ ገበን ተለዎም ድማ ናብ ፍርዲ እንተቀሪቦም; ተዘይኮይኑ ምሉሕ ካሕሳን ዝኣሰሮም ሽፍታ ድማ ብገበኑ እንተተሓቲቱ፡ ጥራይ እዩ ለዉጢ መጺኡ ኢልካ ክዝረብ ዝኽእል። እዚ ዓይነት ለዉጥታት እዚ ድማ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ከሎ ክመጽእ ዘይሕሰብ እዩ። ከምቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝሰማዕናዮ ክትግበር እዩ፡ እምበር ተተግቢሩ ዝብል ኣይራኣናን። ኣብ ሰራዊት ዓሰርተታት ዓመታት ዘገልገሉ ንብረት ህግደፍ ዝኾኑ ዜጋታት ጌና ኣብ ባርነት ከለዉ፡ ሕጂ ዝተዓለሙ ዙር 18 ኣዋርሕ ጥራይ እዮም ከገልግሉ ምባል ኣላገጭ እዩ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ዶብ ሽግር ብሰላማዊ መንገዲ ምፍትሓ ብስራት እዩ። እንተኾነ መሰረት እቲ ኹሉ ጸገምና ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ጸገም ዘይኮነ፡ ኣብ ማእከል ከርሲ ዓድና ዘሎ ከዉሒ ከምዘይንፈርን ከምዘይንለምዕን ሕማም መንድዓት ኮይንና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ትማሊ ሃገር ረመጽ ቀይሮም ኮፍ ከሊኦሞ ዝተሰዱ ዕሸላት ህጻናት፡ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ምስ ተቀዝፉ፡ ባንዴራታት ጥልያን ካልኦትን ንክብሪ ሰብኣዉነት ኣብ ፍርቂ ወሪደን ክንበልበላ ከለዋ፡ መንግስቲ ህግደፍ ግን ሬሶኦም ዓዲ ከይኣቱ ኣይፈቀደን፡ ወለዲ ግን ሬሳ ደቆም እኳ ክርከቡ ኣይካኣሉን። እዚ ምስ ዶብ ዘታኣሳስር እንታይ ኣለዎ። ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ እገዳ፡ ካብ ዱባይ ነጋዶ ኤርትራዉያን ከእትዉዎ ዝኽእሉ ፊኖ ይኹን ሩዝ መን እዩ ሓሪምዎም። ነቶም ዝርካቦም ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ነጋዶ ኤርትራዉያን ብድሩት ሚዛንን ራእስማልን ጥራይ ክንቃሳቀሱ ዝደረተ ስርዓት ወያነ ኣይኮነን ህግደፍ እዩ። ሕጂ ዉን እንተኾነ፡ ካብ ኩሉ ባዓል ጸጋ ነጋዳይን ኤርትራዊ ኣብ ጎደቦታት ዓድታት ፋሕ ፋሕ ኢሉ እንከሎ፡ ንሰብ ጸጋ ኢትዮጵያዉያን ኣዉፈርቲ ምዕዳም ፍታሕ ዘይኮነ፡ ንኤርትራዉያን ኣሽካዓላል እዩ። ጸጋታት ሃገር ንጓኖት ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ብኸመይ እዩ ዜጋታት ኤርትራ ዘርብሕ።

ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ እንትርፎ እቶም ዉሑዳት ወይጦታት ህግደፍ ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ በዚ ኣእምሩኡ ዝሳሓተ ዕቡድ መራሒ ዝግበር ዘሎ ስምምዓት ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ከምዘይኮነ ርዱኡ እዩ። ኢሰያስ ብዕቡድ ኣይካይድኡ ዘስዓቦ ተነጽሎ ኣብ ጭንቀት ጸኒሑ ንግዚኡ ብባዓል ኢማራት ዓረብ ዝተሃንደሰ ዉዲት ምጥፋእ ልኡላዉነት መሬት ኤርትራ ምፍራሙ ዘገርም ኣይኮነን። ነዊሕ ዘይከይድ ዕድመ ዉን ክህቦ ይኽእል ይኸዉን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ኮምኡ ኣይኮነን።

