Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስርዕና ኣብ 80 – ታደሰ ኪዳነ

መስርዕና ኣብ 80 ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                ብምኽንያት 20 ሰነ 2017   ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ንዘዝሓለፍኦ ኲናትን ምረትን እናዘከራ ዝትርኻሉን፡ ንዝሓለፉ ጀጋኑአን ዝዝክራሉን ነናይ ገዛእ-ርእሰን ዕለታት ኣለወን።  20 ሰነ’ውን፡ ነቶም ሃገሮም መዓርን ጸባን ዝሕለባ፡ ብልጽግትን ምዕብልትን ክትኮኖሎም ኣሚኖም፡ ነቲ

መስርዕና ኣብ 80

ታደሰ ኪዳነ      በርሚንግሃም                ብምኽንያት 20 ሰነ 2017

 

ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ንዘዝሓለፍኦ ኲናትን ምረትን እናዘከራ ዝትርኻሉን፡ ንዝሓለፉ ጀጋኑአን ዝዝክራሉን ነናይ ገዛእ-ርእሰን ዕለታት ኣለወን።  20 ሰነ’ውን፡ ነቶም ሃገሮም መዓርን ጸባን ዝሕለባ፡ ብልጽግትን ምዕብልትን ክትኮኖሎም ኣሚኖም፡ ነቲ ዘይከኣል ዝኸኣሉ፡ ነቲ ዘይሕለፍ ዝሓለፉ፡ ንሳቶም’ውን ኣብቲ ጉዕዞ ዝሓለፉ ስዉኣትና እንዝክረላ መዓልቲ ካብ ትኸውን ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።  እዛ ዕለት’ዚኣ መዓልቲ ሓበንን ሓዘንን ጥራይ ዘይኮነት፡ ነቲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ንምህናጽ ዝሓለፍናዮ መሪር፡ ኣዝዩ መሪር ጉዕዞ ዘኪርና፡ ነቲ ድሒሩ ከም ማይ ዓለቕቲ ኣብ ዓንቀርና ዝተሸኽለ፡ ኣይወሓጥ ኣይትፋእ ስርዓተ ራዕዲ ንምቕያር፡ መብጽዓና እነሐድሰላ ዕለት’ውን ኢያ።

ንሎሚ ድማ 37 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሰ፡ ብ5 ጥሪ 1980 ዓ.ም፡ ኣብ መስርዕና ዘጋጠመ ኩነታት ክዝክር ኢየ።

እቲ ብተበግሶ ዝፍለጥ፡ ብ2 ታሕሳስ 1979 ዓ.ም ረፋድ ዝጀመረ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብግብረ ሃይል 506ን 508ን ዝቖመ ብናደው እዚ ዝፍለጥ ሓይልታት ጸላኢ፡ በተን ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበራ ኣሃዱት ህዝባዊ ግምባር ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ናብ ዕለት 10 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኢዩ፡ ነቲ ዘይስገር ዕርድታት ጎቦ ኢተሓልበብ ዘፍረሶ። ድሕሪ ኢትሓልበብ፡ ኣብ ከባቢ ኩብኩብ ውሑድ ተቃውሞ’ኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ደድሕሪ ጸላኢ እናጎየና ኢና ንኹሉቲ ንከተማ ኣፍዓበት ዘቐልቅል ጎቦታት ተቖጻጺርና ደው ዝበልና። እቲ ዘብ-ዘብ ዝተሓወሶ ትንፋስ ዘይህብ ውግእ፡ ብርቱዕ ድኻም’ኳ እንተነበሮ፡ ኣነ ግን ኣብቲ ምትሕውዋስ፡ ኣባል ብርጌድ 58ን፡ መድፍዓጂ ብሬንን ምስ ዝነበረ ተጋዳላይ ፍስሃየ ተኽሎም ስለ ዝተራኸብና፡ ንድኻምና ግዲ ከይገበርና ከይደቀስና -ከነዕልል ኢና ኣሕሊፍናዮ። እንተኾነ መሬት ከይወግሐ ከብቲ ቀላቕል ድሕር ኢልና ቦታ ክንሕዝ ስለ ዝነበረና፡ ምስ ፍስሃየ’ውን ተፈላሊና።

ኣብ ገድሊ ቀደም ምስ ኣትፈልጦ ሰብ ተራኺብካ ከተዕልል ሳሕቲ ኢዩ ዘጋጥም። ንሱ ድማ ወይ ተወጊእካ ኣብ ሕክምና፡ ወይ ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ምርእኣይ ኣብ ውግእ። ሎሚ ብኣጋጣሚ ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ንፍስሃየ ተኽሎም ዘልዕሎ ዘለኹ ድማ፡ ንሱ’ውን ሃይለን ተስፋገብሪኤልን ዝበሃሉ፡ ኣብቲ ግንባር ምስ ዝነበሩ ክልተ ኣሕዋቱ፡ ድሒሩ ኣብ መስርዕ ስዉኣት ስለ ዝተጸንበሩ ኢየ።

የማነ ጸጋም ምስ ዝነበረ ድፋዓት ንምትእስሳር ኢዩ እመስለኒ፡ ነቲ ቀላቕል ገዲፍና ድሕር ኢልና ምስ ኣሰርና፡ ጸላኢ ነቲ ቦታ ብኡ ንብኡ’ኳ እንተ ተቖጻጸሮ፡ ልዕሊኡ ዝኸይድ ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮ ግን፡ ኣብቲ ካብ ክሳድ ዓዲ ሽሩም ድሕር ኢልና ንጸጋም ዘሎ ተረ-ተር፡ ዳርጋ ተዛኒና ኢና ቀኒና። ኣብዛ ንሎሚ ከም መዛረቢ መሪጸያ ዘለኹ ዕለት (5 ጥሪ 1980) እውን፡ ቀትሪ ክንዋዘ፡ ክንስሕቕን በቲ ኣብቲ ናይ ተበግሶ ውግእ ካብ ጸላኢ ዝረኸብናዮ መግብን ኣስቃጥላታትን ክንዕንገልን ኢና ውዒልና።እዛ መዓልቲ’ዚኣ፡ ዘይ ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ መዓልታት፡ ቀትሪ ክንስሕቕ፡ ክንጫረቕን ክንጻወትን ዕምርቲ መዓልቲ ኢያ ነይራ።

