Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስርዕ ስመር

ኣብቂዑ ኣይትበል ነቒዑ ተመን ኣይመውትን ሕቖኡ ተወቒዑ:: ጸንቂቑ ኣይትበል ነጺፉ ለኺቱ ኣፉ ከየውድቐካ ጠሊፉ: ሰበባ ገዲፉ:: ተበርቁቑ ኣይትግደፎ ወዲቑ ጨናፍር ኣለዎ ከይቀትለካ ሓኒቑ:: ቤት መቕደስ ኣትዩ’ሎ መስቀል ሒዙ ማይ ድጋም ከይመስለካ መርዙ: ንቓሕ ተበራበር ከይወስደካ ኣፍዚዙ ኣደንዚዙ:: ወጋሕታ ድግዝግዝ ኣብርሃዮ ኣዒንቲ ተኸተሎም ከዋኽብቲ ጋኔን ከይኣተወ

ኣብቂዑ ኣይትበል ነቒዑ

ተመን ኣይመውትን ሕቖኡ ተወቒዑ::

ጸንቂቑ ኣይትበል ነጺፉ ለኺቱ ኣፉ

ከየውድቐካ ጠሊፉ: ሰበባ ገዲፉ::

ተበርቁቑ ኣይትግደፎ ወዲቑ

ጨናፍር ኣለዎ ከይቀትለካ ሓኒቑ::

ቤት መቕደስ ኣትዩ’ሎ መስቀል ሒዙ

ማይ ድጋም ከይመስለካ መርዙ:

ንቓሕ ተበራበር ከይወስደካ ኣፍዚዙ ኣደንዚዙ::

ወጋሕታ ድግዝግዝ ኣብርሃዮ ኣዒንቲ

ተኸተሎም ከዋኽብቲ ጋኔን ከይኣተወ ናብ በዓቲ::

ብደመ ኣዕጽምቲ ዝተሰርሐት መንበር ሰይሩ

ተሸንዲሑ ብጽጋብ ኣሳፊሑ ኣእጋሩ ባሕሪ ተሳጊሩ

ንህልቂት ንሞት ኣኪቡ ዝመኽሩ

ተኹላ’ዩ ስጋ ሰብ ዝበልዕ

በጊዕ መሲሉካ ጉልባብካ ኣይትቕላዕ::

ወዲ ድሙ ኣይገድፍን ግብረ እሙ

ምፍሕጣር ኣይገድፍን ኣፍንጫኡ ተደርዒሙ

ጽናዕ: ትባዕ ኣይትዘራዕ

ዕርዲኻ ደርዕ ኣስምር መሳርዕ

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Amanwel hail August 15, 2015

    Kulu u Abe Mesmer zlo

  • BerheTensea August 16, 2015

    Good job. It must continue till the worst enemy of the people is gone or arrested.

  • Samson Medhane August 17, 2015

    Smerrrrrrrrrrrrrrrrrrrrr!!!!!!!!!!!!

POST A COMMENT