ኢሰያስ ካብ ድስቱ፡ ድስቲ እንዳማቱ ከኽዉስ ዝብርሆ ሕሱር ባዓል ስልጣን እዩ። ኣብ ኢትይጵያ  ወያነ ተሳዒሩ እዩ፡ ኢትዮጵያ ድማ ብዉሽጣዊ ረጽሚ ትናወጽ ኣላ፡ እሞ ደግፈና ክንድግፈካ ስለዝተባህለ ገበጥኡ ምስ ወደአ፡ ሓድሽ መቛመሪ ዓዉዲ ተፈጢሩለይ ኢሉ እዩ ሃሊሉ ኣብዘይ ጉዳዩ፡ ሴጣን ክንሱ መልኣኽ መሲሉ ክቀርብ ዝፍትን ዘሎ። እቲ ዘይካሓድ ሓቂ ግን፡ ህግደፍ ንወያነ ከየደቅስ ክብል ከምባዓል ተስፋየ ገብርኣብን፡ እንዳርጋቸዉ ጽገን፡ ከምኦም ዝኣመሰሉን ኣብ ሓድነት ህዝብታት ዝፈጠርዎ ነቃዓት ሎሚ ብልዙብ ስብከት ሰላም ዶክተር ኣቢ ዝፍወስ ኣይኮነን። እቲ ሃስያ ፍሕፍሕን ብሄራት ኢትዮጵያ ካብ ፈኸም ናብ ፉሕ ፉሕ ዝብል ዓሌታዊ ረጽሚ ተሰጋጊሩ እዩ።

ንኩነታት ህዝብታት ኢትዮጵያዉያን ተተዓዚብና፡ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኣምሓራን፡ ኦሮሞን፡ ሶማልያን ትግራይን ዘሎ ፍሕፍሕ ዓሰብ ብምርካብ ወይ ምስ ኢሰያስ ካባ ብምልዉዋጥ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ዉያነ ካብ ጠፈር ዝወረደ ጉጅለ ኣይኮነን፡ ካብ ዓቢ ታሪኽን ሞራልን ዘለዎ፡ ንታሪኽ ኢትዮጵያ ዝለወጠ ፍሉይ ማኣዝን ዘትሓዘን፡ ህዝቢ ትግራይ ዝመንጨዎ ደቂ ህዝቢ ዘቆምዎ ዉድብ እዩ። መንግስቲ ዶክተር ኣቢይ ነዚ ዝርድኦኳ እንተኾነ፡ ነቶም ወደብ ዓሰብን፡ ካርታ ኤርትራን ንምጽንባር ዝሓልሙ ፖለቲከኛታት ኣምሓራን ኦሮሞን ግን ንህዝቢ ትግራይ ጎሲኻ ዝካኣል ይመስሎም ይኸዉን። በዚ ናይዞም ዕሸላት ፖለቲካ፡ ንትግራይ ነጺልካ ንኤርትራ ምድማር ማለት፡ ብክሳድ ከይሓለፍካ ናብ ርእሲ ምብጻሕ ማላት ምዃኑ ኣይተረድኦምን። እቲ ከይሓፈሩ ዝደጋግምዎ መደረ፡ ወያነ ኤርትራ ናጻ ሃገር ክትከዉን ኣፍቂዶም፡ ብዉሑዱ ወደብ ዓሰብ ኣሕሊፎም ሂቦማ ዝብል እዩ።