ኣብ ከባቢ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ግን፡ ህውኽ ብዝበለ ድምጺ “ድራር . . . ድራር!” ዝብል ትእዛዝ መጺኡ። እቲ ሃታ ሃታ ዝተሓወሶ ድራር ገና ከይተወድአ ከሎ፡ ኮሚሳር ጋንታና፡ ስም መራሕ መስርዕና ጸዊዑ “መስርዕካ ሒዝካ ተሰራዕ! ሓደ ሓኪም ከኣ ምሳኻ ተማላእ!” ዝብል ቀጢን ትእዛዝ የሕልፍ። ብውሽጠይ “ኣባል ናይታ መስርዕ ምዃነይ እናፈለጠ – እንታይ ተወሳኺ ቃላት ኣድለዮ!” ዘይበልኩ ኣይኮንኩን። እታ ኣብ ብርጌድ 51, ሳልሰይቲ ቦጦሎኒ፡ ካልኣይቲ ሓይሊ፡ ሳልሳይ ጋንታ ዝነበረት መስርዕ ኣር ቢ ጂ ተሰሪዓ ንስራሕ ድልውቲ ኮነት። መራሕ መስርዕ እንታይ ትእዛዝ ከም ዝተቐበለ ኣይፈለጥኩን። መሪሑና ናብታ ብጸጋምና ኣብቲ ቀንዲ ተረ ተር ዝነበረት ሳልሰይቲ ሓይሊ ደየበ። ኣብኡ’ውን ከማና ንስራሕ ድሉዋት ዝኾና ክልተ መስርዕ ጸኒሐናና።

ንሰለስቲአን መሳርዕ ዘወሃህድ (ዝመርሕ) ንእሽቶ ራድዮ ርክብ ዝሓዘ ጽልም ዝበለ ሓጺር መራሕ ጋንታ ካብ ሓይሊ 33 ዝመጸ እመስለኒ። በቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ድማ ነቲ ሓባጥ ጎባጥ ግን ከኣ ቀላጥ መሬት ሰጊርና፡ ካባና ኣስታት ሓደ ኪሎ ሜትር ርሒቐን፡ ኣብቲ ናብ ኣፍዓበት ዘርኢ ቀላቕል ዝነበራ ክልተ ቀንዲ ታባታት ኣጥቂዕና ክንቆጻጸረን ተነጊሩና። ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል (ውቃው እዝ) ሽዑ መዓልቲ፡ ብወገን ህዝባዊ ግንባር ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ መናወራ ንምግባር ምኳኑ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ፡ ብኻልእ ኣጋጣሚ ኢየ ሰሚዐ።

እቲ ኣብ ቅድሜና ኮይኑ ንመጥቃዕትና ዝጽበ ሓይሊ ጸላኢ፡ እቲ ቀደም እንፈልጦ፡ ካብ ናቕፋ ክሳብ ኣፍዓበት ዝጎየናዮ ጸላኢ ኢዩ። ሞራል ናይቶም ሬሳታቱ ዝረገጽና፡ ኣጽዋሩን ታንክታቱን ዝማረኽና ተጋደልቲ’ውን – ሚእቲ ኢዩ። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ኣብቲ ቀላጥ ግን ከኣ ኣዝዩ ዝተፈንተተ ቦታ፡ ቅድሚ ኣብ እተድማዓሉ ናይ ኢድ ብኢድ ተኹሲ ትበጽሕ፡ ካብ ወገን ጸላኢ ብተመልከተለይ ብዝትኮስ ናይ ማሺንጋንን ብሬናትን ጠያይቲ፡ ዝዓበየ መሰናኽል ምንባሩ ኢዩ። እቲ ዘጋጠመ’ውን ንሱ ነይሩ።

ናይ ተበግስ ቀይሕ ትእዛዝ ተዋሂቡ፡ ናብ ቦታ ጸላኢ ጉያ ምስ ጀመርና፡ ድሕሪ ገለ ካልኢታት፡ ኣብታ ብሸነኽ የማን ዝነበረት በላሕ ታባ ዝነበረ ማሺንጋን ጸላኢ ክንቊ ጀሚሩ። ነቲ ናይ ጸላኢ ሓይሊ ትሑት ግምት ስለ ዝተዋህቦ ኢዩ እመስለኒ፡ ካብ ናትና ወገን ንዕኡ ዘዐግስ ዝስማዕናዮ ድምጺ ነዊሕ ብረት ኣይነበረን። እቲ ሓደ ክግበር ዝነበሮ ድማ፡ ኣብቲ ቃልዕ ቦታታት፡ ከም ሽንቲ ብዕራይ እናተጠዋወኻ፡ ኣብ የማነ ጸጋምካ ንዝዓልብ ጠያይቲ ነዊሕ ብረት እናሽካዕካ ምምራሽ ጥራይ ኢዩ።

ናይ ጸላኢ ማሽንጋን ገና ካብ መጀመርያ ኢዩ ክግዕር ጀሚሩ። ጻዕቂ ናይቲ ካብኡ ዝትፋእ ጠያይቲ ግን ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበርና ውሑዳት ንላዕሊ፡ ናብቶም ድሕር ኢሎም፡ ጻዕቂ ዝነበሮም ብጾት ዘነጻጸረ ኢዩ ነይሩ። ክልተ ቃልዕ – መቕተሊ ቦታ ሓሊፍና፡ ሳልሰይቲ ንምውራድ ቁልቁል እናነጠርና ከለና፡ ቀቅድመይ ዝነበረ ሓደ ተጋዳላይ ኣብቲ ቃልዕ፡ ገላጽ ቦታ ተሃሪሙ ይወድቕ። ሳንጣይ ኣውሪደ ዝተሃርመ ኣካላቱ ክፍትሽ ከለኹ ክሕግዘኒ ደው ዝበለ ካልእ ብጻይ’ውን ኣፍ ልቡ ተሃሩሙ ምስኡ ይድረብ። ክልተ ውጓኣት ኣብቲ ቃልጥ ቦታ።

ሳንጣ ከፊቲ ትንፋሶም ፈቲሸዮም። ኣይነበሩን፡ ንዘለ-ኣለም ደቂሶም ኢዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ራድዮ ዝሓዘ መራሕ ጋንታ’ውን፡ በቲ ዝነበርናዮ ቦታ እናነጠረ ክሓልፍ ስለ ዝረኣየና “ተሰዊኦም ኢዮም፡ ካብቲ ቦታ ውጻእ!” ኢሉኒ ንታሕቲ ገጹ ንግፍ በለ። ኣፍ ሻምብቆ ማሽንጋን ኣንፈቱ ናብ ካልኦት ገጹ ክሳብ ዘቕንዕ ግን ምትንሳእ ዝከኣል ኣይነበረን። ንሬሳ ናይቶም ክልተ ብጾት ከውሊ ገይረ ክጸንሕ ነይሩኒ። እቶም ክልተ ብጾት ድሕሪ መስዋእቶም ብኽንደይ ጠያይቲ ከም ዝተደግሙ ዝፈልጦ የብለይን። በዓል ማሺንጋን ኣንፈቱ ናብ ካልኦት ምስ ገበረ ግን፡ ኩነታት መዚነ፡ ኣነ’ውን ሳንጣይ ኣልዒለ፡ ንቅድሚት በቲ ቁልቁል ተዓዚረ።

ነቲ ቃልዕ ቦታ ሓሊፍና (ወሪድና) ኣብቲ ከውሊ ቦታ ምስ በጻሕና፡ ናቶ ዝዓይነታ ብረት ዝዓጠቐ ኣባል መስርዕና፡ በኹረጽየን (ወኪ) ኣብ ስለፉ ተሃሪሙ ጸኒሑኒ። ቁስሊ በኹረጽየን ምጅናን ጸገም ኣይነበሮን። እቲ ቦታ ከውሊ ኢዩ፡ እታ ንቦኽረጽየን ዝሃረመት ጥይት፡ ብማእከል ሰለፉ ዓጽሚ ከይተንከፈት ስለ ዝሓለፈት፡ ምርኩስ ትኾኖ ዕንጸይቲ ሂበ፡ ተኹሲ ዝሕል ምስ በለሉ፡ ቀስ ኢሉ ክወጽእ ከም ዝኽእል ሓቢረ ገዲፈዮ ከይደ።

ሕጂ ካብ ድፋዓትና ኣዚና ርሒቕና ናብ ናይ ጸላኢ ወረዳ ኣቲና ኢና። ካብታ በኹረጽየን ዝነበራ ቦታ ውጽእ ኢልካ፡ ሓንቲ ሓላቕ ክሳድ ኣላ። ማሺንጋንን ብሬናትን ጸላኢ ኣሲሩላ ኢዩ። ነታ ክሳድ እንተ ሓሊፍካያ፡ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ምምላስ ዝከኣል ኣይኮነን። ውሑዳት ብጾት ንዓኣ ሰጊሮም ናብ ጸላኢ ተጸጊዕም ኣለዉ። ገለ ከኣ በቲ ተኩሲ ተዓጊቶም ነይሮም። ነቶም ቀዳሞት ከርክቦም ነይሩኒ። ካብቲ ከውሊ ወጺአ፡ በቲ ቃልዕ እናጎየኹ ከለኹ፡ ብድሕረይ ረዛን ስዩም ተሃሪማ ክትወድቕ እሪኣ ኣለኹ። ምስቲ ዝዘንብ ዝነበረ ብዝሒ ጠያይቲ ግን ንድሕሪት ምምላስ ዝከኣል ኣይነበረን። ምስኣ ዝነበራ ብጾት ስሒበን ናብ ከውሊ ይወስድኣ ስለ ዝነበራ ድማ ናተይ ምምላስ ዘድልያ ኣይኮነን።

ሕጂ’ውን ኣብቲ ዕሙቕ ዝበለ ከውሊ ዘለዎ ቦታ ምስ በጻሕኩ፡ ምክትል መራሕ መስርዕና ዝነበረ ሰመረ (ኛም ኛም)፡ ኣብ ቃልዕ ቦታ ተሃሪሙ ጸጥ ኢሉ ደቂሱ ነይሩ። ብህይወት ምንባሩን ዘይምንባሩን ግን ኣየረጋገጽኩን። እቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ መራሕ ጋንታ “ተመለስ!” እንተዘይብለኒ፡ ንስረ ንክረጋግጽ ናብኡ ተበጊሰ ነይረ። ምስቶም ብጾት ምስ ተጸንበርኩ፡ ሃለቃን ዓዲ-ቐሺን ካብ መስርዕና ኣብኡ ጸኒሖሙኒ።

ምስ ጸላኢ ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት በጺሕና ኢና። ዝነበራና ካላሽናት ክሰርሓ ጀሚረን ኢየን። ዝነበረና ሓይሊ ሰብ ግን እንተስ ተወጊኡ ወይ ብተኹሲ ተዓጊቱ ዳርጋ ኩሉ ድሕሪት ተሪፉ ኢዩ። 5 ሰብ ኣብ ሑቅፊ ጸላኢ ተጸጊዕና። ንሳቶም ድማ ቡምባ ቻይና ዓጢቑ ራድዮ ርክብ ዝሓዘ መራሕ ጋንታ፡ ኣር ቢ ጂ ምስ ሰለስተ ቦምባታታ ዝሓዘ ተስፋማርያም (ሃለቃ)፡ ክልተ ሰብ ካላሽን (ሓደ ካብኦም ኣብ መስርዕና ዝነበረ ወለንሰአ (ዓዲ-ቀሺ))፡ ሳንጣ ዝሓዝኩ ሓኪም። ሃለቃ በተን ዝነበርኦ ቦምታታት ነቲ ተካል ዘምሰየና በዓል ማሺንጋን ኣፉ ከም ዝዕበስ ገይሩዎ ኢዩ። እተን ዝነበራና ክልተ ካላሽናት ብጻዕቂ ይትኩሳ ነይረን። ተኹስና ግን ካብ ዓሚቕ፡ ናብ በሪኽ (ንላዕሊ ገጹ) ስለ ዝኾነ ኣድማዕነቱ ዘተኣማምን ኣይኮነን። ነቶም ብቶኹሲ ተዓጊቶም ዝነበሩ ብጾት ግን ጉልባብ ክኾኖም ይኽእል ኢዩ። ቅድሚ ብጾትና ምምጽኦም ጸላኢ ብየምንን ብጸጋምን ጸረ-መጥቃዕቲ እንተ ገይሩ ግን ሓደገኛ ኢዩ። ዝነበርናዮ ቦታ ድማ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ዘምልስ ኣይኮነን።