ንምዃኑ ዓሰብ ኣብ ክልል ኣምሓራዶ ወይስ ኣብ ኦሮሞ እያ ትርከብ? ኣብዛ ብክልላት ትናቖት ኢትዮጽያ፡ ብካርትኦም መሰረት ዓሰብ ኣብ ክልል ዓፈር እያ ትርከብ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዶባቶም ብንጹር ዝፈልጥዎ ዉሑዳት እዩም። ብሄረ ኣምሓራ፡ ብነጋዉሶም ዝተሰመረሎም ናይ ልዕልና ሕማም ዝተለኽፉ ከም ባዓል  ዋጦት ቴዲ ኣፍሮ ዘምልኽ፡ ካልኦት ብማዕርነት ብሄራት ዘይኣምኑ ብርክት ዝበሉ ጸለዉቲ ሰባት ዝምእዘን ጉጅለ ክኸዉን ከሎ፡ ብሂረ ኦሮሞ መዋእሉ ተሓሪምዎ ዝጸንሐ መሰሉ ሳላ ወያነ ዝፈጠሮ ባይታ ተጠቂሙ ከራጋግጽ ደረቱ ዝሓለፈ ምልዕዓል ኣብዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ሓለቃ ድያብሎስ ኢሰያስ ምዕዳም ማለት፡ በርበረ ኣብ ዝበዝሖ ጸብሒ ድልኽ ምዉሳኽ ማለት እዩ።

እምባኣር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም “game over’’ ዘይኮነ ሕጂ እዩ ‘’game on’’ ወይ ጌም ጀሚሩ። ህዝቢ ትግራይ ክንዲ ዘኾለሰ ኢዱ ተነኺሱሎ። እቶም ንኤርትራ ወይ ዓሰብ ንምድማር ዝሓስቡ ደቂ ኣምሓራን ካልኦትን፡ ኣዲስ ኣበባኹም ሓልዉ። ሕጂ ኢሰያስ ባሪኽለይ ኢልካ ዓሰብ ይኹን ካልእ ክፋል ኤርትራ ምግባት መላጸ ትዉሕጥያ`ሞ ምዉጻኣ ይኸፍኣኪ ከምዝባሃል ብኣግኡ ካብ ሕልሞም ክባራበሩ ይግባእ። ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ብቀንዱ  ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራትን ትግራይን እዩ። ከም ጎረባብቲ ህዝብን ኣሕዋትን መጠን፡ ከምባዓል ኢሰያስ ዝኣመሰሉ ደመኛታት ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ይታኣለዩ እምበር፡ ዶባትና ዓዲ ብዓዲ፡ ስንጭሮ ብስንጭሮ፡ ኩርባ ብኩርባ ስለንፈልጦ ንምፍትሑ ንዋናታቱ ደቀባትን ዝግደፍ ጉድዩ እዩ።

እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝዉሰድ ዘሎ ተበግሶ ሰላም ዝናኣድ እዩ፡ እንተኾነ ኤርትራ ጌና ኣብ ሕማም ሕርሲ እትርከብ ሃገር እያ። ኣብ ቅልዉላዉ እትርከብ ሃገረ ኤርትራ፡ ክሳብ ንቡር ኣቃዉማ ዘለዎ፡ ብስርዓተ ሕጊ ዝቅየድ ህዝቢ ዘቆሞ መንግስቲ ክሳብ ዘይተኸለት፡ ምስ ሸፋቱ ዝብጦ ኣብ ኣጻብዕቶም ወይ ካባ ኣብዝባኖም ኣጎልቢብካ ዝካየድ፡ ዉዕል ኣብ ልዕሊ ዉዕል ተተፋራረምካ ብዙሕ ትርጉም ዝዋሃቦ ኣይኮነን፡ ንግዚኡ ግን ንገለ ህንጡያት መዛናግዒ ክኸዉን ይኽእል እዩ፣ ነዊሕ ስለዘይከይድ ንግዚኡ ተዛነዩ። ዉዒሊ ሓዲሩ ግን፡ ኤርትራ ብህዝባ ዝማሓደር መንግስቲ ምስ ኣቆመት ኩሉ፡ ሓባቢልካን ሸፋፊንካን ዝካየድ ዉዕላት ናብ ጓሓፉ ምከዝድርበ ርግጽ እዩ።

ምልኪ ይፍረስ፡ ፍትሒ ይንገስ

ብኣማን ጎይትኦም

amang_777@yahoo.com

01/08/2018

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • Danilo August 4, 2018

    Deglel, most serious question for you. How do you know my presence in South Sudan? I guess your sensorship is active

    • Deglel August 5, 2018

      I don’t know whether to cry or laugh really loud to this “most serious question” of Danilo/Fernilo!!
      South Sudan Danisaur, before I answer your ‘most serious nomad CIA/KGB question’, let me just remind you that our latest AGAZIAN drones are watching very closely the old barbaric evil Islamic ELF mendef criminal beasts like yourself, meretse/fesewe tsaHitsaHi fedayin, crippled ELF whore mouth k.t {komal teKebre}, simon g poisonous HatellaGuzay snake, ahmidin binladen salihadin {aregit KELBI Arab PIMP}, Abdurobo teraAraA the Saho’s whore snake/rat moslem 100% nefaHito, Tes kondaf HatellaGuzay shit adgi stinker. So, in short, Wedi Halima nebsi, any short or funny moves from you deki ELF deKalu eraymirayat goHafat and you’ll all be HALAL mince meats, finito, capito!!!

  • meretse August 4, 2018

    Your father was advised to strain you or have at least a leash on you. You ran against the wall many times until you have a bad concussion. Concussion >> mental confusion, lack of coordination, memory loss, poor balance, fear of LIGHT, fear of your shadow,..
    Entetemeselelkum – dad, please take your kids for a couple weeks bathe at Adi Halo, who knows u might also get some help from nsu. If that doesn’t work you might need to wait until surafel’s (the best oromo prophet) second visit. He is best at exorcism. Good luck

    • Danilo August 4, 2018

      Good advice!!!.

    • Deglel August 5, 2018

      I love it when monkey {ball-less hyena in your case} act monkey, jumping from one branch to another branch/tree. I don’t like it, in fact I hate it when monkeys act as humans. Now, I fixed you back to your right place, filthy monkey like yourself on the move.
      We can’t bloody follow you simply because we are not monkey-fast to match your weirdo tree moves. Stick to one evil ELF mendef simple jungle tree otherwise you’ll bloody be a loser again in your miserable lonely western/refugee life. Stop being the same old bojbaj coward and hypocrite.

  • meretse August 4, 2018

    ሳላ ሕጽረት ግዜ ዝበሰለ ምብላዕ ቀደም ተሪፉ
    ብዝኮነ ናይ ማይክሮወቭ
    ሓንቲ ታሓግ ዓርብዓ ዝርእሳ
    እግራ ኮይኑ ይርከብ ናይ ሰኦኣት መልሓሳ
    ኣብ ደረት ትበቁል ዘይቀንዕ ክሳዳ
    ኣብ ክንዲ ዝባናስ ኣብ ከብዳ መንጉዳ
    ኣብ ጓጉኣ ዕፈል ወዲ ዕፈል ኣስፊራ
    ዝተሓፍረት ይመስላ ማዕጺድ እንተሰገራ
    Sorry! I do not have time to continue. I got to go.

    • Deglel August 5, 2018

      Italiano scarico Danilo-Fernilo pigo, you didn’t bloody listen to my last good/brilliant advice, did you? I hear these days your beautiful lavitatat Yemeni/Sudanese goats and Italiano pigs/pigos are on top of you when it comes to the romantic love making!!! Why, Why, Why you let me down after training you so hard for so long??? They must be really frustrated/disappointed/let down by your love making technics and penetration/drilling skills!! And are you kissing them properly tongue to tongue touching and covered all eyes?? Otherwise, your sexy young goats and pigs will dump you for ever and go back to meretse/fesewe tsaHitsaHi ELF fedayin who would only be licking them as he is ball-less since he lost/cut off his hyena private part in an Afghanistan taliban against Soviet Union old war Your young beautiful sexy goats/pigos lavitatat will also be too bored to death with meretse/fesewe’s village poems. Danisaur nebsi, just sharpen up your nomad driller, OK!

      • AHMED SALEH !!! August 5, 2018

        Did ELF fidaeen kill
        your father ?

        • Seifu August 6, 2018

          No, his father killed or fucked your Arabi father.