ድሕሪ ገለ ደቓይቕ፡ ገለ ሰለስተ ዝኾኑ ድልዱላት ተጋደልቲ ኣርኪቦም። ምስኦም ከኣ ኣበባ እትርከቦም ዝተረፉ ደቂ መስርዕና። ኣቐዲመን ዝነበረና ክልተ ካላሽናት ጠያይቲ ወዲአን ኢየን። በዓል ዓዲ ቀሺ፡ ካብቶም ዝመጹ ብጾት ገለ ጠያይቲ  ተመቒሎም። ሃለቃ ግን እተን ዝነበረኦ ናይ ኣር ቢ ጂ ቦምባታት ካርጁወን ኢዩ። ብጻዕቂ ተኹሲ ናይተን ዝነበራና ካላሽናትን ቡምባ ኢድን ተሰኒና፡ ነቲ ኣብ መንጎ’ተን ክልተ ታባታት ዝነበረ ድፋዓት ጸላኢ ተቖጻጺርናዮ። መራሕ ጋንታ ክልተ ተጋደልቲ መሪጹ ነታ ማሺንጋን ዝነበራ ብየማንና ዝነበረት ታባ ክቆጻጸሩ ሰዲዱዎም። ንሳቶም ኣብኣ ምስ በጽሑ፡ ካልኦት ናብታ ብጸጋምና ዘላ ታባ ክኸዱ ኢዮም።

እቲ ግዜ ናይ ቋሕ-ሰም ካልኢታት ኢዩ። ርሕቀት ናይተን ብየማነ -ጸጋምና ዝነበራ ክልተ ታባታት ካባና ትሕቲ ሚእቲ ሚትሮ ኢዩ። እቶም ክልተ ናብ ሸነኽ የማን ዝተላእኩ ብጾት፡ ኣብ እግሪ’ቲ ድፋዕ ኮይኖም ናብ ቦታ ማሺንጋን ቡምባ ኢድ ምስ ደርበዩ፡ ደሃዮም ጠፊኡ። ልክዕ ኣብዛ ናይ ቋሕ ሰም ህሞት፡ እዚ ዘይበሃል ሓይልታት ጸላኢ ብኹሉ ሸኽ ፈሲሱ። ኣበባ ጽፈትን ሓደ ተጋዳላይ ናይ ሳልሰይቲ ሓይልን ቀዳሞት ዕላማ ኮይኖም። መህረምቲ ናይቲ ተጋዳላይ ኣብ ኢዱ ስለ ዝነበረ ጀኒነ ቀልጢፈ ኣፋንየዮ። ኣበባ ግን እታ ብሱር ጡባ – ናብ ኣፍ ልባ ዝኣተወት ጥይት  ኣየላበወታን። “ማማ!” ኢላ ምስ ወደቐት ንዘለኣለም ደቂሳ ኢያ። ንረዛን ሓኪማ ዝመጸት ኣበባ፡ ብሓገዝ ቀዳማይ ረድኤት ኣብ ዘይትድሕነሉ ቦታ ተሃሪማ ተፈልያትና።

እታ ብየማንና ዝነበረት ማሺንጋን ዝነበራ በላሕ ታባ፡ ሓድሽ ዝመጸ ሓይሊ ጸላኢ ተቖጻጺሩዋ ኢዩ። በቲ ቅድሜና ዝነበረ ቃዳሩ’ውን ቁጽሩ ዘይንፈልጦ ሰራዊት ተጸጊዑና ኣሎ። ዝነበረና ጠያይትን ቦምባታትን ተወዲኡ ኢዩ። በቃ ዝግበር ኣይነበረን።

ነዚ ዘስተውዓሉ ናብታ ብሸነኽ ጸጋም ዝነበረት ጽፍሕ ዝበለት ታባ ዝመጹ ወታደራት፡ ንቕድሚት ናብ ፍርቂ’ቲ ጎቦ ወሪዶም፡ ነታ ጎቦ ብክቢ ሒዞም – ኣብሪኾም ኮፍ በሉ። ነቶም – ንሸነኽ የማን ዝነበረት ማሽንጋን ዝነበራ ታባ ዝተላእኩ ክልተ ብጾት ብሕቖኦም ዝሃረሙዎም’ውን ንሳቶም ክኾኑ ኣለዎም። መራሒኦም ኢዩ እመስለኒ “ተው ! እንዳትተኩስ” ክብሎም ንሰምዕ ኣለና። “ኣቋርጽ – ኣይትተኩስ” ማለቱ ኢዩ።

ኣብ ፍርቂ ጎቦ ብፍርቂ ክቢ ኣብሪኾም ናባና ዝጥምቱ ሽሾ ስራዊት ጸላኢ ኣብ ልዕሌና፡ ካብ ኮፍ ዝበልናዮ ተንሲእና ደው ኢልና ናብኦም ንጥምት 7 – 8 ተጋደልቲ ኣብ ትሕቲኦም። ኣብ ላዕልን ታሕትን ኮይንና ነንሕድሕድና ንጠማመት ክልተ ኣንጻራት፡ ኣብ ናይ እምኒ ዳርባ ርሕቀት። እንስሳ በረኻ እንተ ትኸውን ብዳርባ እምኒ  ምኣተናያ። ኣዚኣቶም ግን ሓዊ ዝሓዙ ወታደራት ኢዮም። “ስለምንታይ ተኲሶም ክቐትሉና ኣይመረጹን? ስለምንታይ ብጉያ ወሪዶም በእዳውና ዘይሓዙና?” ኣብ ሓንጎለይ  ዘንጀባርር ዝነበረ ሓሳባት ኢዩ። እዚ ግን ንዓና ዘጨንቕ ሕቶታት ኣምበር፡ ንሳቶም’ሲ ቡምባን ጠያይትን ከም ዘይነበረና ኣረጋጊጾም ዝፈልጡዎ ኣይነበሮምን። ሽዑ ዝነበረና ዕድል፡ ወይ ግዳይ ጠያይቶም ምዃን ወይ ኢድካ ምሃብ ኢዩ። ንሳቶም ግን ኣይተኮሱን፡ ይጥምቱና ጥራይ። ብረቱ ኣብ መሬት ዝተኸለ ወይ ኣብ ሑቕፉኡ ዘጸግዐ’ምበር፡ ናባና ዘነጻጸረ ወታደር’ውን ኣይነበሮምን።

ኣዒንቲ ናይቶም ወታደራት ናባና ምስ ተተኽላ ኣይተመልሳን። ኣዒንትና ግን ካብኣቶም ምልስ ኢለን፡ ነንሕድሕደን ተጠማመታ። ድምጺ የለን። ኣዒንትና ግን “ናይ እንታይ ንግበር” ምጥምማት ተተሓሓዝኦ። ቀስ ኢለን ከኣ ናይ ኩልና ኣዒንቲ ናብቲ መራሕ ጋንታ ጠመታ። ኣብታ ፈታኒት እዋን ኢድካ ሓፍ ኣቢልካ ምርኮኛ ምዃን፡ ናብ ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ ዝተርፍ ውሳኔ ኢዩ። “ያላ ነብስኻ ኣውጽእ!” ዝብል ትእዛዝ ግን ካብቲ መራሕ ጋንታ ጥራይ ኢዩ ክመጽእ ዘለዎ። ብዘይ ናቱ ፍቓድ ንድሕሪት ገጽካ ምምላስ ህድማ ኢዩ። ህድማ ድማ ምስ ወታደራዊ ሕጊ ዝኸይድ ኣይኮነን። ናይ ተፋረድ እዋን።

ብቕድሜና ዘሎ ጸላኢ ቀሪቡና ኢዩ። ድሕሪ ገለ ካልኢታት ምሳና ተሓዊሱ በእዳውና ክሕዘና ጸገም የብሉን። ምናልባት ናይቶም ተኹሲ ደው ኣቢሎም ናባና ዝጥምቱ ዝነበሩ ወታደራት ትጽቢት’ውን ንሱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ናብ ዘብልዎ የብሎምን፡ ትሑዛት ኢዮም!” ስለ ዝበሉ ጥራይ ኢዮም፡ ብዘይ ተኹሲ ዝጥምቱና ዝነበሩ። ናብቶም ብቕድሜና ዝነበሩ ወታደራት ገጹ ዝትኮስ ጠያይትን ቦምባታትን የብልናን። እንተ ፈቲንና’ውን እቶም ኣብ ልዕሌና ኮፍ ኢሎም ዝጥምቱና ዘለዉ ወታደራት ሓዊ ክዘርኡልና ኢዮም። ኣብተን ውሑድት ካልኢታት ናይ ሞትን ምምራኽን ዕድልና ክውሰን ኢዩ።

ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ምሕደራ፡ ክልተ ዓይነት መራሕቲ ኣለዉ። እቶም ሓደ በቶም ልዕሊኦም ዘለዉ መራሕቲ ዝሽየሙ ኢዮም። እቶም ካልኦት ከኣ ኣብ ናይ ውዑይን ዝሑልን ተመኩሮኦም፡ ኩነታት ስሒሉ ዘፍረዮም ኢዮም። ብዙሓት ካብዚኣቶም ሓላፍነት ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ልዑል ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎም፡ ናይ ብሓቂ መራሕቲ ግን እዞም ዳሕረዎት ኢዮም። ሽዑ’ውን ነቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ “ናይ እንታይ ንግበር!” ምጥምማትን ብርቱዕ ጸጥታን ዝሰበረ፡ እቲ መሪሑና ዝኣተወ መራሕ ጋንታ ዘይኮነስ፡ ወዲ ባሻይ ኢዩ። “ያላ ውጻእ !!!” ኢሉ ብዓውታ ክዛረበናን፡ ነታ ጠያይት ዘይነበራ፡ ኣብ ካላሽኑ ተሰዂዓ ዝነበረት ካዝና ብግናዕ ኢዱ እናሃረመ፡ ንቕድሚት ናብቶም ቀሪቦሙና ዝነበሩ ወታደራት ከቕንዓን ሓደ ነይሩ። ብርግጽ ትጽቢትና’ውን ንሳ ኢያ ነይራ። ንሳ ድማ ካብቲ ገዲም ተጋዳላይ ምንባሩ ዝንገረሉ፡ ጽሙእ ነብሲ ዝሓዘ፡ ናይ ጀጋኑ ጅግና፡ ተባዕ ናይ ተባዓት ተጋዳላይ መጺኣ።

ወዲ ባሻይ ናብ ገለ ዕላማ ዘነጻጸረ ክመስል፡ ኣእጋሩ ናብ ቅድሚትን ድሕሪትን ዘርጊሑ፡ ብረቱን ኣዒንቱን ናብቶም ብቕድሜና ዝመጹ ዝነበሩ ወታደራት ኣነጻጸረ። “ና ኣንተ ደደብ!!” እናበለ ክጻረፎም ከሎ፡ ግናዕ ኢዱ’ውን ነታ ጥራያ ዝነበረት ካዝና እና ሃረመት ጽምጺ ትገብር ነይራ። እዚኣ’ውን ኣብ ናይ ቋሕ – ሰም ካልኢታት ኢያ። ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታት ዝፈልጦ የብለይን። እተን ንጉያ ድሉዋት ዝነበራ መሓውር ግን፡ ትእዛዝ ካብ ወዲ ባሻይ ክቕበላን፡ ካብቲ ከበባ ንምውጻእ -ንግፍ- ኢለን ክዕዘራን ሓደ ነይሩ። ተሃሪሞም ዝተረፉ ብጾት እንተ ነይሮም’ውን ኣይፈለጥኩን።