          • Mesfin August 6, 2018

            Seifu, best to ignore him, he is wirdetegna hisur seb.
            To the Islam creature, now do not go into hiding or sobbing.
            Real men they fight back with logics and intelligences for which
            you have none. All you have is women’s complaining and bending.

  • Degoli August 5, 2018

    ዓረብን ባራዩ ዓረብን ገዝኦም ከየጽረዮ እዮም ፤ ንኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን:- “በዚ ኺዱ ፤ ከምዚ ግበሩ ፤ ቋንቋ ትግረ ትግርኛ ግደፉ ፤ ከምዚ እመኑ” ዝብሉ። ንማውሪታንያ ትበሃል እስላማዊት ዓረባዊት ምእንቲ ክንመሰል? ኣብ ማውሪታንያ የመን ሱዳን ሰብ ኣብዚ እዋን ከም ጠለ በጊዕ ይሽየጥ ፤ ከም ንብረት ይውረስ።
    ዓረብን ባርያ ዓረብንሲ ንዓይ ብዛዕባ ሓርነትን ናጽነት ከምህረኒ? ዘገርም እዋን።
    French magazine writes in its August edition:
    “Although slavery was abolished in 1981 and criminalised in 2007, the “spirit of slavery” lives on, says Balla Touré, an anti-slavery activist. People may be legally free, but discrimination, social pressure, poor education and the lack of identity papers mean that thousands still live in de facto slavery, says Mr Touré.

    The Global Slavery Index, compiled by the Walk Free Foundation in Australia, said that in 2016 some 43,000 people, or 1% of the population, were slaves. SOS Esclaves, a local anti-slavery organisation, reckons the real figure is much higher ….

  • meretse August 5, 2018

    ኣድጊ ፈሪሕካስ ንጽዕነት (ኣህያውን ፈርተህ ዳውላን ይብሉ ገሊኦም) ንልዕሊ ሓሙሳ ዓመት መግቦም ግሂጽካ፡ ገና’ውን ሕጂ፡ ነብስካ ብትዃብኦም እንዳ ኣሕደርካስ፡ ናበይ ጽግዕ ናብ ተሓኤ። ተሓኤ ደኣ’ሞ ሎሚ ዘየላ። እንተ ትህሉ ንዓኣ ምሓሻ። ሎሚ ዘላ ህዝባዊት ተሓኤ ኢያ። እንድሕሪ ናፊቅካያ፡ ኣብቲ ደምበ ፍትሒ ኪድ’ሞ ኣብኡ ክትረክባ ኢካ። ብዝተረፈ እታ ንስካ ወግሐ ጸብሐ እትዝምረላ ተሓኤ ብሰንኪ ቅንዕና ዘይርኩብ ረኪባ። ሎሚ ተመኒካ ኣይትረክባን። ከም ጡብ ኣደካ ቅበጻ። ገና ትጠቡ እንተሃሊካ ግን “ንመሕረስቲ ርገም” ፤ ናበይ ጽግዕ፡ ጽግዕግዕ ናብ ተሓኤ ዘመን ምስ ከፍኣካ?

  • AHMED SALEH !!! August 5, 2018

    So far our Nefahito with many names
    shows his dark side . A person who has not good heart refuse to see the
    light of love and hope .
    If we identified his lost soul to preach hatred and division , we have
    not choice but disconnect ourselves
    from such evil people . I believe to
    ignore unworthy sick person gives us peace of mind than argue with him day and night .
    So please do not give attention because he has hidden purpose
    to corrupt this forum .
    Blame assenna staff irresponsible act to accommodate destructive comments in public discussions .

  • meretse August 6, 2018

    Abiy challenged in Minnesota. He was asked three challenging questions by a young Tigrygna news anchor and he hated the most. Instead of answering her questions he try to humiliate her by saying: these are serious questions should be asked by grownups. You r too young to raise such questions. My advice to you is go have some askream or a lollipop. Boy, who does this remind you?

  • meretse August 6, 2018

    Correction:
    Tried instead of try
    …..serious questions that should be asked by grownups
    Ice cream naso askream
    Tnx

POST A COMMENT