ካብቲ ከበባ ወጺእና ናብ ከባቢ’ቲ ዝመጸናሉ ዓሚቚ ቦታ ምስ ኣተና ግን፡ ካብ መንጎ’ቲ ቆጽለ-መጽሊ ብብርቱዕ ብልጭታ ዝተሰነየ ናይ ፍንጀራ ድምጺ ነእዛንና ቀደዶ። ካብቶም ገዲፍናዮም ዝመጻእና ወታደራት ዝድርበ ቡምባ ኢድ፡ ኣብኡ ክበጽሕ ዘይሕሰብ ኢዩ። በየን ዝነጠበ ሂምታ? ካልእ ናይ ፈተነ ህሞት። ወልደትንሳኤ (ዓዲ-ቀሺ) ብስመይ ጸዊዑ “ተሃሪመ ኣለኹ! ምጻኒ “ ክብለኒ ከሎ፡ ወዲ ባሻይን እቲ መራሕ ጋንታን፡ ነቲ ዝነበርናዮ ቦታ ንየማኖም ገዲፎም፡ ብሸነሽኽ ጸጋም፡ በቲ ሰልፊ ሰልፊ ክሓልፉ ርእየዮም። ብርሑቕ – ጸሓይ ናብ መሕደሪኣ ክትኣቱ ጀሚራስ፡ ኩሉ ከባቢኣ ደም ዝመስል ሕብሪ ነይሩዎ። ተስፋማርያም (ሃለቃ) ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ ነይሩ። ካልኦት’ውን ነይሮም። ብቀይሕ ውዑይ ፈሳሲ ክዳውንተይ ክጥልቂ ጀሚሩ’ኳ እንተ ነበረ፡ መህረምቲ ዓዲ ቀሺ ክፍትሽ ነይሩኒ። ኣእጋረይ ናብ ሸነኽ ዓዲ-ቀሺ ክስጉማን፡ ሕጂ’ውን ብብርቱዕ ብልጭታ ዝተሰነየ ክልተ ሰለስተ ሂምታታት ክስማዕን ሓደ ነይሩ። ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታት እንድዒ።

ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝሓለፈ ኣይፈለጥኩን። ደቓይቕ ዘይኮነ ግን ሰዓታት ኢዩ ሓሊፉ። ውነይ በብቑሩብ ክምለስ ጀሚሩ። ሓደ ከቢድ ነገር ጸቒጡኒ ነይሩ። ካብቲ ዝጸቐጠኒ ከቢድ ነገር ነብሰይ ከገላግል ፍሒትሒት ምስ በልኩ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝነበረ ከቢድ ነገር፡ ዛዕ ኢሉ ናብቲ ውሕጅ ዝፈሓሮ ጉሁም ወዲቑ። ሃለቃ ኢዩ። ዝሑል ኣካላቱ ፍጹም ደሪቑ ነይሩ። ዓዲ ቐሺ ደሃይ ኣይነበሮን። ናብቲ ብሽኻል ዝፍለጥ ፖምዝ -2 ዝዓይነቱ ፈንጅታት ዝተዘርኦ ዓሚቕ ቦታ ክንኣቱ ከለና፡ ካልኦት ተጋደልቲ’ውን ነይሮሙና ኢዮም። ሕጂ ግን ዝስማዕ ድምጺ ይኹን፡ ቃንዛ ዘስምዕ ሰብ የለን። ኣዒንተይ ሽዑ ስለ ዝተሃርማ ናይ ምርኣይ ዓቕመን ኣዝዩ ስለ ዝነከየ ግዲ ኾይኑ፡ መሬት ፍጹም ጸልሚቱ ኢዩ። ዓይንኻ ዘንቁረካ ዘይትርእየሉ ጸልማት። ብዝኾነ መንገዲ ግን፡ ዝነበረኒ ኩሉ ሓይሊ ኣኻኺበ፡ ካብቲ ከባቢ ክርሕቕ ነይሩኒ። ብውሑዱ ካብቲ ናይ ጸላኢ ወረዳ።

—-           —-             —-            —-          —-            —-           —-

ኣብ ከባቢ’ቲ ምግብናና ዝነበሮ ናይ ግምባር ሕክምና  በጺሐ፡ ነብሰይ ቁሩብ ምስ ተመልሰ፡ ኣኣዳወይ ካብ ናይ ኤንፉዥን ቱቦታት ኣይተላቐቓን። ረዛንን በኹረጽየንን ግን ኣብቲ ቦታ ኣይነበሩን። ነተን ሓካይም ሓቲተየን። “ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ኣስማት ዘለዎም ውጉኣት ኣይተቐበልናን” ነይሩ መልሰን። ካልእ ሕንቂል ሕንቂሊተይ። ብልክዕ መህረምቶም ኣብ ኣእጋሮም ኢዩ። እንታይ ድኣ ረኺቡዎም?

ነዊሕ ሰዓታት ጸኒሖም ካብ ዝመጹ ውጉኣት፡ ድምጺ ናይ ሓንቲ ብርቱዕ ቃንዛ ዝነበራ ተጋዳሊት ሰሚዐ። ረዛን ኢያ ነይራ። ኣብቲ ዝተሃርመትሉ ቦታ ሓዲራ፡ ንጉሆ ኢዮም ኣውጺኦማ። ናይ መትኒ (ነርቭ) መህረምቲ ስለ ዝነበራ ኢያ፡ ክትሕከም ከላ ኣበርቲዓ ትቑንዞ ዝነበረት።

ሽዑ እዋን ከባቢ ዓራርብ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጀብሃ ስለ ዝነበረ፡ ማእከላይ ሕክምና ናይቲ ውድብ ኣብ ዓምበርበብ ኢዩ ዝነበረ። ኣነ’ውን ከም ኩሎም ውጉኣት ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓውየ ንቦታይ ተመሊሰ። ኣሃዱታትና ካብቲ ዝነርናዮ ቦታ ኣይተንቀሳቐሳን። ኣብ ሓንጎለይ ግን ሓደ ዘሻቕለኒ መልሲ ዘይረኸብኩሉ ጉዳይ ነይሩ።

“ናቶ ናይ ወኪ . . ኣበይ ከም ዝገደፋ ኣይትፈልጥን?” ብርሃነ ወዲ ካሕሳይ፡ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ካብ ሕክምና ዝተመለስኩላ መዓልቲ ዘቕረበለይ ዱቦላ ሕቶ ኢያ። “እዋእ ! እፈልጥ እወ፡ ብዛዕባ ብረቱ ትሓተኒ ግን ንሱ’ኸ ኣበይ ኣሎ? መህረምቱ’ኮ  ከቢድ ኣይነበረን። ስጋ ብስጋ ኣብ ሰለፉ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሕክምና ከኣ ኣይረኸብኩዎን!” ወዲ ካሕሳይ መልሲ ኣይሃበንን፡ ትም ኢሉ። ክምልሰለይ ኣይደለይን። ኣነ ግን ኣይገደፍኩዎን። “ወዲ ካሕሳይ! ብዛዕባ ወኪ እኮ ኢየ ዝሓተካ ዘለኹ!” ሕጂ’ውን ክነግረኒ ኣይደለየን፡ ከም ዘይገድፎ ምስ ተረድአ ግን “ወኪ ናብ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ተቐይሩ!” ክብል መሊሱ።

ብርሃነ ወዲ ካሕሳይ፡ ኣብ ጋንታና ናይ ዝነበረት መስርዕ ብሬን፡  መራሕ መስርዕ  ኢዩ።  ምስ ወኪ ጽቡቕ ምቅርራብ ከም ዝነበረና ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር – “ሻቕሎት ክፈጥረሎም ይኽእል ኢዩ” ንዝበልካዮም ሰባት፡ “ንስኻ ክትከዶ ወይ ክትረኽቦ ናብ ዘይትኽእል ቦታ ተቐይሩ ኣሎ!” ምባል ልሙድ ኢዩ። ኣነ’ውን፡ ብድሕሪኡ ብዛዕባ ወኪ ንዝኾነ ሰብ ኣይሓተትኩን። ወኪ ዓቕሊ ኣይገበረን። “ማሺንጋን ጸላኢ ኣፉ ከይተዓብሰ ከሎ ክወጽእ ክብል ተረኺቡ ኣሎ” ባዕለይ ዝበጻሕኩዎ መደምደምታ ኢዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ወዲ ካሕሳይ ብዛዕባ ብረቱ ጥራይ ንበይና ኣይምሓተተን።

ንምሸቱ ኣነ፡ ወዲ ካሕሳይን ሓደ ሰብ ወሲኽና፡ ብናይ ወርሒ ብርሃን ተሓጊዝና፡ ብረትና ኣኪብና። ወኪ ሒዙዋ ዝነበረ ናቶ፡ ንዕኡ ክሕክም ከለኹ፡ ኣብ ሓንቲ ጸሊሞ ዝዓይነታ ገረብ ኢየ ኣጸጊዐያ ነይረ። ሻምብቆኣ ንላዕሊ ስለ ዝነበረ፡ ማይ ኣትዩዋ እምበር ገለ ኣይኮነትን። ቀደም ዝነበሩ ኣባላት መስርዕና ግን – ሕጂ የለዉን። ረዛን ናይ መትኒ (ነርቭ) መህረምቲ ስለ ዝነበራ፡ ሰንኪላ ኣይተመልሰትናን። እቲ ኣብቲ ናይ ተበግሶ ውግእ ተጓዲሉ ዝነበረ ገጽን ኣስማትን ኣባላት መስርዕና፡ ድሕሪ 5 ጥሪ 1980 ብኻልእ ገጽን ኣስማትን ምሉእ ብምሉእ ተተኪኡ ኢዩ ጸኒሑኒ። እቲ ቀደም ዝነበረ ሽም ናይ መስርዕና ግን ኣይተቐይረን። ናይ ተጋድሎና ጉዕዞ’ውን ኣየቋረጸን። ብርሃነ ወዲ ካሕሳይን ዳርጋ ኩሎም ሽዑ ዝነበሩ ብጾት’ውን ኣብቲ ዝቐጸለ ውግኣት ስዒቦም ኢዮም። 20 ሰነ ድማ ናይ ኩሎም መዘከርታ ትኹን።

ነቲ ክሳብ ሎሚ ሽሙ’ውን ዘይሓዝክዎ ወዲ ባሻይ፡ ንመጀምርታ ዝረኣኽዎ ሽዓ ኣብታ ናይ ሞትን ህይወትን ህሞት፡ ናይ መወዳእታ ዝረኣኹዎ’ውን ሽዓ ኣብታ ናይ ህይወን ምምራኽን ህሞት ኢያ። ምስሉን ትብዓቱን ግን ንሓንቲ ካልኢት ‘ውን ትኹን ካብ ሓንጎለይ ዝተከወለሉ እዋን የለን። ኣብ ዓመቱ፡ ኣብ 1981 ዓ.ም ኣብ ረራሕ ዝበሃል፡ ስግር ሻባይ መንደር ዘሎ ነዊሕ እምባ፡ ኣብ ቅድሚት – ጸላኢ ሒዙዋ ዝነበረ፡ ካብ ከባቢ ድፋዕና ርሕቕ ዝበለት፡ ኣጻድፍ ዝበዝሓ በላሕ ታባ ነይራ። ሽዑ’ውን ወዲ ባሻይ ምስ ካልኦት ብጾት ኣጥቂዖም ክሕዝዋ ተኣዚዞም። ሕጂ’ውን ንዓኣ ተቖጻጺሮም ኣብ ዝባና ምስ ደየቡ፡ ሽሾ ሰራዊት ህሩግ ኢሉዎም። ወዲ ባሻይ – ብጾቱ ካብቲ ከባቢ ክወጹ ነጊሩዎም። ክሳብ ዝርሕቁ ግን ንበይኑ ምስ ጸላኢ ክታኾስ መሪጹ። ሽዑ ግን ኣይተዓደለን፡ ተወጊኡ። ክወጽእ ከም ዘይክእል ምስ ፈለጠ፡ በቲ ንሸነኽ ጸጋም ዝነበረ ገደል ነጢሩ  ሸ ለ ው ኢሉ። ጸላኢ ቅንጥብጣብ ስጋ እምበር ሬሳ ወዲ ባሻይ ኣይረኸበን። እዚ ካብ ገለ ኣብቲ ፍጻሜ ዝነበሩ ብጾት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኢዩ። እታ ብማዕዶ ትረአ በላሕ፡ ግን ከኣ ጸድፈ ዝበዝሓ ታባ ድማ፡ ብስሙ “ታባ ወዲ ባሻይ” ዝብል መጸውዒ ተዋሂቡዋ ነይሩ። ሕጂ’ውን 20 ሰነ ንኹሎም ንስለ ሃገሮምን ህዝቦምን ሀይወቶም ዘይበቐቑ ስውኣትና እናዘከርና፡ ብመንፈስ ምስኦም እንውዕለላ መዓልቲ ኢያ። ፍረን ጻማን ናይቲ መሬት ዝሰተዮ ድሞምን፡ ኣብ ሓመድ ዝመሽመሸ ዓጽሞምን እነስተማቕረሉ እዋን ድማ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም ስዉኣትና

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Tes June 18, 2017

    Tadesse
    The history you stated her is true. I am not dispute and for sure it was extraordinary. However, it was incompelete job. Would you ask yourself a simple question what’s is its end result? Start from yourself, you end up a refuge. The country is hell on earth. So how cauld you sell your strory to the young generation your story? The majority may feel petty of you. The truth is that all was for nothing or to get much less that what it was at your hand. It doesn’t make sense to say we were heroes but …. Heroes do not ask recognition but they earn it my the outcome of their deed. My friend you have nothing to show so far. Wedehanka

    • amanuel June 21, 2017

      Tes
      They ( the ghedlis) will celebrate liberation and martyrs day till they die never admitting the truth. We know what life looked like under derg and what life look like under ghedli administration. We never suffered water shortage, complete blackouts under derg. We owned our life under derg. Our life is now owned by ghedli “our liberators” who have not liberated themselves.

  • ያሲን ዑምር June 19, 2017

    ክቡር ሓው ተስ፥
    ብጻይ ታደሰ ነቲ ጅጋኑ ተጋደልቲ ብጾት ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ወተሃደራዊ ኩነታት ዘመስከርዎ ዘስተክር ጅግንነትን ትብዓትን ንክብሪ መዓልቲ ሰምእታት(20 ሰነ) ክብል’ዩ ዘኪሩ ገሊጹልና። ድሕሪ ናጽነት ህዝባዊ ሓርነት ብዘይምርግጋጹ፡ ንመስዋእቶም ይኹን ጅግንንቶም ኣየህሶን ኢዩ። ጠንቂ ናይቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ ዘሕዝን ኩነታት፡ ጥልመት ውልቀመላኽን ኣሳሰይቱን ዳኣምበር፡ ንናጽነት ሃገርካ ምግዳልን ንጅግነት ምስዋእን ከቶ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ግዝያውን ሓላፍን ወዳቕን ተረሳዕን ኢዩ። እቲ ብክቡር መስዋእት ኣሽሓት ተጋደልቲ ዝተጎንጽፍናዮ ናጽነትን ናብ ጋህዲ ዝተለወጠ ልኡላውነት ሃገርናን ግን ንዘልኣለም ዝጸንሕ ነባሪ ብዝኾነ ዋጋ ዘይትመን ዕዙዝ ጸጋ ኢዩ። ንዘውዳዊ ስርዓት ዝወገደ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምልዕዓል ብስርዓት ፋሽስታዊ ደርግ ስለ ዝተተከአ፡ ንከንቱ ከም ዝተኻየደ ጻማ ኣልቦ ምልዕዓል ጌርካ ክውሰድ ይከኣል ድዩ? ዝኾነ ሓርነታዊ ገድሊ ሽቶኡ መሊኡ ከይዛዘመ ዋላ ብኸፊሉ ይተዓወት፡ ስጉምቲ ንቕድሚት ስለ ዝኾነ፡ ተመራጺ ኢዩ። ስለዚ፡ ናይ ብጽይ ታደሰ ናይ ዝኽሪ ጽሑፍ ዘመጉስ እምበር ዘንቅፍ ኣበር ይብሉን።

    • k.tewolde June 20, 2017

      It is true Yassin,if there is one thing that brings us together as Eritreans is the sons and daughters who fell fighting gallantly on both fronts ELF/EPLF to liberate the nation we call Eritrea today.What happened to that nation after liberation,we have to look in the book of revelations to find the answer.So,recalling the gallantry and the insurmountable price that was paid by those selfless heroes and heroins on this day should not be taken as bragging right for some rather as a tribute for the fallen.Let us be kind to each other at least on this sacred day.God bless.

  • በረቐ ሃይለ June 20, 2017

    ሓው ታደሰ ምውዓልካን ጅግንነትን ዘይኮነስ ነቲ ዝወዓልካዮን ጅግነትካን ጅግንነት ብጾትካን ብቕሉዕ ምጽሓፍካ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ኢዩ። ብፍልይ ድማ ነቶም ንገድልን ተጋደልትን ክጸርፉ ዝውዕሉ movie ከምዘይ ኮነ ይፍለጥዎ። ዝገበረ ገይረ ክብል የብሉ ዝብል ኣበሃህላ ነቶም ዘይገበሩን ዘየርኣዩን ዝምልከት ደኣንበር እቶም ዝገብርሩን ጀጋኑን’ሲ ይደርጉሕዎ ደኣ። ተስፋ ይገብር እስካን ካለኦትን ከምዚ ዓይነት ተሞክሮታት ክትካፈልዎ። ዝገበረስ ይመስገን ደኣ።

  • amanuel June 21, 2017

    Isis claims they are heroes. I do not see any difference b/n our heroes the so callled ghedli and isis.

Post a Reply to amanuel Cancel Reply